እግዚኣብሄር ንሰብኣይን ሰበይትን የጣምር እዩ

Written by :   Zac Poonen
Article Body: 

መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ።

እግዚኣብሄር ንኣዳም ምስ ፈጠሮ ህይወት ምስ ረኸበ ይዒንቱ ውን ምስ ከፈተ ንመን እዩ መጀመሪያ ዝርኣዮ ? ንእግዚኣብሄር እዩ!ንእግዚኣብሄር ረኺብዎ። በቃ ንሱን እግዚኣብሄርን ጥራይ ነይሮም።፡ሰበይቲ ኣይነበርትን።ስለዚ በዚ ገይሩ ንኣዳም እንታይ እዩ ክንምህሮ ዝፈተነ? ሓደ ቀሊል ትምህርቲ እዩ " ኣብ ህይወትካ ኩሉ ግዜ መጀመርያ ክኸውን ኣሎኒ።ቅድሚ ንሰበይቲኻ ምርኣይካ ንዓይ ክትሪኤን ኣለካ። ካብቲ ንሰበይትኻ እትህብ ዋጋ ንላዕሊ ንዓይ ዋጋ ክትህበኒ ኣለካ" በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ንኣዳም በይኑ ዝፈጠሮን ምስኡ ሕብረት ዝገበረን ዋላ ቅድሚ ሰበይቲ ናብ ህላወ ምምጽኣ።

"ንጎይታ ቀደማነት ሃቦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት፥ ኣብ ብርሃን ተመላለስ ፥ርእስኻ ፍረድን ጠማሪ ሓይሊ ኣብ ሞንጎኻን መጻምድኻን ክትረክብ ኢኻ ዝኾነ ነገር ከፍርሶ ዘይክእል " በዚ ኣብ ህይወትካ ዋላ ን70 ዓመታት ወይ 50 ዓመታት ኣብ ሓዳር እንተ ጸኒሒካ እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ቅድም ክትሰርዖ ኣለካ።ብዙሓት ሰባት ኣብ ህይወቶም ንሰበይቶም ቅድም ብምስራዕ ይጅምሩ ኮይኑ ግን ብዛዕባ እዚ ዳሕራይ ክዛረብ ኣፍቅዱለይ ሕጂ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሄዋን ክዛረብ ። እግዚኣብሄር ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ ኣብ (ዘፍ 2=21) ተጠቒሱ ኣሎ።በዚ ኽኣ ክበራበር ውን ኣይክኣለን ድሕሪ እዚ ካብ መሰንገሉ ሓንቲ ወሲዱ ብስጋ ውን ሸፊንዋ ካብታ መስንገል ክኣ ሰበይቲ ፈጢሩ ካብታ መሰንገል ሰበይቲ ምስ ፈጠራ እግዚኣብሄር እስንፋስ እፉ በለላ ህይወት ምስ ረኸበት ይዒንታ ምስ ከፈተት ንመን እያ መጀመሪያ ሪኢያ? ንኣዳም ኣይኮነን።

ሄዋን ዋላ ናይ ኣዳም ህላወ ኣይፈለጠትን ።ንሳ ጥራይ ዝተፈጥረት ሰብ ከም ዝኾነት ሓሲባ።ብዛዕባ ኣዳም ዋላ ሓደ ነገር ኣይትፈልጥን ነይራ። ይዒንታ ከፊታ ኽኣ ንእግዚኣብሄር ሪአቶ ከምቲ ኣዳም ዝተፈጠሮ።ኣዳም ኣብ ኣታኽልቲ ገነት ኤደን ኣብ ገለ ቦታ ደቂሱ እዩ ነይሩ።ብዛዕባ ህላወ ሄዋን ኣይፈልጥን ነይሩ።ሄዋን ውን ብዛዕባ ህላወ ኣዳም ኣትፈልጥን ንይራ። ንእግዚኣብሄር ረኺባቶ።እግዚኣብሄር እቲ ናይ መጀመሪያ ምስኣ ዝተዘራረበ ብድሕሪ እዚ ደንጉዩ እዩ ናብ ኣዳም ዘምጽኣ ።ስለዚ እግዚኣብሄር ንሄዋን እንታይ እዩ ክምህራ ዝፍትን ንይሩ ? ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ከም ናይ ኣዳም እዩ ክምህራ ዝፈተነ " ኣብ ህይወትኪ መጀመሪያ ክትሰርዕኒ ኣለኪ። ቅድሚ ምስ ሰብኣይኪ ሕብረት ምግባርኪ መጀመሪያ ምሳይ ሕብረት ክተግብሪ ይግብኣኪ"።

ተረዲኢካዮዶ ሕጂ ናይ እግዚኣብሄር መደብ ንኣዚዩ ውሃ ዘበለ ሓዳር? ኣዳም ቅድሚ ምስ ሄዋን ሕብረት ምግባሩ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክገብር ኣለዎ።ሄዋን ክኣ ቅድሚ ምስ ኣዳም ሕብረት ምግባራ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክትገብር ኣለዋ። ኩሉ ኣብኡ ተጻሒፉ ኣሎ። ካብ መጀመሪያ ሓዳር ከምዚ ክኸውን ሓሲብዎን ወጢንዎ እዩ። እግዚኣብሄር ባዕሉ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክኸውን ከሎ ነፍሲ ወከፎም መጻምዲ ኣብ ህይወቶም

