ኣነ ዘኽብሮሙን ዝስዕቦሙን ሰበኽቲ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Leader
Article Body: 

የሱስ በለ "ስዓቡኒ" (ሉቃ 9=23) ጳውሎስ ውን በለ "ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ ንዓይ ምስሉ" (1 ቆሮ11=1፥ ፊሊ 3=17)።

ኣብ እዞም ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዝጽበ ካብ ነፍሲ ወከፍና ናይ ኣግዚኣብሄር ሰባኺ ንኹሎም እቶም ዝሰብኮም ክብሎምን ክኽእል ንርኢ።

እቶም ሰበኽቲ ዘኽብሮሙን ዝስዕቦሙን እቶም ከምዚ ጥራይ ክብሉ ዝኽእሉ እዮም " ከምቲ ንክርስቶስ ዝስዕቦ ዘለኹ ስዓቡኒ" ኮይኑ ግን ክትብሎ ዘሕዝን እዩ ከምዚ ዓይነት ሰበኽቲ ኣብ ግዜና ሕልፍ ሕልፍ ኢሊካ እዮም ዝርከቡ ።

ጳውሎስ ቅድሚ ምልዋጡ ንሱ ሙሉ ብሙሉእ ዝኸሰረ ሰብ እዩ ነይሩ።ግና እግዚኣብሄር ለዊጥዎን ንኻልኡት ንኽስዕቡዎን ዓቢ ኣብነት ገይርዎ ዋላ እኳ ፍጹም እንተ ዘይነበረ (ፊሊ 3=12-14 ርኤ)።ዋላ እቲ ብሉጽ ክርስትያን ኣብዛ ዓለም ፍጹም ኣይኮነን ኮይኑ ግን ናብ ፍጽምና ዝስጉም ጥራይ እዩ።

ስለዚ ዋላ ኣብ ዝሓለፈ ዝኸሰርካ እንተ ነይርካ እግዚኣብሄር ገና ንኻልኡት ክስዕቡኻ ኣብነት ክገብረካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ሰባኺ ሸውዓተ ባህሪያት ኣለዉ ቀዳምነት ዝወሰዶም ቅድሚ ንዕኡ ምኽባረይ ምስዓበይን ከም ኣብነት።

ኣብዚ እዋን ምዓልቲ ግድድፍን ዓለማውነትን ኣብ ክርስትና መለኪዒ ደረጃ ህይወትን ኣገልጉሎትን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ከነልዕሎ ተጸዊዕና ኢና።

ንሱ ትሕትና ዘለዎን ክቕረብ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ።የሱስ ትሕትንኡ ሰባት ብቐሊሉ ክቐርብዎ ዘኽእሎ ነይሩ ( ማቴ11=29) ሰባት ኣብ ዝኾነ ቦታን ስዓትን ክቐርብዎ ይኽእሉ ነይሮም፥ ኒቀዲሞስ ንየሱስ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ክበጽሖ ኪኢሉ እዩ ከም እውን ዝኾነ ሰብ ኣብ ሰባት ዝእከቡሉ ቦታታት ክዛራቦ ይኽእል ነይሩ፥ናይ የሱስ ትሕትና ንድኻታት ወንጌል ክሰብክ ሃረርታ ከም ዝህልዎ ገይርዎ እዩ ከምቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 4=18 እነንብቦ።ጳውሎስ ትሕትና ዘለዎ ሰብ ቅልጡፍ ክኣ ነይሩ ጌግኡ ክእመንን ብኡ ንብኡ ኽኣ ይቕሬታ ክሓትትን (ግብ 23=1-3) ከም እዚኦም ሰበኽቲ ጥራይ እየ ክስዕብ ዝኽእል ኣብ ሞንጎ ሃብታምን ድኻን ፍልልይ ዘይገብሩ ብዛዕባ ርእስም ዘይዕበዩ ወይ ልዑል ግምት ዘይብሎም ንጌግኦም ቀልጢፎም ይቕሬታ ዝሓቱን ከም እውን ከም ተራ ሓዊ ኮይኖም ኩሉ ግዜ ዝተርፉን።

•ንሱ ንዋላ ሓደ ፍጹም ገንዘብ ዘይሓትት ክኸውን ኣለዎ።

ንርእሱ ወይ ንኣገልግሎቱ ፥ከም እውን ቀሊል ዓይነት ኣነባብራ ህይወት ክህልዎ ይግባእ።ንሱ ነጻ ሂያብ ዝኾነ ከምቲ ሳሕቲ ጳውሎስ ዝገብሮ ዝነበረ እንተ ድኣ ተቕቢሉ (ፊሊ 4=16-18) ንሱ ክቕበሎም ዘለዎ ሰባት እቶም ካብኡ ንላዕሊ ሃብቲ ዘለዎም ከም እውን ካብኡ ንላዕሊ ድኻ ዝኾነ ሰባት ክቕበል የብሉን።የሱስ ንገዛእ ርእሱ ንኣገልግሎቱ ገንዘብ ፍጹም ኣይሓተተን፥ከም እውን ህያብ ካብኡ ንላዕሊ ሃብታማት ካብ ዝነበሩ ጥራይ ተቐቢሉ (ሉቃ 8=3)። የሱስን ጳውሎስን ቀሊል ዝኾነ ዓይነት ኣነባብራ ህይወት እዩ ነይርዎም።ከምዚ ናይ የሱስን ጳውሎስን ኣብ ልዕሊ ገንዘብን ምድራዊ ነገራትን ኣረኣእያ ዘለዎም ሰበኽቲ ጥራይ እየ ዝስዕብ።

