ንምግልጋል እግዚኣብሄር ዜድልዩ መሰ ታውያን ረቛሒታት

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church
    Download Formats:

Chapter 1
ምዕራፍ ሓደ ንምግልጋል እግዚኣብሄር ዜድልዩመሰረታውያን ረቛሒታት

እዚ መልእኽቲ'ዚ፡ ብታሕሳስ 17፡ 1997 "ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾን፡ ናይ መሪሕነት ስልጠናን"፡ ብዚብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ናይ መላእ ህንዲ ኮንፈረንስ፡ ንወንጌላውያን ክርስቲያናት መራሕቲ ዚተዋህበ መልእኽቲ እዩ።

ጐይታ ንዮሃንስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ ሓደ ርእሱ ምስ ገለጸሉ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ምዕራፍ ድማ፡ ንሓቀኛ ኵነታት ናይተን ኣብቲ ጊዜ'ቲ ዚነበራ ኣብያተ ክርስቲያን እዩ ኣርእይዎ። እተን ኣብያተ ክርስቲያን መብዛሕተአን ኣብ ከቢድ ውድቀት እየን ነይረን። ብድሕር'ዚ ጐይታ ንዮሃንስ፡ ኣብ ራእ 4፡1 ፡ "… ናብዚ ደይብ!.." ኢልዎ። ከመይ ባህ ዜብል ቃል እዩ! ማለት ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ነገራት ምስ ተመልከትናን ክንፈትሖም ዘይንክእል ሽግራት ምስ ገጠሙናን፡ ጐይታ፡ "ናብ ላዕሊ ደይብ! ንነገራት በቲ ናተይ ኣጠማምታ ርኣዮም እምበር፡ ኣብቲ ዘለኻዮ ታሕተዋይ ቦታ ኴንካ ኣይትርኣዮም"፡ ክብለና ክንሰምዕ፡ ኣዝዩ ዚበለጸ እዩ። ናብ ላዕሊ ደይብ! ዚብል ቃል ኵሉ ሳዕ ክንሰምዖ ዘድልየና ቃል እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ "… ሓደ ነገር ድኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጐዪ ኣለኹ"፡ ኢሉ። ንሱ ነቲ ናይ ላዕሊ ጽውዓ ሰሚዕዎ ነበረ፡ በቲ ኣብ ላዕሊ ደይብዎ ዚነበረ ደረጃውን ፈጺሙ ኣይዓገበን።

ኣብ ክርስትና ከም መራሕቲ ዄንና ክንዓዪ ከሎና ሓደገኛ ዚገብሮ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ስለ እንብል እዩ። እቲ ጸገም ጸጋኻ ዚገፍፍ ከንቱ ውዳሴ (ናእዳ) ናይ ሰባት ስለ ዘሎ እዩ። ኣብ ዘመንና ድማ ብመራኸቢ ብዙሃን ከይተረፈ ሰብ ይሰምዓና ኣሎ። መጸውዒ ክብረት ዚዀኑ፡ ደረጃ መንፈሳውነትናን ትምህርትናን ዚገልጹ ኣስማት ኣለዉና። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ንደሊ! ብሓቂ እቲ ዘድልየና ግና፡ "ናብ እግዚኣሄር ምቕራብን፡ ናብ ላዕሊ ምድያብን እዩ!"

ኣምላኽ ንኣዳም ዚፈጠሮ ኣገልጋሊ ወይ ምሁር ሰብ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንኣናውን ዝፈጠረና ኣገልገልቲ ወይ ድማ ቃል ኣምላኽ ዜጽንዑ ሰባት ስለ ዚደለየ ኣይኰነን፡ ብሚልዮናት ዚቍጸሩ ኣገልገልቲ መልኣኽቲ ነይሮምዎ እዮም። ንኣዳም ዚፈጠሮ ልዕሊ ኵሉ ምስኡ ሕብረት ምእንቲ ኪገብር እዩ።

ኣዳም ኣብታ ሳድሰይቲ መዓልቲ እዩ ተፈጢሩ። ስለዚ እታ ንኣዳም ድሕሪ ምፍጣሩ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ንኣምላኽ ግና ሳብዓይቲ መዓልቲ ኰይና፡ መዓልቲ ዕረፍትን፡ ምስ ፈጣሪኻ ሕብረት እትገብረላ መዓልትን እያ ነይራ። ብድሕር'ዚ ናይ ሕብረት ጊዜ ድማ እዩ ኣዳም ናብ ገነት ኤደን ብምዃድ ንኣምላኽ በተን ዚቕጽላ ሽዱሽተ መዓልታት ኬገልግል ዚነበሮ። ነዚ መስርሕ'ዚ ዕሽሽ ብምባል፡ ቅድሚ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ምግባርና ክንዓዪ ብማለት ናብቲ ግራት ኣምላኽ እንተ ኸድና፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ምፍጣርናን ምድሓንናን ዕሽሽ ኢልናዮ ኣሎና ማለት እዩ።

ብፍላይ ኣብ ከም ህንዲ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ እቲ ዕዮ ብዙሕ ስለ ዚዀነ፡ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ንምግባር ጊዜ ክሰኣነና ይከኣል እዩ። ኣብ ከባቢና ብዙሕ ዝዕየ ከሎ፡ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ምግባር ጊዜ ምጥፋእ ኰይኑ ኪስምዓና ዚከኣል እዩ። ውጽኢት ናይ ከምዚ ዚበለ ዕዮ ግና እንታይ እዩ፧ ምናልባት ብዙሕ ኪንዓዪ ዚከኣል እዩ፡ ውጽኢት ናይቲ ዕዮና ግና ዘየዕግብ እዩ ዚኸውን።

ኣብ ህይወተይ ብብዙሕ መከራ ዝሓለፍክሉ ግዝያት ኣሎ። እቲ ሓደ ገና ብዕድመ ንእሽቶ ከለኹ ዝገጠመኒ እዩ። ንጐይታ ከገልግል ምስ ሓሰብኩ፡ ዋላ እኳ ነቲ ቃል ይፈልጦ እንተ ነበርኩ፡ ሓይሊ ግና ኣይነበረንን። ስለዚ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኬጠምቐኒ እሞ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኬልብሰኒ ክጽሊ ጀሚረ። ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ዓይነት ምርዳእ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ። ንወላሓደ ሰብ ከእምን ወይ ክልውጥ ኣይኮንኩን ዝፍትን ዘለኹ። ኣነ ኪብሎ ዝደሊ ዘለኹ ዳግማይ ተወሊደን፡ ብማይ ተጠሚቐን ክነሰይ "ሩባታት ህይወት" ግና ካብ ህይወተይ ክውሕዝ ኣይከኣለን። እንተዀነ፡ ኢየሱስ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ፡ ካብ ከርሱ ሩባታት ማይ ህይወት ከም ዚውሕዝ ተዛሪቡ እዩ፡ ኣነ ድማ ነዚ ተስፋ እዚ እፈልጦ ነይረ እየ፡ ዋላ ሓደ ካባና ፈጺሙ ዚደረቐ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። እንተዀነ ንርእሰይ ብዙሕ እዋን ኣብ ድርቀት ከላ ርእየያ እየ። ዋላ እኳ ንቓል ኣምላኽ እፈልጦን እሰብከሉን እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ውሽጠይ ግን ድርቀት ነይሩኒ። ብዙሕ እዋን እቲ ንጐይታ ዝነበረኒ ኣገልግሎት፡ ከም ብሓይሊ ኢድ ተጠቒምኻ ማይ እትጭንጕዓሉ ቡንባ ማይ እዩ ነይሩ። እንታይ ማለተይ ምዃኑ ይርድኣኩም እዩ፡ ብዙሕ ትጽዕር እሞ፡ ኣዝዩ ውሑድ ማይ ጥራይ ተወጽእ። ብርግጽ ከም ወሓዚ ኣይነበረን፡ "እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ካብ ከርሱ ሩባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ'' ዚብል ቃል ኢየሱስ ብትኽክል ይርድኣኒ ነይሩ እዩ።

ሕጂ ኣነ ንኣምላኽ ደልየዮን፡ ረኺበዮን እየ። እዚ ድማ ኣንፈት ናይ ህይወተይ ቀይርዎ እዩ። ናብ ዚዀነ ናይ ጴንጠኮስታል ቤተክርስቲያን ኣይኣተኹን። ንርእሰይ ኣባል ናይ ጴንጠኮስታል ወይ ካሪዝማ ቤተክርስቲያን ምዃና ኣይሓስብን እየ። ኣምላኽ ግና ረኺቡንን ብመንፈሱ መሊኡንን እዩ።

ድሕሪ ብዙሕ እዋን ድማ መሊሱ ኣብ ህይወተይ ካልእ ቅልውላው ገጢሙኒ ነይሩ። ንሱ ድማ፡ ናይ ክውንነት ቅልውላው እዩ ነይሩ፡ እቲ ዚሰብኮ ብሓቂዶ ኣብ ህይወተይ እነብሮ እየ፧ እቲ ከም ዘሎኒ ዝመስለኒ ዝነበረ ጾርከ ናብ ልበይ ዚበጽሐ ሓቀኛ ጾር ድዩ፧ ዚብል እዩ ነይሩ።

ኣስታት 28 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ዲኦላሊ ዚተኻየደ ናይ መጀመርያ ናይ መላእ ህንዲ ጕባኤ ወንጌላውያን ወረቐት ኣቕሪበ ነይረ። ሽዑ መንእሰይ፡ ወዲ 30 ዓመት ጥራይ እየ ነይረ። መንእሰይ ከሎኻ ነገራት ከመይ ከም ዚዀነ ድማ ትፈልጡ ኢኹም። ንዅሉ ሰብ ክምስጥ እደሊ ነይረ። ብሓቂ ድማ ወረቐተይ ዚምስጥ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ብዙሕ ጊዜ ስለ ዘጥፋእኩሉ። ካብዚ ብምቕጻል ናብ ኣውስትራልያን ሲንጋፖርን ብምኻድ፡ ኣብ ናይ "ዓሚቝ ህይወት" ጕባኤ፡ ቃል ኣምላኽ ብምስባኽ ኣገልግሎተይ ቀጺለ። ኣብ ዝኸድክዎ ቦታ ዕላማይ ንሰባት ምምሳጥ እዩ ነይሩ።

ብድሕርዚ ሓደ መዓልቲ ጐይታ፡ "ንሰባት ክትምስጦም ዲኻ ትደሊ ዘሎኻ ወይስ፡ ክትሕግዞም፡ ብምባል ሓቲቱኒ፧ ኣነ ድማ፡ "ጐይታ ክሕግዞም እየ ዚደሊ ኢለዮ"። ድሓር ኣብ ህይወተይ "ጐይታ እዚ ዝሰብኮ ዘለኹ ምስቲ ውሽጣዊ ህይወተይ (ናብራይ) ኣይሳነን እዩ ዘሎ"፡ ናብ ዝብለሉ ነጥቢ በጺሐ። ብደገ፡ ጽቡቕ ምስክርነት እዩ ነይሩኒ። ኣተሓሳስባይን ርድኢተይን ግና፡ ብፍላይ ብዛዕባ ገንዘብ ዚነበረኒ ርድኢት ከም ናይ ኢየሱስ ኣይነበረን። ንክርስቶስ በቲ ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ዚነበረ ቃላት ይሰብኮ ነይረ፡ እንተዀነ መንፈስ ክርስቶስ ንኣተሓሳስባይ ይገዝእ ኣይነበረን። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ብግልጺ እዘራረብ ነይረ።

ኣብቲ ጊዜ እቲ ህቡብ ሰባኺ እየ ነይረ። ብዙሕ ዝርግሐ ዚነበሮ መጻሕፍቲ እጽሕፍ ነይረ። ሰሙናዊ ዚስማዕ ናይ ረድዮ ስብኸት'ውን ነይሩኒ። ካብ ብዙሕ ቦታታት፡ ብዙሕ ዕድመ ይመጸኒ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ጐይታ፡ "ኣብ ቅድሚ ዜኽብሩኻ፡ ግና ከኣ ሓቀኛ ከም ዘይኰንካ ዚምስክሩ ጉባኤ ክትቀውም ፍቓደኛ ዲኻ፧" ብምባል ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ፡ "እወ ጐይታ! ሰብ ብዛዕባይ ንዚሓስቦ ነገር ኣይግደሰሉን እየ፡ ንስኻ ገለ ነገር ክትገብረለይ ጥራይ እየ ዝደሊ። ሓንቲ ነገር ጥራይ ድማ እየ ዝሓተካ፡ ንሱ ድማ እቲ ዝሰብኮ ቃል ምስቲ ናብራይ ሓደ ክኸውን እየ ዚደሊ።" ብምባል መሊሰሉ።

ነዚ ነገር እዚ ንጐይታ ን23 ዓመታት እየ ሓቲተዮ። ሽዑ ከምብሓድሽ ኣምላኽ በጺሑኒ። ንሱ ነቶም ብሓቂ ዚደልይዎ ዓስቢ

ዚህብ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ጐይታ፡ "ናብ ላዕሊ ገጽካ ደይብ"፡ ኢሉኒ። ድሕሪዚ ጊዜ'ዚ፡ ንዓይ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ምግባር እቲ ዚበለጸ ነገር እዩ። ንሱ ንህይወተይ ለዊጥዎ እዩ፡ ንብዘሎ ተስፋ ምቝራጽን ጭንቀትን ካብ ህይወተይ ኣልይዎ እዩ። ምስጢር ምስ እግዚኣብሄር ናይ ምዃን ረኺበዮ እየ። እዚ ንኣገልግሎተይ ሓጐስ መሊእዎ እዩ። ሕጂ ፈጺሙ ህይወት ዘይብሉ ኣገልግሎት የብለይን!

