Our Vision


ጎይታ ንማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ኣብ ንሓሰ 1975 ዓ.ም ኣብ ባንግሎር ተኸላ። ሽዑ ብሒደት ሰባት ጀሚርና። መጀመርያ ሕብረት ክንገብር ምስ ጀመርና እግዚኣብሄር ስለ ምንታይ ብሓንሳብ ገይርና ንጹር ዝዀነ መልሲ ኣይነበረናን። ግናኸ ቀስ ብቐስ እግዚኣብሄር መደቡ ንዓና ገሊጽልና።

CFC Pulpit

እዚ ድማ ነበረ፥ ነቲ ሓድሽ ወይኒ ብተግባር ክንገልጾን ክንእውጆን፥ "ህይወት የሱስን እቲ ኣምላኻዊ ተፈጥሮን" ኣብ ሓድሽ ሓርቢ፥ "ከባብያዊ ቤተ ክርስትያን ከም መግለጺ ኣካል ክርስቶስ፡ ብመሰረት ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣቃውማ ዝተሃነጸት"። ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ እምብኣር እዚ ሽዑ ራኢና ኰነ።

ንጹር ጻዊዕትና
ነፍሲ ወከፍ ነቢዪ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ እንታይ ንሱ ንእስራኤል ክእውጅ ዝተጸውዖ ንጹር ራእይ ብኣምላኽ ተዋሂብዎ እዩ - ከምኡውን ነቲ መልእኽቲ ጥራይ ሰቢኾም። "ጾር ጎይታ" ኢሎም ክኣ ጸዊዖሞ። ኩሎም ተልእኾኦም ካብ ኣምላኽ ፈሊጦም እዮም። ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ዘቕመጦ ጾር ንበይኑ ጥራይ ኣተኩሮ ገይሮም፥ ከምኡውን ካብቲ ቀዳማይ ጾር ፍጹም ኣቓልብኦም ኣይለወጡን።

ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ብዛዕባ ትንቢታዊ ጻዊዕትና ከም ቤተ ክርስትያን ኣብ ህንዲ ንጹር ራኢ ካብ ኣምላኽ ተዋሂብና እዩ። ግዳ ኣብ ዝሓለፍ ዓሰርተታት ዓመታት ካብኡ ዝተኣለና ከይንኸውን ዝክኣለና ገይርና ኢና።

ኣብ ምድርና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክፍለ ዘመን፥ ጎይታ ብዙሓት ሚስዮና- ውያን ናብ ህንዲ ሰዲዱ፥ ብዙሓት ምንቅስቓስ ወንጌላውያን ኣተሲኡ እዩ። ዘይኣመንቲ ናብ ክርስቶስ ንምምጻእን ንብዙሓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ንምእዋጅን። ስለ ኩሎም ንጎይታ ነምስግኖ። ግናኸ ካልኡት ሓቅታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ገና ዝኣክል ኣድህቦ ኣብ ህንዲ ከም ዘይተገበረሎም ተሰሚዕና እዩ።



እቶም ኣድህቦ ዘይተገበረሎም ሓቅታት ምስ ሓድሽ ኪዳን ዚዛመዱ፥ ቅድመ ኩነታት ወደመዝሙር፥ እቲ ውሕስነት ዝመጽእ ኣምላኽ ከም ኣቦና ብምፍላጥ፥ ኣብ ኣሰር ስጉምቱ ከምቲ የሱስ ዝተመላለሶ ምምልላስ፥ እቲ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ውሽጥና መሊኡ ዝፈስስ፥ ምክፋል ኣምላኻዊ ባህሪ፥ መገዲ መስቀል፥ ንኹሎም ዝተፈለጡ ሓጢያት ምስዓር፥ ሓርነት ካብ ዓለማውነትን ፍቕሪ ገንዘብን፥ ሓርነት

ካብ ተስፋ ምቑራጽ፥ ሓርነት ካብ ፍርሕን ጭንቀትን፥ ምሉእ ብምሉእ ምእዛዝ ንናይ ከረን ስብከት (ማቴ.5 - 6 - 7)፥ እቲ ኣምላኽ ንኹሉ ንየሱስ ዝገበረሉ ንዓና ከም ዚገብረልና ምእማን፥ ምህናጽ ከባብያዊ ቤተ ክርስትያን ከም ኣካል ወ.ዘ.ተ።

