ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ብምንባርካ ተነሳሓ!_

Written by :   Zac Poonen Categories :   Foundational Truth
Article Body: 

ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ሓቂ ከም ዑፍ እያ ክልተ ክንፊ ኣሎዋ "ጽሑፍ እዩ " " ከም እዉን ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ " ሓደ ክንፊ ጥራይ እንተ ድኣ ሃሊዩካ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ ዓንኬል ኢኻ እትዘውር ምናልባት ውን ክትጠፍእ ትክእል ግናኻ ክልተ ክንፊ እንተ ሃሊዩካ ንቕድሚት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።ንዚኣ ትቕጽል ሕቶ ኣብ ግምት ንእቱ ስለ ምንታይ እዩ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ዝሞተ? እቲ ልሙድ መልሲ ናይዚ ሕቶ " ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ሞይቱ" ዝብል እዩ "ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ( 1ቆሮ 15=3) ግናኸ እዚ መልሲ ፍርቂ ናይቲ ሓቂ እዩ እቲ ሙሉእ ሓቂ ንምርካብ ካልእ ቃል ክንርኢ ኢና ከምዚ ውን ጽሑፍ እዩ "ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ " (2 ቆሮ 5=15) እዘን ክልተ ቃል ኣምላኻ ኣብ ሓደ ምስ እንገብረን ክልተ ክንፊ ናይቲ ሓቂ ንረኽቦ።

ብዛዕባ ኣምላኻን መጽሓፍ ቅዱስን ጽብቕ መረዳእታ ምስ ሓዝና ሓጥያት ምቕታል ፥ዝሙት ፥ስርቂ ወ.ዘ.ተ ጥራይ ዘይሙዃኑ ክንፈልጥ ኢና ሓጥያት እምብኣር ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምንባር ውን እዩ ። ንገዛእ ርእስና እንነብር እንተ ኾይና ብዘየገድስ ሕማቕ ተግባራትና ባህርያትናን ዋላ ኣብ ህይወትና እንተ ኣርሓቕና ገና ኣብ ሓጥያት ኢና ንነብር። ምናልባት ነቲ ሕማቕ ባህሪያትካ ከም ቁማር ፥ ምትካኽ ሽጋራ፥ዝሙት መሰተ ደው ኣቢልካዮ ትኸውን ኮይኑ ግን ካብቲ ሱር ኩሉ ሓጥያት ዝኾነ ንርእስኻ ምንባር ገና ኣይተነሳሕካን ግናኸ ሎሚ ብዙሓት ሰበኽቲ ኣሎዉ ኽትሰምዖ ደስ ዘብል ክሳብ ሕጂ ዲሕንካ ኢኻ ኢሎም ዝነግሩኻ! እዞም ሰበኽቲ ክሳብ ኣብ ጉባኤኦም ዝተረኸብካን ገንዘብ ውን ኣብ ናይ ሞባእ ከረጺት ዘቕመጥካ ሕጉሳት እዮም።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ስህተት ሰይጣን ንኣመንቲ ዘስሕቶም በዚ እዩ "ሰብ ቀጻሊ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ እናነበረ ምድሓኑ ውሕስ እዩ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ኽኣ ናብ ሰማይ ይኸይድ ዝብል ሓሳብ ክሓስቡ ብምግባር እዩ " ሰይጣን ንሰብ ባሪያ ናይ ሕማቕ ልምድታት ክገብሮ ከም ዘይክእል ምስ ርኣየ ኣብ ሓደ ነገር ጸግዒ ዘይብልካ ብምግባር ወይ ንቃል ኣምላኻ ወይ ውን ንሕብረት ግዜ ዘይብሉ ብምግባር ወይ ንጹህ ናይ ተሌዥን መደባት ናይ ምርኣይ ባሪያ ክገብሮ ይኽእል።ሰይጣን ዝደሊ ዘሎ ኣመንቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝደሊዩ ፥ ናይ ርእሶም ምዝንጋዓት፥ ናይ ርእሶም መኽሰብን ረብሓን ፥ፍቃድ ርእሶም ጥራይ ዝገብሩ ወ.ዘ.ተ ሰይጣን ንሰብ ካብ ኣምላኻ ምእንቲ ከርሕቆ 101 መገድታት ኣሎዎ።

ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ እምብኣር ሓጥያት ስኽራን፥ ቁማር ፥ ዝሙት ፥ ምቕታል ጥራይ ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ። ንገዛእ ርኣስኻ ጥራይ ምንባር ሓጥያት ሙኳኑ ክንግንዘብ ኣሎና። ሓጥያት ማለት ንርእስኻ ባህ ዘብል ጥራይ ምስራሕ እዩ ናይ ርእስኻ ፍቓድ ምግባር ሓጥያት እዩ ። ካብዚ ሱር ንርእስኻ ምንባር እዩ ብዙሕ ፍረታት ሓጥያት ዝወጽእ ፥ክርስቶስ የሱስ ንርእስና ጥራይ ካብ ምንባር ሓራ ክገብረና እዩ ዝሞተ።

ዮውሃንስ መጥመቕ ከምዚ ኢሉ የሱስ ምስ መጸ እቲ ምሳር ኣብ ሱር እቲ ኦም ከቕምጦ እዩ ። እዚ ኽኣ እቲ ሱር ንገዛእ ርእስኻ ምንባር ፥ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍቓድ ጥራይ ክትገብር ምድላይ እዩ የሱስ ነቲ ምሳር ከቕምጠሉ ዝመጸ።

ንስሓ ማለት "ምምላስ " ማለት እዩ እዚ ኽኣ ንርእስና ምንባር ዝባና ንህብን ንኣምላኻ ጥራይ ንኽነብር ንውስን። እዚ ማለት ናይ ሙሉ ግዜ ኣገልጋሊ ትኸውን ማለት ኣይኮነን ኣይፋሉን፥ ኣምላኽ ኣብ ሞንጎ 1000 ኣመንቲ ሓደ ጥራይ ናይ ሙሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ዝጽውዕ። ኣምላኽ ክኣ ካልኡት ደቁ ኣብ ዓለም ክሰርሑ ፥ናብርኦም ክመርሑ ፥ኮይኑ ግን ንኽብሪ ኣምላኽ ክነብሩ እምበር ንርእሶም ጥራይ ክነብሩ ኣይኮነን ዝደሊ።

ንስሓ እንታይ ማለት ሙኳኑ ኣብ (1ተሰሎንቄ 1=9) ተገሊጹ ኣሎ ንስኽኣ " ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽምምላስ እዩ" ብዙሓት ኣመንቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ኣይተመለሱን ፥ኣብ ሕንዲ ብዙሓት ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ንክርስቶስ ከም ኣምላኽ ክቕበልዎ ሕጉሳት እዮም፥ ግናኸ ምስቶም ዝነበርዎ ጣኦታት ዘምልኽዎም ዝነበሩ ንየሱስ ከም ተወሳኺ እዩ ፥ እዚ ንፈልጥ ኢና ከም ዘይክኣል ሓደ ክርስቶስ ዝተቐበለ ካልኡት ኣማላኽትን ጣኦታትን ክሓድግ ግድን ኣሎዎ "ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ እቲ ብሉይ ሐሊፉ እንሆ ኵሉ ሓድሽ ኮይኑ (2 ቆሮ 5=17) እዚ ማለት እቲ ኣረጊት ኣረኣእያ ፥ኣመል ሓሊፉ ማለት እዩ። ሕጂ እቲ ሓድሽ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ምንባር ኣቋሪጹ እዩ ፥እቲ ንክርስቶስ ምምሳል ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣይበጸሔን ግናኸ ሕጂ ካብ ንገዛእ ርእሱ ካብ ምንባር ተመሊሱ ፥ንክብሪ ኣምላኽ ምንባር የደሊ ኣሎ እዚ ጥራይ ክእ ሓቀኛ ንስሓ።

ቅድሚ ዘመናት ብኣና ጌይሩ ክሃንጻ ዝመደባ ቤተ ክርስትያን ክንሃንጽ እንተ ኮይና ካብ ንርእስና ምንባር ክንምለስ ኣሎና። ናይ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ኣብ ከረን ሞርያ እያ ተሃንጻ ኣብቲ ኣብርሃም ንኢሳቕ ንኣምላኽ ዝወፈየሉ ቦታ "ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ከረን ሞሪያ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት እተራእየሉ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሕ ጀመረ" (2 ዜና 3=1)።



