A Short Church History


Zac Poonen and Ian Robson in front of 16 DaCosta Square
Zac Poonen and Ian Robson in front of
16 DaCosta Square
ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ናይ ኣመንቲ ክርስትያናት ሕብረት ማእከል (CFC) ሎሚ ሕብረት ዝገብሩ ዘለዉ ብሒደት ስድራታት ፈሊሙ። መጀመርያ ዝተራኸቡሉ ኣብ ባንግሎር ህንዲ ኣብ ንሓሰ 1975 ነበረ። ብዛክ ፑነንን ላን ሮብሰን ተመሪሖም፥ መጀመርያ ገዛእ ርእሶም ደቀ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ብድሕር'ዚ ንኻልኡት ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ ብምእዛዝ ናይ ጎይታ ተልእኾ ኣብ ማቴ.28:18-20 ዘሎ ድማ ወሰኑ። ኣብ ሓድሽ ልደት፡ ቅድስና፡ ውሽጣዊ ህይወት፡ ኣብ ንሓድሕድካ ፍቕሪ፡ ናይ ስነ ምግባር ንጽህና፡ ገንዘባዊ ንጽህና፡ ንናይ እግዚኣብሄር ሓቂ ምስ ካልኡት ምክፋል - ነፍሲ ወከፍ ገጻት ህይወቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ክርከብ ጸቒጦም ኣገልገሉ።

ኣብ ንእሽተይ ገዛ ቤተ ክርስትያን ብምጅማር፥ እዛ ኣካል ክርስቶስ ቀስ ብቐስ ቀጻሊ ብምርዳእን ናይ ሓድሽ ኪዳን ህይወት ብምሙኳርን ብመንፈስ ዓበየት። ዝሓለፈ 40 ዓመታት ሓደ ዓይነት መፍለይታት ዲኤንኤ (DNA) ናይ'ዛ ማሕበር ኰይኑ እዩ። ሽዑ ነዞም ድንቂ ዝዀኑ ሓቅታት ንህይወትና ዝለወጡ ምስ ካልኡት ክንካፈሎም ቀልጢፉ ጾር ተሰሚዕና፥ ናይ ስዓሪ ህይወት ወርሓዊ ኣብ ወረቐት ዝዳሎን ናይ ቴፕ ኣገልግሎትን ጀሚርና፥ ከምኡውን ጉባኤታት ኣብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ደቂ መዛሙ- ርቲ። ኣብ 1981 እታ እናዓበየት እትኸይድ ማሕበር ናብ ሲ.ኤፍ.ሲ ናብ ሕብረት እንገብረሉ ኣድራሻ ኣብ 40,Dacosta Square ኣብ ባንግሎር ዝተሃንጸ ግዒዛ። 1982-1989 ምጅማር ዕዮ ማሕበር ክርስቶስ ምትካል ኣብ ካልኡት ከተማታትን ዞባታትን ህንዲ ጉልሕ ኰይኑ።

1989-1995 ኣብ ናይ ዛክ ፑነን ጽሑፋ ኣገልግሎት እቲ ኣዚዩ ፍርያማ እዋን ነበረ፥ ኣብ'ቲ ዝቕጽል ዓመታት ንሱ 25 መጽሓፍቲ ኣሕተመ። ኣብ 1997 ናይ ድምጺ ቴፕ ኣገልግሎት ናብ ብዙሓ ቦታታት ተዘርጊሑ። ኣብ 1999 ምእንቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ቦታ ከበጽሕ ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድሚኡ ዛክ ፑነን ሽማግለ ማሕበር ካብ ምዃን ደው ኢሉ። ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ምብጻሕ ኣብ 2005 ጀሚሩን ኣብ'ዚ እዋን ክኣ ካብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ቤተ ክርስትያን

ክትከላ ዝተርኣያሉ እዩ። 2014 ኣብ ባንግሎር ዘላ ቤተ ክርስትያን 40 ዓመታት ከም ቤተ ክርስትያን ምምልኣ እቲ ኣዳራሽውን ኣሪጉ ስለ ዝነበረ ሕጂ ሕብረት እንገብረሉ ኣድራሻ ናብ Paradise Enclave,Bellhall, ባንግሎር ግዒዛ።

ሽማግለታ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ
ናይ ክርስትያናት ሕብረት ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምህሮ ክትስዕብ ኩሉ ግዜ ምስ ደለየት እያ። ንከባብያዊ ንመሪሕነት ቤተ ክርስትያን ዝምለከት (ቲቶ1:5፥ ግብ.14:23)። እቲ ቃል ሽማግለታት ከም፥ "ድርብ" ካብ ሓደ ንላዕሊ ከም ዝዀነ ዘርኢ፥ ኣድላይነት ብዙሓት ሽማግለታት ኣብ ከባብያዊ ቤተ ክርስትያን ኣብ መሪሕነት ሚዛን ንምዕቃብ እዩ።

ኣብ ባንግሎር ቤተ ክርስትያን መሪሕነት፡ ኣርባዕተ ሽማግለታት ይሕዝ ላብ ሮብሶን፡ ቻርለስ ባና፡ ጆን ፔሬራ፡ ዳኒሽ ቶማስን ሱረሽ ኣብርሃም። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣባል ናይ'ዛ ማሕበር ንስልጣን እዞም ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ነገር ንከባቢያዊ ቤተ ክርስትያን ዝምልከት ክግዛእ ትጽቢት ይግበረሉ። (እብ.13:17፥ 1ተሰ.5:12-13)።