Written by :   Zac Poonen Categories :   Knowing God Foundational Truth
WFTW Body: 

ኣብ ዮው.8:44 የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን"።እዚ እቲ ሓደ ገጸ -ባህሪ ሰይጣን እዩ፥ሓቂ ኣብኡ ብጠቕላላ ኣብኡ የላን ኣብ ሓቂ'ውን ኣይጸንዕን እዩ።የሱስ ከምዚ ክብሉ' ውን ቀጺሉ "ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ"። እግዚኣብሄር ፍቕሪ ሰይጣን ክኣ ጽልኢ ምዃን ንርኢ ኢና፥ብኸምዚ ሓደ ዓይነት መንገዲ፥ የሱስ ከምዚ ክብል ንርኢና "ኣነ ሓቂ እየ" ድማ ስይጣን ሓሳዊ እዩ፥ንሱ ካብ ገዛእ ርእሱ ተፈጥሮ እዩ ዝዛረብ እዚ እዩ ተፈጥርኡ፥ ተፈጥርኡ ሓሶት ምንጋር እዩ ፥ምኽንያቱ ንሱ ሓሳውን ክኣ ኣቦ ሓሶት እዩ።ኩሉ ሓሶት ምንጩ ምስ ሰይጣን ከም ኣቦ እዩ።ሓሶት እንተ ድኣ ተዛሪብካ ፥እቲ ሓሶት ዝተወለደ ቆልዓ ብሰይጣን ኣቦ ብምኳንን ንስኽ ኽኣ ኣደ ብምኳንን እዩ።ኣብቲ ግዜ እቲ፥ልብኻን መልሓስካን ንሰይጣን ሂብካ ኢኻ፥ ሓሶት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቆልዓ ከተፍሪ። እግዚኣብሄር ፍጹም ኣቦ ናይ ሓሶት ኣይከውንን እዩ።ስለዚ እዩ ኽኣ ሓንሳብ ክርስትያን ኣማኒ ምስ ኮንካ ፥ኩሉ ግዜ ሓቂ ክትዛረብ ከም ዘለካ ክትምሃር ኣገዳሲ ዝኸውን።

የሱስ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ብምድሪ ዀነ፡መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐ" (ማቴ.5:37)። ንሱ ከምኡውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም" (ማቴ.5: 33)።ማሕላ ክትገብር ኣይደልን እዩ ምኽንያቱ፥ ሰብ ማሕላ ክገብር ከሎ ፥ንሱ ኢዱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከሎ ወይ ብእግዚኣብሄር ወይ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ክምሕል ከሎ ፥እንታይ እዩ ብሓቂ ዝብል ዘሎ ? 'ግርም መብዛሕትኡ ግዜ ሓሶት እየ ዝዛረብ ፥ግናኸ ሕጂ፥ሓቂ እየ ዝዛረብ ዘለኹ ምኽንያቱ ኣነ ይምሕል ኣለኹ'።ግናኸ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ከምዚ ክትኮኑ ኣይግብኣኩምን፥ኩሉ ግዜ ሓቂ ክትዛረቡ ኣለኩም፥እዚ ክኣ፥ ብጠቕላላ ምምሓል ኣይድሌኩምን እዩ"። "ኣብ ትሕቲ ማሕላ ዝተነገረ ቃላት ካብቲ ብዘይ ማሕላ ዝተነገር ዝያዳ ትኣማኒ ክኸውን የብሉን" ሓደ ክኸውን ይግባእ። ዝኾነ ነገር ክኒዮ እዚ ክፉእ እዩ።

እግዚኣብሄር ናብኡ ክንመጽእ ከለና እቲ መጀመሪያ ነገር ካባና ዝጠልቦ እንታይ እዩ ? ፍጽምና ፥ንጽህና በጎነት፥ፍቕሪ ኣይኮነንን ፥ድማ ካብ ኣዚኦም ነገራት ኣይኮነን።ናብኡ ክንመጽእ ከለና እግዚኣብሄር ካባና ዝደልዮ ሓደ ነገር ጥራይ ኣሎ ፥እዚ ክኣ ቅንዕና እዩ።