ናይ ሲ.ኤፍ.ሲ ማሕበር ኣምላኽ ጾር ነዞም ሓቅታት ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ህንዲ ምብጻሕ ነበረ። እግዚኣብሄር ነዚ ክንገብር፥ ብህዝባዊ ኣኼባታት፡ ጉባኤታት፡ ሬድዮን ጽሑፋትን፡ ከምኡውን ብምዝር- ጋሕ ኣሽሓት ካሴት ቴፕ፡ ሲድን ዲቪድን ዕድል ህይብና።

ግናኸ ናይ መብዛሕትኤን ኣብያተ ክርስትያናት መራሒት ንዓናን መልእ -ኽትና ተቓወምዎ፥ ኣፍ ደገውን ዓጸውልና።

ሽዑ ግን እግዚኣብሄር ትኣምራት ገይሩ። ንሱ ንዓና ኢንተርነት ከፈተልና።እግዚኣብሄር ናብ ሲ.ኤፍ.ሲ ብዘምጾም ጉጅለ ውፍያት ኣሕዋት ኣማኢት መልእኽትታትና ኣብኡ ኣቕሚጥናዮ። እዚ ከም ውሕጅ ግበረ መልሲ ኣምጽኤ፡ ካብ ኣመንቲ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ዘለዉ። ኣብ ህንዲ ጥራይ ዘይኰነ ግናኸ ካብ ኩሉ ዓለም - እቶም ነዚ መልኽትታት ዝሰምዕዎ ህይወቶም ተቐይሩ፡ ሓዳሮም ውን ተፈዊሱ። ሓደስቲ ኣብያተ ክርስትያናት ተወሊደን፡ ከምኡውን ገሊኦም ብቐረባ ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ክትኣሳሰሩ ሃረርታ ነበሮም።

ከምዚ ኢሉ ድማ እቲ ሓቂ ናይ እግዚኣብሄር ነቶም ከሎ ገና ዝፈረዱና ናይ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ማዕጾ ዝዓጸውልና ብምሕላፍ፡ ነቶም ንሓቂ ዝጠመዩ ኣባላቶም በጽሔ። ሎሚ ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ዙርያ ዓለም፡ በቲ ድንቂ ዝዀነ ሓቂ ተታሒዞም ዋላውን ንኻልኡት ይሰብክዎ ኣለዉ። ስለዚ ነገር ክኣ እግዚኣብሄር ነመስግኖ፥ ነዚ እዩ ብልክዕ ዝጸለናዮን ዝባሃግናዮን። ከምዚ ኢሉ ኽኣ ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ንማሕበር ንሲ.ኤፍ.ሲ ከም ዘተንስኣ ንእሽተይ ነቲ ዕላማ ርኣና። ብሓቂ ናይ እግዚኣብሄር መገዲ ዘደንቕ እዩ፥ ንኽብሩ ጥራይ ክንደሊ ከለና ንገዛእ ርእስና ዋላ ሓንቲ ዘይክንደሊ ከሎና፥ ንሱ ዘገረም ስርሓ ይሰርሕ እዩ።

ጵውሎስ ብዛዕባ ሸቱኡ ከምዚ ይብል፥ "ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞ (ቆሎ.1:28-29)። እዚውን ናትና ሸቶ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ መጀመርያ ሓቀኛ ወደመዝሙር ሓደ ካብ ኣዝማዱ ንላዕሊ፡ ካብ ትሕዝትኡ ንላዕሊ፡ ካብ ርእሱ ንላዕሊ ንየሱስ ዘፍቅር ክንገብሮም ንጽዕር ኢና (ሉቃ.14:26-27፥ ን 33)። ሽዑ ንሕና ንኹሉ ነቲ የሱስ ዝኣዘዞ ኪእዘዝዎ ክንምህር ንደሊ ኢና (ማቴ.28:20)።

እዚ መገዲ ጸቢብ ምዃኑን ኣዚዮም ሒደት ጥራይ ከም ዝረኽብዎን ንፈልጥ ኢና። ዋላ ኣብ ናይ የሱስ ዘመን፥ "ቤተ ክርስትያን" ኣብ ሞንጎ እቶም ዓሰርተ ክልተ ሓደ ግብዝ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ውን እንተ ዀነ ግቡዛት ክሳብ ጎይታ ዝምለሰላ ምዓልቲ ክህልውዋ እዮም። ግናኸ ወሲና ኢና እቲ ዝበለጸ ዝክኣለና እቲ ዝስበኽ ቃል ነኸም'ዚኣቶም ግቡዛት ክረትዕን ቀጻሊ ዘይምቹኡነት ክረኽቡ- ክንስሑ ብዚብል ተስፋ።

