ኣብ ሲኦል ምሕረት የልቦን

Written by :   Zac Poonen
Article Body: 

ብመሰረቱ እምነት ማለት ኣምላኽ ከም ዘፍቅረካ ምእማን እዩ። ኮይኑ ግን ኣምላኽ ንሓጥያት ኣይፈቅርን እዩ ኣብ ሓጥያት ጸኒዕና ክንቅጽልውን ኣይደሌናን እዩ።እዚ ልክዕ ከም ኣቦ ዉሉዱ ሓሚሙ ነቲ ሕማም ዝጸልኦ ማለት እዩ ኮይኑ ግን ነቲ ዉሉድ የፍቅሮ እዩ።ሕሰብ እሞ ሓንቲ ኣደ ዉሉዳ ብለምጽን ዓባይ ስዓልን ኣዚዩ ሓሚሙ ክትርኢ ከላ እዛ ኣደ ነዚ ዉሉዳ ኣዚያ እያ ተፍቅሮ እንተ ኾነ ነቲ ሕማም ወዳ ካብ ልባ እያ እትጸልኦ።

ኣምላኽ ነቲ ሓጥያተኛ ሰብ የፍቅሮ እዩ ኮይኑ ግን ነቲ ሓጥያት ኣዚዩ እዩ ዝጸልኦ ንሓጥያት ኣዚዩ እዩ ዝጸልኦ ። ኣምላኽ ንሓጥያተኛ ሰብ ከም ዘፍቅሮን ንሓጥያት ከም ዝጸልኦን ኣብ መስቀል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንርእዮ። ኣምላኽ ንሓጥያተኛ ሰብ ከም ዘፍቅሮ እንርእዮ የሱስ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል ንኽመዉት ፈቒዱ ።ንሓጥያት ዘለዎ ጽልኢ ክኣ የሱስ ሓጥያት ኩሉ ዓለም ኣብ መስቀል ምስ ጸሮ ክኣ ንየሱስ ገጹ ከዊሉሉን ሓዲግዎን ።በዚ ኽኣ ኣምላኽ ሓጥያት ኣዚዩ ከም ዝጸልእ ንግንዘብ።

ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሎም ይሓቱ ኣምላኽ ፍቕሪ ከመይ ገይሩ ሰባት ናብ ሲኦል ይሰድድ ? ሲኦል ከመይ እዩ ዝመስል ? ሲኦል እግዚኣብሄር ሙሉእ ብሙሉእ ዝሓዶጎ ቦታ እዩ ኣብዚ ቦታ ኣምላኽ ኣይርከብን እዩ ።እዛ ዘሎናያ ምድሪ ብኣምላኽ ኣይተሓደገትን በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ክሳብ ሕጂ ጽብቕን ሰናይን ዘሎ። ንኣብነት ጽባቐ ተፈጥሮ ተመለከት ከምኡ'ውን ምቕላለ እሩም ጠባይ ሰናይ ኣብ ብዙሓት ደቂ ሰባት ዘሎ።ርኹሳት መናፍስቲ ንብዘሎ ኩሉ ሰብ ክቆጻጸርዎ እዮም ዝደልዩ ኮይኑ ግን ኣይክእሉን እዮም እቲ ምክንያት ክኣ ኣምላኽ ኣብ ዙሪያ ሰባት መንደቕ መከላኸሊ ስለ ዝገብር እዩ። ርኹሳት መናፍስቲ ዝደልይዎ ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም ። ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት በዚሑ እዩ ንሰባት ጥዕና፥ ብልጽግና ካልኡት ሙቾትን ምጽንናዕን ዝሃበ ፥እዞም ኩሎም በረኸታት ኣምላኽ ንኹሉ ንሕያወቱን ክፉኣትን ሰባት እዩ ሂብዎም ፥ እዚኦም ክንሪኤም ዝጸናሕና ኣምላኽ ንምድሪ ከም ዘይሓደጋ የረጋግጸልና ።ኣብ ሲኦል ግን ምሕረት ዝብሃል የልቦን ምኽንያቱ ኣምላኽ ብሓቂ ነዚ ቦታ ሓዲግዎ እዩ።

ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ሰናይ ነገር ኣሎ ኣብ ቡዙሓት ዳግም ብክርስቶስ የሱስ ዘይተወልዱ ሰባት እዚ ኽኣ ክኣ ናይ ኣምላኽ ጽልዋ ኣብ ልዕሊኦም ስለ ዘሎ እዩ ። ኮይኑ ግን ሓንሳብ ናብ ሲኦል ምስ ከዱ እዞም ሰባት ክፉኣት ከም ሰይጣን ይኾኑ እቲ ምኽንያት ክኣ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ሂወቶም ስለ ዘይሁሉ እዩ።ኣብ ሲኦል ሰባት ኣምላኽ ሙሉእ ብሙሉእ ክሓድገካ ኮሎ ንመጀመሪያ ይምኮርዎ። ጎይታና የሱስ ኣብ መስቀል ንሰለስተ ስዓት ጸልማትን ሲኦልን ተሞኪርዎ እዩ ኣብዚ ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ንሓጥያት ከም ዝጸልኦ ንዕዘብ።

ስለዚ እቲ መልሲ እንታይ እዩ ? ኣምላኽ ፍቕሪ ንሰባት ናብ ሲኦል ይሰድድዶ? ነዚ ሕቶ ንምምላስ ኣብ መልሲ ናይ ካልእ ሕቶ ይሙርኮስ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ንወዱ ኣብ መስቀል ሲኦል ክገጥሞ ፈቒዱዶ ? ሓጥያት ኩሉ ዓለም ኣብ ነፍሱ ምስ ጽዓኖ ? እዚ ክገብር እንተ ኺኢሉ ንሰባትውን ናብ ሲኦል ክሰድድ ይኽእል እዩ ኣምላኽ ፍቕሪ ነቶም ኣብ ሓጥያት ዝመላለሱ ሰባት ገጹ ይኽውለሎም እዩ ነቶም ከምዚ ዝብልዎ " ክሰምዓካ ኣይክእልን እየ ናተይ መንገዲ መሪጸ እየ በዚ ውን ንኩሉ ግዜ ክቕጽል እየ" ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ( ምሳሌ 29=1) ከምዚ ይብል "ሓደ ሰብ ኩሉ ግዜ ዝእረም ኮይኑ ግን ተግስጽ ዘይቅበል ሓደ ምዓልቲ ብድንገት ክጠፍእን ፥ ካልኣይ ግዜ ዕድል ኣይክረክብን እዩ" ሰብ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ዕድመ እንተ ነጺግዎ ብሓቂ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ ። ሕጂ ግን ይሕዋት ኣሕት በዚ ነገር ኩኔነየ ክስምዖም የብሉን እዚ ጥቕሲ ቃል ኣምላኽ ነቶም ሓጥያት ዝወዱቁ ኣይኮነን ተጻሒፉ ። እንታይ ድኣ ነቶም ሓጥያት ዘፍቁሩን ኣብኡ ማለት ኣብ ሓጥያት ክመላለሱ ንዝደሊዩ እዩ።

እዚ ነቶም ቅዱስን ንጹሁን ሂወት ክንብሩ ዝፍቱኑ ኮይኑ ግን ምውዳቕ ዝቕጹሉ ንዕኦም ኣይኮነን ተጻሒፉ ።እዚ ዝተጽሓፈ ነቶም ዓመጽቲ ንኣምላኽ ዘርክሱ ኣብ ሓጥያት ክመላለሱ ንዝፈትዉን እዩ።ከመይ ገይርካ ዓመጸኛ ሙኳንካ ትፈልጥ ? ነዚ ንምርካብ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ ከምዚ ኢልካ ጥራይ ገዛእ ርእስኻ ሕተት ክትንሳሕን ናብ ኣምላኽ ክትምልስን ድሌት ኣለካዶ ? ዋላ ኣዝዩ ንእሽተይ ድሌት እንተ ኣለካ ናብ ኣምላኽ ንምምላስን ከም እዉን ከተፍቅሮ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሂወትካ ይዓዪን ናብኡ ከቕርበካ ይደሊ ከም ዘሎን መረጋገጺ እዩ። ዝወደቕካ ክትከውን ትኽእል ኮይኑ ግን ዓማጺ ኣይኮንካን ።ኣብ ሞንጎ ምውዳቕን ምዕማጽን ኣዚዩ ገፊሕ ፍልልይ እዩ ዘሎ።