ክልተ ዝተፈላለዩ ዋሕዝቲ ምንቅስቓስ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Religious or Spiritual
Article Body: 

ኣብ ምዕጸዊ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውጽኢት ስራሕ ንረክብ-እታ መርዓት ክርስቶስ።ከምእ'ውን ናይ ሰይጣን ዝተተምነየ ውጽኢት ስራሕ- እታ ኣመንዝራ ቤተ ክርስትያን ንርኢና።

ኣብ ራኢ 21=2 .10.11 ዮውሃንስ ከምዚ ኢሉ "እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።

ዮውሃንስ ቅድሚ ራኢ መርዓት ክርስቶስ ምርኣዩ ንሱ ናይ እታ ኣመንዝራ ራኢ ተዋሂብዎ እዩ- እቲ መንፈሳዊ ምንዝርና እቶም ንኣምላኽ ከም ዘፍቅርዎ ዝዛረቡ ኮይኒ ግን፥ ብልክዕ ንዚኣ ዓለም ዘፍቅሩ እዮም (ያዕ 4=4)።እዚ ሓቅነት ዘይቡሉ ክርስትና መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ቅኑዕ ሰረተ እምነት እንተ ኾነ ሓይሊ ኣምላኻዊ ህይወት ዘይብሉ እዩ።(2 ጢሞ 3=5)።

ዮውሃንስ በለ "ሰበይቲ ርኤኹ፥እታ ዓባይ ባቢሎን፥ኣደ ኣመዛርን ኣደ ርኽሰት ምድርን ድምጺ ውን ከምዚ በለ "እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ እያ፥ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዋ ትኪ ናታ ኽኣ ንዘልኣለም ይወጽእ"። (ራኢ 17=2.3 :18=2.9 : 19=3)

እቲ ንጽጽር ጉሉሕ እዩ።መሕልፎ እታ መርዓት ብናይ ፍርዲ እሳት እያ መጺኣ "ምድማቕ ብርሃና ከም ኣዚዩ ክቡር እምኒ"።እታ ኣመንዝራ ብሙሉእ ናብ ሓኹሙሽቲ እያ ተሪፋ፥ትኪ ናታ ናብ ሰማይ እዩ ዓሪጉ፥ምክንያቱ ንሳ ብዝጠፍእ ነገራት እያ ተሰሪሓ ነይራ።

ዮርሳሌም እታ መርዓትን ባቢሎን እታ ኣመንዝራን ክልተ ስርዓታት እየን - ሓንቲ ካብ ኣምላኽ እታ ኻልእ ክኣ " ምድራዊትን ነፍሳዊትን ኣጋንንታዊትን እያ " (ያዕ 3=5)።

መጀመርታ ነታ ባቢሎን ንርኤ። ባቢሎን ካብ ግንቢ ባቤል እያ ምንጫ እታ ብመሰረት ናይ ሰብ ውጥን ዝተሰርሔት ፥ብናይ ሰብ ሓይሊን ንኽብሪ ሰብን ።"ንሓድሕዶም ተዘራረቡ (ካብ ሰብ) ንዓና ከተማ ንህንጽ (ብሰብ) ከምእ'ውን ስም ርእስና ንግበር (ንሰብ)" (ዘፍ 11=3-4)።

ድሕሪ ዓመታት ንጉስ ናብኩዶናጾር ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ ምስ ሃነጸ ርእሰ ከተማ ዓቢ ናይ ዓለምን ግዝኣት፥ንዛ ከተማ ሓደ ምዓልቲ ርኣያ እሞ ብተመሳሳሊ ዓይነት ኣገባብ ከምዚ በለ " እዚኣ እታ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን ፥ኣነ ባዕለይ ዝሃነጽክዋ (ካብ ሰብ)....በቲ ሓያል ስልጣነይ (ብሰብ).....ንኽብሪ ግርማይ ንቤት መግስቲ (ንሰብ) " (ዳን 4=30)።

ግንቢ ባበል ብፍርዲ እዩ ኣቢቅዑ።ናይ ናብኩዶናጾር ትዕቢት ክኣ ናብ ብኡ ንቡኡ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ ኣምጺእዎ (ዳን 4=31-33)። ናይ መወዳእታ ጫፍ ናይ ኩሉ ብጥበብ ሰብ ዝፈረየን፥ ብናይ ሓይሊ ሰብ ፥ንኽብሪ ሰብ ውን ብእግዚኣብሄር ክፍረድ እዩ።እቲ ብናይ ሰብ ነፍሳዊ ሓይሊ ዝተዓየየ ክጥፍእ እዩ፥ዋላ እኳ "ናይ ክርስትያን ዕዩ" ተባሂሉ እንተ ተጸውዔ "እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስ፡ እቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩ (ናይ ክርስትያን ዓየይቲ) ኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት"(ኤር 51=58)።