ወንጌል ምንጋርን ደቀመዝሙር ምግባርን
ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ኩሎም ኣመንቲ ወንጌል ንኻልኡት ብውልቂ ከካፍሉ ነተባብዕ ኢና። በዚውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ናብ ክርስቶስ መጺኦም ናብ ቤት ክርስትያና ተጸንቢሮም እዮም። እግዚኣብሄር ከምኡውን ሓደስቲ ቤተ ክርስትያናት ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኣብ ህንዲ ተኺሉ እዩ። ከምኡውን ኣብ ዓለም ዙርያን።

ኣብ ሲ.ኤፌ.ሲ ናይ እግዚኣብሄር ንጹር ጻዊዕት ኣሎና። በዚ ምኽንያት ክኣ ምስ ካልኡት ኣገልግሎታት ከም [ማሕበራዊ ስራሕ] ካብቲ ቀዳማይ ጻዊዕትና ሓይልና ክጽንቅቕ ዚኽእል ኣይንሳተፍን ኢና። ኣብቲ መወዳእታ ምዓልቲ፥ "ናይ ካልኡት ግራት ጽቡቕ ገይርና ሒዝናዮ ኰይኑ ግን ነቲ ጎይታ ዝሃበና ግራት ጽቡቕ ገይርና ኣይሓዝናዮን" ከይንብሃል። ማህለያ ማህለ.1:6 ርኤ። ስለዚ ንኸምዚ ዓይነት ኣገልግሎታት ጎይታ ዝተፈላለየ ጻውዒት ንነፍሲ ወከፍ ደቁ ከም ዘለዎ ብምፍላጥ፥ ነቶም ብኣምላኽ ከም ዝተጸውዕ ኣብኡ ክጽመዱ ዚስምዖም ሓዲግናዮ ኢና። ኣብ ብዙሕ ኣገልግሎት ዝተጸመድና ብምዃን "ሚዛናውያን" ኰይና ኣብ ኣዒንቲ ኣመንቲ ክንርኤ ባህጊ የብልናን። ናይ እግዚኣብሄር ጻውዒትን ተቕባልነትን ጥራይ እዩ፥ ንዓና ዘገድስና።

ብምኽንያት እናዓበና እንኸይድ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝዀና ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ዝተጸንበሩና ዓቢ ሓላፍነት ኣሎና፥ ከምኡውን ነቶም ብዙሓት ቆልዑት ኣብ ሞንጎና ዝዓብዩን በጽሒ ዝዀኑን። ኩሎም ደቂ መዝሙር ክዀኑ የድልዮም እዩ። ሓደስቲ ዝተለወጡን ዝዓበዩ ቆልዑትን ምልክት ጥዕና ዘለዋ እትዓቢ ዘላ ቤተ ክርስትያን እዩ። እቶም ሓደስቲ ኣመንትን ናብ ማእከልና እግዚኣብሄር ዘምጽኦም ናትና ዝዓበዩ ቆልዑን ሕጂ ሓድሽ ግራት ናይ ስራሓና እዮም።

እግዚኣብሄርን ገንዘብን
ኣብ ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ፥ መሰረታዊ ለውጢ ንገንዘብ ዚዛመድ ርዒምና ኢና፥ ምኽንያቱ የሱስ ንኽልቲኡ ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ከነገልግል ከም ዘይንኽእል ተዛሪቡ እዩ (ሉቃ.16:13) - ድማ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ከነገልግል ወሲና። ምእንቲ ፍጹም ኣብ'ዚ ጉዳይ ከይንንቀፍ ኣብ ኣገልግሎትና ንገንዘብ ዚምልከት ተግባራዊ ውሳኔታት ገይርና።.ዝዀነ ዝኽፈል ሰባኺ ከይህልወናን ኣብ ሕብረት ገንዘብ ሞባእ ከይንእክብን ወሰና፥ ኣንጻር ናይ ብሉይ ኪዳን ሕጊ ዕሽር ኢና እንሰብኽ። ኩሉ ገንዘብ ንዕዮ ጎይታ ዝውሃብ ብሓጎስን ብድሌትን ክግበር ከም ዘለዎ ንምህር። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ገንዘብ ክህብ ጸቕጢ ኣይንገብርን ኢና። ዝዀነ ናይ ዕዮና ጸብጻብ ንዝዀነ ኣይንህብን ኢና፥ ከምኡውን ንቤተ ክርስትያን ዘድሌና ናይ ገንዘብ ንኻልእ ኣይነፍልጥን ኢና። ኣንጻር ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ደው ንብል ኢና፥ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዕዳ ነጻ ኰይኑ ክንበር ነተባብዕ ኢና (ሮሜ.13:8)።

