ኣብ 1ተሰሎንቄ 4=13-18 ጳውሎስ ብዛዕባ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ የሱስ ከመይ ከም ዝኸውን ይዛረብ " ግናኸ፡
ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ
ኣይፈቱን እየ"(1 የሰሎንቄ 4=13) እዚ ቃል ንቶም ብክርስቶስ የሱስ ድሒኖም ዝሞቱ እዩ ዝጠቅስ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ
ሞይቱን ተንሲኡን እዩ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ኽኣ እንደ ገና ክትንሰኡ እዮም ፥የሱስ ክምለስ ከሎ እቶም ብህይወት
እንጸንሕ ንቶም ብክርስቶስ የሱስ ኣቕዲሞም ዝሞቱ ከቶ ኣብ ትንሳኤ ኣይክንቅድሞምን ኢና ካብ መቓብራት ክትንስኡ እዮም
እቶም ኣቐዲሞም ብክርስቶስ የሱስ ዝደቀሱ፡እዚ እምብኣር ቀዳማይ ትንሳኤ እዩ፥ እቶም ብህይወት ዘሎና ንምቕባል ጎይታ ኣብ
ኣየር ምስታቶም ሓቢርና ብደበና ክንላዓል ኢና። እቶም ዘይኣመንቲ ግን ንዝቕጽል ሓደ ሽሕ ዓመታ ኣይክንትንስኡን
እዮም።ኣብ ካልኣይ ትንሳኤ ግና ክትንስኡ እዮም።
"እቶም ደቂ ብርሃን ዝኾና ግን ንምጽኣት ጎይታ ንጸባበ ኢና" የሱስ ክርስቶስ ዳግም ክመልስ ከሎ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ
ጭድርታ፥ ብድምጺ ሊቀ መልኣኽቲ፥ ብመለኸት ኣምላኽ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ ፥ድሕሪዚ ኩሎም ቅዱሳን ንምቕባል ጎይታ ኣብ
ኣየር ብደበና ክላዓሉ እዮም። የሱስ ኣብ ማቴ 24=26 ብዛዕባ እዞም ነገራት ልክዕ ከምዚ ንደቂ መዛሙርቱ ተዛሪብዎ ኣሎ
"እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ፡ ኣብ ቤት አሎ እንተ በሉኹም ውን ኣይትእመኑ" ወይ ክኣ ብምስጢር
ክመጽእ እዩ ጎይታ ኣብዚ ዝብሎ ዘሎ ብምስጢር ከም ዘይመጽእ እዩ።ከምዚ ሎሚ ብዙሓት ኣመንቲ ብምስጢር ክመጽእ እዩ ኢሎም
ዝኣምኑ ዘለዉ።የሱስ ክምለስ ከሎ ከምቲ በርቂ ካብ ምብራቕ በሪቑ ክሳብ ምዕራብ ዝርኤ ነፍሲ ወከፍ ዓይኒ ክትርኤ
ክትክእል እያ "በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ" (ማቴ
24=26-27)።
ዳግም ምጽኣት ጎይታ ምዓስ እዩ ክኸውን ? ነዚ ውን የሱስ መሊስዎ ኣሎ "ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ
ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።
ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ
ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም" (ማቴዎስ 24=29-30) ብዙሓት ኣመንቲ ክርስቶስ የሱስ
ንቕዱሳኑ ቅድሚ መከራ ብምንጣቕ ከም ዝዎስዶም እዮም ዝኣምኑ ፥እንተ ኾነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንጣቕ ኣመንቲ
ቅድሚ ናይ መከራ ግዜ ዝብል ትምህርቲ ሓንቲ ጥቕሲ እኳ የልቦን እዚ ምህሮ ሰብ እዩ ጎይታና የሱስ ገዛእ ርእሱ ብንጹር
ገልጺዎ እዩ ድሕሪ ናይ መከራ ግዜ ከም ዝምለስ ።ኣብ 1 ተሰሎንቄ 4=16-17 ተጠቒሶም ዘሎዉ ፍጻመታት ኣብ ማቴዎስ
24=30-31 ተጠቒሶም ዘሎዎ ፍጻመታን ልክዕ ሓደ እዮም የሱስ ብደበና ሰማይ ክርኤ፥ ምስ መልኣኽቲ፥ ድምጺ መለኸትን
