ስጋ ንጎይታ ጎይታ ውን ንስጋ።

Article Body: 


ኣብ 1ቆሮንጦስ 6=12-13 ጳውሎስ ኣካልና ከመይ ጌይርና ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ ይዛረብ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ክመልከኒ ኣይሐድጎን እየ ብዋላ ሓደ ናይ ስጋይ ድሌታት ኣይግዛእን እየ ብምባል።

ኣካልና ልክዕ ብሓደ ካልእ ዝተዓደገ እዩ ንሱ ኽኣ ጎይታ የሱስ እዩ ኮይኑ ግን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ክትከውን እንተ ደሊኻ መግቢ ክገዝኣካ ክትፈቅድ የብልካን መግቢ ኣዚኻ ተፍቅር እንተ ኾይንካ ፍጹም ዝጠቅም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ ካብዚ ባርነት ክትፍታሕ ኣለካ በዚ ክኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት ጾም ይሕግዘና እዩ።መንፈስና ጥራይ ዘይኮነ ስጋና ኣባል ኣካል ክርስቶስ እዩ "እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም......" (1ቆሮ 6=15)ስለዚ ኽኣ ፍጹም ንዘይሞራላዊ ዝኾነ ዕላማ ክንጥቀመሉ የብላናን፥ይዒንትና፥መልሓስና ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣካልና ንጎይታ ጥራይ ዝተሓዝኤ ክኸውን ይግባእ።

ኣብዚ እንሄለ ኣዚዩ ድንቂ ዝኾነ ተስፋ ኣምላኽ ንስጋና ኣነ ባዕለይ ክሳብ ሕጂ ንቡዙሕ ዓመታት ዝወሰድክዎ ተስፋ እዩ " ስጋ ንጎይታ ጎይታውን ንስጋ እዩ " (1ቆሮ 6=13) ከምዚ እንተ ኢልካ "ጎይታ ኩሉንትናይ ካብ ርእሰይ ክሳብ እግረይ ይዒነተይ መልሓሰይ ብዘሎ ኣካላተት ናትካ እዩ" ፥ሽዑ ክኣ ጎይታ ሙሉእ ብሙሉእ ንስጋኻ ክኸውን እዩ ክሳብ ንሱ ዝደለዮ ንኣካልካ ክኣ ምእንቲ ከተገልግሎ ብቑ ክገብሮ እዩ ከም እውን ካብ ሕማም ክዕቅቦ እዩ ዋላኳ ኣጉባዝ እንተ ተሓለሉን እቶም ኣካሎም ንጎይታ ዝህብዎ ከም ንስሪ በኽናፍ ናብ ላዕሊ ክበሩ እዮም።

ስጋና ማሕደር መንፈስ ቅድስ እዩ "....ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም...(1ቆሮ 6=19) ስለዚ ብዝኾነ መንገዲ ንስጋና ከነርክሶ የብልናን ከምቲ ኣብ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ዘይተትክኽን መስተ ዘይትሰትን ከም እውን ዝሙት ዘይትፍጽም እንተ ኾንካ ከም እዉን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣብ ኣካልካ ክትፍጽም የብልካን ምኽንያቱ እቲ ክውን ሓቀኛ መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ህንጻ ዘይኮነስ ግናኸ ስጋኻ እዩ "ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" (1ቆሮ 6=19-20)።

እዞም ትሽዓተ ጥቕስታት (1 ቆሮ 6=12-20) ኩሎም ኮይኖም ኣዚዩ ድንቂ ዝኾነ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ቅርጺ የቑሙ ከምይ ጌርና ኣካልና ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእን ንስጋና ኣምላኽ እንታይ ከም ዝቐረበሉን በዚ ቃል ከተስተንትን ከተባብዓካ ይደሊ፥ ምኽንያቱ ንኣምላኽ ከነገልግሎ ጥዓና ዘሎዎ ኣካል የድሌና እዩ።

ብዙሓት ክርስትያናት ብዛዕባ ፈውሲ ይዛረቡ እዮም ኮይኑ ግን ጥዕና ይበልጽ ካብ ፈውሲ ምክልኻል ይበልጽ ካብ ምሕዋይ ሒደት በልዕካ ጥዕና ዘሎዎ ሙኳን ይበልጽ ካብ ንመግቢ ህሩፍ ኮንካ ሕሙም ሙኳን ንኣምላኽ ፈውሲ ምሕታትን ኣምላኽ ፈዋሲኻ ክኽውን ኣይትሕተቶ ጥዕናኻ ክኸውን እምበር ኩሉ ኣካልካ ብሙሉኡ ሃቦ ከምዚ ኽኣ በል " ጎይታ ንስኻ ጥዕና ናይ ኣካለይ ኢኻ ክሳብ ኣብዛ ምድሪ ክነብርን ከገልግለካ እትደሌኒ ፥እንሆ ኣካለይ ክጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ ብስጋይ ከኽብረካ እየ ምኽንያቱ ንዓኻ ክኸውን ኣብ መስቀል ዓዲግካዮ ኢኻ፥ስጋይ ንዓኻ ጥራይ እዩ ዝብጽሓካ።

ኣካልና ልክዕ ብሓደ ካልእ ዝተዓደገ ገዛ እዩ ፥እዚ ኽኣ ብጎይታ የሱስ እዩ ካብዚ ገዛ ክንወጽእን ነቲ ሕጋዊ ብዓል ቤተ ወናኒ ክሕዞ ክንፈቕደሉ ኣሎና ካልእ ሰብ ኣብ ዝዓደጎ ገዛ ክትነብር ምቅጻል ሓጥያት እዩ ስለዚ ኩሉ ኣካልካ ንጎይታ የሱስ ኣረክቦ።