ምፍታን ጴጥሮስን ይሁዳን

Written by :   Zac Poonen Categories :   Struggling Disciples
Article Body: 


ኣብ ሞንጎ ደቀ መዝሙር የሱስ ምናልባት እቲ ዝዓበየ ናይ ባህሪ ምንጽጻር ኣብ ሞንጎ ጴጥሮስን ይሁዳን እዩ፥ጴጥሮስ ዘይተምሃረ ውዑይ ተራ ሰብን እዩ ነይሩ ፥ይሁዳ ድማ መስተውዓሊ ተጣባቢ ንዝሓሰቦ ነገር ንምጭባጥ ኩቱር ድሌት ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ።

•ናይ ጴጥሮስ ኣረኣእያ ኣብ ገንዘብ
ኣምላኽ ንጴጥሮስ ንዓቢ ነገር እዩ ጸዊዕዎ ግናኸ እቲ ጻውዒት ክፍጸም ክፍተን ተቓብልነት ክረክብ ነይርዎ ጴጥሮስ ጎይታ ክጽውዖ ከሎ ኣምላኽ ንዓቢን ድንቂ ነገርን ከም ዝጸዉዖ ኣይፈለጠን፥ኣምላኽ ግዜኡ ምስ ኣኸለ እዩ መደቡ ዝፍጽም ሓደ ምዓልቲ ናብ ጴጥሮስ ጀልባ መጺኡ ስኬዔቱ ናብ ውሽጢ ማይ ክእትዎ ዓሳ ክገፍፍን ነጊርዎ ጴጥሮስ ከምኡ ጌሩ ኣብ ህይወቱ ዘመኑ እቲ ዝዓበየ ምግፋፋ ዓሳ እዩ ነይሩ(ሉቃ 5=1-11)።

ጴጥሮስ ከም እዞም ናይ ሎሚ ነጋዶ ክርስትያናት እንተ ዝኸውን ነይሩ ንየሱስ ከምዚ ምስ በሎ ነይሩ ጎይታ እዚ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ንስኻን ኣነን መሻርኽቲ ንኹን ንስኻ ትሰብኽ ኣነ ኽኣ ብገንዘብ ክሕግዘካ እየ ብኸምዚ መንገዲ ናይ ምግፋፍ ሰርሔይ እንተ ቐጺለ ኣብ እስራል እቲ ዝዓበየ ሃብታም ነጋዳይ ክኸውን እየ፥ዕሽረይ ድማ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ዋላ ናይ ክርስትያን ዓየይቲ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝተፈላለይ ቦታ ዘሎውን ዋላ ኣብ ወጻኢ ክሕግዝ እየ።

ጴጥሮስ ናብ ኩሉ ዓለም ብምኻድ ኣብ ቡዙሕ ኮንፈረንሳት ቦታት ብምኻድ ንነጋዶ ከመይ ገይሩ የሱስ ትካሉ ከም ዘበልጸጎ ምስ ምሃሮም ነይሩ፥ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ናይ ስጋዊ ሰብ እዩ ጴጥሮስ ግን ከምዚ ኣይገበረን የሱስ ስኪዔቱ ገዲፉ ክስዕቦ ምስ ነገሮ ንቲ ናይ ምግፋፍ ስርሑ ብኡ ንብኡ ሓዲጉ እዩ ንጎይታ ስዒብዎ በዚ ድማ ተፈቲኑ ሓሊፉ። ክርስትያናት ሒደት እዩ ዝርደኦም ኣምላኻ ምስ ኣበልጸጎም ገንዘብ ምስ ኣከቡ ይፍተኑ ከም ዘለዉ።መብዛሕትኡ ግዜ ክርስትያናት በዚ ፈተና ይወድቁ ወነንቲ ሚሊዮናትን ባዶን ኮይኖም ክቕጽሉ ይመርጹ ምናልባት ሓዋርያት ክኸኑ ምኽኣሉ ነይም።

ጴጥሮስ ድሕሪ ዓመታት ካብ ሃብታም ነጋዳይ ሙኳን ኣዚዩ ሪሒቁ ሽዑ እዩ ከምዚ ክብል ዝኽኣል "ወርቂ ብሩርን የብለይ" (ግብ 3=6)ግናኸ ካብ ወርቅን ብርሩን ኣዚዩ ዝብልጽ ነይሪዎ፥ ጴጥሮስ ንቲ ናይ ዘልኣለማዊ ሃብቲ ንምሓዝ ንቲ ዘይጠቅም ምድራዊ ሃብቲ ጠንጢንዎ.

