ጸላኢኻ ፍለጦ

Written by :   Zac Poonen
    Download Formats:

Chapter
እዛ መጽሓፍን ንስኻን

ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ ንብዙሓት እኩባት መንእሰያት ተምሃሮ ዝተውሃበ መልእኽታት ዝሓዘት እያ። እዚ መልእኽታት በቲ ዝተዘረበ መልክዕ ተታሒዙ ኣሎ።

ንኣሽቱ መንእሰያት ኣብ'ዘን ምዓልታት ዕላማ ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት እዮም።ሰይጣን፥ መንእሰያት ሎሚ ብርኽሰት፡ መረረ፡ ቂም፡ ቅንኢ፡ ብንዓይ ይጥዓመኒ፡ ትምኒት፡ ብምድራዊ ነገራት ዝተትሓዙ ክኾኑ፥ እዚ እንተ ዘይኮይኑ ክኣ ብውሕዱ ብትዕቢት፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽድቅን ግብዝናን ዝተበከሉ ምዃኖም ከረጋግጽ፥ ኣብ ኩሉ ቦታ ይዘውር እዩ ዘሎ.።


እምብኣር ውዲት ሰይጣን ዘይንፈልጥ ክንከውን የብልናን።

ሰይጣን፥ ኣብ መስቀል ጎይታና የሱስ ተሳዒሩ እዩ። ሕጂ እምብኣር ጻዉዒትና ኣብ ዝኸድናዮ ቦታ ዘበለ፥ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸልማት ሓይልታት ዓወት ምምዝጋብ እዩ።

ከምዚ ክትገብር ድላይ እንተ ድኣ ሃሊ'ኳ ነዛ መጽሓፍ ኣንብብ።

Chapter 1
ስለ ምንታይ ጸላኢኻ ክትፈልጦ ይግብኣካ

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ሓቅታት ከርኤኩም ይደሊ።ካባኹም ብዙሓት ንኣሽቱ መንእሰያት፡ ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ዘይፈልጥክሞ፡ እዚ ኽኣ ንናይ ነፍስና ጸላኢ ዝምልከት እዩ።

ብዛዕባ መድሓኒና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንዓና ዝገበረልና ብዙሕ ሰሚዕኩም ኢኹም። ግናኸ ብዛዕባ ሰይጣን ብዙሕ ዘይሰማዕኩም ትኾኑ፥ ምኽንያቱ ክኣ መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ብዛዕባ ሰይጣን ክሰብኹ ኣይፈትዉን እዮም።


ብዛዕባ ሰይጣን ክዛረብ ይደሊ፥ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ (1ጴጥሮስ.5:8) ከምዚ ኢሉ ይነግረና፡

"ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ" ።

ኣብ ዓዉደ ውግእ ሓደ ኣዚዩ ኣድላይ መምሪሒ ጸላኢኻ ምፍላጥ እዩ። ኣብ ውግእ ትቃለስ እንተ ድኣ ሃሊኻ ብዛዕባ ጸላኢኻ ኽኣ ብጣዕሚ ብዙሕ ሓበሬታ እንተ ሃሊዩካ፥ ነቲ ውግእ ኣዚዩ ቀሊል ይገብሮ። ብዛዕባ ጸላኢኻ ብጣዕሚ ንእሽተይ ኣፍልጦ እንተ ሃሊካ ግን፡ እቲ ውግእ ከቢድ ይኸውን።


ወይውን ካልእ መረዳእታ ክጥቀም፡ ኣብ ፈተና ዝመጻካ ኩሉ ሕቶታት ኣቐዲምካ እንተ ድኣ ፈሊጥካዮ እቲ ፈተና ኣዚዩ ብጣዕሚ ቀሊል ይኸውን።

እዚ ምስ ክርስያናዊ ህይወት ልክዕ ሓደ እዩ። ጸላኢኻ እንተ ድኣ ፈሊጥካዮ፡ ንጸላኢኻ ክትስዕሮ ትኽእል ኢኻ ። ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተና ክኣ ካብ ስዓርቲ በሊጽካ ክትዕር ኢኻ።


ብዙሓት ክርስትያናት ኣለዉ ንጎይታ ክስዕቡ ብምፍታን ምሉእ ህይወቶም ዝቃለሱ፡ ግናኸ ይወድቁ ።ከም ዝመስለኒ ሓደ ካብ ምኽንያታት ብዛዕባ ጸላኢኦም፡ ዋላ ሓደ ነገር ኣይፈልጡን እዮም።

መጽናዕቲ ትምህርቲ መድሃኒት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምኻኑ ኩሉና ንፈልጦ ኢና። ሜዲካል ሳይንስ ሚልዮናት ሰባት ካብ ሕማም ፈዊሱን፡ ኣብ ወለዶና ግዚኦም ቅድሚ ምእኻሉ ዝተወልዱ ህጻናት ኣድሒኑ እዩ።እዚ ክኾነሉ ዝኽኣለ ክኣ ሜዲካል ሳይንቲስት ኩሎም ብዛዕባ ናይ ሰብነትን ጸላእትን ከመይ ገይሮም ከም ዘጥቅዑና ስለ ዘጽንዑን ኣዚዩ ጽዑቕ መጽናዕቲ ብዛዕባ ባክተሪያን ቫይረስን ጸላእቲ ጥዕና ስለ ዝገበሩን እዩ፡ ጥዕና ወዲ ሰብ ዝተምሓየሸ። ሳይንቲስት ነቶም ጸላእቲ ሰብነትና ክቐትል ዝኽእል መድሃኒትን ካብ ሰብነትና ጸሪጉ ዘውጾም ምሂዞም እዮም።

ኣብ ኣካላዊ ሰብነት ሓቂ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ መንፈስና ኣዚዩ ሓቂ እዩ። ከምኡ ውን ብዛዕባ ሰይጣን ከንጽዕ የድሌና -ነቲ ጸላኢ ናይ መንፈስና - እንተ ድኣ ካብ መንፈስና ከነልቅቖን ከምኡ ውን ብንጽህና ንኣምላኽ ክንሕልዎን ኮይና።


መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰይጣን ብዙሕ ይነግረና እዩ። ብርግጽ ኣምላኽ ድሕሪ ኣዳምን ሄዋንን ምፍጣሩ፡ ብኡ ንብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰይጣን ይዛረብ ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን እንታይ ከም ዝሰርሑ ኣይነግረናን እዩ ።ግናኸ ትኽ ብዝበለ መገዲ ሰይጣን ናብ ገነት ኤደን ከም ዝመጸን ሓጢያትን ሕንፍሽፍሽን ከም ዘምጽኤ፥ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ከም ዘርሓቖም ይነግረና። ጠንቂ ኩሉ ሓጢያት፡ ዓመጽ፡ ክፉኡን ሎሚ ኣብ ዓለም ዝርከብ ዘሎ ብምኽንያት ሰይጣን ናብ ገነት ኤደን ምእታዉ እዩ (ዘፍጥረት.3)።

ስለ ምንታይ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰይጣን ሽዑ ንሹዑ ድሕሪ ብዛዕባ ፍጥረት ሰብ ሰብኣይን ሰበይትን ምንጋሩ ብዛዕባ ሰይጣን ዝነገረና፧ እቲ ምኽንያት ኣምላኽ ብዛዕባ ሰይጣን ክንፈልጥ ስለ ዝደሌና እዩ፡ በዚ ኽኣ ምእንቲ ክነቅሕ እይ።ሰይጣን ዚውሕጦ ደሊዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ከም ዝዘውር ሪኢና ኢና።ኣብ ጋዜጣ፡ ሓደ ኣንበሳ ካብ መካነ እንስሳት ኣምሊጡ ኣሎ፡ ኣብ ከተማ ውን ይዘውር ኣሎ ኢሉ እንተ ዝጽሕፉ፡ ምእንቲ እቲ ኣንበሳ ዘለዎ ቦታ ፈሊጡ ሰብ ክርሕቕ እዚ ኣንበሳ ኣበየናይ ቦታ ናይ'ቲ ከተማ ከም ዘሎ ምፍላጥ ክሕግዘናዶ ኣይክእልን፧ ብርግጽ ከምዚ ልክዕ መገዲ እንተ ድኣ ሰይጣን እቲ ንጡፍ ኮይኑ ዝዓየሉ ቦታ እንተ ድኣ ፈሊጥናዮ፡ እዚ ኽኣ ካብ ብዙሕ ጸገማት የድሕነና እዩ።

ብዙሓት ኣመንቲ ብተደጋጋሚ ናይ ተስፋ ምቑራጽ እዋን ኣለዎም። ሓደ ነገር ክንፈልጥ ይግባእ፡ እዚ ተስፋ ምቑራጽ ፍጹም ካብ ኣምላኽ ኣይመጽእን እዩ፥ እዚ ኩሉ ግዜ ካብ ሰይጣን እዩ ዝመጽእ። ብኸምዚ ልክዕ መገዲ ክኣ ዓመጽ፡ ቅንኢ፡ መረረ፡ ክፉእ ዘረባ፡ ምጉሩምራም፡ ምእዳም ኣንጻር ስልጣናት ኩሉ ዓይነት ክፉኡን መበቆሉ ካብ ሰይጣን እዩ። ብዛዕባ ጸላኢና ምፍላጥ ጽቡቕ ነገር እዩ ።ስለዚ ክኣ ነዞም ክፍኣት ኣብ ህይወትና ክንስዕሮም ንኽእል ኢና።

ኣብ መኽፈቲ ገጻት ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ሰይጣን ነንብብ፡ ጎይታና የሱስ ብማይ ምስ ተጠመቐ ብመንፈስ ቅዱስ ክኣ ምስ ተቐብኤ ምስ ተነገረና ክኣ፡ ብኡ ንብኡ ብዛዕባ ሰይጣን ኣብ በረኻ ከም ዝተፈተነ ነንብብ። እዚ ጠቓሚ ስጉምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ስራሕ ዝገለጸልና ስለ ምንታይ እዩ፧ ንፍሕሶ ሰይጣን ወይ ሓይሊ ናይ'ቲ ናይ ነፍስና ጸላኢ ዘይንፈልጥ ምእንቲ ከይንኸውን እዩ።

መንእሰያት ብዛዕባ ሰይጣን ክፈልጡ ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ። ምኽንያቱ ሓንሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰይጣን ዝምህሮ እንተ ፈሊጥካዮ ጥንቁቕ ክትከውን ኢኻ።ደጊም ንሰይጣን እትፈርሆ ኣይክትከዉንን ኢኻ፥ ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ንሰይጣን ዝፍርህዎ።ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ እንታይ ከም ዝምህር ስለ ዘይፈልጡ እዩ።ሰባት ጸሊም ሽሑር ክገብሩ ወይ ጥንቆላ ኣብኦም ክገብሩ ከለዉ ይፈርሕዎም እዮም። እዚ ኽኣ ሰይጣን ኣብ መስቀል ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተስዓረ ኣይፈልጥዎን እዮም።ሓንሳዕ ኣዒንትኻ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበርልና ክሪኣ ምስ ተኸፈታ ፍጹም ደጊምካ ንሰይጣን ኣይክትፈርሆን ኢኻ።

ሓድ ሓደ እዋን ሰይጣን ኣብ ናይ ክርስትያናት ኣኼባ ብኣጋንንቲ ዝተትሓዙ ሰባት ገይሩ መደብ ከቋርጽ ይፍትን እዩ።ልክዕ ከም የሱስ ኣብ ምኩራብ እናሰበኸ ከሎ ሰይጣን ዝገበሮ ።ግናኸ ከምዚ ክገብር ክፍቀደሉ ፍጹም ኣይግባእን እዩ።ሓደ እዋን ኣብ ሕብረትና ኣብ ሞንጎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ፡ ሓደ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ ልክዕ ኣብ ሞንጎ መሕለፊ ኮፍ መበሊ ከም ተመን እናንፋሓኸ ናብ ቅድሚት እቲ ሕብረት መጺኡ፡ ነቲ ሕብረት ክርብሽ እናፈተነ። እቲ ጋኔን ብስም የሱስ ምስ ተገሰጸ ብኡ ንብኡ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ዝንበሮ ባይታ ድቃስ ወሲድዎ። ድሕሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምስ ተወድኤ ኩሉና ኣብ መወዳእታ "ኣሜን" ምስ በልና ተበራቢሩ።ሽዑ ኽኣ ተዛሪብናዮ። ሰይጣን ብወከልቱ ገይሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትና ከቋርጾ ኣይነፈቅደሉን ኢና።

ኣብ ካልእ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ ሕብረት ኣብ ደገ ዝካየድ፡ ሃንደበት ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ሓደ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር እናተዛረብኩ ከለኹ ኣብ ቅድሚ ናይ መስበኺ ቦታ ክስዕስዕ ጀሚሩ፡ ብኣስተርጓሚ ገይረ ኮፍ ክብል ምስ ሓተትክዎ ንሕቶይ ሸለል ኢልዎ፡ ሽዑ ነቲ ኣብቲ ሰብኣይ ዘሎ ርኹስ መንፈስ ብስም የሱስ ገሲጽናዮ፥ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ጸጥ ኢሉ ኮፍ በለ።እወ ኣጋንንቲ ግድን ክእዘዙ ኣሎዎም፥ ብስም የሱስ ዚእዘዝሉ ምኽንያት ክኣ ኩሎም ኣጋንንቲ ኣብ መስቀል ጎይታና የሱስ ስለ ዝተስዓሩ እዩ።

ስለዚ ኣብ ብርቱዕ ስም የሱስ ክርስቶስ ሓይሊ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ። የሱስ ኣብ መስቀል ንሰይጣን ስዒርዎ እዩ ።ፍጹም ንሰይጣን ክትፈርሆ ኣይድሌካን እዩ። ንጸላኢኻ እንተ ድኣ ዘይፈሊጥካዮ ኢኻ ሓደ ነገር ከይገብረካ ኣብ ፍርሒ እትንብርን ወይ ካልኡት ንዓኻ ።ግናኸ እንተ ድኣ ጎይታ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ጎይታ ክኸውን ፈቒድካሉ ንፈልጦ ኢና ክትንክፈካ ኣይክእልን እዩ።የሱስ ኣብ መስቀል ንሰይጣን ምስ ስዓሮ ኩሉ ሓይሉ ተመንዚዑ እዩ።



Chapter 2
መበቆል ሰይጣን

ኣምላኽ ካብ ዘልኣለም ኩሉ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ መግለጺ ይጅምር፥"in the beginning God….." "ኣምላኽ ብመጀመርታ….." (ዘፍጥረት.1፡1) እዚኦም ኣርባዕተ ናይ መጀመሪያ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም። እዚ ኽኣ ዘመናት ዘልኣለም ዝሓለፈ ኣዚዩ ሩሑቕ ኣእምሮና ዋላ ክርድኦ ዘይክእል እዩ። ምኽንያቱ ኣእምሮና ንግዜ ጥራይ እዩ ክግንዘቦ ዝኽእል፡ ኣምላኽ ህላውነቱ ቅድሚ ግዜ ምጅማሩ እዩ ።

ሰይጣን ግን እንተ ኾነ ቅድሚ ግዜ ምጅማሩ ኣይነበረን። ሰይጣን ዝተፈጠረ ፍጡር እዩ፥ ግናኸ ኣምላኽ ክፉእ ፈጢሩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን እዚ ክኸውን ዘይክል እዩ፡ ኣምላኽ ፍጹም ክፉእ ክፈጥር ኣይክእል እዩ ። ኩሉ ዝፈጠሮ ፍጹም ጽቡቕ እዩ፡ ዋላ ኣዳምን ሄዋንን ክፍጠሩ ከለው ፍጹማት እዮም ነይሮም። ሰይጣን'ውን ከምኡ ክፍጠር ከሎ ኣብቲ እዋን ክኣ፥"ከኾብ ወጋሕታ" ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ(ኢሳይያስ. 14፡12) እዚ ስም ሕጂ ሕማቕ ስም እዩ ዘመልክት። ግናኸ ኣብቲ መጀመሪያ ክፍጠር ከሎ፡ ከምኡ ኣይነበረን ።


