ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ኣርጊት ሰብን ፥ስጋን።

Written by :   Zac Poonen Categories :   Foundational Truth Disciples
Article Body: 


ምድሪ ከንኣን ኣብ መጽሓፍ ኢያሱ ከም መግለጺ ስእሊ ናይ ሰማይ ኣይኮነን ገለ ኣመንቲ ኣብ ግጥምታቶም ከም መግለጺ ሰማይ ይዝምርዎ እዮም፥ከንኣን ብልክዕ መግለጺ ብመንፈስ ዝተመልኤ ሂወት እዩ ምኽንያቱ ኣብ ሰማይ ዝቕተሉ ንዑጋት ሰባት የለውን እቶም ንዑጋት ናይ ሓጥያት ናይ ፍትወተ ስጋ ተሰቒሎም እዮም ኮይኑ ግን እዞም ንዑጋት ኣብ ሓደ እዋን ኣይኮኑን እንታይ ድኣ ሓደ ብሓደ እዮም ተሰቒሎም።

ሕዝቢ እስራኤል ናብ ከንኣን ንምእታው ኣብ ጉዕዞኦም ክልተ ማያት ክሰግሩ ነይርዎም እቲ ሓደ ቀይሕ ባሕሪ ፥እቲ ካልኣይ ክኣ ሩባ ዮርዳኖስ ክልቲኦም እዚኦም ማያት ብዛዕባ ሞት እዮም ዝዛረቡ ኣብ (1ቆሮ 10=1-2 ) "ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ " ከም እንሪኦ ብቀይሕ ባሕሪ ምስጋር ናይ ማይ ጥምቀት ስዕሊ ሙኳኑ ንግንዘብ ሩባ ዮርዳኖስውን ስእሊ ወይ መግለጺ ናይ ካልእ ዓይነት ሞት እዩ እዚ ቦታ ድሕሪ 1500 ዓመታት ዮውሃንስ መጥመቕ ንየሱስ ዘጥመቐሉ ቦታ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣረጊት ሰብና ኣምላኽ ኣብ መስቀል ከም ዝሰቐሎ ይነግረና "እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና" (ሮሜ6=6-7) ነቲ ኣረጊት ሰብና ክንሰቕሎ ኣይንኽእልን ኢና እቲ ኣረጊት ሰብና ወይ ክኣ እቲ ሓጥያት ክገብር ዝደሊ ኣእምሮ ምስ ክርስቶስ የሱስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እዩ ነዚ ዝገበረ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። ኮይኑ ግን ካልእ ሓደ ነገር ኣሎ ንሕና ክንሰቕሎ ዝግባእ ኣዚ ኽኣ ስጋና እዩ ስጋ ክንብል ኮሎና መኽዘን ኩሉ ድሌታትና ማለት እዩ "እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም" (ገላ 5=24)።

ስጋ ካብ ኣረጊት ሰብ ዝተፈለይ እዩ ስጋ ምስ ኩሉ ፍትወታቱ ልክዕ ከም ጉጅለ ዘረፍቲ ናብ ልብና ንኽኣቱን ክብክልን እዩ ዝፍትን፥ እቲ ኣረጊት ሰብ ክኣ ከም ዘይእሙን ኣገልጋሊ ኣብ ልብና ዝነብርን ንቶም ጉጅለ ዘረፍቲ ኽኣ ክሰርቁ ንዚመጹ ማዕጾ ዘርሕወሎም እዩ ። ኣምላኽ ካብዚም ክልተ ኣሪጊት ሰብን ስጋን ነየናይ እዩ ቀቲልዎ ? ኣምላኽ ነቲ ኣርጊት ሰብ እዩ ቀቲልዎ እቶም ጉጅለ ዘረፍቲ ማለት መኽዘን ኩሉ ድሌታትና ወይ ስጋ በዚ ምኽንያት እዩ ዋላ ድሕሪ ዳግም ምውላድና ልክዕ ከም ናይ ቅድም ብሓጥያት እንፍተን እዚ እቶም ዘረፍቲ ብህይወት ከም ዘለዉ የረጋግጸልና ፥ሕጂ ዋላ ናብ ልብና ክኣትዉ ይደልዩ እዮም ዋላ ተለዊጥና ከሎና እንተ ኾነ ሓደ ነገር ኣሎ ኣብ ውሽጥና ዝሞተ እቲ ኣገልጋሊ ነቶም ሰረቐትቲ ማዕጾ ዘርሑ እቲ ኣረጊት ሰብና እዩ።

ኣምላኽ ነዚ ኣረጊት ሰብና ቀቲልዎ እዩ ሓድሽ አገልጋሊ ክኣ ኣብ ውሽጥና ይሕዲሩይ ኣብቲ ዳግም ዝተወልድናዮ ግዜ እዚ ሓድሽ ኣገልጋሊ ነቶም ናብ ልብና ክኣትዉ ዝደልዮ ማዕጾ ኣይርሕወለሙን እዩ።ሕጂ ናይ ሓጥያት ፈተና ናባና ክመጽእ ከሎ እዚ ሓድሽ አገልጋሊ ከምዚ እዩ ዝብል " ኣይከውንን እዩ" እሞ ኸድኣ ኣመንቲ ከመይ ጌሮም ኣብ ሓጥያት ይወድቁ ? ኣብ ሓጥያት ዝወድቅሉ ምክንያት ነቲ ሓድሽ ኣገልጋሊ ብግቡእ ስለ ዘይምግብዎ እዩ፥ በዚ ኽኣ እዚ ሓድሽ ኣገልጋሊ እቶም ዘረፍቲ ናብ ልብና ንኸይኣትዉ ማዕጺ ንኽዓጽዎ ዓቒሚ ይስእን በዚ ኽኣ እቶም ዘረፍቲ ናብ እቲ ልቢ ኣማኒ ይኣትዉ እሞ በዚ ምኽንያት ሓጥያት ይሰርሕ።

እንተ ኾነ ኣብ ሞንጎ ኣማኒ ሓጥያት ክሰርሕ ከሎን ዳግም ዘይተወልደ ሰብ ሓጥያት ክሰርሕ ከሎን ኣዚዩ ሰፊሕ ፍልልይ እዩ ዘሎዎ ፥እቲ ኣማኒ ሓጥያት ክሰርሕ ኣይደልን እዩ በዚ እዩ ክኣ ዳግም ከም ዝተወለድካ ዝፍለጥ፥ዳግም ከም ዝተወልድካ መረጋገጺ ሓጥያት ምስራሕን ዘይምስራሕን ኣይኮነን ፥ነገር ግን ሓጥያት ክትሰርሕ ትደሊዶ? ክሳብ ሕጂ ሓጥያት ክትሰርሕ ትደሊ እንተ ኾንካ ከምዚ ክብለካ ይደሊ"ዳግም ኣይተወልድካን" ሰባት ናባይ መጺኦም ናይ ማይ ጥምቀት ክሓቱኒ ከለው ሓደ ሕቶ ይሓቶም " ድሕሪ ሕጂ ዋላ ሓደ ግዜ ይኹን ሓጥያት ክትሰርሕ ትደሊዶ ? ሓጥያት ክትሰርሕ ዲኻ ? ኢለ ኣይሓቶምን እየ ፥ምኽንያቱ ዋላ ሓደ ሰብ ይኹን ሓጥያት ክሰርሕ እየ ክብል ኣይክእልን እዩ።

ሓድሽ ኪዳን ዝዛረበሉ ክልተ ሞት ኣሎ እዚኦም ክልተ ሞት ኣብ ታሪኽ እስራኤል ብሙልኩዕ መንገዲ ተሳኢሎም ወይ ተገሊጾም ኣሎዉ ሰራዊት ፎርኦን ኣብ ሓደ እዋን እዮም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐበረ እዚ ስእሊ ናይቲ ኣርጊት ሰብ እዩ መን እዩ እዚ ጌይርዎ ? ኣምላኽ እዩ፥እቲ ኣረጊት ሰብና ኣብ መስቀል ኣምላኽ ሰቒልዎ እዩ ድሕሪ እዚ ኽኣ እስራኤላዊያን ሩባ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ሞት ይዛረብ ፣ምስ ክርስቶስ ንፍትወትና ከም ተሰቕልና ተቐቢልናዮ እቶም ፍትወታት ኣብ ቦትኦም ክሳብ ሕጂ ኣሎዉ እቶም ንዑጋት ክኣ ክሳብ ሕጂ ነታ ምድሪ ገዚኦማ ኣሎዉ ፥ነገር ግን እያሱን ሕዝቢ እስራኤልን ነዞም ንዑጋት ነታ ምድሪ ዝገዝእዋ ዘሎዉ ሓደ ብሓደ ክቐትልዎም ወሲኖም እዮም።

ንሕና ነቶም ፍትወታት ክንቀትሎም ዝግባእ ሓደ ብሓደ ብሓጥያት ክንፍተን ከለና እዩ፥ነቶም ተግባራት ኣካላትና በቲ ሓይሊ ዝህበና መንፈስ ቅዱስ ጌርና ክንቀትሎም ኣሎና "እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡" (ሮሜ 8=12) እዚ ግን ዝተፈለይ እዩ ካብቲ ግብጻዊያን ኣብ ሓደ እዋን ብኣምላኽ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐበረዎ።

ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዚዩ ልክዕ እዩ ተግባርነቱ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምስ መጸ ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ገዛ ርእስና እንተ ሂብና ፥ ነቶም ስውራት ነገራት ክገልጸልና እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዚዩ ዘሑጉስን ዘገርምን መጽሓፍ እዩ ፥ልክዕን ፉጹምን ፣ቡሉይ ኪዳን ጽላሎት ናይ ሓድሽ ኪዳን ህይወት እዩ ፥እቶም ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ቡሉይ ኪዳን ንኹሉ ነዚ ኣይተረድእዎን ፥ነገር ግን ሎሚ እቶምን ናይ ቀደም ፍጻመታት ክንርድኦም ኪኢልና "መሬት ከንኣን ስዕሊ ወይ ምልክት፥ ናይ ኣካላትና በቶም ንዑጋት ብብዙሕ ፍትወታት ንዓመታት ዝተገዝኤ እዩ " ኮይኑ ግን ናብዞም ንዑጋት ማለት ኣባና ዘሎዉ ናይ ዝተፈላለየ ፍትወታት ድሌታት ኣረኣእያና ከምዚ ዝብል ወስዲና ኢና ንገዛእ ርእሰይ ንሓጥያት ከም ዝሞትኩ ርእሰይ ክቖጽር እየ (ሮሜ 6=11) "ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ" ።

ጎይታና የሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ከነልዕ ከም ዘሎና ተዛሪቡ እዩ ፥እዚ ግን ነቲ ኣረጊት ሰብና ምቕታል ኣይኮነን እቲ ኣረጊት ሰብ ድሮ ኣብ መስቀል ጎይታ የሱስ ተሰቒሉ እዩ ፥እምብኣር መስቀልካ ምጻር ማለት " ናይ ርእስኻ ፍቓድ ምግባር መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ስጋ ኢሉ ይጽውዖ ነዚ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስምዓልታዊ ክንቀትሎ ኣሎና "።

ኣብ ህይወትካ ንሓጥያት ፎኪስን ዙንጉዑን ኣረኣእያ እንተ ሃሊኳ ነቲ ኣረጊት ሰብ መሊስካ ክትለብሶ ኢኻ "ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበስዎ" ልበሱ (ኤፌ4=22-24) ሓደ ሰብ ቀጻሊ ብስጋ ዝመላለስ እንተ ኾይኑ እዚ ማለት ብፍቓድ ርእሱ መንፈሳዊ ሞት ይመውት ማለት እዩ ዋላኳ ሓደ እዋን ህይወት ዘሎዎ ናብራ ይነብር እንተ ነበረ ፥ኣብ (ሮሜ 8=13) ንኣመንቲ ዝተጽሓፈ ከም ሓቒቕ ክኣ ንጹር እዩ "እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን" ።