ኣገልግሎትካ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ሕብረት እዩ ዚምርኰስ። ነቲ ኢየሱስ ኣብ ቤት ማርያምን ማርታን ዚነበሮ ጊዜ ዘክሮ። "ማርታ፡ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቒ ኣሎኺ" ኢልዋ። ንማርታ ዘጨንቃ ዚነበረ ጕዳይ እንታይ እዩ፧ ካብኣ ኪግልገሉ ዘለዎም ሰባት ነይሮም። ንጐይታ ብዘይ ግብዝና፡ ዋጋ ከፊላ ኣብ ክሽነ ብረሃጽ (ምስ ትኪ)፡ ንርእሳ ዘይኰነ ንኢየሱስን ንደቂ መዛሙርቱን መግቢ ብምድላው እያ ከተገልግል ትጽዕር ነይራ። ንሳ ካብዚ ዚዓቢ እንታይ ከተገልግል ትኽእል፧ ፈጺማ ብዘይ ግብዝና እያ ተገልግል ነይራ። ከምዚ ሎሚ ብዙሓት ኣገልገልቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ደመወዝ፡ ወይ ገንዘብ ምእንቲ ኪትረክብ ኢላ ኣይገበረቶን። ብፍጹም። ንሳ ዚዀነ ስስዐ ኣይነበራን። እንተዀነ ጐይታ፡ "ብብዙሕ ነገር ትጭነቒ ኣሎኺ" ኢልዋ። ማርያም ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኮፍ ኢላ፡ ብዘይካ ምስማዕ ካልእ ስራሕ ብዘይምስርሓ ከም ንርእሰይ ይጥዓመኒ ትብል ሰብ ገይራ ሓሲባታ። ኢየሱስ ግና፡ "እቲ ዜድሊ ግን ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ" ኢልዋ።

ኣብ 1ቈረ 4፡2 ከምዚ ዚብል ግሩም ቃል ኣሎ፡ "ምስናይ እዚ ካብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ"፡ እዚ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ "ንሓደ ኣገልጋሊ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ከምቲ ጐይታኡ ዚበሎ ብልክዕ ኪገብር ከሎ እዩ"፡ ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ውሽጥና ብዙሕ ዕረፍቲ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። ብዙሕ ምግልጋል ዘድልያ ዓለም ምስ ርኤኻ መጀመርያ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዝግብኣካ፧ ብብዝሒ ናይቲ ዕዮ ክትጭነቕ፧ ኣብ ክርስትና፡ ንኣና ምእንቲ ኬጨንቑ ብዙሕ ተንኰል ዚኣልሙ ሰባት ኣለዉ። ንሕና ግና ንጐይታ፡ "ጐይታ ክሰምዕ እደሊ ኣለኹ፡ ተዛረበኒ" ኢና ክንብሎ ዝግብኣና። ከም ማርታ፡ "ዓለም ብሓጢኣት እናጠፍአት ከላ፡ ንኣምላኽ ክሰምዕ ጊዜ ከየጥፍእ ኣዘከርዎ" ዚብሉ ብዙሓት ነቐፍቲ ከጋጥሙና ይኽእሉ እዮም።

ብሓቂ ንዓለም ዜድልያ ነገራት ከነስተውዕል ይግብኣና እዩ። ኢየሱስ፡ 'ኣዒንትኹም ኣልዕሉ እሞ፡ እታ ግራት ንዓጺድ ተዳልያ ከም ዘላ ርኣዩ" ኢሉና ኣሎ። ንሕና ነዚ ነገር'ዚ ክንርእዮ፡ ካልኦትውን ኪርእይዎ ክንሕግዞም ይግብኣና እዩ። እዚ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። እቲ ጻውዒት ግና፡ ካብ ሰብ ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ እዩ ኪመጽእ ዚግባእ። ነዚ ኣነ ኣብ ህይወተይ በጺሔዮ እየ።

ዓለም መድሓኒ እናደለየት ከላ፡ ኢየሱስ ንኣስታት 5000 ዓመታት ኣብ ምድሪ ብስጋ ከይተገልጸ ጸኒሑ። ቅድሚ እቲ ምዱብ ጊዜኡ ንሰማያት ሓዲጉ ናብዚ ምድሪ ኪመጽእ ዚዀነ ሰብ ጸቕጢ ኣይገበረሉን። "ጊዜኡ ምስ ኣኸለ'' ግና፡ ኢየሱስ ተገሊጹ። ናብዚ ምድሪ እዚ ምስ መጸ ከኣ፡ ዓለም እናጠፍአት ከላ ን30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወለዱ እናተኣዘዘ ጸኒሑ። ኪግልገሉ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ስለ ዚረኣየ፡ ከገልግል ኣይተበገሰን። እቲ ጊዜ ምስ ኣኸለ ግና፡ ነቲ ካብ ኣብኡ ዚተኣዘዞ (ዚተቐበሎ) ኣገልግሎት ጀሚርዎ። ኣብ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን፡ ደቂ ሰባት ፈጺሞም ኪሰርሕዎ ዘይክእሉ ዓብዪ ስራሕ ሰሪሑ። ንሓደ ኣገልጋሊ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ንኣምላኽ ኬገልግል ናብዝን ናብትን ምባል ዘይኰነስ፡ ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ እዩ። እንተዀነ ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ኣዝዩ ከቢድ ነገር እዩ።

መንእሰይ ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዚጽንዓሉን፡ ጾምን ጸሎትን ዚካየደሉን ማሕበር እየ ነይረ። ኵሉ ጊዜ ንግሆ ምስ ኣምላኽ "ናይ ጽምዋ" ጊዜ ከነሕልፍ ኢና ተማሂርና። እዚ ጽቡቕ ልማድ እዩ፡ ኵሉ ሰብ ኪገብሮ ድማ እየ ዘተባብዕ። ሰባት ግና እዚ ኵሉ ጊዜ ምስ ኣምላኽ እናሕለፉ፡ ጥዑም ፍረ ዘይብሎም፡ ቀጢን ዚጠባዮም፡ ተቐዳዲሞም ናብ ፍርዲ ዚኣትዉ፡ ጌጋ ሰባት ዚኣርዩ፡ ተጠራጠርትን ምስ ሰባት ዘይሰማምዑን ይዀኑ። እዚ ገለ ጸገም ከም ዘሎ እዩ ዘርእየካ። ምስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ን10-15 ደቓይቕ ዚኸውን ጊዜ ምስ ኣሕለፍኩ፡ ዚተረታዕኩሉን ዚተነቓቓሕኩሉን መዓልታት ኣሎ። ምስ ኣምላኽ ባዕሉ ን10 ወይ 15 ደቓይቕ ጊዜ ምሕላፍ ድኣ ከመይ ህይወትና ንኽልወጥ ዘየተባብዓና፧ ስለምንታይ እያ ህይወትና ዘይትባረኽ፧ ስለምንታይከ ኢና ዘይንርታዕ፧ እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ጽምዋ ጊዜ ዚበሃል፡ ምስ ኣምላኽ ጊዜ አሕልፍ ከም ዘይነበርኩ እዩ ጐይታ ድሓር ነጊሩኒ። ምስ ርእሰይ እየ ጊዜ ዘሕልፍ ነይረ። ንኣምላኽ ብምስማዕ፡ ምስኡ ናይ ብሓቂ ጊዜ አሕልፍ ኣይነበርኩን።

ብዛዕባ ማርያም፡ "እቲ ዜድሊ ሓደ ነገር እዩ… ምስማዕ" ኪብል ኢየሱስ ተዛሪቡ ኣሎ። ካልእ ኵሉ ካብኡ እዩ ዚመጽእ። ንሱ እንታይ ኪትገብረሉ ከም ዚደሊ ምስ ነገረካ ኬተገልግሎ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ ዚኸውን!

ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ጊዜ ሓሳብ ኣቦኡን መንፈስ ቅዱስን ይፈልጥ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዩ ሓደ ጊዜ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከምኡ ኪገብር ምስ ደለዮ፡ ካብ ገሊላ ተበጊሱ ንእስራኤል ብምሕላፍ ናብ ጢሮስን ሲዶናን ከም ዝኸደ ቃል ኣምላኽ ዚነግረና። እዚ ናይ ልዕሊ 50 ማይልስ ርሕቀት እዩ ነይርዎ። ነዚ ብእግሩ ክጓዓዝ ምሉእ መዓልቲ ወሲድሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ ድማ ካብ ወገን ኣህዛብ ዚዀነት ብጋኔን እተታሕዘት ጓል ዝነበረታ ሰበይቲ ረኺቡ። እታ ሰበይቲ፡ ኣኻልብ'ውን ካብ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም ምስ በለቶ፡ እዛ ሰበይቲ ዓብዪ እምነት ከም ዚነበራ ንደቀ መዛሙርቱ ነጊርዎም። ነቲ ጋኔን ድማ ካብ ጓላ ኣውጺኡላ። ብድሕር'ዚ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ከም ዚተመልሰ ኢና እንርኢ። እየሱስ ከምዚ ኢሉ እዩ ዚመላለስ ነይሩ። ንሓንቲ ነፍሲ ምእንቲ ኬድሕን፡ ብዙሕ መገዲ ተጓዒዙ። እዚ ብብዝሒ ቍጽሪ ናይ ዚደሓኑ ነፍሳት እንተ ርኢናዮ፡ ዘደንቕ ኣይኮነን!! እንተኾነ ግና፡ ሓደ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ኢየሱስ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዚኣክል ጊዜ ብኸምዚ ኣገባብ ኣገልጊሉ። ኣብ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ድማ፡ "ኣቦ፡ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ…" ብምባል ብትብዓት ተዛሪቡ (ዮሃ 17፡4)። ንዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ኪዕየ ዚነበሮ ዕዮታት ኣገልጊሉ ዚወድኦ'ዶ ይመስለካ፧ ብፍጹም፡ ንዅሉ ኣይዓየዮን። ነቲ ኣቦኡ ዚሃቦ ዕዮ ግና ወዲእዎ እዩ። ድሕሪ'ዚ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣብዛ ምድሪ ኪጸንሕ ድሌት ኣይነበሮን። ሃዋርያ ጳውሎስ'ውን፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ኣገልግሎቱ፡ "እቲ ጉያ ወዲአ . . ."፡ ኢሉ እዩ።

ኣብ ስጋ ክርስቶስ፡ ንዅልና ዚተፈላለየ ጻውዒት እዩ ዘሎና። ኵልና ኣምላኽ እንታይ ኪንገብር ከም ዚደልየና ኪንፈልጥ ይግብኣና እዩ። እንተዀነ ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ከይንሰምዕ ካብ ዝዓግቱና ነገራት ቅንዕና ዘይምህላው፡ ግብዝናን ምስሉይነትን እዮም። ፈሪሳውያን፡ ነቲ ኢየሱስ ዚብሎ ዚነበረ ኪሰምዕዎ ዘይከኣሉ ምክንያት ህይወቶም ብግብዝና ተመሊኡ ስለ ዝነበረ እዩ። ናይ ኣምላኽ ሰባት ምዃኖም ኬርእዩ ብምጽዓር ንኻልኦት ሰባት የደናግሩ ነይሮም። ኣብ ቅድሚ ሰባት ከም መራሕትን መምህራንን ኰይኖም ይቐርቡ ነይሮም። ንጴጥሮስ ወይ ንዮሃንስ ቅድሚ ንኢየሱስ ምርካቦም ቅድሚ 4-5 ዓመታት ረኺብካ ኣብቲ ጊዜ'ቲ ካብ ዚነበሩ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኪረቍሑ እንተ ትሓቶም ነይርካ፡ ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ቤት ጸሎቶም መራሕቲ ወይ ዓበይቲ ዚነበሩ ሰባት ምጠቐሱ ነይሮም ይዀኑ። ምኽንያቱ፡ ንቓል ኣምላኽ ዜጽንዑ፡ ዚጾሙ፡ ዚጽልዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ቃል ኣምላኽ ዚሕዙ፡ ቅዱሳንን መንፈሳውያንን ይመስሉ ስለ ዚነበሩ፡ ናይ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰባት ከም ዝዀኑ ገይሮም ይርድእዎም ነይሮም ይዀኑ እዮም። ድሓር ኢየሱስ ነዞም መራሕቲ ቤት ጸሎት ኪግስጾምን፡ ንገሃነም እሳት ዚተዳለዉ ጕጅለ ምዃኖም ኪነግሮም ምስ ሰምዑ ከም ዚስምብዱ ንምግማቱ ኣየጸግምን እዩ።

ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኪመርጽ ከሎ፡ ሓደ ሰብ'ውን ይኹን ካብቲ ዚነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት ትምህርቲ ኣይመረጸን። ኣብቲ ጊዜ ገማልኤል ዘካይዶ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤት-ትምህርቲ ነይሩ እዩ። ኢየሱስ ግና ደቀ መዛሙርቲ ንምምራጽ ናብቲ ቦታ ኣይከደን። ነቶም ዘይተምሃሩ ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ረኺቡ እዩ ደቀ መዛሙርቱ ገይርዎም። ብድሕር'ዚ ንሳቶም ነቲ ሎሚ መምህራን ሃይማኖት ኣብ ዩኒቨርስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዶክትረይት ትምህርቲ ኪምህሩ ዚጥቀምሉ ዘለዉ ሓድሽ ኪዳን ጽሒፎም። እዚስ ኣየገርምንዶ! ካብቶም ሃዋርያት ጴጥሮስውን እንተዀነ ካብዘን ሎሚ ትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህራ ዘለዋ ኮለጃት ናይ ዲግሪ ምስክር ወረቐት ኪረክብ ኣይምኸኣለን ነይሩ።

ስለምንታይ ደኣ እዩ ኢየሱስ ከምዚኦም ዚበሉ ሰባት መሪጹ፧ እቲ ምኽንያት ቅንዕናን፡ ናይ ምስማዕ ድሌትን ስለ ዚነበሮም እዩ። እዞም ከምዚኦም ዚበሉ ሰባት ድሓር ኣብቲ ቤት ጸሎት ከይዶም ኪሰብኩ ምስ ጀመሩ፡ ከመይ ዚበለ ነውጺ ኰን

ተፈጢሩ ይኸውን፧ እዞም ሃዋርያት እዚኦም ክእለት ዘረባ ኣይነበሮምን። እንተዀነ ነቢያት እዮም ነይሮም። ንሳቶም ነቲ ኵሉ ሳዕ ዚስማዕ ዚነበረ ዜሰልኪ መልእኽቲ ኣይሰበኹን። ወንጌል ኣብዛ ምድሪ ንምስፋሕ ድማ ውሑዳት ነቢያት ጥራይ መድለዩ ነይሮም። ሰባት ድማ ንነቢያት ፈጺሞም ኣይፈትውዎምን እዮም ነይሮም። ከምቲ እስጢፋኖስ ዚበሎ፡ ኣብቲ ናይ 1500 ዓመታት ታሪኽ እስራኤል፡ ካብ እስራኤል ንነቢያት ዘየሳደደ (ዘይቀተለ) ወለዶ ኣይነበረን።

ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣዒንቲ ሰባት ዓብይን ክቡርን ዝኾነ ነገር ፈጺሙ ኣየቕልበሉን እዩ።

ኣነ ንናይ ሃይማኖት ትምህርትታት ተቓውሞ የብለይን፡ እንተዀነ ብዙሕ ዓመታት ይገብር ናብ ከምዚኦም ዚበሉ ኣኼባታት ምዃድ ሓዲገዮ እየ። ዕድመ እንተ ቀሪብለይውን ይነጽጎ እየ። ከምዚኦም ዚበሉ ኣኼባታት ህቡብ ከም ዝገብሩኻ እፈልጥ እየ። ብዙሕ ሰብ ምእንቲ ኪሰምዓካ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዕድል ትረክብ ኢኻ። ሕጂ ናብ ንኣሽቱ ዓድታት ህንዲ ከይደ ከምዘረጋገጽክዎ፡ መብዛሕትኡ ኣገልግሎተይ ኣብ ገጠራት እዩ። እቶም ናይ ብሓቂ ዕዮ ወንጌል ዚዓዩ ሰባት ኣብ ቤት ትምህርትታት፡ ኣኼባታትን፡ ጕባኤታትን ኣይርከቡን እዮም። ኣብ ገጠራት ዚርከቡ ኣገልገልቲ ህቡባት ኣይኰኑን። እዞም ሰባት መብዛሕትኦም ቋንቋ እንግሊዝውን ኣይፈልጡን እዮም፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕታዊ ወረቐት ምቕራብ እንታይ ማለት ምዃኑውን ኣይፈልጡን እዮም። እንተዀነ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚተመልኡ እዮም፡ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ የፍቕርዎ እዮም፡ ዚጠፍኣ ነፍሳት ማሪኾም ድማ ናብ ኢየሱስ ዚመልሱ ኣገልገልቲ እዮም። ከምዚኦም ዚበሉ ኣሕዋት ስለ ዘለዉና ክብሪ ንኣምላኽ ይኹኖ።

