Our Financial Policy


ሓቀኛ ዕዮ እግዚኣብሄር፡ ገንዘብ ክጥቀም ይኽእል እዩ፥ ግናኸ ፍጹም ኣብ ገንዘብ ዝምርኰስ ኣይኰነን፥ ኣብ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዝምርኮስ። ዝዀነ ዕዮ ኣብ ገንዘብ ዝምርኰስ እንተ ዀይኑ፥ ሓቀኛ ዕዮ ኣምላኽ ኣይኰነን።
Our Financial Policy
ናይ የሱስ ኣገልግሎት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝተሞርኰሰ ጥራይ ነበረ። ንሱ ውህበታት ገንዘብ ንዕዩኡ ካብ ስዓብቱ ተቐቢሉ እዩ (ሉቃ.8፡2-3)። ግናኸ ንሱ ፍጹም ንዝዀነ ሰብ ኣብ ዝዀነ ግዜ ገንዘብ

ኣይሓተተን፥ ንሱ ገንዘብ ዘድሊዮ ፍጹም ንዝዀነ ሰብ ኣይፍልጠን፡ እንተ ኾነ ንኣቡኡ ጥራይ ኣፍሊጡ። ዝዀነ ኣገልግሎት ንእግዚኣብሄር ዘኽብር ዕዮ ዋላ ሎሚ፥ እዚ እዩ እቲ መገዲ።

የሱስ እቲ ናይ መጀመርያ ሰብነት [Physical]፥ "ኣካል ክርስቶስ" ኣብ ምድሪ ነበረ። ሎሚ ንሕና ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊ "ኣካል ክርስቶስ" ተባሂልና ንጽዋዕ። ስለዚ ድማ ንሕና ኣብነት የሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ንገንዘብ ዝምልከት ዝሰርዓልና ክንስዕብ ንደሊ።

ስለዚ ኽኣ ካብ 1975 ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ከም ቤተ ክርስትያን ዝጸናሕናሉ፥ ንዋላ ሓደ ሰብ ፍጹም ንዘድሌና ነገር ገንዘብ ኣይሓተትናን፥ ከምኡውን ፍጹም ዝዀነ ናይ ጸሎት ደብዳቤታት ብዛዕባ ዝጎደለና ዘድሌና ኣንፈት ሂብና ኣይንፈልጥን። ሞባእ ኣብ ቤተ ክርስትያን ባንግሎር ወይውን ጎይታ ብኣና ገይሩ ዝተኸለን ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ህንዲ ኰነ ኣብ ወጻኢ ሞባእ ፍጹም ወሲድና ኣይንፈልጥን። ናይ ሞባእ ሳንድቕ (ንቤተ ክርስትያን ዝውሃብ ገንዘብ) ጥራይ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ነቐምጥ፥ እዚ ኽኣ ነቶም ብምስጢር ብድሌቶም ተሓጊሶም ክህቡ ንዕዮ ጎይታ ዝደሊዩ እዩ።

ንኹሎም ነቶም ናብ ዓመታዊ ናይ ሰለስተ ምዓልታት ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ህንዲ ቦታታት ዝተረኸቡ፥ መግብን ምሕደርን ብነጻ ንቕርብ። ኩሎም እቶም ሽማግለታት ኣብ ኣብያተ ክርስትያናትና ዘለዉ ብምድራዊ ስራሕ ርእሶም ይድግፉ፥ "ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ" ዋላ ሐደ ካብኦም ብቤተ ክርስትያን ዝድገፍ የልቦን። መጽሓፍትና፡ ጽሑፋትና፡ ብድምጽን፡ ቪድዮን መልእኽትታትና ኣብ ኢንተርነት ክርከብ ዝክኣል እዩ። ዝዀነ ሰብ ኣብ ዓለም ዘሎ ከንብቦ፡