ሎሚ ናይ ክርስያናት ኣብያተ መጽሓፍቲ ክርስትያናት ከመይ ኢሎም ምድራዊ ሃብቲ የጥርዩ ፥ከመይ ገይሮም ገንዘብ ይእክቡ ዝምህሩ መጽሓፍቲ ተመልኤን ኣሎዋ። ብስም የሱስ ኣቢሎም ክርስትያናት ክቡራት መካይን ፥ገዛ፥ መሬት ካልእን ብእምነት ብምእዋጅ ከም ዝረክቡ ዘተባብዑ መጽሓፍቲ እዮም።

ዋላኳ ሕጻን ክፈልጦም ዝኽእል እንተ ኾነ ንዞም ምድራዊ ነገር ዝተመለኤ መጽሓፍቲ ዝጽሕፉ ክሳብ ሕጂ ግን ብዙሓት ክርስትያናት ተታሊሎም አሎዉ።እቶም ክርስትያናት ዝህብዎ ምስክርነት ምድራዊ ሃብቲ ምርካቦም ሓቂ ክኸውን ይኽእል።ግናኸ ክንደይ እዮም ካብኦም ዝተገንዘብዎ ኣምላኽ ሃብቲ ክህቦም ከሎ ንምፍታኖም ምኳኑ? ሃብታማት ምስ ዝኾኑ ንምፍታኖም እዩ ንቲ ናይ ምድሪ ሓዲጎም ንቲ ብኣምላኽ ሃብታም ምኳን ዝተማሃሩ እንተ ኾይኖም (ሉቃ 12=21) ዘይከም ጴጥሮስ ኩሎም በቲ ፈተና ወዲቖም።

ገዛእ ርእስኻ ማእከል ምግባር ናይ ኩሉ ውሉድ ኣዳም ባህሪ እዩ፥ዳግም ምስ ተወልድና ስጋና ( መኽዘን ኩሉ ድሌታትና) ኣይመውትን እዩ እዚ ስጋ ንኣምላኽ ውን እንተ ኾነ ንኹሉ ድሌታቱ ጥቕሙን ከገልግሎ እዩ ዝደሊ።እዚ እቲ ቀንዲ ምንጪ ስጋዊ ክርስትና ከመይ ጌርካ ብምድራዊ ስጋዊ በረኸታት ካብ ኣምላኽ ትረክብ ዝብል ጸቒጡ ዝምህር ኣብ ናይ ብልጽግና ወንጌል መጽሓፍቲ ብእምነት ተጎልቢብ ይርከብ፥እዞም ናይ ብልጽግና መጽሓፍቲ እቶም ዘንብብዎ ኣብ ልቦም ዘሎ ድሌታት ናይ ምድሪ ወይስ ናይ ሰማይ ሙኳኑ ንምልላይ የግልግሉ እዮም። በዚ ድማ እዩ እቲ እኽሊ ካብቲ ሓሰር ዝፍለየሉ።

•ናይ ጴጥሮስ ኣረኣእያ ንእርማት
ጎይታ ብኻልእ መንገዲ ንጴጥሮስ ፈቲንዋ እዩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ብተሪር ቃላት ገሲጽዎ ቅድሚ ሕጂ ጎይታ ከምኡ ጌሩ ሰብ ገሲጽሉ ብዘይፈልጥ መንገዲ፥ጎይታ ንደቂ መዝሙር ከም ዝንዓቕን ከም ዝስቀልን ምስ ነገሮም ጴጥሮስ ብኣዚዩ ብዙሕ ናይ ሰብ ፍቅሪ "ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ ይባልህ እባ ደኣ ጐይታይ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ" (ማቴ 16=22) የሱስ ግልጽ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ደቀ መዝሙር ከምዚ ኢልዎ "የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ካባይ ርሐቕሰይጣን፥ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ በሎ" በሎ (ማቴ16=23)።