ካልኦት ግን ባዕላቶም ኣገልግሎታት ይሰርዑ፡ መራሕቲ ናይቲ ዚግበር ኣገልግሎት ይዀኑ እሞ፡ እቲ ክብሪ ድማ ንዕኦም ይወስድዎ። ኢየሱስ ኪምለስ ከሎ ግና ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት ኪዀኑ እዮም። ስለዚ ትሑታት ኪንከውን ንኣና ጽቡቕ እዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ትሑት ግምት ኪህልወና ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ሰባት፡ ደረጃ ትምህርትናን፡ ሓላፍነትናን ተሞኵሮናን ርእዮም ልዑል ግምት (ቦታ) ዚህቡና፡ ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ከምኡ ክቡራት ከይንኸውን ንኽእል ኢና። ደረጃ ትምህርትን ተሞክሮን ንሰባት ኪምስጡ ይኽእሉ እዮም፡ ንኣምላኽ ግና ፈጺሞም ኪምስጡዎ ኣይክእሉን እዮም። ንሰይጣን'ውን ኣየደናግርዎን እዮም። ሰይጣን ንቅዱስ፡ ነቲ ሓቀኛ ዚዀነ፡ ነቲ ብውሽጡን ብደጊኡን ሓደ ዚዀነ፡ ነቲ ባዕሉ ዘይገብሮ ንኻልኦት ዘይምህር ሰብ እዩ ዚፈርሕ።

ሰባት፡ "ሓው ዛክ፡ ሰባት ናብ ሰሜን ህንዲ ምእንቲ ኪኸዱ፡ ንምንታይ ዘይተተባብዕ፧" ይብሉኒ እዮም። ኣነ ድማ፡ ኣብ ሰሜን ህንዲ ተቐሚጠ ኣይፈልጥን እየ፡ ስለዚ ካልኦት ናብ ሰሜን ህንዲ ኪኸዱ ኣለዎም ኢለ ክምህር ኣይክእልን እየ፡ እብሎም። እዚ ማለት ግና ናብ ሰሜን ህንዲ ክንከይድ የብልናን ማለተይ ኣይኰነን። ኣነ ንዘይነብረሉ ናብራ ክሰብኽ ኣይኽእልን እየ፡ ጥራይ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኢየሱስ ነቲ መጀመርታ ንሱ ባዕሉ ዚገበሮ ነገር እዩ ምሂሩ (ግብ 1፡1)። ስለዚ ንሕናውን ነቲ ባዕልና ዘይንገብሮ ነገራት ካልኦት ሰባት ኪገብርዎ ክንምህር ኣይግባእን እዩ።

ኣነ ብዘሎ ኣካል ክርስቶስ ኣይኰንኩን። ኣነ ክፋል ኣካል ክርስቶስ ጥራይ እየ። ምሉእ ኣካል ናይ'ዚ ስጋ ኣይኰንኩን። ኵሉ ሳዕ ድማ ዘይምሉእ ኰይነ እየ ክቕጽል። እቲ እንኮ ምሉእ ኰይኑ ኣብዚ ምድሪ ዚተመላለሰ ሰብ፡ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ኣነን ንስኻትኩምን ግና ምሉኣት ኣይኰናን። ዝዀነ ካባና፡ ካብ ሓደ ክፋል ከም ዝዓቢ ገይሩ ክሓስብ ኣይግባእን እዩ። ኣብቲ ስጋ ዘሎ ኵሉ ኣድላዪ እዩ። ወንጌላዊ፡ መምህር፡ ጓሳ፡ ነቢይን፡ ሃዋርያን፡ እዞም ኵሎም ሰባት ናብዚ ስጋ ክርስቶስ ኪመጹን፡ ኣብኡ ድማ ኪህነጹን የድልዮም እዩ። ጻውዒትና እንታይ እዩ፧ ኣብ ስጋ ክርስቶስ ኣባል ዘይኰነ ሰብ ኣባል ንምግባር እዩ። ብመሰረቱ ጻውዒትና እዚዶ ኣይኮነን፧ ነዚ ነገር እዚ ኵሉ ኣማኒ ዚሰማምዓሉ ኣርእስቲ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ 'ኣካል'፡ ዚብል ቃል ስለ ዚጥቀም፡ ንኣካላትና ተጠቒምና ጽቡቕ መግለጺ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ድንሽ ዝሓዘት ብያቲ ኣላ ንበል (ድንሽ ንዘይኣማኒ ዘመልክት እዩ)። ብተወሳኺ እዛ ድንሽ ክንበልዓ ወይ ኣካል ስጋና

ኪትከውን ደሊና ኣሎና ንበል። እዚ ነገር እዚ ከመይ ኣቢሉ ኪፍጸም ይኽእል፧ ብመጀመርያ ሰባት ኣእዳዎም ብምስዳድ ነዛ ድንሽ ካብቲ ብያቲ ኪወስድዎ ይግባእ።

ኣብዚ ዕዮ እዚ፡ ወንጌላውነት እቲ ናይ መጀመርያ ስራሕ እዩ። ስለዚ ወንጌላውነት ፈጺምካ ኣቃሊልካ ዝርኣ ስራሕ ኣይኰነን። ወንጌላውነት፡ ብፍላይ እኳ ነቲ ጸሓይን ደሮናን እናተጻወርካ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዚግበር ስራሕ ኣብ እግዚኣብሄር ዕዙዝ ሚዛን እዩ ዘሎዎ። ንዕዮ እቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ዀይኖም ዚሰርሑ ክቡራት ኣሕዋት ምእንቲ ክከታተል ንመጋዜናቶም አንብቦ እየ። ንገለ ካብኦም ምእንቲ ክረክብውን ናብ ብዙሕ ቦታታት ተዛዊረ ኣለኹ።

እቲ ወንጌላዊ፡ 'ኢዱ'፡ ሰዲዱ ነታ ድንሽ ካብታ ብያቲ ኣልዒሉ፡ብኢዱ ገይሩ (ብምስክርነት) ናብ ኣፈይ እንተ ዘየእትይዋ፡ እታ ድንሽ ፈጺማ ኣካል ናይ ስጋይ ኪትከውን ኣይትኽእልን እያ። ኣብ ኣፈይ ምእታዋ ጥራይከ ኣኻሊ ድዩ፧ ነታ ድንሽ ኣብ ኣፈይ እንተ ሓዝክዋኸ ክፍሊ ናይ ኣካለይ ኪትከውን ትኽእል ድያ፧ ብፍጹም ኪትከውን ኣይትክእልን እያ። ድሕሪ ቍሩብ ደቃይቕ ኣብ ኣፈይ ኪትጨኑ ምስ ጀመረት፡ ካብ ኣፈይ ከውጽኣ ናይ ግድን እዩ። ገለ ኣመንቲ ከምዚ ኢሎም እዮም ኣብተን ዘለዉ'ወን ኣብያተ ክርስትያን ዚምሽምሹ ዘለዉ። ብኢድና ሒዝና ናብ ኣፍና ዘእተናዮም ድንሻት እዮም! እዚ ማለት ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኣእቲና ብዘይ ለውጢ ንሕዞም ኣመንቲ እዮም።

እዛ ድንሽ እዚኣ ክፋል ስጋና ምእንቲ ኪትከውን ዝያዳ ገለ ነገር ክንገብር ኣሎና። ኣስናንና ተጠቒምና ክንሕይኻን ከነዳቕቓን ኣሎና። በዚውን እቲ ናይ ምሕቃቕ መስርሕ ዚውዳእ ኣይኰነን። እታ ድንሽ ናብ ከስዐ ኣቢላ ትጕዓዝ እሞ፡ ካብ ጨጐራና መሕቐቒ ኣሲድ ድማ ይከዓወላ። እዚ ስእሊ ናይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኪህሉ ዘለዎ ናይ ትንቢት ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ልዕሌና ኣሲድ ኪከዓወና ፈጺሙ ደስ ክብለና ከም ዘይክእል ርዱእ ነገር እዩ። ነታ ድንሽ ካብቲ ዝነበረቶ ብያቲ ቀስ ገይርካ ክትወስዳ ከለኻ ቀሊል ወይ ባህ ዜብል ዕዮ ኪኸውን ዚከኣል እዩ። ኣሲድ ኣብ ልዕሌኻ ኪከዖ ከሎ ግና ምስ ጣዕሚ ከተወዳድሮ ኣይትክእልን ኢኻ። ድሕሪ በስናንና ምሕያኽን ምድቓቕን እታ ድንሽ ፈጺማ እያ ትሓቅቕ፡ ድንሽ ዚነበረትውን ኣይትመስልን እያ። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ግን ድሕሪ ቅሩብ ሰሙናት እዛ ድንሽ ኣብ ደምና፡ ስጋናን ኣዕጽምትናን ብምጽንባር ክፋል ናይ ኣካልና እያ ትኸውን!!

ሕጂ ኣብዚ ዕዮ እዚ ናይ መን ስራሕ እዩ ዝያዳ ኣገዳሲ፧ ካብ ኣምላኽ ዘይተቐበልናዮ እንታይ ኣገልግሎት ኣሎና፧ ትሑታት እንተዄንና፡ ምሉኣት ከምዘይኰንና ኢና ንእመን። ኢድ ልዕሊ ጨጐራ ኣገዳሲት ኣይኮነትን። ክልቲኦም ንሓድሕዶም ዚመላልኡ እዮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ሎሚ ኣብ ክርስትና፡ ኵሉ ጊዜ ናይ ምውድዳር መንፈስ ኣሎ። 'ኢድ' ናይ በይና መንግስቲ ትሃንጽ፡ ጨጐራ ናታ መንግስቲ ትሃንጽ፡ ኣፍ ድማ ናታ መንግስቲ ትሃንጽ!! እሞ ድኣ ሕጂ እንታይ እዩ ዘሎና፧ ኣካል ዘይኰነስ፡ ዚተፈላለየ ክፍልታት ናይ ኣካል ጥራይ እዩ ዘሎና። ኢድ ኣብ ሓደ ቦታ፡ ጨጐራ ኣብ ሓደ ቦታ፡ እግሪ ድማ ኣብ ካልእ ቦታ፡ ኵሉ ፋሕ ዚበለ እዩ። ብሓቂ እዚ ሓደ ስጋ (ኣካል) ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ!

ልዕሊ ኵሉ እንታይ እዩ ዘድልየና ዘሎ፧ ሓቂ እዩ፡ መምርሒታት የድልዩና እዮም። ልዕሊ ዚዀነ ይኹን ነገር ዘድልየና ግና፡ ትሕትና እዩ። ኣብቲ ስጋ ክርስቶስ ኵልና ብማዕረ ነድሊ ምዃንና ክንሓስብ ሰናይ ነገር እዩ። እቲ ዓብዪ ዚመስል ናይ ቤተ ክርስትያን መራሒ፡ ልዕሊ እቲ ድዅም ሓው፡ ንጐይታ ነፍሳት ዘምጽእ፡ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ኵላቶም ኣባላት ናይ ሓንቲ ስጋ እዮም።

ስለምንታይ እዮም ኣገልገልቲ ብዛዕባ ርእሶም ልዕል ዚበለ ሓሳብ ዘለዎም፧ በይንኻ ከሎኻ ብዛዕባ እንታይ ትሓስብ፧ ንስኻ በይንኻ ዋላ ሓደ ከምዘይብልካ ብምርዳእ ትሕት ዚበለ ሓሳብ ድዩ ዘሎካ፧

ጐይታ ግና "ናብ ላዕሊ ደይብ፡ ንነገራት በቲ ናተይ ኣጠማምታ ርኣዮም" እዩ ዚብለና። ንነገራት ካብ ምድሪ ዘይኰነ፡ ካብ

ላዕሊ ከምቲ ኣምላኽ ገይሩ ዚርእዮም ገይርና ክንርእዮም ከሎና ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎም።

ሓደ ሓደ ጊዜ ብለይቲ ናብ ደገ ብምውጻእ ንኸዋኽብቲ እዕዘብ እየ። ብሚልዮናት ዚቍጸሩ ከዋኽብቲ ከም ዘለዉን፡ ምድሪ ድማ ኣብቲ ዓቢ ኣድማስ፡ ሓንቲ ንጣብ ምዃና እፈልጥ እየ። "ኣንታ ኣምላኽ ከመይ ዚበልካ ዓብዪ ኣምላኽ ኢኻ! እዚ ኣድማስ ክንዲ ምንታይ ዓብዪ እዩ፧ ኣነ ኣብዛ ንእሽተይ ምድሪ ዚመላለስ፡ ሓመድ ዚፍጥረተይ ሰብ እየ። ግና ከኣ ንዓኻ ወኪለ፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ነገራት ክዛረብ እውዕል ኣለኹ። በጃኻ ብዛዕባ ርእሰይ ትሕት ዚበለ ሓሳብ ክህልወኒ ደግፈኒ፡" ድማ እየ ዚብሎ። ኵልኹም፡ ንኣምላኽ ከምኡ ክትብልዎ ድማ እየ ዘተባብዓኩም።

ኣምላኽ ነቶም ትሑታት እዩ ጸጋ ዚህቦም። ዝዀነ ሰብ ፍልጠት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፡ እንተዀነ እቲ ትሑት ሰብ ጥራይ እዩ ጸጋ ኪቕበል ዚኽእል። ካብ ፍልጠት ንላዕሊ ከኣ ጸጋ እዩ ዜድልየና።

ብዛዕባ እቶም ናብ እምነት ጐይታ ምስ መጹ ብስድራቤቶም መከራ ዚበጽሖም መንእሰያት እንተ ሓሲብና፡ ሓደ ካብዞም መንእሰያት እዚኦም ናብ ቤተ ክርስትያንና ኪመጽእ ከሎ ዚርእዮ ነገር እንታይ እዩ፧ ኢልና ክንሓትት ይግብኣና እዩ። ኣብቲ ቤተ ክርስትያን፡ ንመንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስ ይርእዮዶ፧ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ክርስትና ዘለዎም ርድኢት ዘይቅኑዕ እዩ።

ኣብ ወንጌላውነት ይኹን፡ ካልእ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ውጽኢት ዘለዎ ኣገልግሎት ንምግልጋል እቲ ናይ መጀመርያ መምርሒ ኪኸውን ዝኽእል ጥቕሲ፡ "ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኪመስሎም ተገብኦ" (እብ 2፡7) ዚብል እዩ። ነዚ ኵሉ ጊዜ ከነስተንትኖ እዩ ዚግብኣና፡- ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኪመስሎም ተገብኦ።

ንኻልኦት ከመይ ገይረ እየ ከገልግሎም ዝኽእል፧ ብዅሉ ኪመስሎም ይግብኣኒ፡ ናብ ደረጃኦምውን ኪወርድ የድልየኒ እዩ። ስለምንታይ ኢና ምስቶም ኣብ መሬት ዘንፋሕኹ ንኣሽቱ ጻጸ ኪንዘራረብ ዘይንኽእል፧ ምኽንያቱ ንሕና ኣዚና ዓበይቲ ስለዝዀና እዩ። ነዚ ጻጸ፡ ሰብ ዄይና እንተ ኸድናዮ ኣዝዩ እዩ ዚስንብድ። ምስ እዚ ጻጸ እዚ ንምዝርራብ እቲ ብመጀመርታ ኪንገብሮ ዘሎና ነገር ጻጸ ምዃን እዩ።

