ክንዮ ዓቕምኻ ክትፍተን ኣምላኽ ኣይሓድገካን እዩ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Struggling
Article Body: 



ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ (1ቆሮ 10=13) ዘሎ ቃል ኣዚዩ ክብሪ ዝመልኦን ቃል ንኽሉና መጸናዒ እዩ ከምዚ ክኣ ይብል "ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ" ሰባት ኩሉ ግዜ ክጸርዎ ዘይክእሉ መከራን ሓዘንን ከም ዝሓልፉ ዘሎዉ ይዛረቡ እዚ ንቶም ደቂ ኣዳም ሓቂ ክኸውን ይኽእል እዩ።ግናኸ ብርግጽ እዚ ንወደ መዝሙር የሱስ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ንነፍሲ ወከፍ መከራን ፈተናና በየናይ መንገዲ ከም ዝመጽእ ኣምላኽ ብጥንቃቐ ይዕዘቦ እዩ።

ሰይጣን እቶም ዝጸልኡናን ክጎዳኡና ይደልዩ ይኸኑ ብዘይ ፍቓድ ናይ እግዚኣብሄር ግን ክቐርቡና ኣይክእሉን እዮም። ዋላ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰይጣን ኣብ ዙሪያ እዮብ ኣምላኽ መከላኸሊ ሓጹር ከም ዝገበረሉ ተገንዚብዎ እዩ በዚ ኽኣ ብዘይ ፍቓድ ኣቦ ዋላ ሓደ ኩፉእ ኣይክትንኬናን እዩ ።

ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ ንኣምላኽ ከምዚ ኢልዎ "ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ (እዮብ 1=10-11) ኣምላኽ ንናይ እዮብ ቅድስና ኢሉ ንቲ ኣብ ዙሪኡ ሓጺርዎ ዝንበር ሓጹር ክኽፈት ብምፍቃድ ሰይጣን ፍቓድ ረኺቡ ንእዮብ ንምጥቃዕ ኮይኑ ግን እቲ ንውሓት ግዜ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ብኣምላኽ እዩ ተወሲኑ ።መጀመርያ ኣብ ምዕራፍ 1 ቅሩብ ድሓር ክኣ ምዕራፍ 2 ቅሩብ ተወሲኽዎ ሰብ ሳባን ከለዳዊያንን ንብረት እዮብ ዝዘመቱ እግዚኣብሄር ብዝኸፈቶ ሓጹር እዩ።

እቲ ህቦብላ ንፋስ ናብ ገዛ ደቂ እዮብ ዝነፈሰ ከምቲ ዝቐደመ ልክዕ ኣምላኻ ብዝኸፎቶ ሓጹር እዩ "እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ 19 ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ" (እዮብ 1=18-19) እንተ ኾነ እዚ ዝተኸፈተ ሓጹር ምግፍሑ ብሕማም ንሰብነት እዮብ ዘጥቅዕ ኣይነበረን። ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዙርያ እዮብ ዝገበሮ ሓጹር ቅሩብ ወሲኹ ከፊትዎ በዚ ኽኣ ሕማም ንእዮብ ወቒዕዎ። ኣብ መጀመርያ ኣምላኽ ንኹሉ ይቆጻጸሮ ከም ዝነበረ ኣይተረድኤን ነይሩ እዮብ ኣብ መወዳእታ እቲ ታሪኽ ግን ኣምላኽ ንኩነታቱ ይቆጻጸሮ ከም ዝነበረ ተገንዚቡ። ንእዮብ ክንነቕፎ ኣይንኽእልን ኢና ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተጽሓፈ ቅዱስ ጽሑፋት ኣይነበረን ከምዚ ሕጂ ንዓና ዘሎና ።ሕጂ ግን ቃል ኣምላኽ ኣሎና መን ይቆጻጸሮ ንቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ መከላኸሊ ዘፍልጠናን ዘረኤናን።

ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ከም መንደቕ ሓዊ ኣብ ዙርያና "ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚ፣ የሩሳሌም፣ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፣ በሎ" (ዘካሪያስ 2=4-5) ኣብ ቡሉይ ኪዳን ከምቲ ናይ ኤልሳዕ ኣገልጋሊ ኣብ ዙርያና ዘሎ መንደቕ ሓዊ ከይሪኣ ይዒንትና ኩሉ ግዜ ዕውራት እየን።ኤልሳዕ እንተ ኾነ ነቲ ኣብ ዙሪኦም ዝነበረ መንደቕ ሓዊ ሪኢዎ እዩ ስለዚ ኽኣ ዘይፈርሔ "እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ" (2 ነገስት 6=15-17) እቲ መእሰይ ኣገልጋሊይ ኤልሳዕ ኣዚዩ ፈሪሑ እዩ ነይሩ እቲ ምኽንያት ድማ ነቲ ኤልሳዕ ዝርኣዮ ክርእዮ ኣይክኣለን።ኤልሳዕ ምስ ጸለይ ግን ይዒንቱ ተኸፈታ ናብ ህድኣት ድማ ኣትዩ ንሕና ውን ይዒንትና ዝተኸፈተ ክኸውን ኣሎዎ።

ኣምላኽ ምዓስ ነቲ ኣብ ዙሪያና ዘሎ ሓጹር ምስ ከፈቶ ምዓስ ይዓጽዎ ይፈልጥ እዩ ኣምላኽ ንኩነታትና ከም መጠን መንፈሳዊ ዓቕምናን ከም መጠን ጽምኣትናን ድሌት ዘሎና ናብ ዝልዓለ ብራኸ መንፈስውነት ናይ ምስጓም ይቆጻጸሮ እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ሂወትና ዘይብሱላትን ድኹማትን ክንከወን ከሎና ኣምላኽ ብኣዚዩ ከቢድ ፈተና ክንሓልፍ ኣይፈቅድን እዩ ከም እውን ሰይጣን ብከቢድ ከጥቅዓና ኣምላኽ ኣይፍቅደሉን እዩ።ብተመሳሳሊ መንገዲ መደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ሽለል እንተ ኢልናዮ ቀሊል ህይወት ክነብር የፍቅደልና እዩ እቲ ክሳራ ጥፍኣት ግን ኣብ ዘላኣለም እንሕልፎ እዩ። እዮብ ኣምላኽ ዝሓረዮ እሙንን ስለ ዝነበረ እዩ ብኣዚዩ ብዙሕ መከራ ክረክብ ዝፈቀደ ኣምላኽ ብኸምዚ ናይ እዮብ መከራ ነብሲ ወከፍ ክሓልፍ ኣይፈቅድን እዩ እቲ ምኽንያት ድማ ሒደት ሰባት ጥራይ ናብ ብስለትን ብጽሕናን ስለ ዝበጽሑ ንሶም ጥራይ እዮም ነቲ ከቢድ መከራ ክጸርዎ ዝኽእሉ።ብጣዕሚ ሒደት ሰባት ንኸምዚ ዓይነት ብጽሕና መንፈሳውነት ጉዱሳት እዮም ኣብ ዚኾነ ጉዳይ።

ጎይታና የሱስ ንዓና ክበጽሓና ዘይክእል ፈተና ብኣቦ ሓሊፉ በዚ ክኣ ፍጹም ኮይኑ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንሪኢ ከሎና ኣብ (እብራዊያን 4=15) "ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ የሱስ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ" ፥ ኣብ (እብራዊያን 5=7-9) ከምዚ ነንብብ " ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም" ከምዚ ኣብ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጎይታና የሱስ ከም ሰብ ትምህርቱ ወዲኡ ፍጹም ኮይኑ እምብኣር ንርኢ።

ኩሉ ግዜ ብዓወት ከም እንነብር ርግጸኛታት እንኾኖሉ ምኽንያት እቲ ሓቂ ኣምላኽ ኪኖ ዓቕኽምካን ክእለትናን ክንፍተን ስለ ዘይፈቅድ እዩ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኻ ኣብ ( 1 ቆሮ 10=13) "........ክንዮ ዓቕምኹም ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ...." ዝብል ናይ ተስፋ ቃል እንተ ዘይውሃበና ነይሩ ትብዓት ኣይምሃልወናን ነይሩ።ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ዝፈቐዶ መከራ ኣብ መንገድና ዝመጽእ ክንቆጻጸሮ እንኽእል እዩ። ስለምታይ ግን ንወድቕ ? እቲ ምኽንያት ክኣ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ መምለጢ ኣብ ነፍስ ወከፍ ፈተናን መከራን ስለ ዘይንወስዶ እዩ።

እንታይ እዩ እቲ መምለጢ መንገዲ? ገዛእ ርእስና ምትሓት ልክዕ ከምቲ ጎይታና የሱስ ክሳብ ናይ መስቀል ሞት (ፊሊ 2= 8) እምብኣር እዚ እዩ ጸቢብ መንገድን ህይወት ምስ ትርፉን ነዚ ኽኣ ሒደት ይረኽብዎ። ትዕቢት ኣብ ስጋና ኣዚዩ ሱር ዝሰደደ እዩ በዚ እዩ ክኣ እቲ ብሉጽ መንገዲ ትሕትና ውሑዳት ዝረኽብዎን ገዛእ ርስኻ ምትሓት ዝተረዶኦም ብርግጽ እዚ ምስጢር እዩ ብሙሉእ ልብኻ ንኣምላኻ እንተሲዕብካ ግን ከገልጸልካ እዩ።

ኣብ ህይወትና ብዘሎ ዝተፈለለየ ጸቕጥጣት ናብራን ዘይጽወር ከም ዝኾነ ክንሓስብ ንኽእል እቲ ሓቂን ጭብጡን ግን ትዕቢትና እዩ ። ልዑል ግምት ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ምሓዝ ንህይወት ከቢድ ይገብሮ። ኣብ ብዙሕ ሕዝቢ ዝጉዓዙሉ ከም ባቡር ክኸይድ ከለኹ በዚ ነገር እዚ ቡዝሕ ግዜ የስተንትን ኮፍ መበሊ የለን ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኣብ ባይታ ኮፍ ክብል ኣሎኒ ወይ ክኣ ደው ይብል።እቲ ክፍልታት ናይ ባቡር ብሰብን ቦርሳታትን ዝመለኤ፡እዩ።ገና ካብቲ እታ ባቡር ዝተበገሰትሉ ፌርማታ ኣብ ነፍስ ወከፍ ፌርማታ ደው ምስበለት ብሰብን ቦርሳታትን ምጽቕቃጥ እናወሰኸ ይኸይድ እታ ባቡር ክኣ መንገዳ ትቕጽል። ሽዑ ከምዚ ኢለ ሓሲበ " ኣብዚ ቦታ ክንዲ ጻጸ እንተ ዝኸውን ግዝፈይ በሰንኪ እቲ ጽቕጥቅት ዋላ ሓደ ጸገም ኣይምስገጠመንን እቲ ጸገም ዝረኸበኒ ግዝፈይ ክንዲ ሰብ ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ሮጊድ ሰብ ድማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣዚዩ ይሽገር ።እቲ ኩነታት ብመጠን ዓቐን ሰብነትና ይውሰን።ጻጸ ግን በቲ ዘሎ ኩነታት ኣይመግረምሮመን ነይሩ ንዕኡ እኹል ቦታ ምስ ረኸበ።

ዝኾነ ኮይኑ እቲ መልሲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ጸቕጢ ካብ ደገ ክውስኽ ከሎ ኣብ ቅድሚ ይዒንተይ እናነኣስኩ እናነኣስኩ ክኸይድ እንተ ኺኢለ እቲ ጸቕጢ በብቑሩብ እናጠፈኤ ድሓር ክኣ ደው ይብል። ናይ ኣምላኽ ድሌት ካብቲ ዘሎና ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳብ ናብ ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘይኮነ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ግምት ክቕንሰና እዩ ዝደሊ መደቡ ቅድሚ ኣብ ህይወትና ምፍጻሙ።

ስለ ምንታይ እዩ ብገለ ምኽንያት ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ሲሚዕትና ዝጉዳእ? ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ልዕል ግምትዶ ኣይኮነን እቲ ምኽንያት? ብዛዕባ ኩነታት መስለና ንምርግጋጽ እንገብሮ ሙኳኑ ? ሰባት እቲ ዝግባእ ክብሪ ኣይሃቡናን ኢልናዶ ኣይኮናን ሕማቕ ዝስምዓና ? ወይ ክኣ መስለንና ተጋሂሱ ኢልና። ሰባት ብድሕሬና ጽቡቕ ዘይኮነ ክዛረብ ከለው ሕማቕ ይስምዓናን ንጉዳእን ። እቲ ዝተነፈሔ ዝሓበጠን ትዕቢትና እዩ ከምዚ ዓይነት ቃንዛ ዘምጽኣልና ። ነቲ ከም ፍሕኛ ዝተነፍሔ ትዕቢትና ወጊእና ነተንፍሶ ብሓቂ ከምዚ ጌርና ንትዕቢትና እንተ እንተ ኣተንፊስናዮ ጸቕጢ ከም ዘይብልና ኮይና ርእስና ክንረክባ ኢና።

እዚ ግን ሚስጢር እዩ ኣምላኽ ነዚ ክንሪኦ ይዒንትና ይኸፈት ። ሰባት ኣብ ዙሪያና ዘሎው ብዛዕባ ሽሕን ሓደን ነገራት ከግረምርሙ ከለዉ ንሕና ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ኣይነግረምሩምን ኢና፥ እቲ ምኽንያት ክኣ እቲ እንኮ መንገዲ መምልጢ ገዛእ ርእስኻ ምትሓት ስለ ዝሰዓብና።