ናይ ቤተ ክርስትያን ሲ.ኤፍ.ሲ መግለጺ እምነት
- መጽሓፍ ቅዱስ 66 መጽሓፍቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ጌጋ ኣልቦ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እዩ ፥ኣብዛ ምድሪ ኽኣ በይኑ እኹሉን መራሒናን እዩ።
- ብሰለስተ ኣካል ዘልኣለማዊ ህልውንኡ ብዝኾነ ሓደ ኣምላኽ ንኣምን እዞም ኣካላት ኣብ፥ወልድ፥መንፈስ ቅዱስ ይብሃሉ።
- ኣምላኽነት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ፥ካብ ድንግል ምውላዱ፥ፍጹም ሰብ ምዃኑ ፥ፍጹም ሓጥያት ኣልቦ ህይወቱ፥ኣን ክንዳና ሞቱ ምእንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጥያትና ፥ዕርገቱ ናብ ኣቦን ፥ንቕዱሳኑ ክወስድ ዳግም ከም ዝምለስ ንኣምን።
- ኩሉ ሰብ ብሓጥያት ምውት ከም ዝኾነ ምሉእ ብምሉእ ክኣ ጠፊኡ እዩ እቲ እንኮ ሓጥያቶም ክሕደገሎም ዝኽእል ብንስሓን ብሞቱን ትንሳኤን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ።
- ኣብ ስራሕ ዳግም ምልዋጥ መንፈስ ቅዱስ ፥ሰብ ዳግም ይውለድ ውልድ ኣምላኽ ይኸውን።
- ጽድቂ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ጥራይ እዩ ናይዚ መረጋገጺ ኽኣ ህላወ ሰናይ ዕዩ ንኣምላኽ ዘኽብር።
- ድሕሪ ዳግም ልደት ጥምቀት ኣብ ማይ ብምጥላቕ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስ እዩ።
- ኣድላይነት ብመንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ምምላእ ምእንቲ ንክርስቶስ ምስክር ክትከውን ሓይሊ ክህልወካ ብህይወትን ቃልን።
- ኣብ ትንሳኤ ጻድቃን ናብ ዘልኣለማዊ ህይወትን ኣብ ትንሳኤ ሓጥኣን ናብ ዘልኣለማዊ ኩነኔ ንኣምን።