ኣምላኽ ምሳና ምእንቲ ኪዘራረብ ንኣና እዩ መሲሉ። ነዚ ኵልና ኪንርድኦ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ይኹን ኣብ ርሑቕ ዘይተበጽሐ ቦታታት ከነገልግል እንከለና እቲ ናይ መጀመርያ መምርሒ ነቶም ተገልግሎም ሰባት ምምሳል ዚብል ኪኸውን ይግባእ። ከምቲ ህዝቅኤል ዚበሎ "ኣብቲ ንሳቶም ኮፍ ዝበልዎ ኮፍ ኪንብል"፡ (ህዝ 3፡15) ይግብኣና እዩ። እዚ ማለት ድማ ንዚዀነ ካልእ ሰብ፡ ብዚዀነ መገዲ ልዕል ኢልካ ክትረኣዮ ዘይምድላይ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ፈጺሞም፡ "መምሃራን"፡ "ጓሶት፡" ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ኣስማት ንኸይወስዱ ዜተሓሳሰቦም። ምኽንያቱ ዚዀነ ፍሉይ መጸውዒ ስም እንተድኣ ኣለካ ዀይኑ፡ እዚ ነገር እዚ ኣብቶም እተገልግሎም ሰባት ልዕል ከብለካ እዩ። ከም ሓደ ካብኣቶም ከም ዝዀንካ ዘይኰነስ፡ ልዕሊኦም ከምዝዀንካ ኢኻ እተዘክሮም ዘለኻ። ከምዚ ዚበሉ መጠንቀቕታታት እኳ እንተኣለዉና፡ ሎሚ ኣብ ክርስትና ዚተፈላለየ ስልጣናትን ተወሳኺ ኣስማትን ዘለዎም ብዙሓት ኣመንቲ ኣለዉ።

ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ዓለም መገድታት ክቀድሓ ምስ ጀመራ፡ ከምቲ ዓለማዊ ንግዳዊ ትካላት ዚመሓደራሉ ኣገባብ ኪመሓደራ ምስ ጀመራ፡ ኣብ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ገንዘብ ቀዳማይ ረቛሒ ምስ ኰነ፡ ሽዑ ሞት ናብ ቤተክርስቲያን ኣትዩ። ሓቀኛ ናይ እግዚኣብሄር ዕዮ ንገንዘብ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ፡ እንተዀነ ፈጺሙ ኣብ ገንዘብ ኣይምርኰስን እዩ። ሓቀኛ ናይ እግዚኣብሄር ዕዮ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዚምርኰስ።

ነቲ ዓለም ትገብሮ ነገር ከይደገምና፡ እቲ ዚበለጸ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብ

ሙዚቃ ክንውከል ግን ኣይግብኣናን እዩ። ንኣብነት፡ ጉባኤ ኪውዳእ ከሎ፡ ንኦርጋን ኣትሒትና ብምህራም፡ ሰባት ውሳነ ኪውስኑ ንድርኾም እንተዄንና፡ እዚ ንኣእምሮ ሰባት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተጠቒምካ ዘይኰነስ፡ ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጢ (ሳይኮሎጂካዊ) ገይርካ ምቍጽጻር እዩ ዚኸውን።

ንቓል ኣምላኽ፡ ከምቲ እየሱስ ድሓርውን በዓል ጴጥሮስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ዚሰበኹዎ፡ ከምኡ ጌርና እንተ ሰቢክናዮ፡ ኣብ መወዳእታ ጕባኤና ዝሑል ሙዚቓ ምጽዋት ኣየድልየናን እዩ። እንተ ደሊኻ ኣብ መወዳእታ ጕባኤኻ ሙዚቃ ክትጻወት ትኽእል ኢኻ፡ ግና ዚዀነ ለውጢ ኣይከምጽኣልካን እዩ። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይብልካ፡ ሙዚቃ ብምጽዋት፡ ንስነ-ኣእሞራዊ ነገር ተጠቂምካ ንኣእምሮ ሰባት ብምቁጽጻር፡ ውሳኔ ኪውስኑ ኪትድርኾም ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ከምዚኦም ዚበሉ ውሳኔታት ብስምዒት ከም ዚተወስዱን፡ ሓቅነት ከም ዘይብሎምን፡ ኣብ ፈተና ክጸንዑ ከም ዘይክእሉን ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና።

መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ቦታ ብቕንኢ እዩ ዚሕልዎ። ንመንፈስ ቅዱስ ብናይ ሃይማኖት ትምህርቲ፡ ብሙዚቃ፡ ብገንዘብ ክንትክኦ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ንዅሎም እዞም ነገራት እዚኦም ስለ ዚህበና ምስጋና ይብጽሓዮ። ንዅሎም ድማ ኪንጥቀመሎም ንኽእል ኢና። ኢየሱስ ንገንዘብ ተጠቒምሉ እዩ። ስለዚ ሕጂ ንሕና ገንዘብ ኣየድልን እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኢየሱስ መዝሙር ከም ዝዘመረ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ እብ 2፡12 ኢየሱስ፡ ቤተ ክርስትያን ብመዝሙር ንእግዚኣብሄር ኣቦ ንኸተመስግን ከም ዚመርሓ ተጻሒፉ ኣሎ። ስለዚ ንኣምላኽ ከነመስግን ከሎና፡ ጐይታና ንዝገበሮ ነገር ጥራይ ኢና ክንስዕብ ዝግብኣና። ሙዚቃ ክንጥቀም የብልናን ክንብል ኣይንክእልን ኢና። ኣንጻር እዞም ኣብ ላዕሊ ዚተጠቕሱ ነገራት ክንገብር ኣይንክእልን ኢና። እቲ ሕቶ ግን ኣብ ምንታይ ንውከል ኣለና እዩ ዚውስኖ። ምውካልና ኣብቲ ዘሎና መንነትን፡ ዘለዉና ዓበይቲ ሰበኽትን ድዩ፧ ብፍጹም ኪኸውን ኣይግባእን። መንፈስ ቅዱስ ቀናእ ኣምላኽ እዩ!

ኢየሱስ ኣገልጋሊ እዩ ነይሩ። ብዙሓት መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብዛዕባ ኣገልጋሊ ኪህልዎ ዚግባእ ህይወት፡ ብዛዕባ ትርጕም ኣገልጋሊ ብዙሕ ይዛረቡ እዮም፡ ብዛዕባ እዚ ድማ ብዙሓት መጽሓፍቲ ተጻሒፎም ኣለዉ። ኣብቲ ግብራዊ ህይወት ግና እዚ እንታይ ማለት እዩ። ኵልና ክንምልሶም ዝግብኣና ሕቶታት ኣለዉ፡ ንመሳርሕትና ከመይ ገይርና ኢና ንሕዞ፧ ትማሊ ናብ ስራሕና ንዚተጸንበረ፡ ትሕቴና ዚደረጃኡ መሳርሕትና ከመይ ገይርና ኢና ንሕዞ፧ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ሓውኻ ድዩ፧ ዋላ ብፍርሂ እዩ ምሳኻ ዚነብር ዘሎ፧ ከምኡ እንተ ዄይኑ፡ ዋላውን ክሳዕ ምጽኣት ብዛዕባ ኣገልጋሊ ብዙሕ እንተ ሰበኽና፡ ኣገልጋሊ እንታይ ማለት ምዃኑን፡ ብኸመይ ከነገልግል ከም ዝግብኣናን ኣይክንፈልጥን ኢና ማለት እዩ። ንኢየሱስውን ኣይክንርእዮን ኢና።

ኢየሱስ ኣዝዩ ምቁሉል ኣቀራርባ እዩ ነይርዎ። ንሰባት ፈጺሙ ኣየሰንብድን እዩ ነይሩ። ንርእሱ ድማ፡ "ወዲ ሰብ"፡ ብምባል እዩ ዚጽውዓ ነይሩ። እዚ ማለት 'ተራ ሰብ' ማለት እዩ። ንሱ ካብ ዘለኣለም ምስ ኣቦ ዚነብር ዚነበረ ንጹህን ቅዱስን ወዲ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ምድሪ ምስ ተገልጸ ግና ከም ተራ ሰብ ኰይኑ እዩ ተመላሊሱ። ብዅሉ ንኣሕዋቱ መሲልዎም እዩ ሓሊፉ።

ንሕና ብዅሉ ነገር ንኣሕዋትና ክንመስሎም እንተ ዄንና፡ ኣብ ውሽጥና ኪመውት ዚግብኦ ነገር ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኢየሱስ፡ "ክሳዕ ሞት ርእሱ ኣትሐተ" እዩ ዚብለና። ሞት ናይ ብሓቂ ፍጹም ዚዀነ ናይ ትሕትና መረጋገጺ እዩ።

እታ ናብ መሬት እትወድቕን እትመውትን ፍረ ስርናይ እያ ናይ ብሓቂ ፍረ እትህብ። ነዚ ነገር እዚ ኣነ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብቲ ናይ ድሌትን ክውንነትን ቅልውላው ዝነበረኒ ጊዜያት ኣረጋጊጸዮ እየ። እቲ ኣነ ኣብ ህንዲ ንጐይታ ክገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ነገር ድማ ከም ስርናይ ናብ ባይታ ክወድቕን ክመውትን እዩ። ንሱ ድማ፡ ንፍቓደይ፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባይ ዚብልዎ፡ ንድሌተይ፡ ንዕላማታተይ፡ ንፍቕሪ ገንዘብን፡ ንካልእን፡ ብፍላይ ድማ ንርእሰይ ክመውት እግብኣኒ፡ ብድሕሪ'ዚ እዩ ኢየሱስ በይኑ ኵለንተናይ ኪኸውን ዚኽእል። ብድሕሪ'ዚ ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ናብ እየሱስ ብምጥማት፡ ብቕንዕና ከምቲ ኣሳፍ ዚበሎ፡ "ኣብ ሰማይ ብዘይካኻ መን ኣሎኒ፡ ንዓኻ ካብ ረኸብኩስ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን" (መዝ 73፡25)፡ ኽብል እኽእል እየ።

ኣብ ዓራተይ ተጋዲመ ንጐይታ፡ "ጐይታ፡ ኣገልግሎተይ ንዓይ ጣኦት ኣይኰነንን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ንናትካ ቦታ ዚወስዶ ዚዀነ ይኹን ሰብ የሎን። ንስኻ ንዓይ ኵለንተናይ ኢኻ። ንድምጸይ ክትወስዶ፡ ከተልምሰኒ ወይ ካልእ ዚደለኻዮ ነገር ክትገብረኒ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ከይተረፈውን ብምሉእ ልበይ ከፍቅረካ እየ"፡ ዝበልክዎ ጊዜያት ነይሩ እዩ። ንሓጐሰይ ካባይ ኪወስዶ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ድማ የሎን፡ ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምልኣት ሓጐስ ረኺበ እየ። ካብዚ ዔላ እዚ ጥራይ ድማ እዩ ሩባታት ማይ ህይወት ብኣና ኣቢሉ ኪውሕዝ ዚኽእል።

ብዙሕ ዓመታት ይገብር፡ ንእሽተይ ክርስቲያን ከለኹ፡ ጐይታ ብሓደ ጥቕሲ ገይሩ ተዛሪቡኒ። ንሱ ድማ፡ "ዋጋ ዘይከፈልክሉስ ንኣምላኸይ ኣይስውእን እየ" (2 ሳሙ 24፡24) ዚብል እዩ። እቲ ሽዑ ጐይታ ናብ ልበይ ዚሰደዶ መልእኽቲ፡ እቲ ጐይታ ናብዚ ምድሪ እዚ ምስ መጸ ዚገበሮ ነገር እዩ፡ ንሱ ኵሉ ዋጋ ዜኽፍሎ መስዋእቲ እዩ ከፊሉ። ኣነ ከገልግሎ እንተድኣ ዀይነ ድማ ብተመሳሳሊ መንፈስ እየ ኬገልግሎ ዝግብኣኒ። ዚዀነ ዜገልግሎ ኣገልግሎት ገለ ነገር ኼኽፍለኒ ይግባእ።

እቲ ንጐይታ እተገልግሎ ኣገልግሎት ከመይ ዚበለ እዩ፧ ዝኾነ ዋጋ የኽፍለካ'ዶ ኣሎ፧ ሎሚ ኣብ ህንዲ ዘለዉ ገለ ኣገልገልቲ፡ ኬገልግሉ ከለዉ ካብቲ ዓለማዊ ስራሕ ሰሪሖም ኪረኽብዎ ዝኽእሉ ሓሙሽተ፡ ዓሰርተ ዕጽፊ እዮም ዚረኽቡ። እዚ ብሓቂ መስዋእቲ ድዩ፧

ቅድሚ 31 ዓመት ይኸውን፡ ካብቲ ዚሰርሖ ዚነበርኩ ናይ ህንዲ ሓይሊ ባሕሪ ስራሕ ደው ከብል ከለኹ ዚወሰንክዎ ሓደ ውሳኔ ነይሩ። ንሱ ድማ፡ ዚዀነ ካብቲ ዓለማዊ ስራሕ ብምስራሕ ክረኽቦ ዝኽእል ገንዘብ ንላዕሊ ካብ ቤተክርስቲያን ዘይምቕባል ዚብል ውሳነ እዩ ነይሩ። እዚ ውሳነ'ዚ ክሳብ ሕጂ ይጠቕመኒ ኣሎ።

ንኻልኦት ክንፈርድ ኣይግብኣናን እዩ። ኣነ ድማ ምእንቲ ክፈርደኩም ኣይኰንኩን እዚ ዝብለ ዘሎኹ፡ እንተዀነ፡ ሎሚ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ እንተዝህሉ፡ ክንደይ ገንዘብ ምረኸብኩ ነይረ ኢልካ ጥራይ ንርእስኻ ሕተታ። ቤት ኣምላኽ ረብሓ እተኻዕብተሉ ንግዳዊ ትካል ኣይኰነን። ሓለፋ ደመወዝካ ሰማያዊ ዓስብኻ እዩ ከገድሰካ ዚግባእ። ንቅዱሳን ዜገልገልካዮን፡ ምእንቲ ስሙ እተወፈካዮን ንዅሉ ጐይታ ልዕሊ ጻዕርኻ ከም ዚኽሕሰካ እመን።

ዕዮ ኣምላኽ ኣበይ ዝያዳ ከም ዚበላሾ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ናይ ገንዘብ ጕዳይ ምስ በጽሐ እዩ ዝያዳ ዚበላሾ፡ ምኽንያቱ ንኣምላኽን ንገንዘብን ከነገልግል ኣይንክእልን ኢና። እዚ ብመጀመርታ ኪንፈትሖ ዘሎና ሽግር እዩ። ብኻልእ ኣርእስቲ እናተዛረብና ዘመን ዕድሜና ኪውዳእ ይኽእል እዩ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ዜስዕቦ ሽግራት እንተ ዘይፈቲሕናዮ ግና፡ ኣገልግሎትና (ፍረ) ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ ዚኸውን።

ሰባት መንበሪ ኣድራሻኦም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ይልውጡ እዮም። እዚ ምግባር ዋላ ሓደ ጸገም ኣየምጽእን እዩ። ኢየሱስ ከይተረፈ'ውን ካብ ሰማያት ናብ ምድሪ ብምውራድ ኣድራሻኡ ቀይሩ እዩ። ንሱ ቦታ ኪልውጥ ከሎ ግና ናብ ታሕቲ ኣቢሉ እዩ ወሪዱ። እዚ ዚገበረሉ ምኽንያት ድማ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነበሩ ሰባት ሓቀኛ ሓልዮት (ፍቕሪ) ስለ ዚነበሮ እዩ። ንስኻ ስለምንታይ ኢኻ መንበሪ ኣድራሻኻ ትልውጥ ዘሎኻ፧ ሕጂ'ውን ክንፈርድ ኣይግብኣናን እዩ፡ ንርእስና ግን በዚ ኣርእስቲ'ዚ ብልክዕ ክንምርምራ ይግብኣና እዩ።

ገንዘብ ጕዳይ ምስ በጽሐ እዩ ዝያዳ ዚበላሾ፡ ምኽንያቱ ንኣምላኽን ንገንዘብን ከነገልግል ኣይንክእልን ኢና። እዚ ብመጀመርታ ኪንፈትሖ ዘሎና ሽግር እዩ።

ጳውሎስ፡ ናብ ፊሊጲ ሰብ ኪሰድድ ምስ ደለየ፡ ብዘይካ ጢሞቲዎስ ካልእ ሰብ ኣይረኸበን፡ ምኽንያቱ ኵላቶም ደድሕሪ ጥቕሚ ገዛእ ርእሶም ዚጐዩ እዮም ነይሮም (ፊሊ 2፡19-21)። ኣስተውዕል፡ ጳውሎስ 'ኵላቶም ነናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን፡' ኪብል ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ዓለማውያን ሰባት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቶም መተዓይይቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ናይ ጳውሎስ ጕጅለ ኴንካ ምዕያይ ንርእሱ ክብሪ ዘለዎ ነገር እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ሓደ እዋን ጳውሎስ፡ ንዮሃንስ (ማርቆስ) ነፍሱ ምሉእ ብምሉእ ኣይቀበጸን ኢሉ ምስኡ ኬገልግል ኣይፈቐደሉን። ጳውሎስ፡ ብዙሓት ካብ መሳርሕቱ ጥቅሚ ርእሶም ይደልዩ ስለ ዚነበሩ ሕጉስ ኣይነበረን።

ሎሚ ብዙሓት ነፍሳት ኬድሕኑ ጾር ከም ዘለዎም ኰይኖም ወንጌል ዚሰብኩ ኣገልገልቲ ኣለዉ፡ ብሓቂ እንተ ርኢናዮም ግና ናይ ርእሶም ረብሓን፡ ምቾትን ዚደልዩ እዮም። እዞም ሰባት ንርእሶም ኪሃንጹ እዮም ዚጽዕሩ። ንሳቶም ጥሮታ ምስ ወጹ ድማ፡ ደቆምን ኣባላት ስድራቤቶምን ነቲ ዕዮ ምእንቲ ኪቕጽልዎ ብፍሉይ እዮም ዘሰልጥንዎም!!

ብቕንዕና ንኣምላኽ ሓቂ እናተዛረብና ከነገልግል ከሎና፡ ህቡባት ክንከውን ኣይንክእልን ኢና። ንሰባት ባህ ከነብል ንደሊ እንተ ኴንና ድማ፡ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።

ብዛዕባ እቶም ኣብ ጹንኩር ኵነታት ኴይኖም ዜገልግሉ፡ ክሳዕ ኢየሱስ ዚምለስ ዚገበርዎ መስዋእቶም ዘይፍለጥ፡ ኣብ ጕዕዞ ክርስትና ህቡባት ዘይኰኑ፡ ስሞም ግኑን ዘይኰነ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን መደባት ዘይፍንዉ፡ ግና ከኣ ንኣምላኽ ዚፈርሁ፡

ትሑታት፡ ኣብ ምድርና ድማ ብዙሕ ዋጋ ብምኽፋል ወንጌል ዚዝርግሑ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንኣምላኽ አመስግኖ እየ። ኣምላኽ ከምዚኦም ዚበሉ ኣሕዋት ስለ ዚሃበና ካብ ልቢ እየ ዘመስግኖ። ኣነ ምስኦም ኪወዳደር ከለኹ፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ክብል ኣይክእልን እየ። እንተዀነ መብዛሕትኦም እዞም ኣገልገልቲ እዚኣቶም ኣብተን ናትና ኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራትን እዮም ዚዓዩ ዘለዉ። ስለዚ፡ ኣሰሮም ኪንስዕብ እዩ ዚግብኣና።

እቲ ዚሰምዕ እዝኒ ዘለዎ፡ ይስማዕ። ኣሜን።

Chapter 2
ምዕራፍ ክልተ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ይደሊ ኣሎ

ሎሚ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ይደሊ ኣሎ፡-

መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዚቆሙን ድምጹ ዚሰምዑን፡ ኣብ ልቦም ብዘይካ ንኣምላኽ ካልእ ድሌት ዘይብሎም፡

ንኣምላኽ ካብ ዘለዎም ፍርሃት (ኣክብሮት) ዚተላዕለ ንሓጢኣት ኣዝዮም ዚጸልኡን፡ ብዅሉ መገዶም ንጽድቅን ሓቅን ዜፍቅሩ፡

ንሕርቃን፡ ስጋዊ ስምዒታትን ሓሳባትን ዚሰዓሩ፡ ዋላውን ብሓሳብ እንተዀነ ካብ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕ ሙማት ዚመርጹ፡

ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም መስቀሎም ተሰኪሞም ናብ ፍጽምና ኣቢሎም ዚስጕሙን፡ ንምድሓኖም ኵሉ ሳዕ ብፍርሃትን ራዕድን ዚፍጽሙ፡

ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎምን፡ ሰባት ንኺጸልኡ ኣዝዩ ፈታኒ ኵነታትእውን እንተገጠሞም ምንቅናቆም ክሳብ ዘይከኣል ኣብ ፍቕሪ ዚጸንዑን ዚተሰረቱን፡

ኣብ ትሕትና ካብ ምስራቶምን ምጽንዖምን ዚተላዕለ ሰባት ኪንእድዎም ከለዉ፡ መንፈሳዊ ዕብየት ኬርእዩ ከለዉ፡ ዚዀነ ሰማያዊ ኣገልግሎት ኪወሃቦም ከሎ፡ ወይ ዚኾነ ካልእ ነገር ይርከቡ፡ ኵሉ ሳዕ ካብ ካልኦት ቅዱሳት ዚንእሱ ምዃኖም ዚሓስቡ፡

ብቓል ኣምላኽ መሰረት ባህርያት ኣምላኽን ዕላማኡን ዚርድኡ፡ ብቓሉ ዚርዕዱ፡ ንእሽተይ እኳ ትኹን ንትእዛዙ ዘይጥሕሱ፡ ንኻልኦት ንምምሃር ድማ ሸለል ዘይብሉ፡

ንዅሉ ምኽሪ ኣምላኽ ዚነግሩ፡ ንዝዀነ ሃይማኖታዊ ምንዝርናን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ባህሊ ሰባትን ዘቃልዑ፡

ብዛዕባ ምስጢር ኣምልኾ ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም፡ ክርስቶስ ብስጋ ተገሊጹ ሓድሽን ህያውን መገዲ ከም ዝኸፈተልና ዚርድኡ፡

ህርኩታትን ጻዕራማትን፡ ግና ከኣ ከስሕቁ ዚኽእሉ፡ ብኸመይ ከም ትዘናጋዕን ምስ ህጻናት ከም ትጻወትን ዚፈልጡ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ህያብ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉውን ዚርድኡ፡

ንነገራት ዘይሕረሙ፡ ግን ከኣ ንርእሶም ዚመልኩን፡ መከራ ዘይፈርሁን፡

ክቡር ክዳውንቲ ኣብ ምኽዳን ይኹን ጸቢቕካ ኣብ ምርኣይ ዘይግደሱ፡ ንጊዜኦም ኣብ ዘይጠቅም ንጥፈታት ዘየባኽኑ፡ ንገንዘቦም ድማ ዘየድሊ ነገራት ኣብ ምግዛእ ዘየጥፍኡ፡

ፍሉይን ክቡርን ብልዒ ንምብላዕ ዘሎ ድሌት ዚሰዓሩ፡ ብሙዚቃን ስፖርትን ዚኣመሰሉ ሓጢኣት ዘይኰኑ ንጥፈታት ዘይምለኹ፡

ካብ ኣዝማዶምን መራሕቲ ቤተ ክርስትያኖምን ዝመጾም ፈተና (ስቓይ)፡ ናይ ሓሶት ክሲ፡ ዓመጽ፡ ጸቕጢ፡ ሕማም፡ ገንዘባዊ ጸገምን ካልእ መከራን ኪስዕሩ ብኣምላኽ ዚተለማመዱ፡

ሓጥኣን ምንባሮም ዘኪሮም ነቶም ሓጥኣን ሰባትን፡ ድኹማት ኣመንትን ዚኸውን ድንጋጸን፡ ምሕረት ልብን ዘለዎምን፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ተስፋ ከም ዘሎ ዚሓስቡን፡

ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦ ንዕኦም ዘለዎ ፍቕሪ ኣዕሚቆም ካብ ምስራቶም ዚተላዕለ ብዝዀነ ነገር ዘይጭነቁ፡ ብሰይጣን፡ ብክፉኣት ሰባት፡ ብጽንኩር ኵነታትን፡ ብኻልእ ዝዀነ ነገራትን ዘይፈርሁ፡

ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዚኣተዉ፡ ኣምላኽ ብልኡላዊ ስልጣኑ ብዅሉ ነገር ንሰናይ ከም ዚድግፎም ዚኣምኑ፡ ስለዚ ከኣ ኵሉ ሳዕ ብዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ነገርን ብዅሉ ኩነታትን ዜመስግኑ፡

ሓጐሶም ብኣምላኽ ጥራይ ዚዀነን፡ ንዅሉ ሕማቕ ስምዒት ብምስዓር ብሓጐስ ጐይታ ዚተመልኡ፡

ህያው እምነት ዘለዎም፡ ኣብ ርእሶም ይኹን ኣብ ባህርያዊ ክእለቶም ዘይውከሉ፡ ኣብ ኣምላኽ ግን ብምሉእ ልቦም ዚውከሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኩነታት ዘይጠልም ረዳኢኦም ከም ዚዀነ ዚኣምኑ፡

ብኣተሓሳስባኦም ዘይኰነስ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ዚመላለሱ፡

ብመንፈስ ቅዱስ ዚተመልኡ፡ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስን ብክርስቶስን ዚተጠመቁ፡ ብገለ ናይ መንፈሳዊ ስነ-ሞጐት፡ መርትዖ፡ ወይ ሓቂ ብዘይኰነ ናይ ግሎም ስምዒታት ዘይዓግቡ፡

ኵሉ ጊዜ ብቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ዚመላለሱን፡ በቲ ንሱ ዚሃቦም ልዕሊ ንቡር ዚዀነ ውህበታት ዚተመልኡ፡

ቤተ ክርስትያን ሃይማኖታዊ ማሕበር ወይ ጉባኤ ጥራይ ዘይኰነት፡ ኣካል ስጋ ክርስቶስ ምዃና ምግላጽ ዘለዎም፡ ኵሉ ዘለዎም ሓይሊ፡ ንዋት ይኹን መንፈሳዊ ውህበት ንምህናጽ ቤት ኣምላኽ ዚውፍዩ፡

ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ልሳኖም ምልጓም ዚተላመዱን፡ ልሳኖም ኵሉ ጊዜ በቲ መለኮታዊ ቃል ዚመልአትን፡ ንዅሉ ዚሓድጉ፡ ምስ ገንዘብ ይኹን ነገራት ዘይተጣበቑ፡ ካብ ዚዀነ ሰብ ውህበት ኪወሃቡ ዘይጽበዩ፡

ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዜድልዮም ነገራት ኣምላኽ ከም ዚምልኣሎም ዚኣምኑ፡ ብዛዕባ ዘድልዮም ነገራት ንሰባት ዘይነግሩ፡ ብዛዕባ ዕዮኦም ድማ ኣብ ደብዳቤታቶም፡ ጸብጻቦምን ዘረብኦምን ዘይምክሑ፡

ሕያዎት፡ ነቃጻት ዘይኰኑ፡ ሰባት ኪነቅፍዎም ዘፍቅዱን፡ ብጸጋ ብዚዓብይዎምን ጥበብ ብዚመልኦምን ሰባት ኪእረሙ ዚደልዩ፡

ንኻልኦት ንምዕብላል ዘይጽዕሩ፡ ዋላ እኳ ምስ ተሓተቱ ምኽሪ ኪህቡ ቍሩባት እንተዀኑ ካብ ርእሶም ተበጊሶም ንኻልኦት ንምምኻር ድሌት ዘይብሎም፡ 'ዓቢዪ ሓው' ወይ 'መራሒ' ኪበሃሉ ድላይ ዘይብሎም፡ ከም ዚዀነ ኣገልጋሊ ተራ ኪዀኑን ንዅሉ ኬገልግሉን ዚደልዩ፡

ምስኦም ኪትከውን ዚፎኽሰካ፡ ብጸገም ኪሓልፉን፡ ካልኦት ሰባት ኪብለጽሎም ፍቓደኛታት ዚዀኑን፡

ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን፡ ኣብ መንጎ ጻዕዳን ጸሊምን፡ ኣብ መንጎ መስተውዓልን (ለባምን) ዓሻን፡ ኣብ መንጎ ምዕቡልን ዘይምዕቡልን፡ ዘይፈላልዩ፡ እዃ ድኣ ንዅሎም ብማዕረ ዚርእዩ፡

ንክርስቶስ ዘለዎም ፍቕርን፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዘለዎም ናይ ምእዛዝ ድሌትን፡ ብኣንስቶም፡ ደቆም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩዅቶምን፡ ካልኦት ኣመንትን ኪጽሎ ዘየፍቅዱ፡

ብጕቦ ይኹን ብዝዀነ ካልእ ሰይጣን ዜዳልዎ ስልማት (ከም ገንዘብን ካልእ ክብረት ዓለምን ዚኣመሰሉ) ኣብ መትከላቶም ዋጋ ዕዳጋ ዘይገብሩ፡

ብትብዓት ብዛዕባ ክርስቶስ ዚምስክሩ፡ ንስጋውያን ይኹኑ ንሃይማኖታውያን መራሕቲ ዘይፈርሁ፡

ኣብ ገጽ ምድሪ ንዘሎ ሰብ ባህ ኬብሉ ዘይደልዩ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ምእንቲ ኬሐጕሱ እንተ ኣድለየ ኵሉ ሰብ'ውን እንተ ተዓንቀፈ ዘይግድሶም፡

ካብ ናይ ደቂ ሰባት ድሌትን ናታቶም ምቾትን ንላዕሊ ንኽብሪ ኣምላኽ፡ ንፍቓድ ኣምላኽን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽን ኵሉ ሳዕ ቀዳምነት ዚህቡ፡

ብሓሳቦም ይኹን ብናይ ካልኦት ጸቕጢ እግዚኣብሄር ዘይቅበሎ ስራሕ ኪሰርሑ ዘይደፋፍኡ፡ ኣብ ህይወቶም ነቲ ዚተገልጸሎም ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ ምእንቲ ኪገብሩ ዚህንጠዩን ብእኡ ድማ ዚዓግቡ፡

ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ስጋውን መንፈሳውን ዕዮታት ፈላልዮም ኪርድኡ ዚኽእሉ፡ ንነገራት በቲ ሰማያዊ ኣጠማምትኡ ድኣ እምበር ብምድራዊ መልክዑ ዘይርእዩ፡

ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዎም ኣገልግሎት ሰባት ንዚህብዎም ምድራዊ ክብሪ ይኹን ማዕረግ ዘይቅበሉ፡ ከየባተክካ ምጽላይ ዚተለማመዱ፡ እንተ ኣድለየ ድማ ሙጻምን ምጽላይን ዚኽእሉ፡

ብልግሲ፡ ብሓጐስ፡ ብምስጢርን ብጥበብን ምሃብ ዚፈልጡ፡

ብዅሉ ነገር ገለ ምእንቲ ኬድሕኑ ንዅሉ ሰብ ኵሉ ነገር ኪዀኑ ድሌት ዘለዎም፡

ካልኦት ድሒኖም ጥራይ ዘይኰኑ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ኰይኖም ኪርእዩ ዚደልዩ፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ዚበጽሑን፡ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ዚእዘዙን፡