መጀመሪያ እግዚኣብሄር ክኸውን እንተ ደሊዮም ትፈልጥዶ እንታይ ከም ዝኸውን እቲ ሓዳር ? ክልቲኦም ኣብ ሓደ ይጣበቑ። እግዚኣብሄር እቲ ዝዓበይ ኣብ ኣጽናፍ ጠማሪ ሓይሊ እዩ።እግዚኣብሄር ንኽልተ ሰባት ብሓባር ክሕዞም ከሎ ዝኾነ ሰብ ፥ሰይጣን፥ኣጋንንቲ ፥ኩነታት ፥ድኽነት ፥ዋላ ብዘላ ዓለም ዋላ ሞት ክፈላልዮም ኣይክእልን እዩ።

ንሰባት እግዚኣብሄር እንተ ዘይደሪኽዎም ሽዑ ብኻልኡት ሓይልታት ዝተደረኹ ዝተታሓዙን ይኾኑ ።ኮይኑ ግን እዞም ካልኡት ሓይልታት ኣብ ሓዳር ጠሚሮም ክሕዝዎም ሓያላት ኣይኮኑን።ሓደ መወዓውዒ ዝርኣኽዎ ኣብ ጠራሙስ ናይ ፈቪኮል(Fevicol) ዝተስኣለ ኣሎ ክልተ ነገር ዝተጣበቑ ብኽልተ ወገን ናይቲ ስእሊ ኽኣ ሓራምዝ ንኽፈሊዎ እናሰሓቡ ከለዉ ኮይኑ ግን ክፈላሊዎ ኣይክኣሉን።ሰብኣይን ሰበይትን ብእግዚኣብሄር ዝሓበሩ እንተ ኾይኖም ካብዚ ኣብ ንላዕሊ ክንሪኦ ዝጸናሕና ኣዚዩ ዝዓበይ እዩ።ዝኾነ ሓርማዝ ክፈላልዮም ኣይክእል እዩ።ሰባት ውን ከፈላሊዮም ኣይክእሉን እዮም ።እንተ ኾነ እግዚኣብሄር ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክህሉ ኣለዎ።እግዚኣብሄር ዓበየ ጠማሪ ካብ ፈቪኮል (Fevicol) ወይ ኣራልዲት (Araldite) ወይ ውን ካብ ዝኾነ ብልጹ መላገቢ (Glue) ንላዕሊ እዩ።እግዚኣብሄር ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ክጠምረኩም እዩ ዝኾነ ነገር ክፈላሊየኩም ኣይክልን እዩ።

ስለዚ ኣብ ሞንጎኹም ዝኸነ ነገር ክኣቱ ከይትፈቕዱ ክትጥንቀቑ ኣለኩም ከም ሰብኣይን ሰበይትን ወይ ሰበይትን ሰብኣይን ብዘይካ እግዚኣብሄር ካልእ ክትእትው የብልኩሙን።ኣብ መንእሰያት ኣብ ብዙሕ ሓዳር እቲ ጠማሪ ሓይሊ እንታይ እዩ? መብዛሕትኡ እዋን ጽብቕ ትርኢት መልክዕ እይ። ወዲ ንጓል ይፈትዋ እዩ ምኽንያቱ ጽብቕ መልክዕ ስለ ትውንን። ሕጂ መልክዕ ጽብቕ ትርኢት ን 50 ዓመታት ንሓዳር ጠሚሩ ክሕዞ ኣይክእልን እዩ።ርኤ ኣብ ከም እዚኦም ሓዳራት ሰባት ጽብቕ መልክዕ ሪኦም ዝምርዓዉ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ንሓድ ሕዶም ክብኣሱ ከለዉ ጠሚሩ ክሕዞ ኣይክእልን እዩ።ኣንጻር ጽብቕ ትርኢት መልክዕ ኣይኮናን።ብዝተኽ ኣለካ ጽብቕቲ ትርኢት ዘለዋ ተመርዖው።እንተ ኾነ ቀንዲ ረቛሒ ኣይኮነን እዚ ንሓዳር ጠሚሩ ክሕዝ ኣይክእልን እዩ ብዙሓት ኣዋልድ እንታይ ዝኾነ ወዲ እየን ዝመርጻ ? ጽብቅ ስራሕ ዘለዎ፥ጽብቕ ቤተሰብ ዘለዎ ፥ኣዚዩ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎ፥ እዚ ኹሉ ንሕዳር ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእልዶ ይመስለካ? ፍጹም! ገለ ኣወዳት ክኣ ገዝሚ ደሊዮም ኣዋልድ ዝምርዓዉ ኣለዉ።እዚ ውን ንሓዳር ፍጹም ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይክእልን እዩ።