ክስምዖ፡ ክሪኦን ብነጻ እዩ። ኩሉ ብነጻ ኢና ካብ ጎይታ ተቐቢልናዮ፡ ንኹሉ ኽኣ ብነጻ ንህቦ።

ቅድሚ ምሃብካ ብጃኻ ነዚ ኣረጋግጽ

1). ዳግም ዝተወለድካ ውሉድ ኣምላኽ ዲኻ፧


2). ንቤተሰብካ ዘድልዮም ነገር እኹል ኣለካ ድዩ፧

3). ብዘይካ ናይ ገዛ ልቓሕ( Loan) ትእወዶ ኣለካ ድዩ፧

4). ምስ ኩሉ ሰብ ተዓሪቕካ ዲኻ፧

5). ተሓጒስካ ዲኻ ትህብ ዘለኻ፧



ኩሉ እዚ ኣገልግሎት ብርግጽ ብዙሕ ገንዘብ ይጠልብ እዩ - ድማ ዝዀኑ ሚሊየነራት ኣብ ቤተ ክርስትያና ንዕዮን ዝድግፉ የብልናን። ህንዲ ኣዚያ ድኻ ሃገር ክትከውን ትኽእል፥ ግናኸ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ደሊና-ከምኡውን እግዚኣብሄር ንዘድሌና ኩሉ ግዜ ይቕርበልና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣገልግሎትና ካብ እንፍልም ፍጹም ኣብ ዝዀነ ግዜ ኣብ ልቓሕ ኣቲና ኣይንፈልጥን ኢና። ንቤተ ክርስትያን ምህነጺ ካብ ባንኪ ፍጹም ተሊቂሕና ኣይንፈልጥን ኢና። ንኻልኡት ካብ ናትና ብዝተፈለየ መገዲ ዝገብርዎ፥ ናይ ካልኡት ኣገልግሎት ኣይንፈርድን ኢና። ኰይኑ ግን እዚ እዩ እግዚኣብሄር ዝመርሓና መገዲ፥ ናይ የሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብነት ክንስዕብ ደሊና ኢና -እቲ ናይ መጀመርያ "ኣካል ክርስቶስ" ኣብ ምድሪ።

ስለዚ ሰባት ነዚ ኣገልግሎትና ክህቡ ክሕግዙ ይኽእሉ፥ እንተ ዀነ ክሓቱና ከለዉ፥ በዚ መቆጻጸሪ ዝርዝር ክሓልፉ ንሓቶም፦

1). ዳግም ዝተወልድካ ውሉድ ኣምላኽ ዲኻ፧ ኣብዛ ምድሪ ንዕዮ ኣምላኽ ክትሕግዝ ዓቢ ክብርን ፍሉይ መሰልን እዩ፥ ግናኸ እዚ ፍሉይ መስለ ነቶም ዳግም ዝተወለዱ ጥራይ እዩ ዝውሃብ (3 ዮው.7)።

2). ንስድራቤትካ ዘድልዮም ነገራት እኹል ገንዘብ ኣለካ ድዩ፧ ርግጸኛ ዲኻ እዚ ብምሃብካ ንስድራኻ ኣብ ትሕቲ ገንዘባዊ ጸገም ከም ዘይእትዎም፧ መጀመርያ ዘድልዮም ነገራት ንስድራኻ ክትሓሊ ኣለካ (ማር.7:9-13 ን 1ጢሞ.5:8) ርኤ። ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ኣዚዩ ሃብታም እዩ። ከምኡውን ንሱ ከም ዝዀነ ሃብታም ኣቦ ደቁ ክጠምዩ ክስቀዩ ብዝዀነ መገዲ ኣይደልን፥ ጥራይ ምኽንያቱ ንዕኡ ገንዘብ ስለ ዝሃብዎ።

3). ክትከፍሎ ዘለካ ገዚፍ ዕዳ ኣለካዶ፧ እንተ ሃሊ'ኳ ኰይኑ ቅድም ዕዳኻ ክፈል። እግዚኣብሄር ደቁ ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት ክነብሩ፥ ካብ ኩሉ ዕዳ ነጻ ክዀኑ እዩ ዝደሊዩ። መጀመርያ እቲ ናይ ቄሳር ናቱ ዝዀነ ክንህብ ኣሎና ቅድሚ ዝዀነ ነገር ንእግዚኣብሄር ምሃብና። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ናይ ቄሳር ገንዘብ ይኹን ወይ ናይ ዝዀነ ካልእ ሰብ ገንዘብ ክንህብ ኣይደልን እዩ (ማቴ.22:21፥ ሮሜ.13:8)።

መዘኻኸሪ - ካብ ባንኪ እትልቅሖ ናይ ገዛ መግዝኢ ልቃሕ ኣይኰነን፥ 'ኣብዘን ጥቕስታት ዘሎ ትርጉም' ምኽንያቱ እቲ ገዛ እትውንኖ ንብረት ማዕረ ዋጋ ኣለዎ፥ ምስቲ ዝተወሰደ ልቓሓ። ብሓደ ዓይነት ምኽንያት መኪና ብልቃሕ ካብ ባንኪ ዝተወሰደትውን ልቓሕ ኣይኰነትን - እንተ ድኣ እታ መኪና ብዋጋ እቲ መጠን ካብ ባንኪ እተወሰደ ገንዘብ

ኢንሹራንስ ኣቲያ።

4). ጽሩይ ሕልና ኣለካዶ፧ ምስቶም ብዝዀነ መገዲ ዝጎዳእካዮም ሰባት ክትዕረቕ ዝክኣለካ ገይርካዶ፧ እግዚኣብሄር ዝዀነ መስዋእቲ ካብ ዝዀነ ሰብ ኣይቅብልን እዩ፥ ካብ ንሓደ ሰብ ዝጎድኤ እሞ ነቲ ሰብ ይቕሬታ ዘይሓተተ (ማቴ.5:23-24)።

5). ብነጻን ብትሓጓስን ዲኻ እትህብ ዘለኻ፥ ከምኡውን ብዘይጸቕጢ ካብ ዝዀነ ሰብ ወይ ዋላውን ካብ ናይ ገዛ ርእስኻ ሕልና፧ እግዚኣብሄር ብእናዕጠይጠየ ዝህብ ዘይኰነስ ተሓጊሱ ዝህብ እዩ ዘፍቅር። ንሱ ውህበት ካብቶም ብጸቕጢ ዝህቡ ወየ ገለ ግዴታ ምእንቲ ክፍጽሙ ዝህቡ ወይ ምእንቲ ሽልማት ክቕበሉ ተጸብዮም ኢሎም ከም መልሲ ዝህቡ ኣይደልን እዩ (2ቈሮ.9:7)።

በዚ መቆጻጸሪ ዝርዝር ክትሓልፍ ከለኻ ብጀኻ ተዓገሰና። ኣብ ገንዘባዊ ነገራት ኣብነትን ምህሮን ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ኢና እንደሊ ዘለና።

ምሃብ ንክርስትያን ሕብረት ማእከል ን ሲ.ኤፍ.ሲ


ድሕሪ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብጥንቃቐ ኣብ ግምት ምእታውካ፥ እንተ ድኣ ገና ነቲ ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ክትሕግዝ ተሰሚዒካ፥ ካብ እዞም ዚስዕቡ መገድታት ከተበርክት ትኽእል ኢኻ።



ወፈያ ብገንዘብ ምስግጋር (Money transfer)


ንክርስትያን ሕብረት ማእከል ሲ.ኤፍ.ሲ CFC፥ ኢሜይልካ ስደደላና ናብ (ዝተሓለወ ኢሜይል)።



•ቸክ (cheque) check

ብቼክ ውን ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ ብስም "christian fellowship center" ብዝተመዝገበ ኢሜይል ናብ'ዚ ዝስዕብ ኣድራሻ፦


CHRISTIAN FELLOWSHIP CHURCH #69-71, Paradise Enclave, Bellahalli, Kannur - Kogilu (Airport Link Road), Bangalore – 560 064 Phone : +(91) 80 2547 7103 +(91) 948 194 1079

•ኣገዳሲ መዘኻከሪ
እቲ ቸክ ብስም (christian fellowship church) ክኸውን የብሉን ግናኸ (christian fellowship center).


ነዚ ብምምባብካ የቐኔልና። ከመይ ኣብ ብሕቲ ህይወትካን ኣብ ምሃብካን- ውን። ጎይታ ይባርኽካን ይምራሕካን።