ምህሮ ምውሳድ ንኻልኡት ሰባት ከይትንዕቕ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Youth Man
Article Body: 

ንገለ ሰባት ንኻልኡት ብንዕቀት ዝጥምቱ ዝነበሩ የሱስ እዚ ምሳሌ ከምዚ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ "ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥ 10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11-12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። 14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ( ሉቃ 18=9-14)።

ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ ስለ ምንታይ ሰባት ንኻልኡት ብንዕቀት ዝጥምቱ ።ካብ ንእስነቶም ተማሂሮሞ ክኾኑ ይኽእሉ ብወለዶም ነቶም ብደረጃ ለጠቕ ዝበሉ ኣብ ሕብረተሰብ ኣትሒቶም ክሪኡ ወይ ብሃብቲ ወይ ብትምህርቲ ወ.ዘ.ተ። ወይ እንተ ድኣ ኣዚኻ ንፉዕ ኣብ ቤት ምህርቲ ኣብ ክፍልኻ ዝልዓልካ ኮይንካ ንኻልኦት ኣብ ክፍልኻ ዘለዎ ብንዕቀት ክጥምቶም ትጅምር።ብተወሳኺ ዘሕዝን ኮይኑ ሊቅ ከም ዝኾንካ ክትሓስብ ዝገብርኻ ወለዲ ኣለዉኻ እቲ ነገር ኣዚዩ ዝብኣሰ ይኸውን።

ንኹሎም ወለዲ ኣፍቁዱለይ ክምሕጸኖም፥እንተ ድኣ ደቁኹም በላሕቲ ኮይኖም ብዛዕብኦም ብምኹራዕ ኣይተባላሽውዎም።ኣነ ኣብ ቤተይ መምሪሒ ገይረ ኣብ ደቀይ ብዛዕባ ደረጅኦም ናይ ክፍሊ ወይ ሽልማት ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝረኸብዎ ንዋላ ሓደ ሰብ ከይነግሩ።ፈለጦዮ እየ እንተ ድኣ ዕቡያት ኮይኖም ብኡ ንቡኡ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘጥፍኡ።ብድሕርዚ ኣብ ሓጥያት ክወድቁ ይኽእሉን ምስ ተራ ይሕዋት ውን ፍጹም ሕብረት ክገብሩ ኣይክእሉን። ብዙሓት ወለዲ ይፈርሕ እየ ከምዚ ገይሮም ደቆም ኣበላሽሞም ከይኮኑ።

ልሙድ ተርእዮ እዩ ኣብ ሞንጎ ቆልዑት ብሓደ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይዛረብ መስሓቒ ምግባር ወይ ዝኾነ ይኹን ብናይ ኣዲኡ ቋንቋ ጽብቕ ዘይድምጽ ዝተወላደፈ።ኣብ ገዛኻ ካብ ከምዚ ምትብባዕ ተጠንቀቕ። ካባና ካብ ማህጸን ኣዲኡ ብጽብቕ ኣደማምጻ ዝዛረብ ዝወጸ ኣሎ ድዩ ? ዝኾነ ክእለት ዘሎና በዚ ኣምላኽ ከነመስግኖ ኣሎና።ኮይኑ ግን ፍጹም ብዛዕቡኡ ዕቡያት ክከውን ኣይግባእን። ትፈልጥዶ እንታይ ኣደማምጻ ኣብ ሰማይ ከም ዝዛረቡ ? ኣደማምጻ ትሕትናን ፍቕርን እዩ።ብንጹር እዞም ኣደማምጻ ንምሃሮም።

ምናልባት ንስኺ ሰብይቲ ኢኺ ብዘይ እንታ ገዛኺ ብጽሬትን ኩሉ ነገር ብስርዓት ቦትኡ ዝሓዘ ዝተወጋገነ ገይርኪ ትሕዝዮ ትኾኒ።ናይ ካልእ ሰብ ገዛ ዘይተወጋገነን ብሸለልትነት ዝተትሓዘ ትሪኢ- ንቲ ሰብ ክኣ ትንዕቕዮ ።ሽዑ እምብኣር ፈርሳዊት ኢኺ እቲ ገዝኡ ብጽሬት ዘሓዘ ኣምላኻዊ ህይወት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ገለ ይሕዋት ኣዚዩ ትሑት ስሚዒት ናይ ሙዚቃ ኣለዎም እንተ ድኣ ብሓባር ክዝሙሩ ጀሚሮም ኣብ ክፉት ናይ ምስጋና ግዜ ኣብ ቤተ ክርስትያን መለሳ ዘይቡሉ ካብ ስኒት ዜማ ወጻኢ ይኾኑ። ኣይትንዓቆም ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ነቲ ሙዚቃ ኣይሰምዖን እዩ ፥ንሱ ዝስምዖ ነቲ ቃላት እዩ።ከምእ ውን እቲ ሓዊ ጌጋ ስኒት ዜማ ዝዝምር ዘሎ ካባኻ እቲ ቁኑዕ ስኒት ዜማ እትዝምር ንላዕሊ ሓቀኛ ንጹህ ክኸውን ይኽእል እዩ።ብወገነይ ነኸምዚኦም ዓይነት ይሕዋት እግዚኣብሄር ኣመሲጊነ እየ ምኽንያቱ ንኩሎምን ዘመርትን ሙዚቀኛታትን ትሑታት ስለ ዝገብርዎም ኣብ ቤተ ክርስትያን። ፈሪሳውያን ዘመርትን ሙዚቀኛታትን እዮም ንቤተ ክርስትያን ዝዕንውዋ እምበር እቶም ዘይዘመርትን ዘይሙዚቀኛታትን ኣይኮኑን።እግዚኣብሄር ዘመርቲ ተጻወቲ ሙዚቃ ዘይኮኑ ከም ካልእ ኩሉ የፍቅሮም እዩ ኮይኑ ግን ንፈሪሳውነት ይነጽጎ እዩ።ጎይታ ምስ ተመለሰ ነኸም እዚኦም ፈሪሳውያን ብዙሕ ምግራም እዩ ዝጽበዮም።

ኣብ ክፍልኻ ቀዳማይ ክትወጽእ የብልካን ወይ ብጽፈትን ዝተወጋገነ ገይርካ ገዛኻ ክትሕዝ ወይ ብጽብቕ ስኒት ዜማ ክትዝምር የብልካን ኣይኮኑኩን ዝብል ዘለኹ።ብኹሉ መንገዲ ነዚ ኹሉ ንግበሮ።ኮይኑ ግን ብዛዕባ እዚ ነገራት ርእስና ነትሕትን ንኻልኡት ነዚ ንሕና እንገብሮ ክገብርዎ ዘይክእሉ ኣይንንዓቆምን።

ብዙሕ ገጻት ከምዚ ዓይነት ኣለው፥ ንኻልኡት ብቀሊሉ ክንዕቀሉ እንኽእል፥ኣብ እዮብ 36=5 ከምዚ ይብል"እንሆ፡ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ" ዝያዳ ንኣምላኽ ክንመስል ከለና ዝያዳ ኽኣ ንሰባት ዋጋ ንህብን ፍጹም ውን ንማንም ንዝኾነ ኣይንንዕቕን።

ስለዚ ገዛ ርስና ነንጽህን ንሰባት ክኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝሪኦም ገይርና ክንሪኦም ንምሃር "ካብ ኣምላኽ ዘይተቐበልካዮ እንታይ ኣሎ? " ከመይ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክትኮርዕን ወይ ንኻልእ ክትንዕቕ ትኽእል ? " (1 ቆሮ 4=7)።