ብዙሓት ጎይታ ንርእስኽ ምኽሓድ ዝብል ስብከት ምስ ምሃሮም ብዙሓት ንድሕሪት ተመሊሶም ጎይታ ውን ንቶም ዓስርተ ክልተ ክኸዱ ዝደልዩ እንተ ኾይኖም ሓቲትዎም "ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ መልሱ ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ ናብ መን እሞ ኽንከይድ (ዮው 6=68) እዞም ቃላት ጴጥሮስ ዘውጾም ሽዑኡ ድሕሪ ተሪር ተግሳጽ ካብ ከናፍር ጎይታ ምቕባሉ እዩ።እዚ እዩ እቲ ምኽንያት ካብ ጴጥሮስ ዝወጹ ቃላት ሓይሊ ዘሎዎም ዝኾኑ። ዝኾነ ቃላት ተግሳጽ ካብ ከናፍሩ የሱስ ዝወጽእ ህይወት ዘልኣለም ሙኳኑ ጴጥሮስ ተረዲእዎ። ካብ ዓበይቲ ይሕዋት ተግሳጽ ክንቅበል ኮሎና ዓቕሚ ትሕትናና ይፍተን እዩ። ጴጥሮስ በቲ ፈተና ሓሊፉ ብዝነፍሩ ሕብርታት።

•ናይ ይሁዳ ኣረኣእያ ንገንዘብ
ይሁዳ እስቆርታዊ ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት የሱስ ዝመረጾ እዩ፥ከምቶም ካልኦት ድማ ዕድል ነይርዎ እዩ ግናኸ ክፍተን ነይርዎ ከምቲ ቃል ኣምላኻ ተጻሒፉ ዘሎ ይሁዳ ከዳዕ ኮይኑ"... እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆርታውን" (ሉቃ 6=16) ይሁዳ ክጽዋዕ ከሎ ከም እቶም ካልኦት ቁኑዕ ከም ዝነበር የመልክት ኮዩኑ ግን በቲ ዝነበሮ ውልቃዊ ድሌታት ንድሕሪት ተመሊሱ።

መጽሓፍ ቁዱስ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቐና "ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞእዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነት (ያዕቆብ 3=15-16) ህይወት ናይ ይሁዳ ንኩሉና መጠንቀቕታ እዩ ከምኡ ክንከውን ተኽእሎታት ኣሎ ጥንቁቓት እንተ ዘኮይና። ይሁዳ ትሓዚ ገንዘብ እዩ ነይሩ በዚ እዉን እሙን ክኸውን ዕድል ነይሩዎ ካብቶም ጽሓፍቲ መልእኽታት ሓድሽ ኪዳን ክኸውን ይኽእል ነይሩ ።ስሙ እውን ኣብ ደጌታት እታ ሓዳስ ዮርሳሌም ብርግጽ ክኸውን ይኽእል ነይሩ ንጎይታ እሙን እንተ ዝኸውን። መጽሓፍ ቁዱስ ከምዚ ይብለና "ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኣሎ" (ራ.ዮው21=14) ግናኸ ይሁዳ ኣብ ፈተና ወዲቑ።

ሓደ ጥቕሚ ናይ ኢድ ቦርሳ ንጽጉማት ድኻታት ንምሕጋዝ እዩ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ ከምንርኤ "ንሓያሎ ግና ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፥ ንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብ፡ ዝበሎ መሊልዎም ነበረ "(ዮው13=29)ኣብ ገንዘብ ምሓዝ ክሳትፍ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ ግናኸ ካብቲ ንድኻታት ንምሕጋዝ ዝተለገሰ ይሰርቕ ነይሩ።ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ "ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ በለ። እዚ ዝበለ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ" (ዮው 12=4-6) ከምዚ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ስለ ምንታይ ጎይታ ንይሁዳ ብቐጥታ ዘየጋለጾ? ንዚ ሕቶ ንምምላስ ካልእ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል ስለ ምንታይ እዩ ዘየጋልጾም እዞም ናይ ሎሚ ዓየይቲ ብስም ክርስትና ገንዘብ ዝእክቡ ዘሎዉ? ሎሚ ኣሽሓት ኣሎዉ ንገንዘብ ኢሎም ንኣምላኽ ዘገልግልዎ። ዋላ ንዕዮ ጎይታ ከገልግሉ ዝተዋሃቦም ገንዘብ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እሙናት ዘይኮኑ ኣምላኽ ዕጉስ እዩ ግዜ ሂብውም ኣሎ ኩሎም ክፍተኑ።