ብጸጋ ኣምላኽ፥ እዞም ናይ ሓድሽ ኪዳን መለኪዒታት ካብ መጀመርያ ኣትሒዝና ሒዝና ኢና። ካብ ካልኡት ጉጅለታት ክርስትያናት ኣብያተ ክርስትያናትን ብምኽንያቱ ኣብዞም ነገራት ብዘለና ተሪር መርገጺ ብዙሕ ተቓውሞ ኣጋጢምና እዩ። የግዳስ ንምንታይ ደው ኢልና ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና - ኣብ እዞም መምርሒታት ጸኒዕና ክሳብ ጎይታ ዝምለስ ደው ምባልና ኪንቅጽል ኢና።

ኩሎም ሽማግለታት ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ [ድንኳን ብምስፋይ] ብገንዘብ ገዛእ ርእሶም ይሕግዙ። ጳውሎስ ሳሕቲ ውህበት ካብ ገለ ኣመንቲ ተቐቢሉ እዩ። ግናኸ ንሱ ኣብ ናይ ዝዀነ ሰብ ውህበት ንውልቃዊ ድሌታቱን ወይ ንኣገልግሎቱ ፍጹም ኣይተደገፈን። ንሱ ስምያዊ ኣቡኡ ኩሉ ክቕርበሉ ኣሚኑ እዩ። እዚ እዩ ንሕናውን መርገጺ ዝወሰደናዮ - ከምኡውን ካብኡ ዘይንእለ ክፍል ራኢና እዩ።

ኣብ ዕዩ ጎይታ ዝተጸመዱ ዘገልግሉ ብኻልኡት ክድገፉ ፍጹም ቅንዑ እዩ፥ ምኽንያቱ ጎይታ ባዕሉ እቶም ወንጌል ዝሰብኩ ብወንጌል ክድገፉ ሰሪዕሎም ኣሎ (1ቈሮ.9፡14)። ግናኸ ጳውሎስ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ደጊፉ፥ ምኽንያቱ ንሱ ንስም ጎይታ ዘይኽብር ብሰበኽቲ መንፈሳዊ ውህበታቶም ንርእሶም ሃብቲ ክእክብሉ ዝጥቀምሉ ዝነብሩ፥ ኣብ ግዚኡ ዝመጽእ ዝነበረ ርኢዎ እዩ። ስለዚ ኣብ ማእከል ከምዚ ዓይነት ብልሽውና ንሱ ጽሩይ ምስክር ንጎይታ ክኸውን ገዛእ ርእሱ ደለየ።

ኣብ ህንዲ ተመሳሳሊ ኩነታት ከም'ዚ ንርከብ። ስለዚ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ፥ ካብ እቶም ብልሽዋት ሰበኽቲ ኣብ ዙርያና ዘለዉ፥ ኣብ ጉዳይ ገንዘብ ከም ምስክርነት ንጎይታ ኣብ ምድርና ዝተፈለና ምእንቲ ክንከውን ኣድላይነት ልክዕ ከም ጳውሎስ ተሰሚዑና። እዚ ዝወሰድናዮ መርገጺ ካብ ብዙሓት በልዓማት፡ ግሓዚታት፡ ዴማሳታትን ኣድሕኒና እዩ። ምሳና ተጸንቢሮም እንተ ዝዀኑ ኣብ ማእከልና ናይ ጎይታ ምስክርነትና ምስ ኣበላሸውዎ ነይሮም።

ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ንዘለዉ ኣመንቲ ውልቃዊ ገንዘቦም ከመይ ክጥቀምሉ ኣለዎም ፍጹም ኣይንነግሮምን ኢና። ገንዘቦም ከም ዝደለይዎ ክጥቀምሉ ንዕዮ ወንጌል ድዩ ወይ ንምዕበይ ዘኽታማት ወይ ዋላ ኣብ ጎደናታት ንለመንቲ ኪህቡ ምሉእ ብምሉእ ነጻ እዮም። ግናኸ ኣብ ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ንጎይታ ዝተውሃበ ወከፋ ገንዘብ ምስቲ ራእይና ኣብ ሓደ መስመር ጥራይ ንጥቀመሉ፥ ደቂመዝሙር ምግባርን ንድኻታት ኣመንቲ ምሕጋዝን (ገላ.6: 10)። ኣገልግሎታት፥ ማዕርጋትን ስልጣንን
ኣገልግሎታት፥ ኤፌ.4:11 ክርስቶስ ውህበት ዘለዎም ሰባት ንቤተ ክርስትያን ከም ዝሃባ ይገልጽ- ሃዋርያት፡ ነብያት፡ ወንጌላውያን፡ መምሃራን ጓሶትን። ጎይታ ብሰናይነቱ እዞም ሓሙሽተ ኣገልግሎታት

ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ሂቡና እዩ።

ግናኸ ንዝዀነ ሓው፥ በዞም ማዕርጋት ወይ ሕላገት ኣይንጽውዖን ኢና። ጳውሎስ ገዛእ ርእሱ፥ "ሃዋርያ" ኢሉ ጸዊዑ፥ ምኽንያቱ ንሱ ሰባት ነቲ ዝጽሓፎ ከም ቃል ኣምላኽ ክቕበልዎ ኢሉ ጥራይ እዩ። ግናኸ ሎሚ ከም'ዚ ዓይነት ንዝዀነ ሰብ ሎሚ ኣድላይነት የብሉን።

ምልምማድ እዞም ሓሙሽተ ኣገልግሎታት እንተ ዀነ ንኣምን ኢና - ግዳ ክብሪ ዝመልኦ ውጽኢት ካብ እዚኦም ኣገልግሎት ብምልምማድ ዝመጸ ኣብ ሞንጎና ሪኢና ኢና። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ንዓና - ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት (Ministry) መን ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ፈጺምዎ ኣይኰነን፥ ስለ ኩሉና ሓደ ኣካል ዝዀናን ጥራይ ኣገልገልቲ ንሓድሕድና ኢና።

ማዕርጋት


ጎይታ ክህልዎና ዝፈቐደልና ማዕርግ መጸውዒ፥ "ሓውን" "ኣገልጋልን" ጥራይ እዩ (ማቴ.23:8-11)። ንሕና ኩሉና "ኣሕዋት" ን "ኣገልገልትን" ኢና።



የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥ ነፍሲ ወከፍ ኩሉ ዝሃበና ትእዛዝ ምስ ተኣዘዝና ገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ክንጽውዕ ንኽእል ኢና፥ "ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ባሮት ጎይታ ኢና ዝኣዘዘና ጥራይ ኢና ገይርና" (ሉቃ.17:10 ርኤ)። እዚ እቲ ኩሉና ከነጥርዮ ዘሎና ማዕርግ እዩ።



ምእዛዝ ንስልጣናት

መጽሓፍ ቅዱስ፥ "ንመራሕትና ክንእዘዞምን ክንግዝኦምን ይምህረና" (እብ. 13:17)። ስለዚ ኽኣ ነቶም ክፋል ሲ.ኤፍ.ሲ ክዀኑ ዚደሊዩ ንትእዛዝ ኣምላኽ ክእዘዙን ንከባብያዊ ሽማግለታት ኣብ ጉዳይ ናይ ቤተ ክርስትያን ክግዝኡ ንምህሮም ኢና። ንዝዀነ ሰብ ነዚ ክገብር ኣይነገድዶን ኢና፥ ነዚ ከምዚ ዓይነት ንመራሕቲ ክትግዛእ ዋጋ ዘሎዎ ብድሌት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