ቅዱሳን ክኣ ብምንጣቕ ንጎይታ ክቀባበልዎ ክላዓሉን።
ኣብ 1ተሰሎንቄ 5=1-2 ከምዚ ነንብብ "ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡
ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ" ሰራቒ ክመጽእ
ከሎ ይመጽእ ኣለኹ ኢሉ ኣይእውጅን እዩ ፥ ሃንደበት ከይተጸበኻዮ እዩ ዝመጽእ፥ እዚ ኽኣ ነፍሲ ወከፍ ዘይኣማኒ ክርስቶስ
ዳግም ምስ ተመለሰ ክግረም እዩ፣ እንተ ኾነ ንሕና ደቁ ብርሃን ጎይታና ክመጽእ ንጽበዮ ኢና ዘሎና "ንስኻትኩም ግና፡
ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት
ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን" (1 ተሰሎንቄ 5=4-5) ኣብ ጸልማት ኣይንነብርን
ኢና ፥ስለዚ መንፈሳዊ ድቃስ ኣይንድቅስን ኢና ግናኸ ንቑሓት "ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት
ኣይንደቅስ" (1ተሰሎንቄ 5=6)።
ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጥ ደቂስና ዲና ዘለና ወይ ነቒሕና ? ሰብ ምስ ደቀሰ እቶም ክውን ሓቂ ዝኾኑ ነገራት ኣብ ዙሩያ
እቲ ክፍሊ ንዕኡ ስውር እዩ፥ ኮይኑ ግን እቶም ክውን ሓቂ ዘይኮኑ ነገራት ኣብ ሕልሙ ከም ክውንም ሓቅን ኮይኖም
ይርኣይዎን ይስሞዖን ። ልክዕ ብኸምዚ መንገዲ ኣማኒ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱ ደቂሱ እንተ ድኣ ኣሎ እቶም ክውንም ሓቅን
ነገራት ናይ ዘልኣለማውነት፥ ሰማይ ከም ዘይክውንነት ዘሎዎም ኮይኖም ይርኣይዎ ፥ እቶም ዘይክውንነት ሓቅን ዘይኮኑ
ነገራት ናይ ዓለም ክኣ ከም ሓቂ ክውናት ኮይኖም ይርኣይዎ ።ብዘላ ዓለም ልክዕ ክውንን ሓቂ ዘይኮነ ሕልሚ እያ ምስ
ሰማይን ዘልኣለምነት ክነጻጻር ከሎ ፥እቶም ክውናትን ሓቅን ዘልኣለማዊ ነገራት ናይ ሰማይ እዮም ፥ብርግጽ ንቶም ደቂሶም
ዘለው ኣመንቲ ጎይታ ልክዕ ከም ሰራቒ እዩ ክመጾም ፥ጳውሎስ ከምዚ ይብል ነታ ምዓልቲ ጎይታ ነቛምታን ብዓቢ ሃረርታ ውን
ንጽበያ ኣሎና።
ሰባት ኣብ ዙርያና ዘሎዉ ኩሉ ነገር ሰላምን ድሓንን እዩ ዘሎ ኢሎም ክሓስብ እዮም "ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡
ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም" (1 ተሰሎንቄ 5=3) ጎይታ
የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ምዓልታት ኣብ ማቴዎስ 24=8 ክዛረብ ከሎ ልክዕ ቅልውላው ጥንሲ ዝብል ኣገላልጻ ተጠቒሙ ኣሎ
፥ነፍሲ ወከፍ ስበይቲ ቅድሚ ቆልዓ ምሕራሳ ኣዚዩ ናይ ቃንዛን ጻዕርን ግዜ ንቡዙሕ ስዓታት ዝጸንሕ ከም ዝኸውን ትፈልጥ
እያ ፥ ገለ ኣዴታት እታ ቃንዛ ካብ ምብርትዑ ዝተልዓለ ከም ዝሞታ ኮዩኑ ከም ዝስምዔን ይዛረባ፥ድሕሪዚ ጥራይ እዩ እቲ
ቆልዓ ዝውለድ ፥እዚ ስእሊ ናይቲ ቅድሚ ምጽኣት ጎይታ ዝኽሰት ኣዚዩ ናይ ሽግርን መከራን ግዜ እዩ።ብዘይ ቅልውላው ናይ
ሕርሲ ዝተወለደ ቆልዓ የለን ስለዚ ምጽኣት ጎይታ ቅድሚ እዚ ቃንዛ ዝበዝሖ ናይ መከራ ግዜ ኣይክኸውንን እዩ፥ ነዚ ናይ
መከራ ግዜ ኣይንፈርሖን ኢና እንተ ድኣ ጎይታ ኣብዚ ናይ መከራ ግዜ ከም ምስክሩ ክንህሉን ምእንቲ ወንጌል ህይወትና ውን
ክንሕልፍ እንተ ፈቒዱ ንዓና ዓቢ ክብሪ ክኸውን እዩ!