ይሁዳ ንገንዘብ ብምምራጹ ዘምልጦ ዘሎ እንተ ዝፈልጥ ነይሩ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ምስ ዓየየ ነይሩ፣እዞም ናይ ሎሚ ናይ ክርስትያን ዓየይቲ ገንዘብ ብምምራጾም ዘምልጦም ዘሎ እንተ ዝፈልጡ ኣብ ገንዘብ ምስ ዝዛመድ ኩነታት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ምስ ሰርሑ ነይሮም።ናይ ይሁዳ ጸገም ክቕበል ጥራይ እዩ ዘፍቅር ነይሩ ምሃብ ግን ይጸልእ ነይሩ ጎይታ የሱስ ብምሃብ ዝርከብ በረኸት ሚሂሩ እዩ።"ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ምድኹማት ምእላ ይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም"(ግብ 20=35)።ጴጥሮስ ነዚ ተረዲእዎ ይሁዳ ግን ኣይተረደኦን ይሁዳ ገንዘብ ደጋጊምካ ብምቕባል ሓጎስ ዝርከብ ይመስሎ ነበረ።

ኩሉ ክርስትያን ኣብ እዘን ክልተ ኣመዳድባ ይኣቱ እቶም ከም ጴጥሮስ ንኹሉ ዝሓደጉ ንጎይታ ኢሎም ንኣምላኽ ክህቡ ዘፍቅሩ ከም እዉን ንጽጉማት፣ እቶም ከም ይሁዳ ዝኾኑ ምቕባል ዘፍቅሩ ንገዛእ ርእሶም ገንዘብ ዝእክቡ እዞም ከም ይሁዳ ዝኾኑ ምሃብ እንተ ዝምሃሩ ነይሮም ዋላ ውን እንተሃቡ ብቂ እዩ ገለ ጥራይ ንሕልንኦም ንምእማን ጥራይ እዩ ክህቡ ከለዉ እውን ብፍታው ኣይኮነን።

ኣምላኽ ኣብ ጉዳይ ምሃብን ምቕባልን ይፍትነና እዩ ብናይ ዓለም ወይ ብናይ መግስቲ ኣምላኽ ክነብር ድሌት ከም ዘለና ኣብ ኣምላኽ ተቕባልነት ክንረክብ እንተ ኾይና እቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ፍቕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ድሌታት ክንሰቕሎ ኣሎና ናይ ቀደም ልምድታትና ክንማሃር የብልናን፥ ናይቲ ሓድሽ ሰብ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ክንማሃር ይግባእ።ኣብ ዝሓለፈ ህይወትና ብውህበታት ብምቕባል ኪኢላታት ኢና ነይርና ሎሚ ግን ናይ ምሃብ ኪኢላታት ክንከውን ይግባእ።

ኮይኑ ግን ናይ ሓደ ነገር ኣብ ሓደ ለይቲ ኪኢላታት ክንከውን ተስፋ ክንገብር ኣይንኽእልን። ኣብ ኩሉ ኪኢላታት ክገብረና ዝኽእል ኩሉ ግዜ ምስ እንለማመድ እዩ።ምሃብ ክንጅምርን ክንቕጽልን ኣሎና ክሳብ ባህሪና ብሓቂ ዝቕየር ኣምላኽ ድማ ብዛዕባና ክምስክር እዩ።ኣብ መወዳእታ ካብ ምቕባል ምሃብ ከም ዝመርጽና።

ሓቀኛ ወደመዝሙር ብናይ ኣምላኽ ነገር ከመይ ጌርካ ትህብትምን ኣብ ጸገም ዘለው ከመይ ጌይሩ ይህብ ዝተማሃረ እዩ።ኣብ ግዜ ጸገሙ ከም ዝመልሰሉን ልክዕ ከም ዝሃቦ መጠን ከም ዝረክብን ይፈልጥ እዩ።የሱስ ንደቂመዛሙርቱ ከምዚ ኢልዎም "ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ ጽቡቕ እተሰጐደ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም" (ሉቃ 6=38) ጎይታና የሱስ ብናይ ምድራዊ ነገር እሙናት እንተ ዘይኮይና መንፈሳዊ ሃብቲ ካብ ኣምላክ ከም ዘይንቕበል ምሂሩና እዩ።ከምዚ ድማ ኢሉ "እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ" (ሉቃ 16=11) ጎይታ ንይሁዳ ትሓዚ ገንዘብ ብምግባር ፈቲንዎ ግናኸ ወዲቑ እቲ ክሳራ ድማ ዘልኣለማዊ እዩ።