ኣብ ኵሉ ስፍራ ንጹህ ምስክርነት ኣምላኽ ተተኺሉ ኪርእዩ ዚደልዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ከቢሩ ኪርእዩ ፍሉይ ባህጊ ዘለዎም፡ ኣብ ዚዀነ ነገር ጥቕሚ ርእሶም ዘይደልዩ፡

ንመንፈሳዊ ስልጣንን መንፈሳዊ ክብረትን ከምቲ ዚግባእ ዚጥቀሙሉ፡

ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ዋላ ኣብ ዓለም ዘለዉ ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ እንተ ከሓዱ በይኖም ደው ኪብሉ ዚኽእሉ፡

ከም ሃዋርያትን ከምቶም ቀዳሞት ነቢያትን ኣብ ዚዀነ ነገር ፈጺሞም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ኣገልገልቲ የድልዩ ኣለዉ።

ሎሚ ኣብ ዓለም ዕዮ ኣምላኽ ዘይሰልጠሉ ዘሎ ምኽንያት ከምዚኦም ዚበሉ ኣገልገልቲ ኣዝዮም ውሒዶም ስለ ዘለዉ እዩ። ኣብ ማእከል እዚ ሓጥእን ዘማውን ወለዶ፡ ኣብ ማእከል እዚ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዜእቱ ናይ ዘመንና ክርስትያን፡ ከምዚ ዓይነት ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ክትከውን ብምሉእ ልብኻ ወስን። ናይ ብሓቂ ድሌት እንተ ኣሎካ፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ስለ ዘየለ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ዋላ እኳ ኣብ ህይወትካ፡ ሕሊናኻ ዝምስክሮ፡ ትፈልጦ ነገራት ድሩት እንተዀነ፡ ኣምላኽ ነቲ ዚተረድኣና ነገራት ጥራይ ክንእዘዞን ክንውፈየሉን ስለ ዚጽበየና፡ በቲ ዝበጻሕካዮ ውሱን ደረጃ ከምዚ ዚተጠቕሰ ኣገልጋሊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍልጠት'ዚ በቲ ኣብ ብርሃን ዝተመላለስካዮን፡ ናብ ፍጻሜ ዝሓለፍካዮን መጠን እናዓበየን ሕልናኻ ድማ እናበርሀን እዩ ዚኸይድ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ብሉጽ ኣገልጋሊ ከይትኸውን ዝዕንቅፈካ ነገር የለን።

ኣብ ስጋና ሰናይ ዚበሃል ነገር ስለ ዘየለ፡ ከምኡውን ነዚ ብሉጽ ባህርያት'ዚ ብጻዕርና ክንበጽሖ ስለ ዘይንኽእል፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ክንቅበል ኣበርቲዕና ክንጽሊ ይግብኣና እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ዘማልአ ብሉጽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምእንቲ ክትከውን፡ ኣምላኽ ጸጋ ክህበካ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ገጹ ብትብዓት ጸልይ።

ምዕራፍ ሰለስተ

ኣብ ህይወተይ ካብ ዝተመሃርክዎም ገለ ሓቅታት

ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ናይ ክርስትና ህይወተይ፡ ዜተባብዑኒ፡ ዕላማን ጽቡቕ ኣንፈትን ዘትሓዙኒ፡ ዝተመሃርክዎም ኣገደስቲ ሓቅታት ኣለዉ። እዞም ሓቅታት እዚኦም ከተባብዕኹም ይኽእሉ እዮም ኢለ ስለ ዝኣምን፡ ንኣኻትኩም ከካፍለኩም ባህ እዩ ዝብለኒ።

1. ኣምላኽ ከምቲ ንኢየሱስ ዘፍቀሮ ገይሩ እዩ ዘፍቅረና

"… ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዚለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶም'ውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኪትፈልጥሲ…" (ዮሃ 17፡23)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘለዉ ሓቅታት እዚ እቲ ዚዓበየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ንኣና ካብ ፍርሕን ጭንቀትን ኣውጺኡ ናብ ዕረፍትን፡ ኵሉ ሳዕ ብጐይታ ብሓጐስ ዚመላለስ ኣማኒ ገይሩ ኪልውጠና ይኽእል እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረና ዚገልጹ ብዙሓት ጥቕስታት ኣለዉ። ኣምላኽ ማዕረ እቲ ንኢየሱስ ዘፍቀሮ ፍቕሪ ንኣና ከም ዘፍቕረና እትገልጽ ግን፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ እያ።

እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ደቁ ምፍልላይ ስለ ዜይብሉ፡ ከምቲ ንሃዋርያትን ንዅሎም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ዚገበረሎም ኪገብረልና እዩ ዚደሊ። ኣምላኽ ከምቲ ንኣታቶም ዚረድኦምን ዚሓለየሎምን፡ ከምቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብፍቓዱ ዚመርሖምን፡ ንኣናውን ይረድኣናን ይሓልየልናን፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ድማ ብመደቡ ኪመርሓና እዩ ዚደሊ። ኣብ ህይወትና ዚፍጸም ኣምላኽ ዘይፈልጦ ነገር የለን። ስለዚ ፈጺምና ክንጭነቕ ኣይግብኣናን እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ዚተላእኮ፡ ንሕናውን ንጹር ዕላማ ሒዝና ኢና ናብዚ ምድሪ ተላኢኽና ዘሎና። እዚ ኵሉ እንተ ኣሚንናዮ ጥራይ እዩ ዚዀነልና። ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ዘይብሉ ሰብ ዚዀነ ይኹን ነገር ኪረክብ ከም ዘይክእል ኢና እነረጋግጽ።

2. ኣምላኽ ብቅኑዓት ሰባት እዩ ዚሕጐስ

"ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና…" (1ዮሃ 1፡7)።

ሓደ ካብ ትርጕም ኣብ ብርሃን ምምልላስ ማለት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚዀነ ነገር ክትሓብእ ዘይምፍታን ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንእግዚኣብሄር ዅሉ ብልክዕ ከም ዘለዎ ገይርና ኢና ክንነግሮ ዝግብኣና። ንኣምላኽ ኪንቀርቦ ከሎና፡ እቲ ናይ መጀመርያ ስጕምቲ ቅንዕና ኪኸውን ኣለዎ። ኣምላኽ ነቶም መታለልቲ ይጽየፎም እዩ። ኢየሱስ ከም ዚኾነ ካልእ ሓጢኣት ንግብዝናውን ተቃዊምዎ እዩ።

ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ጊዜና ቅዱሳን ወይ ምሉኣት ክንከውን ኣይኰነን ዚሓተና። ኣምላኽ መጀመርያ ቅኑዓት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ካብዚ ድማ እዩ ካልእ ኵሉ ዚምንጩ። ኵላትና ክንገብሮ ዝቐለለ ነገር እንተ ኣልዩ ድማ፡ ቅኑዓት ምዃን እዩ። ስለዚ ንዝገበርካዮ ሓጢኣት ቀልጢፍካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብንስሓ ቅረብ። ንዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ስም ብምልዋጥ ኣይተቕልሎ። ብኣዒንትኻ ደድሕሪ ጽብቕቲ ጓል ምስ ዘመኻ፡ "ነቲ እግዚኣብሄር ዚፈጠሮ ፍጥረት ጥራይ እየ ዘድንቕ ነይረ" ኣይትበል። ን"ሕርቃን"፡ "ቅዱስ ቅንኢ" ኣይትበሎ። ቅኑዕ እንተ ዘይኴንካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ፈጺምካ ዓወት ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ደም ኢየሱስ ካብ ኵሉ ሓጢኣትካ ድኣ እምበር፡ ካብ ጌጋኻ ኣየንጽሃካን እዩ እሞ፡ "ንሓጢኣትካ"

ፈጺምካ "ጌጋ" ብምባል ኣይትጸውዓዮ!! ኢየሱስ ንሓሰውቲ ኣየንጽሆምን እዩ። ነቶም ቅኑዓት ሰባት ጥራይ ዚኸውን ተስፋ ኣሎ። "ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን" ይብለና ቃል ኣምላኽ (ምሳ 28፡13)።

ስለምንታይ እዩ ኢየሱስ ንፈሪሳውያን፡ ሰረቅትን ዘመውትን ቀዲሞምኹም ናብ መንግስተ ኣምላኽ ኪኣትው እዮም ዚበሎም፧ ምኽንያቱ ሰረቕትን ዘመውትን ሓጥኣን ምዃኖም ስለ ዝእመኑ እዮም (ማቴ 21፡31)።

ሓደ ካብቲ ብዙሓት ሓደስቲ መንእሰያት ናብ ቤት ኣምላኽ ምምጻእ ዘቋርጽዎ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ዚመላለሱ ነባራት ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ንኺቕደሱ ቃልሲ ከም ዘይብሎም ገይሮም ስለ ዜርእይዎም (ቅዱሳት ተመሲሎም ስለ ዚመላለሱ) እዩ። እዞም መንእሰያት፡ "ቅዱሳን ሰባት ንሽግርና ኣይርድኡልናን እዮም"፡ ዚብል ሓሳብ እዩ ዘለዎም። እዚ ነገር እዚ ኣብ ህይወትና ሓቂ እንተ ኰይኑ፡ ህይወትና ከምቲ ክርስቶስ ንሓጥኣን ናብኡ ዚሰሓቦም ከም ዘይኰነት ዘርኢ መርትዖ እዩ።

3. ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ

"ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ …" (2ቈረ 9፡7)።

ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ ስለ ዚፈቱ፡ ቅድሚ ክርስቲያናት ምዃንናን ድሕሪ ክርስቲያናት ምዃንናን ብመንፈስ ኣምላኽ ምምላእናን ፍጹም ዝዀነ ናጽነት እዩ ሂብና።

ህይወትና ከም ናይ ኣምላኽ ዚመስል እንተ ዀይኑ ንኻልኦት ሰባት ኪንቈጻጸር ወይ ጸቕጢ ክንገብር ኣየድልየናን እዩ። ካባና ዚተፈልየ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ኪህልዎም፡ ከም ዚመረጽዎ መጠን መንፈሳዊ ዕብየት ከመዝግቡ ናጽነት ንህቦም ኢና። ኵሉ ዓይነት ምግዳድ ክሳዕ ሓይሊ ምጥቃም ኣብ ክርስትና ቅቡል ኣይኮነን።

መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ይመልኦም፡ ርኹስ መንፈስ ግና ይቈጻጸሮም።

እቲ ፍልልይ ድማ መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ምስ መልኦ'ውን ዚደለዮ ነገር ምእንቲ ኪገብር ናጽነት ይህቦ እዩ። ርኹስ መንፈስ ንሰባት እንተ መሊእዎም ግና ናጽነቶም ብምምንዛዕ ይቈጻጸሮም። ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ተመሊእካ ድማ፡ ሓደ ካብቲ ፍረ፡ ርእስኻ ምግታእ እዩ (ገላ 5፡22-23)። ርኹስ መንፈስ እንተ ተቘጻጺሩካ ግና ርእስኻ ክትገትእ ኣይትክእልን ኢኻ።

ዝዀነ ብሓጐስ፡ ብፍስሃ፡ ብፍታው ልቢ፡ ድሌት ገይርና ዘይንሰርሖ ስራሕ ምውት ስራሕ ምዃኑ ኪንርዳእ ይግብኣና። ደመወዝ ክትረክብ ወይ ዓስቢ ክትቅበል ኢልካ እትሰርሖ ስራሕ ኵሉ ምውት ስራሕ እዩ። ብናይ ካልኦት ጸቕጢ ንኣምላኽ ዚወሃብ ገንዘብ፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይጽብጽቦን እዩ!! ካብቲ ናይ ሰባት ጸቕጢ ክትገላገል፡ ወይ ሕሊናካ ከተዕርፍ ኢልካ እትሰርሖ ዓቢዪ ስራሕ ንላዕሊ፡ ኣምላኽ በቲ ብሓጐስ ዚተሰርሐ ውሑድ፡ ወይ ከኣ ንእሽቶ ስራሕ እዩ ዝያዳ ዚሕጐስ።

4. ቅድስና ንኢየሱስ ብምጥማት እዩ ዚርከብ

"… በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ከኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ ሕፍረት ንዒቑ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ኢየሱስ ንጠምት" እብ (12,1-2)።

ከምቲ ኣብ 1ይ ጢሞቲዎስ 3፡16 ብንጹር ተገሊጹ ዘሎ፡ ምስጢር ኣምልኾ፡ ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ስጋና ተገሊጹ ዚብል መሰረት እምነት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ብስጋ ዚተገልጸ ክርስቶስ እዩ ዘሎ። ብስጋ ከም ዚተገልጸ መጽናዕቲ ብምግባር ዘይኰነ፡ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ኢና ቅዱሳን ክንከውን እንኽእል። ዝዀነ ንሕና እንገብሮ ጻዕሪ ድማ፡ ነቲ ሓጥእ ልብና ቅዱስ ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ። እዚ ነገር እዚ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኪዓዪ ክንፈቕደሉ ይግብኣና።

ቅድስና ብግብርና ከነጥርዮ ዝከኣል ኣይኰነን (ሮሜ 6፡23)። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጸልና ኣምላኽ ባዕሉ ጥራይ እዩ ብምልኣት ኬንጽሃናን ኪቅድሰናን ዚኽእል (1ተሰ 5፡23)። ነዚ ነገር እዚ ኣምላኽ ጥራይ ኪገብሮ ከም ዚኽእል እዩ ዚገልጸልና። እንተኾነ ግና፡ ብዙሓት ክርስቲያን ቅዱሳን ምእንቲ ኪዀኑ ንርእሶም ብምኽሓድ እዮም ዚቃለሱ። ስለዚ ድማ ፈሪሳውያን ይዀኑ።

"ሓቀኛ ቅድስና" ብእምነት ብኢየሱስ እዩ ዚርከብ (ኤፌ 4፡24)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኢየሱስ ብምጥማት ኢና ቅዱሳን ክንከውን እንኽእል። እቶም ንቅድስና ብናትካ ጻዕሪ ኪብጻሕ ይከኣል እዩ ኢሎም ዚሰብኩ ሰባት ካብ ካልኦት ዝገደዱ ፈሪሳውያን እዮም። ካብ ከምዚኦም ዚበሉ ሰባት ክንጥንቀቕ ይግብኣና።

ንእየሱስ ምጥማት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ እብ 12፡2 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ኪመላለስ ከሎ፡ "ንመስቀሉ ተዓጊሱ"፡ ኵሉ ሳዕ፡ "ብዘይካ ብሓጢኣት ብዅሉ ከምዚ ከማና ከም ዚተፈተነ" ክንሓስብ ይግብኣና (እብ 4፡15)። ንሱ መራሒና እዩ፡ ኣስኣሰሩ ክንስዕብ (ክንጐዪ) ድማ እዩ ዝግብኣና (እብ 6፡20)። ከምኡውን ሕጂ ንሱ፡ "ኣብ የማን ኣምላኽ ከም ዘሎን"፡ ኣብ ኵሉ መከራናን ፈተናናን ይሕግዘናን የማልደልናን ከምዘሎ ክንሓስብ ይግብኣና።

5. ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላእ ይግብኣና

"… መንፈስ ይምላእኩም" (ኤፌ 5፡18,19)።

ኩሉ ሳዕ ብመንፈስ ቅዱስ ከይተመላእና፡ ንክርስትና ከምቲ ኣምላኽ ዚደልየና ክንነብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡውን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከይተቐባእናን፡ ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝዀነ መንፈሳዊ ውህበታት (supernatural gifts) ከይተቐበልናን፡ ከምቲ ዚግባእ ንኣምላኽ ከነገልግሎ ኣይንኽእልን ኢና።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና ይኹን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንኢየሱስ ክንመስል ክመርሓና ኢሉ እዩ ናባና ወሪዱ (2ቈረ 3፡18)። ናብ ምስሊ ክርስቶስ ምእንቲ ክልውጠናን፡ ከምቲ ኢየሱስ ገይሩ ዜገልግሎ ገይርና ምእንቲ ከነገልግልን፡ ከዕጥቐና ኢሉ እዩ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዝመልኣና። ሕጂ ግና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ የብልናን፡ ስለዚ ድማ ከምቲ ንሱ ኣብ ኣገልግሎቱ ዚገብሮ ዚነበረ ክንገብር ኣይንክእልን ኢና። እንተዀነ ነቲ ናትና ኣገልግሎት ከምቲ ዚግባእ ንምፍጻምን፡ ንኣምላኽ ንምግልጋልን፡ ከም ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ኪንዕጠቕ ንኽእል ኢና።

ርባታት ማይ ህይወት ብኣና ኣቢሉ ምእንቲ ኪፈስስ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር ንኣምላኽ ምእማንን ምጽማእን ጥራይ እዩ (ዮሃ 7፡37-39)። ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል እንተ ኰይንና ብጽምኣት ኢና ክንደልዮ ዝግብኣና (1ቈረ 14፡1)። ከምኡ እንተዘይኰይኑ ግና፡ እዚ ውህበታት እዚ ክህልወና ኣይክእልን እዩ። ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ብህይወት ዚመላለስ ግና ከኣ ጸማም፡ ዕውር፡ ዘይዛረብን ልሙስን ሰብ እያ እትኸውን፡ ስለዚ ድማ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ ዜይብላ ቤተ ክርስቲያን ትኸውን።

6. መገዲ ህይወት፡ መገዲ መስቀል እዩ

"እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና" (2ጢሞ 2፡11)።

ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ኬሕልፈና ኢሉ ዚሓስበልናን ዚምድበልናን ኵነታት ነፍስና እንተ ዘይቀቢጽና፡ ህይወት ኢየሱስ ኣባና ኪግለጽ ኣይክእልን እዩ (2ቈረ 4፡10-11)።

ንሓጢኣት ክንስዕሮ እንተዄንና፡ ኣብ ኵሉ ኵነታት ንርእስና፡ "ንሓጢኣት ከም ዝሞትና ክንቆጽራ' ይግብኣና (ሮሜ 6፡11)። "ብመንፈስ ቅዱስ ገይርና ንድሌት ስጋና ክንቀትሎ ይግብኣና"፡ ሽዑ ኢና ናይ ብሓቂ ብህይወት ክንመላለስ እንጅምር (ሮሜ 8፡13)። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ኵሉ ሳዕ ናብ መስቀል ኣቢሉ እዩ ዚመርሓና። ኣምላኽ ናብቲ ምእንታኡ፡ "ምሉእ መዓልቲ ንቕተለሉ" ኵነታት ኣቢሉ እዩ ዚመርሓና (ሮሜ 8፡36)። ስለዚ ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኪትገሃድ "ሞት ኢየሱስ" ኪንቅበል ይግብኣና እዩ (2ቈረ 4፡10-11)።

7. ስጋዊ ርእይቶ ንእንዳ ጕሓፍ ጥራይ እዩ ዚበቅዕ

"በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ እዩ እተቋጽርዎ" (ኢሳ 2፡22)።

ትንፋስ ሰብ ካብ ኣፍንጫኡ ምስ ወጸት፡ ካብቲ ረጊጽናዮ እንኸይድ ሓመድ ዋላ ሓንቲ ዚሕሸሉ ነገር የለን። ስለምንታይ ድኣ ኢና ንርእይቶ ናይ ሰባት ብዙሕ ሚዛን እንህቦ። ርእይቶ ኵሉ ሰብ ጥቕሚ ዘይብሉን ናብ እንዳ ጕሓፍ ኪኣቱ ዚግብኦ ሓሳብ ምዃኑ ኣርጊጽና እንተ ዘይተረዲእና፡ ንጐይታ ከምቲ ዚግባእ ከነገልግሎ ኣይንክእልን ኢና። ዋላ ንሓደ ሰብ ባህ ከነብል ንደሊ እንተ ኴንና፡ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና (ገላ 1፡10)።

ናይ ሰባት ሓሳብት ምስ ናይ ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። ነዚ ሓቂ እዚ ኣጸቢቑ ዚተረድአ ኣገልጋሊ ድማ፡ ኣብ ህይወቱን ኣገልግሎቱን ናይ ኣምላኽ መረጋገጺ ጥራይ እዩ ዝደሊ። ንሰባት ባህ ኬብል፡ ወይ ንርእሱ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ኬጽድቕ፡ ኣይጽዕርን እዩ።

8. ኣምላኽ ነቲ ብዓለም ክቡር ዚበሃል ነገራት ይፍንፍኖ እዩ

"… እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ…" (ሉቃ 16፡15)።

እቶም ኣብዚ ዓለም ዓበይቲ ነገራት ከም ዚዀኑ መሲሎም ዚርኣዩ፡ ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ዋጋ የብሎምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍንፉናት'ውን እዮም። ኵሉ ዓለማዊ ክብሪ ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ፍንፉን ስለ ዚዀነ፡ ንሕና'ውን ኪንፍንፍኖ እዩ ዝግብኣና።

ኣብዛ ምድሪ ኵሉ ሰብ ንገንዘብ ከም ዚበለጸ ነገር ገይሩ እዩ ዚሓስቦ፡ ኣምላኽ ግና ኵሎም እቶም ገንዘብ ዘፍቅሩን ኪህብትሙ ዚደልዩን፡ ጊዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ እዞም ዚስዕቡ 8 ሽግራት (ሳዕቤናት) ከም ዚበጽሖም እዩ ዚነግረና (1ጢሞ 6፡9,10)።

1. ኣብ ፈተና ይኣትዉ፡

2. ኣብ መፈንጠራ ይወድቁ፡

3. ኣብ ናይ ዕሽነት ትምኒት ይወድቁ፡

4. ናብ ጐዳእቲ ትምኒታት ይወድቁ፡

5. ናብ ውድቀት ይኣትዉ፡

6. ናብ ጥፍኣት ይሰጥሙ፡

7. ካብ እምነት ይርሕቑ፡

8. ናብ ርእሶም ድማ ብዙሕ ስቓይ የምጽኡ፡

እዚ ነገር'ዚ ኣብ ኵሉ ስፍራ ንብዙሓት ኣመንቲ ኪበጽሖም ከሎ ንርኢ ኢና። ኢየሱስ ነቶም ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ዘይኰኑ፡ ሓደ ካብቲ ሓቀኛ ሃብቲ ዝዀነ ውህበት ትንቢት ከም ዘይወሃቦም እዩ ገሊጹልና (ሉቃ 16፡11)። ሎሚ ኣብ ምድርና እግዚኣብሄር ትንቢታዊ ቃል ዘይህበና ዘሎ ምኽንያት መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ንገንዘብ ስለ ዜፍቅሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ድማ ኢዩ ክኸውን ዚኽእል ኣብ ብዙሕ ጕባኤታት ኣሰልቻዊ ዚዀነ ስብከታትን ምስክርነታትን ንሰምዕ ዘሎና።

9. ንነፍስና ብዘይካ ባዕልና ካልእ ዚጐድኣ የለን

"ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዓትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዝገብረኩም፧" (1ጴጥ 3፡13)።

ኣምላኽ ኣዝዩ ሓያልን ኪኢላን ስለ ዚዀነ፡ ነቶም ዘፍቅርዎን ከም ምኽሩ ዚተጸውዑን ኵሉ ንሰናይ ኪልውጠሎም ይኽእል እዩ (ሮሜ 8፡28)። እዚኣቶም እቶም ኣብ ህይወቶም ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ዚዀነ ድላይ ዘይብሎም ሰባት እዮም። ዝዀነ ስሱዕ ባህርይ ዘለዎ ኣማኒ ግና፡ እዚ ቃል ተስፋ'ዚ ኣይምልከቶን እዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምልኣት እንተ ተቐቢልናዮ፡ እዚ ተስፋ'ዚ ኣብ ኵሉ ናብራና ንኣና ምዃኑ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ዝዀነ ኪጐድኣና ዚኽእል ነገር የለን።

ኵሉ እቲ ካልኦት ኣብ ልዕሌና ዚፍጽምዎ፡ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፡ ብመንጽር ሮሜ 8፡28 ሓሊፉ ንጽቡቕና ከም ዚልወጥ፡ ብእኡ ድማ በብቍሩብ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ከም ዚልውጠና ክንርዳእ ይግብኣና (ሮሜ 8፡29)። እዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ዚሓስበልና ሰናይ ሓሳብ እዩ። ነቶም ኣብዚ ጥቕሲ'ዚ ንዘሎ ቅድመ ኵነታት ዜማልኡ፡ እዚ ጥቕሲ እዚ ኵሉ ሳዕ እዩ ዚሰርሓሎም።

ብተወሳኺ፡ 1ጴጥ 3፡13፡ "ንሰናይ ንጽዕት እንተ ዀይንና" ዚዀነ ዚጐድኣና ከም ዘየለ እዩ ዚነግረና። ብዙሕ ዘይምስትውዓል ግዲ ኰይኑ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ከም ሮሜ 8፡28 ብዙሕ ኣይትፍለጥን እያ። ሕጂ ግና ነዛ ጥቕሲ እዚኣውን ከነስተማቕራን ኪንጥቀመላን ንኽእል ኢና። እዚ ተስፋ'ዚ ግን ነቶም ልቦም ምስ ኵሉ ሰብ ንጹህ ዚዀነን፡ ናይ ካልኦት ሰባት ሰናይ ዚደልዩን እዩ ዚሰርሓሎም። ነዞም ከምዚ ዚበሉ ኣመንቲ፡ ሰባት ዋላ ርኹሳት መናፍስቲውን እንተ ዀኑ ፈጺሞም ኪጐድእዎም ኣይክእሉን እዮም።

ስለዚ ዝዀነ ሰብ፡ ካልኦት ከም ዚጐድእዎ ገይሩ እንተ ተዛሪቡ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ንሱ ንኣምላኽ ፍቕሪ ከም ዜይብሉ፡ ከም ምኽሪ ኣምላኽ ከም ዘይተጸውዐን ንኻልኦት ንሰናይ ከም ዘይጽዕትን እዩ ዚገልጽ ዘሎ። እዚ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ካልኦት ዚገበርዎ ኵሉ ንሰናይ ምዀነ ነይሩ፡ ስለዚ ድማ ዚዀነ ምዕዝምዛም ኣይመስመዐን ነይሩ ማለት እዩ። ብቕንዕና ንምዝራብ፡ በቲ ዘሎና ዘይምእማንን፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዘሎና ጽቡቕ ዘይኰነ ኣጠማምታን ኢና ንርእስና ንጐድኣ።

ሕጂ ኣነ ዳርጋ ወዲ 60 ዓመት እየ ዘሎኹ፡ ኣብ ኵሉ ናይ ህይወት ዘመነይ ድማ ዝዀነ ሰብ ክጐድኣኒ ኣይክኣለን። ብዙሓት ኪጐድኡኒ ኢሎም ፈቲኖም እዮም፡ እንተዀነ ኵሉ እቲ ዚገበርዎ ንህይወተይን ንኣገልግሎተይን ዘጸብቕ ዀይኑ እዩ ተቐይሩ (ተሪፉ)። ስለዚ ብምኽንያት እዞም ሰባት እዚኣቶም ከይተረፈ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እኽእል እየ። መብዛሕትኦም እቶም ዚተቓወሙኒ ድማ፡ እቶም ንመገድታት እግዚኣብሄር ዘይርድኡ፡ "ኣመንቲ" እዮም። ነዚ ምስክርነት እዚ ዝምስክሮ ዘሎኹ፡ ንዓኻ ምእንቲ ከተባብዓካን፡ እዚ ድማ ኵሉ ሳዕ ናትካ ምስክርነት ኪኸውን ከም ዚኽእል ምእንቲ ክነግረካን ኢለ እየ።

10. ኣምላኽ ንነፍሲ-ወከፍና ዚኸውን ፍጹም ዕላማ ኣለዎ

"ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቀደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢና" (ኤፌ 2፡10)።

ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት፡ ኣምላኽ ብክርስቶስ ምስ ሓረየና፡ ኣብዚ ምድሪ'ዚ ክንገብሮ ንዘሎና ነገራትውን መዲቡልና እዩ። ሕጂ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና፡ ነንመዓልቱ ነዚ መደብ እዚ ብምፍላጥ ምትግባሩ እዩ። ካብ ናይ ኣምላኽ ዚበልጽ ካልእ መደብ ክንገብር ኣይንክእልን ኢና።

ኣምላኽ ንዅሎም ደቁ ዘለዎ መደብ ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ ካልኦት ንዚገበርዎ ክንደግሞ ኣይግባእን እዩ። ንኣብነት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዮሴፍ ዚነበሮ ዕላማ (መደብ) እንተ ርኢና፡ ዮሴፍ ናብ ቤተ መንግስቲ ግብጺ ኪኣቱ ኣብኡ ድማ ን80 ዓመታት ብምቾት ኪነብር እዩ ነይሩ። ንሙሴ ዚነበሮ መደብ እንተ ርኢና ግና፡ ንግብጺ ሓዲጉ ን80 ዓመታት ኣብ በረኻ ጽንኩር ናብራ ኬሕልፍ እዩ ነይሩ። ሙሴ ብምቾትን ጥዑም ናብራን ተደሪኹ ከም ናይ ዮሴፍ ህይወት ኪነብር እንተ ዚጽዕር፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዚነበሮ ፍቓድ ኣይምረኸቦን ነይሩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ ሎሚ ኣምላኽ ንሓደ ኣማኒ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ኣሜሪካ ብምቾት ኪቅመጥ፡ እቲ ሓደ ድማ ምሉእ ዕድሚኡ ምስ ንፋስን ጸሓይን እናተቃለሰ ኣብ ሕማቕ ቦታ ኪቕመጥ ኪፈቅድ ይኽእል እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ዕላማ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወቱ ኣርጊጹ ኪፈልጥ ኣለዎ እምበር፡ ናብራኡ ምስ ናይ ካልኦት ኣመንቲ ብምውድዳር ኪቐንእን ኪነቅፍን ኣይግባእን እዩ። እዚ እኳ እንተዀነ እቲ ሓቂ፡ ናይ ርእስና ክብሪ፡ ወይ ገንዘብ፡ ወይ ምቾት፡ ወይውን ንሰባት ባህ ከነብል ንደሊ እንተ ዄይንና ንፍቓድ ኣምላኽ ፈጺምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና።

ንስኻ ኣብ ሃገርካ (ኤርትራ) ከተገልግል ከም ዝተጸዋዕካ ትኣምን እንተ ዄይንካ፡ ንኻልኦት ከምዚ ናትካ ስለምንታይ ኣብ ሃገሮም (ኤርትራ) ዘየገልግሉ ክትብል የብልካን።

11. ምስጢር መንፈሳዊ ብርታዐ ንእግዚኣብሄር ኣጸቢቕካ ምፍላጥ እዩ

"… እቲ ንኣምላኹ ዝፈልጥ ህዝቢ ግና ኪብርትዕን ኪገብርን እዩ" (ዳን 11፡32)።

ኣምላኽ ብኻልእ ሰብ ኣቢልና ብተዘዋዋሪ ኪንፈልጦ ኣይደልን እዩ። ዋላ እቲ ንእሽቶ ኣማኒ ብግሉ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጦ እዩ ዚግባእ (እብ 8፡11)። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ንኣምላኽን ንወዱ ኢየሱስን ምፍላጥ ምዃኑ እዩ ዚምህረና (ዮሃ 17፡3)። ኣብ ህይወት ጳውሎስ እቲ ዚዓበየ ባህጊ እዚ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ህይወትና'ውን ከምኡ ክኸውን ይግባእ (ፊሊ 3፡10)።