•ከም ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምስክርነት ክህልዎ ይግባእ።ከም ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክፍለጥ ኣለዎ ቅኑዕ ፥ንቕድስና ልዑል ድሌት ዘለዎ ፥ብዝኾነ ነገር ንገዛእ ርእሱ ገለ ነገር ዘየናዲ ፥ልሳኑ ዝገትእ (ያቆ 1=26 ፥ ኤፌ 4=26-31) ንቶም ዝወደቑ ምሕረት ዝመልኤ ብዛዕባ ምጽላዩ ምጻሙ ምሃቡ ዘይኮርዕ (ማቴ 6=1-18) ንሱ ሙሉእ ንጽህና ክህልዎ ኣለዎ ምስ ኩለን ኣንስቲ ምስ ንኣሽቱን ዓበይትን(1 ጢሞ 5=2) ከም እዚኦም ዓይነት ሰበኽቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ሸቶ ናይ ህይወቶም ዘለዎም ጥራይ ክስዕብ እየ።

•ንሰብ ንደቁ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ዝዕበዮም ክኸውን ኣለዎ።ከምቲ ንሱ ንየሱስ ዝስዕቦ ደቁ ውን ንዕኡ ክስዕብዎ ይግባእ። መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ዝኾነ ሰብ ንደቁ ብፍርሃትን ኣምላኽን ብንእግዚኣብሄር ምምሳልን መጀመሪያ ንደቁ እንተ ዘይዕቢዎም መራሒ ናይ ቤተ ክርስትያን ክኸውን ኣይክእልን እዩ (1 ጢሞ 3=4-5 ፥ ቲቶ 1=6) ደቅና ካብ ካልኡት ሰባት ንላዕሊ ይፈልጡና እዮም ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ኣብ ገዛ ስለ ዝሪኡና እዩ።ከም እውን እንተ ድኣ ኣምላኻዊ መንገዲ ኣብ ገዛ ክነብር ሪኤሙና ንሶም ውን ብሙሉእ ልቢ ንጎይታ ይስዕብዎ እዮም።ንደቆም ናይ እግዚኣብሄር ሰባትን ፥ትሑታትን፥ንኹሉ ሰብ ዘኽብሩ ከምዚ ገይሮም ደቆም ዘዕበዩ ሰበኽቲ ክስዕቦም እየ።

•ንሱ ብዘይፍርሂ ንሙሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ዝሰብኽ ክኸውን ኣለዎ።ንሱ ንኹሉ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጽሓፈ ንሰብ ባህ ከብል ከይደለየ ንኹሉ ትእዛዛትን ተስፋታትን ክእውጅ ይግባእ (ግብ 20=27 ፥ ገላ 1=10) እንተ ድኣ ብሓቂ ቀጻሊ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ ሽዑ ከም ናይ የሱስን ጳውሎስን መልእኽቱ ዝብድህ ዘጸናንዕ ይኸውን እዩ።ከምዚ ዓይነት ሰበኽቲ ጥራይ ክስዕብ እየ፥ ክዛረቡ ከለዉ ናይ እግዚኣብሄር ቅብኣት ከም ዘለዎም ክርድኣኒ እዩ።

•ንሱ ፍቕርን ድሌትን ክህልዎ ይግባእ ከባቢያዊት ቤተ ክርስትያን ክሃንጽ ከም መግለጺ ኣካል ክርስቶስ ።የሱስ ንሰባት ካብ ሓጥያት ጥራይ ከድሕን ኣይመጸን እንተ ኾነ ማሕበሩ ክሃንጽ እዩ ከም ኣካል ንህይወቱ እቲ ገልጽ (ማቴ 16=18)።

•ንሱ ንውሕዱ ከም ናቱ ራኢ መንፈስን ዘለዎም ዘዕበየ ክኸውን ይግባእ።ናይ ኣምላኽ ሰብ ብዛዕባ ምስክርነት የሱስ ብንጽህና ምዕቃብ ንዝመጻ ወለዶ ኩሉ ግዜ ይሓስብ እዩ።የሱስ 11 ደቂመዛሙርቲ መንፈሱ ዝወሰዱን ብመለኪዕታቱ ዝተመላለሱ ዕዩኣኡ ምእንቲ ክቕጽል ይዕቢዩ እዩ።ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ቲቶስን ብትሕትና ርእሳ ምቕባጽን ዕይኡ ንኽቕጹሉ ይዕብዩ እዩ። (ፊሊ 2=19-21 ፥ 2 ቆሮ 7=13-15) እቶም ብውሕዱ ሒደት መትዓይይቲ ዘዕበዩ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጽሬት ዘለዎም ንኸም እዚኦም ሰበኽቲ ጥራይ እየ ዝስዕብ።

•ብኣምላኽ ሰባኺ ክትከውን እንተ ድኣ ተጸዊዕካ ብመንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ክቐብኣካ ክትጽሊ ኣሎካ፥ ከም እውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ክትከውን ከኽእለካ። ስለዚ በዚ ንስኻ ንኻልኦት ክስዕቡኻ ኣብነት ክትከውን ኢኻ።

ሎሚ ኣብዚ ምዓልቲ ግድድፍን ዋጋ ዕዳን ዓለማውነት ኣብ ክርስትና ኣብ ላዕሊ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ህይወትን ኣገልጉለትን መለኪዕታት ከነልዕሎ ተጸዊዕና ኢና።

እዚ ክንገብር ከመይ ጎይት ይሓግዘን ኣሜን!