እቲ እግዚኣብሄር ካብ መጀመሪያ ዝገበሮ መንገዲ ሓዳር ጸኒዑ ዝኸይድ መጀመሪያ ጎይት ነፍሲ ወከፎም ክኣ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዘሎዎም እዚ ኽኣ ዝዓበየ ካብቲ ነፍሲ ወከፎም ዘለዎም ሕብረት እዩ።ብኻላእ ቃላት ኣዘራርባ ሰብኣይ እንተ ኾንካ ሰበይታኻ ቅድም ንዓኻ ከተፍቅረካ ክትደሊ የብልካን ቀዳማይ ፍቕራ ንጎይታ ክኸውን ኣለዎ ፥ሰበይቲ እንተ ድኣ ኾይንኪ ናይ ሰብኣይኪ ፍቕሪ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ መጀመሪያ ንጎይታ ክኽውን ኣለዎ ንስኺ ኽኣ ካልኣይ። እቶም ንጎይታ ቀዳምነት ዝሰርዕዎን ኣብ ብርሃን ዝመላለሱን(ዮው 1=7) " ከምቲ እግዚኣብሄር ብርሃን ዝኾነ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ኣብ ንሓድሕድና ኽኣ ሕብረት ኣብ ንሓድ ሕዶም ክኣ ሕብረት ክህልዎም እዩ" ክልቲኦም ክኣ ብሓባር ክጸንዑ እዮም።

ሕጂ እንታይ እዮም እቶም ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝኣትዉ ነገራት? ስድራ ክኾኑ ይኽእሉ።ኣብ( ዘፍ =24) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና "ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ…"ሽዑ ጥራይ እዩ ሓደ ስጋ ዝኮኑ።ደጊምካ ኣስተውዕል እዛ ጥቅሲ እንታይ ከም እትብል ዘላ'ሓደ ነገር ክትሓድግ ኣለካ ሽዑ ኽኣ ትጠብቕ' እንተ ድኣ ከይሓደግካ ክትጠብቕ ፈቲንካ ፍጹም ሓደ ኣይትኸውንን ኢኻ። እዚ ዘግርም ኣይኮነን? እዚ ሓደ ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ዝተውሃበና ትእዛዝ እዩ ዋላ ቅድሚ ሓጥያት ናብዛ ዓለም ምምጽኡ-ኣቦኻን ኣዴኻን ክትሓድጎም። ነቶም ዝተመርዓኹም ክሓተኩም ይደሊ ኣቦኹምን ኣዴኹምን ሓዲግክሞምዶ? ኣካላዊ ማለተይ ኣይኮንኩን ።ብኹሉ መንገዲ ተኸናኸኖም ክሳብ ብህይወት ዘለዉ። እዚ ክንገብር ይግብኣና እዩ።ስድራና ወልድና ከነኽብሮም ይግብኣና።ኮይኑ ግን ኣብ ሞንጎኻን ሰበይትኻን ኣብ ሓዳርካ ክኣትዉ ኣይተፍቅደሎም። ስምዒታዊ ክትሓደጎም ኣለካ።ንብዙሕ ዓመታት ይዕቤሙኻ እዮም እዚ ጽብቕ ነገር እዩ ።እንተ ኾነ ሕጂ ተመሪዕኻ ኢኻ ክትሓድጎም ኣለካ።ምኽንያቱ ብዙሓት ኣሰብኡት ስሚዒታዊ ምትሕሓዝ ምስ ስድርኦም ስለ ዘይሓደጉ ኣብ ናይ ሓዳር ህይወቶም ዘምርድዳእ ሕንፍሽፍሽ ኣሎ።ብዙሓት ኣንስቲ ውን ስምዒታዊ ምትሕሓዝ ምስ ስድርኤን ስለ ዘይሓደጋ ምስ ኣስብኣተን ኣይሓብራን ሓደ ኣይኮናን።እዚ ዘሕዝን እዩ።

ጎይታ ቀዳማይ ኣይተስርዔን ስድራ ወለዲ ኣብ ሞንጎ ህይወቶም ጣልቃ ይኣትዉ ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ውን ስራሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ይኸውን ንዓኻ ኣብ ሞንጎ ሓዳር ክኣ ይኣቱ።ካብ እግዚኣብሄር ወጻኢ ገንዘብ ክኸውን ይኽእል፥ደቅኻውን ክኾኑ ይኽእሉ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰብይትን ዝኣትዉ።እዚ ነገር ኩሉ ግዜ ኣብ ሃገር ህንዲ የጋጥም እዩ።ኮይኑ ግን እዚ ፍጹም ክህሉ የብሉን።እንታይ እዩ እቲ መልሲ ንሕጉስ ሓዳር ? ኣብዚ እንሄለ እቲ መልሲ ንጎይታ

ቀዳምነት ስርዓዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩነታት ፥ኣብ ብርሃን ተመላለስ፥ርእስኻ ፍረድ ኣብ ሞንጎኻን መጻምዲ ናይ ሓዳርካን ጠማሪ ሓይሊ ክትረክብ ኢኻ ።ነዚ ኽኣ ዘፍርሶ ዋላ ሓደ የልቦን።