ብቓላት ምስክርነትና ንስዕር

Written by :   Zac Poonen
Article Body: 

ከምቲ ናብ መወዳእታ ዘመን ዝቐረብናሉን ነገራት ኣብ ዓለም ካብ ሕማቕ ናብ ኣዚዩ ዝብኣሰ ዝኽየድ ዘሎ ናብቲ ግዜ ዓቢ መከራ ቀሪብና ኣለና።እዚ ኽኣ ብኡ ንብኡ ንምጽኣት ጎይታ ዝቕድም እዩ። ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ መመሊስና ብእምነት ክንበር ክንምሃር ።

"ኣብዚ 2018 ኣብ ኩሉ ከነታት ስዓሪ ክትከውን ይኹነልካ" ን "እምነት ብምስማዕ እያ ምስማዕ ክኣ ብቃል ክርስቶስ እዩ" (ሮሜ10=17)።

የሱስ ኣብ በረኻ ኣብቲ ዝፍተነሉ ዝነበረ ግዜ ንቃል ኣምላኽ ይጠቅስ ነይሩ በዚ ኽኣ ነፍሲ ወከፍ ፈተና ስዒሩ ።የሱስ ካብ ግዜ ንእስነቱ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ኣእምርኡ ከዚኑዋ እዩ።ካብዚ መኽዘን መንፈስ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ፈተና ብቑዕ ቃል ንየሱስ ኣዘኪርዎ እዩ።

ንሕና ውን ከም እዚ ናይ የሱስ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮና ክንክዝን የድሌና ።ነቲ እነብቦ ክንኣምኖ ኣሎና ።ከም እውን ነቲ ብልብና እንእመኖ ብኣፍና ክንእመኖ ኣለና (ሮሜ 10=8-9) ምኽንያቱ ንሰይጣን እንስዕሮ "ብምስክርነት ቃላና እዩ"።ኮይኑ ግን እቲ እንእመኖ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ንጹር ተስፋታት ዝተሰረተ ክኸውን ኣለዎ።

ገለ ሰበኽቲ እንተ ድኣ ንዝኾነ ነገር ብኣፍና ተኣሚናዮ እቲ ነገር ክኸውን እዩ ወይ ነቲ ብኣፍና ዝተኣመናዮ ንረኽቦ ኢና ኢሎም ይምህሩ።እዚ ግን ግምትን ዕሽነትን እዩ።ንሕና ብግምት ዝተዛረብናዮ ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ቃሉ ክፍጽም ተስፋ ሂቡ እዩ ።ስለዚ መጀመሪያ ኣብ ቃሉ ተስፋታት ክንረክብ ኣሎና ንዕኦም ጥራይ በይኖም ክንእመኖም ኣለና።

ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዝተመርኮሰ እምነት እዩ ንዓለም ዝስዕራ (1ዮው 5=4)።

ሓቀኛ እምነት ብዘሎ ሰብኣዊ መንነትና ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብሙሉእ ተኣማምንነት ኣብ ዘይቅድመ ኩነታዊ ፍቕሩ ኩል ዝኽእል ሓይሉን ኣብ ፍጹም ዝኾነ ጥበቡን ምሙርካስ እዩ።

ስለዚ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት ብእምነት ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ እዞም ዝስዕቡ ሾሞንተ ምእማን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተሰረቱ ኩሉ ግዜ ትኣመኖም።

ንገዛእ ርእስኻ በሎም ብልብኻ ውን ንሰይጣን በሎ እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ቃል ኣምላኽ ኣጽኒዕኻ ሓዞ እዚ ብቑዕ ንነፍሲ ወከፍ ምእማን ።ስዓሪ ኽኣ ኩን።

❶. እግዚኣብሄር ኣቦ ከምቲ ንየሱስ ዘፍቅሮ ንዓይውን የፍቅረኒ እዩ-

ስለዚ ኩሉ ግዜ ክሕጎስ እየ።የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸሊዩ "ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም" (ዮው 17=22-23)።ኣብ ሰምያዊ ኣቦና ደረት ዘይቡሉ ፍቕርን ሓሊዮትን ንዓና ኩሉ ግዜ ውሕስነት ክንረክብ ኣሎና።ሽዑ በዚ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጭንቀት ሓራ ክንከውን ኢና።

❷.እግዚኣብሄር ኩሉ ሓጥያተይ ይቅረ ኢሉለይ እዩ-

ስለዚ ፍጹም ብናይ ገበነኝነት ስሞዒት ኣይነብርን እየ። "ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ" (1 ዮው 1=9) ጎይታ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ" (እብ 8=12) ሕሉፍ ሓጥያትና ከም ዝተሰረዘ ኩሉ ግዜ ርግጸኛታት ኮይና ኣብዚ ክንዓርፍ ኣሎና።ሰይጣን ብዛዕባ ሕሉፍ ሓጥያትና ክኹንነና ፍጹም ኣየንፍቅደሉ።ከም እውን ንርእስና ክንንኩንን የብልናን።

.እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ክመልኣኒ እዩ-

ስለዚ ኩሉ ግዜ ንነፍሲ ወከፍ ዕማም ዝኣክል ዓቕሚ ክህልወኒ እዩ።"እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም" (ሉቃ 11=13) ኩሉ ገጻት ህይወትና ንጎይታ ከም ዘረከብናዮ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና ሽዑ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላእ ንጸሊ ኩሉ ምዓልቲ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት።እግዚኣብሄር ብርግጽ ክመልኣና እዩ።

❹.እግዚኣብሄር ዶባተይ ወሲንዎ እዩ-


ስለዚ ኩሉ ግዜ ዕጉብ እየ። ".....ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም" (ግብ 17=26-28) "ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ" (እብ 13=5) ስለዚ ብዛዕባ ኩነታትና ዝኾነ መረረ ኣይክህልወናን እዩ ከም እውን ፍጹም ምስ ካልእ ሰብ ኣይንወዳደርን ኢና በቲ ዝተውሃበና ኣብ ብሙሉኡ እዚ ሓድሽ ዓመት።

❺.ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኩሉ ንጽቡቐይ እዩ-


ስለዚ ንኹሉ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኩሉ ግዜ ክእዘዝ ይደሊ እየ። "ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ" (1ዮው 5=3) "ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ"(ዘዳ 10=13) ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ መረጋገጺ ንትእዛዛቱ ኩሉ ግዜ ብምእዛዝ እዩ(ዮው 14=15) ።ስለዚ ንነፍሲ ወከፍ ትእዛዝ ኣምላኽ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ክንእዘዝ ክንህንጠ ኣሎና።

❻.እግዚኣብሄር ንኹሉ ሰብን ፍጻመታትን ዝጸልውኒ ዝትንኩፉኒ ይቆጻጸሮ እዩ-

ስለዚ ኩሉ ግዜ ከመስግን እየ ። "ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና"'(ሮሜ 8=28) እንተ ድኣ ንኣምላኽ ነፍቅሮ ኮይና መደባቱ ጥራይ ኣብ ህይወት ክፍጽም ኢና ንደሊ ፥ሽዑ ኩሉ ነገር ንዓና ዝገጥመና ኣዚዩ ንጽቡቕና ክኸውን እዩ።

ክንደይ ድንቂ እዩ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ፍጻመን ዘጋጥመና ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንጽቡቕና ሙኳኑ ምፍላጥ።

❼.የሱስ ንሰይጣን ሲዒሩ ካብ ሓይሉ ሓራ ኣውጺኢና እዩ-

ስለዚ ፍጹም ኣይክፈርህን እየ። "እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም"( እብ 2=14-16)።ሰይጣን ክሳብ ሕጂ ገና እግዚኣብሄር ኣየጥፍኦን።ኮይኑ ግን ብጎይታና የሱስ ኣጽዋሩ ተመንዚዑ እዩ።ስለዚ ንሰይጣን ብስም የሱስ ተቛዎሞ ካባኻ ውን ክሃድም እዩ (ያዕ 4=7)።

❽.እግዚኣብሄር ንበረኸት ክኸውን ክገብረኒ ይደሊ እዩ-