ኤርሚያስ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ከተማ ኣምላኽ( ዕብ 12=22) ።የሩሳሌም እግዚኣብሄር ዝሓድረላ ቦታ ምንጪ ኣብቲ ሙሴ ዝሃንጻ ዱንኳን (ዘጽ 25=8) እታ ዱንኳን ልክዕ ብመሰረት ናይ እግዚኣብሄር መደብ እያ ተሰሪሓ " …. ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ" (40=16) "ካብ ኣምላኽ" ብሓይሊ ኣምላኽ ዝተመልኡ ሰባት እዩ ተሃኒጹ "እንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ…..ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ (ዘጽ 31=1-5) "ብኣምላኽ" ፥ንኽብሪ ኣምላኽ ክኣ ተሃኒጻ "ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ" (ዘጸ 40=34) "ንኣምላኽ" ።ካብ ኣምላኽ ዝመንጨወ ብኣምላኻዊ ሓይሊ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተሰርሔ ጥራይ በይኑ ጸኒዑ ንዘልኣለም ክተርፍ እዩ።ብሓዊ እዩ ሓሊፉ ዝመጽእ ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዜንጸባርቕ እምኒ እዩ ምኽንያቱ ብወርቂ ብሩር ክብሩ ዕንቁን ስለ ዝተሰርሔ።

ገጻት መኽፍትን መዕጸውን መጽሓፍ ቅዱስን ከነነጻጽሮን ከለና ፥እተን ክልተ ኦም ንረኽበን እታ ኦም ህይወትን ፥ኦም ፍልጠት ጽብቕን ክፉኡን እዘን ክልተ ኦም ክልተ ስርዓታት ፈሪየን ኣለዎ።ኣብ መወዳእታ ግዜ ኽኣ ዮርሳሌምን ባቢሎንን ።እቲ ብሓቂ ካብ መንፈስ ዝተወለደ- ካብ ኣምላኽ፥ ብኣምላኽን፥ ንኣምላኽን ንዘልኣለም ክጸንዕ እዩ፥እቲ ካብ ስጋ ዝተወልደ -ካብ ሰብ፥ ብሰብን፥ንሰብን ክጠፍእ እዩ ።ሎሚ ኣብ ሞንጎ ገጻት ዘፍጥረትን ራኢን ንነብር ኣሎና ።ግዳ ፈሊጥናዮ ዲና ኣይፈለጥናዮን ካብ ሓደ ካብ እዞም ክልተ ስርዓታት ተታሒዝና ኣሎና- እታ ሓንቲ ንእግዚኣብሄር ምልዓልን ምኽባርን ዝወሰነት እያ ፥እታ ካልእ ክኣ ንሰብ ክትዕብን ከተኽብርን ወጺኣ እያ፥ሓደ ንክርስቶስ ዝስዕብ፥ እቲ ኻልእ ክኣ ንኣዳም ዝስዕብ፥ሓደ ብመንፈስ ዝመላለስ፥እቲ ሓደ ኻልእ ክኣ ብስግም ነፍስን ይመላለስ።

ክልቲኦም የሱስን ኣዳምን ድምጺ እግዚኣብሄር ሰሚዖም እዮም-ብሓቂ እቲ እንኮ ፍልልይ ሓደ ተኣዚዙ ፥እቲ ኻልእ ኣይተኣዘዝን ።የሱስ በለ "ከምእ'ውን ምስ እቶም ድምጹ ዝሰምዑ ከምኡ ክኸውን እዩ-ሓደ ክእዘዝን ንዘልኣለም ዘይናውጽ ኣብ ከውሒ ክሓንጽን እዩ ፥እቲ ካልእ ክኣ ክሰምዕ እዩ ኮይኑ ግን ኣይእዘዝን እዩ ሙሉእ ብምሉእ ዝጠፋ ጥራይ ኣብ ሑጻ ክሃንጽ እዩ" (ማቴ 7=24-27)።

እዘን ክልተ ቤት የሱስ ዝተዛረበለን ዮርሳሌምን ባቢሎንን እየን።