ከም መራሒ ናይ መልኣኽቲ ንእግዚብሄር ምእንቲ ከምልኹ ክምርሕ ሰይጣን ከም ሊቀ መልኣክት እዩ ተፈጢሩ። እግዚኣብሄር ክፈጥሮ ከሎ ብዙሕ ልዕለ ተፈጥሮ ዝኾነ ክእለትን ሓይልን ሂብዎ እዩ ።ግናኸ ኣብ ሓጢያት ወዲቑ ሰይጣን ክኣ ኮይኑ።

እቶም ሓይልታት ክሳብ ሕጂ ድማ ምስኡ ኣለው። ምኽንያቱ ድማ ምስ ወደቐ ኣምላኽ እቶም ውህበታት ካብኡ ኣይወሰዶምን። ምናልባት ንግረም ንኸውን ኣምላኽ ስለ ምንታይ ካብ ሰይጣን እቶም ሓይልታት ዘይወሰዶም! እቲ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ዝሃቦ ውህበታት መሊሱ ኣይወስድን እዩ።ዋላ ደቂ ሰባት ከም ልሙድ ንኻልእ ዝሃብናዮ ውህበት ተመሊስና ኣይንወስዶን ኢና፡ ዋላ እቲ ሰብ ሓደ ምዓልቲ ኣንጻርና እንተ ተለዓለ! ስለዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን ሓይሉ ንሰባት ንምጉዳእ ዝጥቀመሉ፥ በዚ ሰባት ምስኡ ምትሕሓዝ ዘሎዎም ብጥንቆላ ገይሮም ልዕል ተፈጥሮ ዝኾኑ ነገራት ዝገብሩ።

ብዛዕባ ሰይጣን ዝምልከት ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ፥

"ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ" (ኢሳይያስ. 14፡12)።

ከም ሊቀ መልኣኽ ሉሲፈር ኣብ ቅድሚ ህላዉነት ኣምላኽ ከም ቀዋሚ እዩ ነይሩ፥ ሰለ ምንታይ እዩ ወዲቑ፧ እቲ ምኽንያት ኣብ ዝቕጽል ክልተ ጥቕሲ ተዋሂቡ እዩ፥(ኢሳ.14:13-14)

"ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላክ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ።ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ በልካ"። ሉሲፈር ብዙሕ ውህበት ነይርዎ፡ ኣዚዩ ውቁብን ልዕሊ ኩሎም መልኣኽቲ'ውን ክእለት ነበሮ፥ ንእግዚኣብሄር ከምልኹ ንመልኣኽቲ ይመርሕ ነይሩ፡ ክሳብ እታ ናብ ልቡ ትዕቢት ዝኣተወትላ፥ ድሓር ከምዚ ክሓስብ ጀሚሩ፥ "ሓደ ጥራይ እዩ ልዕለይ ዘሎ፡ ንሱ ኽኣ ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ እዩ፥ ኣብ ልዕሊኡ ክወጽእን ክመርሕን እየ"።

እዚ እቲ ኣዚዩ ናይ ዕሽነት ሓሳብ ናብ ልቡ ዝመጸ እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኡ ክወጽእ ዝኽእል፧ ግናኸ ሰይጣን ከምኡ እዩ፡ ኣብ ብዙሕ ነገራት ዝገብሮን ዝሓስቦን ዓሻ እዩ፥ ዋላ'ኳ በሊሕ እንተ ኾነ! ብዙሓት በላሕቲ ሰባት ኣብ ዓለም'ውን ከምኡ እዮም ብዙሕ ዕሽነት ነገራት ዝፍጽሙ፡ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ እዩ። ብመጠን ብዙሕ ብዛዕባ ሰይጣን ዘጽናዕናዮ ኣብ ብዙሕ ነገራት ዓሻ ምኻኑ ብዙሕ ክንርኢ ኢና።

በቲ ኣምላኽ ዘቕመጦ ቦታ፡ ሰይጣን ሕጉስ ኣይነበረን ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ክወጽእ ደለየ፡ ኣይከውንን እዩ እዚ ኣይበለን፥ በቃ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ኣብ ልቡ ከቐምጥ ጀሚሩ እዚ ኣብ ጥቕሲ 13 ነንብቦ፥ "ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ"(ኢሳይያስ.14፡13)።ግናኸ ኣምላኽ ንልብና ይርእዮ እዩ፡ ኣብ ልቢ ሉሲፈር'ውን እንታይ ይትልም ከም ዘሎ ርኢዎ እዩ።


ኣብ ሞንጎ ፈተናን ሓጢያትን ፍልልይ ኣሎ።ፈተና መጀመሪያ ከም ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ይመጽእ። ምስ'ቲ ናብ ኣእምሮና ዝመጽእ ሓሳብ ምስ እንስማማዕ ጥራይ እዩ ሓጢያት እንሰርሕ።እንተ ድኣ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ሓሳብ ብቕጽበት ነጺግናዮ ሓጢያት ኣይሰራሕናን።


ንኣብነት፥ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንሰብ ከተዋርድ ወይ ከተትሕት በዚ ኽኣ ኽኣ ንስኻ ብሉጽ ሰብ ኮይንካ ክትርኤ፡ ከምዚ ክፉእ ሓሳባት መጺካ ይፈልጥዶ፧

ትፈልጥ ዲኻ ናይ መጀመሪያ ፍጡር ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ከም ዝነበሮ፧ ንሱ ኽኣ ሰይጣን እዩ። ንመን እዩ ንታሕቲ ከውርዶ ዚደለየ፧ ንመልኣኽቲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሶም ኣብ ትሕቲኡ ስለ ዝነበሩ፥ ንኣምላኽ እዩ ንታሕቲ ከዉርዶ ዝደለየ። ንሰባት ንታሕቲ ምውራድካ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ላዕሊ ምእንቲ ክትከውን ምድላይ፡ ናይ ሰይጣን ብዙሕ መንፈስ እዩ።

ስለ ምንታይ ጸላእትኹም ግድን ክትፈልጡ ኣልኩም ዝበልኩኹም፧ ምክንያቱ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኹም ምስ ዝኣቱ ጸላኢኺ ናባኻ ክኣቱ ይፍትን ከም ዘሎ ክትፈልጥ ይግባእ።እቲ ዝጓዝም ዘሎ ኣንበሳ ንኽዉሕጠካ ይጽበ እዩ ዘሎ።

ብዙሕ ዓመታት ኣይወስድን እቲ ዝልዓለ ሊቀ መልኣኽቲ ሰይጣን ንክኸውን፡ ኣይፋሉን፥ ብቕጽበት ጥራይ እዩ ። በብቑሩብ ወይ ክኣ ደረጃ ብደረጃ ኣይኮነን ወዲቑ፡ ኣይፋሉን። ሰይጣን ከም መብረቕ ኣብ ሓድ እዋን እዩ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፥"በሎም ፥ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ" (ሉቃስ.10:18) ኣብ ሓደ እዋን ብቕጽበት ዘንጸባርቕ ነይሩ ብኡ ንብኡ ከም ኣምላኽ ምኻን ዝብል ሓሳብ ክምገብ ምስ ጀመረ ብቕጽበት ክኣ ሰይጣን ኮይኑ።


መልኣኽ ክንደይ ግዜ ወሲዱሉ ሰይጣን ንክኸውን፧ ዋላ ሓደ ካልኢት ኣይኮነን፡ በቃ ብቕጽበት እዩ ።ንሓደ ብሓቂ ሰናይ ሰብ ክንደይ ግዜ ይወስደሉ ናብ ሰይጣን ክልወጥ፡ ወዱ ክኸውን፧ በቃ ብቕጽበት እዩ፡ እዚ ኩሉ ኣይትረስዓዮ።

ብዛዕባ መበቆል ሰይጣን ዝነግረና ካልእ ክፍሊ ጽሑፍ ኣብ መጽሓፍ ህዝቄል ምዕራፍ 28 እዩ ።ሰይጣን "ንጉስ ጢሮስ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ንርኢ ድሕሪ ገዛእቲ እዛ ዓለም ናይ ኣጋንንቲ ሓይል ኣሎ።ኣብቲ ግዜ እቲ ሰይጣን ገዛእ ርእሱ ድሕሪ ናይ ጢሮስ ገዛኢ ነይሩ፡ ጎይታ ንሰይጣን ነቲ ኣብ ሰብ ንጉስ ጢሮስ ሓዲሩ ዝነበረ እዩ ተዛሪብዎ።

ጎይታ ንሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረሉ ግዜ ኣዘኪርዎ እዩ፥ "ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓ -ይነቱ ክቡር እምኒ፣ ሰርድዮስ፣ ቶጳዝዮን፣ ከልቄድዮን፣ ክሪሶሊት፣ ሰርዶንክስን፣ ያስጲስ ሰፊሮስ፣ ክሪሶጵራስ፣ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፣ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ" (ህዝቄል. 28:13)። እዚ ሉሲፈር ቅድሚ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤደን ከም ዝነበረ ይነግረና፥ ጎይታ ኽኣ ሰይጣን ከመይ ከም ዝነበረ ኣዘኪርዎ ከምዚ ብምባል፡

"ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ" (ህዝቄል 28:26-17)።


ቀዳምነት ልቢ ሰይጣን ዝተዓበየሉ ምኽንያት ብጽባቒኡ እዩ፡ ኣብ መስትያት ምስልኻ ክትሪኢ ከለኻ ርእስኻ ምስ ካልኦት ብምውድዳር ማዕረ ክንደይ ምልኩዕ ብምዃንካ ልብኻ ትዓብዩዶ፧ በዚ ነገር ተጠንቀቕ፡ ስለቲ ዝሃበካ ጽቡቕ ውህበታት ኣምላኽ ኣመስግን፥ ምልኩዕ ገጽ እንተ ሃሊዩካ በዚ ነገር ዋላ ሓደ ጸገም ወይ ጌጋ የልቦን፥ ግናኸ ብእኡ እትዕበ እንተ ኾንካ ግን ጌጋ እዩ፥ ምኽንያቱ በዚ ንሰይጣን ማዓጾ ትኸፍተሉ ኢኻ ዘሎኻ።


ካልኣይ ናይ ሰይጣን ምኽንያት ምዕባዩ፡ መንፋዕቱ እዩ ። ትፈልጥዶ ኣብ ሞንጎ ኩሎም ፍጡራት ሰይጣን እቲ ዝበልሔ ምዃኑ፧ በሊሕ ምዃን ዋላ ሓደ ጸገም ወይ ጌጋ የብሉን ምስትዉዓልና ንኽብሪ ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና ።ግናኽ ብእኡ ክንዕበ መሰል የብልናን። ኣይፋሉን።ስለ ምስትዉዓልካ ንኣምላኽ ኣመስግኖ፡ ስለ ጽቡቕ መልክዕ ዘለካ ንኣምላኽ ኣመስግኖ።ግናኸ ብእኡ ኣይትኹራዕ።

እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ብኽእለቱ ምዕባዩ እዩ፥ ሰይጣን እቲ ዝልዓለ ቦታ ካብ ማእኸል ፍጡራት እዩ ነይርዎ። ሰይጣን እቶም ስለሰተ ዝተዓበየሎም ጽባቔኡ፡ ምስትውዓሉ፡ ዝልዓለ ቦታ ምሓዙ ኩሎም ውህበት ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ካብ ዘይምፍላጥ ወዲቑ። ከምኡውን ምስ ብዙሓት ደቂ ሰባትን ብዙሓት ክርስትያናትን ነዚ ነገር ካብ ዘይምፍላጥ ወዲቖም እዮም።በዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን ኣብ ህይወቶም መርገጺ እግሪ ዝረክብን ኣብ መወዳእታውን ዝዕንዎም።

ስለዚ ኩሉ ሓጢያት ኣብ ዓለም ዘሎ መቦቆሉ ትዕቢት ምዃኑ ንርኢ ብቕትለት ወይ ብዙሙት ዘይኮነስ፡ ብትዕቢት እዩ። በዚ እዩ ኽኣ ምድሓን ብናይ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ብምትሓት ዝመጸ።መገዲ ትሕትና መገዲ ምንጋፍ፡ ካብ ኩሉ ውዲትን ተንኮልን ሰይጣን እዩ።

በቲ ዝተዋሃበካ ናይ ዘይምዕጋብ መንፈስ ኣብ ሰይጣንውን ንሪኦ ኢና፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሪኦ ገይርና ናብዛ ዓለም እንተ ንርኢ ኮይና፥ ምግሩምራም፡ ምምራርን ዝመልኦም ሰባት ኣብ ኩሉ ቦታ ንርከብ። እዚ መንፈስ ክኣ ካብ ሰይጣን ኣብ ኣእምርኦም ዝሰረጸ እዩ።

ካልእ ካብ ሰይጣን ዝተበገሰ ነገር ናይ ዓመጽ መንፈስ ኣንጻር ስልጣናት እዩ። ልዕሊኡ ሓደ ስልጣን ዘሎዎ ነይሩ፡ ንሱ ኽኣ ኣምላኽ እዩ። ኣንጻር ስልጣን ኣምላኽ ክኣ ዓሚጹ፥ ኣብ ልዕሊ ስልጣን ኣምላኽ ክወጽእን ንኣምላኽ ክኣ ንታሕቲ ክደፍኦ ደልዩ፥ እዚ መንፈስ ኣብ ዘርኢ ወዲ ሰብ ንረኽቦዶ፧ መንፈስ ዓመጽ ኣንጻር ስልጣናት ለዉጥታት ኣብ ሃገራትን ፋብሪካታትን ዘለዓዓለ፥ ኣብዘን ምዓልታት ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ኮሎጃት ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ኣብ ሞንጎ ቤተ ክርስትያን ዋላ ኣብ ገዛ ኣብ ሞንጎ ንኣሽቱ ቆልዑትን ዘሎ እዩ።

እዚ ኩሉ ርጉጽ ምልክታት ዓለም እናንቆልቆለት ትኸይድ ከም ዘላ ዘርኢ እዩ። ንመምሃራን፡ ንወለዲ፡ ንሽማግለታት ማሕበር ኣምላኽ ዘይምኽባር ኣብ ኩሉ ዘስፋሕፍሔ እዩ።ኣይትረስዕ እዚ ናይ ዓመጽ መንፈስ እዩ፡ ነቲ ብሉጽ መልኣኽ ናብ ሰይጣን ዝቐየሮ ።ስለዚ ናይ ዓመጽ መንፈስ ሎሚ ውን እንተ ኾነ ንንፉዕ ንእሽተይ ወዲ ወይ ጓል ናብ ሰይጣን ክቕይር ይኽእል እዩ።

ኣምላኽ ንዋላ ሓደ ክፉእ ክኸውን ኣይገብሮን እዩ ። ገዛ ርእስና ንመንፈስ ሰይጣን ክፉታት ምስ ኮና እዩ፡ ርእስና ክፉእ ክኸውን እንገብሮ።

ሕጂ እምብኣር ፍለጥ ሓደ ናይ መወዳእታ ባህሪ ብዛዕባ ሰይጣን፡ ምስ ወደቐ ንበይኑ ጥራይ ኣይኮነን ወዲቑ፡ ብጾቱ ነይሮሞ እዮም። ኣብ ራእይ ዮውሃንስ 12፡4 ከምዚ ነንብብ ፥"እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ"፥ መልኣኽቲ ምስኡ ከም ዝወደቑን ከም ዝስሓቦምን ንርኢ። ብዕሽነት፡ ብመንፈስ ትዕቢት፡ ብዘለካ ዘይምዕጋብን፡ ዓመጽን ሲዒቦሞ። እዚ ኽኣ ኣብ ሓደ ምዕልቲ እዩ። ሓደ ሰብ ክፉእ እንተ ኾይኑ ብገዛእ ርእሱ ክፉእ ኮይኑ ጥራይ በዚ ኣይዓግብን እዩ፥ንኻልኡት ንታሕቲ ክስሕቦምን ከምኡ ክፉኣትን ኣብ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ዝደሊ። ሱር ምረት ኣብ ሓደ ሰብ ንብዙሓት ንኻልኡት ክብክል ይኽእል እዩ፡ እቶም ካልኡት ሰባት ጥንቁቓት እንተ ዘይኮይኖምን (እብ.12:15) ኣንብብ።

Chapter 3
ናይ ሰይጣን ምትላል

ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 3 ሰይጣን ከመይ ገይሩ ሰብ ከም ዘጥቅዕ ክንሪኢ ንኽእል። ከምዚ ይብል፥ ኣብኡ ተመን ኣዚዩ ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝጎርሔ ነበረ ።ሰይጣን ክኣ ናብ'ዚ ተመን ኣትዩ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጌርጌሴኖን ዝነበረ ሰብኣይ፡ የሱስ ነቶም ኣጋንንቲ ምስ ኣውጾም ናብተን ሓሰማታት ዝኣተው።ሰይጣን ክኣ በቲ ተመን ገይሩ ንሄዋን ተዛሪብዋ፡ ከምዚ ኢሉ ውን ሓቲትዋ፥ "ኣምላኽ ብሓቂ ካብ ኩሉ ኣእዋም ናይ ኣታኽልቲ ኣይትብልዑ ኢልኩም ድዩ፧" ሄዋን ብርግጽ እቲ ኣምላኽ ዝበለና እዚ እዩ ምስ በለት፥ ሰይጣን ክኣ ንቃል ኣምላኽ ተጻሪርዎ ከምዚ ድማ በላ፥ "ኣይትሞቱን ኢኹም"።

ፍለጥ ኢኻ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ከም ዝመጽእ፡ ቀዳምነት ንቃል ኣምላኽ እዩ ዝሓትት። ንዓና'ውን ብኸምዚ መገዲ እዩ ዝመጻና፥ "ነዚ ነገር ከይንገብሮ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ተዛሪቡ ድዩ፧" "እዚ ነገር ምግባር እንታይ ጸገም ኣሎዎ፧ " እዞም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዛት ናይ ጥንቲ ቅዲ እዮም፡ ጳውሎስ ብህይወቱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜን ባህልን እዮም ተጻሒፎ፡ ቃል ብቓሉ ኣብዚ 20 ክፍለ ዘመን ክንእዘዞም ኣሎና ማለት ኣይኮነን" ወ.ዘ.ተ ወ.ዘ.ተ።

ኣጉባዝን ዓበይትን ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ክሓቱ ንረኽቦም፥ ቅሩብ እንተ ዝርድኦም ኣብ ክንዲ ሰይጣን ኮይኖም ከም ዝዛረቡ ዘለው። ዋላ'ኳ ሕልንኦም ሓደ ነገር ጌጋ ከም ዘሎ እንተ ነገሮም፡ ንቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ክሓቱን ንናቶም ሓሳብ ክገልጽዎ ይቕጽሉ።

ሓደ ነገር ኣምላኽ እንተ ከልኪሉ ኣብ ቃሉ ወይ እንተ ኣዚዙ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና ኣምላኽ ጽቡቕ ምኽንያት ከም ዘሎዎ።ሰይጣን እንተ ኾነ ኩሉ ግዜ ክንሓትት ይገብረና፡ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ድዩ ከምዚ ኢሉ ወ.ዘ.ተ። እንታይ እዩ ናይ ሰይጣን ናይ መወዳእታ ዕላማ ንቃል ኣምላኽ ክሕተት ዝገብር፧ እቲ ዕላማ ከምቲ ናይ ሄዋን ጉዳይ ልክዕ ሓደ እዩ፡ ካብ ጎይታ ከርሕቐና እዩ። ኣምላኽ ክነጽገናን ንወጻኢ ክድርቤና፥ ዋላ ከምቲ ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ህላውነቱ ኣውጺኡ ዝሰጎጎም።

ጎይታና የሱስ ሓደ እዋን ሰይጣን ሰራቒ እዩ ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ሰይጣን ገንዘብ ኣይኮነን ዝሰርቕ፡ ምኽንያቱ ገንዘብ ዘልኣለማዊ ዋጋ ከም ዘይብሉ ስለ ዝፈልጥ እዩ።ዘልኣለማዊ ዋጋ ዘለዎ ጥራይ እዩ ዝሰርቕ፥ ቀዳምነት ክኣ ነፍሲ ሰባት እዩ። የሱስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥ ሰይጣን ድሕሪ ምስራቑ ነቲ ዝሰረቖ ይቐትልን ይዕኑን እዩ፥ "ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ።ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ"(ዮው.10:10)። ምስ እዚ ብምንጽጻር ክኣ የሱስ ሓሊፉ ብምቕጻል፥ ንሱ ባዕሉ ገዛእ ርእሱ ዝመጸ ህይወት ምስ ትርፉ ክህብ ምኻኑ ተዛሪቡ ኣሎ።

ዘግረምዶ ኣይኮነን ካብ ዓለም 5.5 ሚሊዮን ህዝቢ ልዕሊ 99% ካብዚ፡ ናይ ሰይጣን ሓሶት ክኣምኑን ክእዘዝዎን መሪጾም እዮም፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ክርስቶስ ዝኣምኑን ንቃል ኣምላኽ ዝእዘዙን። ኣብዚ ኣዚዩ ገዚፍ ስራሓ ሰይጣን ከም ዝሰርሔ ንሰባት ንቃል ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ጸገም ከም ዘይብሉ ንሰባት ከም ዝእምኖም ንርኢ።

ሰባት ንመጀመሪያ ግዜ መስተ ምሰ ሰተዩ ወይውን ናይ መጀመሪያ ሽጋራ ምስ ኣትከኹ ወይውን ከም ሄሮይን ዕጸ ፋርስ ክወስዱ ምስ ጀመሩ፡ ሰይጣን እዚ ነገር ብምግባሮም እዞም ነገራት ኣካሎምን ኣእምሮኦምን ኣበላሽዮም መወዳእታ ኽኣ ነፍሳታም ናብ ሲኦል ንዘልኣለም ከም ዝሰደዎም ዝነግሮም ይመስካዶ፧ ኣይፋሉን። ንሱ እቲ ሓቂ ኣይነግሮምን እዩ፥ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ክትስምዖ ደስ ስለ ዘይብል ።ንሱ ዝነግሮም ነዚ ብምፍታኖም ካብኡ ኽኣ ገለ ደስታ ከም ዝረኽቡ እዩ። እዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን፡ ንሄዋን ዝነገራ።


ብኸምዚ እዩ ሰይጣን ሎሚ ኣብ ኩሉ ዓለም ዙሩያ ንሚሊዮናት መንእሰያት ዘስሕቶም ዘሎ። ዋላ ዘይሞራላዊ ተግባራት ወይ ስርቂ ንብረት ሰብ፡ ሰይጣን ይብል፥ "እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ ሰባት ዝብልዎ ብናይ 19 ክፍለ ዘመን ሓሳባት ኣይትመራሕ ወ.ዘ.ተ ከም እዚኦም ሓሳባት ሰይጣን ኣብ ኣእምሮኻ ዘቕምጦ ተጠንቀቕ! ናይ ሰይጣን ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ንኽዕንወካ ከጥፍኣካን እዩ።

ኣብ ጥቕሲ 6 ሄዋን እታ ፍረ ኦም ንመግቢ ጽቡቕቲ ምዃና ከም ዝርኣየት ንርኢ።ኣካላ ኽኣ ናብኣ ተሳሒቡ፡ እታ ዝተኸልከለት ፍረ ብዙሕ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን መዘና ብዙሕ ነገራት ኣምላኽ ዝኸልከሎ፡ ኣካልና ናብኡ ክስሓብ ክንረኽቦ ኢና።

ቃል ኣምላኽ ከምዚ ክብል ይቕጽል፡ ሄዋን እታ ኦም ንኣዒንታ ባህ እተብል ኮይና እያ ረኺባታ ።ኣዒንትና ብዙሕ ነገራት ኣዚዩ ባህ ዘብሎ፡ ኮይኑ ግና ኣምላኽ ዝኸልከሎ ዋላ ንምርኣይ እዩ።

ቀጺሉ ካብኡ ክኣ ሄዋን እታ ፍረ ኦም ንኣእምሮኣ ኣዚያ እትብሃግ ኮይና እያ ረኺባታ። እታ ፍረ ኦም ብገለ ነገር ጥበበኛ ከም እትገብራ ሪኣየታ።ኣእምሮናውን ናብቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ነገራት ይስሓብ እዩ፥ ኣካልካን ኣእምሮኻ ናብ ሓደ ነገር ክስሓብ ከሎ ሕልናኻ ጌጋ ምኳኑ ክነግረካ ከሎ ተጠንቀቕ።


ኣብታ እዋን ናይ ሄዋን ሕልና ብንጹር እቲ እትገብሮ ዝደለይት ጌጋ ምኻኑ ከም ዝነገራ ርግጸኛ እየ ።ኣምላኽ ካብታ ፍረ ኦም ከትበልዕ ከም ዝኸልከላ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ፥ ግናኸ እንታይ እያ ገይራ፧ ብምኽንያት ኣካላና ኣእምሮኣን ክልቲኡ ነታ ፍረ ኦም ስለ ዝደለየ ገዛእ ርእሳ ነታ ፍረ ኦም ምብላዕ ጸገም ኣይምጽእን እዩ ኢላ ኣእሚናታ። ስለዚ ሕልንኣ ቀቲላ ድማ ነታ ፍረ ኦም ወሲዳ ክኣ በልዓታ።

ሰይጣን ሄዋን ሓጢያት ክትሰርሕ ብምግባሩ እንታይ እዩ ኣስሊጡ፧ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲሙ ንሱ ገዛ ርእሱ ካብ ናይ ኣምላኽ ህላውነት እዩ ወዲቑ፡ ሓንሳብ እኩይ ምስ ኮነ ካልኡት'ውን ምስኡ እኩያት ክኾኑ ድማ ወሲኑ።ምስ ዘርኢ ወዲ ሰብ ውን ልክዕ ከምዚ እዩ፥ ሰብ ክፉእ ነገር ክገብር ከሎ ንበይኑ ነቲ ክፉእ ነገር ምግባሩ ሕጉስ ኣይኮነን፡ ካልኡት ሰባት ውን ከምኡ ክፉእ ክገብሩ እዩ ዝደሊ።

ኩሉኹም መንእሰያት መጽሓፍ ምሳሌ ክተንብቡ የተባባ- ዓኩም፡ ብሓቂ ጽቡቕ መጽሓፍ እዩ ኩሉ ከተንብቦ፥ ኣብ

መጽሓፍ ምሳሌ.10:10 ከምዚ ይብል፥ "ወደይ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ ሕራይ ኣይትበሎም" ።

ሰይጣን እኩይ ኮይኑ እዩ ንሄዋን ምስኡ ንታሕቲ ክስሕባ ደሊዩ። ሄዋን ውን ካብቲ መርዛም መንፈስ ተኻፋሊት ምስ ኮነት ንሳውን ብግዲኣ፡ ንሰብኣያ ንታሕቲ ክትስሕቦ ደሊያ። ስለዚ ካልእ ፍረ ወሲዳ ንሰብኣያ ሂባቶ፡ በዚ እዩ ክኣ ንዘመናት ክፉእ ኣብ ዓለም ዝተባዝሔ። ሓደ ሰብኣይ ክፉእ ኮይኑ ንኻልኡት ክኣ ናብኡ ንታሕቲ ሲሒብዎም።

በዚ ምኽንያት ክኣ ኢና ኩሉ ግዜ ጥንቁቓት ክንከውን ዘድሌና። ሰይጣን ሓድ ሓደ እዋን ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኮይኑ ይመጻና እዩ። እንተ ድኣ ኩሉ ግዜ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ መጺኡና ብቐሊሉ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ግናኸ ኩሉ ግዜ ከምዚ ኮይኑ ኣይመጽእን እዩ፥ ሰይጣን ሓድ ሓደ ግዜ ከም ጽቡቕ፥ "መልኣኽ ብርሃን" ኮይኑ ይመጽእ እዩ (2 ቈሮ.11:14)፥ እምብኣር ሽዑ እዩ ብሓቂ ኣዚይና ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና።

ኣብ ግምት ይእቱ የሱስ ክስቀልን ኣብ መስቀል ከም ዝመዉት ምስ ነገሮም ጴጥሮስ ከምዚ፥ "ይባልህካ እባ ደኣ ጎይታይ፡ እዚስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ክገንሖ ጀመረ" በለ። ግናኸ የሱስ ብኡ ንብኡ ተጠዊ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፥ "ካባይ ርሕቕ ሰይጣን "። ንሱ እቲ ሓሳብ ካብ መገዲ ስቅያትን መስቀልን ንምርሓቕ ዝመጸ ዋላኳ ብጴጥሮስ እንተ መጸ ድምጺ ሰይጣን ምኳኑ ኣለሊዎ እዩ።

የሱስ ናብ መሰቀል ክኸይድ ከም ዘለዎ ፈሊጡ እዩ፥ምኽንያቱ ክኣ እቲ እንኮ መንገዲ ሰብ ሓጢያቱ ዝሕደገሉ ስለ ዝኾነ።ጴጥሮስ ጽቡቕ እዩ ተዛሪቡ ግናኸ ኣብታ እዋን ንየሱስ ናብ መስቀል ካብ ምኻድ ደው ከብሎ ብእኡ ገይሩ ሰይጣን ከም ዝተዛረበ ኣይፈለጠን።ብጽቡቕ ናይ ሰብ ኣዘራርባን ብድንጋጸ ዝመልኦ፥ ሰይጣን ናባና ብቐረባ ኣዕሩኽትና ገይሩ ክመጽእ ይኽእል እዩ።ስለዚ ኩሉ ግዜ ጥንቁቓትን ንቑሓትን ክንከውን ኣሎና።

እቲ ሓደ ነገር ክንብህጎ ዘሎና ንቑሕ ሕልና እዩ፥ እቲ ሓደ ነገር ዓው ኢሉ ዝዛረበና ዋላ ንእሽተይ ጌጋ ክንገብር ከለና።

ናይ ንኣሽቱ ህጻናት ከብዲ እግሪ ርኤ።ማዕረ ክንደይ ልስሉሳትን ልምሉማትን እዮም! ምስ ናትካ ከብዲ እግሪ ኣነጻጽሮ እሞ፡ ማዕረ ክንደይ ፍልልይ ከም ዘሎዎ! ናትካ ኣዚዩ ተሪር ኮይኑ እዩ። ምስ ሕልናኻ ውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መጀመሪያ ምስ ተወልድካ ንቑሕ ሕልና እዩ ነይሩካ፡ ልክዕ ከምቲ ከብዲ እግሪ ናይ ህጻን ስምዒት ዘሎዎ ዋላ ነታ ንእሽተይ ጌጋ እትገብራ። ግናኸ ምስ ዓበኻ ንስድራ ቤትካ ሓሶት ትነግሮም፡ ተታልሎ፡ ነገራት ትሰርቕ፡ ብብዙሕ መገዲ ሰባት ትጎዳ፡ ኣብ ግዜ ፈተና ትቐድሕ፡ ኣንጻር ስድራኻ ትዕምጽ ካልእ ብዙሕ ነገራትን። እዚ ክሳብ ተሪርን ንሓጢያት ንቑሕ ስሚዒት ዘይብሉ ዝኸውን፡ ንሕልናኻ ቀቲልካዮ ኣሎኻ ማለት እዩ። ልክዕ ከምቲ ከብዲ እግርና።

ጳውሎስ ሓደሰባ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኣብ (2ቈሮ.2:11)፥ "ውዲት ሰይጣን ኣይንስሕቶን ኢና"።

ሰይጣን ኣዚዩ ብልሓት ዘለዎ ኮይኑ እዩ ንሄዋን መጺኢዋ። ብሓደ ነገር ስሓቢ ኮይኑ ዝርኤ እዩ ፈቲንዋ፡ ኣብ መወዳእታ ክኣ ኣጥፊእዋ ።ሎሚ ውን ሰይጣን ብልክዕ ብኸምዚ መገዲ እዩ ዝመጽእ። ነኸጥፍእ በዞም ዝጠቐስክዎም ነገራት ጥራይ ዘይኮነ፥ ነገር ግን ብቐጥታ ሰይጣናዊ ኣምልኾ ብብዙሕ መልክዕ እዩ። ሰይጣን ብጥንቆላ ገይሩ ሰባት ናብ ጥፍኣት ይእቱ እዩ፥ ከም መጻወቲ ዳንጀንስን ኤንድ ድራጎንስ (Dungeans and Dragons) ፡ብኦጅያ ቦርድ ፡ኣስትሮሎጂ ፡ሆሮስኮፕ ፡ምንባብ ከብዲ ኢድ ወ.ዘ.ተ በዚኦም ዝተጠቐሱ መገድታት ሰይጣን ናብ ሰባት ክኣቱ ይፍትን። ምምላኽ ጣኦት ውን ንሰባት ምስ ሰይጣን ርክብ ከም ዝህልዎም ይገብር እዩ። ስለዚ እዩ ኽኣ ኣምላኽ ጣኦት ዝጸልእን ካብኡ ክንርሕቕ ውን ዝነግረና።

ትፈልጥ ዲኻ ፊልምታት ብኹሉ ዓይነት ሕማቕ ሓሳባት ንኣእምሮ ከም ዝብክል፧ ኩሉ ጾታዊ ርክብን ዓመጽን ክትሪኢ ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዝርኣኻዮ ዝምልከት ሕልሚ የብልካን ድዩ፧ ክልቲኡ ረሳሕን ዘፍርሕን ሕልሚ ኢኻ እቲ ረክብ፥ሰይጣን ናብ ኣኣምሮኻ ሰንጢቑ ክኣቱ ይደሊ እዩ፡ በዚ ኽኣ ብፍርሕን ብዘይንጹህ ነገራት ምእንቲ ክመልኣካ።በዚ ክኣ ቀስ በቐስ ንብምሉእ ህይወትካ ክጸልዎ ይኽእል።


ሄዋን በታ ፍረ ኦም ምስ ተሳሓበት ሓገዝ ደሊያ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ኣእውያ ነይራ እንተ ትኸውን፡ እቲ ታሪኽ ካልእ ምስ ኮነ ነይሩ።

ወዲ 19 ዓመት ከለኹ ክርስትያን ኮይነ ናብ ሲነማታት ክኸይድ ከም ዘይብለይ ተረዲኢኒ ነይሩ፥ ኮይኑ ግን ሓደ ምዓልቲ ኣዕሩኽተይ መጺኦም ምስኦም ሲነማ ክኸይድ ሓቲቶሙኒ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረኩ መደበር ሓይሊ ባሕሪ። ክርስትያን ስለ ዝኾንኩ ናብቲ ዝዓዶሙኒ ቦታ ኣይከይድን ክብሎም ትብዓት ዘይብለይ ምዃነይ ነፍሰይ ረኺበያ ። ስለዚ ምስኦም ናብ ሲነማ ኣምሪሔ፡ ናብቲ ቦታ እናኸድና ከለና ቀስ ኢለ ከምዚ ኢለ ይጽሊ ነይረ፥ "ጎይታ በጃኻ ርድኣኒ ካብዚ ኩነታት ኣድሕነኒ ክኸይድ ኣይደለኹን"። ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ቦታ ሲነማ ምስ በጻሕና ኣብቲ ስሌዳ ምልክታ ነበረ፥ ከምዚ ዝብል እቲ መደብ ናይ ሲነማ ሎሚ ተሰሪዙ ኣሎ ምክንያቱ ነታ ፊሊም ኣረኸብዋን፥ ንጎይታ ኣመስጊኖዮ ጸሎተይ ብዘደንቕ መሊስለይ። ነገር ግን ሽዑ ጎይታ ተዛሪቡኒ ከምዚ ኢሉ፥ "ሕጂ ሓጊዘካ ኣሎኹ ካልእ ግዜ ግን ባዕልኻ ኣይከውንን እዩ ክትብል ኣለካ" ። ካልእ ግዜ ግን ኣዕሩኽተይ መጺኦም በቲ ኣምላኽ ብትኣምራት ጸሎተይ ዝምለሰለይ ትብዓት ረኺበ፥"ኣይከውንን" ኢዩ ክብሎም፡ ብዘይ ገለ ጸገም ክኢለ።


ኣምላኽ ናብ ኣታኽልቲ ኤደን ምስ መጸ ንኣዳምን ሄዋንን ሓጢያቶም ምስ ተዛረቦም፥ ከምኡውን ንሰይጣን ከምዚ ብምባል ረጊምዎ፥ "ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ በሎ"(ዘፍጥረት.3:15።እዚ ኣብ መስቀል ጎይታና የሱስ ተፈጺሙ የሱስ ክርስቶስ ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ ኣብ መስቀል ክኣ ንሰይጣን ርእሱ ጨፍሊቕዎ፥ ሰይጣን ክኣ በቲ መስማር በእጋሩ ዝሓለፈ ገይሩ፡ ሸኾንኡ ነኺስዎ።

ዘፍጥረት 3 ሰይጣን ኣብ ሰባት ንዘልኣለም ከም ዘይመርሕ ተስፋ ብምሃብ ይውድእ። የሱስ መጺኡ ንሰይጣን ስዒርዎ እዩ፥ ሕጂ ንኹሉ ሰብ ካብ ሓይሊ ሰይጣን ክፈትሖም ይኽእል እዩ።

ሕጂ ሰይጣን ዝኾነ ነገር ኣብ ህይወትካ ሓይሊ ክገብር ኣየድልን እዩ፥ እቲ ሕልናኻ ተሪሩ ዝነበረ ከም ናይ ንእሽቱ ህጻናት ከብዲ እግሪ ከም እንደ ገና ዝስምዖ ኮይኑ እዩ። የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ ናይ ሰይጣን ሓይሊ ከም ዝስዓሮ እንተ ድኣ ኣሚንካ፥ የሱስ ዝሞተ ንሓጢያትካ ምሕረት ክገብረልካ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣንታይ ድኣ እንኮላይ ካብ ሓይሊ ሰይጣን ብብዙሕ ሕማቕ ልምድታት ባሪያ ገይርካ ዝነበረ ከናግፈካ እዩ ።

ስለዚ ዘክር ርእሲ ናይ ሰይጣን ብመድሓኒና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተጨፍለቐ።

ሃለሉያ!

Chapter 4
ስለ ምንታይ እዩ ኣምላኽ ንሰይጣን ዘይጥፍኦ

እንታይ እዩ ንሰብ ናብ ደረጃ እንስሳ ዘውርዶ፧

ሰብ ኣብ ድሌታት ሰብነቱን ኣብዚ ናይ ምድሪ ጻንሖቱ ጥራይ ኣድህቦ ክገብር ከሎ እዩ።እንታይ እዩ እንስሳ ኣድህቦ ዝገብረሉ ነገራት፧ እቲ ዚደሊዮ ኩሉ፥ መግቢ፡ ድቃስ፡ ዕጋበት ስጋዊ ርክብ እዩ። ሰብ ክኣ ኣብዞም ዝተጠቐሱ፥ መግቢ፡ ድቃስ፡ ዕጋበት ስጋዊ ርክብ ጥራይ ኣድህቦን ድሌትን ክገብር ከሎ ናብ ደረጃ እንስሳታት ወሪዱ ኣሎ ክንብል ንኽእል።

ግናኸ ኣምላኽ ንሰብ ከም እንስሳ ጥራይ ክኸውን ኣይኮነን ፈጢርዎ። ትምህርቲ ንሰብ ካብ እንስሳታት ጸብለል ከብሎ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ገለ እዋን ኣዚዮም ዝተምሃሩ ሰባት ከም ናይ እንስሳ ባህሪ የነጸባርቑ እዮም ።

ናትና ክፋል ዝኾነ ዋላ ካብ ኣእምሮና ዝዓሞቐ ኣሎ፥ መንፈስ ተባሂሉ ኽኣ ይጽዎዕ ።መንፈስና ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጥ ይገብረና።

ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ምስ ነጻ ፍቓድ እዩ ፈጢርዎ። ንሱ ንሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነትውን ህይብዎ እዩ።

ሰይጣን ከም መልኣኽ ምስ ተፈጠረ ንሱ ውን ናይ ምምራጽ ናጽነት ተዋሂብዎ እዩ። በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ከምዚ ክብል ዝኽኣለ፥ "ኣብ ልዕሊ ዙፋን ኣምላኽ ክወጽ እየ" ።


ብዙሓት ነገራት ኣሎው ኣምላኽ ብዘይ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዝፈጠሮም። ከዋኽብቲ፡ ፕላኔታት፡ ንኣብነት ፕላኔታት ኣብ ሶላር ሲይስተም ንኣሽሓት ዓመታት ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ ዓሚጾም ፍጹም ኣይፈልጡን እዮም።ስለ ምንታይ እዩ እዚ ክኸውን ዝኽኣለ፧ እቲ ምኽንያት ክኣ ናጽነት ናይ ምምራጽ የብሎሙን፥ ኮይኑ ግን እዚኦም ፕላኔታት ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።ሓደ ሰብ ውሉድ ኣምላኽ ክኸውን ብነጻ ፍቓድ ክፍጠር ኣሎዎ፥ ምሉእ ብምሉእ ብፍቓዱ እንታይ ከም ዝደሊ ክውስን።

ግናኸ ናጽነት ናይ ምምራጽ ሓደግኝነቱ ንገዛእ ርእስኻ ባህ ከተብልን ንትእዛዝ ኣምላኽ ከይትእዘዝን ክጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እንተ ኾነ ኣምላኽ እቲ ሓደጋ ክወስዶ ፈቒዱ፡ ምኽንያቱ ኽኣ እዙዛት ውሉዳት ስለ ዝደለየ፡ በዚ እዩ ኽኣ ንመደብ ኣምላኽ ሰይጣን ከም መፈጸሚ ዝኸውን ።

ኩሉ ዕግርግር፡ ሕንፍሽፍሽ፡ ሕማም፡ እከይ ኣብ ዓለም ዘሎ ውጺኢት ሰብ ንኣምላኽ ብዘይምእዛዙን፡ ንሰይጣን ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ብምስምዑን እዩ።


እሞ ከምዚ ኢሊና ክንሓትት ንኽእል፥ "እንተ ድኣ ሰይጣን ሱር ናይዚ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ሽግር ኮይኑ፡ ኣምላኽ ስለ ምንታይ ንሰይጣን ዘይጥፍኦ፧ "።

ግርም ተስፋ ይገብር ብውሑዱ ጥበብ ኣምላኽ ካብ ናትና ከም ዝዓቢ ንኣምን ንኸውን፡ ናትና ጥበብ ከም ንእሽተይ ኩባያ ማይ እዩ፥ ግናኸ ጥበብ ናይ ኣምላኽ ልክዕ ከም ውቅያኖስ እዩ።ርግጸኛታት ግን ክንከዉን ንኽእል ኢና እንተ ድኣ ኣምላኽ ሰይጣን ክህሉን ኣብ ምድሪ ውን ንጡፍ ክኸውን ፈቒዱ፡ ብጣዕሚ ጽቡቕ ዝኾነ ምኽንያት ክህሉ ኣሎዎ።

ብርግጽ ኣምላኽ ብዙሕ ነገራት ይፍጽም እዩ ብናይ ተግባራት ሰይጣን፡ በዚ ምኽንያት ክኣ ክህሉ ፈቒድሉ።

ሓደ ምኽንያት ኣምላኽ ንሰይጣን ብዙሕ ክፉኡን ዕንወትን ጉድኣትን ስቅያትን ኣብ ምድሪ ክገብር ዘፍቀደሉ ሰባት ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ክምለሱ እዩ።ትፍለጥዶ ህይወት ሰብ ኣብዛ ምድሪ ኣዚዩ ምቾት ዝመልኦ ሕማም ዘይብሉ፡ ስቅያት ዘይብሉ፡ ድኽነት ዘይብሉ፡ ሓዘን ዘይብሉ፡ እንተ ዝኸውን ነይሩ ዋላ ሓደ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝሓስብ ኣይምስተረኸበን፧

ኣምላኽ ዝፈቐዶ ዘበል ኩሉ ዕላማ ኣለዎ። ኣብ ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ንኣምላኽ ምስ ረስዕዎ፡ ድንገት ሽዑ ብመርዛማት ኣትማን ከም ዝተነኸሱ ነንብብ። ብቕጽበት ክኣ ናብ ኣምላኽ ተመሊሶም ኣምላኽ'ውን ፈዊስዎም። እቶም ኣትማን ኣብኡ ክህልዉ ናብ ኣምላኽ ክኣ ክመልስዎም ጽቡቕ ኣይመስለካን፧

ሓደ ነጋዳይ ሓደ እዎን ምስ ኣምላኽ ዝመላለስ ዝነበረ ታሪኽ ሰሚዔ ኣለኹ። ትካሉ ምስ በልጸገሉ ንኣምላኽ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት ተመሊሱ።ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ ሽማግለታት ንኽመልስዎ ፈቲኖም ተደጋጋሚ ተዛሪቦሞ እንተ ኾነ በቲ ንግዱ ኣዚዩ ተታሒዙን ተጸሚዱን እዩ ነበረ። ሓደ ምዓልቲ ካብቶም ስለሰተ ደቁ ሓደ ብመርዛም ተመን ተነኺሱ፡ እቲ ቆልዓ ኽኣ ብጹኑዕ ሓሚሙ ዋላ እቶም ሓካይም ተስፋ ቆሪጾም ሽዑ እቲ ኣቦ ተጨኒቑ ሓደ ካብቶም ሽማግለታት ቤተ ክርስትያን ንወዱ መጺኡ ክጽሌሉ መልእኽቲ ልኣኸ ።እቲ ሽማግለ ጥበብ ዝነበሮ እዩ ነይሩ መጺኡ ኽኣ ጸሊሉ ከምዚ ብምባል፥ "ጎይታ የመስግነካ፡ ነቲ ተመን ነዚ ቆልዓ ክነኽሶ ስለ ዝሰድድካዮ፥ እዞም ስድራ ብዛዕባኻ ክሓስቡ ፍጹም ክግብሮም ኣይክእልን ነይረ። ግናኸ ኣብ 6 ዓመታት ክፍጽሞ ዘይክኣልኩ እዚ ተመን ግን ኣብ ሓደ እዋን ፈጺምዎ!" ሕጂ ጎይታ ተማሂሮም እዮም፡ ጎይታ ንዝቖልዓ ፈውስ ውሕስነት ክኣ ሃበና፡ እዞም ስድራ ንዓኻ ክሓስቡ ከዘክሮም ፍጹም ካልኡት ኣትማን ከም ዘይድልዮም።

ገለ ሰባት ኣለዉ ክሳብ ሓደ ምዓልቲ ሃንደበት ብካንሰር ሕማም ናብ ሆስፒታል ክሳብ ዝውሰዱ፥ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይሓስቡን እዮም።ሽዑ፥ ኩሉ ሃንደበት ብዛዕባ ኣምላኽን ክሓስቡ ይጅምሩን ናብ ክርስቶስ መጺዮም ዳግም ይውለዱ። ዘይፍወስ ሕማም፥ ጥዕና ምስኣን፥ ድኽነትን ካልኡት ብዙሓት ክፉኣት ኣብዛ ዓለም ኩሎም እግዚኣብሄር ሰባት ካብ ሓጢያቶም ሪሒቖም ኣብ ዘልኣለማዊ ቤት ኣብ ሰማይ ክሕልፉ ይጥቀመሎም እዩ።እዚ ከመይ እግዚኣብሄር ነቲ ሰይጣን ዝገበሮ፡ ሰባት ካብቲ ከረው ኣቢሉ ሒዝዎም ዝነበረ ንምድሓን ንዘልኣለም ከድሕኖም ውን ዝጥቀመሉ እዩ።እምብኣርከስ እግዚኣብሄር ንሰይጣን ደጊሙ ደጋጊሙ በዚ ዓሻ ዝገብሮ።



ኣምላኽ ንዓና ኣመንቲ ንምጽራይ ውን ንሰይጣን ይጥቀመሉ እዩ

ናይ ሓዊ ኣብነት ኣብ ግምት ኣእትው፧ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሚሊዮናት ሰባት ብሓዊ ተቓጺሎም ከም ዝሞቱ ንፈልጥ ኢና። ኮይኑ ግን ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን ሓዊ ካብ ምጥቃም ደዉ ዘበለ። ምኽንያቱ ኽኣ ብሓዊ እዩ መግቢ ዝዳሎ፡ መካይን፡ ኣውሮፕላን ዝተፈላለየየ ማሽናትን ዝሰርሓ።ሓዊ ንወርቂ ንምጽራይ ውን ይጠቅም እዩ፡ ብኻልእ መንገዲ ክጸሪ ዘይክእል። ስለዚ ሓዊ ንብዙሕ ጠቕምቲ ነገራት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ወይዉን ብዛዕባ ኤለክትሪክ ሕሰብ ሚልዮናት ሰባት ኤለክትሪክ ተታሒዞም ሞይቶም። ኤለክትሪክ ብርግጽ ሓደገኛ እዩ። ኮይኑ ግን ኩሉና ንፈልጥ ኢና ንኣዚዮም ጠቕምቲ ጉዳያት ከገልግለና ንግበሮ ኢና።

ኣዳምን ሄዋንን ንጹሃት እዮም ነይሮም፡ ክፍጠሩ ከለዉ ቅዱሳት ክኾኑ እንተ ድኣ ኮይኖም ክመርጹ ነይርዎም። ምእንቲ ክመርጹ ክኣ ክፍተኑ ነይርዎም። ስለዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ሰይጣን መጺኡ ክፍትኖም ኣምላኽ ዝፈቐደ።

ሰይጣን ናብ ገነት ኤደን ንኸይኣቱ ኣምላኽ ክኽልክሎ ይኸብዶ ነይሩ ኢልካ ትሓስብዶ፧ ኣይፋሉን ብጭራሽ! ኮይኑ ግን ኣዳም ብዘይፈተና ቅዱስ ክኸውን ኣይክእልን ነይሩ፥ በደል ኣልቦ ኮይኑ ግን ንዘልኣለም ምስ ነበረ።


ኣብ ሞንጎ ቅድስናን ንጽህናን ዓቢ ፍልልይ እዩ ዘሎ። ንጽህና እቲ ኣብ ህጻናት እንሪኦ እዩ ።እንተ ድኣ ኣዳም ምስ ተፈጠረ እንታይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ደሊኻ ንህጻን ርኣዮ ብደል ኣልቦን ብዛዕባ ጽቡቕን ክፍኡን ክኣ ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን እዩ። ንእሽተይ ህጻን ንጹህ ክኸውን ይኽእል እዩ፥ ግናኸ ቅዱስ ኣይኮነን፡ ከምኡውን ፍጹም ኣይኮነን። ፍጹም ምእንቲ ክኸውን እቲ ቆልዓ ክዓብን ገል ምርጫታት ውን ክገብር ኣሎዎ፥ ንእከይ ብምእባይ ንኣምላኽ ብምምራጽን።

ንፈተናታት ኣብ ኣእምሮና ኢድና ምሃብ ክንኣቢ ከለና፡ በዚ ኽኣ ባህሪ ነጥሪ። ክሳብ እዚ ሕጂ ዘለኻዮ ብምኽንያት ኣብ ህይወትካ ብዝገብርካዮ ምርጫታት እዩ።

እንተ ድኣ ኣብ ከባቢኻ ሰባት ካባኻ ዝበለጹ እንተ ኾይኖም፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ህይወቶም ዝበለጸ ውሳኔታት ስለ ዝገበሩ እዩ፡ ካብቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ውሳኔታት። ኩሉና ምዓልታዊ ምርጫ ንገብር ኢና።እዞም እንውስኖም ምርጫታት ኣብ መወዳእታ እቲ እንኾኖ እዩ።

ሄዋን ኣብ ገነት ኤደን ምርጫ ገይራ እያ። በቶም ምርጫታት እቲ ልክዕ ዝበለቶ ከምዚ እዩ፥ "ካብ ካብቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞን ዝኸልከሎን ካብ ዝቑረን፡ ነጻ ክኸውን እየ ዝደሊ፥ ንድሌታት ሰብነተይ ባህ ከብልን ነቲ ሰይጣን ዝቐረበለይ ክቕበሎ እየ"።

ግናኸ ሄዋን ሓራ ኮይና ድያ፧ ኣይፋሉን! ሄዋን ባሪያ ሰይጣን እያ ኮይና።ንኣምላኽ ትእዛዛቱ ምእዛዝ ጥራይ እዩ ሓራ ዝገብረና።

ኣዳም ሄዋን ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ኣዚዩ ኣገዳሲ ውሳኔ እዮም ወሲዶም፥ እዚ ኽኣ ንኹሉ ዕድመ ዘመኖምን ደቀሞን ዝፈሪ ሳዕቤን እዩ።ኩሎም ውሳኔታት ሳዕቤን የፍርዩ እዮም፥ ሓድ ሓደ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኮይኑ ንደቅና ከይተረፈ ዝጎድእ ሳዕቤን እዩ። ኣብ ናይ ኣዳም ጉዳይ ንሱን ሰበይቱን ካብ ህላውነት እግዚኣብሄር ንዕድመ ዘመኖም እዮም ተባሪሮም።

እቶም ንኣሽቱ ውሳኔታት እትገብሮም ኣገደስቲ ከም ዘይኮኑ ወይ እዚ ሎሚ ትዘርኦ ዘሎኻ ንመጻኢ ፍጹም ኣዓጽዶን እየ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ኣምላኽ ክትፍተን ክትምርመርን ክፈቅድ እዩ። ነዚ ዕላማ ኽኣ እዩ ሰይጣን ነጻን ንጡፉን ክኸዉን ዝፈቐደ።

ካብ ብሉይ ኪዳን ካብ መጽሓፍ እዮብ ኣብነት ከርኤኩም ኣፍቁድለይ፥ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ሰይጣን ዝተገበረ ዝርርብ ነንብብ፥ በዚ ኽኣ ካብ ተመኩሮ እዮብ ገለ ነገር ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ስራሕ ክንማሃር ንኽእል።

ኣብ እዮብ.1:6 ከምዚ ነንብብ፥"ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ (መልኣኽቲ) መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ "ኣምላኽ ክኣ ንሰይጣን ካበይ ከም ዝመጸ ሓተቶ"።

ስማዕ ንመልሲ ሰይጣን፥ "ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካባይ መጺእካ በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊ- ሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ" (እዮብ.1:7) ትፈልጥዶ ኣብዛ ስዓት ሕጂ ሰይጣን ንጡፍ ከም ዘሎ፧

ብዙሓት ሰባት ሰይጣን ኣብ ሲኦል እዩ ዝነብር ዝብል ሓሳብ ኣሎዎም።እንተ ድኣ እዚ ሓቂ ኮይኑ ነይሩ፡ ኣብዛ ምድሪ ከሸግረና ኣይምኽኣለን ነይሩ። ግናኸ ሰይጣን ኣብ ሲኦል ኣይነብርን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ስለሰት ሰማያት ከም ዘሎ ይምህረና እቲ ቀዳማይ ሰማይ እቲ ጠፈር ኢልና እንጽውዖ እዩ፥ እቲ ሳልሳይ ሰማይ ቅጽበት ህላወ እግዚኣብሄር ዘሎዎ እዩ (2ቈሮ.12:2) ሰይጣን ካብቲ ቅጽበት ህላወ እግዚኣብሄር ምስ ተደርበየ ናብ ካልኣይ ሰማይ እዩ ተደርቢዩ (ኤፌ.6:12) ናብ ሲኦል ኣይኮነን። ካብዚ ካልኣይ ሰማይ ናብ ምድሪ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክመጽእ ናጽነት ኣሎዎ። በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ናብ ኣታኽልቲ ኤደን ክመጽእ ክኢሉ። ድማ በዚ ምኽንያት እዩ ሰይጣንን ናቱ መልኣኽቲ ኣጋንንቲን ዋላ ሎሚ ናብ ምድሪ ክምጽኡ ዝኽእሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ ይብል።ኩሉ ግዜ ኽኣ ንመንእሰያት ጌጋ ዝኾነ ምርጫ ክገብሩ ይፍትኖም። ኣብ ህይወቶም ክኣቱ በዚ ንጽህንኦምን፡ ቅንዕኖኦም፡ ጽኑዕ ሰነ ምግባሮምን ክዝርፎም ይደሊ። ከምኡውን ባህሪኦም ንምዕናው ኣብ መወዳእታ ኽኣ ምስኡ ናብቲ ዘልኣለማዊ ኩኔነ ክወሰዶም እዩ ድሌቱ።

በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ሰይጣን ኣብ ምድሪ ዝዘውር።

በዚውን ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ሰይጣን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይዕዘቦ ከም ዘሎ ።ካብ ግዜ ቁልዕነትካ ኣትሒዙ ይዕዘበካ እዩ ዘሎ፡ ኩሉ ግዜ ኽኣ ክፉእ ነገር ክትገብር ጌጋ ዝኾነ ምርጫታት ክትገብር ክፍትነካ እዩ ዝደሊ። በዚውን ኣብ መወዳእታ ከጥፍኣካ እዩ ሓሳቡ። ንሱ እዩ ሕሹኽ ዝብለካ ኣብ ግዜ ናይ ትምህርቲ ፈተና ከተዳናግር ክትቀድሕ፡ ቂም ኣንጻር ካልኡት ሰባት ክትሕዝ፡ ንወልድኻ መምሃራንካ ሓሶት ክትዛረብ፡ ናይ ካልኡት ንብረት ክትሰርቕ፡ ዘይንጹህ መጽሓፍቲ ከተንብብ ወ.ዘ.ተ።

ኣምላኽ ሽዑ ከምዚ ኢሉ ንሰይጣን ተዛሪብዎ፥ "ከም እዮብ ባሪያይ ኣብ ምድሪ የለን ኣበር ኣልቦን ጻድቕን ሰብኣይ እዩ" ብርግጽ ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ ኩሉ ይፈልጥ እዩ፥ እዮብ ቁጽሪ ሓደ ካብቶም ሰይጣን ከጥቅዖም ዝደሊ ስም ዝርዝር እዩ ነይሩ። ስለዚ ሰይጣን ከምዚ ኢሉ መሊሱ፥"ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣ- ብሄር መለሰሉ በሎ ውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ። ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ" (እዮብ.1:9-11)።

ኣብዚ ኣዚዩ ድንቂ ዝኾነ ነገር እንምሃሮ ኣሎ፥ ኣምላኽ ኣብ ዙርያ ደቁ ሰለሰት ሓጹር እዩ ዝገብር ኣብ ዙርያ ኣካላቶም፥ ኣብ ዙርያ ስድራቤቶም፥ ኣብ ዙርያ ትሕዝት- ኦም።

ዝተባረኸ ፍሉይ ሓለፋ እዩ፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ስለስተ ሓጹር ሞለኮታዊ ሓለዋ ዝሃበና ምሳሌ.18:10፥ "ስም እግዚኣብሄር ጹኑዕ ግንቢ እዩ ጻድቕ ሰብ ናብኡ ጎዩ ኽኣ ይዕቆብ፥ ኣብ ስም የሱስ ዓቢ ውሕስነት እዩ ዘሎ ።ሰይጣን ብዘይካ ስም የሱስ እቲ ኣብ መስቀል ዝስዓሮ ካልእ ስም ኣይፈርሕን እዩ።ህይወትና ንጎይታ ምስ ሃብና ንስም የሱስ ንሰይጣን ክንቋዎሞ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡

"ንድያብሎስ ተጻረርዎ ድማ ንሱ ካባኹም ክሃድም እዩ"።

ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተወሳኺ ኣምላኽ፡ ሰይጣን ከይዱ ንእዮብ፡ ስድርኡ፡ ንብረቱን ክወቅዕ ከም ዝፈቐደ ነንብብ ። ብኻልእ ቃላት፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዙርያ እዮብ ኣቕሚጥዎ ዝነበረ መከላኸሊ ሓጹር ኣብ ሓደ እዋን ቁሩብ ብምኽፋት ሰይጣን ውን ተፈቒዱሉ፡ በዚ ውን ኣትዩ ንእዮብ ምእንቲ ክፍትን ።ስለ ምንታይ እዩ ኣምላኽ እዚ ነገር ገይሩ፧ እቲ ምኽንያት ክኣ እዮብ ከም ወርቂ ምእንቲ ክጸሪ እዩ፥ "ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ይፈትነኒ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ"(እዮብ.23፡10)። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ፈተና ኽኣ እዮብ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ጸሪዩ፥ ትሑትን ናይ ኣምላኽ ሰብን ከም ዝኾነ ነንብብ።

በዚ ምኽንያት እዩ ኣምላኽ ክንፍተን ዝፍቀድ በዚ ፈተና ክኣ ንጹሃት፡ ትሑታት፡ ኣምላኻዊ ህይወት ዘሎና፡ ዝያዳ እነፍቅር፡ ዝያዳ ሕያወት፡ ዝያዳ ተደናገጽቲ፡ ምንካይ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ጽድቂ፡ ዝያዳ ንጎይታና የሱስ መሲልና ኢና እንወጽእ። ስለዚ ሰይጣን ንኣዚዩ ኣገዳሲ ዕላማ ንቶም ውሉድ ኣምላኽ ኣብ ምቅዳስ ከገልግል ከሎ ንርኢ።

*እዚ ኩሉ ብውሑዱ ክልተ ነገራት ይምህረና

መጀመሪያ ቅድሚ ኩሉ ሰይጣን ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ንቶም ውሉድ ኣምላኽ ፍጹም ንዋላ ሓደ ኣካሎም፡ ስድርኦም፡ ትሕዝትኦም ክትንክፎም ኣይክእልን እዩ።

ካልኣይ ክኣ ሰይጣን ክትንክፈና ወይ ክጎድኣና እንተ ድኣ ተፈቒድሉ፡ እቲ ዕላማ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ንክርስቶስ እናመሰልና ምእንቲ ክንከይድ፡ ዝያዳ ነጻ ካብ ግዝያዊ ነገራት ናይ'ዛ ምድርን፡ ዝያዳ ሰምያዊ ዝኾነ ኣእምሮ ምእንቲ ክህልወና እዩ።



ዋላ በቲ ሰይጣን ክትንክፈና ዝፍትን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጻር ሰምያዊ ኣቦና ምዃኑ፡ እዚ ኣይኮነን ድዩ ዓቢ ምጽንናዕ፧



ንኹሉኹም መንእሰያት እንተ ድኣ ህይወትኩም ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ሂብክሞ፡ ስለሰተ መከላኸሊ ሓጹር ኣብ ዙርያ ኣካልኩም፡ ስድራኹም፡ ንብረትኩም ኩሉ ግዜ ከም ዘለኩም ክነግረኩም ይደሊ። ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ሰይጣን ካብ እዞም ኣብ ዙሪያኹም ኣምላኽ ዘቐመጦ ሓጹር ጥሒሱ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።ኣብቲ ኣምላኽ ንሰይጣን ክሓልፍ ናባኻ ዝፍቐደሉ ግዜ ግን ንቡቕካ ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።



ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ዝኾነ ትምህርቲ ክህበና ከሎ ንርኢ ብዛዕባ ሰይጣን ስርሑን። ከፍርሓና ዘይኮነስ ንሰይጣን ክህሉ ዝፍቐደሉ እቲ ዕላማ ኣምላኽ ምእንቲ ክንፈልጥን ክንርኢን እዩ።




Chapter 5
ናይ ሰይጣን ብልሓታት

ከም መንእሰይ ንሰይጣን ከመይ ገይርካ ከም እትቃወሞ እንተ ዘይፈሊጥካ ኣብ ህይወትካ ኣብዛ ምድሪ ጥራይ ኣይኮነን ዘባላሹ፡ እንታይ ድኣ ዋላ ንናይ ዘልኣለም መገድኻ ይጎድኦ እዩ። ሰይጣን ክሳብ እቲ ዓቢ ኣይጽበየካን ቅድሜኡ ከጥቅዓካ እዩ ዝጅምር። ኣባኻ ዝጅምር ሕጂ እዩ። ስለዚ ገለ ካብ ብልሓቱ ክትፈልጥ ይግብኣካ።

ዝሕዝን ኮይኑ ግን ናይ ብዙሓት ሰባት ሓሳብ ብዛዕባ ሰይጣን ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነስ፡ ካብ መወዓውዒ ኣኒዳ ቴለቪዥን ዝመጽእ እዩ።ስለዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን ከም ዘይጓዳእ፡ ክፉእ መጋብር፡ ኣቕርንቲ ዘሎዎ፡ ኣጽፋሩ ነዊሕ፡ መሰኤ ዝሓዘ፡ ቀጠልያ ጭራ ዘሎዎ ዝሓስብዎ ።እንተ ኾነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦ ከምዚ ዓይነት ዝተሓብኤ ትርኢት የብሉን።ሰይጣን መንፈስ እዩ። ዓሻ ውን ኣይኮነን ብኸምዚ ዓይነት ትርኢት ክመጽእ፥ ንሰባት ውን ካብኡ ክሃድሙ ምእንቲ ክገብር። ከመይ ጌይሩ ድኣ እዩ ናብ ጥፍኣት ዝመርሖም፧


ሰይጣን ዝያዳ ከም መታለሊ ርእሰ ተኣማንነት እዩ። መጀመርያ ርእሰ ተኣማንነትካ ይወስድ፡ብድሕሪኡ የታልለካ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ከም መልኣኽ ብርሃን ኮይኑ ከም ዝመጽእ ከም ስሓቢ ኮይኑ ከም "መልኣኽ ብርሃን" ኮይኑ ስለ ዝመጽእ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፥ "እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል...." (ራእ.12:9) ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ሓደ ኣብነት ክህበኩም ኣፍቁዱለይ፥ "ካራተ" መብዛሕትኡ ሰብ ካራተ ማርሻል ኣርት ዓይነት ገዛእ ርእስኻ እትከላኸለሉ ሜላ እዩ ኢሎም ይሓስቡ፥ ኮይኑ ግን እዚ ክፋል ናይቲ ሓቂ ጥራይ እዩ። በቃ ልክዕ ከም ዮጋ(Yoga) ኣካላዊ ምልምማድ ጥራይ መሲሉ ከም ዝርኣይ። ግናኸ ንጽሓይ ንኸምልኹ ይምህር እዩ፥ ልክዕ ብኸምዚ መንገዲ ካራተ ውን ኣጋንንታዊ ሓይሊ ብድሕሪኡ ኣለዎ። ናይ ካራተ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ኣጋጢሞምኒ ኣለው። እንተ ኾነ ከም ጉድኣት ዘይብጽሑ ልኡኻት ኮይኖም ከም ርእሰ ምክልኻል ገይሮም ገዛእ ርእሶም የቕርቡ።

ሰይጣን ብስሓብን ተብሃግን መገዲ እዩ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ናብ ሄዋን ዝመጸ። ዘይቅረብ ኮይኑ ንሄዋን መጺዋ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ካብኡ ምስ ሃደመት ነይራ።

ኣስተዉዕል እዚ ሓቂ ኣብ ክልቲኡ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ብመግለጺ ሰይጣን ሰባት ክፍትን ከሎ እዩ ዝጅምር። ኣብ ብሉይ ኪዳን ብፈተና ኣዳምን ሄዋንን (ዘፍ.3)፥ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክኣ ፈተና ናይ የሱስ (ማቴ.4) መጽሓፍ ቅዱስ ንሜላታት ሰይጣን ክንፈልጦ ይነግረና እዩ። እዚ ኽኣ ኣገዳስነቱ እዩ ዘርኤና ።

ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብቲ ግዜ ፈተና ምስ ሰይጣን ፊት ንፊት ዝገጠምዎ መገዲ እንተ ድኣ ናቶም ኣብነት ስዒብና ብርግጽ ክንወድቕ ኢና ። እንተ ኾነ ናይ የሱስ ኣብነት እንተ ስዒብና፡ እቲ መገዲ ንሰይጣን ዝተጻረረሉ ስዓርቲ ክንክውን ኢና።

ጎይታ የሱስ ድሕሪ ብማይ ምጥማቑን ብመንፈስ ቅዱስ ምቕብኡን ዋላ ቅድሚ ኣገልግሎት ምጅማሩ፡ ብቕጽበት እቲ ናይ መጀመሪያ እነንብቦ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብ በረኻ ብሰይጣን ክፍተን እዩ (ሉቃ.4:1)።

ብርግጽ ብሓቂ ዘገርም እዩ መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ብሰይጣን ክፍተን ዝመርሖ። ሓደ ሰብ ምናልባት መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ዝመርሖም ናብ በረኽቲ እምባታት ራኢን ምግላጽ ናይ ኣምላኽን ሰማይን ምእንቲ ክረኽብ ጥራይ እዩ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል ይኸውን!!! እወ፡ ናብ ከምዚ ዓይነት ቦታታት ይምርሓና እዩ። ግናኸ ከምኡውን ናብ ገለ ቦታታት ብሰይጣን ክንፍተን ውን ይወሰደና እዩ።


ተስፋ ይገብር ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ንዓና ጎዳኢ ናብ ዝኾነ ቦታት ከም ዘይመርሓና ተረዲእኩሞ። ስለዚ ካብዛ ሓንቲ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፈተና ንዓና ጠቓሚ ክኸውን ከም ኣሎዎ ክንርዳእ ንኽእል።እንተ ዘይከውን ነይሩ መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ብሰይጣን ንኽፍተን ኣይምስመርሖን ነይሩ። ከምኡውን ንዓና ብሰይጣን ክንፍተን ኣይመርሓናን እዩ ማለት እዩ። ኣምላኽ ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ። ግናኸ ንሱ ብሰይጣን ክንፍተን ይፈቅድ እዩ።

*ኣስተውዕል ናይ ሰይጣን ፈተናታት ዝመጻሉ ግዜ

ሰይጣን ናብ የሱስ ዝመጻሉ ድሕሪ 40 ምዓልትን ለይትን ምስ ጾመ እዩ። እዚ ኽኣ ጠሚዩ ከሎ ማለት እዩ። ኣካላዊ ድኻም ክህልዎና ከሎ ወይ ክኣ ኣእምራውን ስምዒታዊ ጸቕጢ ኣብ ህይወትና ከጋጥመና ከሎ፡ ሰይጣን ኣብዚ ግዜ ከጥቅዓና ይፍትን።


ካልኣይ፥ እነስተውዕሎ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኤን ካብ ሰማይ ውን መረጋገጺ ድምጺ ምስ ሰምዔ ሰይጣን ናብ የሱስ ክመጽ ከሎ እዩ።ንዓና'ውን ኣምላኽ ብዙሕ ምስ ባረኸና ኣብዚ ግዜ ሰይጣን ናባና'ውን ይመጽእ እዩ።

ስለዚ ንቑሓት ንኹን ንናይ ሰይጣን ሜላታት። ድሕሪ ኣምላኽ ብዙሕ ምስ ባረኸና ሰይጣን ናባና ይመጽእ እዩ፥ዕቡያት ክንከውን ክፍትነና ወይ ኣብ ፈተና ምስ ወደቕና ወይ ምስ ሓመምና ኣካልና ምስ ማህመነን፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ሰይጣን ተስፋ ከቕሩጸናን በዚውን ናብ ሓጢያት ምእንቲ ክመርሓና ናባና ይመጽእ እዩ።

ኣቐዲምና ናይ ሰይጣን ውዲትን ተንኮልን ምእንቲ ክንፈልጦ ቃል ኣምላኽ ተዋሂብና እዩ።ቃል ኣምላኽ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ከም ዝቐርበና፡ ኣበየናይ እዋን ኩሉ ግዜ ከም ዝመጽን፡ እንታይ ዓይነት መተሃራረፊ ከም ዝቕርበልና፡ ካልኡት ሰባት ከመይ ገይሮም ብሰይጣን ከም ዝተታለሉን ከምኡውን የሱስ ከመይ ገይሩ ስዒሩ የርኤና እዩ።

*እንታይ እዩ መስመራት ናይ ሰይጣን ናባና ዝቐርበሉ


መጀመሪያ ቅድሚ ኩሉ ንየሱስ ብናይ ድሌታት ሰብነቱ ክፍትኖ ከሎ ንርኢ።ሰይጣን ከምዚ ክብል ሓሳብ ኣቕሪብሉ "እንተ ድኣ ወዲ ኣምላኽ ኮይንካ፡ ነዚ ኣእማን እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ"።

ንዓና ውን ብኸምዚ መገዲ እዩ ዝመጻና ንዝተፈቐደ ኣካላዊ ድሌታት ብዘይ ተፈቐደ መገዲ ንኽንዓግብ ይፍትነና።ኮይኑ ግን የሱስ ንቑሕ እዩ ነይሩ፥ ከምዚ ኢሉ ውን መሊሱ "ጽሑፉ እዩ...."።

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ ሰይጣን ናብ ሄዋን ምስ መጸ ንናይ እግዚኣብሄር ቃል እዩ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝእተዎ "ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ድዩ....፧ "

ሰይጣን ኣብ ዓለም ብምሉእ ልቡ ዝጸልኦ ሓደ መጽሓፍ ጥራይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ንሱ ኽኣ ናይ እግዚኣብሄር ቃል መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።ስለ ምንታይ እዩ'ኸ ዝጸልኦ፧ ምኽንያቱ ከመይ ኢሉ ሰይጣን ከም ዝኾነ ስለ ዝገልጽ እዩ።ኩሉ ውዲቱን ተንኮሉን ሰለ ዘቃልዖ፡ ካብ ኩሉ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኽኣ ኣብ መስቀል ስዕረቱ፥ ከምኡውን ናይ መወዳእታ ፍርዱ ክርስቶስ ዳግም ምስ መጸ ይነግረና።

ሰለዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸልኦ፥ ሰባት ከየንብብዎን ክኽልክሎም ዝተኽኣሎ ይገብር። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተንብብ፡ ልብ ወለዳትን ወይ ዋዛ ዘለዎም መጽሓፍ ከተንብብ ከፍቅደልካ ይመርጽ ። ምኽንያቱ ኽኣ እቶም ልበ ወለዳትን ዋዛ ዘለዎም መጽሓፍቲ ንዕኡ ክትስዕሮ ከም ዘይሕጉዝኻ ይፈልጥ እዩ።ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ይኽእል እዩ።

የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ልክዕ ከማና ሰብ ኮይኑ እዩ መጺኡ፥ ከም ዝኸማና ብኹሉ ነገር ተፈቲኑ እዩ (እብ.2:17) (እብ.4:15)።ስለ ምንታይ እዩ ግን፧ ምእንቲ ንዓና ኣብነት ክኾነና ኢሉ እዩ።ስለዚ'ዩ ከምዚ ክብለና ዝኽኣለ፥ "ስዓበኒ፡ ናተይ ኣብነት ስዓብ"

ኣብዚ እንታይ ኣብነት ኢና ክንስዕቦ እንኽእል፧ ሰይጣን ክፍትነና ከሎ ቃል ኣምላኽ ክንጠቕሰሉ ኣሎና። የሱስ ብዛዕባ እዚ ነገራት ምስ ሰይጣን ኣብ ምዝርራብ ኣይኣተወን፡ ከምቲ ሄዋን ዝገበረቶ ። ክሓስብ'ውን ምኽንያት ኣይገበረን ንሰብነቱ መግቢ የድልዮዶ ወይ መግቢ ጽቡቕ ድዩ ወይ ኣድላይ ድዩ ወ.ዘ.ተ። ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዝበሎ ጥራይ እዩ ዝሓስብን ዝግደስን ነይሩ። ስለዚ ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ ክነግረኩም ይደሊ በዚ ሓደ መምሪሒ ህይወትኩም እንተ መሪሕኩም ከምዚ ዝብል፥ "ኣምላኽ ኣብ ቃል እንታይ ኢሉ፧ ንሱ ጥራይ እዩ ናተይ ናይ መወዳእታ ብዓል ስልጣን" ሽዑ ንሰይጣን ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ኩሉ ግዜ ክትስዕሮ ኢኻ። ብሓቂ የሱስ ኣብ ኩሉ ሰለስቲኡ ፈተናታት ንሰይጣን ቃል ኣምላኽ እዩ ጠቒሱሉ።


እምብኣር ኣብዚ ኣብ ሞንጎ ሄዋንን የሱስን ንጽጽር ንርኢ። ናይ የሱስ ኣረኣእያ፥ "ቃል ኣምላኽ ንነፍሰይ ኣዝዩ ብዙሕ ጠቓሚ ካብ መግቢ ንስጋይ ዝያዳ እዩ ።ወይ ብኻልእ ቃላት "ኣድላይነት ናይ መግቢ ከም ኣድላይነት ቃል ኣምላኽ ምንባብ ምርዳእን ምእዛዝን ማዕረ ጠቓሚ ኣይኮነን"። እቲ የሱስ ካብ ብሉይ ኪዳን ዝተጠቐሰ ትርጉም እዚ እዩ፥ "ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ድኣ እምበር ብእንጀራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ"።

ተረዲኢኩምዶ እዚ ነገር መንእሰያት ኣዕሩኽተይ፧ እቲ ናይ መጀመሪያ መምሪሒ ንሰይጣን ክንስዕረሉ እንኽእል ቃል ኣምላኽ ካብ ኩሉ ድሌታት ሰብነትና ጥሜት ንመግቢ ድዩ ወይ ጾታዊ ርክብ ንላዕሊ ኣገዳሲ ጠቓምን ከም ዝኾነ ምፍላጥ እዩ። ከምዚ ዓይነት መርገጺ ብዓንተውኡ ካብ መጀምርያ እንተ ዘይወሲድካ ብድሕሪኡ ኣብኡ፡ ብርግጽ ክትታለል ኢኻ ።
ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ሰይጣን ከምዚ ኢሉ ክነግረካ ካብ ምንባብ ቃል ኣምላኽ ኣብ ነንምዓልቲ ንላዕሊ መግቢ ምብላዕ ኣዚዩ ይጠቅም ኢሉ። ብዙሓት ኣመንቲ ክኣ ኣለዎ ሰይጣን ዝብሎ ዝኣምኑ ።እቲ ሰይጣን ዝብሎ ከም ዝኣምንዎ መረጋገጺ ኽኣ ይርኤ እዩ። ኣብቲ ሓቂ፡ መግቦም ክበልዑ ግዜ ኣይስእኑን እዮም ዋላ ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ምዓልቲ። ግናኸ ኩሉ ግዜ ቃል ኣምላኽ ከስተንትኑ ግዜ የብሎምን ወይ ይርስዕዎ።

ብምትላል ኣመንቲ ድኹማት ከም ዝኾኑን ብምግባር ነዚ ዝዓየየ፡ ዝገበረ መን እዩ፧ ብዘይምጥርጣር ሰይጣን ገዛእ ርእሱ እዩ።እንታይ ኣብነት እዩ ዘሎና ካብ የሱስ፡ ዋላ'ኳ ንኣርብዓ ምዓልቲ እንተ ጾሞ፡ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቃል ንምስማዕ ኣዚዩ ጠቓምን ኣገዳስን ምዃኑ ተሰሚዕዎ እዩ፡ ካብ ምዕጋብ ድሌታ ሰብነቱ ንላዕሊ።

እቶም ንናይ እግዚኣብሄር ቃል ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዝህብዎ፡ ቀጻሊ ብዕውት ህይወት ክነብሩ እዮም። ሃዋርያ ዮውሃንስ ንኣጉባዝ ከምዚ ኢሉ ጺሒፉ ኣሎ፡ "......ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ"(1ዮው.2:14)ብኻልእ መገዲ ንሰይጣን ክትስዕሮ ዘይክኣል እዩ። ኩሉኹም ቃል ኣምላኽ ከተንቡቡን ከተስተንትኑን ኣብ ህይወትኩም ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ ከተባባዓኩም ክኣ ይደሊ ።

*ሕጂ ኽኣ ነቲ ካልኣይ ፈተና የሱስ ንርኤ

ኣብዚ ሰይጣን ንየሱስ ካብ ላዕሊ ቤት መቕደስ ንታሕቲ ክዘልልን ንሓለዋ ኽኣ ተስፋ ኣምላኽ ክዛረብን ፈቲንዎ።እዚ ፈተን ሓደ ዘደንቕ ነገር ክትገብርን ከይተጎድኤ ብምትንሳእ ኣብ ታሕቲ ቀጽሪ ቤተ መቕደስ ዘለዎ ሰባት ካብኦም ንኣዳ ንምርካብን እዩ። እቲ ሰይጣን ንየሱስ ዘቕረበሉ ሓሳብ ብሓቂ ውዲት እዩ ነይሩ። ነብሰ ቕትለት ምእንቲ ክፍጽም እዩ ነይሩ ውጥኑ።

ሰይጣን ኩሉ ግዜ ሓደ ዘደንቕ ነገር ክትገብር በዚ ምኽንያት ክኣ ዓቢይ መሲልካ ክትርኤ፡ በዚ ነገር ይፍትነካ እዩ።ኣስተውዕል ሰይጣን ዋላ ቃል ኣምላኽ ንየሱስ ጠቒሱሉ እዩ ከምዚ ብምባል፥ "መልኣኽቲ ምእንቲ ከይትወድቕ በእዳዎም ክጾርኻ እዮም"።

ዘክር፥ ሰይጣን ናብ ጥፍኣት ክመርሓካ ብቕኑዕ ዘይኮነ መገዲ ቃል ኣምላኽ ክጠቕሰልካ ይኽእል እዩ። እንተ ድኣ ቃል ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ ከም ዝምህር እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ከታልለካ እዩ።

"ገለ ዘደንቕ ነገር ብስም የሱስ ግበር" ብምባል ሰይጣን ሓሳብ የቕርብ እዩ። ብዙሓት ኣመንቲ ብምኽንያት ዝገብርዎ ናይ ዕሽነት ነገራት፡ ክርስትና ሕማቕ ስም ይረክብ እዩ። ቃል ኣምላኽ እናጠቐሱ ንኣምላኽ ድማ ይፍትንዎ።

ንኣብነት ኣመንቲ ኣለዉ ምስ ሓመሙ መድሃኒት ዘይወስዱ። እዚ እምነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት የብሉን፥ ግናኸ ንኣምላኽ ይኣምኑ ከም ዘለዉ ይሓስቡ። እዚ ልክዕ ካብ ናሕሲ ቤተ መቕደስ ንታሕቲ ከም ምዝላል ማለት እዩ።ልዕለ ተፈጥሮ ብዝኾነ ናይ መልኣኽቲ ትጽቢት ብምግባር፥ ኣብ መወዳእት ኽኣ ብሕማም ይሞቱ። በዚ ድማ ስም የሱስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ይሓስር።ሃይማኖት ክርስትና ዕሽነትን ኣኽራርን እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዝሕዙ ይኾኑ። ሰይጣን በዚ ነገር ኮፍ ኢሉ ኽኣ ይስሕቕ። ምኽንያቱ ንሓደ ኣማኒ ዝያዳ ሓባቢሉ ርእሰ ቕትለት ክፍጽም ስለ ዝገብሮ፡ መርዚ ብምውሳድ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ነቲ ኣብ ኣካሉ ዘሎ መርዚ ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ኢሉ ዝፈጠሮ መድሃኒት ገይሩ ስለ ዘይተቓለሶ። ብዙሓት ውልድ ኣምላኽ ንመግስቲ ኣምላኽ ጠቐምቲ ዓየይቲ ምስ ኮኑ ነይሮም፥ በዚ መገዲ ሰይጣን ተሓባቢሎም ናብ ሞት ዝበጽሑ።

ሰይጣን ንሰባት ዕሽነት ዝኾነ ነገር ክሰርሑ ኩሉ ግዜ ይፍትኖም እዩ። ሓደ ዘደንቕ ነገር ኮይኑ ግን ምስ መንፈስን ምህሮ ቃል ኣምላኽ ዝጻረር፥ ብትሕትና ትሕት ኢላን ንኣምላኽ ተገዚእና ዝኾነ ክብሪ ገዛእ ርእስና ከይደለና ኢና ንሰይጣን እንስዕሮ።


ሰይጣን ንየሱስ ቃል ኣምላኽ ምስ ጠቐሰሉ የሱስ ካልእ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ እዩ መሊሱሉ። ከምዚ ኽኣ ኢልዎ፥ "ጽሑፍ እዩ ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ" ዕሽነት ነገርታ ብምስራሕ ካብ ኣምላኽ ሓለዎ ምጽባይ ውጽኢት ናይ ዕሽነት ስራሕ እዩ።

*ሕጂ ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ፈተና

ኣብዚ ሰይጣን ዝመጻሉ በቲ ኩሉ ግዜ ዝብህጎ እዩ። ንሱ ኽኣ፥ "ስግደት"። ንየሱስ ድማ ከምዚ ኢልዎ፥ "ተደፊእካ እንተ ሰጊድካለይ፡ ኩሉ ክብሪ ናይ ዓለም ክህበካ እየ"።

ክብሪ ናይ ዓለም ኣዚዩ ዓቢይ ፈተና እዩ፡ ንኹሉ ከም ገንዘብ፡ ህቡቡነት፡ ክብሪ፡ ስልጣን ኣብ ቦታ ስራሕ ወ.ዘ.ተ። ሰይጣን ክኣ ከምዚ ኢሉ፡ ካብ እዚኦም ክብሪ ናይ ዓለም ኣየናይ ኢኻ እትደሊ፧ ንገረኒ ኣነ ክህበካ እየ፡ ጥራይ ንእሽተይ ስገደለይ ኩሉ ክህበካ እየ፧

ንሱ ከምዚ ክብል እዩ፥ "ኣብ ፈተና ክትሓልፍ ትደሊዶ፧ ኣብ ክፍልኻ ቀዳማይ ክትወጽእ ትደሊዶ፧ ኣነ ክህበካ እየ፡ በቃ ንዓይ ጥራይ ስገደለይ።ብላዕ ከፊልካ ነቲ ናይ ፈተና ወረቐት ኣቐዲምካ ርኸቦ።ነቲ ኣብ ፈተና ዝሕሉ ግቦ ከፊልካ ገለ ነጥብታት ርኸብ ኣብ ፈተና ቅዳሕ…...ወ.ዘ.ተ።

ሎሚ እዚኦም እዩም እቶም መገድታት ሰባት ንሰይጣን ዝሰግድሉ ዘለዉ።

መንእሰያት ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ተንኮልን ውዲትን ክፈልጥዎ ጠቓሚ ድዩ፧ ብርግጽ፡ ኣብ ፈተና ክትቀድሕ ከለኻ ንሰይጣን ትሰግድ ከም ዘለኻ ክትፈልጦ ይግባእ። ኣብ ኣእምሮኻ ከምዚ ብምባል፥ "ሰይጣን መምሪሕታትካ ክእዘዝ እየ፡ ንእሽተይ ወረቐት ጽሑፍ ዘለዎ ኣብ ጁባይ ብምቕማጥ፡ ናብቲ ናይ መፈተኒ ቦታ ክኣቱ እየ"።

ሎሚ ዚያዳ ብዙሓት ውሕልላት መገድታት ናይ ምትላል መንእሰያት ዝረኸብዎም ኣለዉ- ሰይጣን ኣዚዩ በሊሕ እዩ'ሞ፡ ስለ ዝኾነ ኩሉ ተንኮላቱ ነቶም ንኸታልሉ ዚደልዩ ይቕርብ እዩ።

ሰይጣን ንየሱስ ክብሪ ዓለም ክህቦ ካብ ቀረበሉ ንዓኻ ውን ከም ዝቕርበልካ ኣይትሓስብንዶ፧ ምስ ዓበኻ ሰይጣን ክነግረካ፡ ክንደይ ድንቂ ዝኾኑ ነገራት በዚኦም ክኣ ክቕርበልካ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣለዎ ናይ ሓሶት ሰነድ ዝፍርሙ። ኣብ ንገንዘብ ዝምልከት ክኣ ብዘይ ጽድቂ ይለማመዱን ኣብ ቅኑዕ ዘይኮነ ነገር ይሳተፉ፡ ቁሩብ ገንዘብ ተፈላጥነት ክረኽቡ ወይውን ኣብ ዓለም ዝልዓለ ናይ ስልጣን ቦታ ክረኽቡ ኢሎም።


ሰይጣን ቀጻሊ ንሰባት ከምዚ ክብል እዩ ዝነግሮም፥ "ዚደለኻዮ ነገር ንገረኒ፧ ኣነ ኽኣ ክህበካ እዩ። ንኸምዚ ዓይነት ፈተና፡ የሱስ ሓደ መልሲ ጥራይ እዩ ነይርዎ ከምዚ ኽኣ ኢሉ፥ "ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ ንዕኡ ጥራይ በይኑ ድማ ተገዛእ ጹሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ርሓቕ ሰይጣን በሎ"።

እንታይ ድንቂ ዝኾነ ነገር እዩ ዘሎና፡ ቃል ኣምላኽ ኣሎና ብዛዕባ ተንኮላት ሰይጣን ዘጠንቅቐና። ንስኹም ኣጉባዝ እዚ ኣብ ንኡስ ዕድሜኹም ክትማሃርዎ እትኽእሉ፡ ከመይ ዝበለ በረኸት እዩ።

ሓደ ነገር ንኽትረክብ ካብዚ ዓለም እንተ ተፈቲንካ እሞ ነቲ ነገር ክትረኽቦ ናይ ባህሪ መስዎእቲ ክትገብር ከም ዘሎካ እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧ የሱስ እንታይ ከም ዝበሎ ንሰይጣን ዘክር። ንሰይጣን ውን ከምቲ የሱስ ዝበሎ ክትነግሮ ኣብነት የሱስውን ክትስዕብ ኢኻ።

ሰይጣን ከምዚ ክብል ክፍትነካ ከሎ፥ "ጻድቕ ክትከውን የብልካን ኣብዚ ነገር ሓቂ ጥራይ ክትዛረብ የብሎካን ንእሽተይ ሓሶት ተዛረብ፥ ገለ ነገር ውን ካብዛ ዓለም ክትረክብ ኢኻ፥ ከምዚ ኢልካ ክትምልሰሉ ተባዕ ኩን፥ "ኪድ ርሓቕ ሰይጣን ኣይሰምዓካን እየ፡ ጹሑፍ እዩ ድንን ኢለ ንታሕቲ ንኣምላኽ ጥራይ ክሰግድ ንየሱስ ክስዕቦ እየ"።


ሰይጣን ካብታ ዝተፈጠረላ ግዜ ኣትሒዙ ካልኡት ክሰግድሉ ኩሉ ግዜ ምስ ደለየ እዩ። ስለዚ እዩ ኽኣ ኣምላኽ ክኽውን ዝደለየ ምኽንያቱ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝስገደሉ ስለ ዝፈለጠ። ካልኡት መልኣኽቲ ክሰግዱሉ ደልዩ ።ዘርኢ ኣዳም ውን ክሰግድሉ ደልዩ እቲ ዘገርም ክኣ፡ ዋላ የሱስ ከይተረፈ ክሰግደሉ ደልዩ!