ኣብ ካልኡት ገለ ኣብያተ ክርስትያናት ሰባት ንስልጣናት ናይ ጳጳስ ወይ ቀሺ ወይ ፓስተር ክግዝኡ ይግደዱ እዮም። ግናኸ ኣብ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ብግዲ ንስልጣን ክእዘዙ ኣይንገብርን ኢና። ንመን ክግዝኡ ከም ዘለዎም ክመርጹ ንኣመንቲ ናጽነት ንህቦም ኢና። ሻቡ ብድሌቶም መሪጾም እምነት ዘሕደርሉ ሽማግለ ክግዝኡ ይኽእሉ እዮም፥ ምኽንያቱ ጥበብን ሓለዋን ይደሊዩ እዮም፥ ብኽምዚ ዝተገዛኣካ ብምዃን ዝመጽእ። ኣብ ሽማግለ ተኣማንነት ዝዓቢ እቶም ኣመንቲ እቲ ሽማግለ ዚመላለሶ መገዲ፥ እቲ መገዲ ስድርኡ ዝዕበዮምን ከመይ እግዚኣብሄር ኣብ ኣገልግሎቱ ምስክርነት የፍሪ ክዕዘብዎ ከለዉ እዩ።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ሓደስቲ ነፍሳት ዝተለወጡ ናብ ከባቢያዊ ኣብያተ ክርስትያናት ተጸሚቢሮም እዮም። ሃዋርያት ክኣ ሽዑ ሽማግለታት (ንብዙሓት) ኣብ ልዕሊ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ሸይሞም (ቲቶ.1:5)። ምእንቲ ኣብቲ ኣገልግሎት ሚዛን ክህሉ፥ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ብውሕዱ ክልተ ሽማግለታት ነይሮማ። እዞም ሽማግለታት መንፈሳውያን ኣቦታት ክዀኑ ነቶም ኣመንቲ ዚጓስዩን ናብ ብጽሕና ክዓብዩ ዘኽእልዎም ነይሮም። እዞም ሽማግለታት ገዛእ ርእሶም ብግዲኦም ብሃዋርያት ይምርሑ ነይሮም ወይ ሃዋርያት ኣብ ዘይሃለውሉ ኽኣ ብኻልኡት ኣዚዮም ዝበሰሉ ሽማግለታት። እዚ ናይ

ሓድሽ ኪዳን ኣቃውማ፥ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ውን ዝተተሓሓዛ ዝተማመድናዮ እዩ። ስነ - ስርዓት ኣተሓሕዛ ኣመንትን ሽማግለታትን።

ኣብ ኩሉ ጥዑያት ስድራቤታት፥ ኣቦታት ኣብ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ግዜ ደቆም ይቐጽዑ እዮም። ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ዝተተሓሓዛ ኣብያተ ክርስትያናት፥ ነቶም ኣብ ሓጢያት ዚቕጽሉ ኣብ ምቕጻዕ ንኣምን ኢና፥"ኣብ ማቴዎስ.18:15-17 ከም ዝተማሃርናዮ"፥ ስለዚ፥ "ንእሽተይ ብሑቕ ንብምልኡ እቲ እኩብ ኣይብክዖን እዩ" (1ቈሮ.5:6-7)።

ክልተ ወይ ሰለሰተ ኣመንቲ እንተ ድኣ ኣንጻር ሽማግለ ማሕበር ክሲ እንተ ኣምጺኦም፥ ሽዑ እቲ ዓቢ ሽማግለ ሲንየር (ሃዋርያዊ ሓላፍነት ነታ ቤተ ክርስትያን ዘለዎም) ነቲ ክሲ ብጥንቃቐ ይምርምርዎ። እቲ ክሲ ሓቂ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ ሽዑ ኣብ 1ጢሞ.5:19-21 ተዋሂቡ ዘሎ መምሪሒታት ይስዕቡ።


"ብናይ ሽማግለ ኽኣ ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። 20 ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ ውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም። 21 ተቐዳዲምካ ከይፈረድካ ድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ኤማሕጽነካ አሎኹ"።



እዚ መቕጻዕቲ ንዝዀነ ሰብ ብዘይምርኣይ ኣድልዎ እዩ ኣብ ስራሕ ዝውዕል። እቲ ሽማግለ ተመጣጣኒ በቲ ዝገበሮ በደል መቕጻዕቲ ይወስድ- ብምልእታ እታ ቤተ ክርስትያን ክኣ ብዛዕባ እዚ ይሕበራ

(ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጥቕሲ ዝተምሃርናዮ)። ከም ኣብነት ናይ'ዚ፥ ጎይታ ንሃዋርያ ዮውሃንስ ንኹለን ኣብያተ ክርስትያናት ብዛዕባ መግናሕቲ ናይ እቶም ሓሙሽተ ንድሕሪት ዝተመለሱ ሽማግለታት ናይ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ክሕብር ክነግሮ ንርኢ (ራእ.2 ን 3)።

ኣብ ነገራት መቕጻዕቲ፥ እንተ ድኣ ሓደ ሓው ሽማግለታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ክሸይም ስልጣን ካብ እግዚኣብሄር ተቐቢሉ፥ ሽዑ ንሱ ሓደ ዓይነት ስልጣን ክለማመድ ይኽእል እዩ፥ ንኽቐጽዕን ከወግድን ነቲ ሽማግለ እንተ ድኣ እዚ ኣድላይ ኰይኑ። ከምዚ ዓይነት ሃዋርያዊ ስልጣን ኣብ ዘይተረኸበሉ ግዜ፥ ከምኡውን እቶም ካልኡት ሽማግለታት ነዚ መቕጻዕቲ ክለማመድዎ ይኽእሉ።

