What we believe


ናይ ቤተ ክርስትያን ሲ.ኤፍ.ሲ መግለጺ እምነት

Christian Fellowship Church, Bangalore - 2015
Christian Fellowship Church, Bangalore - 2015

1). መጽሓፍ ቅዱስ 66 መጽሓፍቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎን ጌጋ ኣልቦ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እዩ። ኣብ'ዛ ምድሪ ኽኣ በይኑ እኹሉን መራሒናን እዩ።
2). ብሰለስተ ኣካል ዘልኣለማዊ ህልውንኡ ብዝዀነ ሓደ ኣምላኽ ንኣምን። እዞም ኣካላት- ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ይብሃሉ።

3). ኣምላኽነት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ፥ ካብ ድንግል ዝተወለደ ምዃኑ፥ ፍጹም ሰብ ምዃኑ፥ ፍጹም ሓጢያት ኣልቦ ህይወቱ፥ ኣብ ክንዳና ሞቱ፥ ምእንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢያትና፥ ናብ ኣቦ ዕርገቱ፥ ንቕዱሳኑ ክወስድ ዳግም ከም ዝምለስ ንኣምን።

4). ኩሉ ሰብ ብሓጢያት ምውት ከም ዝዀነ ምሉእ ብምሉእ ክኣ ጠፊኡ እዩ። እቲ እንኮ ሓጢያቶም ክሕደገሎም ዝኽእል ብንስሓን ብሞቱን ትንሳኤን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ።

5). ኣብ ስራሕ ዳግም ምልዋጥ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ፥ ሰብ ዳግም ይውለድ ውሉድ ኣምላኽ ይኸውን።

6). ጽድቂ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ጥራይ እዩ፥ ናይ'ዚ መረጋገጺ ኽኣ ንኣምላኽ ዘኽብር ህላወ ሰናይ ዕዩ እዩ።

7). ድሕሪ ዳግም ልደት፡ ጥምቀት ኣብ ማይ ብምጥላቕ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስ እዩ።

8). ምእንቲ ንክርስቶስ ምስክር ክትከውን ሓይሊ ክህልወካ ብህይወትን ቃልን፥ ኣድላይነት ብመንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ምምላእ ንኣምን።

9). ኣብ ትንሳኤ ጻድቃን ናብ ዘልኣለማዊ ህይወትን፡ ኣብ ትንሳኤ ሓጥኣን ናብ ዘልኣለማዊ ኩነኔ ንኣምን።

ንምሉእ መግለጺ እምነትና ኣብ'ዚ ጠውቕ