•ናይ ይሁዳ ኣረአእያ ንእርማት
ጎይታ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ሰብ ገሲጽዎ በዚ ድማ ናይ ጴጥሮስ ግብረ መልሲ ፈቲንዎ፥ይሁዳ እዉን በዚ ኩነታት ተፈቲኑ ግና ከም ዘይ ጴጥሮስ ወዲቑ።እታ ስበይቲ ንቲ ሙኡዝ ሽቶ ኣብ እግሪ ጎይታና የሱስ ምስ ኣፍሰሰቶ ስለቲ ዚግበረላ ነገር ኣመስጊና ይሁዳ ግን ገንዘብ ምብኻን እዩ ኢሉ ርእይቶ ሂቡ።ጎይታ ግን ጸግዒ እታ ሰበይቲ ብሙኻን ከምዚ ኢሉ "ስለዚ የሱስ፥ ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ ሕደጋ፡ በለ" (ዮው 12=7-8)።

ሓደ ሰብ ጎይታ የሱስ ንይሁዳ ገሲጽዎ እንድዩ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል ምስቲ ጎይታ ንጴጥሮስ ዝገሰጾ ክነጻጸር ከሎ ግን እቲ ናይ ይሁዳ ተግሳጽ ኣይብሃልን እዩ። ኮይኑ ግን ይሁዳ ሕማቕ ተሰሚዕዎ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከንንብብ ኮሎና ጎይታ ምስ ገሰጾ ብድሕሪኡ እቲ ዝነበረ ፍጻመ ይገልጸልና " ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኒ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ" (ማቴ26=14-15) እቲ ቃል" ሽዑ"ዝብል ኣገዳሲ እዩ ንይሁዳ ናብ ካህናት ከይዱ ንጎይታ ይሕሊፉ ክህቦ ዝደረኾ ነገር ጎይታ ምስ ገሰጾ እዩ።ጴጥሮስ ንቲ ፈተና ብዓወት ሓሊፍዎ ይሁዳ ግን ብዘሕዝን ወዲቑ። ሎሚ ውን ኣነ ንስኻትኩምን ጎይታ ኣብ ልዕሌና ዘቕመጦም መራሕቲ ክእርሙና ከለው ንፍተን ኢና።

ሕጻናት ብስድርኦም ክእረሙ ከለዉ ይፍተኑ እዮም፥ ኣንስቲ ውን ብሰብኣየን፥ሰራሕተኛ በኣስራሒኡ፥ኣቤት ኣምላኽ ውን ብሽማግለታት ክንእረም ኮሎና ንፍተን ኢና።እቲ እንህቦ ግብረ መልሲ እቲ ቀንዲ መፍለጢ ትሕትናና እዩ።በቲ ዝተዋሃበና እርማት ሕማቕ ዝስማዓና እንተ ኾይኑ ምስ ይሁዳ ኣስቆርታዊ መካይዲ ኮይና ኣሎና ማለት እዩ።

ክንግሰጽ ወይ ክንእረም ከሎና ሕማቕ ዝስምዓና እንተ ኮይኑ ናብ ኣምላኽ ክንእዊ ኣሎና ንርእስና ምእንቲ ንኽንመውት፥በዚ ድማ ናይ ዘልኣለም ሽልማት ኣይምልጠናን እዩ፥እዚ ናይ ዘልኣለም ጉዳይ ኣብ ኢድ ጴጥሮስን ይሁዳን እዩ ነይሩ ንተግሳጽ ብዘለዎም ግብረ መልሲ፥ንሕና ውን ክንእረም ከሎና በቲ እንህቦ ግብረ መልሲ ኣምላኽ ከም ዝዕዘበና እንፈልጥ ሒደት ኢና። ክትግሰጽ ወይ ክትእረም ከለኻ ሕማቕ ዝስምዓካ እንተ ኾይኑ ብጎይታ ተቐባልነት ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ።