ከምቲ የሱስ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Devotion to Christ
    Download Formats:

Chapter
ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ

እግዚኣብሄር ንሰብ ዝፈጠሮ ኣገልገልቲ ስለ ዘድለይዎ ኣይኮነን። ድሮ ሚሊዮናት መልኣኽቲ ኣሎዉዎ ዘገልግልዎ ንሰብ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ሓደ ሰብ ባህሪኡን ተፈጥርኡን ክገልጸሉ ስለ ዝደለየ እዩ።


እንተ ድኣ ነዚ ሓቂ ረሲዕናዮ ካብቲ ቀንዲ መንገዲ ክንእለን ኣዚዩ ቀሊል እዩ ቀዳምነት ምድሓና ንኣምላኽ ምእንቲ ከነገልግሎ ኢና ዝብል ሓስብ ክንሕዝ እዚ ኽኣ ብዙሓት ክርስትያናት ዝተጋገይዎ እዩ።


ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦናን ኣብ ልብና ዘሎን መንፈስ ቁዱስን ክልቲኦም ንዓና ናብ ሓደ ሸቶ ይሰርሑ እዮም እዚ ኽኣ ንክርስቶስ ምእንቲ ክንመስል እዩ።ንባህሪ ክርስቶስ ዝያዳ እናመስለና ክንከይድ ከሎና ዝያዳ ከምቲ ንሱ ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሶ ንነብር።

ኣብ መጀመሪያን መወዳእታን ገጻት ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ዘሎ ከነናጻጽሮ ከለና።ክልተ ኦም ንረክብ ኦም ህይወትን፥ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉኡን ።ኣብዚ መወዳእታ ግዝያት ክኣ ክልተ ስርዓት ካብዘን ኦም ፈርዩ ኣሎ ዮርሳሌምን ባቢሎንን።እቲ ሓደ ንኣምላኽ ክብሪ ክህብ ዝወሰነ እቲ ካልኣይ ክኣ ንሰብ ክዕቢ ዝወጽእ።እቲ ሓደ ንክርስቶስ ዝስዕብ እቲ ካልኣይ ክኣ ንኣዳም ዝስዕብ።እቲ ሓደ ብመንፈስ ይመላለስ እቲ ካልኣይ ክኣ ብስጋ። ኩሉና ኽኣ ካብዞም ክልተ ስርዓት ብሓዲኦም ተታሒዝና ኣሎና።

ነዛ መጽሓፍ እናንበብካያ ከለኻ ኣምላኽ ይዒትኻ ክኽፍት ሕተቶ........

Chapter 1
መደብ ኣምላኽ ንሰብ

እግዚኣብሄር ንሰብ ዝፈጠሮ ኣገልገልቲ ስለ ዘድለይዎ ኣይኮነን። ድሮ ሚሊዮናት መልኣኽቲ ኣሎዉዎ ዘገልግልዎ ንሰብ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ሓደ ሰብ ባህሪኡን ተፈጥርኡን ክገልጸሉ ስለ ዝደለየ እዩ።


እንተ ድኣ ነዚ ሓቂ ረሲዕናዮ ካብቲ ቀንዲ መንገዲ ክንእለን ኣዚዩ ቀሊል እዩ ቀዳምነት ምድሓና ንኣምላኽ ምእንቲ ከነገልግሎ ኢና ዝብል ሓስብ ክንሕዝ እዚ ኽኣ ብዙሓት ክርስትያናት ዝተጋገይዎ እዩ።


እግዚኣብሄር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ቃላቱ ከምዚ እዩ ነይሩ "ከም ምስልና ከም መልክዕና ሰብ ንፍጠር" (ዘፍጥረት 1=26)።


ኣዳም ሓጥያት ምስ ሰርሔ እግዚኣብሄር ብኣጋ ኣፍልጥኡ ድሮ ንሰብ ካብቲ ዝወደቖ ካብ ማዕሙቑ ሓጥያቱ ንምውጽእ ኣቕርቦት ኣዳሊዩ እዩ።ብኻልእ ኣካል ምግላጽ ናይ ክርስቶስን ሞቱ ኣብ መስቀልን ዋላ ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ኣእምሮ እግዚኣብሄር ነይሩ እዩ ።


ናይ እግዚኣብሄር ውጥን ኣብ ምድሓን ብክርስቶስ ዝቐረበልና ምእንቲ ናብቲ ናይ መጀመሪያ እግዚኣብሄር ንሰብ ዝመደቦ ተመሊስና ምእንቲ ክንፍጽሞ እዩ።እዚ ኽኣ ናይ እግዚኣብሄር ተፈጥሮ ብኣና ምእንቲ ክግለጽ እዩ።


ምድሓን ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ እዩ።ኮይኑ ግን እምነት ብሞሎኮታዊ ምግላጽ እቲ ሰብ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ክስረት ዝክኣል።ከምዚ ዓይነት እምነት ጥራይ እዩ ንመንፈስ ቅዱስ ዘፍቅድ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ምእንቲ ክልውጠና።


ብትምህርቲ ወይ'ውን ክፋል ፍልጠት ናይ ክርስቶስ ካብ ሞሎኮታዊ ምግላጽ ወጻኢ ከም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ምሁራት ከም'ኦም ከም ዕውራት ክሓድገና ይኽእል እዩ።ምርዳእ ብዛዕባ ቅዱሳት ጹሑፋት ንኻልእ የሱስ ከም ዘቛሙቱ መሪሕዎም እዩ ።ካብ የሱስ ናዝራዊ ዝተፈለየ ባህሪ ዘለዎ ካልእ የሱስ።


እቲ የሱስ ኣብ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ምስ ኣቦ ማዕረ ዝኾነ "ገዛእ ርእሱ ባዶ ዝገበረን" ሰብ'ውን ዝኾነ እዩ (ፊሊጲ 2=6,7)።


ኣብዚ ኢና ነቲ ሓቂ ክንርድኦ ዘድሊ።ኣብ ሰብእነቱ የሱስ ገና ኣምላኽ እዩ ብስጋ ናትና ምስ መጸ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሙኳኑ ኣይበቅዕን እዩ።እቲ ኣዚዩ ዝነጸረ ኣምላኽነት የሱስ ኣብ ዘበን ስግኡ ኣብቲ ክውን ኣምልኾ ምቕባሉ እዩ ዝርኤ።ኣብ ወንጌላት ሸውዓተ ግዜ ኣምልኾ ሰባት ዝቐረብሉ ከም ዝተቐበለ ተነጊሩና ኣሎ (ማቴ 8=2 ፥ማቴ 9=18 ፥ ማቴ 14=33፥ ማቴ15=25፥ ማቴ 20=20 ፥ ማር 5=6 ፥ ዮው 9=38) መልኣኽትን እግዚኣብሄር ዝፈርሁ ሰባትን ዝተቐረበሎም ኣምልኾ ኣይተቐብልዎን (ግብ 10=25-26 ፥ ራኢ 22=8-9) ኮይኑ ግን የሱስ ኣምልኾ ተቐቢሉ እዩ ምኽንያቱ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ።


እሞ እንታይ ድኣ እዩ ባዶ ዝገበረ? እቲ ፍሉይ መሰል ከም ኣምላኽ እዩ።


ክልተ ኣብነት ኣብ ግምት ንእቱ ። "እግዚኣብሄር ከም ዘይፍተን" ንፈልጥ ኢና( ያዕ 1=13) እንተ ኾነ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ከም ዝተፈተነ ይጠቅስ እዩ (ማቴ 4=1-11) ።


ከምእ'ውን እግዚኣብሄር ኩሉ ነገር ከም ዝፈልጥ ንፈልጥ ኢና።ኮይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ይብል የሱስ ናብታ ኦም በለስ ሓንሳብ ክቐርቡ ነይርዋ ቅድም ፍረ ዘይብላ ሙኳና ምፍላጡ (ማር11=13) ሓንሳብ'ውን እታ ዳግም ዝምለሰላ ምዓልቲ ከም ዘይፈልጣ'ውን ተዛሪቡ (ማር 13=32)።


ስለዚ ከም ሓቒቕ ንጹር እዩ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ከምዚ ናትና ስጋ ለቢሱ ኣብ ዝተመላለሰሉ ግዜ ገዛእ ርእሱ ሞሎኮቱ ባዶ ከም ዝገበረ " እቲ ቃል ኣምላኽ ነበረ…..እቲ ቃል ክኣ ስጋ ኮነ (ዮው 1=1-14)።


ካብ መናፍቕነት እንተ ድኣ ክንርሕቕ ኮይና ክልቲኡ እቲ ሓቂ ብዛዕባ ንክርስቶስ ዝምልከት ሞሎኮቱን ሰብ ሙኳኑ ብማዕረ ክንኣምኖ ኣሎና።


ንዝኾነ ሓቂ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጎሲኻ ብዘይ መንፈሳዊ ሞግዳእትን ስቅያትን ዝሕለፍ የለን።ስለዚ ማዕረ ዝኾነ ኣድህቦ እንተ ዘይተዋሂብዎ ንሞሎኮቱን ሰብኣውነቱን ናይ ክርስቶስ ኣብ ርድኢትና ኣገልግሎትና ኣማሲኡ ሙሉእ ኣብ ዘይኮነ የሱስ ኣሚና ኢና እንተርፍ -እዚ ኽኣ ውጽኢት ዘምጽእ ተዛማዲ ክስረት ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን እዩ።ንክርስቶስ ከም ኣምላኽ ጥራይ ከነምልኾ ጥራይ ኣይኮናን ተጸዊዕና እንታይ ድኣ ከም ሰብ ውን ክንስዕቦ እዩ።


የሱስ ብሞቱ ጥራይ ኣይኮነን ኣድሒንና ግናኸ ከም እውን እግዚኣብሄር ሰብ ከመይ ኢሉ ክንብር ከም ዝደልዮ ብህይወት ኣብ ምድሪ'ውን ኣርኢና እዩ።ክርስቶስ መድሓኒና ጥራይ ኣይኮነን እንተ ኾነ ከም እውን ቀቅድሜና ዝጎይ እዩ (እብራውያን 6=20)የሱስ ፍጹም ንእግዚኣብሄር ኣቦ ብምእዛዝ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ኩነታትና ከመይ ኢልና ክንበር ከም ዝግብኣና ኣብነት ሂቡና እዩ።


ሕድገት ሓጥያት ፥ምልኣት መንፈስ ቅዱስን፥ኩሉ መንገዲ ጸጋ ኩሎም እግዚኣብሄር ዝቐረቦ ማለት ናብ ሓደ ሸቶ ክመርሓና እዩ እዚ ኽኣ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ምእንቲ ክልውጠና እዩ።ብሓቂ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእል ብግብኡ መዳይ ጩራ ብርሃን ናይ እግዚኣብሄር ዘልኣለማዊ መደብ ንሰብ ክርኤ ከሎ እዩ -ሰብ ንክርስቶስ ንኽመስል እዩ።


እቲ ቀንዲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ድርብ እዩ ብኸምዚ ኽኣ ተገሊጹ ኣሎ "ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ" (2ቆሮንጦስ 3=18)።


መንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ዝደልዮ ክብሪ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከርኤና እዩ።እቲ መስትያት- በዚ ኽኣ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክልውጠና ይደሊ።


እግዚኣብሄር ኣቦ ብልኡላውነቱ ኩሉ ኩነታትና ናብዚ መወዳእታ ክኸውን'ውን ኣዚዙ እዩ ።"ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29 ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም" (ሮሜ 8=28-29)።


ነፍሲ ወከፍ ፍጻመን ኩነታትን ኣብ ህይወትና ብእግዚኣብሄር ዝተወጠነ ክቐርጸናን ንእሽተይ ዝያዳ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክልውጠናን እዩ።ዝያዳ ተኻፈልቲ ናይ ጎይታና ባህሪ ክንከውን ከለና ዝያዳ ከምቲ ኣብዚ ምድሪ የሱስ ዝተመላለሶ ንነብር።እዚ ኽኣ ብመንፈስ ዝተመልኤ ህይወት እዩ።


የሱስ ናብዛ ምድሪ ከም መልኣኽ ኣይኮነን መጺኡ ግናኸ ከም እዚ ከማና ስጋ ለቢሱ እዩ መጺኡ ።"ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ" (እብራውያን 2=17) ይሕዋቱ እቶ ደቁመዛሙርቱ እዮም "ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ" (ማቴዎስ 12=49-50) ከማና እንተ ዘይከውን ነይሩ ማለት ይሕዋቱ "ብኹሉ ነገር" ኣብነትና ኣይምስኮነን ነይሩ ።ስዓቡኒ ኢሉ ውን ክእዝዘና ኣይክእልን ነይሩ ንሕና ብጉሁድ ንሓደ ከምዚ ናትና ዱርትነት ዘይብሉ ክንስዕቦ ኣይንኽእልን ኢና።ዋላ'ውን መልኣኽ ከመይ ገይርካ ከም እትሕንብስ ክምህረና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ መልኣኽ ከምዚ ከማና ናይ ምድሪ ስሕበት ስለ ዘይሙከር እዩ።


እምብኣርከስ እቲ ናይ ጳውሎስ መተባብዒ ኣብ 1ቆሮንጦስ 11=1 ዘሎ ከምቲ ንሱ ንክርስቶስ ዝስዓቦ ንዓይ ስዓቡ ዝበሎ ትርጉም ዘይብሉ ምስ ኮነ ነይሩ ፥ጳውሎስ ከምቲ የሱስ ዝተመላለሶ ክነብር ኣይምስክኣለን ነይሩ ፥ሻቡ ህይወት የሱስ እነድንቖ ጥራይ እምበር ፍጹም ዘይንስዕቦ ምስ ኮነ ነይሩ።


እንተ ኾነ ክብሪ ንኣምላኽ ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ ዝመጸን ንዱሩትነት ስጋና ዝተቐበለ፥ክንስዕቦ ኣብነት ሂብና እዩ።


እምብኣርከስ የሱስ ከም ሰብ ስለ ዝነበረ ብቕድስና ብንጹህ ህይወትን እዩ ተመላሊሱ ስለዚ ዋላ ሓደ ምኽንያት የብልናን ስለ ምንታይ ከምቲ ዝነበሮ ዘይምምልልስና " እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ" (1 ዮው 2=6)።


ከም ሰባት ዱኹማት ኢና በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ከምቲ የሱስ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ዝተወሃቦ መንፈስ ቅዱስ ንዓና'ውን ልክዕ ሓደ ዓይነት ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሄር ዝቐረበልና።


እግዚኣብሄር ኣቦ ንየሱስ ዝገበረሉ ንዓና'ውን ተሓጊሱ እዩ ዝገብረልና ምኽንያቱ "ከምቲ ንየሱስ ዘፍቀሮ ንዓና ውን የፍቅረና እዩ" (ዮው 17=23) ኮይኑ ግን እቲ ሓይሊ ቁሩብን ንጥቕሚ ዝኸውንን "ንቶም ዝኣምኑ" ጥራይ እዩ ".......ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ" (ኤፌ 1=19-21)። ስለዚ ብምኽንያት ዘይምእማን ኣብ ቃል ኣምላኽ ሎሚ ኣመንቲ ኣንጻር ሰይጣን ሓጥያትን ልሙሳትን ሓይሊ ዘይብሎሙን ዝኾኑ ዘለዉ።


ሰይጣን ምስምስ ክንገብር እንተ ገበረና፥ ሽሕኳ እንተ ከምዚ ዝብል እንተ ተኣዘዝና " ኣሰር እቲ ዋላ ሓደ ሓጥያት ዘይሰርሔ"( 1 ጴጥ 2=21-22) እዚ ማለት ሰብ ስለ ዝኾና ዘይንኽእሎ ስለ ዝኾነ ግናኸ ሳሓቲ ሓጥያት ንሰርሕ ።እንተ ኾነ የሱስ ብስጋ ከም ዝመጸን ሓጥያት ከም ዘይሰርሔን ክንሪኢ ከለና ሻቡ ክልተ ነገራት ይኸውን~


❶.ንሓጥያት ዋላ ሓደ ምኽንያት የብልናን።

❷.እምነት ኣሎና ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንሕና'ውን ክንገብር ንኽእል ኢና።


ናይ ጳውሎስ ጸሎት ጸሎተይ እዩ ነቲ ሓቂ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ መጽሓፍ "ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ኺህበኩም" (ኤፌ 1=17) "ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም" (ኤፌ 3=10)።


ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንፈልጦ እንኽእል ብሙሉእ ፍልጠት ክርስቶስ ጥራይ እዩ።የሱስ ጎደሎ ዘይብሉ ኣብነት ብመንፈስ ዝተመልኤ ሰብኣይ እዩ።


ህይወቱ ክንሪኢ ከለና ከመይ ከም እተመላለሰ ኣብዛ ምድሪ ብዘይ ጌጋ ክርድኣና እዩ ናይ መንፈስ ዝተመለኤ ህይወት ባህሪያቱ እንታይ ከም ዝኾነ።

Chapter 2
ብትሕትና ምምልላስ

ዕቤት እግዚኣብሄር ዝተርኣየ በቲ ዘደንቕ ፍጥረት ዓለም እዩ (መዝሙር ዳዊት 19=1) ጠፈር ኣዚዩ ሰፊሕ እዩ ኣእምሮ ሰብ ክርድኦ ኣይክልን እዩ።ጋላክስታት ናይ ከዋኽብቲ ተዘርጊሖም ኣሎዉ ኣብ ጠፈር ብቢልዮናት ብርሃን ዓመታት ተፈላልዮም ።ኣብ ሓደ እዋን ክኣ ነፍሲ ወከፍ ንእሽተይ ነገር (Matter)ኣብ ጠፈር ብኣቶማታ እዩ ተሰሪሖም፥ኣዚዩም ንኣሽቱ ብዒንትና ክንሪኦም ኣይንኽእልን ኢና ገና ግን ኣማኢት ኤልክትሮንስ ዝሓዙ ኣብ ገዛ ርእሶም ዝዘሩ እዮም።ከመይ ዓቢ እዩ ጎይታና?


እንተ ኾነ ንደቂ መዛሙርቱ የሱስ ዕቤት እግዚኣብሄር ዝተርኣየ ቀዳምነት በቶም ዘደንቑ ፍጥረት ናይ ጠፈር ኣይኮነን።ግናኸ በቲ ትሕትና ወዲ ኣምላኽ ርእሱ ባዶ ዝግበረሉ ብስጋና ዝመጸን ምስ ዝወደቐ ዓሌትና ክሕሰብ ዝኾኖ እዩ።


"እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና" (ዮው 1=14) ኢሉ ኣሎ ሃዋርያ ዮውሃንስ ንሕና'ውን ከምዚ ኢሊና ክንውስኽ ንኽእል "ከምዚ ዓይነት ክብሪ ካብቲ ኣዚዩ ዘብርሆ ኣብ ፍጥረት ዝርኤ ክብሪ እዩ"።


እቲ ዓቢ ንጉስ ናይ ሰማይ መጺኡ ከማና ሓደ ኣብ ከም ናትና ስጋ ሓዲሩ ።ብጎይትነት ዝጥመት ኣትሒቱ ዝርኢ ኣይኮነን መጺኡ ግናኸ ብሓቀኛ ትሕትና ገዛ ርእሱ ምስና ብኹሉ መንገዲ ሓደ ዝገበረ እዩ።


ክብሪ ጎይታ የሱስ ዋላ ካብቲ ዘደንቕ ትኣምራት ዝገበሮ ንላዕሊ ኣዚዩ ዝበለጸ እንሪኦ ብመንገዲ ትሕትንኡ እዩ።


መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ኩሉ ከርኤና ዝደልዮ እዚ መንገዲ ትሕትና እዩ በዚውን ምእንቲ ዘመን ህይወትና ኩሉ ብትሕትና ምእንቲ ክንመላለስ እዩ።ኣብዚ እምብኣር ንየሱስ ቀዳምነት ክንስዕቦ ዘሎና።


ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ የሱስ ምምጽኡ እግዚኣብሄር ብጥበቡን መልክዑን ፍጹም ዝኾነ ሉሲፈር ዝብሃል መልኣኽ ፈጢሩ። ሉሲፈር ከም ሊቀ መልኣኽት ተምዚዙ ነይሩ ኮይኑ ግን ብትዕቢት ተመሊኡን በቲ ዝተዋሃቦ መዝነት'ውን ኣይዓገበን ። ሉሲፈር ንላዕሊ ክወጽእን ርእሱ ክዕብን ሓሰበ (ህዝ 28=11)(ኢሳ 14=12-15) ከምዚ ኢሉ ኽኣ ናብ ናይ እግዚኣብሄር ፍጥረት ሓጥያት ኣምጺኡ እግዚኣብሄር ክኣ ብኡ ንብኡ ንታሕቲ ደርቢዎን ሰይጣን ክኣ ኮይኑ።


ስለዚ ድማ ትዕቢት ሱር ነፍሲ ወከፍ ሓጥያትን ክፉኡን ኣብ ኣጽናፍ እዩ።ኣዳም'ውን ሓጥያት ምስ ሰርሔ ብናይ ሰይጣን ትዕቢት እዩ ተለኺፉ ።ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ኣዳም እምብኣር ሕጂ በዚ ትዕቢት ተለኺፉ እዩ። ካብዚ መርዚ ንሰብ ከድሕኖ ክኣ የሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ኣትሓተ።


ከምቲ ሓጥያት ካብ ትዕቢት ሰይጣን ዝነቐለ ከምእ'ውን ምድሓን ብርእሰ ምትሓት የሱስ እዩ ነቒሉ ።ሓሳብ ክርስቶስ ዝህልወና ትሕትንኡ ክህልወን ከሎ እዩ ብዘየጋጊ መንገዲ እዚ እዩ መዕቀኒ መንፈሳዊ ዕቤት።


እቲ ኣዋራ ናይ የሱስ ናብ ምድሪ ምምጻእ እቲ ክብሪ ናይ ሰማይ ብገዛእ ርእሱ መግለጺ ትሕትንኡ እዩ።ኮይኑ ግን ካብዚ ዝያዳ ተወሳኺ ውን ተነጊርና ኢና ዋላ "ከም ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣትሒቱ እዩ" (ፊሊ 2=8) " ንይሕዋቱ ብኹሉ ክመስል ተገብኦ" (እብ 2=17) ከም ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ቦትኡ ወሲዱ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኹሉ ክኸውን ንሱ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይኮነ ኮይኑ እዚ ኽኣ ሓቀኛ ትሕትና እዩ።


ዓለማዊ ክብሪ ዕቤትን ብናይ ሰብ ስልጣን ቦታ፥ሃብቲ ፥ክእለት ዝተበጽሔ ዕላማታት ፥ናይ ቤተ ሰብ ክብሪ ወ.ዘ.ተ እንተ ኾነ ክንደይ ዝተፈለየ እዩ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝተርኣየ!


የሱስ እቲ እንኮ ሰብ እዩ ነይሩ ዝውለደሉ ስድራ ቤት ክመርጽ ዕድል ዝነበሮ እዚ ምምራጽ ንዋላ ሓደ ካባና ኣይነበሮን።


የሱስ ኣየናይ ስድራ ቤት እዩ መሪጹ? ናዝሬት ካብ ዝብሃል ቦታን ፍሉጣት ዘይኮኑ ጸረብቲ ዕጸይቲ ስድራ እዩ ፥ነበርቲ ከተማ "ካብ ናዝሬት ጽብቕ ክመጽእ ይኽእል ድዩ" ዝበሉሉ ቦታ (ዮው 1=40) ዮሴፍን ማሪያምን ድኻታት ስለ ዝነበሩ ንዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ዋላ ገንሸል ክቕሩቡ ዘይክእሉ እዮም ነይሮም (ሉቃስ 2=22-24 ) (ዘሌላውያን 12=8)።


ተወሳኺ የሱስ እቲ እንኮ ሰብ ጥራይ እዩ ካብ ዝተወለዱ ብልክዕ ኣበይ ከም ዝውለድ ክመርጽ ዝኽኣለ።በቲ ዘለዎ ዕድል ክውስን ቦታ ልደቱ።ኣበይ እዩ መሪጹ ? ኣብ ትሑት ደንበ ኣብ መብልዒ ማል እዩ!


ተወሳኺ ኣስተውዕል ወለዶ ሓረግ ንገዛእ ርእሱ የሱስ ዝመረጾ። ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓረግ ወለዶ የሱስ ተጸዊዔን ኣለዋ ኣብ(ማቴ 1=3-6) እታ ቀዳመይቲ ትእማር እያ ዝሙት ብምፍጻም ክኣ ሓደ ዝወለደቶ ወዲ ነይርዋ ካብ ኣቦ ሰብኣያ።እታ ካልኤይቲ ርሃብ እያ ኣዚያ ፍልጥቲ ኣመንዝራ ኣብ ያሪኮ ዝነበረት እያ።እታ ሳልሰይቲ ሩት እያ ካብ ዘርኢ ወለዶ ሞኣብ ሎጥ ምስ ጋሉ ብዝሰርሖ ዝሙት ዝተወለደ እዩ።እታ ራብዔይቲ ሰበይቲ ባትሴባ እያ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ፈጺሙ እዩ።


ሰለ ምንታይ እዩ ነውሪ ዘለዎ ወለዲ ሓረግ ንኽምጽእ ዝመረጸ ? እቲ ምኽንያት ምስቲ ዝወደቐ ዘርኢ ኣዳም ምእንቲ ክቑጸር እዩ ኣብዚ ኽኣ ትሕትንኡ ንርኢ ።ክብሪ ዘለዎ ቤተሰብ ወይ ወለዶ ኣይብሃገን።


የሱስ ሙሉእ ብሙሉእ ርእሱ ምስ ሰብ ቆጸረ።ኣብ ኣገዳስነት ማዕርነት ኩሉ ሰብ ብዘየገድስ ዓሌት ፥ስድራ፥ቦታ ኣብ ህይወት ወ.ዘ.ተ እቲ ዝንኣሰን ዝትሓተን ኣብ ማሕበራዊ ቀጸላ ድማ ኮይኑ።ኣገልጋሊ ኩሉ ምእንቲ ክኸውን ትሕቲ ኩሉ ሰብ መጺኡን ኮይኑን።እቲ ትሕቲ ካልኡት ዝኸውን ሰብ ጥራይ እዩ ክዕብዮምን ከበራተዖም ዝኽእል።ብኸምዚ ኽኣ እዩ የሱስ ዝመጸ።


መንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስ ሓሳብና እዩ ዝልውጠና (ሮሜ12=2)።እቲ ዘርኢ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ ዓይነት ትሕትና ኣብ ሓሳብና እዩ ዝዝራእ።ብተግባርና ወይ ብባህሪና ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣይኮናን እንተ ኾነ ብልክዕ ኣብ ሓሳብና እዩ ብገዛእ ርእስና ክንከውን ከለና ከነራጋግጽ ንኽእል ኢና ናብ ምስሊ ክርስቶስ ከም እተለውጥናን ወይ ዘይተለወጥናን ሓሳብና ንገዛእ ርእስና ዝምልከትን ብዛዕባ ከመይ ገይርና ምስ ካልኡት ከም እንወዳደርን።


እንተ ድኣ ኣብ ሓሳብና ብሓቂ ንኣሽቱ ኮይና ጥራይ እዩ ልባዊ "ካልኡት ካባና ንላዕሊ ኣገደስቲ ሙዃኖም" (ፊሊ 2=3) እንርእን ገዛእ ርእስና ኽኣ " ካብ ኩሎም ቅዱሳን ለጠቕ ዝበልና"(ኤፌ 3=8) ሙኳና እንወስድ።


የሱስ ኩሉ ግዜ ገዛእ ርእሱ ከም ሰብ ሓሲባዋ ኣብ ቅድሚ ኣብኡ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይኮነ ምእንቲ ክኸውን ።ስለዚ ክብሪ ኣቦ ብምልኣት ብእኡ ተገሊጹ።


የሱስ ዋላ ሓደ ከም ዘይኮነ ነዚ ቦታ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ወሲድዎ በዚ ምኽንያት ኣቦ ዝኣዘዞ ኣብ ህይወቱ ብሓጎስ ንኹሉ ናይ ኣብኡ ትእዛዝ ብሙሉእ ልቡ ተኣዚዝዎ።


"ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ" (ፊሊ 2=8)።


ሙሉእ ብሙሉእ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ብዘየጋጊ መንገዲ ምልክት ሓቀኛ ልባዊ ትሕትና እዩ።ካብዚ ንላዕሊ ዝነጸረ መመርመሪ የልቦን።


የሱስ ን30 ዓመታት ንዘዕበይዎ ኣብኡን ኣዲኡን ተገዚኡ እዩ ምኽንያቱ እዚ ፍቓድ ኣብኡ ስለ ዝነበር ።ካብ ዮሴፍን ማርያምን ኣዚዩ ዝያዳ ሓጥያት ዘይብሉ ሙኳኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ ዘይከምኦም።ከምኡ ክነሱ ግዳ ተገዚእዎም እዩ።

ንሰብ ቀሊል ነገር ኣይኮነን ንኽግዛእ ብትምህርቲ ኮነ ብመንፈሳውነት ካብኡ ንዝትሕቱ ሰባት።ኮይኑ ግን ልባዊ ትሕትና ኣብዚ ጸገም የብሉን ንሓደ ርእሱ ብሓቂ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይኮነ ገይሩ ዝርኢያ ኣብ ቅድሚ ይዒንቲ ኣምላኽ ዋላ ሓደ ጸገም የብሉን ንዝኾነ ሰብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ንዝሾሞ ንኽግዛእ።

የሱስ ብሓቂ ዘየደንቕ ሞያ እዩ መሪጹ ንሱ ኽኣ ጸራቢ ዕንጸይቲ እዩ።ናብ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ምስ ኣተወ ቅድመ ስም ወይ ጥብቆ ድሕሪ ስሙ ኣይነበሮን።" ፓስተር የሱስ" ኣይነበረን እዚ ኸማን ክውሕዶ "ረቨረንድ ዶክተር የሱስ!" ምድራዊ ስልጣን ወይ ማዕርግ ካብቶም ተራ ሰባት ልዕል ዘብሎ ካብ እቶም ከገልግልም ዝመጸ ፍጹም ኣይደለየን ኣይብሃገን። እቲ ስምዕ እዚን ዘላቶ ይስማዕ።

እቶም እኩባት ሰባት ንጉሶም ክገብርዎ ደሊዮም ደድሕሪኡ ምስ ስዓቡ ካብ ማእከሎም ቀስ ኢሉ ሞሊቑ እዩ ዘልገስ።(ዮው 6=15) "ወዲ ሰብ " ጥራይ ተባሂሉ ክፍለጥ ደለየ።

የሱስ ክብሪ ሰብ ፍጹም ኣይደለየን ወይ ኣይተገደሰን ።ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣብኡ ጥራይ ተመላሊሱን ብህይወት ክጉሰን ብሰብ ክንዓቕን ተቐቢልዎ ነይሩ ።ናይ ኣብኡ ተቐባልነት ጥራይ ንበይኑ የግድሶ ነይሩ።

የሱስ ንሓደ ሰብ ክሕውዮ ከሎ ወይ ትኣምራት ክገብር ከሎን ብዛዕባ እቲ ፈውሲ ካልእ ሰብ ከይፈልጥ ይግደስን ይደልን ነይሩ።ምኽንያቱ ኽኣ እቲ ትኣምራት ዝገብሮ ዝነበረ ብድንጋጸ ንሽጉራት ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ እምበር ኣቓልቦ ሰባት ንምስሓብ ወይ ንራኣዩለይ ስምዑለይ ኣይነበረን።ዋላ ጓል ያኢሮ ካብ ሞት ምስ ኣተንስኣ ብዛዕባእ ንኻልኡት ሰባት ከይነግሩ ጥብቂ መምሪሒ እዩ ሂብዎም(ማር 5=43)።የሱስ ንምድሪ ሓዲጉ ናብ ሰማይ ምስ ከደ ጥራይ እዮም ሃዋርያት ህይወቱ ጺሒፎሞን ሰብ ክፈልጦ'ውን ገይሮም።

የሱስ ኣብታ ናይ መወዳእታ ለይቲ ቅድሚ ስቕለት ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ ኣእጋር ደቂ መዛሙርቱ ዝሓጸበ ናይ ሙሉእ ህይወቱ ሓቀኛ መለለዪ ባህሪኡ እዩ ነይሩ።ኣገልጋሊ ናይ ኩሉ ሰብ ነይሩ።ኣዚዩ ቁልጡፍ ነይሩ ይእጋር ደቂ መዛሙርቱ ረሲሑ ከም ዝነበረ ከሰተውዕልን ከም'እውን ቁልጡፍ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ ከልዕልን እቲ ዘድሊ ክገብርን ኣብ ክንዲ ካልኡት ሰባት ክገብርዎ ዝጽበ።እዚ ተግባር ምልክት ሙሉእ ህይወት ዘመኑ ንኻልኡት ዘገልግሎ ዝነበረ እዩ።የሱስ ሓደ ነገር ክገብር ክሳብ ዝሕተት ኣይጽበን ነይሩ።እቲ ዘድሊ ነገር ደሊዩ ረኺቡ ይገብር ነይሩ።

የሱስ ዝተቐራረበ ምትእስሳር ምስ ዝትሓቱ ደርቢ ሕብረተስብ ነይርዋ ኣብ ሞንግኦም ክኣ ከም መዘንኦም ማዕረ ተመላሊሱ።ከም'እውን ገና ሓጥያት ዘይብሉን ፍጹምን ነይሩ።ካልኡት በቲ ዘለዎም ኣበርን ሙሉእ ዘይኮነ ነገሮም ከም ዝሓፍሩ ፍጹም ኣይገበሮሙን ነይሩ።ምስ ደቂመዛምሩቱ ኣብ ሞንግኦም ክመላለሰ ከሎ ዓቢ መሲሉ ይርኤ ኣይነበረን ።ብሓቂ እኳ ድኣ ኣዚዩ ነጻ ኾይኑ ምስኦም ይንቀሳቕስ ነይሩ ክገንሕዎ ነጻ ውን ይስሞዖም ነይሩ ከም እውን ምኽሪ ክህብዎ (ማቴ 16=22 ፥ ማር 4=38፥ 9=5)።

ትሕትና የሱስ ምስ ደቂመዛሙርቱ ብጸሎት ሕብረት ክገብር ምድላዩ ንርኢ ኢና።ኣብ ኣታኽልቲ ጌተሰማኔ ንጴጥሮስ ያዕቆብ የውሃንስ ምስኡ ክጽልዩ ሓቲትዎም እዩ ምኽንያቱ "ነፍሱ ክሳዕ ሞት ጉህያ ነይራ" (ማቴ 26=38) የሱስ ነቲ ሙሉእ ብሙሉእ ድኻም ዝወሰዶ ስጋ ኣፍልጦ ነይርዎ እዩ።በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ብጸሎት ሕብረት ዝደለየ።

ሓይሊ ኣምላኽ ኣባና ዝግለጽ ድሩት እዩ እቲ ምክንያት ክኣ ዋላ ሓደ ባዶ ሙኳና ክንእመን ቅንዕና ስለ ዘይብልና እዩ።የሱስ መንገዲ ጥሕትና ኣርኢና እዩ እዚ ኽኣ ድኻም ስጋና ዋላ ሓንቲ ባዶ ሙኳና ክእመን እዩ።

የሱስ ገዛ ርእሱ ስለ ዘትሓተ በዚ ምኽንያት እግዚኣብሄር ኣቦ ናብ እቲ ዝልዓለ ቦታ ኣብ ኣጽናፍ ንስሙ ይዕቢዎ (ፊሊ 2=9) እቶም ብመንገዲ ትሕትና ኣዚዮም ዝሰጊሞም ዝኸዱ ኣብ የማን ጸጋም ናይ የሱስ ክብሩ ክቕመጡ እዮም።

የሱስ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ንታሕቲ ምኻድ እዩ ቀጺሉ ካብ ሰማይ ንታሕቲ መጺኡ ንታሕቲ ንታሕቲ ንታሕቲ ኩሉ መንገዲ ናብ መስቀል።ነዚ ማዕዝን ክግልብጦ ፍጹም ንላዕሊ ክወጽእ ሓንሳብ' ውን እንተ ኾነ ኣይሰርሔን።

ኣብ ምድሪ ክልተ መንፈስ ጥራይ ዝዓዩ ኣሎዉ ።እቲ ሓደ መንፈስ ናይ ሰይጣን ሉሲፈር ንሰባት ንላዕሊ ክወጹ ይደፋፍኦም -ኣብ ዓለም እንተ ኾነ ዋላ ኣብ ክርስትና ፥እቲ ኻልእ ክኣ መንፈስ ናይ ክርስቶስ እዩ ከም ጎይትኦም ክኣ ንታሕቲ ክኸዱ ይመርሖም።ልክዕ ከምቲ ፍረ ስርናይ የሱስ ንታሕቲ ከይዱ ኩሎም ደቂ መዛሙርቱ ኽኣ ብዘየጋጊ መንገዲ በዚ ባህሪ ክፍለጡ ይክኣል።

ትሕትና የሱስ ብኹሉ ድምቀቱ ብርሁነቱን ኣብ ሞቱ ተራእዩ እዩ።ጌና ንሞግዳእቲ ንጸርፍን ፥ዘይፍትሓውነት፥ንውርደት ፥ንባጫ ብስቕታ ተቐቢልዎ እዩ።መርገም ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኣይጸውዔን ሕነ ክፈዲ ኣይፈራረሔን ከም እውን ንመልእኽቲ ክሕግዝዎ ኣይጸውዔን ከም ወዲ ኣምላኽ ኩሉ መሰሉ ሓደገ።

"ዝተዓሞኾ ኣጻብዕቲ" ብቑዕ ምልክት ናይ ዘርኢ ሰብ እዩ-እዚ ኽኣ ምልክት ክልቲኡ ድሌት ንምጭባጥን ናይ ሓደ መሰል ፥ስልጣን፥ ንብረት ከም'እውን ምስ ተጠቓዕካ ተመሊስካ ናይ ምብኣስ ድሌት።

የሱስ በቲ ሓደ ወገን ፍቓደኛ ኮይኑ ከብዲ ከፊቱ ኢዱ መስመራ ንኽቕበል ኣብ መስቀል።ከብዲ ኢዱ ኩሉ ግዜ ምስ ተኸፈታ እየን ምሃብ ምሃብ ምሃብ ።እዚ ሓቀኛ ትሕትና እግዚኣብሄር ዝመደቦ ሰብ ክኾኖ ዝግብኦ እዩ።

ወደመዝሙር የሱስ ንሞሎኮታዊ ተፈጥሮ ክገልጽ እንተ ኾይኑ ንስቅያት ፥ንዘይፍትሓውነት ክቕበል ፍቓደኛ ክኸውን ኣለዎ ብዘይ መረረን ምጉሩምራምን ።"ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ።ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ" (1 ጴጥ 2=20-23)።

ናይ የሱስ ትሕትና ንኻልኡት ክፈርድ ኣይፈቐደሉን ።እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ናይ ኩሉ ሰብ ፈራዲን ዝኾነ ሰብ ዝፈርድ ናይቲ ንበይኑ ክፈርድ መስል ዘለዎ እግዚኣብሄር ቦታ ምውሳድ ማለት እዩም።የሱስ ከም ሰብ ኣብዛ ምድሪ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ"( ዮው 8=15) ኩሉ ፍርዲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ኣመሓላሊፍዎ ኣብዚ'ውን ጽባቐ ትሕትንኡ ንርኢ።

የሱስ ናይ ውርደት ሞት እግዚኣብሄር ኣቦ ዝመደበሉ ብፍቓዱ ተገዚኡ።ክንዮ ናይ ሰብ መሳሪሕታት ዝተመደበ ንምቕታሉ ኣብ ስቕለቱ ፥ኢድ ኣቡኡ ከሰተብህልን ፍቓደኛ ውን ኮይኑ ነታ ጽዋእ ክሰትያ "የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፡ በሎ(ዮው 8=11)።

"ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ"(ፊሊ2=8)።

እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ።ከም ብዓል ዝና ወይ ኮኾብ ተዋሳኣይ ክብሪ ኣይረኸበን።ብሰብ ተናዒቑን ተነጺጉን በቲ ግዜ ዝነበረት ዓለም ብስቕለት ኣብ መስቀል ተወጊዱን እዩ።ሕጂ ዘላ ዓለምን'ውን ዝተፈለየት ኣይኮነትን ወደመዝሙር ልዕሊ ጎይትኡ ኣይኮነን።ክርስትና ህብቡን ክብሪ ናይ ዓለም ዝስሕብን እንተ ኾይኑ ካብ ሓቀኛ እምነት ዝተመስርሔ እዩ።ብሙሉኡ ህይወቱ የሱስ ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ ብግብሪ ዘርኣየና ዝገለጾ እቲ ሓቂ እዚ እዩ" በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ…... (ሉቃ 16=15)።


"ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም" (ማቴ 11=30)።


የሱስ እቲ ቀንዲ ነገር ደቂመዛሙርቱ ካብኡ ክምሃሩ ዝሓተቶም ትሕትና እዩ።ከም'እውን እዚ እዩ ንሕና ውን ክንምሃሮ ዝግባእ።

Chapter 3
ብቕድስና ምምልላስ

እግዚኣብሄር ብርሃንን ፍቕርን እዩ(1ዮው 1=5፥ 4=8) ንሱ "ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ክኣ እዩ ዝሓድር" (1ጢሞ 6=16) ቅዱሳት ክንከውን ክኣ ጸዊዕና እዩ ምኽንያቱ ንሱ ቅዱስ ስለ ኾነ።



እንተ ኾነ ሰብ ናብ ቅድስና ዝመጽእ ብፈተና ጥራይ እዩ። ኣዳም ንጹህ ኮይኑ እዩ ተፈጢሩ ዋላ ብዘይ ፍልጠት ብዛዕባ ጽብቕን ክፉኡን ። እግዚኣብሄር ቅዱስ ክኸውን ደሊዎ በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ክፍተን ዝፈቐደሉ ።



እታ ፍልጠት ጽብቕን ክፉኡን እትህብ ብኣምላኽ ብገዛእ ርእሳ ክፉእቲ ኣይነበረትን።ህላወ ናይዛ ኦም ኣብ ዓለም ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ኩሉ ርእዩ "ጽብቕ ክኣ ኮነ" (ዘፍ 1=31) ዝተብሃለሉ እዩ።ኣዚዩ ጽብቕቲ እያ ነይራ ምኽንያቱ ኣዳም ንፈተና ተቛዊሙ ቅዱስ ክኸውን ዕድለ ስለ ዝሃበት።



መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል "ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ" (ያዕቆብ 1=2) ምኽንያቱ ፈተናታት ናይ እግዚኣብሄር ቅድስና ተኻፈልቲ ክንከውን ዕድል ይህብና ስለ ዝኾነ እዩ።(እብ12=10) ከም'እውን "ፍጹማትን ሙሉኣትን ንኸውን( ያዕ 1=4)።



ናይ የሱስ ቅድስና ክንሪኢ ከለና ከም ኣምላኽ ዘለዎ ባህሪያዊ ቅድስና ነዚ ኣይንሪኦን ኢና፥ ምኽንያቱ እዚ ኣብነትና ክኸውን ኣይመስክኣለን ኣብኡ ክንሪኢ ከለና ከም ሓደ " ብኹሉ ንይሕዋቱ ክመስሎም ዝተገብኤን" (እብ 2=17) " ከምዚ ከማና ብኹሉ ዝተፈተነ እዩ ሓንቲ ሓጥያት ውን ዘይገበረን" እዩ (እብ 4=15)።



የሱስ ቀቅድሜና ዝጎዪ እዩ (እብ 6=20) ከምቲ ክንጎዮ ዝግብኣና ሓደ ዓይነት ዝጎየየን ንኽንስዕቦ'ውን መንገዲ ዝጸረግልና እዩ። ስለዚ እዩ ከምዚ ኢሉና "ስዓቡኒ" (ዮው 12=26) ናብቲ ቅድሜና ዝጎየየ ናብኡ እናጠመትና ብዘይ ምሕላልን ምድካምን ብትዕግስቲ ክንጎዪ ንኽእል ኢና (እብ 12=1-4)።



የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ፈተና ንዝኾነ ሰብ ክገጥሞ ዘይክእል ተዓጊሱ እዩ። ተፈቲኑ እዩ " ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ልክዕ ከማና" ።እዚ ብንጹር ኣብ እብራውያን 4=15 ከም ትምህርቲ ቀሪቡ እዩ እዚ ንዓና መተባብዒ እዩ ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንዓና ዘይሃበና ሓይሊ የሱስ ኣይተላማመደን።ከም ሰብ ፈተና ገጢምዎን ሲዒሩን ክኣ እዩ።በቲ ኣቦ ዝሃቦ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ።



ሰይጣን ንሰብ ኩሉ ግዜ ናይ እግዚኣብሄር ሕጊ ጾርን ክትእዘዞ'ውን ዘይክኣል ኢሉ እዩ ዝነግሮ።የሱስ ከም ሰብ ኮይኑ መጺኡ ንናይ ሰይጣን ሓሶት ኣቃሊዕዎ ብህይወቱ ፍጹም ብዝኾነ ምእዛዝ። ንየሱስ ዘየጋጠሞ እንተ ድኣ ዝኾነ ፈተና ክንስዕሮ ሃሊና ወይ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ክንእዘዝ ሽዑ ኣብዚ ነጥቢ ሓጥያት ክንገብር ምስምስ ክህልዎና ይኽእል።ከም'እውን እንተ ድኣ የሱስ ነቲ ፍጹም ህይወት ዝነበሮ ብዘይ ድኻም ናይ ስጋና ወይ ብንዓና ዘይተውሃበ ሓይሊ ገይሩ እንተ ኾይኑ ህይወቱ ክንስዕቦ ወይ ኣብ እዋን ፈተና ክገጥመና ከሎ መተባብዒ ኣይምስኮነና ነይሩ።እንተ ኾነ የሱስ ከም ሰብ ኣብ ምድሪ ብህይወቱ ኣርኢና እዚ ኽኣ ሓይሊ ኣምላኽ ንዓና ዝተውሃበ ንጠለባት ሕጉ ከማልእ እኹል እዩ ከምቲ ንሪኦ ኣብ ቃሉ ።



"ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ" (እብ 4=14-16)።



እቲ ሓጥያት ኣልቦ ህይወት የሱስ ናይ እግዚኣብሄር መርኣያ ንዓለም ሰብ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ሙሉእ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ክህልዎን ብሓጎስ ክኣ ንኣምላኽ ክእዘዞ ከም ዝኽእልን እዩ።እንተ ድኣ ኣብኡ ጸኒዕና "ከምቲ የሱስ ዝተመላለሶ ክንመላለስ ንኽእል ኢና" (1 ዮው 2=6)።



የሱስ ኩሉ ዘተሃራርፍ ንሓጥያት ዝፈታትንን ንዓና ኩሉ ግዜ ዝገጥመና ረኺብዎ እዩ ነፍሲ ወከፍ ፈተና ንዝኾነ ስብ ክገጥሞ ዝኽእል ኣቦ በዚ ፈተናታት ወሲድዎ እዩ።ከምዚ ኢሉ ክኣ ተዓጢቑ እዩ መራሒናን ሊቀ ካህናን ክኸውን (እብ 2=10,17,18 ፥ 5=7-9) ኣብ ኩሎም እዞም ኩነታት ገዛ ርእሱ ኪሒዱን ንድሌታቱ ስግኡ'ውን ቀቲሉ እቲ ሓጥያት ንኽገብር ዝፍትኖ።በዚ ኽኣ ቀጻሊ "ብስግኡ ተሰቅዩ" እዩ።



"ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ" (1ጴጥ 4=1-2)።



የሱስ ብህይወቱ ብተግባራዊ መንገዲ "ክሳብ ሞት ምእዛዝ" ገሊጽዎ እዚ ካብቲ ዝንኣሰ ስቅያት ዝኾነ ካብ ንእግዚኣብሄር ዘይምእዛዝ ዋላ ኣብ ሓድ ነጥቢ ዘጋጥም እዩ።



እቲ ዋና ቀንዲ ነገር ኩሉ ሓጥያት ዝርከብ ኣብ ምግባር ፍቓድ ርእስኻ እዩ።ከም'እውን እቲ ቀንዲ ዋና ነገር ናይ ቅድስና ኣብ ደቂ ሰባት ዝርከብ ገዛእ ፍቓድካ ኪሕድካን ኣብ ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ እዩ (ዮው 5=30፥ 6=38፥ ማቴ 26=39)።



የሱስ ናቱ ናይ ሰብ ፍቓድ ከም ቅዱስ ህያውን መስዋእቲ ገይሩ ንኣቦ እዩ ቀሪቡሉ።ዋላ ጹዕቑ ስቅያት ማለት እዩ።ተነጊሩና እዩ "ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን" (እብ 5=7)።



የሱስ ኣብ ኣታኽልቲ ጌተሰማኔ ንቶም ስለስተ ደቂመዝሙሩ ስጋ ሰብ ዱኹም ስለ ዝኾነ ብጸሎትን ብምንቃሕን ጥራይ ከም ዝኾነ ኣጠንቂቕዎም እዩ እዚ ማለት ካብ እግዚኣብሄር ሓገዝ ምሕታት እዩ።ፈተና ክስዓር ዝኽእል "ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ" (ማቴ 26=41) የሱስ ገዛ ርእሱ ጸልዩን በዚ ጥራይ ኽኣ እዩ ዝስዓረ።



የሱስ ቅድሚ ናብ ጌተሰማኔ ምኻዱ ከምቲ ንሱ ዝሰርሖ ንሶም' ውን ክሰርሑላ ዝኽእሉ ምዓልቲ ከም እትመጽእ ነጊርዎም እዩ።ምኽንያቱ ኣቦ መንፈስ ቅዱስ "ሓጋዚ" ክህቦም ስለ ዝኾነ (ዮው 14=12.16 ) የሱስ ክርስቶስ ቅዱሳት ክገብረና እምበር ሰራሕቲ ትኣምራት ክገብረና ኣይመጸን።ስርሑ ስራሕ ቅድስና ምእዛዝን እዮም እዚኦም ተግባራት'ውን ንሕና ክንሰርሖም ከም እንኽእል ተስፋ ሂብና እዩ።ንሱ ንኹሎም ሰሪሕዎም እዩ። ከም ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኤ ኮይኑ።



ደቂመዝሙር የሱስ ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልኡ የሱስ ዝገበሮ ስራሕ ምእዛዝ ምእንቲ ክገብሩ ሓይሊ ተቐቢሎም።የሱስ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንሕሙማት ክፍውሱ፥ንምውታት ከየንስኡ፥ንለምጻማት ከንጽሁን ፥ኣጋንንቲ ከውጹን ሓይሊ ተቐቢሎም እዮም (ማቴ 10=8) ኮይኑ ግን ንሓጥያት ክስዕሩ ሓይሊ ኣይተቐበሉን ።ስለዚ ነዚ ክጽበዩ ነይርዎም ክሳብ ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምልኡ።



ምልኣት ናይ መንፈስ ቅዱስ "ነቲ የሱስ ዝሰርሖ ተግባራት" ክንገብር ዘኽእለና እዩ ወይ ብኻልእ ቃላት ን"ፍቓድ ኣምላኽ ማለት እዩ (ዮው 4=34)ርኤ።



እዚ እዩ ክብሪ ዝመልኦ እግዚኣብሄር ዝቐረበልና ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን "ንሕጊ(ፍቃድ ኣምላኽ) ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ኪገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። 4 ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ(ምንባር) እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ" (ሮሜ 8=3-4)።



እቲ ኣገዳስነት ንዓና የሱስ ፈተና ከም ዝገጠሞን ከም ዝስዓረን ንዓን መንገዲ ከም ዝኸፈተልና በዚ'ውን ክንስዕቦ ከም እንኽእል ዝተሰረተ እዩ።



እቲ መንገዲ የሱስ ዝኸፈተልና "ሓድሽን ህያው መንገድን" ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣብ እብራውያን 10=19-20 "ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና"



ኣብቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ኣብ ቤተ መቕደስ እዩ ክብሪ ኣምላኽ ዝሓድር ዝነበረ። እዚ እዩ እቲ ቦታ የሱስ ምእንቲ ክንስዕቦ ዝኸፈተልና መንገድን ከም'እውን ተማቐልቲ ቅድስንኡ ክንከውን ብመጋረጃ ስግኡ ዝኣተወ መጀመሪያ ቅድሚ ኹሉ ቀቅድሜና ዝጎይ እዩ (እብ 6=20) ኣብነቱ ሪኢና ሕጂ በቲ ተሓንጺጽሉና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ንጉየ(እብ 12=1-2)።



ድሮ ጎይታ ነቲ መጋረጃ ቀንጢጥዎ ስለ ዝኾነ ንሕና ነቲ መጋረጃ ምቕንጣጥ ኣይድሌና እዩ።እንተ ኾነ በቲ ዝተቐደ መጋረጃ መንገዲ መስቀልን መንገዲ ሞት ንስጋን ፍትወታቱን ክንስዕቦ ኣሎና።



ክብሪ ናይ እግዚኣብሄር ቅድስና ኣብ ህይወት የሱስ ተራኢዩ እዩ ብሞት ንስጋ።ከም'እውን ንዓና ካልእ መንገዲ የብልናን። "ሞት የሱስ" ኣብ ስጋና እንተ ጸይርናዮ ሽዑ ጥራይ እዩ ንጽህና ቅድስና "ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ዝግለጽ" (2 ቆሮ 4=10)።



መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ከምቲ ንየሱስ ዝመርሖ ንዓና' ውን ኩሉ ግዜ በቲ መንገዲ መስቀል ክመርሓና እዩ።



ናይ የሱስ ዘረባ ንጹህ እዩ ነይሩ ።ካብ ከናፍሩ ግዕዘይ ዘረባ ኣምሊጡ ኣይፈልጥን ከም'እውን ዘረብሕ ዘረባ።ንሱ ኩሉ ግዜ ሓቂ ይዛረብ ነይሩ ።ኣብ ኣፉ ጥበራ ኣይነበረን።ዋላ ሓደ ሰብ ምስ የሱስ ኣብ ዕላል ብዛዕባ ከመይ ገይርካ ብዙሕ ብዙሕ ገንዘብ ትረክብ ክዛራረብ ዝኽእል ኣይነበረን።ኪንዮ ንሓደ ሰብ ካብ ዘድሊዩ ንላዕሊ።ኣብ ከም እዚኦም ነገራት ይግደስን የድህብን ኣይነበረን።ሓሳቡ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ እዩ ነይሩ እምበር ኣብ ምድራዊ ነገራት ኣይነበረን። ብርግጽ ብዘይምጥርጣር የሱስ ንዋት ኣቕሓ ነገራት ተጠቂሙ እዩ።እንተ ኾነ ነዚ እዮም ነገራት ኣይፈቀሮሙን ከም'እውን ምስ እዞም ነገራት ምስ ዋላ ሓደ ኣይጠበቐን።



ቅድስና የሱስ ውሽጣዊ እዩ ነይሩ ።ቅድስንኡ ግዳማዊ ሃይማኖታዊ ብመግቢ ክዳን ወይ ምስ ማሕበር ብምእትሳር ኣይነበረን።የሱስ ንዓለም ዝመነነ ወይ ባሕታዊ ኣይነበረን።ኣብ ሞንጎ ምዓልታዊ ዝሰርሑ ዓለም ተመላሊሱ ካልኡት ማሕበራዊ ደረጃ ዝኽደንዎ ክዳን ውን ተኸዲኑ ከም እውን በሊዑን ሰትዩን ከም ልሙድ (ሉቃ 7=34) እቲ እግዚኣብሄር ንሰብ ክሕጎሰሉ ኢሉ ኣብዛ ምድሪ ዝሃቦ ውን ነዚ ጽብቕ ነገራት ተሓጊሱሉ እዩ(1ጢሞ 6=17)። ግና ገዛ ርእሱ ክዕግብ ኣብ ጉዳይ መግቢ ዝተገዝኤ ብፍጹም ኣይነበረን።ዋላኳ 40 ምዓልቲ እንተ ጾሞ ገዛ ርእሱ ስርዓት ኣትሒዙ እምበር ትኣምራት ከሰርሖ ዘኽእሎ ሓይሊ ንእምኒ ናብ እንጀራ ክልውጥ ኣይተጠቀመሉን።ምስ ናይ ሃይማኖት ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ምትእስሳራ ነይርዎ ግናኸ ዋላ ኣዚዩ ክፍኣት ዝነበሮም ሓጥያተኛታት ነይሩ ኣበር ኣልቦ ኮይኑ ክኣ ጸኒሑ። ቅድስንኡ ብቕንዱ ውሽጣዊ እዩ ነይሩ።



የሱስ ንሓጥያት ጥራይ ኣይኮነን ኣርሒቑ ።ንሱ ከም'እውን እንኮላይ ብዙሕ ነገር ሓዲጉ እዩ ዋላ ቅቡል ዝኾኑ ታሕጓስን ዕግበት ዝህቡ ነገራት ኮይኑ ግን ረብሓ ዘይህብ ዝነበረ። ወይ ክኣ ገለ ነገራት ዝዕግቡ ነገር ግን ገለ ክፋሉ ናይ ኣቡኡ ስራሕ መስዋእቲ ክገብር ዝሓቱ እቲ ክፍጽሞ ንዝመጸ ስራሕ (1 ቆሮ 6=12)።



ናይ የሱስ ቅድስና ካብ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምስትንታን ህይወት ዝወጸ እዩ።ናይ እግዚኣብሄር ቃል ወዲ 12 ዓመት ከሎ ይፈልጦ ነይሩ።ምክንያቱ ብኣእምርኡ ህርኩት ኣብ ምስትንታን ቃል ጻዕራም ስለ ዝነበረን ኣብቲ ቃል ብርሃን ናይ መንፈስ ቅዱስ ብምድላዩን ።ካብ እቶም ዝተምሃሩ ዶክተራት ናይ ትምህርቲ ስነ ሞሎኮት (Thelogy) ዝያዳ ይፈልጥ ነይሩ ምኽንያቱ ምግላጽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ይደሊ ስለ ዝነበረ ።ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቡኡ ተማሂሩ ከም እቶም ሓቀኛታት ነብያት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘለዉ ዝገብርዎ -ሙሴ ፥ኤሊያስ፥ ኤርሚያስ ፥ዮውሃንስ መጥመቕ ወ.ዘ.ተ።ዝኾነ ሓቀኛ ነቢይ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዝወጸ የለን።እዚ ነገር ንዘክሮ!



የሱስ ንቃል ኣምላኽ ኣጽኒዕዎን ድሓር ክኣ ተኣዚዝዎ እዩ።በዚ ኽኣ እቲ ቃል ኣብ ኢዱ ከም ኣዚዩ ሓያል ኣጽዋር ኮይኑ ጥራይ ቅልሱ ምስ ሰይጣን ጥራይ ኣይነበረን (ማቴ 4=1-11) ግናኸ ኣብቲ ናይ ስብከት ኣገግሎቱ እዩ። የሱስ ብስልጣን እዩ ዝዛረብ ነይሩ ስብከቱ ዓጸፋ ምላሽ ኣብቲ ግዜ እቲ ህቡብ ስርዓት ሰብ በቶም ናይ ስነ መሎኮት ምሁራት ዶክተራት ናይ ሕጊ ዝእውጁ ዝነበሩ ነይሩ።



ንዓለማውነትን ግብዝናን ፈሪሳውያን ኣቃሊዕዎን ዋላ'ኳ ኣኽረርቲ ጥብቂ ተኸታተልቲ ቅኑዕ ዝኾነ ምህሮ እንተ ነበሩ(ማቴ 23=23) ከም'እውን ኣብ ሓደ እዋን ንጌጋ ምህሮን ፥ጌጋ ኣተራጓጉማ መጽሓፍ ቅዱስን ሰዶቃውያን ሒዞም ዝነብሩ ኣቃሊዕዎም እዩ (ማቴ 22=23-33)።



የሱስ ኣብ ስብከቱ ተፈላጥነት ክረክብ ፍጹም ኣይደለየን።ካብ ቅንጣብ ሓቂ ክገድፍ ይኹን ይሕልፈ ኢሉ ክሓድግ ብሓጎስ መከራን ስቅያት ክቅበል ይመርጽ ነይሩ።"ሰላምን ሓድነትን ብዝኾነ ዋጋ " ኣብ ዝብል ኣይኣምንን ነይሩ ።ዋላኳ ጸላእቱ ከምዚ ኢሎም እንተ ተቐበልዎ "ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛ ምኳንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ከም እትምህር፡ ንፈልጥ አሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ" (ማቴ 22=16)።



መጽሓፍ ቅዱስ ኮሩዩ ኮይኑ ግን ሓጥያት ኣይትስርሑ ኢሉ ይእዝዘና (ኤፌ 4=26) እቲ ናይ ሮማ ወትሃደር ንየሱስ ኣብ ኣዳራሽ ጲላጦስ ምስ ሃረሞን ገረፎን ብትዕግስቲ ኩሉ ጸይርዎ። ንናቱ ነገር ዘበለ ዋላ ሓደ ግዜ'ውን እንተ ኾነ ኣይተቖጠዔን።ከምዚ ዓይነት እሞ ሓጥያት ምስ ኮነ ነይሩ።ኮይኑ ግን ቤት ኣቡኡ ዝምልከት ካልእ ነገር ዝተፈለየ እዩ ነይሩ።ኣብዚ ጉዳይ ካብ ምቑጣዕ ክትዕቀብ ሓጥያት ምስ ኮነ ነይሩ።



የሱስ ኣብታ ምዓልቲ ጩግራፍ ተጠቂሙ ሰባት ዘይተረድእዎ ክኾኑን ከም ክቆጻጸር ዘይክኣለን ስራሕ ስጋ ኢሎም ከይሓስቡ ብዛዕባ እዚ ኣየተሓሳሰቦን ።የሱስ ግን ኣብ ቅድሚ ገጽ ሰባት ይነብር ኣይነበረን ኣብ ዝኾነ ጉዳይ።ንሱ ሴፍ ከምጽእ ኢዩ ዝመጸ (ማቴ 10=34) ከየናሕሰየ ክኣ ተጠቂሙሉ ።እቲ ሴፍ ክኣ የቑስልን ይቖርጽን ይጎድእን ከምዚ ኢሉ ናይ ኣቦ ክብሪ ተገሊጹ።



ህይወት የሱስ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ኣዚዩ ስርዓት ዘለዎ ኣዚዩ ሰላም ዝመልኦ እቲ ኣዚዩ ሕጉስ ህይወት ዓለም ሪኢያቶ ዘይትፈልጥ ነይርዋ። እዚ ኽኣ ብምኽንያት ሙሉ ምእዛዝ ንቃል ኣምላኽ እዩ።



ኣብ ኣካላዊ ዓለም ኣጽናፍ ኣብኡ ዘሎ ስርዓት ኣብ ግምት ይእቱ።ከዋኽብቲ ፕላኔታት ኣብ ሰማይ ፍጹም ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ ይዞሩ።በዚ'ውን ግዜና ክንመልእ ንኽእል ብልክዕ ንሚሊዮናት ካልኢት ብእኦም። ከምዚ ዓይነት ዘተኣማምኑ ስለ ዝኾኑ ተመራመርቲ ስነ ኮኾብ ናይ ዝኾነ ኮኾብ ወይ ፕላኔት ኣቀማምጥኡ ኣብ መጻኢ ዝኾነ ምዓልቲ ክቕምርዎ ይኽእሉ እዮም።እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ናይ እዚ ፍጹም ዝኾነ ስርዓት ? ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ንበይኑ ንሱ ኽኣ ከዞሩሉ ኣብ ዝተዘርግሓሎም ዓንኬል መዖዲ በቲ ፈጣሪ ዘዳለዎሎም ፍጥነት እናኸዱ ብልክዕ ንፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝእዘዙ እዩ ።



ኣብ ዝኾነ ቦታ ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣብ ዘለዎ ሙሉእነትን ጽባቕን ኣሎ። ከም'እውን ኣብ ዝኾነ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ዘለዎ ቦታ ኽኣ ሕንፍሽፍሽን ግናይነትን ኣሎ።



ዋላ ከዋኽብቲ ነቲ ክውንን ሓቂ ትእዛዛት ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ሙኳኑን ትእዛዛቱ'ውን ጾር ከም ዘይኮነ ዘይዛረቡ ምስክር እዮም።



ህይወት የሱስ ምስክር ሂቡ እዩ ነቲ ሓቅን ክውንን ንእግዚኣብሄር ምምሳልን ካብ ኩሉ ጥራይ ንኽልቲኡ ኣብዛ ህይወትን ኣብታ እትመጽእን ተስፋ ዝተዋሃበናን ዘርብሕ ሙኳኑ (1ጢሞ 4=8) ዝኾነ ሰብ ዝያዳ ሕጉስ፥ ሰላም ዝመልኦ፥ዕጉብ ክኸውን ኣይክእል እዩ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ንላዕሊ።



".... ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ "( ምሳሌ 14=27) የሱስ ነቲ ትእዛዝ ከምዚ ዝብል ተኣዚዝዎ እዩ"ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ"( ምሳሌ 23=17) ኣምላኽ ጸሎቱ ሰሚዕዎ እዩ ብምኽንያት እግዚኣብሄር ምፍርሁ "ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን" (እብራውያን 5=7)ንየሱስ ሰማያት ኣብ ልዕሊ ኩፉት ነይሩ ብምኽንያት ብፍርሃት ኣምላኽ ምምልላሱ ።ሓደ እዋን'ውን ከምዚ አሉ "ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር……." (ዮውሃንስ 8=49) ከም እውን ብህይወቱ ነቲ ሓቂ ቃል ከምዚ ዝብል ገሊጽዎ እዩ "መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ"።



ናይ የሱስ ጸሎት ተሰሚዑ እዩ ፥ወዲኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን ቅጽበታዊ ዝስማዕ ነይሩ እንተ ኾነ ብምኽንያት ንእግዚኣብሄር ምፍርሁ እዩ (እብ 5=7) ብሓጎስን ብስልጣን መንፈስ ቅዱስን ትርቕቢኡ እዩ "ዘይቲ ሓጎስ" ቅጽበታዊ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝነበረ ኣይኮነን እንተ ኾነ ብምኽንያት ጽድቂ ስለ ዘፍቀረን ንሓጥያት ስለ ዝጸልኤን እዩ (እብ 1=9)።እግዚኣብሄር ገዛ ርእሱ ዝገልጸሉነቲ ሞራላዊ ንጽህና ዘለዎ ጥራይ እዩ።እዚ እዩ ሚስጢር መንፈሳዊ ስልጣን።



ኣብ ግዜ የሱስ ናይ ሃይማኖት ዓለም ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ናይ እግዚኣብሄር ኣረኣኣያ ንቕድስና የሱስ ኣይተኻፈልዎን። ናይ የሱስ ቅድስና ንጽልኦም ኣለዓዒልዎ ምክንያቲ ብዘይ ፍርሒ ሓጥያቶም ስለ ዘርኣዮም (ዮው 7=7) ስለዚ እዩ ድማ የሱስ ዝተሰቀየ ፥ዝተነጸገ፥ዝተጸልኤ ፥ዝተነቐፈ ፥ዝተወገዘ ኣማሲኡ ኽኣ ሞት ባዕሉ።እዚ ኹሉ ብምኽንያት ቅድስና ስለ ዝሰበኸ እዩ።ቅዱስ ዝኾነ ህይወት ጥራይ እንተ ዝነብር ነይሩ ኣይመሰቕልዎን ነይሮም። ።ኮይኑ ግን ንግብዝንኦም ንሓጥያቶምን ብስብከቱ ገይሩ ወጊዝዎ ።ስለዚ ኽኣ ኣፉ ክዓብስዎ ቆሪጾም ዝተልዓሉ። የሱስ ከምዚ በለ "እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። 20 ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን" (ዮው 3=19-20)።



ናይ ክርስትያን ሃይማኖታዊ ዓለም ሎሚ'ውን በቃ ሓደ ዓይነት እዩ ምኽንያቱ ወደመዝሙር ልዕሊ ጎይትኡ ኣይኮነን።ብቕድስና ምምልላስ ካብ ናይ ልብጥ ዝበለ ክርስትና ናእዳ ኣይምጽን እዩ። "ኩሎም ብፍርሂ ኣምላኽ ክነብሩ ዝደሊዩ ክስጎጉ እዮም" ኣብ ዝኾነ ሃገርን ዝኾነ ዕድመን (2 ጢሞ 3=12)እዚ ኽኣ እቲ ምስዳድ ምስቓይን ቀዳመነት ካብ ሃይማኖታዊ ዓለም ከመጽእ እዩ ኣብ ከም ጉዳይ የሱስ ክርስቶስ'ውን ከምኡ እዩ ነይሩ።



ዝኾነ ሰብ እንተ ድኣ ንየሱስ ክስዕብ ደሊዩ መጀመሪያ ኮፍ ኢሉ እቲ ዋጋ ይጸብጽብን ከም እውን ብድሕሪኡ "ነታ እትመጽእ ንደሊ አሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰከምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ" (እብ 13=12)።

Chapter 4
ብፍቕሪ ምምልላስ

እግዚኣብሄር ክልቲኡ ብርሃንን ፍቕርን ሙኳኑ ሪኢና ኢና።ኣብ ጎይታና የሱስ ሙሉእ ብርሃንን ከምእ'ውን ፍቕርን ሪኢና ኢና ክብሪ ናይ እግዚኣብሄር ።ብርሃንን ፍቕርን ዘይፈላለ እዩ።ሓቀኛ ቅድስና ብፍቕሪ ሙሉእን ሓቀኛ ፍቕሪ ፍጹም ንጹህን እዩ።ኣብዚ ተፈላልዮም ዘለውሉ ዕላማ ንምርዳእ ንዓና እዩ።



እንተ ድኣ ሓደ ቅድስና ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ኮይኑ ግና ኣምላኻዊ ፍቕሪ ዘይገልጽ እንተ ኾይኑ ሓቀኛ ቅድስና የቡሉን ግናኸ ናይ ፈሪሳውነት "ጽድቂ" እዩ ዘለዎ።በቲ ሓደ ወገን ክኣ እቶም ንኹሉ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓቢ ፍቕሪ ከም ዘለዎም ዝዛረቡ ኮይኑ ግን ብጽድቅን ንጽህናን ዘይመላለሱ ተታሊሎም እዮም ነቲ ኣመና ስሚዒተኛ ሙኳን ዘይንጹርን ብጌጋ ከም ፍቕሪ ኣምላኽ ወሲዶሞ ኣለዉ።



ፈሪሳውያን ኣዝዩ ወግዐኛን ንቑጽን "ጽድቂ" ነይርዎም ከም ዓጻም ኣስከሬን -ድንጋጸ ዘይቡሉን ዘይቕርበን ነይሮም።ገለ ሓቂ ነይርዎም ኮይኑ ግን ኩሉ ዝዘንብዔን ዘይተመጣጠነን ነይሩ።የሱስ ኩሉ ሓቂ ነይርዎ።ነፍሲ ወከፍ ንጣር ንእሽተይ ክፍሊ ሕጊ እግዚኣብሄር ካብ ፈሪሳውያን ዝገበርዎ ንላዕሊ ደው ኢሉ እዩ።ኮይኑ ግን ኣዕጽምቲ ጥራይ ኣይነበረን እቶም ይዕጽምቲ ብስጋ ተሸፊኖም ነይሮም ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰባት ዝመደቦ እቲ ብርሃን ብፍቕሪ ዝተሸፈነ ምእንቲ ክኸውን።የሱስ ሓቂ እዩ ተዛሪቡ ኮይኑ ግን ብፍቕሪ ነይሩ (ኤፌሶን 4=15) ቃላቱ ስልጣን ነይርዎ እንተ ኾነ ጸጋ ዝመልኦ'ውን ነይሩ (ሉቃ 4=22-36)።



ነዚ ተፍጥሮ እዩ መንፈስ ቅዱስ ዝደልዮን ምሳና'ውን ክራኸብን ብኣና ሓሊፉ'ውን ክግለጽ።



እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ ።በቃ ስቕ ኢሉ ተግባራት ፍቕሪ ኣይኮነን ዝገብር ።ንሱ ኣብ ኣዚዩ ባህሪ ህላዊ ፍቕሪ እዩ።ክብሪ ኣምላኽ ኣብ የሱስ ከም ዝተርኣየ ነዚ ኣዚዩ ይገልጾ።"ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝኾነ እናዞረ ጽብቕ ከም ዝገበረ" (ግብ 10=38) ኮይኑ ግን እዚ ብምኽንያት ፍቕሪ እግዚኣብሄር ንብዘሎ ተፈጥሩኡ ዝውሓዞ እዩ።



ፍቕሪ መበቆል ኣለዎ ልክዕ ከም ቅድስናን ትሕትና ኣብቲ ናይ ውሽጢ ስብና እዩ።ካብቲ ኣዚዩ ውሽጣዊ ተፈጥሮ ብመንፈስ ዝተመልኤ ሰብ ካብዚ እዩ ህይወት ዝውሕዝ(ዮው7=38-39)። ሓሳብና ኣረኣእያና ዋላ እኳ ፍጹም እንተ ዘይተገለጸ ንቃላትና ተግባርናን መንነትናን ጨና ይህብ እዩ።በዚ ኽኣ ካልኡት ብቕሊሉ ነዚ ጨና ከስትብህልዎ ይኽእሉ።ቃላትና ተግባራት ፍቕርን ዋላ ሓንቲ ክቑጸሩ ኣይክእሉን እዮም።ሓሳብና ኣረኣእያና ንኻልኡት ነቐፌታዊን ስስዔን ንዓይ ይጥዓመንን እንተ ድኣ ኮይኑ ዝተርፍ "እንሆ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ እዩ ዝደልያ" (መ.ዳዊት 51=6)።



የሱስ ዝልዓለ ዋጋ እዩ ኣቐሚጡ ኣብ ኩሉ ወዲ ሰብ ስለዚ ኽኣ ንኹሉ ሰብ ኣኺቢሩ ።ቀሊል እዩ ንናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንስልጡን፥ ንብዓል ኣእሙሮ ከተኽብር ዋላ እኳ ንኹሎም ይሕዋት ከነፍቅር ከለና ናብ ዝልዓለ ብራኸ ከም ዝበጻሕና ገይርና ክንሓስብ ንኽእል።ኮይኑ ግን ክብሪ ኣምላኽ ኣብ የሱስ ዝተርኣየ የሱስ ንኹሉ ሰብ ብምፍቃሩ እዩ ።የሱስ ንዋላ ሓደ ኣይዓቐን ብድኽነቱ ፥ብዘይምፍላጡ፥ግናይ መልክዕ ብምሓዙ ወይ ጉድለት ናይ ኣየዓባብያ ሓደ ዘለዎ ብምኻኑ።የሱስ ብንጹር ገሊጽዎ እዩ ብዘላ ኩላ ዓለም ኣብኣ ዘሎን ካብ ዋጋ ሓንቲ ነፍሲ ከም ዘይበልጽ (ማር 8=36)።



እዚ እዩ ከመይ ንሰብ ዋጋ ከም ዝህብ።ስለዚ ብኹሉ ሰብ ተሓጊሱ።ንሱ ሰባት ብሰይጣን ተኣሲሮሙን ተታሊሎምን ምስ ርኣየ ሓራ ከውጾም ተመኒዩ።



ኣዚዩ ዓቢ እዩ ካብ ፍቕሪ ዝተወለደ ባህጊ ፥ንሱ ነቲ ናይ መወዳእት ዋጋ ንስባት ካብ ሓጥያት ሓራ ከውጽእ ፍቓደኛ ነይሩ።ከም'እውን ንሰባት ካብ ሓጥያቶም ከድሕኖም ክመዉት ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ ኣንጻር ሓጥያት ሓይሊ ብዝመልኦ ክሰብኽ መሰል ረኺብ።መስለ የብልናን ኣንጻር ሓጥያት ክንሰብኽ እንተ ድኣ ኣብ ስጋና ዘሎ ሓጥያት ዘይፈሪዲና ወይ እንተ ድኣ ዘይስዒርናዮ ወይ ክንመውት ፍቓደኛ እንተ ዘይኮይና፥ እንተ ድኣ ኣድሊዩ ንኻልኡት ካብ ሓጥያት ከነድሕን ኣንጻሩ እንሰብኮ።እዚ እዩ እንታይ ማለት ሙኳኑ "ብፍቕሪ ሓቂ ምዝራብ" (ኤፌ 4=15)።



ናይ ፍቕሪ ልዙብ በቶም እንዛረቦም ቃላት ኣብ ካልኡት ንኽብሪ ኣምላኽ ፍረ ዘፍሪ ዋላ'ኳ ኣብ ሰሜን ደብቡን ዋልታ ብዙሕ ብርሃን እንተ ሃለወ ኣብኡ ዝቦቁል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን ምኽንያቱ ኽኣ ብሰንኪ ሕጽረት ሙቐት።



የሱስ እቲ ተዛማዲ ዋጋ ሰብን ምድራዊ ነገራትን ብንጹር ሪኢዎ እዩ።ሰባት ክፍቀሩ ከም እተፈጠሩን ነገራት ክኣ ክትጥቅመሎም ፈሊጡ እዩ።ብሰንኪ ብዕሉግ ጽልዋ ሓጥያት እዚ ቅድመ ተኸተል ስርዓት ኣብ ዓለም ዘንቢዑ ነገራት ሰብ ኣፊቅርዎም ንሰባት ክኣ ተጠቂሙሎምን ንናይ ሰብ ዕላማታት።



ሰባት ካብ ነገራት ንላዕሊ ኣዝዮም ኣገደስቲ ሙኳኖም የሱስ ሪኢዋ እዩ።ንሰባት ኣዚዩ ኣፍቂርዋም ምስኦም ከም ሓደ ተቖጺሩ ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ከም ዝስምዖም ውን ገይሩ።ጾሮም ተኻፊሉ ነቲ ንታሕቲ ዝወደቐ ሰናይ ቃላትን ነቶም ኣብ ህይወት ግድልን ዝተሰዓሩ መጸናኒዒ ቃላት ሂብዎም።ፍጹም ንዝኾነ ሰብ ከም ዘይጠቅም ገይሩ ኣይወሰዶን። ብርግጽ ዘይበሰሉ ክኾኑ ይኽእሉ ኮይኑ ግን ገና ክድሕኑ ዘድሊዮም ሰባት እዮም።



በቲ ሓደ ወገን ክኣ ነገራት ዋላ ሓንቲ ኣይገደስዎን ነይሮም።ቁሳዊ ነገራት ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብሎሙን ንኻልኦት ረብሓ እንተ ዘይተጠቂምናሎም ።ሓደ ክሓስብ ይኽእል እንተ ድኣ ሓደ ቆልዓ ጎረቤት ኣብ ናይ የሱስ ጽርቤት ዕንጸይቲ ዱኳን ኣትዩ ሓደ ክቡር ነገር እንተ ዝሰብር።እዚ ነገር የሱስ ኣይምስረበሾን ነይሩ ብዝኾነ መንገዲ ምኽንያቱ ካብቲ እተሰበረ ንብረት ንላዕሊ እቲ ቆልዓ ኣዚዩ ክብሩን ኣገዳስን ስለ ዝኾን ።ንሰባት ኣፍቂሩ እምበር ንነገራት ኣይኮነን።ነገራት ንሰባት ኣብ ምሕጋዝ ክንጥቀመሎም ኣሎና።



መንፈስ ቅዱስ ኣተሓሳስባና ይሕድሶ እዩ ምእንቲ "ንነገራት ብመንጽር ኣምላኽ ኮይና ክንሪኦም" ( ቆሎ 1፥9 - ፊሊጲ) ንሰብ ምፍቃር ማለት ከምቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዝሪኦ ገይርካ ብድንጋጸ ምርኣይ ማለት እዩ።



እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ይሕጎስ እዩ ብእልልታ (ጾፎ 3=17) ድማ ስለ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ተመለኤ ናይ ኣቡኡ ሓጎስ ንደቁ ኣካፊልዎም እዩ ፥ስለዚ እዚ ፍቓድ ምስቶም ሰባት ብመንጽር ኣምላኽ ዝሪኦም ክሪኡ ኣኣምርኦም ዝተሓደሰ።እቶም ሓሳባት የሱስ ብዛዕባ ካልኡት ኩሉ ግዜን ቀጻልን ሓሳባት ፍቕሪ እምበር ሓሳብት ነቔፌታ በቲ ጠገለ ዘይብሎሙን ስልጡናት ዘይሙዃኖምን ኣይነበረን።ሰባት እምብኣር በዚ ክፈልጥዎ ይኽእሉ ነይሮም ነቲ ሙኡዝ ጨና መንፈሱ"ድማ እቶም ተራ ሰባት ተሓጊሶም ሰምዔሞ" (ማር 12=37 ) KJV። እዚ እዩ እቲ ፍቅሪ ኣምላኽ ንልብና ዝውሕዞ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላኣ ከለና (ሮሜ 5=5)።



የሱስ ቀጻሊ ንሕሙማት ንስኡናት ንዝጠመዩ ጓሳ ዘይብሎም ብድንጋጸ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ።ሕሰሞም ናቱ ገይርዎ እዩ ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ ከጸናንዖም ዝኽኣለ።ንኻልኡት ኣብ ጸገሞም ከነጸናዖም እንኽእል ብመጠን ገዛእ ርእስና እቲ ጸገም ናትና ጥራይ ገይርና እንተ ቆጺርናዮ ጥራይ እዩ።የሱስ ናይ ካልኡት ዘድልዮም ነገር ስእነት ንቑሕ ነይሩ ምኽንያቱ ኣብቲ ኩነታት ርእሱ ከቐምጥ ሓሳቡ ይጥቀም ነይሩ በዚ እዩ ኽኣ ንጸገሞም ክርዳእ ዝኽእል ዝነበረ ።ሓደ እዋን ኣዚዩ ጉሂዩ ነይሩ ሰባት ተሪር ልቢ ዘለዎም ድንጋጸ ዘይብሎም ብሱኡን ንዝተሸገረ ሰብ (ማር 3=5)።



የሱስ ምስ ሰባት ዝነበሮ ዝምድና ቀጻሊ ንርእሱ ይመውት ነይሩ፥ብዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር ብምግባሩ ወይ ብምዝራቡ ቂር ይብሎ ይሓርቕ ፍጹም ኣይነበረን።ከም'እውን ካልኡት ሓደ ነገር ክገብርሉ ስለ ዘይክኣሉ ፍጹም ቂር ይብሎ ኣይነበረን፥ምኽንያቱ ዝኾነ ነገር ካብ ካልኡት ይጽበ ኣይነበረን።ንሱ ከገልግል እምበር ሰባት ከገልግልዎ ኣይመጸን።



መሰቀል ምዓልታዊ ይሽከም ስለ ዝነበረ የሱስ ብዝኾነ ሰብ ፍጹም ኣይሓረቐን ምንም እኳ እቲ ሰብ ዘይበሰለን ዓሻ እንተ ኾነ።ናይ ካልኡት ዝሕታለን ንመትንታቱ ዘይእርንቡነት ዘይስሩዕነት ሸልልትነት ንኻልኡት ኣይገበሮን ፍጹም ትዕግስቲ ዘይብሉ ኣይገበሮን።እቲ ፍጹም ሰብ ብቕሊሉ ክጽመም ይኽእል እዩ ንፍጹማት ዘይኮኑ ሰባት።ፍጹማት ዘይኮኑ ሰባት ጥራይ ካልኡት ፍጹማት ዘይሙዃኖም ዘይጽወር ኮይኑ ይረኽብዎ!። ንኻልኡት ምዕጋስ እቲ ሓደ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ንኻልኡት እዩ።



ኣብ ግምት ይእትው ክብሪ ናይ የሱስ ፍቕሪ ኣብ ዘረብኡ ፍጹም ንኻልኡት ኣይቆናጽብን ወይ ዘንኣእስ ሓሳብ ኣይሕልፍን ወይ ብዛዕባ ጎዶልኦም ኣይጨርቕን ።ንምፍላጡ ወይ ንምግላጹ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዘቑስል ቃላት የሱስ ኣይተዛረበን።ጉድለታት ደቂመዛሙርቱ ብድሕሪኦም ኣይተዛረረበሎሙን ኣዚዩ ዘገርም እዩ ኣብ ስለለስተ ዓመት ንይሁዳ እስቆርታዊ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓሰርተ ሓደ ደቂመዝሙር ኣየቃሎልዖን።ዋላ ኣብታ ናይ መወዳእታ ድራር እቶም ዓሰርተ ሓደ ደቂመዛሙርቲ ንጎይትኦም መን ከም ዝኽሕዶ ክግምቱ ኣይክኣሉን።



የሱስ መልሓሱ ንኻልኡት ከጸናንዕን ክግስጽን እዩ ተጠቂሙሉ በዚ ኽኣ መልሓሱ መሳርሒ ህይወት ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ኮይኑ።መልሓሱ ነቲ ዱኹም ብቃል ገይሩ ከበርትዖ ተጠቂምሉ(ኢሳ 50=4)ከም'እውን ከም ሴፍ ነቲ ዕቡዩን ብድዔ ዘሎዋ ንሙቁራጽ ውን(ኢሳ 49=2)።



ከመይ ዝበለ ዓቢ ተጸናኒዖም እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚኢቲን እታ ከንኣናዊት ሰበይትን የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰብ ብእምነቶም ምስንኣዶም ዝተስምዖም (ማቴ 8=10 ፥ 15=28)።እታ ሓጥያተኛ ሰበይቲ በቲ ዘለዋ ፍቕሪ ዝተንኣደት (ሉቃ 7=47) ማሪያም ብዓልቲ ቢታንያ በቲ ዘቕረበቶ መስዋእቲ ዝተንኣደት (ማር 14=6) ንቃላት የሱስ ፍጹም ክርስዕዎ ኣይክእሉን እዮም።



ከመይ ኣጽኒዒዎ ክኸውን ኣለዎ ንጴጥሮስ በቲ መረጋገጺ የሱስ ክጽሌልካ እየ ዝበሎ (ሉቃ 22=32) በቃ ሒደት ቃላት ኮዩን ግን እንታይ ሓይልን ምጽንናዕን ዘሰነይዎ።



ካልኡት ብዙሓት ካብ ከናፍር የሱስ ቃላት ምስ ሰምዑ ዝደኸመ መንፈሶም ዘልዓሉ ክህልዉ ኣለዎም ምኽንያቱ ኣብ ኢሳ 50=4 ከምኡ ስለ ዝብል።የሱስ ንድምጺ ኣብኡ ምዓልታዊ ይሰምዕ ነይሩ ምእንቲ በዚ ገይሩ ንዝደኸሙ ዝተሓለሉ ነፍሳት ኣብ መንገዲ ዘጋጥምዎ እዋናዊ ዘድልዮም ቃል ክህልዎ።



ጽድቂ ናይ የሱስ ቅዙን ዝተከዘ ትሪኢት ኣይህብን ነይሩ።ኣይፋሉን።ንሱ ድሮ ስቕለቱ ከም ዝውሕዝ ብዘይቲ ሓጎስ ተቐቢኡ ነይሩ (እብ 1=9) ።በዚ ውን ንሃዋሪያት ከምዚ ክብሎም ኪኢሉ ".….ሓጎሰይ ኣባኸትኩም ምእንቲ ክኸውን " (ዮው 15=11) ኣብ ኩሉ ቦታ ነቶም ሓጎስ ዘይብሎም ዝጉሃዩ ነፍሳት ሓጎሱ እናዘርግሔ ከይዱ።



የሱስ ንኹሉ ሰብ ሕያዋይ ነይሩ ፥ ፍጹም ሻንብቆ ኣይሰበረን ወይ ዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍ ውን ኣይጥፍኤን(ማቴ 12=20) ኣብ ዱኹም ጽቡቕ ነጥቢ ሪኡ ኣብ ሓጥያተኛታት ሰባትን እቲ ዝበለጸ ነፍሲ ወከፍ ክኣ ተስፋ ገይሩ።የሱስ ምሳኻ ክኸውን እትብህጎ ሰብ እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ዝርዳእ ለዋህን ሕያዋይን ስለ ዝነበረ።እቶም ዕቡያትን ብሚስጥር ሓጥያት ዝሰርሑን ግን ሪሒቖሞ።



ፍቕሪ ናይ የሱስ ስሚዒታዊ ኣይነበረን።እቲ ዝልዓለ ጽብቕ ንኻልኡት ደለየ። ከም'እውን ናይ ተግሳጽ ቃላት ኣብ ዘድሌሉ ግዜ ክህብ ኣይተዋላወለን ።ንሱ ጴጥሮስ ገሲጽዎ እዩ ናብ መስቀል ካብ ምኻድ ክኣልዮ ምስ ፈተነ እቶም ቃላት ተረርቲ ከም "ካባይ ርሓቕ ሰይጣን" (ማቴ 16=23)።



ንዮውሃንስን ያዕቆብን ክብርን ኣብ ልዕሊ ሳምራውያን ሕነ ምፍዳይ ስለ ዝደለዩ ገሲጽዎም እዩም ።(ማቴ 20=22 ፥ ሉቃ 9=55) ከም እውን ብዘይምእማኖም ንደቂመዛሙርቲ ሸውዓተ ግዜ ገሲጽዎም እዩ ።



የሱስ ፍጹም ሓቂ ከይዛረብ ኣይፈርሔን ዋላ እኳ ንኻልኦት ዝጎድእ እንተ ኾነ ምኽንያቱ ልቡ ንዕኦም ብምፍቃር ዝተመልኤ እዩ ነይሩ። እቲ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ብዛዕባ ህያውነቱ ሓቂ ስለ ዝተዛረበ ከይጠፍእ ኣይተሓሳሰቦን ።ካብ ገዛ ርእሱ ኣብሊጹ ካልኡት ኣፍቂሩ ስለዚ ምእንቲ ክሕግዞም ነቲ ጽብቕ ስሙ ክስውእ ፍቓደኛ ኮይኑ ።ስለዚ ምእንቲ ሰባት ንዘልኣለም ክይጠፍኡ ኢሉ ነቲ ሓቂ ጸኒዑ ተዛሪቡ።ካብቲ ሰባት ብዛዕብኡ ዝህብዎ ሪኢቶ ንላዕሊ ናይ ሰባት ዘልኣለማዊ ድሕነት ኣዚዩ ብዙሕ ኣገዲስዎ እዩ።



ጴጥሮስ ንኣገልግሎት የሱስ ብኸምዚ ገሊጺዎ " እናዞረ ጽቧቅ ይገብር ነበረ" ኢሉ (ግብ 10=38) ብሓቂ እዚ ድምር ናይ ኩሉ ህይወቱ እዩ።ንሱ ንፉዕ ሰባኺ ጥራይ ኣይነበረን ወይ ነፍሳት ናብ ኣምላኽ ምምጻእ ጥራይ ኣይኮነን ዘገድሶ ነይሩ።ንሱ ንሰብ ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍቂርን ኣብ ዝኾዶ ዝነበረ ቦታ ጽብቕ ይሰርሕ ነይሩ ንኽልቲኡ ንሰብነትን ነፍሳትን ሰባት።



ጸላእቱ ኣባጬሙሉ ከምዚ ኢሎም ብምጽዋዕ " ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን" (ሉቃ 7=34) እዚ ክኣ የሱስ እቲ ልክዕ ዝነበሮ እዩ ዓርኪ እቶም ኣዚዮም ኣብ ሕብረተሰብ ዝተንዓቑ ነይሩ።



ንሰብ ተፈጥራዊ ኣይኮነን እናዞረ ጽቡቕ ክገብርን ምስቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝተነጸጉ ዓርኮም ክኸውንን።ዋላ እኳ ከምዚ እንተ ገበረ ኩሉ ግዜ ኣብ ገዛ ርእሱ ማእከል ዝገበርው ሃቐና እዩ።እንተ ኾነ ናይ የሱስ ፍቕሪ ንቶም ዝተንዓቑን ዓርኪ ዘይብሎምን ንጹህን ንሰብ ይጥዓሞ እዩ ነይሩ።



ንተፈጥሮ የሱስ ብባህሊ ብምምሕያሽ ክንገልጾ ኣይንኽእልን ኢና ግናኸ ንቲ ተፍጥራዊ ብሙማት ጥራይን ነቲ መሎኮታዊ ዝኾነ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብምቕባልን እዩ።



ናይ የሱስ ፍቕሪ ንደቂ መዛሙርቱ ርስሓት ዘለዎ ስራሕ ከም ይእጋሮም ምሕጻብ ተሓጊሱ ከገልግል ኣኽኢልዎ ።እዚ ብትሕትና ክምስጦም ኢሉ ዝገበሮ ኣይኮነን።ኮይኑ ግን ተፈጥራዊ ዝውሕዝ ፍቕሪ ንዕኦም እዩ።



ናይ ሰብ ሰናይነትን ፍቕርን ወትሩ ገለ ዝትሓበኤ ሃቐና ኣለዎ ከም ክብሪ ምድላይ ወይ ካልእ ብንኣይ ይጥዓመኒ ።ምኽንያቱ ምንጩ ብልሹው ስለ ዝኾነ።ኣምላኻዊ ፍቕሪ ንበይኑ ጥራይ እዩ ዘይብልሽው።የሱስ ንገለ ረብሓ ኢሉ ብምሕሳብ ጽቡቕ ኣይገበረን።ሰናይነቱ ምግላጽ ተፈጥሮ ኣብኡ እቲ "ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ" (ማቴ 5=45)።



ኣብ ዮውሃንስ 13=29 ዘለዉ ቃላት ደቂመዛሙርቱ ናይ የሱስ ኣብ ኩሉ ግዜ ኣገልግሎቱ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ዝርኣይዎ እዩ ዘመልክት።የሱስ ንኽልተ ዕላማታት ገንዘብ ክጥቀም ከሎ ሪኤሞ እዮም።እቲ ዘድሊ ንምግዛእን፥ ንድኻታት ምሃብን።



የሱስ ንደቂመዛሙሩ "ምሃብ ካብ ምቕባል ከም ዝባርኽ" ሚህርዎም (ግብ 20=35) ከም'እውን ብህይወቱ እቲ ሕጉስ ኣዚዩ ዝተባረኸ ህይወት ሰብ ክነብሮ ዝኽእል ፤ኣብዛ ምድሪ እቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንኣምላኽን ንኻልኡትን ዝነብር፥ ገዛ ርእሱ ዝህብን ትሕዝትኡ'ውን ንኻልኡት ሙኳኑ ብህይወቱ ገሊጽዎ።



የሱስ ነቢዑን ጸሊዩን እዩ ነቶም ዝሰበኸሎም።ስለ ዮርሳሌም'ውን ነቢዑ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምቕባል ምስ ኣበዩ።ስለ እቶም ጉቡዛት ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ነቢዑ ቅድሚ ጩጉራፍ ገይሩ ገሪፉ ከየውጾእም ከሎ (ሉቃ 19=41,45) እቲ ዝነብዕ ጥራይ እዩ ብቑዕ ፥ጩጉራፍ ክጥቀም።



ዝኾነ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ካብቲ ናይ የሱስ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስራሕ ክፍጽሞ ዘለዎ ንላዕሊ ኣይተርኣየን።ስለሰተ ዓመት ሕዝባዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ጠቓሚ ዕዮ ዝገበረ የለን።ብሓቂ የሱስ ምዓልትን ለይትን ብስራሕ ዝተጸመደ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።ገና ናይ ድንቂ ድንቂ ሰባት ክረኽብዎ ዝደለዩ ዘስተናግድ ጽሓፊ ፍጹም ኣይገበረን!'ደቂመዝሙሩ ከም ጽሓፍቲ ክኮኑ ምስ ፈተኑ ንሱ ገኒሕዎም እዩ (ማር 10=13-15)።



የሱስ ገዛ ርእሱ ነጻ ገይሩ እዩ ቀሪቡ ኩሎም ሰባት ኣብ ዝኾነ ግዜ ክረኽብዎ ።ሽሕኳ ኣዚዩ ካብ ናይ ዝኾነ ሰብ ዝዓቢ ኣገልግሎት እንተ ነበሮ፥እቲ ክውን ጥራይ ብዙሓት ሰባት ጠለባት ምስ ገበሩ ኣብ ግዚኡ።



ቤተሰቡ ካብ ኣእምሩኡ ወጻኢ ኣሎ ኢሎም ክሓስቡ ገይርዎም የሱስ ምእንቲ ንሰባት ጎዲሊዎም ዘሎ ነገር ከገልግል ኢሉ ዋላ ንምብላዕ ውን ግዜ ከም ዘይረክብ ክኸውን ነዚ ነገር ብምፍቃድ (ማር 3=20-21)።



ሰባት ንየሱስ ብነጻ ክትቀርቦ ከም እትኻል ፈሊጦም እዮም በዚ ምኽንያት እዩ ኒቀዲሞስ ነጻ ዝተስምዖ ንየሱስ ኣብ ግዜ ለይቲ ክበጽሖ እዚ የሱስ ድሕሪ ቀትሪ ጹዑቕ ናይ ምስባኽ ዕዮ ምስ ዓየየ ማለት እዩ።ኒቀዲሞስ ብምልኣት የሱስ ብጹቡቕ ከም ዝቕበሎ ፈሊጡ እዩ።የሱስ እዚ ጦብላሕታ እዩ ንሰባት ሂብዎም ሓገዝ ደሊዮም ቀትሪ ኮነ ለይቲ ብጽቡቕ ከም ዘስተናገዶም።



ሓደ ግዜ ሕሙማት ድሕሪ ጽሓይ ምዕራባ ኣምጺኦምሉ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም የሱስ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ኢዱ ኣንበረሎም (ሉቃ 4=40) እዚ ነገር ብዙሕ ስዓታት ወሲድሉ ክኸውን ኣለዎ ኮይኑ ግን ብእኩብ ጸሎት ጸሊዩ ነቲ መስርሕ ክሕጽሮ ኣይፈተነን።ንሱ ንነፍሲ ወከፍም ተገዲስሎምን ብውልቂ'ውን ኣድህቦ ገይርሎም።እቲ ክውንን ናይ ድራርን ብዙሕ ስዓታት ናይ ድቃስ ግዜ ምሕላፉ ኣይገደሶን።



የሱስ ግዚኡ ከም ናቱ ገይሩ ኣይሓሰቦን።ብምልኣት ገዛ ርእሱ ንሰባት ሂቡ።ሰባት ዝተሸገሩ ኣብኡ ክምገቡ፥ ግዚኡ ፥ትሕዝትኡ ኩሉ ነገሩ (ኢሳ 58=10) ንጸገምን ዘይምቹእነትን ክረክብ ፍቓደኛ ነይሩ ፥ ሰባት ናብ ብሕትንኡ ህሩግ ስለ ዝበሉ ፍጹም ዘይሕጉስ ኣየነበረን።



እቲ ሓያል ልዕለ ተፍጥሮ ውህበታት መንፈስ ብየሱስ ዝተገለጹ ንብዙሓት ሰባት ባሪኹ እዩ።ምኽንያቱ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብኡ ብፍቕሪን ድንጋጸን ተሰቲሩ ስለ ዝነበረ ።ትኣምራት ብዘይ ፍቕሪ ድንጋጸን መንፈሳዊ ሞት ከምጽእ ይኽእል እዩ።ልክዕ ከም ዘይተሽፈነ ሓይሊ አሌትሪክ ዘለዎ ገመድ።



ፍቕርን ሓሊዮትን የሱስ ንቤተሰቡ ክሳብ ንስግኦም ዝደልዮም'ውን ዝተዘስርግሔ እዩ ነይሩ።እቲ ዝተጠቕለለ ሓሳብ "ዕዮ ጎይት ዝብል" ኣይነበሮን ከምቲ ፈሪሳውያን ናብ ናይ "ሙሉእ ግዜ ኣገልግሎት" ንዝኣተወ ስብ ንድሌታት ቤተሰብህ ክጎሲ ዘተባብዕዎ ዝነበሩ።ምኽንያቱ ኽኣ "ንኣምላኽ ምፍቃር ካብ ስድራኻ ንላዕሊ" ዝብል ስለ ዝነበሮም (ማር 7=10-13) ኣብ መስቀል የሱስ ክመዉት ከሎ ብሓሳብ ዝተመልኤ ነይሩ ናይ ኣዲኡ መጻኢ ዘድሊያ ክቕርብ (ዮው 19=25-27)።



የሱስ ኣዚዩ ሙሉእ ብሙሉእ ንኣምላኽን ንኻልኦትን ነቢሩ፥ዋላ ክመውት ከሎ ንቲ ዓምጺ ናብ ምድሓን ክመርሖ ግዜ ረኺቡ። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከሎ ብዛዕባ ስቅያቱ ዘባጨውሉ ዝጸልእዎን ግዲ ኣይገበረን ዝያዳ ዘተሓሳሰቦ እቶም ዝሰቐልዎ ሓጥያቶም ምእንቲ ክሕደገሎም ነይሩ "የሱስ ድማ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም በለ…." (ሉቃ 23=34)።



የሱስ ንክፉእ ብሰናይ ገይሩ ኩሉ ግዜ ይስዕሮ ነይሩ።ዕልቕልቕ ናይ ጽልኢ ናይ ካልኦት ነቲ ሃልሃልታ ፍቕሩ ከጥፍኦ ኣይክኣለን "ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም" (ምኅልየ ሰሎሙን 8=7)።



እዚ እዩ እቲ ፍቕሪ የሱስ ብመንፈሱ ገይሩ ዝህበና በዚ ገይርና ኽኣ ክንፋቐርን ንኽእል ኢና ዋላ ከምቲ ዘፍቀረና (ዮው 13=34 -35 ) "በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ" (ሮሜ 5፥5 ) በዚ ንሕና'ውን ነቲ ሞሎኮትዊ ተፈጥሮ ክንገልጽ ኢና።

Chapter 5
ብመንፈስ ምምልላስ

ኣብ ዝሓለፈ ስለሰተ ምዕራፋት የሱስ ኣብ ምድሪ ብትሕትና፥ ፥ቅድስና፥ፍቕርን ከም ዝተመላለሰ ሪኢና ኢና።



እቲ ሓደገኛ ነገር ሕጂ ኣብ እዞም ዝተጠቐሱ ንየሱስ ክንቀድሕ ከም እንኽእል ምሕሳብ እዩ።ክብሪ ኣምላኽ ብኣና ክግለጽ ኣለዎ ንየሱስ ብምቅዳሕ ግን ኣይኮነን ኮይኑ ግን ብተኻፈልቲ ኣምላኻዊ ተፈጥሮ እዩ።



ብዙሓት ክርስትያናት ዘይኮኑ ኣብ ታሪኽ ዓለም ንየሱስ ኣድናቖት ዘለዎም ንትሕትንኡ ንጽህንኡ ፍቕሩን ክቐድሕዎ ፈቲኖም እዮም ብመጠኑ ኽኣ ካብኡ ጽብቕ ዕዮ ሰሪሖም እዮም።ኮይኑ ግን ሙቖት ዘይህብ ከምቲ ዝተቐብኤ ሓዊ እዩ።



ምቕዳሕ ኣልማዛት ነቲ ሓቀኛ ክቡር ዑንቂ ብዙሕ ክመስል ይኽእል እዩ ፥እዚ ፍልልይ ክፈልጦ ዝኽእል እቲ ብዓል ሞያ ጥራይ እዩ።እንተ ኾነ ንኣሽቱ ቁርጽራጻት ቤትሮ ብምንጽጻር ዋጋ ዘይብሉ እዩ።ከም'እውን ሰብ ናይ ምቅዳሕ ብዓል ሞያ ኪኢላ እዩ ዋላ ኣብ ዓውዲ ንየሱስ ምቅዳሕ።



ከመይ ገይርና ካብ ስሕተት ምትላልን ነምልጥ ? ከመይ ገይርና ንፈልጥ ንየሱስ ጥራይ ንቐድሕ ዲና ዘሎና ወይ ብርግጽ ተኻፈልቲ ናይ ኣምላኻዊ ተፍጥሮ ?



ሓደ እንኮ መንገዲ ኣሎ እዚ ኽኣ ንመንፈስ ቅዱስ ብምፍቃድ ንቃል ክጥቀምን ከቃልዕን ክፈልን ነቲ ነፍሳዊ ካብ መንፈሳዊ ኣብ ህይወትና (እብ 4=17)።ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ክንፈሊ እንተ ድኣ ዘይኪኢልና ሙሉእ ብሙሉእ ክንታለል ንኽእል ኢና ከም እተታለልና'ውን ዋላ ክንፍልጥ ኣይንኽእልን ኢና።



ኣብዚ ግዜና ኣመንቲ ዝያዳ ኹሉ ክፈልጥዎ ዘድሊ ከመይ ሓይሊ ናይ ኣእምሮና ስሚዕታትና ፍቓድና ንስራሕ መንፈስ ቁዱስ ክዕንቅፍ ከም ዝኽእል እዩ።ኣብቲ መንፈሳውን ነፍሳውን ንጥፈታት ክንፈላሌሉ ኣብ ዘይንኽእል እዋን ብገዛእ ልብና ከይንታለል ጥራይ ኣይኮነን ተኽእልሎ ዘሎ ግናኸ ከም'እውን ብናይ ብርኹሳት መናፍስቲ ነቲ ዕዮ ኣምላኽ ዝትምንይዎ'ውን እምበር።



መብዛሕትኦም ኣመንቲ ሙሉ ብሙሉእ ኣፍልጦ የብሎምን ብዛዕባ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ንጥፈታት ነቲ ነጥቢ ዝያዳ ምዕባለ ኣብ ምፍላይ ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ከም ዝሙርከስ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶም ኣይማዕበሉን።



ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ዘሎ ተማሃራይ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ካልኩላስን (calculus ) ኢንተግራል ካልኩላስን (integral calculus ) ከይፈሊ ይኽእል ይኸውን ምናልባትውን ክልቲኦም ከም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ ገይሩ ይሓስቦም ይኸውን ምኽንያቱ ዝኣክል ኣብ መጽናዕቲ ሕሳብ ኣይሰጎመን።ዝያዳ ምዕባለ ንኽልትኢ ካልኩላስ ኣብ ምፍላይ እዩ ዝሙርኮስ።



እንተ ድኣ ብሰብ ቅኑዕን ለዋህን ህዱኡን ደንጋጽን ሰለ እተወሰድካ በዚ እንተ ዓጊብካ ኮይንካ ሽዑ ካብ "ነፍሳዊ" ክርስትያን ኪኒኡ ኣይትኸይድን ኢኻ።ከም'እውን ኪንዮ ንየሱስ ምቅዳሕ።



ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣብ ስለስተ ምድብ ይኸፍሎም


❶.መንፈሳዊ ሰብ (1ቆሮ 3=1)


❷.ነፍሳዊ ሰብ (1ቆሮ 2=14


❸.ስጋዊ ሰብ (1 ቆሮ 3=10)



እዚ ምስ ስለሰተ ክፋል መንነት ሰብ ዝሳነ እዩ ኣብ 1 ተሰ 5=5=23 መንፈስ ፥ነፍሲን ኣካልን ተጠቒሱ ዘሎ።



ብድሌታት ስጋ ክንምራሕ ከለና ስጋውያን ኢና።ኮይኑ ግን ነዞም ድሌታት ክንስዕሮም እንኽእልን ገና ግን ነፍሳውያን ጥራይ ክንከውን ንኽእል ኢና ።ብድሌታ ኣእምሮን ስሚዒትን ንምራሕ። መንፈሳዊ ሰብ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕን ነፍሱን ስጋኡን ክኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንፈስን እዩ።



ምንም እኳ እቲ ነፍሳዊ ሰብ ከምቲ ስጋዊ ሰብ "ተጻራሪ ኣምላኽ" እንተ ዘይኮነ (ሮሜ 8=7) ገና ግን ንሱ ንመንፈስዊ ነገር ክቕበል ወይ ክርዳእ ኣይክእልን እዩ።( 1 ቆሮ 2=14) ምኽንያቱ ንዕኡ ዕሽነት እዩ ።ዋላ እኳ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ነፍስን መንፈስን ዘሎ እንተ ቐረበሉ ንዕኡ ከም ዕሸነትን ዘይድልን እግሩን እዩ ምኽንያቱ ንሱ ነፍሳዊን ዕጉብ'ውን እዩ ነፍሳዊ ብሙኳኑ እዚ ኽኣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ጽቡቕ ምስክርነት ኣለዎም።ንሱ እቲ ክብሪ ሰባት ዝደሊ ካብ ነፍሳዊ ሙኳን ኪንኡ ክስጉም ኣይክእል እዩ።



ሎሚ ኣብዚኤን ምዓልታት ብዓቢ ዝርግሔ ስሕተት ኣብ ናይ ክርስትያናት ማሕበር ኣምላኽ ብብዙሓት ድምጽታትን ምግላጻትን ኩሎም ነዚ ነገር ካብ ኣምላኽ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ፥ስለዚ ኣገዳሲ እዩ ካብቲ ፍጹም ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ መንገዲ ኣብ ሞንጎ ነፍሳዊን መንፈሳዊን ንጥፈታት ክንፈላሊ ።


እንተ ድኣ ካብቲ እቲ እኩይ ተንኮሉ ርእስና ክንሕሉ ኮይና።



"ከምኡ ድማ እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ህያው ነፍሲ ዀነ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ" (1 ቆሮ 15=45)።



ንሕና እቶም ካብ መሪሕነት ቀዳማይ ኣዳም ዝደሓናን ናብ መሪሕነት ክርስቶስ ናይ መወዳእታ ኣዳም ዝተሰጋገርና ካብ ነፍሲ ምንባር ደው ኣቢልና ብመንፈስ ምንባር እንታይ ማለት ሙኳኑ ክንርዳእ የድሊ።



ንስጋዊ ባህሪ ከም ዘይነጥፍ ምግባር ኣኻሊ ኣይኮነን ፥እቲ ነፍሳዊ ባህሪ ዋላ እኳ ዝንኣሰ ግናይ እንተ ኾነ ከም ኣዚዩ ሓደገኛ ንመንፈሳዊ ዕቤት ንመንፈሳዊ ዕቤት እዩ ብግብእ ተታሒዙ ክፍታሕ ኣለዎ።ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ ዝያዳ ክንድሕን ካብ ሓይሊ ሓጥያት ጥራይ ዘይኮነ ግናኸ እንኮላይ ዕረፍቲ ኣልቦ ንጥፈታት ናይ ነፍስንና ክንደሊ ኣሎና።



ነፍሳውያን ሰባት የሱስ ኣብ ዝተወሰኑ ኣጋጣሚታት ስለ ምንታይ ከም ዝገበረ ክዛረብ ከሎ ፍጹም ክርድእዎ ኣይክእሉን እዮም።የሱስ ሓደ እዋን ኣብ ሞንጎ እኩባት ሰባት ከሎ ስድርኡ ክሪእዎ ይደሊዩ ከም ዘለዉ ተነጊርዋ ፥የሱስ ናብ ደቂመዛምርቱ ንምምልካት ከም'እውን እቶም ዝቐረቡ ስድርኡ ሙኳኖም ተዛሪቡ (ማቴ 12=49-50)።



ስድርኡን ካልኡቱን እቲ የሱስ ዝበሎ ከቢድን ኣብ ግምት ዘይእተወ ኣይጉዱ ዘረባ ገይሮም ወሲዶሞ ክኹኑ ኣለዎም።ኮይኑ ግን የሱስ ነፍሳዊ ምትሓሓዝ ምስ ስድርኡ ክህልዎ ኣይደለየን።



ከም እውን ደቂመዝሙሩ ኣይተርድኣዎን ይኾኑ የሱስ ኣዚዩ ብተሪር ንጴጥሮስ ክገንሖ ከሎ ከምዚ ኢሉ "ካባይ ርሓቕ ሰይጣን"።



ነፍሳውያን ሰባት ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ክዛረቡ ኣይክእሉን እዮም ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ሰባት ብዛዕብኦም እንታይ ይሓስብ ኢሎም ስለ ዝግረሙ።



ናይ ስጋ ሓጥያታት ሲዕርና ክንከውን ንኽእል።ኮይኑ ግን ናባና ዝመጽእ ሕቶ ሕጂ ብናይ ሰብ ስብኣውነት ምንጪ ክእለት ፥ነፍሳዊ ህይወት፥ንየሱስ ክትመስል ኣብ ምድላይ ወይ ብሓይሊ ኣምላኻዊ ህይወት ክንበር ንደሊ እንተ ኾይና።



ብናትና ዓቕሚ ፍጹማት ክንከውን ዲናስ ወይስ ብመንፈስ ቅዱስ (ገላትያ 3=3) "ክሳዕ ክንዲዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ አሎኹም ?" ነፍሳውነት ንመንፈሳዊ ዕቤት ከልካሊ እዩ ።ጴጥሮስ ንጎይታና የሱስ ናብ መስቀል ካብ ምኻድ ክመልሶ ምስ ፈተነ ንሱ ብኣዚዩ ጽዑቕ ሰብኣዊ ፍቕሪ ንክርስቶስ እዩ ዝግበሮ።ኮይኑ ግን የሱስ ኣለሊዎ እዩ ድምጺ ሰይጣን ሙኳኑ።ንሱ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ


"ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ካባይ ርሓቕ ሰይጣን ናይ ሰብ እምበር (ነፍሳዊ) ናይ ኣምላኽ (መንፈሳዊ) ኣይትሓስብን ኢኻ ንኣይ ምዕንቀፊ ኢኻ" (ማቴ 16=23) እቲ ነፍሳዊ ክርስትያን ናይ ኣተሓሳስብኡ መንገዲ ገና "ብህይወት ኣዳም" ዝግዛእ ዝምሓደር እዩ።ኣዚዩ ብዙሕ ሰብኣዊ ፍቕሪን ዋላ ባህጊ ንጽድቂ ክህልዎ ይኽእል ኮይኑ ግን ኣምላኻዊ ኣይኮነን።



እግዚኣብሄር ንሰብ ምስ ሰርሖ ንሱ ንሰብ መንፈስ ነፍሲ ስጋ ገይሩ ሰርሒዎ (1 ተሰ 5=23) ሰብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ክኸውን እዩ ተፈጢሩ ።እግዚኣብሄር ንሙሴ ዓይነት እታ ዱንኳን ምርኻብ ምስ ሃቦ ስለሰተ ክፍሊ ኣብኡ ተራኢዩ እዩ ።ምኽንያቱ ንሰብ እዩ ምሕደሪ ስፈር ኣምላኽ ሙኳኑ ዘረድእ።



እቲ ዱንኳን ምርኻብ ስለሰተ ክፍሊ ኣለዎ።ሓደ ክፍሊ ክፉት እዩ ቀጽሪ ደገ እዚ ንናይ ሰብ ስጋ ዝሳነ እዩ ብዓይኒ ኽኣ ዝርኤ እዩ።እቶም ካልኡት ክልተ ክፍላታት ቅድስትን ቅዱሰ ቁድሳን ዝተሸፈኑ እዮም እዚኦም ነቲ ዘይርኤ ክፍሊ ሰብ ነፍስን መንፈስን ዝሳነ እዩ ከም ተርትኡ።



ህላወ እግዚኣብሄር ኣብ ቁድሰ ቁዱሳን እዩ ነይሩ።ካብዚ ንሰብ ተዛሪብዎ እዩ።ኣብ ዳግም ምውላድ መንፈስ ቅዱስ እዩ ንመንፈስና ህያው ዝገብሮን ምስ ጎይታ ውን ሓደ መንፈስ ይገብረን (1 ቆሮ 6=17) ዋላ ከምቲ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ስጋ ዝኾኑ።መደብ እግዚኣብሄር ኣብዚ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ዝድሓነ ነፍስናን ስጋናን ንሱ ክገዘእ ክኽእል እዩ።ነዚ እንተ ሪኢናዮ በዚ መደብ ንእግዚኣብሄር እንተ ተገዚእናዮ መንፈሳዊያን ሰባት ክንከውን ኢና።



ናይ ሰብ ነፍሲ ኣእምርኡ ናይ ምሕሳብ ክእለት ፥ስሚዒታቱ ናይ ስሚዒታቱ ክእለት ፥ፍቓዱን ናይ ምውሳን ዓቕሚ እዩ። ሰብ በዚኦም ምስ ኣምላኽ ክራኸብ ኣይክእልን እዩ ከምቲ ሰብ ብስግኡ ንኣምላኽ ክረኽቦ ዘይክእል ምክንያቱ ኣምላኽ መንፈስ እዩ (ዮው 4=24)።



ከምቲ ቁሳዊ ዓለም ብኣካልና ጥራይ ክንትንክፎ ዝክኣል ከም እውን እቲ መንፈሳዊ ዓለም ክንትንክፎ ዝክኣል ብመንፈስ ጥራይ እዩ።ኣብ ሞንጎ ነፍስን መንፈስን ዘሎ ፍልልይ ክንፈሊ እንተ ድኣ ዘይኪኣልና ክንታለል ንኽእል ኢና ብናይ ሓሶት ዝተተምነየ ናይ ሰይጣን ኣብ ዙሩያ ነፍሳዊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ መሲሉ ክርኤ ዝደሊ ።



ብነፍስና ብገዛ ርእሱ ንእግዚኣብሄር ክንፈልጦ ኣይንኽእል ኢና ንእግዚኣብሄር ኣብ ምፍላጥ በሊሕ ኣእምሮ ካብ ዝሕቱል ኣእምሮ ዝያዳ ብልጫ የብሉን ምኽንያቱ ዓቕሚ ናይ ሰብ ነፍሲ ዋላ ሓንቲ ኣይህብን እዩ ነቲ ብመንፈሱ ክቅበሎ ንዘለዎ። መንፈስን ነፍስን ብሓፈሽኡ ዝተፈላለየ እዩ።ስለዚ ንእግዚኣብሄር ብነፍሲ ክትፈልጦ ምፍታን ከም ዕሽነት ብእዝንኻ ክትሪኢ ምፍታን ማለት እዩ።



መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይርካ ከም እተጽንዕ ኣብ ግምት ይእትው። ኣካልና ዓይንና ንጥቀመሉ ኢና ከም እውን ነፍስና ኣእምሮና ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና።ኮይኑ ግን መንፈስና ገና ጸለማት ከም ፍርቂ ለይቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ትርጉም ናይቲ ቃል መንፈስ ቅዱስ ምግላጽ እንተ ዘይሂብና። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ጽብቕ ኣእምሮ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ ነፍሲ ጥራይ ከም ዘለካ እዩ ዘረጋግጽ።መንፈስካ ግና ዕውር ክኸውን ይኽእል እዩ።እግዚኣብሄር ሓቅታቱ ካብ ብልሕታትን መስተውዓልትን ይሓብእ እዩ ከም እውን ነቲ ትሕትና ዘለዎ ይገልጸሉ እዩ (ማቴ 11=25) ናይ ሰነ መሎኮት ምሁራት ዕውርነት ኣብ ዘመን የሱስ ዝነበሩ እቲ ዝነጸረ መረጋገጺ እዩ (1 ቆሮ 2=7-8)።



ስሚዕታትና ክፋል ናይ ነፍስና እዮም።እግዚኣብሄር ብስሚዒት ክፈልጠካ ኣይክእልን እዩ። ስሚዒታዊ ፍንጭሕታ መንፈሳውነት ኣይኮነን እንተ ኾነ ደስታ ናይ ነፍሲ እዩ።ምስ ዓሚቕ ሓጥያት ጎኒ ጎኒ ምስ ውልቀ ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ ዋላ ኣእሙራዊ ብልሕና ምስ ሓጥያት ተሳንዩ ክንበር ይእኽእል እዩ።



እቶም ነቢያት ብዓል ኣብ ከረን ካርሜል ብልዑል ስምዒታውነት፥ጭደራን ምዕብድባድን ፥ሳዕሲዕትን እዮም ነይሮም(1 ነገ 18=26-29) ኮይኑ ግን መንፈሳውያን ኣይነበሩን። ከምዚ ዓይነት መግለጺታት ኣዚዩ ልዑል ስሚዒታዊ ናይ ክርስትያን ኣኼባ ክርከቡ ይኽእሉ እዮም ኮይኑ ግን እዚኦም ዋላ ሓንቲ ነገር የብሎሙን ምስ ሓቀኛ መንፈሳውነት ።



ምናልባት ይሁዳ እስቆርታዊ እቲ ዝነፈዔ ካብ ደቂ መዝሙር የሱስ ነይሩ ይኸውን እንተ ኾነ ግን ነፍሳዊ ሓይልታቱ እቲ ሓቂ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጥ ኣይሓገዞን። እቶም ምሁራት ናይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ስምኦን ጴጥሮስ ምስ ሕጽረት ትምህርቱ ብመሎኮታዊ ምግላጽ ዝተረድኦ ክርድእዎ ኣይክኣሉን (ማቴ 16=17)።



ብሓይሊ ናይ ነፍሲ ኣምላኽ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ነፍሳዊ ክርስትያን ነዚ ክገብር እዩ ዝፍትን።



እቲ ነፍሳዊ ክርስትያን ትሕትና ዘለዎ መሲሉ ክርኤ ይኽእል እዩ እንተ ኾነ ንሱ ብዛዕባ ትሕትንኡ ኩሉ ግዜ ኣፍልጦ ኣለዎ ።ሓቀኛ ትሕትና ብገዛ ርእሱ ዘይፍለጥ እዩ ።እቲ ነፍሳዊ ክርስትያን ትሕትና ከም ዘለዎ መሲሉ ክርኢዋ ጻዕሪ ይገብር እዩ ኣብ ሓቀኛ ትሕትና ግን ኩሉ ግዜ ዘይተሓሰበ ሃንደበታዊ ከም'እውን ጻዕሪ ዘይብሉ እዩ ምኽንያቱ ካብ ውሽጢ ስለ ዝውሕዝ።



እቲ ነፍሳዊ ክርስትያን ከም'እውን ንጽድቂ ቅንኢ ከም ዘለዎ ኮይኑ ክርኤ ይኽእል እዩ ፥ንሱ ጭጉራፍ ኣልዒሉ ንሰባት ካብ ቤተ ክርስትያን ከሳጉግ ግን ዋላ ኣንጻር ሓጥያት ብቑጥዔ ክጭድር፥ገዛ ርእሱ ነቢዪ ብምሕሳብ።ኮይኑ ግን ስለቲ ዝሰርሖ ዕዮ ክብሪ ሰባት ይደሊ እዩ።ንሱ ኩሉ ግዜ ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰባይ ሪኢቶ ኣለዎ።ካልኡት'ውን ብዙሓት ንኽትገልጾም ከበደቲ ዝኾኑ ዝተፈላለየ ነፍሳውነት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።ኣብ ሰብ ከምዚ ክበለሉ ዝክእል "ዝኾነ ሰብ ብዛዕባይ እንታይ ይሓስብ ኣይገድሰንን እዩ "።ኮይኑ ግን እቲ ሓቂ ንሱ ሓሳባት ናይ ሰብ ከም ዘይግደስ ካልኡት ክፈልጥሉ ምድላዩ ነፍሳዊ ምኳኑ ዘግህድ እዩ።



ነፍሳዊ ክርስትያን ርህራሄን ድንጋጸን ዘለዎ ኮይኑ'ውን ክርኤ ይኽእል እዩ።እንተ ኾነ ግን ኩሉ ግዜ ስብኣውን ብዘይጥበቡን እዩ።ንኣብነት ነፍሳዊ ክርስትያን ኣፍቃሪ ብስሩዕ ገለ ሓገዝ ንሓደ ሰብ ዝድለዮ ነገር ብምስዳድ ፥ምናልባት'ውን እቲ ሰብ እቲ ዝጠፈኤ ወዲ ክኸውን ይኽእል ኣምላኽ ዝቕጽዖ ዘሎ።ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ብሓቂ እቲ ሰብ ናብ ኣምላኽ ከይምለስ ከልካሊ እዩ።እቲ ነፍሳዊ ክርስትያን ንኣምላኽ የገልግሎ ከም ዘሎ ብምሕሳብ ዕጋበት ክረክብ ይኽእል ብዘይምፍላጥ ብሓቂ ናይ ሰይጣን ዕላማታት እዩ ዚፍጽም ዘሎ በቲ "ናይ ፍቕሪ ተግባሩ"።



እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በቃ ሒደት ኣብነታት እዩ ካብ ማእከል ብዙሕ ተኽእሎታት ።ግናኸ ብቑዕ ክኸውን ኣለዎ ንምፍላይ ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ንጥፈታት ማዕረ ክንደይ ኣዚዩ ከም ዘድሌና።



ነፍሳዊ ፍረ መንፈሳዊ ፍረ ክመስል ይኽእልን ብዙሓት'ውን ተታሊሎም ኣለው ።ገዛ ርእስና ክንታለል ንኽእል ኢና።



ኣብ ኮፍ መበሊ ምኣዲ ኣብ ክሽነ ብፕላስቲክ ዝተሰርሑ ኣርንሽን ባናንን ብዙሓት ተዓሽዮም እዮም ኮይኑ ግን መመላኽዒ ጥራይ እዮም እምበር ምኣዛዊ ትሕዝቶ የብሎም።ከም'እውን ነፍሳዊ ምቕዳሕ ናይ የሱስ ንጽህና ደግነት ከምኡ እዩ።



ኩሉ ክሳብ ሕጂ ክብሃል ዝጸንሔ ነፍስና ጥቕሚ የብሉን ማለት ኣይኮነን ።እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ ንነፍሲ ፈጢርዎ ንዕኡ'ውን ዕዮ ተሰሪዒሉ እዩ።ኣእምሮናን ሲሚዒታትናን ክንትቀመሎም የድሊ እዩ፥ኮይኑ ግን ሓቀኛ መንፈሳውነት ገዛ ርእስና ብምትሓት እዩ ዝጅምር ኣብ ትሕቲ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄርን ፍቓድና'ውን ክንህቦ ማለት ፍቓድና ኣፍ ደገ መንፈስና ሙሉ ብሙሉእ ንእግዚኣብሄር። ካብዚ ማዕጾ ብደገ ናይ ፍቓድና ኮይኑ እዩ የሱስ ደው ኢሉ ንኽኣቱ ዝኹሕኩሕ ዘሎ (ራኢ 3=20)።



ከምቲ የሱስ ኣብ ዘበን ስግኡ ከሎ ዝገበሮ ክንብል ፍቓደኛታት እንተ ኾይና "ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይፈጸም" ሽዑ ጥራይ ኢና ከምቲ የሱስ ዝተመላለሰ ክነብር እንኽእል።ድሕርዚ እግዚኣብሄር ንመንፈስና ክገዝኦ እዩ።ከም'እውን ነፍስና ኣገልጋሊ መንፈስ ኣምላኽ ክኸውን እዩ ፥ስጋና'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንፈስ ቅዱስ ክኣቱ እዩ።ከምዚ ዓይነት ሰብ ጥራይ እዩ "መንፈሳዊ ሰብ"ወይ "ብመንፈስ ዝተመልኤ ሰብ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል።



ምልዋጥ ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ምልምማድ መንፈሳዊ ውህበታት ንሰብ መንፈሳዊ ኣይገብርዎን እዮም፥ናይ'ዚ ከም ብቑዕ መረጋገጺ ኣብነት ናይ ቆሮንጦስ ክርስትያናት እዩ። ኩሉ መንፈሳዊ ውህበታት ተለማሚዶም እዮም ገና ግን ንሓጥያት ስጋ ባርያ ፥ብኣእምራዊ ፍልጠት ክኣ ይኽበሩ ብስሚዒት ዝረሰኑን መንፈሳዊያን ግን ኣይነበሩን።



እዚ ርኢናዮ ኢና ኣብ ማሕደር ዱኳን ህላው እግዚኣብሄር ኣብቲ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ ነይሩ።ኣብ ሞንጎ ቅድስትን ቅዱሰ ቅዱሳንን ዝተሰቐለ ረጊድ መጋረጃ ነይሩ። ክብሪ ኣምላኽ ከይብርህ ናብ ቦታ ቅድስተ ይኽልክል ነይሩ።እዚ ስጋ ከም ምልክት መጋረጃ እዩ (እብ 10=20) እቲ ስጋ ምስ ተሰቐለ ማለት እቲ መጋረጃ ምስ ተቐንጠጠ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ብዘሎ መንነትና የብርህ እዩ።



በቲ ሓድሽን ህያው መንገድን እሙናት ኮይና በቲ ስጋ የሱስ ዝኸፈተልና እንተ ተመላሊስና ሽዑ ህይወት ኣምላኽ ኣብ መንነትና ከብርህ እዩ ።ከምእ'ውን ብኣና ዝያዳ እናወሰኸ ክግለጽ እዩ።



እቲ ከምዚ ዝብል ቃል ኣምላኽ ሽዑ ኣባና ክፍጸም እዩ "መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ" ( ምሳሌ 4=8)።



መንፈስ ቅዱስ ክኣ በዚ ካብ ሓደ ክብሪ ናብ ካልእ ክብሪ እዩ ዝልውጠና (1 ቆሮ 3=18) ክሳብ መሉ ብሙሉእ ንየሱስ ንመስል ኣብ ምዓልቲ ዳግም ምምላሱ (ዮው 3=2)።



የሱስ ፍጹም ናቱ ፍቓድ ከም ዘይገበረ ሪኢና ኢና።ብኻልእ ቃላት ንሱ ብምሪሕት ኣእምርኡን ስሚዕቱን ፍጹም ኣይተመላለሰን።ንሱ ብመንፈስ እዩ ተመላሊሱ ነፍሱ ኽኣ ንመንፈሱ ቅዱስ ምእዙዝ ነይሩ።የሱስ ኣእምሩኡን ስሚዒቱን ብሰፊሑ ተጠቂምሉ እዩ።ኮይኑ ግን ኩሉ ግዜ ከም ኣገልጋሊ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ እዩ።መን እዩ ኣብ ህይወቱ ጎይታ ነይሩ።በዚ ክብሪ ኣምላኽ ብእኡ ብዘይከልካሊ ብምልኣት በሪሁ እዩ።



መጽሓፍ ቅዱስ ኩሉ ህይወትና ዕዮና ኣብ ምዓልቲ የሱስ ምስ ተመለሰ ብሓዊ ክም ዝፍተን ይምህረና (1 ቆሮን 3=10-14) ናይ እቲ ሓዊ ፈተና ኽኣ ዕዮና ነፍሳዊ ድዩ መንፈሳዊ ሙኳኑ ክውስኖ እዩ።ዕዮና ብወርቂ ብሩርን ክቡር እምኒ ክንሃንጽ ብሓዊ ተፈቲኑ ክወጽእ ምእንቲ ዝኽእል ክኸውን እምበር ናብ ሓኹሙሽቲ ክቕየር ዝኽእል ዕንጸይቲ ሳዕሪ ወይ ሓሰር ከይከውን ቃል ኣምላኽ ይላወበና እዩ።



ብወርቂ ብሩርን ክቡር እምኒ ምህናጽ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ሮሜ 11=36 እቲ መልሲ ይህበና ።ኣብኡ ተነጊርና እዩ ኹሉ ነገር " ካብ ኣምላኽ ፥ ብእኡ ፥ንእኡን"።



ኩሉ ፍጥረት ምንጩ ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ብሓይሉ ቆይሙ ኣሎ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ፥ዘልኣለማዊ እዩ።ካልእ ኩሉ ክጠፍእ እዩ ኣብ ወንበር ፍርዲ ክርስቶስ ናብ ሓሙኹሽቲ ዝቕየር እዩ።



ስለዚ እቲ ካብ ናይ ነፍሲ ሰብ ዝመንጨወ ማለት ካብ ሰብ ብሰብኣዊ ሓይሊ እዩ ተሰሪሑ፥ ንኽብሪ ሰብ ዕንጸይትን ሳዕርን ሓሰርን እዩ፡ዋላ እኳ ናይ ክርስትያን ዕዮ ተባሂሉ እንተ ተጸውዔ።



በቲ ኻልእ ወገን ክኣ እቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝመንጨወ ኩሉ ብሓይሉ እዩ ተሰሪሑ ንኽብሩ ኣብ ምዓልቲ ፍርዲ ኽኣ ወርቂ ብሩርን ክቡር እምንን ኮይኑ ክርከብ እዩ።



እቲ ናይ መወዳእታ ምዓልቲ ነቲ ዝሰርሓናዮ ብዝሒ ክትፍትን ኣይኮነትን እትመጽእ ።እቲ ዝተጠቀምናሉ ነገራት ኣገዳስነት ካብ ዓቐን ኣቛውማን በሊጹ ክርኤ እዩ።ምንጭን ሓይልን ሃቐናን ናይ ዕዮታትና ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ ኣብታ ምዓልቲ ካብቲ ክንደይ ሰሪሕና ክንደይ መስዋእቲ ገይርናን ንላዕሊ።



የሱስ ኣብነትና እዩ ኣብዚ ነገር ብመንፈስ ቅዱስ ክንመላለስ እምበር ብነፍሲ ከም ዘይኮነ። ንሱ ብናቱ ተበግሶ ፍጹም ኣይዓየየን ወይ ክኣ ብናቱ ሰብኣዊ ዓቕምታት ወይ ንኽብሪ ርእሱ። ምንጩ ካብ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝኾነ ሰሪሑን ብሓይሊ ኣምላኽን ንኽብሪ ኣምላኽን።



የሱስ ንደቂ መዛሙሩቱ ብተደጋጋሚ ነጊርዎም እዩ "እቲ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ " ።



እዞም ቃላት የሱስ ብዛዕባ ምጽላእ ወይ ምጥፋእ ነፍሳዊ ህይወት ዝምልከት ሸውዓተ ግዜ ደጊምዎ ኣሎ ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት (ማቴ 10=39 ፥ 16=25 ፥ ማር 8=35 ፥ ሉቃ 9=24 ፥14=26፥17=33፥ ዮው 12=25)።



ብርግጽ እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገራት የሱስ ዝምሃሮ ክኸውን ኣለዎ እንተ ድኣ መንፈስ ቅዱስ ሸውዓተ ግዜ ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ክደጋገም እንተ ተራኢዎ ።ገና ግን ኣዚዮም ሒደት ኣመንቲ እቲ የሱስ ዝምሃሮ እንታይ ማለት ሙኳኑ ተረዲኦም ኣሎ።



ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ኣብ ህይወትና ከመይ ገይርና ኢና ክንፈላልዮ እንኽእል ?



እቲ መልሲ ንየሱስ ክርስቶስ ብምርኣይ፥እቲ ህያው ቃል ብመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገለጸልና ፥ እቲ ዝተጽሓፈ ቃል።



ርእስና ክንፈርድ ኣሎና ብናይ ነፍስና ብርሃን ዘይኮነስ ኮይኑ ግን ብናይ ብርሃን ኣምላኽ ( መ.ዳዊት 36=4) እዚ ብርሃን ክኣ ኣብ የሱስን (ዮው 8=12) ኣብ ቃል ኣምላኽን እዩ ዝርከብ (መ.ዳዊት 119=105)።



የሱስ እቲ ቃል ኣምላኽ ስጋ ዝኾነ በለ " ካባይ ኣብነት ናተይ ተምሃሩ….ካብቲ ነፍሳዊ ንጥፈታት ክኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም" (ማቴ 11=29 መልሰ ሓረግ)።



ከም እውን ከምዚ ነንብብ " ቃል ኣምላኽ ይመቅልን የርኤናን እዩ እንታይ ከም ዝኾነ ነፍሳውን መንፈሳውን " (እብ 4=12 መልሰ ሓረግ)።



እምብኣር ኣብዚ ክፍሊ ነቲ ብርሃን ክንርኢ ኣሎና ኣብ የሱስ እቲ ኣብነትና ቀቅድሜና ዝጎይን ቃል ኣምላኽን ።ፍጹምና ዝርከብ ኣብ ምድራዊ ህይወት የሱስን ናይ እግዚኣብሄር ቃልን እዩ።ስለዚ ኣብ እዞም ነገራት ተጠንቂቕና ንርኤ።

Chapter 6
ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ምንባር

"ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን" (ሮሜ 11=36)።



የሱስ በለ መንግስቲ ኣምላኽ ንቶም ብመንፈስ ድኻታት እያ እትብጽሖም (ማቴ 5=3) ከምእ'ውን በለ እቶም ፍቓድ ኣቦ ዝገብሩ ጥራይ እዮም መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣትዉ (ማቴ 7=21) መንግስቲ ሰማይ ዘልኣለማዊ እዩ እቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተገበረ ጥራይ ክኣ እዩ ኣብኡ ዝርከብ።ብመንፈስ ድኻታት እቶም ሰብኣዊ ዘይብቕዕነቶም ዝፍለጡን እቶም ሙሉ ብሙሉእ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝግዝኡ እዮም።



በዚ ሸነኽ የሱስ ብቐጻሊ ብመንፈስ ድኻ እዩ ነይሩ።ንሱ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመደቦ ንሰብ ክነብሮ ዝግባእ ተመላሊሱ -ቀጻሊ ኣብ እግዚኣብሄር ብምድጋፍ፥ካብ እግዚኣብሄር ወጻኢ ሓይሊ ናይ ኣእምርኡ ከይለማመድ ብምግዳፍ ።ኣብ ግምት ይእትው ቃላቱ ~



"........ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ" (ዮው 5=19)።



"ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ" (ዮው 5=30)።



"ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም'


(ዮው 8=28)።



"የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም" (ዮው 8=42)።



"ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ" (ዮው 14=10)።



የሱስ ዓለም ኣመና መድሓኒ ኣብ ምድላይ ከላ ንሱ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ሰማይ ተጸቢዩን ኣቡኡ ምሰደዶ ጥራይ ናብ ምድሪ መጺኡ "የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም" (ዮው 8=42) (ገላ 4=4)። እግዚኣብሄር ንኹሉ ግዜ ኣለዎ (መክ 3=1) ።ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ኣብ ዝኾነ ነገር ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ደሊና ጌጋ መንገዲ ኣይክንከይድን ኢና።



ከምእ'ውን የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ፥ንሱ ስቕ ኢሉ እናዞረ ዝኾነ ይኹን ጽብቕ ኮይኑ ዝተሰምዖ ኣይሰርሔን።ዋላ እኳ ኣእምርኡ ፍጹም ጹሩይ እንተ ነበረ ፥ከምኡ ክነሱ ግዳ ንሱ ፍጹም ዝኾነ ብሩህ ሓሳብ ናብ ኣእምርኡ ዝሞጾ ኣይገበረን።ኣይፋሉን፥ንሱ ንኣእምርኡ ኣገልጋሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ገይርዎ።



ዋላ እኳ ንሱ ቅዱስ ጹሓፋት ብሙሉእ ወዲ 12 ዓመት ከሎ እንተ ፈለጦ ገና 18 ዓመታት ከም ጸራቢ ዕንጸይቲ ምስ ኣዲኡ ብምጽናሕ ጠረጴዛን ኩርስን ወ.ዘ.ተ ክሰርሕ እዩ ይሕሊፍዎ።ንሱ እዋናዊ ዘድልን መልእኽቲ ነይርዋ እናደልይዎ ኣብ ዙሪኡ ዝሞቱ ሰባት እንሃለው ኮይኑ ግዳ ናይ ስብከት ኣገልግሎት ክዓዪ ኣይከደን ስለ ምንታይ ? ምኽንያቱ ግዜ ናይ ኣቡኡ ኣይበጽሔን ነይሩ።



የሱስ ንምጽባይ ኣይፈርህን ነይሩ (ኢሳ 28=16) ናይ ኣቡኡ ግዜ ምስ መጸ ክኣ ፥ንሱ ካብ ዱኳን ጽርበት ዕንጸይቱ ብምውጻእ ክሰብኽ ጀሚሩ ።ወትሩ ካብኡ ንድሓር ንገለ ትምህርቱ ተግባር ንሱ ከምዚ ይብል ነይሩ "ስዓተይ ገና ኣይመጸትን"'(ዮው 2=4 ፥ 7=6) ኩሉ ኣብ ህይወት የሱስ ብግዜን ፍቓድ ኣቡኡን ዝተሰርዔ እዩ ነይሩ።



ንሰብ ዝጎዶሎ ዘድልዮ ብገዛእ ርእሱ ፍጹም ጻዊዒት ስጉምቲ ክወስድ የሱስ ኣይተሓሰበን ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ ዝገብሮ ዘበለ ንዕኡ ምስ ኮነ ነይሩ።ካብ ነፍሲ ዝተበገሰ።ንሰባት ዘድልዮም


ነገር ኣብ ሕሳብ ተወሲዱ እዩ ኮይኑ ግን ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ክኸውን ክሰራሕ ዘለዋ።የሱስ ነዚ ኣብ ዮው 4=34-35 ኣዝዩ ንጹር ገይርዎ እዩ።



"የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። 35 ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ"።እቲ ዘድሊ ጥቕሲ 35 እቲ መምርሒ ተግባር ጥቕሲ 34።



የሱስ ብዙሕ ጽብቕ ነገር ይዕሩኽቱ ዝሃብዎ ኣይሰርሔን ምኽንያቱ ንሱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ ንሰባት እንተ ሰሚዕዎምን ካብ ዝተብሃለ ብምብጋስ እንተ ሰሪሑን ፥ንሱ እቲ ዝበለጸ ኣቦ ንዕኡ ዝመደቦ


ምስ ስኣነ ነይሩ።



ሓደ እዋን ሰባት ኣብ ሓደ ዝተፈለየ ቦታ ምስኦም ክጸንሕ ምስ ለምንዎ ንሱ ክጸንሕ ከም ዘይክእል ነገሮም፥ምኽንያቱ ድምጺ ኣቡኡ ናብ ካልእ ቦታ ክኸይድ ከም ዘለዎ ስለ ዝሰምዔ እዩ።ብናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ኣዚዩ ጽብቕ ምክንያቱ ነይሩ ኣብቲ ዝነበሮ ንሱ ክጸንሕ፥ምኽንያቱ እቲ ዘይልሙድ ግበረ መልሲ ናይ እቶም ሰባት ንመልእኽቱ።ኮይኑ ግን ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ከም ናይ ሰብ ሓሳብ ኣይኮነን ከም እውን ናይ እግዚኣብሄር መንገዲ ከም ናይ ሰብ መንገዲ ኣይኮነን(ኢሳ 55=8-11) ።የሱስ ኣብታ ንግሆ ኣንጊሁ ከይዱን ጸልዩን ንሱ ድምጺ ኣቡኡ ኽኣ ሰሚዑ (ማር 1=35-39) ቅድሚ ንሱ ናይ ጴጥሮስን ናይ ካልኡትን ሪኢቶታት ምስምዑ።የሱስ ኣብ ሰብኣዊ ኣስተገናዝቦ ኣይምርኮሱን ነይሩ።ንሱ ነቲ ከምዚ ዝብል ቃል ተኣዚዝዎ ~



"ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። 6 ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ" (ምሳ 3=5-6)።



ንሱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነገር ንምሪሕት ኣብ ኣቡኡ እዩ ተሞርኪሱ።



ኣብቲ ትንቢታዊ መወከሲ ንጎይታና የሱስ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 50=4 ከምዚ ነንብብ "ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ" እዚ እዩ ናይ የሱስ ልምዲ።ንሱ ንድምጺ ኣቡኡ ካብ ንግሆ ብዘሎ ምዓልቲ ይሰምዕ ነይሩ።ብልክዕ ከምቲ ኣቡኡ ዝበሎ ኽኣ ይሰርሕ ነይሩ።እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክውስን ምስ ሰባት ኣይዘርረብን ነይሩ ኮይኑ ግን ምስ ኣቡኡ ናይ ጸሎት ሕብረት ነይርዎ።ነፍሳዊያን ክርስትያናት ምስ ካልኡት ብምዝርራብ መደብ ይገብሩ ፥መንፈሳዊያን ክርስትያናት ክኣ ካብ እግዚኣብሄር ክሰምዑ ይጽበዩ።



የሱስ ብኣቡኡ እዩ ዝነብር ነይሩ (ዮው 6=6=57) ንየሱስ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ካብ መግቢ ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ (ማቴ 4=4) ።ንሱ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምዓልቲ ብቐጥታ ካብ ኣቦ ክቕበል ነይርዎ። ድሕሪ ምቅባሉ ኽኣ ንሱ ተኣዚዝዎ እዩ።ምእዛዝ ንኣቡኡ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነይሩ ካብ ዕለታዊ መግቡ ንላዕሊ (4=34) ።የሱስ ኣብ ኣቦ ተሞርኪሱ እዩ ተመላሊሱ። ሙሉእ ምዓልቲ ኣተንኡ ከምዚ እዩ ነይሩ " ኣቦ ተዛረብ ይስምዕ ኣለኹ"።



ኣብ ግምት ይእትው ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዝሻየጡን ዝሸጡን ቤት ዕዳጋ ዝገበርዎ ሰባት ከሳጉጎም ከሎ።የሱስ ምስ ኣቶም ኣብ ቤት መቕደስ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ ዝተረኸቦ ኣየሳጎጎምን ግን ።ብኣቡኡ ምስ ተመርሔ ጥራይ እዩ ኣስጊጉዎም።ነፍሳዊ ክርስትያን ቀጻሊ ምስ ኣሳጎጎም ወይ ፍጹም ምስ ሓደጎም።ንሱ እቲ ብኣምላኽ ዝምራሕ እንተ ኾነ ምዓስ ፥ኣበይ፥ከመይ ምግባር ይፈልጥ እዩ።



ብዙሕ ነገራት ነይሮም እዮም የሱስ ክሰርሖም ዝኽእል ግናኸ ዘይገበሮም ምክንያቱ ካብ ዓንኬል ፍቓድ ኣቡኡ ንዕኡ ወጻኢ ስለ ዝነበሩ።ንሱ ኩሉ ግዜ እቲ ኣዚዩ ዝበለጸ ነገራት ክዓዪ ስራሕ ዝበዝሖ እዩ ንይሩ።የግዳስ ንሳቶም እቶም ዕዮታት እኹላት ነይሮም። ንሱ ጽብቕ ነገራት ክገብር ናብ ምድሪ ኣይመጸን ግናኸ ፍቓድ ኣቡኡ ክገብር እምበር።



".....ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግባኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም " (ሉቃ 2=49) ኢሉ ንሱ ንዮሴፍን ማሪያምን ሓቲትዎም። እዚ ነገራት ጥራይ እዩ ኣብ ምፍጻም ዝግደስ ዝነበረ።ንሱ 33 ½ ዓመታት ክውድእ ምስ ኣኸለ ብሓቂ ዕጋበት ከምዚ ክብል ክኢሉ "ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ" (ዮው 17=4)።



የሱስ ኣብ ዙሪይ ዓለም ኣይተጉዓዘን ፥ንሱ ዝኾነ መጽሓፍ ኣይጽሓፈን ፥ስዓብቱ ሒደት እዮም ነይሮም፥ዘድሊዮ ዘይተፈትሑ ገና ብዙሓት ነገራት ኣብ ዓለም ነይሮም ወ.ዘ.ተ ኮይኑ ግን እቲ ኣቡኡ ንዕኡ ዝመደቦ ዝሃቦ እዮ ፈጺምዎ እዩ።እዚን እዚን ንበነይኑ ጥራይ እዩ ሙሉእ ብሙሉእ ዘገድስ።



የሱስ ኣገልገሊ እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ነይሩ።ግዳ " እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር ብዛዕባ ኣገልጋሊ ፍቓድ ጎይትኡ ዝነገሮ እዩ ዝገብር" (1 ቆሮ 4=2) ነቡኡ ክሰምዕ እዩ ህይወቱ ይሕሊፉዎ ፥ ፍቓድ ኣቡኡ ኽኣ ኩሉ ፈጺሙ ብዘይ ምጽንቃቕን ወይ ምብስጫውን ሸበድበድን።ንናይ ገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ድሌታት ኩሉ ቀቲልዎ እዩ። ንሱ ነፍሳዊ ኣይኮነን።ንሱ መንፈሳዊ እዩ ነይሩ።



የሱስ ልዑል ቀዳምነት እዩ ሂብዎ ናይ ጸሎት ህይወቱ ።ንሱ ኩሉ ግዜ ምሉቕ ኢሉ ናብ በረኻ ብምኻድ ይጽሊ ነይሩ (ሉቃ 5=16) ሓደ እዋን ንሱ ሙሉእ ለይቲ ብጸሎት ይሕሊፍዎ ምምራጽ 12 ደቀመዝሙር ዝምልከት ፍቓድ ኣቦ ክፈልጥ (ሉቃ 6=12,13)። ነፍሳዊ ክርስትያን ንኣምላኽ ምጽባይ ከም ዝጠፍኤን ዝባኸንን ግዜ ገይሩ እዩ ዝሓስቦን ዝጽልዮ ኽኣ ሕልንኡ ንምዕራፍ ጥራይ እዩ።ጸሎት ኣመና ዝደሊ መሰረታዊ ነገር ኣብ ህይወቱ ኣይኮነን፥ምኽንያቱ ንሱ ኣብ ርእሱ ዝተኣማመን እዩ። እቲ መንፈሳዊ እንተ ኾነ ቀጻሊ ንዝኾነ ነገር ኣብ ኣምላኽ እዩ ዝሙርኮስን በዚ እዩ ኽኣ ዝድረኽ ሙሉእ ብሙሉእ ንጸሎት።



የሱስ እቲ ሓደ ነገር ኣዚዩ ዘድሊ ንቃላቱ ምስማዕ ሙኳኑ ተዛሪቡ እዩ (ሉቃ 10=42) ማሪያም ብዓልቲ ቢታንያ ናይ'ዚ ኣብነት እያ።ማርታ በቲ ሓደ ወገን ብስራሕ ተጸሚዳን ብዘይ ነፍሰ ፍትወት ኣገልግሎት ዕረፍቲ ዘይቡሉ እዩ ነይሩን ንምሪያም'ውን ዘንቅፍ።ኣብዘን ክልተ ኣሓት ኣብ ሞንጎ መንፈሳውን ነፍሳውን ንጥፈታት ንጽጽር ንርኢ ኢና።ማርታ ዋላ ሓንቲ ሓጥያት ኣይሰርሔትን ንጎይታን ደቂመዛሙርትን ብምግልጋላብ።ገና ግን ዕረፍቲ ዘብላን ንማሪያም ውን እትነቅፍ ነይራ።እዚ ንጹር ስእሊ ነፍሳዊ ክርስትያን ዕረፍቲ ዘይብሉን ተነቃፍን እዩ።ካብ ናይ "ገዛ ርእስኻ ስርሓ" ደው ኣይበለንን ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክኣ ኣይኣተዎን (ዕብ 4=10) ።ሃቐናታቱ ጽብቕ እዩ።ኮይኑ ግን ንሱ ናይ ገዛ ርእሱ ዕዮ ክሳዕ ክንደይ ጽብቕ እንተ ኾነ ግና " ጽዩቕ ጨርቂ" ሙኳኑ ኣብ ቅድሚ ይዒንቲ እግዚኣብሄር ኣይተረዶኦን ፥ዋላ እኳ ድሕሪ ምልዋጡ (ኢሳ 64=6)።



እተን ጽብቓት ኣባጊዕ ኣማሊቕ (ስጋ) ልክዕ ከም እተን ጽቡቓት ዘይኮና ኣባጊዕ ዘይቁቡላት እየን ንእግዚኣብሄር (1 ሳሙ 15=3 ፥9=19) ።እንተ ኾነ ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ነዚ ክርድኦ ኣይክእልን እዩ።ነተን ጽቡቓት ኣባጊዕ ምስንዳው ዕሽነት መሲሉ ይርኤ እዩ ንኣምላኽ ክውሃባ እናኽኣላ።ኮይኑ ግን እግዚኣብሄር ምእዛዝ እምበር መስዋእቲ ኣይኮነን ዝጠልብ።" ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ" (1 ሳሙ 15=22)።ግናኸ ከመይ ገይርና ክንእዘዝ ንኽእል እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝብል እንተ ዘይሰሚዕናዮ ? ምስማዕ ንምእዛዝ ክቕድም ኣለዎ።በዚ ምኽንያት እዚ የሱስ እቲ ሓደ ነገር ኣዚዩ ዘድሊ ንድምጹ ምስማዕ ሙኳኑ ዝተዛረብ።ካልእ ዝኾነ ነገር ኣብዚ ዝተመርኮሰ እዩ።



እቶም ከም ናይ ማርታ "ዘገልጉሉ" ሽሕ እኳ ቁኑዓት እንተ ኾኑ ብሓቂ ንገዛ ርእሶም ጥራይ እዮም ዘገልግሉ ዘለዉ።ኣገልገልቲ ጎይታ ተባሂሎም ክጽውዑ ኣይክእሉን እዮም።



እንተ ድኣ ባዶ ገይርና ብነብስኻ ምሕዳር ከም እቲ ሰሎሙን ዝገብሮ ክንጽሊ ኢና " ኦ ጎይታ ኣምላኸይ ንባሪያኻ ዝሰምዕ እዝኒ ኣብ ሞንጎ ጽብቕን ክፉእን ምእንቲ ክፈሊ" (1 ነገ 3=7.9-)።የሱስ ንኣቡኡ ክሰምዕ ከም ዘለዎ ፈሊጡዋ እዩ እንተ ንሱ ኣብ ሞንጎ እንታይ እዩ ጽብቕ ብዝልዓለ ምልላይን እንታይ ጽብቕ ዘይኮነ ፥ኣብ ሞንጎ እንታይ እዩ ናይ ኣቡኡ ፍቓድን እንታይ እዩ ፍቓዱ ዘይኮነ ክፈሊ።



ኣብ ወጻኢ እታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ኣብ ዮርሳሌም የሱስ ወትሩ ይሪኣ ነይሩ እዩ ነቲ መጻጉዕ ሰብኣይ ምጽዋት እናለመን ከሎ።ኮይኑ ግን ኣይፈወሶን ምኽንያቱ ንሱ ምሪሕት ኣይነበሮን ካብ ኣቡኡ ነዚ ክገብሮ።ድሓራ ድሕሪ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ጴጥሮስ ዮውሃንስን ፈውሲ ንቲ ሰብኣይ ኣምጺኦም ኣብ ፍጹም ዝኾነ ናይ ኣቦ ግዜ -ከምእ' ውን እቲ ውጺኢት ብዙሕት ሰባት ናብ ጎይታ ገጾም ክመልሱ ገይሩ (ግብ 3=1-4 ፥4)። እዚ ግዜ ናይ ኣቦ ነቲ ሰብኣይ ንምሕዋይ ነይሩ።የሱስ ኣቐዲሙ ነቲ ሰብኣይ እንተ ዝፍውሶ ነይሩ ንፍቓድ ኣቦ ምስ ዓንቆጾ ነይሩ።ንሱ ናይ ኣብኡ ግዜ ፍጹም ሙኳኑ ይፈልጥ ነይሩ ስለዚ ንሱ ፍጹም ዘይዕጉስ ኣየነበረን።



ናይ የሱስ ህይወት ፍጹም ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት እዩ ነይሩ።ንሱ እኹል ግዜ ኣብ 24 ስዓታት ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ ንኹሉ ፍቓድ ኣቡኡ ነይርዎ።ኮይኑ ግን እንተ ድኣ ንዕኡ ጽብቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ክሰርሕ ወሲኑ ሻቡ 24 ስዓታት ኣብ ምዓልቲ እኽል ኣይምስኮነን ንሱ መብዛሕትኡ ምዓልታት ብዘይ ዕረፍቲ ምስ ወድኤ ነይሩ።የሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩልፈት ናቡኡ ዝመጽእ ብሓጎስ ክቕበሎ ይኽእል ነይሩ ፥ምኽንያቱ ነቲ ሓቂ ተቐቢልዎ እዩ እቲ ልዑላዊ ኣቦ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምዓልታዊ ዝሰርሖ መደብ የውጻሉ ስለ ዝነበረ።ስለዚ ንሱ ፍጹም በቲ ሙኽላፍ ዘጋጥሞ ዝነበረ ኣይሓረቐን ድቃስ ኣይሰኣነን።ህይወት የሱስ ነቲ ውሽጣዊ ሰብና ፍጹም ዝኾነ ዕረፍቲ ከምጽኣልና ይኽእል እዩ።እዚ ዋላ ሓንቲ ኣይንገብርንን ኢና ማለት ኣይኮነን እንተ ኾነ እንታይ ኣብ ናይ ኣቦና መደብ ንህይወትና ጥራይ ክንገብርን ኢና።ሽዑ ካብ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ መደባትና ካብ ምግባር ናይ ኣቦና ፍቓድ ክንፍጽም ሁንጥያትን ክንከውን ኢና ።



ነፍሳውያን ክርስትያናት ኣዚዮም ኣብ ምስራሕ " ናይ ገዛ ርእሶም ፍቓድ " ኣዚዮም ዘተኮሩ እዮም።በዚ ኽኣ ብተደጋጋሚ ተነቀፍትን ዕረፍቲ ኣልቦን እዮም።ገሊኣም ካብኦም መወዳእትኦም ቁጡዓትን ኣካላዊ መስበርቲ ዘሎም ይኾኑ።የሱ ናይ ቁጥዔ መሰብርቲ ዘለዎ ክኸውን ዘይክእል እዩ ምኽንያቱ ንሱ ፍጹም ኣብ ዝኾነ ዕረፍትን ኣብ ውሽጢ ስቡ ስለ ዝነበረ ።ንሱ ንዓና ከምዚ ኢሉና~



"ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም " (ማቴ 11=29)።



እዚ እቲ ክብሪ የሱስ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘርኤና ንሱ ከካፍለና ብኣና ገይሩ ውን ክገልጽ ዝብህግን እዩ።



ጎይታ ጓሳና እዩ ንሱ ንተን ኣባጊዑ ናብ ሸኻ ዕረፍቲ ይመርሔን እዩ።በጊዕ ናታ መደብ ኣይተውጽን እያ ወይ ናብ ኣየናይ ሸኻ ቀጺላ ትኸይድ ኣይትውስንን እያ።ንሳተን ጥራይ ንጓስኤን ይስዕባ።ኮይኑ ግን ሓደ ነቲ ጓሳ ክስዕብ እንተ ኾይኑ ኣብ ርእስኻ ምትእምማንን ነብሰ ኣኺልን ባዶ ክኸውን ኣለዎ።የሱስ ብትሕትና ንኣቡኡ ሲዒቡ።እንተ ኾነ ነፍሳውያን ክርስትያናት በጊዕ ክኾኑ ኣይደሊዩን እዮም ስለዚ እዩ ብናይ ምሕሳብ ክእለቶም ጌጋ መንገዲ ዝኸዱ። ናይ ምሕሳብ ክእለትና ኣዚዩ ጠቓምን ዘስተንክርን ህያብ ኣምላኽ እዩ፥ኮይኑ ግን እቲ ኣዚዩ ሓደገኛ ካብ ኩሉ ውህበታት ክኸውን ይኽእል እዩ እንተ ድኣ ኣብ ህይወትና ናብ ጎይትነት ዓቢዩ።



ጎይታ ንደቂመዝሙሩ ከመይ ኢልካ ከም እትጽሊ ሚሂርዋም እዩ " ኣቦ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ከምእ'ውን ኣብ ምድሪ ይኹን " ከመይ ኢሉ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝፍጸም ? እቶም መልኣኽቲ ኣብኡ " ገለ ነገር ንኣምላኽ " ክገብሩ ኣይጎዩን እዮም።ከምኡ እንተ ዝግበሩ ኣብኡ ኣብ ሰማይ ሕንፍሽፍሽ ምሃለው።እንታይ እዮም ዝገብሩ ? ኣብ ህላወ ኣምላኽ ክሰምዑ ይጽበዩ ትእዛዙ እንታይ ሙኳኑን ብውልቂ ልክዕ እተነገርዎ ኽኣ ይገብሩ።ንቃላት ገብርኤል ስማዕ ንዘካርያስ ዝበሎ "... ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ" (ሉቃ 1=19)።እዚ ቦታ እዩ ጎይታና የሱስ ዝሓዞ'ውን ።ኣብ ህላወ ኣቡኡ ተጸቢዩ ድምጹ ክሰምዕን ፍቓዱ ክገብርን።



ነፍሳዊያን ክርስትያናት ኣበርቲዕም ክዓዩ ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍሉ ይኾኑ ፥ኮይኑ ግን እቲ ዝነጸረ ብርሃን ዘልኣለማውነት ክግለጽ እቲ "በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ ዓሳ እኳ ኣይሓዙን" ።ግናኸ እቶም ምዓልታዊ መስቀሎም ዘልዕሉ ነፍሳዊ ህይወቶም ዝኽሕዱ ዝቕትልዎን ንጎይታ ዝእዘዙን ኣብታ ምዓልቲ እቲኣ ሰኬዔት ዝመልኤዓሳ ክህልዎም እዩ (ዮው 21=1-6)።



"ዝኾነ ሰብ ካብ እቲ ዝመደበክሉ ዕዮ ገዛ ርእሱ ከርሕቕ ዘፍቅድ" የሱስ በለ " ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ" (ሉቃ 9=62)። "ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ" (ቆሎ 4=17)።



"ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ" (ማቴ 15=13) እቲ ሕቶ እቲ ተኽሊ ጽብቕ ዲዩ ሕማቕ ኣይኮነን ኮይኑ ግን መን እዩ ተኺልዎ እዩ።እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ናይ ዝኾነ ነገር ምንጪ።መጽሓፍ ቅዱስ ብቓላት " ኣብ መጀመርታ እግዚኣብሄር" ኢሉ ይጅምር። ስለዚ ምስ ኩሉ ተግባራትና'ውን ኣብ ኣእምሮና ዘይኮነስ ካብ እግዚኣብሄር ዝመንጨወ ክኸውን ኣለዎ እንተ ድኣ ንዘልኣለም ክነብር ኮይኑ ።



"ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር" ( 1ዮው 2=17)።ኩሉ ዝተረፈ ግን ክጠፍእ እዩ።ስለዚ ገዛ ርእስና እዚ ሕቶ ንሕተት "ኣነ ዝገብሮ ዝዓዮን ዘለኹ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ ?።

Chapter 7
ብሓይሊ ኣምላኽ ምንባር

"ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን" (ሮሜ 11=36)።



ኣዳም ኣብ ነፍሱ ብዘደንቕ ሓይሊ እዩ ብኣምላኽ ተፈጢሩ።ንሱ ንነፍሲ ወከፍ እንስስና ኣዕዋፍን ኣምላኽ ዝፈጠሮ ስም ክህቦ ኪኢሉ እዩ (ዘፍ 2=19) ካብ እዞም ኣሽሓት ኣስማት ዋላ ሒደት ክንዝክሮ ከቢድ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣዳም ዝተፈላለየ ስም ክህብ ይኽእል እዩ።እዚ ሓደ ናይ ኣዳም ሓይሊ ነፍሲ ምሕበሪ እዩ።እዞም ሓይልታት ኣምላኽ ዝሃቦ ኣብኡ ተሞርኪሱ ክጥቀመሎም እዩ ዝተዓደሎ።ኮይኑ ግን ኣዳም ካብ ብዘይ ኣምላኽ ከማዕብሎም መሪጹ ፥ ድሕርዚ ዕንወት ውድቀት ዘስዕብ ምርጫ ኣብ ኤደን ንነፍሱ ክነብር ጀሚሩ።



ሓደ ነገር ክንፈልጥ ይግባእ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ መንፈስ ቅዱስን ሓይሊ ነፍስን፥ ካብ ምትላልን ዝተተምነየን ናይ ሰይጣን ስራሕ ከነምልጥ እንተ ድኣ ኮይና ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ንጥፈታት ክንፈላሊ ኣሎና።



ኣብ ግምት ይእቱ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ናይ ሰብ ነፍሲ ብዘይ መጠን ኣብ ስራሕ ዝዋዓለሉ ኣብ ጉዳይ ፈውሲ ናይ ሎሚ ክርስትና።



ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ሳይንስ ኣዚዩ ዓቢ ሓይልታት ናይ ሰብ ኣእምሮ ክረክብ ጀሚሩ እዩ። ስነፍልጠት ናይ መስትዓዝም ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ገይሩ እዩ።እዚ ዘገርም እዩ ብሓይሊ ኣእምሮ ክኸውን ክርትርኢ ከለኻ ።መምሪሕታት መስትዓዝም ሕጂ ናብ ክርስትና መጺኡ እዩ ኣብ ትሕቲ ስም " ውህበት መንፈስ ቅዱስ"።



እዚ ነቲ ሓቀኛ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እቲ ኩሉ ግዜ ንምህናጽ ቤተ ክርስትያን ንኽብሪ ኣምላኽን ዝመርሕ ምስትንዓቕ ኣይኮነን፥ኮይኑ ግን ብልክዕን ንናይ ብሓሶት ዝተተምነየ ኣዚዩ ነቲ ሓቂ ልክዕ ዝምሰልን እዩ።እንተ ኾነ ንውልቀ ሰብ ንኽትዕብን ንናቶም ግዝኣት ክዕብዩን ገንዘባዊ ግዝኣቶም ዝመርሕ ! ።



ሎሚ ዝበዝሔ ብእዳው " ናይ እምነት ፈወስቲ " ፈውሲ ዝሓልፍ ክርስትያናት ኮኑ ክርስትያናት ዘይኮኑ እቶም ሓይልታት ናይ ኣእምሮ ብምጥቃም ጥራይ እንድኣሉ - ንሓደ ክትእምኖ ከም ዝተፈወሰ፥ ዋላ እኳ እቶም ምልክታት ኣብ ቦትኦም ከለዉ።ዝለዓለ ሚኢታዊት ሎሚ ዘሎ ሕማም ኣእምራዊ ስሚዒታውን ዝምንጩ ስለ ዝኾነ ፥ሓቂ እዩ " ኣውንታዊ ምሕሳብ" ን ብገዛእ ርእሱ ነቲ ሕማም ዘለካ ኣረኣእያ ምቕያር መብዛሕትኡ ግዜ ፈውሲ ኣብ ኣካል ኣይፍርን እዩ። እንተ ኾነ እዚ ውጽኢት ናይ ተፍጥሮ ሕጊ ኣብ ስራሕ ምውዓል ኣካልን ኣእምሮን እዩ። ብሓፈሽኡ ልዕለ ተፈጥሮ ፈውሲ ኣይኮነን።



የሱስ ገና ሎሚ'ውን ብትኣምራታዊ ንሰባት ይፍውስ እዩ ፥ኮይኑ ግን ብኸምዚ ናይ ስነልቦናዊ ምጥባር ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ቦታ እቲ ሓቀኛ ውህበት ፈውሲ ክግለጽ ከሎ ፥ንኽትኣምኖ ናይ ኣኣምሮ ቃልሲ የለን፥እምነት ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝኾነን ኣብ ቃል ተስፋታት ስለ እተሰረተን " ናይ ኣዎንታዊ ሓሳብ " ውጺኢት ኣይኮነን።



መምሪሕታት መስትዓዝም ብምልምማድ ዋላ ደይ መደይ ኢልካ ዘይኮነ ፥ሰባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክህልዎም ይኽእል እዩ እዚ እግዚኣብሄር ብመንገዱ ፍጹም ክህልዎም ዘይመደቦ እዩ። እዚ'ውን ካብ ክርስትያናት ዓንኬል ወትሩ ጌጋ ይኸውን ንስልጣን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውልቀሰብ።



ኣብ ምምዕባል ናይ ሓደ ነፍሳዊ ሓይሊ ካብ እግዚኣብሄር ወጻኢ ኣሻቓሊ ሓደጋታት ኣሎ። እግዚኣብሄር እዞም ሓይልታት ዝሃበና ንዕኡ ንማዓልኡ ከነፍሬሉ እዩ።



እዚ እዩ የሱስ ዝተመላለሶ። ንሱ ንነፍሳዊ ህይወቱ ቀቲሉን ብናይ ሓይልታት ናቱ ሰብኣዊ ነፍሲ ክነብር ኣቢዩ።ንሱ ኣብ ክንድኡ ንመሉ ብሙሉእ ኣብ ኣቡኡ ተደጊፉ ተመላሊሱን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ 'ውን ንኽልቲኡ ንህይወትን ኣገልግሎትን ክኣ ደሊዩ።



ድሮ ንሱ እናሳዕ ንጸሎት ናብ ነበረኻ እናላገሰ ከሎ ሪኢና ኣሎና (ሉቃ 5=16)።ኣብ መወዳእታ ምዓልታት ቅድሚ ስቕለቱብ ንሱ ቀትሪ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህርን ለይቲ ኽኣ ናብ ከረን ዘይቲ ግልል ይብል ነይሩ - ብዘምጥርጣር ዝተናወሔ ዘየቋርጽ ግዝያት ናይ ጸሎት ነይርዎ እዩ (ሉቃ 21=37-38)።



እቲ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ዝዕየ ጥራይ እዩ ዘለኣለማዊ።ካልእ ኩሉ ክጠፍእ እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዝውከል የነጻጽሮ ምስ ከም ኣብ ጥቓ ማይ እተተኸለት ሱራ ኣብ ሩባ ኣቢሉ ዝሳፍሕ (ኤር 17=5-8)። እናሳዕ መንፈሳዊ ጸጋታቱ ከም ሰብ ካብ መንፈስ ቅዱስ እናወሰደ (እቲ ፈለግ ናይ እግዚኣብሄር)።



ናይ የሱስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ፈተና ብሰብኣዊ ውሳኔ ኣይነበረን ግናኸ ህሞት ድሕሪ ህሞት ብምኽንያት ካብ ኣቡኡ ሓይሊ ስለ ዝወሰደ እዩ። እቲ መንገዲ ርእስኻ ምኽሓድ ከምቲ የሱስ ኣብነት ዝኾኖን ዝምሃሮን ምስቲ ነፍሲ ብገዛእ ርእሱ ክገዝእ ዝፍትን ሓደ ኣይኮነን። ኣይፋሉን። እዚ ቡድሂዝምን ዮጋን እዩ ከምእ'ውን ካብቲ ምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላያ እዩ ከምቲ ሰምያን ምድርን እዩ።



ሰባት ዝግብኣና ክንገብርን ንኣምላኽ ከነገልግልን ሓይሊ ከም ዘይብልና የሱስ ሚሂርና እዩ።ንሱ በለ ንሕና ከም ተስፋ ዘይብሉ ጨንፈር ንፍረ ምእንቲ ክኸውን ሙሉእ ብምሉእ በታ ኦም እትቕርቦ ነጉዒ ወይ መግቢ ዝምርኮስ ከም ዝኾና " ብዘይ ብኣይ" ንሱ በለ " ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም" (ዮው 15=5) ።እሞ ስለዚ እቲ እንገብሮ ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ባዶ ሙኳኑ ክሕሰብ ይክኣል እዩ።



ኣብዚ ውሽጢ ነገር ቀንዲ ኣድላይ ነገር ዝኸውን " ብመንፈስ ኩሉ ግዜ ቀጻሊ ምምላእ እዩ " (ኤፌ 5=18)።



የሱስ ገዛእ ርእሱ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡን ተቐቢኡን እዩ (ሉቃ 4=1-18)።ከምእ'ውን ንሱ ተመላሊሱን ዓዩን እዩ ንኣብኡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ።ኮይኑ ግን እዚ ዝኽኣለሉ ዝኾነሉ ምኽንያት ከም ሰብ ብመንፈስ ድኻ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ።



የሱስ ወሲድዎ ዝነበረ ናይ ሰብ መዛርዕ ድኻሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ ።በዚ ምኽንያት ንሱ ቀጻሊ ንበይኑ ክኸውን ክጽልን ዕድላት ይሪኢ ነይሩ።ሓደ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ከምቲ በጻሒ ሃገር ጽብቕ ሆቴልን ኣዚዮም ክርኣዩ ክንጽሑ ዘለዎም ቦታት ዝርኢ ፥ኣብ ከተማ ምስ ኣተወ ፥የሱስ'ውን ጽምዋ ቦታት ክጽሊሉ ዝኽእል ይሪኢ ነይሩ።



ንሱ ንፈተና ክስዕር ሓይሊ ደሊዩን ከምእ'ውን ነፍሳዊ ሓይሉ ቀቲሉን እዩ።ሙሉእ ብምሉእ ድኻም ናይ ስጋ ንቕሓትን ኣፍልጦን ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ዝኾነ ሰብ የልቦን።ስለዚ ንሱ ሓገዝ ደሊዩ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ብጸሎት ቀሪቡ ዝኾነ ሰብ ፍጹም ገይርዎ ዘይፈልጥ ንሱ ጸሊዩ" ብኣውያትን ንብዓትን " ኣብ ዘመን ስግኡ።እቲ ውጽኢት ክኣ ብኣቦ ኣዚዩ ሓይሉ ኣዚዩ ብዙሕ ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ።ከምዚ ኢሉ ኽኣ እዩ " የሱስ ፍጹም ሓደ ግዜ'ውን እንተ ኾነ ሓጥያት ዘይሰርሔን ንነፍሱ ክንበር'ውን ዘይሓሰብ (እብ 4=15፥5=7-9)።



ኣገዳሲዶ ኣይኮነን 25 ግዜ ኣብ ወንጌላት "ጸሎት" "ምጽላይ" ዝብሉ ቃላት ኣብ መዓል ዝውዓሉ ምስ የሱስ ብዝትኣሳሰር ኩነታት?



ኣብዚ ነጥቢ እዚ እዩ ምስጢር ህይወቱን ዕዮኡን ዝቕመጥ።



የሱስ ቅድሚ ዓበይቲ ፍጻመታት ኣብ ህይወቱ ጥራይ ኣይጸለይን ግናኸ ከምእ'ውን ድሕሪ ገለ ዓበይቲ ፍረ ጻማታትን ምክንዋንን ጸሊዩ እዩ።ድሕሪ ንሓሙሽተ ሺሕ ሰባት ብተኣምራታዊ ሓይሊ ምስ መገቦም ንሱ ክጽሊ ናብ ከረን እዩ ኣልጊሱ።ኣብዚ ዋላ ሓንቲ ምጥርጣር የልቦን በቲ ዝፈጸሞ ዕዮ ወይ ኣንጻር ንፈተናታት ትዕቢት ምእንቲ ርእሱ ክሕሉን ንኣቦ ብምጽባይውን ሓይሊ ክሕድስ ከም ዝገበሮ (ኢሳ 40=31)። ወትሩ ንጎይታ ገለ ኣገዳሲ ዕዮ ክገብር ጥራይ ኢና ኣቐዲምና ንጽሊ።ኮይኑ ግን ናይ የሱስ ልምዲ እንተ ኣጥሪና ድሕሪ ዕዮ ምቅናዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምጽባይ ፥ካብ ትዕቢት ርእስና ክንዕቀብ ኢና ከምእ'ውን ንጎይታ ዓበይቲ ነገራት ክንሰርሕ ክንዕጠቕ ኢና።



ህይወት የሱስ ብዕዮ ኣዚዩ ምስ ዝተጸመደ ምስ ኮነ ብዙሕ ዝያዳ ኽኣ ይጽሊ ነይሩ። እዋናት ውን ነይሩ እዩ የሱስ ክበልዕ ወይ ክዕርፍ ግዜ ዘይረኽበሉ (ማር 3=20 ፥ 6=31፥ 33፥46) ኮይኑ ግን ንሱ ክጽሊ ግዜ ይወስድ ነይሩ።ንሱ ንድርኺት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝእዘዝ ዝነበረ ምዓስ ይድቅስን ምዓስ ይጽልን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።



ብመንፈስ ድኻ ሙኳን ንውጽኢታዊ ጸሎት ቅድመ ኩነታዊ እዩ።ጸሎት መግለጺ ናይ ሰብ ዓቕሚ ዘይብሉ ሙኳኑ እዩ ትርጉም ዘለዎን ጥራይ ልምዲ ከይከውን ቀጻሊ ናይ ሰብ ዓቕሚ ምንጪ ዘይእኹል ሙኳኑ ምፍላጥን ምእማንን ክህሉ ኣለዎ ንክርስትያናዊ ህይወት ንምንባር ኮነ ንእግዚኣብሄር ንምግልጋል።



የሱስ ቀጻሊ ብጸሎት ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ደሊዩ እዩሓይ ከምእ'ውን ፍጹም ተስፋ ኣይቆረጸን ።በዚ ኽኣ ንሱ ብጸሎት ገይሩ ነገራት ፈጺሙ ፥ንሱ ዋላ ብኻልእ መንገዲ ክፍጽሞ ኣይክኣለን።



እቲ ሓያል ርእሰ ምትእምማን ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ዓወት ክረክብ "ኣብ ስጋ " ክውከል ክቕጽል እዩ።ከምዚ ዓይነት ሰብ ክስበር ኣለዎ ቅድሚ ንሱ ሓይሊ ኣምላኽ ንዓወት ክፈልጥ ክኽእል። ስለዚ እግዚኣብሄር ብተደጋጋሚ ዝተስዓረ ክኸውን ይፈቅድ፥ወርሒ ድሕሪ ወርሒ ክሳብ ናብ " ባዶ ነጥቢ" ዝመጽእን ዘይድማዓውነቱ ዝፈልጥን።ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ይኸውን ናብ ዕውት ህይወት ክኣ ንዕኡ ይመርሖ፥ ከምእውን ናይ እግዚኣብሄር ክብሪ ብህይወቱ ክገልጽ ይጅምር።



ብርቱዓት እንኸውን ኣብቲ እንደኽመሉ እዩ (2 ቆሮ 12=10)።



ኣብርሃም በቲ ተፈጥራዊ ሓይሉ ንእስማዒል ፈሪዩ ኮይኑ ግን እግዚኣብሄር ንእሽማዒል ኣይተቐበሎን ንኣብርሃም ክኣ ክሰዶ ሓቲትዎ (ዘፍ 17=18-21 ፥ 21፥10-14)። ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ጽብቕ ክንዓዪ ኢልና ሕማቕ ዝፈረየ ጻዕርና ብሰብኣዊ ክእለታትና ዝፈረየ ኣብ ኣምላኽ ዘይተደገፈ ፥ንሱ ክነግረና'ውን እዩ ዘይቅቡሉ ሙኳኑ።ኩሉ እቲ ዕንጸይትን ሓሰርን ናብ ሓኹምሽቲ ክወርድ እዩ።



እቲ " ብናይ እግዚኣብሄር " ፍቓድ ዝተሰርሔ ጥራይ ክተርፍ እዩ።



ኣብርሃም ናብ ቦታ ዱኹም ሙኳኑን ናይ ምውላድ ተፍጥራዊ ክእለቱ ቆልዓ ክወልድ ደው ምስ በለ፥ ሽዑ ብኣምላኻዊ ሓይሊ ኢሳቕ ተወሊዱ፥ከምእ'ውን እዚ ውላድ እግዚኣብሄር ተቐቢልዎ።



ሓደ ኢሳቕ ካብ ኣሽሓት እስማዒላት ይኸብር ክሳብ እግዚኣብሄር ዘተሓሳሰቦ። ሓድ ግራም ወርቂ ይኸብር ካብ ሓደ ኪሎ ግራም ዕንጸይቲ ፥ድሕሪ ንኽልቲኦም ሓዊ ምፍታኑ። ንእሽተይ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተሰርሔ ኣዚዩ ይኸብር ካብ ብዙሕ ብሓይሊ ርእስና ካብ ዝተሰርሔ።



ጽብቕ ዕዮናን ናይ ገዛእ ርእስና ጻዕርን ንጎይት ንምግልጋል ኩሉ ግዜ ጹዩቕ ጨርቂ እዩ ዝኸውን ክልቲኡ ቅድምን ድሕርን ምልዋጥና ። ኮይኑ ግን ጽድቂ ብእምነት ዝፈረየን እዚ ኣገልግሎት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፉ ዝተዓይየ ኣብታ ምዕልቲ ናይቲ ገንሸል መርዓ ናይ መርዓ ክዳና ክኸውን እዩ (ራኢ 19=8)። እንታይ ዓይነት ፍልልይ እዩ ረሳሕ ጽዩቕ ጨርቅን ጽብቕ ናይ መርዓ ክዳንን ! እዚ ኩሉ ህይወትና ኣብ ዝነብሮ እዩ ዝምርኮስ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ነፍሲ ሓይሊ ወይስ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ።



የሱስ ንኣገልግሎቱውን ኣብ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተደጊፉ። ንሱ ኣቐዲሙ ብመንፈስ ቅዱስ ከይተቐብኤ ከይዱ ክሰብኽ ኣይደፈረን ። ንሱ ንሰላሳ ዓመታት ድሮ ፍጹም ዝኾነ ቅድስና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነቢሩ ስለዚ እዩ ኽኣ ኣቦ ክምስክር ዝኽኣለ "እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ " (ማቴ 3=17)። ከምእውን ብምኽንያት ጽድቂ ምፍቃሩን ሓጥያት ምጽልኡን ካብ ዝኾነ ሰብ ዝነበረ ንሱ ተቐቢኡ እዩ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ (እብ 1=9)። ከም ውጽኢት ብኣገልግሎቱ ሰባት ካብ ምርኮ ሰይጣን ሓራ ወጺኦም እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማን ቀዳምነት ምግላጽ ናይ ምቕባኡ (ሉቃ 4=18 ን ግብ 10=38 ርኤ)።



ዕዮ ኣምላኽ ብናይ ሰብ ተውህቦን ክእለትን ኣይዕየይን እዩ።ሰባት ልዑል ተፈጥራዊ ተውህቦ ዘለዎም ምስ ተለወጡ ኩሉ ግዜ ሕጂ ንኣእምራውን ስሚዒታውን ሓይልታቶም ንኻልኦት ናብ ኣምላኽ ክጸልውዎም ክጥቀምሎም ከም ዝኽእሉ ይሓስቡ።



ብዙሓት ክርስትያናት ዋላ ንኽእለት ዘረብኦም ፥ምጉቶም ንጹሩነት ቃላ ዘረብኦም ብጌጋ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ይብሉ።ኮይኑ ግን እዚኦም ነፍሳዊ ሓይልታት ጥራይ እዮም፥ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ክኣ ዕንቅፋት ይኾኑ እዮም።ዝተሰርሔ ዕዩ ብናይ ሰብ ነፍሳዊ ሓይሊ ፍጹም ዘልኣለማዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።እዚ ክጠፍእ እዩ ፥እንተ ድኣ ኣብ ግዜ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክኸውን እዩ።



የሱስ ንሰባት ናብ እግዚብሄር ከቕርቦም ከንቀሳቕሶም ኣብ ሓይሊ ክእለት ዘረባ ወይ ስሚዒት ኣይተደገፈን።ንሱ ዝኾነ ዕዩ ብነፍሳዊ ሓይሊ ዝተሰርሔ ንተመልከቱ ኣብ ነፍሶም ጥራይ ከምዚ ዝበጽሖም እምበር ፍጹም መንፈሳውያን ክኾኑ ከም ዘይሕግዞም ይፈልጥ ነይሩ እዩ።ንሱ ሓደ ዓይነት ምኽንያት ንሰባት ናብ እግዚኣብሄር ንምቕራብ ኢሉ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ዝኾነ ዓይነት ኣይገበረን።



ንሱ ኣብ ልዕሊ ስምዒታት ተመልከቱ ኣይተጻወተን ንረስኒ ዘለዋ ውዕውዕ ስሚዒት ኣይሰረሔሙን ህይወቶም ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ክህቡ።ብሓቂ ንሱ ካብዚኦም ዋላ ሓደ ኣይተጠቀመን ካልኡት ነፍሳዊ ሜላታት ሎሚ ምስ ሰበኽቲ ወንጌላዊያን ኣዚዩ ልሙድ ኮይኑ ዘሎ።ንሱ ስሚዒታዊ ብርቱዕ ድሌት ኣይተጠቀመን ከምእ'ውን ንነፍስዊ ረሲኒ ሰባት ንምጽላው። ኣዚኣቶም ሜላታት ናይ ፖሎቲከኛታትን ነጋዶን እዩ ፥ግዳ ንሱ ካብዚኦም ክልተ ኣይነበረን።



ከም ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ኣቦ ፥የሱስ ኣብ ዕዮታቱ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ተደጊፉ ። እቲ ውጽኢት ክኣ እቶም ዝስዕብዊ ዝነበሩ ናብ ዓሚቑ ህይወት ኣብ እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ መጺኦም።



የሱ ነፍሳዊ ሓይሊ ኣይተጠቀመን ንኻልኡት ንኽቆጻጸሮም ክጠውዮም ናብቲ ናቱ ኣተሓሳስባ መንገዲ።ንሱ ንኻልኡት ነጻነት ሂብዎም እዩ እንተ ደሊዮም ዋላ ክንጽግዎ። ነፍሳውያን መራሕቲ ክርስትና ንኣባጊዖምን መተዓይቶምን በቲ ዘለዎም ፍሉይ ተሪር ባህሪ ይዕብልልዎም እዮም። ሰባት ብኣድናቖት ፍርህን ብምጥማት ይግዝእዎም ንኸምዚኦም ዓይነት መራሕቲ የድንቕዎምን ንቃላቶም ክኣ ይእዘዝዎም።



እዚዮም ብዙሓት ኣብ ዙሩያ ከምዚ ዓይነት መራሒ ክዓስሉን ይኽእሉ ከምእ'ውን ዋላ ኩሎም'ውን ሓድነት ክገብሩ ይኽእሉ ኮይኑ ግን እቲ ሓድነት ውፍይነትን ፍቕርን ነቲ መራሒ እዩ።ከምዚኦም መራሒቲ ዋላ ክታለሉ ይኽእሉ ብምሕሳብ ገዛእ ርእሶም እቲ ዘለዎም ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ብምባል፥ ምክንያቱ እቲ ኣብ ሞንጎ ነፍስን መንፈስን ዘሎ ፍልልይ ክፈልይዎ ኣይክኣሉን።



ስዓብቶምውን ተመሳሲሊ ተታሊሎም እዮም።እንተ ኾነ እቲ ንጹር ብርሃን መንበር ፍርዲ ኩሉ እቲ ሰብኣዊ ነፍሲ ሓይሊ እቲ ንዕዮ ኣምላኽ ዝዓንቀፈ ሙኳኑ ክገልጽ እዩ።



ፖሎቲካዊያን ክርስትያን ዘይኮኑ መራሕቲ'ውን ኣለዉ ከምዚ ዓይነት ናይ ሰብ ግርማ ሞጎስ ዘለዎም፥ብዙሕ ሰብ ክእክቡ ከቕርቡ ዝኽእሉ ብሓይሊ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ከምእ'ውን ጽብቕ ናይ ምዝራብ ክእለት ወ.ዘ.ተ።



የሱስ ከምዚ ዓይነት መራሒ ኣይነበረን ።ዝኾነ ክርስትያን'ውን ከምዚ ክኸውን የብሉን።ነፍሳዊ ሓይልና ካብ ምጣቃም ክፈርህ ይግባእ ፥ ንናይ እግዚኣብሄር ሕጊ ምጥሓስ ንሰብ ስለ ዝኾነ፥ ኮይኑ ግን ንኣግሎቱ ዕንቅፋት እዩ ዝኸውን።



ነፍሳዊ ሓይሊ ናይ ላዕሊ ላዕሊ ዝኾነ ዝባናዊ ኣብ ካልኡት ለውጢ ከፍሪ ይኽእል ይኸውን ከምእ'ውን ኣብኦም'ውን ብዛዕባ መልክዕ ኣምልኾ ከምጽእ ይኽእል ፥እንተ ኾነ ዓሚቕ ፍቕሪ ንኣምላኽ ኣይህሉን ወይ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት የብሎምን።



ሓቀኛ መንፈሳዊ ዕዮ ፍጹም ብሓይሊ ነፍሳዊ ሰብ ኣይስራሕን፥ እንተ ኾነ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ የሱስ ነዚ ፈሊጥዎን ስለዚ ንሱ ቀጻሊ ንሓይሎ ነፍሱ ይቐትል ነይሩ። በዚ ኽኣ ንሱ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብቶም ዝስዕብዎ ዓሚቑን ዝጸንዕ ዕዮ ክሰርሕ ክኢሉ።



ንሱ ፍጹም ፍሉይ ባህሪኡ ኣብ ልዕሊ ካልኡት ክቕበልዎ ኣይገደደን፥ ፍጹም'ውን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣይዓብለለን፥ ብቋንቁኡ ወይ ብክብ ዝበለ ብቕዓት ኣእምርኡ ፍጹም ኣድናቖት ክጥምትዎ ኣይገበረን። ንሱ ሰባት ክምስጥ ኣይደለየን ግናኸ ክሕግዞም እምበር።



ነፍሳዊ ክርስትያናት ንሰባት ካብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ንኻልኦት ክምስጥዎም እዩ ድሌት ዘለዎም።ነፍሳዊ ክርስትያናት መራሕቲ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ክሃንጹ ኣይክእሉን እዮም ፥ምኽንያቱ ንሰባት ምስ ገዛእ ርእሶም እዮም ዘላግብዎም ምስ ክርስቶስ እቲ ርእሲ ኣይኮነን።



እቶም ሓያል ነፍሳዊ ሓይሊ ዘለዎም ብቃል ኣምላኽ ብፍርህን ብራዕድን ከገልግሉ ኣለዎም፥ከም ጳውሎስ ዝገበሮ (1 ቆሮ2= 1-3) ፥ ምእንቲ እምነት ናይ እቶም ሰማዕቶም ኣብቶም ተዛረብቲ ጥበብ ከይዓርፍ ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ኣምላኽ ዝኸውን።



የሱስ ኣብ ኩሉ ግዜ ሰብኣዊ ድኻሙ ኣፍልጦ ዘለዎ ኮይኑ እዩ ተረፉ። ንሱ በለ " ወዲ ብገዛእ ርእሱ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን እዩ……"(ዮው 5=19) በዚ ምኽንያት ክኣ ጽዑቕ ናይ ጸሎት ህይወት ነይርዎ። ስለዚ ድማ ኣቦ ኩሉ ዕዮታቱ ኣብ የሱስ ክገብር ክኢሉ (ዮው 14=20)።



ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣብ እግዚኣብሄር ምድጋፍ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኸልከሎ ካብ ምጥቃም የሱስውን ክንጸልኦ ዝነገረን ዝሕልዎና ፥ ነፍሳዊ ህይወትናን ሓይልታቱን። ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ክብሪ ጎይታ ብኣና ገይሩ ክገልጽ እዩ።



ብእምነት እንተ ተመላሊስና ኣብ ጎይታ ብምድጋፍና ዕዮና ዕዮ እምነት ፥ሻቡ ብርግጽ ብወርቂ ፥ብሩርን ይዕናቑን ክንሃንጽ ኢና።



ስለዚ ግዳ ፥ገዛእ ርእስና እቲ ካልኣይ ሕቶ ንሕተት ? ኣነ ብሓይሊ ኣምላኽ ይመላለስን ይዓይንዶ ኣለኹ ? ኢልና።

Chapter 8
ንኽብሪ ኣምላኽ ምንባር

እግዚኣብሄር ኣልፋን ኦሜጋን ፥መጀመሪያን መወዳእታን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን እዩ። በዚ ምኽንያት ክኣ ከም ኩሉ ነገራት ዘልኣለማዊ ተፈጥሮ ኣብኡ ዝመንጨዎ እዩ፥ መፈጸምትኦም ዝረኽቡ ኽኣ ኣብኡ'ውን እዩ።



ኩሉ ነገራት ንዕኡ ክብሪ ከምጽኡ ብእግዚኣብሄር እዩ ተፈጢሩ።እዚ ብምኽንያት እግዚኣብሄር ብንዓይ ይጥዓመኒ ክብርን ስለ ዝደለየ ኣይኮነን። ንሱ ሙሉ ብሙሉእ ብርእሱ ነብሱ ዝሓድርን ዋላ ሓደ ነገር ክኣ የልቦን ንሕና ክንህቦ እንኽእል ዝውሰኾ እኹል መጠኑ።ንሱ ክብሩ ክንደሊ ክጽውዓን ከሎ ፥ብምኽንያት ንዓና ዝልዓለ ሰናይ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ርእስና ዝተማእከልና ተስፋ ዘይቡሉን ክንከውን ንኽእል።



ኣብኡ ዝማእከልካ ክተከውን ሕጊ እግዚኣብሄር ኣብ ዘፍጥረት ዝሃነጾ እዩ። እዚ ሕጊ ክጥሓስ ይኽእል እዩ ብሕልናዊ ፍጥረታት ነጻ ዘለዎም።ዘይህይወታዊ ፍጥረት ንፈጣሪኡ ብሓጎስ ይግዛእን ክብሪ ይህብን እዩ። ኮይኑ ግን ኣዳም ነቲ ሕጊ ኣይተኣዘዘን ሳዕቤን ናይ'ዚ ኣብ ሕሰም ወዲ ሰብ ንሪኦ።



ኣብ ጸሎት ጎይት ንደቂመዛሙርቱ ዝምሃሮም ከመይ ገይርክ ከም ዝጽለ ፥እቲ ኣዚዩ ናይ መጀመርታ ልመና "ስምካ ይቀደስ" ዝብል እዩ። እዚ እዩ ነይሩ ቀዳምነት ሃረርታ ኣብ ልቢ ጎይታና የሱስ። ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸልዩ እዩ "ኣቦ ስምካ ኣኽብሮ" ፥ከምእውን መንገዲ መስቀል መሪጹ ስለ እዚ ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዝነበረ (ዮው12= 27፥28) ።ሓደ ዝልዓለ ብርቱዕ ድሌት ንህይወት ጎይታ የሱስ ዝገዝእ -ናይ ኣቦ ክብሪ እዩ ነይሩ።



ኩሉ ነገር ንሱ ዝገበሮ ንክብሪ ኣቦ እዩ ነይሩ።ዝተፈላለየ ዝተቐደሰን ዓለማዊ ክፍሊ ኣብ ህይወቱ ኣይነበሮን። ኩሉ ነገር ዝተቐደሰ እዩ ነይሩ። ንሱ ኮፍ መበልን ነዊሕ ሰደቓን ሰሪሑ ማዕረ ክንድቲ ንሱ ዝሰቦኾን ሕሙማት ዝፈዎሶን ንኽብሪ እግዚኣብሄር።ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ ዝተቐደሰ ነይሩ ንዕኡ። ከምእውን ገንዘብ ኣብ ምዓልታዊ ናብራ ኣብ ዘድሊ ነገር ዝጠፍኤ ዝተቐደሰ ማዕረ ንዕዮ ኣምላኽ ወይ ንድኻታት ዝተውሃበ እዩ ነይሩ።



የሱስ ኣብ ሙሉእ ዕረፍቲ ልቢ እዩ ተመላሊሱ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነት ኩሉ ግዜ ፥ምኽንያቱ ንሱ ክብሪ ኣብኡ ጥራይ እዩ ደሊዩን ናብ ኣቡኡ ተቐባልነት ጥራይ ክኣ ተገዲሱን።ንሱ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣብኡ ተመላሊሱን ንኽብርን ንኣዳና ሰባትን ኣይተገደሰን።



የሱስ በለ "እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን" (ዮው 7=18)።



ነፍሳዊ ክርስትያን ፥ሽሕኳ ብዙሕ ክርኤ ወይ ክብሪ እግዚኣብሄር ዝደሊ እንተ መሰለ፥ብሓቂ ኣብ ታሕቲ ዓሚቕ ኣብ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝግደስ ።የሱስ በቲ ሓደ ወገን ፍጹም ዝኾነ ክብሪ ንገዛእ ርእሱ ኣይደለየን።



ኮይኑ ግን ኣብ ሰማይ ወይ ምድሪ ኣብ ዘመናት ዘልኣለም ዋላ ሓንቲ ንዝኾነ ሰብ ክብሪ ዘምጽእ ኣይክህሉን እዩ።



ድሕሪ ተግባር ዘሎ ሃቐና እዩ ዋጋን ምስጋናን ዝህቦ ነቲ ተግባር፥ክሳብ እግዚኣብሄር ብኡ ዝተገደሰ ፥እንታይ ንገብር ኣገዳሲ እዩ፥እንተ ኾነ ግን ስለ ምንታይ ንገብር ክኣ ኣዚዩ ዝያዳ ዘገድስ እዩ።



የሱስ ናይ ኣቡኡ መደብ ክቕበል ከም ዝተጸበየ ርኢና ኣሎና፥ከምእ'ውን ነቲ መደብ ከካይድ ሓይሊ ክረክብ እንኮላይ ንኣቡኡ ተጸቢዎ እዩ፥ስለዚ ንሱ ንኹሉ ፍቓድ ኣብኡ ብሓይሊ ኣምላኽ ገይርዎ።ግናኸ እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኩሉ። ከምቲ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ዝርኣናዮ ፥የሱስ ድሕሪ ገለ ዝዓበየ ስራሕ ምዕያዩ ናብ ጸሎት ከይዱ እዩ -ንኣቡኡ ክብሪ ክህብ።ንሱ ንፍረ ዕዩኡ ከም መስዋእቲ ንኣቡኡ ቀሪቡ እዩ።ንሱ ገዛ ርእሱ ክኸብር ኣይደለይን ምስ ተወሃቦውን ኣይተቐበሎን (ዮው 5=41፥ 8=50)።ዝንኡ ብራሕቕን ስፍሓትን ምስ ተዘርግሔ ንሱ ንኣቡኡ ክብሪ ክህብ ናብ ከረን ኣልጊሱ (ሉቃ 5=15-16)።ንሱ ነቲ ክብሪ ገዛእ ርእሱ ከይትንክፍ ፍጹም ወሲኑ እዩ።



ውጽኢት ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ቀጻሊ ዝሓዘ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ህይወት የሱስ ፥ንሱ ብቕንዕና ከምዚ ክብል ክኢሉ "ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ" (ዮው 17=4)።



ንሱ ናብ ምድሪ ዝመጸ ከም ሰብ ንኣቡኡ ክብሪ ክህብ እዩ። ንሱ ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ እዚ ከም ዕላማ ነቢሩሉ። ንሱ ብዕቱብ ጸሊዩ እቲ ኣቦ በይኑ ጥራይ ክብሪ ዝረኸበ ክኸውን ዝኾነ ይኹን ዋጋ ይሕተቶ።ከምእውን ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምእውን ኣብ ምድሪ ኣቦ ምእንቲ ክኸብር፥ንሱ ኣብ መወዳእታ ሞይቱ።



ኣብ ምዓልቲ ብሓዊ ምፍታን ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ(1 ቆሮ 3=13) ነፍሲ ወከፍ ክፈልጥ እዩ " ስለ ምንታይ ዕዮ ጎይታ ንሰርሕ ከም ዘሎና" (1 ቆሮ 4=5)።



ብጎይታ ኣብታ ምዓልቲ እቲኣ ሃቐናታት ክቃሉዑን ክፍተሹን እዮም ።



ነፍሳዊ ኣገልግሎት ርእሱ ይዕብን ሰባት'ውን ናብ ገዛእ ርእስና ንስሕብ ኣብ ክንዲ ናብ እግዚኣብሄር ።እኩባት ሰባት ክሰምዑና ይመጹን ይምሰጡን ከም እንደገና'ውን ይምለሱ ክሰምዑናን የኽብሩናን ብዛዕባና'ውን ጽብቕ ይዛረቡ ።እቲ ቦታ ሓዲግናዮ ምስ ከድና ፥ናብቲ ናይ ቀደም መንፈሳዊ ጸገሞም ተመሊሶም ይወዱቁ፥በቲ ኩሉ ዝሰምዕዎ ስብከት ዝሓሸ የልቦን። ሓቀኛ መፈተሺ ናይ ሰብ ዕዮ ፥ ናይ እቶም ንሱ ዘገልግሎም ሰባት ኩነታቶም እዩ፥ድሕሪ ንሱ ገዛ ርእሱ ምውት ኮይኑ ምስ ከደ።ሻቡ ጉሉሕ ይኸውን ኣገልግሎቱ ነፍሳዊ ወይ መንፈሳዊ ከም ዝነበረ።



ኩሉ ዕዮ ንኻልኡት ናብ ገዛእ ርእስና ዝስሕብ ዕንጸይቲ ፥ሳዕርን ሓሰርን ሙኳኑ ክጋላጸ እዩ ኣብ መወዳእታ ምዓልቲ ፥ምኽንያቱ ንሰብ ጥራይ ስለ ዝዕቢ እዩ።



ኣገልግሎት የሱስ መንፈሳዊ እዩ ነይሩ። ናይዚ መረጋገጺ ዝርኤ ኽኣ ኣብቲ ኡነታ ንሱ ብድሕሪኡ ብሒደት ሰባት ሓዲጉ፥ንሶም'ውን መንፈሳዊያን ኮይኖም ነፍሳውያን ኣይነበሩን። ክብሩ ክንገልጽ ኣብዚ ኣሰር ስጉምቱ ክንስዕብ ይግብኣና።



ነፍሳዊ ኣገልግሎትን ምንባርን ነቲ ብዓለምለኸ ተቐባልነት ዝረክብ ጸረ ክርስቶስ ብጽሓት ብሙሉእ ብሙሉእ ነፍሳዊ ሰብ መንገዲ ዝጸርግ እዩ።ንሱ ልዕሊ ካልኡት ርእሱ ክዕቢ እዩ፥ዋላ ተኣምራታዊ ዘደንቕ ሓይልታት ብምጥቃም ክገብር እዩ (2 ተሰ 2=3-10)።



ኣቓልቦ ሰባት ናባና ገዛእ ርእስና ምስሓብ ናብ ስራሕና በዚ ምኽንያት እዚ ባህሪ ህላወ ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ።ኣብ ልዕሊ ሕልና ሰባት ሓይሊ ክህልዎካ ፥ስለዚ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንነግሮምን ናባይ ክኸዱ ከም ዘለዎምን፥እዚ ነፍሳዊ እይ።ንኻልኡት ምኽሪ ምሃብ መንፈሳዊ ነገር እዩ ኮይኑ ግን ንኽትቆጻጸሮም ምልምማድ ነፍሳዊ እዩ።



የሱስ ንዝኾነ ካብ ስዓብቱ ሓደ ነገር ክገብሩ ፍጹም ኣይገደዶምን።ንሱ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሰብ ዘውፈሮ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣኺብርዎ እዩ።



ግዳ ንሱ ናይ ኩሉ ሰብ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ ።ከምእ'ውን ሓጊዝዎምን ኣገልጊልዎምን ኣብ ክንዲ ምእዛዝ ንዕኦም ኣብዝን ኣብትን።



ኣዚዩ ቀሊል እዩ ብመንፈስ ገዛእን ጎይታን ክትሰብኽ ብዘይ መንፈስ ኣገልጋሊ (2 ቆሮ 4=5)። ነፍሳዊ ሓይሊ ክንጥቀም ንኽእል ኢና ኣረኣእያና ክቕበልዎ ንምግባር እዚ ኽኣ ሰባት ናባና መጺኦም ክቑረኑ ውጽኢት የመጽእ።



ሰብ ቅንኣት ውዕውዕ መንፈስን ዘለዎ ብዛዕባ ነፍሳዊ ሓይሉ ኣፍልጦ ዘይብሉ ዋላ'ውን ንክርስቶስ ዘይኮነስ ናብ ገዛእ ርእሱ ሰባት ይእክብ ከም ዘሎ ክርዳእ ኣይክእልን እዩ። ዕዮ ኣምላኽ ብሓይሊ ወይ ብርታዔ ኣይሰራሕን እዩ ግናኸ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ።ግዳ ሓደ መለለዪ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዓዪ ዘሎ ሓርነት እዩ (2 ቆሮ 3=17) - ሙሉእ ናጽነት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተወሃቦ።



ኣገልጋሊ ገዛእ ርእሱ ኣብ ገዛ ከመይ ከም ዝዋሳእ ኣብ ግምት ይእትው። ንሱ ብህድኣት የገልግልን እቲ ክዕየ ዘለዎ ዘደሊ ብምስራሕ ፥ናብ ክሽነ ክእለ ኣለዎ።ንሱ ብጅሃራን ርኣዩኒ ኣይመጸን ንዋላ ሓደ እኳ ኣብቲ ጣውላ ምስኡ ዘለዉ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣይነግሮምን እዩ ። ክንደይ እዮም ንጎይታ ብኸምዚ ከገልግልዎ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ? ።



ከምቲ ሓደ ዚብሎ " ኣገልጋሊ ክገዝእ መሰል ኣለዎ ፥ንሱ ኽኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጋ እዩ። ናብ መጠን ንሱ ኣብ ልዕሊ ስግኡ ዚገዘኤ፥ንሱ ንኻልኡት ክመርሕ ይኽእል እዩ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ንቕድሚት ።መንፈሳዊ ኣገልጋሊ በቲ ኣምላኽ ዝተውሃቦ ሓይሊ ጥራይ እዩ ዘገልግል፥ከምእ'ውን እዚ ዝተውሃቦ ሓይሊ ንኻልኦት ንዘድልዮም ከገልግለሉ ጥራይ እዩ። ዝኾነ ኾይኑ እንተ ድኣ ነቲ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንኽጉይትት ተጠቂሙሉ ብዝኾነ መንገዲ እንተ ኣገዲዱ ፥ንሱ ተሰፋ ክቖርጽን ኣብ መወዳእታውን ብናቱ መንገዲ ክኸይድ እዩ።ዕዮ ናይ ኣገልጋሊ ነፍሳት ህያው ኣምላኽ ክራኸባ እቲ ኩሉ ነገር ዝሰርሕ እምበር ምስብገዛእ ርእሱ ክትኣሳሰሩ ኣይኮነን ብከምዚ ዓይነት መንገዲ እይይ ክዓዪ ዝግባእ(1 ቆሮ 12=6)።



ስለዚ የሱስ፥ክብሪ ኣምላኽ ደለየ ንሱ ገዛእ ርእሱ ኣዚዩ መንገዲ ክጸርግን ብድሕሪኡ ሃዋርያት ካብቲ ንሱ ከቶ ዝሰርሖ ዝዓበየ ክሰርሑን ተዳሊዩን ኣዳሊውሎምን (ዮው 14=12)። እዚ ዝዓበየ ስራሕ ምህናጽ ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ምጥርጣር የልቦን፥እቶም ኣባላት ኣብኣ ዘለዉ ሓደ ክኾኑ ከምቲ ኣብን ወልድን ሓደ ዝኾንዎ (ዮው 17=21-23) ። ኣብ ግዜ ናይ የሱስ ምድራዊ ህይወት ፥ዋላ ክልተ ካብ ደቂመዛሙርቱ ከምቲ ኣቦ ምስ ወዲ ሓደ ዝኾኑ ኣይኮኑ፥ኩሎም ናይ ርእሶም እዮም ዝደሊዩ ነይሮም። ግናኸ ድሕሪ ምዓልቲ ሓምሳ ፥ብዙሓት ደቂመዛሙርቲ ከምቲ ንሱ ዝደለዮ ሓደ ኮይኖም።እዚ እዩ እምብኣር እቲ ዝዓበየ ስራሕ።




የሱስ ዝዓበየ ዕዮ ክሰርሑ ንኻልኦት እቲ መንገዲ ጸሪግሎም።ንሱ ሞይቱን መሰረት ሰሪቱን ደቂመዛሙርቱ ክኣ ኣብኡ ሃኒጾም።



ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘገድሰካ ኣብ የሱስ ኣይነበረን ፥ሓደ ካልእ ሰብ ነቲ ምስጋና እንተ ወሰዶ በቲ ንሱ ዝሰርሖ ዘገድሶ ኣይነበረን ጥራይ ኣብ ክብሪ ይርከብ እምበር።



እዚ መንፈስ እዩ ህይወት ክዘርኣልና ዘለዎ እዩ፥እንተ ድኣ ንቤተ ክርስትያን ኣገልግሎት ህይወት ክንዓዪ፥ነታ ኣካል ክርስቶስ ሎሚ ፥ናብ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክንሃንጻ እንተ ድኣ ኮይና።



የሱስ ኣዚዩ ብምልኣት ብሙሉእ ብምሉእ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣቡኡ ተመላሊሱ ፥ንሱ ካብ ጠቐነ ነጻ ምእንቲ ክኸውን ብዛዕባ እዚ ኣይተገደሰን ኣብ ቅድሚ እቶም ዝሰቐልዎ፥ድሕሪ ንሱ ካብ ሞት ምትንስኡ።



ኣብ ቅድሚ ይዒንቲ ዓለምን መራሕቲ ኣይሁድን ፥ናይ የሱስ ኣገልግሎት ሙሉእ ብሙሉእ ዝፈሸለ እዩ። የሱስ ነፍሳዊ እንተ ዝኸውን ነይሩ ፥ንሱ ሃረር ምስ በለ ነይሩ ተመሊሱን ገዛእ ርእሱ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ከደንጽዎምን ርእሱ ከንጽህን። ኮይኑ ግን ንሱ እዚ ኣይገበረን።ንሱ ገዛእ ርእሱ ድሕሪ ትንሳኤኡ ጥራይ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ጥራይ እዩ ቀሪቡ።



ናይ ኣቦ ግዜ ንየሱስ ካብ ጠቐነ ነጻ ምግባር ገና ኣይበጽሔን-ግዳ የሱስ ንኽጽበ ተቐሪቡ ነይሩ። እታ ግዜ ገና ኣይመጸትን ኣላ።



ገና ኣብ ዓለም ንየሱስ ብጌጋ ተረዲኦም ኣለዉ ፥ከምእ'ውን መብዛሕትኦም ሰባት ህይወት የሱስ ከም ክሳራ እዮም ዝሓስብዎ።ንሱ ከም ሰብ ህይወቱ ኣብ መብልዒ ማል ጀሚሩን ናይ ምድሪ ህይወቱ ክኣ ናይ ውርደት ሞት ኣብ መስቀል ወዲኡ ፥ምስ ክልተ ቀተልቲ ነፍሲ በቲ እቲ ዝኸፍኤ ስርዓት ኣገባብ። ከምእውን እዚ እዩ እቲ መወዳእት ዓለም ዝርኣየቶ።



የሱስ ተዳሊዩ እዩ ከም ዝኸሰረ ኮይኑ ክርኤ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ክሳብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝኸበረ።ንሱ ብሰብ ክንኣድ ኣይተመላለሰን ወይ ኣይገልገለን ፥ግዳ በዚ ምኽንያት ኣቦ ሓንቲ ምዓልቲ፥ ብዓቢ ክብርን ግርማን ብጋህዲ ሰባት ዝርኢዎ ካብ ወቐሰን ጠቐነን ከንጽሆ እዩ ። ከምእ'ውን ኣብታ ምዓልቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ብስም የሱስ ክንብርከኽ ልሳን ዘበለ'ዉን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጎይታ ሙኳኑ ክእመን እዩ (ፌሊጲ 2=11)።



ስለዚ ግዳ እቲ ሳልሳይ ሕቶ ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ዝግባእ ~



እቲ ኣነ ዝነብሮን ዝዓዮንን ዘለኹ ንኽብሪ ኣምላኽ ንበይኑ ጥራይ ድዩ ?

Chapter 9
እታ መርዓት ክርስቶስ

ኣብ ምዕጸዊ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውጽኢት ስራሕ ንረክብ-እታ መርዓት ክርስቶስ።ከምእ'ውን ናይ ሰይጣን ዝተተምነየ ውጽኢት ስራሕ- እታ ኣመንዝራ ቤተ ክርስትያን ንርኢና።

ኣብ ራኢ 21=2 .10.11 ዮውሃንስ ከምዚ ኢሉ "እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።

ዮውሃንስ ቅድሚ ራኢ መርዓት ክርስቶስ ምርኣዩ ንሱ ናይ እታ ኣመንዝራ ራኢ ተዋሂብዎ እዩ- እቲ መንፈሳዊ ምንዝርና እቶም ንኣምላኽ ከም ዘፍቅርዎ ዝዛረቡ ኮይኒ ግን፥ ብልክዕ ንዚኣ ዓለም ዘፍቅሩ እዮም (ያዕ 4=4)።እዚ ሓቅነት ዘይቡሉ ክርስትና መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ቅኑዕ ሰረተ እምነት እንተ ኾነ ሓይሊ ኣምላኻዊ ህይወት ዘይብሉ እዩ።(2 ጢሞ 3=5)።

ዮውሃንስ በለ "ሰበይቲ ርኤኹ፥እታ ዓባይ ባቢሎን፥ኣደ ኣመንዝራን ኣደ ርኽሰት ምድርን ድምጺ ውን ከምዚ በለ "እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ እያ፥ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዋ ትኪ ናታ ኽኣ ንዘልኣለም ይወጽእ"። (ራኢ 17=2.3 :18=2.9 : 19=3)

እቲ ንጽጽር ጉሉሕ እዩ።መሕልፎ እታ መርዓት ብናይ ፍርዲ እሳት እያ መጺኣ "ምድማቕ ብርሃና ከም ኣዚዩ ክቡር እምኒ"።እታ ኣመንዝራ ብሙሉእ ናብ ሓኹሙሽቲ እያ ተሪፋ፥ትኪ ናታ ናብ ሰማይ እዩ ዓሪጉ፥ምክንያቱ ንሳ ብዝጠፍእ ነገራት እያ ተሰሪሓ ነይራ።

ዮርሳሌም እታ መርዓትን ባቢሎን እታ ኣመንዝራን ክልተ ስርዓታት እየን - ሓንቲ ካብ ኣምላኽ እታ ኻልእ ክኣ " ምድራዊትን ነፍሳዊትን ኣጋንንታዊትን እያ " (ያዕ 3=5)።

መጀመርታ ነታ ባቢሎን ንርኤ። ባቢሎን ካብ ግንቢ ባቤል እያ ምንጫ እታ ብመሰረት ናይ ሰብ ውጥን ዝተሰርሔት ፥ብናይ ሰብ ሓይሊን ንኽብሪ ሰብን ።"ንሓድሕዶም ተዘራረቡ (ካብ ሰብ) ንዓና ከተማ ንህንጽ (ብሰብ) ከምእ'ውን ስም ርእስና ንግበር (ንሰብ)" (ዘፍ 11=3-4)።

ድሕሪ ዓመታት ንጉስ ናብኩዶናጾር ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ ምስ ሃነጸ ርእሰ ከተማ ዓቢ ናይ ዓለምን ግዝኣት፥ንዛ ከተማ ሓደ ምዓልቲ ርኣያ እሞ ብተመሳሳሊ ዓይነት ኣገባብ ከምዚ በለ " እዚኣ እታ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን ፥ኣነ ባዕለይ ዝሃነጽክዋ (ካብ ሰብ)....በቲ ሓያል ስልጣነይ (ብሰብ).....ንኽብሪ ግርማይ ንቤት መግስቲ (ንሰብ) " (ዳን 4=30)።

ግንቢ ባበል ብፍርዲ እዩ ኣቢቅዑ።ናይ ናብኩዶናጾር ትዕቢት ክኣ ናብ ብኡ ንቡኡ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ ኣምጺእዎ (ዳን 4=31-33)። ናይ መወዳእታ ጫፍ ናይ ኩሉ ብጥበብ ሰብ ዝፈረየን፥ ብናይ ሓይሊ ሰብ ፥ንኽብሪ ሰብ ውን ብእግዚኣብሄር ክፍረድ እዩ።እቲ ብናይ ሰብ ነፍሳዊ ሓይሊ ዝተዓየየ ክጥፍእ እዩ፥ዋላ እኳ "ናይ ክርስትያን ዕዩ" ተባሂሉ እንተ ተጸውዔ "እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስ፡ እቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩ (ናይ ክርስትያን ዓየይቲ) ኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት"(ኤር 51=58)።

ኤርሚያስ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ከተማ ኣምላኽ( ዕብ 12=22)። የሩሳሌም እግዚኣብሄር ዝሓድረላ ቦታ ምንጪ ኣብቲ ሙሴ ዝሃንጻ ዱንኳን (ዘጽ 25=8) እታ ዱንኳን ልክዕ ብመሰረት ናይ እግዚኣብሄር መደብ እያ ተሰሪሓ " …. ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ" (40=16) "ካብ ኣምላኽ" ብሓይሊ ኣምላኽ ዝተመልኡ ሰባት እዩ ተሃኒጹ "እንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ…..ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ (ዘጽ 31=1-5) "ብኣምላኽ" ፥ንኽብሪ ኣምላኽ ክኣ ተሃኒጻ "ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ" (ዘጸ 40=34) "ንኣምላኽ" ።ካብ ኣምላኽ ዝመንጨወ ብኣምላኻዊ ሓይሊ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተሰርሔ ጥራይ በይኑ ጸኒዑ ንዘልኣለም ክተርፍ እዩ።ብሓዊ እዩ ሓሊፉ ዝመጽእ ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዜንጸባርቕ እምኒ እዩ ምኽንያቱ ብወርቂ ብሩር ክብሩ ዕንቁን ስለ ዝተሰርሔ።

ገጻት መኽፍትን መዕጸውን መጽሓፍ ቅዱስን ከነነጻጽሮን ከለና ፥እተን ክልተ ኦም ንረኽበን እታ ኦም ህይወትን ፥ኦም ፍልጠት ጽብቕን ክፉኡን እዘን ክልተ ኦም ክልተ ስርዓታት ፈሪየን ኣለዎ።ኣብ መወዳእታ ግዜ ኽኣ ዮርሳሌምን ባቢሎንን ።እቲ ብሓቂ ካብ መንፈስ ዝተወለደ- ካብ ኣምላኽ፥ ብኣምላኽን፥ ንኣምላኽን ንዘልኣለም ክጸንዕ እዩ፥እቲ ካብ ስጋ ዝተወልደ -ካብ ሰብ፥ ብሰብን፥ንሰብን ክጠፍእ እዩ ።ሎሚ ኣብ ሞንጎ ገጻት ዘፍጥረትን ራኢን ንነብር ኣሎና ።ግዳ ፈሊጥናዮ ዲና ኣይፈለጥናዮን ካብ ሓደ ካብ እዞም ክልተ ስርዓታት ተታሒዝና ኣሎና- እታ ሓንቲ ንእግዚኣብሄር ምልዓልን ምኽባርን ዝወሰነት እያ ፥እታ ካልእ ክኣ ንሰብ ክትዕብን ከተኽብርን ወጺኣ እያ፥ሓደ ንክርስቶስ ዝስዕብ፥ እቲ ኻልእ ክኣ ንኣዳም ዝስዕብ፥ሓደ ብመንፈስ ዝመላለስ፥እቲ ሓደ ኻልእ ክኣ ብስጋን ነፍስን ይመላለስ።

ክልቲኦም የሱስን ኣዳምን ድምጺ እግዚኣብሄር ሰሚዖም እዮም-ብሓቂ እቲ እንኮ ፍልልይ ሓደ ተኣዚዙ ፥እቲ ኻልእ ኣይተኣዘዝን። የሱስ በለ "ከምእ'ውን ምስ እቶም ድምጹ ዝሰምዑ ከምኡ ክኸውን እዩ-ሓደ ክእዘዝን ንዘልኣለም ዘይናውጽ ኣብ ከውሒ ክሓንጽን እዩ ፥እቲ ካልእ ክኣ ክሰምዕ እዩ ኮይኑ ግን ኣይእዘዝን እዩ ሙሉእ ብምሉእ ዝጠፋ ጥራይ ኣብ ሑጻ ክሃንጽ እዩ" (ማቴ 7=24-27)።

እዘን ክልተ ቤት የሱስ ዝተዛረበለን ዮርሳሌምን ባቢሎንን እየን።

ሎሚ ኣለዉ እቶም ብሓቂ ብእምነት ዝጸደቑን ናብ ሓድሽ ኪዳን

ዝኣተዉ ፥ብደም የሱስ ዝተሓተሙን ፥ብምእዛዝ ህይወት ፍቓድ

ኣምላኽ ንየሱስ ዝስዕቡ ብፍላይ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ ምዕራፍ 7 ዝተገለጸ ፥ኣብቲ ከውሒ ዝተሃነጹ ኣብ ዮርሳሌም'ውን ግደ ዘለዎም። ሓደ ሰብ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ ምዕራፍ 7 ዘሎ ጥራይ ከንብብ ኣለዎ ንሱ ምስ'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ እኩባት ሰባት እንተሎን እንተ ዘይሃሊዩን ምእንቲ ክፈልጥ።


ብማዕሪኡ ኽኣ ካልኡት'ውን ኣለዉ ከም እዚ እቲ ኣዚዩ ዝበዝሔ

ክፋል እዩ ፥ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ ምዕራፍ 7 ዘሎ

ቃላት የሱስ ዝሰምዑ ፥እንተ ኾነ ናይ ሓሶት ምርዳእ ብዛዕባ ጽድቂ እምነትን ጸጋን ብምሓዞም ፥ኣብ ናይ ሓሶት ውሕስነት ብምንባር ንቓላት የሱስ ምእዛዝ ኣይግደሱን፥ስለዚ ድማ ኣብ ሑጻ ዝተሃነጹ እዮም - ባቢሎን- ኣብ መወዳእታ ኽኣ ንዘልኣለም ይጠፍኡ።


እዚኦም ኣብ ቅድሚ ይዒንቶም "ክርስትያናት" እዮም፥ ስለ የሱስ

በለ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሑጻ ዝሃንጽ ሓደ እዋን ድምጹ ሰሚዒዎ ዝነበረ እዩ ስለዚ ድማ ጉሉሕ እዩ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይኣምን ኣይኮነን፥ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብን ናብ "ቤተ

ክርስትያን" ዝኸይድ እዩ።እቲ ጸገሙ ዝነበረ ንሱ ጥራይ ኣይእዘዝን ነይሩ በዚ ድማ ተኻፋሊ ዘልኣለማዉ ምድሓን ክኸውን ኣይክኣለን ንየሱስ ንዝእዘዝዎ ዝተዋሃበ ተስፋ (እብ 5=9)። እምነቱ ሓቀኛ ኣይኮነን ፥ምኽንያቱ ናይ ምእዛዝ ስራሕ የብሉን ንኽፍጽሞ (ያዕ 2=22-26) ።


እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣዳም ዝስዕቡ ርእሶም ንዝተገለጸ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ እዩ፥ ኮይኑ ግን ሰይጣን ይእሚንዎም

እዩ "ከም ዘይሞቱ" (ዘፍ 3=4) ፥ምኽንያቱ "ንየሱስ ከም ዝተቐበልዎ "'ይዛረቡ በዚ ኽኣ ኣብ ናይ ሓሶት ውሕስነት ኣብ ባቢሎን ይነብሩ።


ብማዕሪኡ ፥እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ዘለዎ በቲ ኡነታ ይልለዩ እዮም ንሶም "ከምቲ የሱስ ዝተመላለሶ ይነብሩ እዮም" (1 ዮው 2=6)ብምእዛዝ ንፍቓድ ኣምላኽ ፥እዚኦም ይሕዋት ኣሓት ክርስቶስ እዮም (ማቴ 12=50) ፥ከምእ'ውን ክፋል ዮርሳሌም እዮም።


እቲ ኣገዳሲ ነገር ብዛዕባ ምሳሌ የሱስ ኣብ መወዳእታ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ምዕራፍ 5 ክሳብ ምዕራፍ 7 ዝተዛረቦ፥ናይ ክልቲኦም ናይቲ ብልሂ ሰብኣይን ዓሻ ሰብኣይን ገዛ ንገለ ግዜ ደው ኢሎም እዮም ፥ከም ክልቲኦም ባቢሎንም ዮርሳሌምን ሎሚ ኢለን ዘለዋ_ክሳብ እቲ ዝናብን ውሕጅን ዝመጽእ ።እቲ ዓሻ ሰብኣይ ብዛዕባ ግዳማዊ ትሪኢት ናይቲ ገዛ ጥራይ ተገዲሱ ከሎ እዚ ጽብቕ ምስክርነት ኣብ ቅድሚ ሰብ ማለት እዩ፥እቲ ብልሂ ሰብኣይ ብዛዕባ መሰረት እዩ ብዙሕ ኣተሓሳሲብዎ እዚ ኽኣ ሕቡእ ህይወት ኣብ ልቢ ፥ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀዳምነት ማለት እዩ።


ኮይኑ ግን እቲ ውሕጅ ዝናብን ምስ መጸ ፥እቲ መሰረት እዩ ቅድም ተፈቲኑ ።


"እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 18 እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ" ( 1 ጴጥ 4=17-18)።


"ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። 22 በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። 23 ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ (ስለ "ዝኾነ ሓጥያት ዝሰርሕ ዝፈልጦ የልቦን -1 ዮው 3=6) ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ" (ማቴ 7=21-13)።


ኣስተውዕል ኣብዚ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ሓሳቦም ንየሱስ "ጎይታ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ክህልዉ እዮም ከምእውን ኣብ ስሚዒቶም ንየሱስ "ጎይታ ፥ጎይታ " ኢሎም ዝጽውዕዎ ፥ገና ግን ፍቓዳም ዘይሓደጉ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ኣብ ህይወቶም። ጎይታ ነጺግዎም ከም ዘይፈልጦም ።


እቲ መፍለዪ ባህሪ ዮርሳሌም ቅድስና እዩ።"እታ ቅድስቲ ከተማ" ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ (ራኢ 21=2) ፥ባቢሎን እንተ ኾነ ግዳ ፥ንዕቤት እያ ደው ትብል።"እታ ዓባይ ከተማ" ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ" (ራኢ 18=10) ።ዓሰርተ ሓደ ግዜ ኣብ ራኢ "ዓባይ" ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።


እቶም ብሓቀኛ ቅድስና ዝነብሩ ፥ብምእዛዝ ንኣምላኽን ብጸጋ ብእምነት ናይ ክርስቶስ ባህሪ ተኻፊሎም ብሓባር ኣብ ዮርሳሌም

ተሃኒጺም እዮም፥ ብኣንጻሩ እቶም ኣብዚ ምድሪ ዕቤት ዘቛሙቱ ዘለው፥እቲ ምስክርነትን ክብሪ ሰብን ኣብ ባቢሎን ተሃኒጾም ኣለዉ።


ንሽሕን ትሽዓተ ሚኢትን ዓመታት እቲ ጻዊዒት ንህዝቢ ኣምላኽ ይመጽእ እዩ ዘሎ


" ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ" (ራኢ 18=4-5)።


እቲ ጻዊዒት ዋላ ሎሚ ኣዚዩ ህጹጽ እዩ፥ከም መጠን መወዳእታ ዘመን ቀሪብና ዘሎና ።ብሓቂ ዚሕዝን እዩ እቲ ዋላ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ባቢሎን ክሕዎሱ ይኽእሉ እዮም ከምእውን መቕጻዕቲ ናታ ክካፈሉ ፥ነዚ ጻዊዒት ኣምላኽ ንጹር ዝኾነ እንተ ድኣ ዘይኣቕሊበምሉ።ናይ ወንጌላዊ ምህሮ ምሓዝካ ወይ ንክርስቶስ ዝወሰንካ ሙኳንካ ንዝኾነ ሰብ ኣይሕግዞን እዩ ኣብታ ምዓልቲትኣ ምስ ሓቂ ምህሮ ዘይሳነ ህይወት እንተ ድኣ ተመላሊሶም ፥ወይ ናይ ምእዛዝ ስራሕ ዘፍርዩ እዚ ኽኣ መለለዪ ምልክት ናይ ሓቀኛ እምነት እዩ።


ከመይ ናይ እግዚኣብሄር ብርቱዕ ድሌት ነይሩ ንሱ ንሰብ ብመልክዑ ምስ ፈጠሮ እቲ ሰብ ኣምላኻዊ ንኽብሩ ክገልጽውን።

ግዳ ሰብ ምስ ወደቐ ፥ክንደይ ዓቢ ዋጋ እግዚኣብሄር ክኸፍል ፍቓደኛ ነይሩ ፥" ናይ ገዛእ ወዱ ከም መልክዕ ናይ ሓጥያት ስጋ፥ከምእውን መስዋእቲ ስለ ሓጥያት ፥ኣብ ስጋ ኽኣ ንሓጥያት ኮኒንዎ " (ሮሜ 8=3) መንገዲ ምእንቲ ክፈጥር ሰብ ክሕደስን ናብቲ ቦታ ክምለስ ንሱ ሓንሳብ እንደገና ሞሎኮታዊ ዕላም ምእንቲ ክፍጽም።


ኣቦ ወዲን መንፈስ ቁዱስን ኩሎም ብሓባር ተሳቲፎም እዮም ኣብ ምድሓንን ምልዋጥ ሰብን። ከምእ'ውን ሽሕ'ኳ ፥ብዙሓት ኣሰብኡትን ኣንስትን ብዕሽነቶም ንእግዚኣብሄር ኣይክምልሱልን እዮም ፥ገና ግን እቲ መሎኮታዊ ዕላማ ኣብቶም ተረፍ ክፍጸም እዩ "እቶም ሒደት እታ ጸባብ መንገዲ ናብ ህይወት እትወስድ ዝረኸብዋ" ፥መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዝግዛእ፥ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፥ ከምእውን ብእኡ ክብሪ ኣምላኽ ክግለጽ እዩ ፥ኣብዚ ግዜ እዚ ጥራይ ኣይኮነን፥ግናኸ ከምእውን ኣብቲ ዘመናት ናይ ዘልኣለምውን፥ብእኦም ንቅድሚት እግዚኣብሄር ምስ ተርኣየ፥እቲ መዘና ኣልቦ ሃብቲ ጸግኡ ተኻፈልቲ ብክርስቶስ የሱስ ክኾኑ ተገይሮም እዮም።


ንዕኡ ኩሉ ክብሪ ይኹን፥ሕጅን ንዘልኣለምን።

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ፥ይስማዕ።