እንተ ዀነ ግዳ፥ ኩሉ እቲ መቕጻዕቲ ብመንፈስ ፍቕሪ ክውዕል ኣለዎ (ከምቲ ኣቦታት ዝገብርዎ)፥ እቲ ኣማኒ ወይ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ክሕደስን ንጎይታን ንቤተ ክርስትያንን ተስፋ ብምግባር እዩ (2ቈሮ.2:6-11)።

ሕብረት ኣብ መንጎ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስትያናት

ኣብያተ ክርስትያናት ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ዝተተሓሓዛ ስያመ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣይኰናን። ብሕብረት ምስ ኣብያተ ክርስትያናት ኢና እንዓይ ምኽንያቱ ኩሉና ሓደ ዓይነት ራኢ ኣሎና። ማእከላይ ዋና ምምሕዳር የብልናን።

ንመሪሕነት ምርጫታት ወይ ሓለቓ የብልናን። ማእከላይ መቆጻጸሪይ ናይ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ንብረት የብልናን። ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ርእሳ ዝኽኣለት ኣብ ትሕቲ ጎይታ ገዛእ ርእሳ እያ። ስለዚ

ኩሎም ዝተሸሙ ሽማግለታት ብቐጥታ ንጎይታ ገዛእ ርእሱ ቀዳምነት ተሓተቲ እዮም። እዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣቃውማ እዩ፥ ከም ኣብ ራእ.1:20 እንሪኦ ኣብቲ፥ "ነፍሲ ወከፍ ከኾብ ኣብ ኢድ ጎይታ"። ዝዀነ ሰበኻ ወይ ጉጅለታት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ "ኣቡናት" [bishops] ዝዀና የብልናን፥ ከም ገለ ሃይማኖታዊ ትካላት ዘለዎን። ናይ ከባብያዊ ናይ ቤተ ክርስትያን ሽማግለ ካብ ናቱ ወጻኢ ዝዀነ ሓላፍነት የብሉን። ከምኡውን ዝዀነ ሽማግለ ንናይ ካልእ ቤተ ክርስትያን ሽማግለ ክግዛእ ኣይሕተትን እዩ።

ጳውሎስ ነተን ዝተኸለን ኣብያተ ክርስትያናት ሃይማኖት ወገን ስያመ (Denomination) ኣይገበረን። ሲ.ኤፍ.ሲን እተን ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ዝተተ- ሓሓዛ ኣብያተ ክርስትያናት ሃይማኖት ወገን (Denomination) ውን ኣይኰናን። ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ጎይታ ዝተኸላን ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ዝተተሓሓዘት ምሉእ ብምሉእ ርእሳ ዝኽኣለት እያ። ከምኡውን ብናታ ሽማግለታት ትምራሕ። ዝዀነ ሰብ ነቶም መራሕቲ ዝቆጻጸሮም ወይ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዝነግሮም የለን። ጎይታ ጥራይ እዩ በይኑ ርእሲ ናቶም።



ሽማግለ እንተ ዀነ ግዳ፥ ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ጸገማት ክገጥሞም ከሎ፥ ካብ ብዙሕ ዝበሰሉ ሽማግለታት ካብ ካልእ ቤተ ክርስትያን ምኽሪ ክደሊ ይኽእል ወይ ካብ እቶም ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ዘለዎም። ልክዕ ከም ኣመንቲ ሰብ ቈሮንጦስ ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበሮም ጸገም ሓገዝ ደሊዮም ንጵውሎስ ዝረኸብዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ነቲ ዝነበሮም ጸገም ክፈትሑ ሓጊዝዎም እዩ።



ብቐጻሊ ኣብ መንጎናን ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ዝተተሓሓዛ ኣብያተ ክርስትያናት ሕብረት ክንሃንጽ ንደሊ ኢና። በዚ ምኽንያት ክኣ፥ ኣብ

ጎይታ ከም ሓንቲ ስድራቤት ሕብረትና ተሪር ኰይኑ። እዚ ሓደ ምኽንያት እዩ ስለ ምንታይ ጉባኤታት ንኹለን ምስ ሲ.ኤፍ.ሲ ዝተተሓሓዛ ዘሎና።

ኣገዳስነት ህይወት ስድራቤት
ኣብ ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ፥ ኣብ ቤተሰብ ንእግዚኣብሄር ምምሳል እቲ መሰረታዊ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እናሳዕ ንስድራቤታት ንምትብባዕ ጽቡቕ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክህሉ፥ ሓድሕዳዊ ፍቕርን ምክብባበርን ንደቆም ክኣ ብመገድታት እግዚኣብሄር ውን ክዕብይዎም ሕብረታት ኣሎና።

ኣንስቲ ንሰብኡተን ሓገዝቲ ክዀና እዩ እግዚኣብሄር መዲቡ። ኣብ ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ንሓገዘን ንሰብኡተን ክሕግዛን ኣብ ምህናጽ ሰድራቤታትን ኣብ ኣገልግሎቱን እምብዛ ዋጋ ንህቦ ኢና። ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ኣሰብኡት ንፉዓት ጓሶት ንኣንስቶም ክዀኑ፥ ኣብ ቅድሚኤን ብምኻድ ከም ኣብነታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጻት ንምህር ኢና።

ስለ ኣዋልድ እግዚኣብሄር ውን ክንበያ ዝኽእላ፥ ንኹለን ኣሓት ኣብ ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ዘለዋ ብመንፈስ ቅዱስ ክምልኣን ንውህበት ትንቢት ክደሊያ ውን ነተባብዔን ኢና (ግብ.2:17፥ ኤፌ.5:18፥ 1ቈሮ.14:1)- እዚ ድማ፥ ቃላት ንኻልእ ዘተባብዕን ዘጸናንዕን ዚባርኽን ከካፍላ (ኣብ 1ቈሮ.14:3 ከም እነን- ብቦ) - ቅድሚ ኩሉ ኣብ ገዝኤን ንኣሰብኡተንን ደቀንን ከምኡውን ንኻልኡት ኣንስትን።

ናይ ማሕበር ሲ.ኤፍ.ሲ ናይ መጻኢ መሪሕነት


ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ንኹሎም መንእሰያት ኣሕዋትና ንጎይታ ብምሉእ ልቦም ሰዓብቲ ክዀኑ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ንገሊኦም ጸጋ ክህቦም

ኣብ ዚመጽእ ዘሎ ምዓልታት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ክኾኑ ነተባብዖም ኢና።

ቅንኢ ኣብ ብዘሎ ታሪኽ ሰብ እቲ ዝዓበየ ጸገም እዩ። ቃኤል ብንእሽተይ ሓው ኣቤል ቀኒኡ እዩ፥ ከምኡውን ሳኦል ብንእሽተይ ዳዊት ቀኒኡ እዩ። ግዳ ታሪኽ ክርስትና ብዙሕ ኣብነታት "ሽማግለ ኣሕዋት" ብውህበት ዘለዎ ንእሽተይ ሓዎም ዝመጸ ዝቐንኡን ከምኡውን ዝደቕስዎም ዝተመልኤ እዩ። ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ እንተ ዀነ ግዳ ኩሎም ሽማግለታት ንንኣሽቱ ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ወጺኦም ክሪኡ ብመሪሕነት ዓቕምን ከበራትዕዎም ከሰልጥንዎም ነተባብዕ ኢና።

ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ጥሮታ ዚብሃል ነገር ስለ ዘየለ፥ ሽማግለ ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ፍጹም ጥሮታ ኣይውጽእን እዩ። እንተ ዀነ ግን ልክዕ ከምቲ ኣቦታት "ንደቆም" ናብ ብጽሕና ዘዕቢዎምን ንድሕሪት ተምሊሶም ንደቆም ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ክመርሑ ዘፍቅድሎም፥ዓበይቲ ሽማግለታት ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ውን ከምዚ ሓደ ዓይነት እዮም ዝገብሩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ትሑት ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦ ሽማግለ "ብመንፈሳዊ ደቁ" ክኸብርን ልዑል ግምት ክውሃቦ ንምኽሪ ክሕተት ክሳብ መወዳእታ ህይወቶም ይቕጽል እዩ።

"እንሆ፥ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፥ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ……እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወትን ንዘለአለምን ኣዚዙ……" (መ.ዳዊት.133:1,3)።

"ንጹር ኣገልግሎት ብጎይታ ዝተዋሃብካዮ ኣቓልቦ ክትገብረሉ፥ ከም እትፍጽሞ ኽኣ ኣረጋግጽ" (ቆሌ.4፡17)።