ገነት ንፍጹማት ሰባት ኣይኮነን ተሰሪሑ ።ንቑኑዓት ሰባት እዩ ተሰሪሑ።ነቶም ሓቂ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት እዩ ተሰሪሑ።እቲ ናይ መጀመሪያ ሓጥያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰ 'ሓሶት' እዩ፥እዚ ጽሑፍ ንባብ ፥ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ንረኽቦ፥ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመሪያ ሓጥያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰ ድማ እዚ እቲ ሄዋን እግዚኣብሄር ኣይትብልዕዋ ኢሉ ካብ ዝኸልከሎም ኣሞ ምስ በልዔት ኣይኮነን ተፈጺሙ።ዝተጠቐሰ ሓጥያት ኣሎ ኣብ ዘፍጥረት 3 ዋላ ቅድሚኡ ፥ብሰብ ኣይኮነን ተፈጺሙ ግናኸ ብሰይጣን እዩ።ሰይጣን ናብ ሄዋን መጺኡ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓቲትዋ "እግዚኣብሄር ዝኾነ ካብ እተን ኣእዋም ኣይትብልዑ ኢልኩም ድዩ ? ክኣ እታ ሰበይቲ ከምዚ በለት "እወ እግዚኣብሄር ኢሉ እዩ እንተ ድኣ ካብታ ማዕከል ኤደን ዘላ ኦም በሊዕኩም ፥ክትሞቱ ኢኹም ኢልና"።እቲ ተመን በለ ኣብ ዘፍጥረት 3:4,"ብርግጽ ኣይትሞቱን ኢኹም"።እዚ ሓሶት እዩ ነይሩ።እቲ ናይ መጀመሪያ ሓሶት ድማ እቲ ናይ መጀመሪያ ሓጥያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰ እዩ ፥ኣይትመውትን ኢኻ፥ንእግዚኣብሄር ከይትእዘዝ ትኽእል ኢኻ ግናኸ ንዕኡ ኣይትቕጽዓሉን ኢኻ፥ ናብ ሲኦል ኣይክትከይድን ኢኻ።ሓጥያት መቕጻዕቲ የብሉን ፥እዚ እዩ እቲ ሓሶት በዚ ገይሩ ንሄዋን ዘታለሉ፥ድማ ካብዚ ግዜ ኣትሒዙ ንሱ ንብምሉኡ ዓሌት ሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ኣታሊሉ እዩ፥ዋላ ክሳብ ሎሚ ።ሰበኽቲ ኣለዉ ንሓጥኣን ዘጸናንዑ ብሓጥያቶም ከምዚ ብምባል "ንጎይታ ተቐቢልካ ኢኻ።ብዘይግድስ ክንደይ ሓጥያት ሰርሒካ ፥ናብ ሰማይ ክትከይድ ኢኻ"።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 8:11 ከምዚ ይብል "እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፈርድን እዩ እሞ፡ ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ" ።እዚ ብምኽንያት እግዚኣብሄር ብኡ ንብኡ ስለ ዘይቀጽዕ እዩ ፥ሰባት ሓጥያት ምግባር ድማ ይቕጽሉ። ስለዚ ድማ ሰይጣን ከምዚ ይብል "ኣይክትቅጻዕን ኢኻ።ኣብ ዙሪያኻ ዘለዉ ንኹሎም ርኣዮም።ርኣዮም ኣቲ ዝፍጽምዎ ሓጥያት።ርኤ ነዚኦም ኣመነቲ ኣዚዩ ብዙሕ ጌጋ ነገራት ዝገብሩን ድማ ምስኡ ክኣ ይኸዱ ።ናይ እግዚኣብሄር መቕጻዕቲ፥ መቕጻዕቲ ገና ኣይመጸን።እዚ እቲ ኩሉ እዩ።ስለዚ ሰይጣን ንሰባት ዝዕሽወሉ ሓሶት ኣሎ፥ ሓጥያት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ስቅያት ኣይመጻካን እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል "እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ከም ስጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም" (ሮሜ.8: 12) ። ግናኸ ሰይጣን ይብል፥"ኣይፋሉን፥ ኣይክትመውትን ኢኻ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፥የሱስ ናብ ህይወትካ ክመጽእ ሓቲትካ ኢኻ።ስለዚ፥ዋላኳ እንተ ድኣ ብስጋ ተመላሊስካ ፥ኣይትመውትን ኢኻ"።እዚ ስሕተት እዩ። ብስጋ እንተ ድኣ ተመላሊስካ ክትመውት ኢኻ። ብጠቕላላ ብዛዕባዚ ዘጠራጥር የልቦን።እንተ ድኣ ሰይጣን ሓሳዊ ኮይኑ ፥ንሱ ነዚ ተፈጥሮ ናብ ደቁ ክሕልፎ እዩ ዝደሊ።ድማ እዚ ኣዚዩ ቀሊል እዩ ንኣማኒ በዚ ክልከፍ።ኣብ ዝኾነ እዋን ሓሶት ክትነግር ከለኻ።ገዛእ ርእስኻ ንሰይጣን ንሓደ ተወሳኺ ቆልዓ ኣቦ ክኸውን ትህብ ኢኻ ዘለኻ።

ኣብ መወዳእታ ዝተጠቐሰ ሓጥያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራኢ.22:15፥ኣብኡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ምዓልቲ ካብ ከተማ ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾኑ ሰባት ይዛረብ"እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን *ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን* ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም"። ነዚ ከቶ ኣስተዊዕልካሉ ትፈልጥዶ ፥እቲ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ሓጥያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሰ ሓሶት ምንጋር እዩ ! ሓሶት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ነገር እዩ። ንእግዚኣብሄር ምሕሳው ንሰባት ምሕሳውን ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ሰይጣን እዩ ኣቦ።ጴጥሮስ ንሃናንያ ከምዚ ኢልዎ "ስለ ምንታይ ንመንፈስ ቅዱስ ሓሲኻ ? " በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ተቐቲሉ። እቲ ናይ መጀመሪያ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ዝተፈረደ ሓሶት ምዝራብ እዩ።ብዘይ መጠን ኣተሓሳሳቢ እዩ።ድማ በዚ እዩ ፥ከም ወለዲ ሓደ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር ንደቅና ክንምህሮም ዝግባእ ሓሶት ምንጋር ምዝራብ ደው ከብሉ እዩ።ደቀና ብናትና ተፈጥሮ እዮም ተወለዶም።ካብ ዝተወለድሉ ግዜ ጀሚሮም ሓሶት ይዛረቡ። ማዕረ ክንደይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ እንተ ዘይነጊርናዮም፥ኣብ ብህይወትና እንተ ዘይሬኦሞ ክምሃሩ ኣይክእልን እዮም። ክሪኢዎ የድሊ ከም ወለዲ ሓቂ ምዝራብ ብዕቱብ ክንወሰዶ፥እቲ እንተ ድኣ ሓደ ነገር ኢልና ንዕኡ ከም እንገብሮ።ሓደ ነገር ንደቅና ክንገብሮ ተስፋ እንተ ድኣ ሂብናዮም ፥ቃልና ክንሕሉ ይግባእ ወይ እንተ'ድኣ ገለ ካልእ ኩነታት መጺዩ ካብ ምግባሩ ከልኪልና ክንገልጸሎም የድሌና።

ሓቂ ምዝራብ ጽሬት እዩ ፥ ደግነት እዩ።ብምሉእ ልብና ክንቃለስ ኣሎና፥ እንተ ድኣ ክንቀስም ኮይና።መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ሓቂ እዩ።እንተ'ድኣ ብሓቂ ዝተመላእካ ክትከውን ደሊኻ ፥ንመንፈስ ቅዱስ ክመልኣካን እዚ ናይ ምሕሳው ልምዲ ኣብ ዘረባኻ ክሕንኸካ ሕተቶ። እዚ እንተ ድኣ ገይርና፥ እግዚኣብሄር ንናይ ሰይጣን ሓሶት ከታልለና ዝደሊ ክነለልዮ ከም ዝሃበና ኮይኑ ክንረኽቦ ኢና።