ኣብራሃም ኣብቲ ግዜ እቲ እንኮ ዝፈትዎ ወዱ እዩ ምሰኡ ተሪፉ ነይሩ ኣምላኽ ናይ ኣብራሃም ተወፋይነት ፈቲንዎ ኣብታ ምዓልቲ ወዱ ኢሳቕ ከም ጣኦት ኮይኑዎ እንተ ኾይኑ ንምርግጋጽ ክኣ ንኣብራሃም ነጊርዋ ከገልግሎ እንተ ኾይኑ ካብ ኩሉ ጣኦታት ክምለስ ከም ዘለዋ ። ስለዚ ኽኣ ኣብራሃም ንኢሳቕ ኣብ መስውኢ ዘቕመጦ ኣምላኽ ንኢሳቕ ኣይወሰዶን ምኽንያቱ ኣምላኽ ነቲ ተፈጥራዊ ዘይኮነ ምጥባቕ ምስ ኢሳቕ ወዱ ንቲ ምስ ኣምላኽ ከይመላላስ ዝኽልክሎ እዩ ፈሊዎ። ምሳና ውን ኣምላኽ ልክዕ ከምዚ ናይ ኣብራሃምን እዩ ኩሉ እቲ ብሉጽ ንብሎ ናትና ክንህቦ ኣሎና።

ናይቲ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ክኣ እቲ ጉዳይ ገንዘብ እዩ ነይሩ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ኣብራሃም ንኢሳቕ ክህብ ዝሓተቶ ነዚ ሃብታም መንእሰይ መራሒውን ገንዘብ ክህብ እዩ ሓቲትዎ ከምዚ እንፈልጦ እቲ መእሰይ ከምዚ እንተዝብል ነይሩ "እሺ ጎይታ እነሄልካ " ማለት ንቲ ገንዘብ ኣምላኽ ንገንዘቡ ክእክብ ምስ ነገሮ ነይሩ ልክዕ ከምቲ ንኣብራሃም ንኢሳቕ ክወስድ ዝነገሮ።ኮይኑ ግን መጀመሪያ ክንሓድግ ኣሎና ከመይ ኩሉ ከምዚ ክንብል ጸጋ ይሃልወና "ጎይታ ዝኾነ ይኹን ከም ኢሳቕ ኣብ ህይወተይ ዘሎ ኩሉ ንዓኻ ይህብ ፥ኣብ መስውኢ ኽኣ የቕምጦ ኣብ ህይወተይ ድሕሪ ሕጂ ጣኦታት ኣብ ሞንጎኻን ኣብ ሞንጎይን ክኾኑ ኣይደልን እየ ፥ ንርእሰይ ክነብር ኣይደልን እየ ንዓኻ ጥራይ ክነብር ይደሊ ኣሎኹ ፤ ንኽብሪ ኣምላኽ ክነብር ይደሊ ኣለኹ ህይወተይ ከባኽና ኣይደልን እየ" ።እዚ እቲ ዝበለጸ ዜና እዩ ኣብ ዓለም ፥ሕጂ ንድሌታትናን ፥ ክንበጽሖ እንደልዮ ሕልምታትን ደጊም ባሮት ኣይንኸውንን ኢና ፣ንህይወትና ዘባኻን ነገራት ድሌታት ደጊም የብልናን ግናኸ ብነጻ ንክብሪ ኣምላኻ ንክነብር ንኽእል ኢና ከም እዉን ዝጠቅም ህይወት ንነብር። ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምንባር ኣብ ማእሰርትን መቑሕን ምንባር ማለት እዩ ። እቲ ጽብቕ ዜና ናይ ወንጌል የሱስ ዝኾነ መቑሕን ክሰብሮን ነጻ ክገብረካ ይኽእል እዩ ሎሚ።

ኣብ ዝሓለፈ ህይወትካ ጥቕሚ ኣብ ዘይብሉ ነገራት ክትስዕብ ግዜ ኣባኺንካ እንተ ኔርካ ብዛዕባዚ ሕጂ ሓንቲ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ ኮይኑ ግን ሎሚ እቲ ዝበለጸ ምዓልቲ እዩ ንቕድሚት ክትስጉም ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ኣብ ቅድሜና ግዜ ስለ ዘሎ ንጎይታ ክንብሎ ዝግባእ "ጎይታ ነቲ ዝሓለፈ ዓመታተይ ህይወተይ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን እየ፥ ግናኻ ሕጂ ዝተረፈ ዕድመይ ንዓኻ ጥራይ ጎይታ ክነብር ይደሊ ኣሎኹ ፥ህይወተይ መርምር ዝኾነ ጣኦት ኣብ ዝኾነ ቦታ የምልኽ እንተ ለኹ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣኦት ተመሊሰ ንዓኻ ከምልኽን ከገልግልን ይደሊ ኣሎኹ ፥ጎይታ የሱስ ይንሳሕ ኣሎኹ ብፍላይ ነቲ ዘይፈጦ ምምላኻ ጣኦት ካብ ንገዛእ ርእሰይ ጥራይ ምንባር " ጎይታ ንኹሉና ይሓገዘና።