እቲ ንኣምላኽ ብቐረባ ኪፈልጦ ዚደሊ፡ ኵሉ ሳዕ ነቲ ንሱ ዚብሎ ኪሰምዕ ይግባእ። ሰብ ብመንፈስ ብህይወት ኪነብር እንተ ዀይኑ፡ በቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዚወጽእ ኵሉ ቃል ጥራይ ምዃኑ ኢየሱስ ተዛሪቡ እዩ (ማቴ 4፡4)። ኣብ እግሩ ተደፊእካ ንዕኡ ምስማዕ'ውን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ (ሉቃ 10፡42)።

ከምቲ ኢየሱስ ኵሉ መዓልቲ ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ምሉእ መዓልቲ ድምጺ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ናይ ምስማዕ ልምዲ ዚነበሮ (ኢሳ 50፡4)፡ ንሕናውን ከምኡ ኣብ ጊዜ ድቃስና ከይተረፈ ናይ ምስማዕ ልምዲ ምስ እንለማመድ፡ ለይቲ ካብ ድቃስና ክንትንስእ ከሎና፡ 'ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ፡ ጐይታ፡ ተዛረብ።' (1ሳሙ 3፡10) ክንብሎ ንኽእል ኢና።

ንኣምላኽ ምፍላጥ ኣብ ኵሉ ኵነታት ሰዓርቲ እዩ ዝገብረና፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዝገጥመና ኵሉ ጸገም መፍትሒ ስለ ዘለዎ። ንሕና ብግቡእ እንተ ሰሚዕናዮ ድማ፡ ንሽግርና ዚኸውን መፍትሒ ይነግረና እዩ።

12. ሓድሽ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ኣጸቢቑ ይበልጽ

"ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሓይሽ ተስፋ እተሰረተ ዚበልጽ ኪዳን'ውን ከም ዚዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዚበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ' (እብ 8፡6)።

ብዙሓት ክርስቲያናት ኣብ መንጎ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን መሰረታዊ ፍልልይ ከም ዘሎ ዚፈልጡ ኣይመስለንን (እብ 8፡8-12)። ከምቲ ኢየሱስ ካብ ሙሴ ዚበልጽ፡ ከምኡ ድማ ሓድሽ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ይበልጽ እዩ (2ቈረ 3፤ እብ 3)።

ብሉይ ኪዳን ንሰባት ብመቕጻዕቲ ብምፍርራሕን፡ ብመብጽዓታት ብምትብባዕን ንደጋዊ ህይወት ጥራይ እዩ ዜንጽህ ነይሩ። ሓድሽ ኪዳን ግና ካብ ውሽጥና ክንልወጥ እዩ ዚረድኣና። እዚ ድማ ብምፍርራህን ብመብጽዓታትን ዘይኰነስ፡ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህበና ፍጹም ንጹህ ዚዀነ ናይ ክርስቶስ ባህርይ እዩ ዚፍጸም።

ኣብ መንጎ ሓንቲ ብሰንሰለት ተኣሲራ ካብ ርስሓት እትድሕን ሓሰማን (እዚ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከሎኻ መቕጻዕቲ ፈሪሕካ ካብ ሓጢኣት ክትሕሎ ምጽዓር ማለት እዩ)፡ እታ ባህርያታ ስለ ዚዀነ ንርእሳ ኵሉ ሳዕ ካብ ረሰሓት እትሕሉ ድሙን ዓቢ ፍልልይ እዩ ዘሎ። እዚ ኣብነት'ዚ ኣብ መንጎ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ዘሎ ፍልልይ ኪገልጸልና ይክእል እዩ።

13. ብሰባት ክንነዓቕን ክንስጐግን ኢና ተጸዊዕና

"ግናኸ እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዝደልዩ ኵሎም ኪስጐጉ እዮም" (2ጢሞ 3፡12)።

ኢየሱስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዓለም ጸበባ ከም ዘለዎም እዩ ነጊርዎም (ዮሃ 16፡33)። ናብ ኣቦ ኪጽሊ ከሎ ድማ፡ ካብ ዓለም ኪወጹ ዘይኰነስ፡ ካብ ክፉእ ኪሕልዎም ኢሉ እዩ ጸልዩሎም (ዮሃ 17፡15)። ሃዋርያት'ውን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ክንኣቱ ከም ዝግብኣና እዮም ምሂሮምና (ግብ 14፡23)።

እየሱስ፡ ንበዓል ቤት፡ ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎስ ንስድራ ቤቱ ግዳ ክንደይ ብዙሕ ዘይብልዎም ብማለት እዩ ነጊሩና (ማቴ 10፡25)። በዚ ድማ ኢና እሙናት ኣባላት ናይታ ስድራ ቤት ምዃንና እንፈልጥ። ንኣና ካልኦት "ኣመንቲ"፡ "ሰይጣን"፡ "ወዲ ብልያል"፡ "ክፉእ መንፈስ"፡ "ጸረ ክርስቶስ"፡ "መታለሊ"፡ "ግብረ ሽበራዊ"፡ "ቀታል ነፍሲ'፡ ብምባል ኪጽውዑና ጸኒሖምን ኣለ'ን። በዚ ናይ ኢየሱስ ምዃንና ስለ እንፈልጥ ኣዚና ክንሕጐስ ይግብኣና። ዅሎም እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ከምዚ ዓይነት ውርደት ኪበጽሖም ናይ ግድን እዩ።

ኢየሱስ፡ ነቢይ "ኣብ ዓዱ" ከም ዘይከብር ተዛሪቡ እዩ (ማር 6፡4)። ኢየሱስ ባዕሉ እኳ ብኣሕዋቱን ብስድራ ቤቱን ተነጺጉ እዩ። ሎሚ'ውን እቶም ናይ ብሓቂ ናይ እግዚኣብሄር ነቢያት ብስድራ ቤቶም ይሓስሩን ይስጐጉን እዮም ዘለዉ። ብተመሳሳሊ እቶም ናይ ብሓቂ ሃዋርያት ዚዀኑ፡ "ከም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኵላቶም ጐድፍን" ኰይኖም እዮም ዚመላለሱ ዘለዉ። ስቃይን ስደትን ኵሉ ሳዕ ብጽሒት ናይቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ ዘሎ።

ብዙሓት ኣመንቲ ቅድሚ እቲ "ዓብዪ መከራ" ቤተ ክርስትያን ኪትንጠቕ እያ ዚብል ትምህርቲ ኪሰምዑ ባህ እዩ ዚብሎም። እቲ ምኽንያት ድማ እዚ ንኽትሰምዖ ንስጋኻ ባህ ዘብል ስለ ዝዀነ እዩ። ኢየሱስ ኣብ ማቴዎስ 24፡29-31 ከም ዘነጸሮ ግና፡ ንሱ ድሕሪ እቲ ዓቢዪ መከራ ነቶም ሕሩያቱ ኪወስድ ከምዚመጽእ እዩ ተዛሪቡ ዘሎ።ኣብ ቃል ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዓቢዪ መከራ ብምንጣቕ ክትድሕን እያ ኢሉ ዚምህር ዋላ ሓደ ጥቅሲ የለን። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ መፋርቕ 1800 ዓመት ብሓደ ሰብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እዩ ተማሂዙ። ኣብ ሃገርና ንዘላ ቤተ ክርስትያን ግና ንስደት ከነዳልዋ እዩ ዚግብኣና።

14. ንዅሎም እቶም ኣምላኽ ዚተቐበሎም ክንቅበሎም ይግብኣና

"ሕጂ ግና ኣምላኽ ንሱ፡ ከም ዚደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ… ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ከይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ክብሪ ዚጐደሎ ኣካል ዚበዝሐ ክብሪ እናሀበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ" (1ቈረ 12፡18,25)።

ኣምላኽ፡ ኣብ ዚተፈላለየ ጊዜን ቦታን ነቲ ሓቀኛ ስሙ (መንነቱ) ዚምስክሩ ሰባት ኣተንሲኡ እዩ። እዞም ናይ ኣምላኽ ሰባት እዚኦም ምስ ሞቱ ግና፡ እቶም ሰዓብቶም ነቲ ሕብረት ናይ ብሕቶም ሃይማኖታዊ ጉጅለ ብምቕያር ሃይማኖታዊ መምርሒታት ጥራይ ሒዙ ከም ዝተርፍ ገይሮሞ። ስጋ ክርስቶስ ግና ካብ ዚዀነ ዓይነት ጉጅለ ዚዓበየ እዩ። ነዚ ድማ ፈጺምና ክንርስዖ ኣይግብኣናን እዩ። ሎሚ መርዓት ክርስቶስ ኣብ ብዙሓት ዚተፈላለዩ ጉጅለታት እያ ትርከብ ዘላ።

ስለዚ፡ ዋላ እኳ ምስ ብዙሓት ኣመንቲ ብምኽንያት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ናይ ኣተረጓጕማ ፍልልይ ብሓደ ክንሰርሕ እንተ ዘይከኣልና፡ ምስቶም እግዚኣብሄር ዚተቐበሎም ኣመንቲ ግና ሕብረት ክንገብር ክንጽዕት ይግብኣና እዩ።

15. ንዅሉ ሰብ ከነኽብር ይግብኣና

"ብእኡ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኡ ጌርና'ውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ እዚ ከምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ" (ያእ 3፡9-10)።

ንዚዀነ ሰብ ዘነኣእስ ዘረባ ይኹን ተግባር ፈጺሙ ካብ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይኽእልን እዩ። እዚ ካብቲ ኵሉ ሳዕ ንሰባት ኬሕስርን ኬዋርድን ዚደሊ ሰይጣን ጥራይ እዩ ኪመጽእ ዚኽእል።

ንኣንስትና፡ ንደቅና፡ ካባና ንዝንእሱ፡ ንለመንቲ (ንድኻታት)፡ ንጸላእትናን ንኻልኦት ዚዀኑ ዓይነት ደረጃ መነባብሮን ተመኵሮን ዘለዎም ሰባትን "ብዓቕልን ብፍርሃትን" ክንዛረቦም ኢና ተኣዚዝና (1ጴጥ 3፡15)። ንኣብነት ንሓደ ኣዚዩ ብመነባብሮ ዚተሸገረ ሓው ክንሕግዞ እንተ ዄንና፡ ነቲ ሰብኣዊ መሰሉ ክንነፍጐ ኣይግብኣናን እዩ። ከም ሓው ድኣ እምበር፡ ከም ጐይትኡ ክንከውን ኣይግባእን እዩ።

16. ገንዘብ ከም ዜድልየና ንኣምላኽ ጥራይ ኢና ክንነግሮ ዚግብኣና

"ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ" (ፊሊ 4፡19)።

እቶም ብምሉእ ግዚኦም ንኣምላኽ ዜገልግሉ፡ ብዛዕባ እቲ ዜድልዮም መጠን ገንዘብ ኣምላኽ ኪመልኣሎም ኪኣምንዎን፡ ገንዘብ ከም ዘድልዮም ድማ ንእኡ ጥራይ ኪነግሩ ይግባእ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ካልኦት ደቁ ምእንቲ ኪረድእዎም ብምትንሳእ ድሌቶም ኪምልኣሎም ይኽእል እዩ። ከምዚ ሎሚ ብዙሓት፡ "ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎኒ" እናበሉ፡ "ንኻልኦት

ሰባት ዜድልዮም ነገራት ኪህብዎም ዚእንፍቱ'፡ ከምኡ ኪገብሩ ኣይግባእን እዩ።

"ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ፡ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዕሎም ኣሎ" (1ቈረ 9፡14)። ስለዚ እቶም ብምሉእ ጊዜኦም ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ካብ ካልኦት ኣመንቲ ውህበት ኪቕበሉ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና ፈጺሞም ካብ ሰባት ደመወዝ ኪቕበሉ ኣይግባእን እዩ። ኣብ መንጎ ደመወዝን ውህበትን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ። ውህበት ትጽበዮ ነገር ኣይኰነን፡ ደመወዝ ግና እትጽበዮ እዩ። ሎሚ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያንን ትካላትን ንድሕሪት ዚምለሳ ዘለዋ በዚ ምኽንያት እዚ እየን። ስለዚ ድማ ንውልቃዊ ጥቕምና ይኹን ንቤተ ሰብና፡ ካብቶም ካባና ንላዕሊ (ዚሽገሩ) ዚደኽዩ ኣሕዋት ዚዀነ ውህበት ክንቅበል ኣይግብኣናን እዩ። ካብ ከምዚኣቶም ዚበሉ ሰባት ውህበት እንተ ተቐቢልና ግና፡ ወይ ንኻልኦት ካብኦም ዚደኸዩ ሰባት ክንህቦ ኣሎና፡ ወይ ድማ እቲ ገንዘብ ንዕዮ ኣምላኽ ሞባእ ከነወፍዮ ኣሎና።

ነቶም ምሉእ ጊዜኦም ንእግዚኣብሄር ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ኪጠቅም ዚኽእል 'ዓሰርተ መምርሒታት' ብዛዕባ ገንዘብ ስዒቡ ተዘርዚሩ ኣሎ፡-

1. ገንዘብ ትደሊ ከም ዘለኻ ብዘይካ ንኣምላኽ ንዚዀነ ሰብ ኣይትንገር (ፊሊ 4፡19)፡

2. ካብ ዘይኣመንቲ ገንዘብ ፈጺምካ ኣይትቀበል (3ዮሃ 7)፡

3. ካብ ዝዀነ ሰብ፡ ዝዀነ ህያብ ኣይትጸበ (መዝ 62፡5)፡

4. ዝዀነ ሰብ ገንዘብ ብምሃብ ንዓኻ ወይ ንኣገልግሎትካ ኪጸሉ ኣይተፍቅድ፡

5. ካብቶም ንስኻ ዘይተገልግሎም ኣመንቲ ገንዘብ ኣይትቀበል፡

6. ካባኻ ንላዕሊ ካብ ዚደኪ ሰብ፡ ንውልቅኻ ይኹን ንስድራ-ቤትካ ኢልካ ገንዘብ ኣይትቀበል፡

7. ቍጠባዊ ድሌታትካ ንምምላእ ኣብ ዝዀነ ሰብ ፈጺምካ ኣይትወከል፡

8. ካልኦት ሰባት ናይ ኣምላኽ ገንዘብ የባኽኖ ኣሎ ኢሎም ምእንቲ ከይዕንቀፉኻ፡ ነቲ ገንዘብ ጽቡቕ ገይርካ ሓዞ (2ቈረ

8፡20,21)፡

9. ገንዘብ ክትቅበል ከሎኻ ኣይትተሓጐስ (ኣይትደነቕ)፡

10. ገንዘብ ክጠፍኣካ ከሎ ኣይትጨነቕ፡

መደምደምታ

እዞም ሓቅታት እዚኣቶም ከተባብዑና ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓራውን ኬውጽኡና ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ብጐይታ ዘሎካ ህይወትን ኣገልግሎትን ኣዚኻ እትግደስን እትጥንቀቕን እንተ ዄይንካ፡ ነዞም ሓቅታት እዚኦም ኣብ ህይወትካ ብዕቱብ ክትጥቀመሎም ክትጽዕት ይግብኣካ።