ምስ የሱስ ግን ክዕወት ኣይክኣለን ። ግናኸ ንብዙሓት ሰባት ተዓዊትሎም እዩ። ብሓቂ ሎሚ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለምና ዋላ ምስ ብዙሓት ኣመንቲ ንገለ ምድራዊ ረብሓ ንርእሶም ክረኽቡ ኢሎም ንእምነትን ርዲኢቶምን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይእትዉ እዮም።

እዞም ብዙሓት ሚሊዮናት ሰባት ሎሚ ንሰይጣን ድንን ብምባል ይሰግድሉ ኣለዉ።ንሓጢያት ኢዶም ክህቡ ከለ ውን ኣንጻር ሕልንኦም ክኽዱ ከለውን ብሓቂ ኣይተረድኦምን፡ ንሰይጣን ይሰግድሉ እዮም ዘለዉ። እዚ ግን ስለ ምንታይ እዩ ዝገብርዎ፧ ምእንቲ ገለ ነገር ካብ ዓለም ክብሪ ክረክቡ ኢሎም እዮም።


ምቅናዕ ተፈላጥነት ወይ ስልጣን፡ ምናልባት ውን ምቅናዕ ኣብ ፈተና ወይ ተፈላጥነት ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ ዝኾነ ናይ ቦታ ስልጣን ኣብ ዓለም ክትደሊ ከለኻ፡ ሰይጣን መጺኡ ከምዚ ክብለካ እዩ፥"ክህበካ እየ እዚ ግበር፡ እቲ ግበር፡ ከይድካ ከምዚ በል፡ ከይድካ እቲ ግበር..."። ኩሉ ሓሳብ ዝህበካ ጌጋ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ፥ ግናኸ ከይድካ ነቲ ነገር ትገብሮ፡ እዚ ተንበርኪኽካ ንሰይጣን ምስጋድ እዩ ። ከምዚ ነገር እናገብርካ ንርእስኻ ክርስትያን ኢልካ ክትጽውዕ ትሓስብዶ፧ ብርግጽ ኣይፋሉን ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተምበርኪኽና ሰጊድና እንተ ኾይና፡ እንታይ ድኣ ኢና ክንገብር ዘሎና ሕጂ፧ ኩሎም እቶም ዝገበርናሉ ኣጋጣሚታት ክንሳሕ ይግባእ። ዘታለልናዮ ወይ ብጌጋ ዝወስድናዮ ክንመልሶ ኣሎና፡ ንየሱስ በደልና ክሓድገልናን ከጽሬና ንሕተቶ። ሰይጣን ኣባና ሓይሊ ዘሎዎ ኮይኑ ምእንቲ ከይቅጽል፡ እዚ ብዘይ ገለ ምዱንጋይ ንግበሮ።


Chapter 6
ስዕረት ሰይጣን

ሕጂ ብዛዕባ ስዕረት ሰይጣን ሓደ ነገር ከካፍለኩም ይደሊ።

እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ውግእ ፍጹም ኣብዛ ምድሪ ኮይኑ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍቲ ዓለም ኣይተጽሓፈን ።እዚ ውግእ ክኣ ኣብ መስቀል እዩ ነይሩ። የሱስ ብሞቱ ነቲ ገዛኢ እዛ ዓለም ሰይጣን ስዒርዎ።

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ክትርስዓ ዘይግባእ ሓንቲ ጥቕሲ ኣላ ንሳ ኽኣ እብራውያን 2:14-16። ርግጸኛ እየ ሰይጣን እዛ ጥቕሲ ክትፈልጣ ኣይደልን እዩ ። ማንም ብዛዕባ ስዕረቱን ውድቀቱ ክሰምዕ ኣይፈቱን እዩ፥ ሰይጣን ውን ከምኡ። እታ ጥቕሲ ከምዚ እያ ትብል፥

"እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም" (እብ.2:14-16) ።

የሱስ ምስ ሞተ ንሰይጣን ሓይሊ ኣልቦ እዩ ገይርዎ።ስለ ምንታይ፥ ካብ ሰይጣን ንኩሉ ግዜ ኣብ ህይወትና ዘመን ዘቕመጠላን ማእሰርቲ ፍርሒ ሓራ ምእንቲ ክንከውን እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ፍርሒ ኣሎ፡ ሰባት ኣብዛ ዓለም ዘለዎም ፍርሒ ሕማም፡ ፍርሒ ናይ ድኽነት፡ ፍርሒ ናይ ውድቀት፡ፍርሒ ናይ ሰባት፡ ፍርሒ ናይ መጻኢ ወ.ዘ.ተ እንተ ኾነ እቲ ልዕሊ ክሉ ዝዓበየ ፍርሒ ግን ሞት እዩ ። ነፍሲ ወከፍ ፍርሒ ካብ ናይ ሞት ፍርሒ ዝንኣሰ እዩ።

ናይ ሞት ፍርሒ ድሕሪ ሞት እንታይ ክኸውን እዩ ይመ- ርሕ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዚዩ ብንጹር መገዲ፡ እቶም ኣብ ሓጢያት ዝነበሩ ኣብ መወዳእታ ናብ ሲኦል ከም ዝኸዱ ይምህር። እዚ ቦታ ኣምላኽ ነቶም ዘይተንሱሑ እዩ ሓዚእዎ። ሰይጣን ውን ንዘልኣለም ኣብ ቀላይ ሓዊ ምስ እቶም ዘታለሎምን ኣብዛ ምድሪ ናብ ሓጢያት ዝመርሖምን እዩ ክሕልፎ።

የሱስ ካብ ናይ ዘልኣለም ሲኣል ከድሕነና እዩ፡ ናብ ምድሪ መጺኡ።ናይ ሓጢያትና መቕጻዕቲ ብምውሳድን ከምኡውን ናይ ሰይጣን ሓይሊ ኣብ ህይወትና ኣዕኒዎ። በዚ ኽኣ ፍጹም እንደ ገና ክጎድኣና ኣይክእልን እዩ።


እዚ ሓደ ሓቂ ዘመን ህይወትኩም ክትዝክርዎ ይደሊ፡

"ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ኣንጻር ሰይጣን ኣብ ጎንኻ ክኸውን እዩ"።

እዚ ክብሪ ዝመልኦ ሓቂ ብዙሕ ምጽንናዕ፡ ምትብባዕ፡ ዓወት ኣብ ህይወተይ ኣምጽኢለይ እዩ።ኣብ ኩሉ ቦታ ከይደ ንኹሉ ኣማኒ ኣብ ዓለም ዘሎ እዚ ክነግር ይመነ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥"ንኣምላኽ ተገዝእዎ ንሰይጣን ክኣ ተጻረርዎ ንሱ ኽኣ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ" (ያዕቆብ. 4:7)። ስም የሱስ ሰይጣን ኩሉ ግዜ ዝሃድመሉ ስም እዩ።


ኣብ ኣእምሮ መብዛሕትኦም ዘሎ ስእሊ ሰይጣን፡ ክጎዮምን ንሶም ህይወቶም ምእንቲ ከድሕኑ ካብኡ ክሃድሙን እዩ። ግናኸ እዚ ምስ'ቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ልክዕ ብተቓራኒ እዩ።

ሰይጣን ንየሱስ ይፈርሆዶ ወይስ ኣይፈርሆን እንታይ ይመስለካ፧ ኩሉ ንፈልጥ ኢና ሰይጣን ኣብ ቅድሚ መድሓኒና የሱስ ደው ምባል ከም ዘፍርሆ። የሱስ ብርሃን ዓለም እዩ፥ ከምኡውን እቲ ናይ ጸላም ገዛኢ ካብ ቅድሚኡ ክጠፍእ ኣለዎ።

የሱስ ብዛዕባ ሰይጣን ካብ ሰማይ ምውዳቕ ንደቂ መዛሙርቱ ነጊርዎም እዮም። ከምዚ ኽኣ ኢልዎም፥ "በሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ" (ሉቃ.10: 18)። የሱስ ኣብ በረኻ፥ "ኪድ ካባይ ርሓቕ" ኢሉ ንሰይጣን ምስ ተዛረቦ ካብ ህላወ የሱስ ከም ፍጥነት በርቂ እዩ ካብ ቅድሚ ገጹ ተሰዊሩ። ሎሚ እምብኣር ብስም የሱስ ንሰይጣን ክንቃዎሞ ከለና፡ ከም ፍጥነት ብርሃን እዩ ካባና ዝሃድም። ጸልማት ኣብ ቅድሚ ብርሃን እዩ ዝሃድም።

ሰይጣን ስም የሱስ ኣዚዩ እዩ ዝፈርሖ ። እቲ ሓቂ ጎይትነት የሱስ ክዝክሮ የፈርሆ እዩ።ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት የሱስ ጎይታ ምዃኑ ኣይእመኑን እዮም።ከምኡውን ሰይጣን ኣብ መስቀል ከም ዝተስዓረ።

ሰም የሱስ ክርስቶስ ንዝኾነ ርኹስ መንፈስ ከውጽእን ሰይጣን ካባኻ ከም ፍጥነት ብርሃን ከም ዝሃድም ንኽገብር ሓይሊ ኣለዎ። ኣዚ ነገር ፍጹም ኣይትረስዕ።

መእሰያት ክነግረኩም ይደሊ፥ ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ህይወትኩም እንተ ድኣ ኣብ ውሽጢ ጸገም ሃሊኹም ወይውን ገለ ዘይፍታሕ ጸገም፡ ሰብ ክፈትሖ ዘይክእል ዝመስል ከጋጥመኩም ከሎ፡ ስም ጎይታ ጸውዑ፥ "ጎይታ የሱስ ኣንጻር ሰይጣን ደው ክብል ኣብ ጎነይ ኢኻ፥ ሕጂ ሓግዘኒ"። ድማ ሽዑ ናብ ሰይጣን ተጠዊኻ ድማ፥"ብስም የሱስ ይቃወመካ፥ ሰይጣን" ኢልካ ንገሮ። ክነግረኩም ይደሊ፥ ብኡ ንብኡ ሰይጣን ክሃድም እዩ፥ ምኽንያቱ የሱስ ኣብ መስቀል ስዒርዎ እዩ።ሰይጣን ሓይሊ ኣልቦ እዩ ኣንጻርካ ፥ ኣብ ብርሃን ኣምላኽ ክትመላለስ ከለኻን ብስም የሱስ ክትቃዎሞ ከለኻን።

ሰይጣን ብግሉሕ ስዕረቱ ክትፈልጥ ኣይደሌካን እዩ።በዚ ምኽንያት እዩ ንነዊሕ እዋን ነዚ ከይትሰምዖ ዝኸልከለካ፥ ከምኡውን በዚ ምኽንያት እዩ ንመብዛሕትኦም ሰበኽቲ ብዛዕባ ስዕረቱ ከይሰብኩ ውን ዝኸልከሎም።

ብንጹር ንኩሉኹም ሰይጣን ሓንሳብን ንሃዋሩን ኣብ መስቀል ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተስዓረ ክትፈልጡ ይደሊ።ደጊም ንሰይጣን ክትፈርሖ ፍጹም ኣይድሌካን እዩ።ንሱ ከሸግረካ ኣይክእልን እዩ፥ ንሱ ክጎድኣካ ኣይክእልን እዩ፥ ንሱ ክፍትነካ ይኽእል ይኽውን፡ ንሱ ከጥቅዓካ ይኽእል ይኸውን። ግናኸ ጸጋ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ስዓሪ ክገብረካ እዩ፥ እንተ ድኣ ርእስኻ ኣትሒትካ፥ ንኣምላኽ ተገዚእካ ኣብ ብርሃኑ ኣብ ኩሉ እዋን ተመላሊስካ።

ከም ኣብ ዓለምም ዘለዉ ሰባት ማሪታዊ ክትከውን ፍጹም ኣይግባእን። ሰባት ኣብ ዝተወሰኑ ምዓልታት ገለ ነገር ክገብሩ ይፈርሑ እዮም -ንኣብነት ኣብ ዓርቢ 13። ገለ ሰባት ጸላም ድሙ ኣብ መገዶም ብቕድሚኦም እንተ ድኣ ሓሊፋ ዝፈርሑ ሰባት ኣለዉ። ገለ ሰባት ውን ኣቀማምጣ ወርሒ ይፍትሹ ፡ ኣየናይ ግዜ ሕማቕ ምዃኑ ከውስኑ፡ ድማ ኣብ እዚ ግዜ ገለ ነገር ካብ ምግባር ይቑጠቡ።

እዚ ንማርተኛ ምፍራህ ምንጪ መበቆሉ ካበይ እዩ፧ ካብ ሰይጣን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ከም እዚኦም ዝበሉ ፍርሒ ከናግፈና እዩ መጺኡ።ደጊም ፍጹም ኣብ ዓለም ደጊምና እንፈርሖ ነገር የለን፡ ኣይድሌናን'ዩ ውን።ኩሉ ማሪታዊ እምነታት ካብ ሰይጣን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮውሃንስ የሱስ ሓደ ምዓልቲ ተመሊሱ መጺኡ ንሰይጣን ኣብ ምዓሙቕ ከም ዝኣስሮ ተነጊሩና ኣሎ። ሽዑ ጎይታና የሱስ ኣብዛ ምድሪ ሓደ ሽሕ ዓመት ክነግስ እዩ። ድሕሪ እዚ ግዜ ሰይጣን ክፍታሕ እዩ። ንሓጺር ግዜ ንኽሉ ምእንቲ ክርኤ ዋላ ንነዊሕ እዋን እንተ ተኣሰረ ከም ዘይተለወጠ ። ሽዑ ሰይጣን ወጺኡ ንመወዳእታ ግዜ ንሰባት ከታለሎም እዩ። ኣብዚ ውን ዘርኢ ኣዳም ዋላ ሓደ ከም ዘይተለወጠ ኣብዚ ክርኤ እዩ። ዋላ'ኳ ኣብ ትሕቲ ንግስነት የሱስ ሓደ ሽሕ ዓመት ሰላም ርኤሙን ተዓዚቦምን ከለው።

ድሕርዚ ኣምላኽ ንታሕቲ መጺኡ ንሰይጣን ክፈርዶን ንዘልኣለም ክኣ ናብ ቀላይ ሓዊ ክድርብዮ እዩ።ኩሎም እቶም ኣብ ሓጢያት ዝነበሩ ተንበርኪኾም ንሰይጣን ዝሰገዱሉ ኣብ ክንዲ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ንሰይጣን ዝተኣዘዙ ንሰይጣን ኣብ ቀላይ ሓዊ ክጽንበርዎ እዮም።

በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ፡ ወንጌል እንሰብኽ ሰይጣን ከም ዝተስዓረ።ምናልባት እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ኣመንቲ ነዚ ክሰምዕዎ ዘድሊ።ግናኸ ዘክር ብንጽህና እንተ ዘይተመላ- ሊስካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ሓይሊ ክህልዋካ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ንኣሽቱ መንእሰያት ከተሓሳስበኩም የደሊ ፍጹም ብዝኾነ መንገዲ ሰይጣን ኣእምሮኹም ክብክል ኣይተፍቅ- ድሉ። ኣእምሮኹም ዘይንጹህ እንተ ኾይኑ ስም የሱስ ኣንጻር ሰይጣን ተጠቂምኩም ውጽኢት ክትረኽቡ ኣይትኽሉን ኢኹም። ሰም የሱስ ከም ኣስማት እናተደጋገም ዝጽዋዕ ናብ ሰይጣን ኣይኮነን። ኣይፋሉን። መጀመርያ ንኣምላኽ ክትግዛእ ኣለካ። ሽዑ ጥራይ እዩ ምስ ተቓወምካዮ ካባኻ ክሃድም ዝኽእል።ግናኸ ኣብ ኩሉ ገጻት ህይወትካ ንኣምላኽ እንተ ዘይተገዚኣካዮ ሰይጣን ኣይፈርሃካን እዩ።

ምሉእ ብምሉእ ህይወትካ ንክርስቶስ ሃብ፡ ሽዑ ብገዛእ ርእስኻ ወስን ካብ ሕጂ ንኔው ንዕኡ ጥራይ ከም እትነብር።


ከረጋግጸልካ ይደሊ፡ ሕጂ ንምህሮ ቃል ኣምላኽ ሰምዒካ ስለ ዝስዓብካዮ፡ ካብ ሕጂ 20 ዓመት ምስጋና ዝመልኣካ ክትከውን ኢኻ። ሽዑ ሓደ ምዓልቲ ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ምስ በልካ፡ ተራኻ ምስ ኣኸለ ብዛዕባ ህይወትካ ጸብጻብ ክትህብ ከለኻ፡ ኣዚኻ መሊስካ ከተመስግን ኢኻ።


ኣብ መወዳእታ ጉዕዞ ህይወትካ ዋላ ሓደ ትጥዓሶ ዘይብልካ ክትከውን፡ ጎይታ ብኸምዚ ዓይነት ህይወት ክትነብር ይሓግዝካ።ኣሜን።

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ !