ምስጢራት ዓወት

Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples Seeker
    Download Formats:

Chapter 1
ቀጻሊ ዕዉት ህይወት

ፍቓድ ኣምላኽ ንህይወትና ቀጻሊ ዓወት እዩ።እዚ ብንጹር ኣብ ብዙሕ ቦታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ ፥ገለ ሒደት ኣብ ግምት ይእትው ~



"ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ" (2 ቆሮ 3;14)።



"በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና " (ሮሜ 8:39)።



"ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ…" (1 ዮው 2:1)።



ዋላ እኳ እዝን ካልእን ጽሑፍ ቃል ኣምላኽ እንተ ሃለወ ፥ገና ግን ኣጸጋሚ ዕማም እዩ ንቡዙሓት ኣመንቲ እግዚኣብሄር ዕውት ህይወት ክነብሩ ከም ዝደሊ ክትእምኖም።



መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ተጻሒፉ ዘሎ እንተ ወሲድናዮ ብቐሊሉ እንተ ኣሚናዮ ፥ከም ህጻናት፥ ሻቡ እዚ መልእኽቲ ካብ መጀመሪያ ክሳብ መወዳእታ ናባና ብንጹር ክመጽእ እዩ።



ኮይኑ ግን ኣብ ምኽንያትና ርኢቶና ንምርኮስ እንተ ኾይና ብዙሓት ዝእመኑ ሞጎተ ስለ ምንታይ ከምዚ ዓይነት ህይወት ኣብዚ እኩይ ዓለም ምንባር ከም ዘይክኣል ኮይኑ ክንረኽቦ ኢና።ብዙሓት ዘይኣምኑ "ኣመንቲ " ሽዑ ንምስክርነቶም ክውስኽሉ እዮም እንታይ ናትና ሓሳብ ዝነግረና ። ሽዑ ንገዛእ ርእስና ክንእምና ኢና ዕውት ህይወት ኣብዛ ዓለም ምንባር ከም ዘይክኣል።



መጀመሪያ ቅድሚ ኩሉ እግዚኣብሄር ዕውት ህይወት ክነብር ከም ዚደሌና ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት እንተ ዘይኮይና ንኸምዚ ዓይነት ህይወት ፍጹም እምነት ክህልዎና ዘይክኣል እዩ።ኩሉ ነገር ኣብ ክርስትና ህይወት ሙሉ ብሙሉእ ኣብ እምነት እዩ ዝምርኮስ። ከምእ'ውን እምነት ኣብ ምግላጽ እቲ ዝሃበና ቃል እዩ ዝምርኮስ።



ዋላ እኳ ንቡዙሕ ዓመታት ዝተስዓረ ህይወት እንተ ተመላለስካ ፥ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ኣይመጽን እዩ ።እዚ ሓቂ ቀጻሊ ዕውት ህይወት ብንጹር ኣብ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ክትሪኢ እንተ ኺእልካ፥እቲ ናይ መጀመሪይ ስጉምቲ ናብ ዕውት ህይወት ክኸውን ይእኽእል እዩ።




Chapter 2
እቲ ፍጹም ኣድላይነት እምነት

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1ዮውሃንስ 2=6 ከምዚ ይብል"እቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እነብር አሎኹ ዚብል፥ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፥ንሱ'ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ" ።



ከመይ ኢሉ እዩ የሱስ ዝተመላለሰ ? ብዓወት ገለ እዋን ድዩ ወይ ዝበዝሔ ግዜ ወይ ኩሉ ግዜ ? እቲ መልሲ ንፈልጦ ኢና።ንሱ ኣብ ኩሉ ነጥቢ ከማና ተፈቲኑ እዩ ኮይኑ ግን ንሱ ሓጥያት ኣይሰርሔን።



"ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ " (እብ 4=14)።



እምብኣር ሕጂ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሶ ዋላ ክንመላለስ እዚ ዝክኣል ድዩ ኣብዛ ምድሪ ? እግዚኣብሄር ክነግረና ይኽእልዶ ሓደ ነገር ክንገብሮ ዘይንኽእል ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ? ኣይፋሉን። እዚ ዘይሕሰብ እዩ።ዋላ ናይ ምድሪ ኣቦታት ሚሒር ክኸውን ዘይክእል ጠለባት ኣብ ልዕሊ ደቆም ኣይገብሩን እዮም።እግዚኣብሄር ግዳ ክንደይ።



ገለ ዝሕዝን ቃላት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጻሒፉ ዘሎ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 13=5-8 ንረኽቦ "ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን" ።



እቲ ተጓዳኒ ሕጥቦ ጽሑፍ ኣብ ማርቆስ 6=5 ተገሊጹ ዘሎ እዩ "ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኺገብር ኣይኰነሉን"።



ንሱ ዓበይቲ ነገራት ንህዝቡ ኣብ ናይ ገዝኡ ዘለዎ ከተማ ክገብር ደሊዩ ነይሩ። ንሶም'ውን ንቶም ትኣምራታት ደሊዮም ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግን ንሱ ብዘይምእማኖም ተደሪቱ።



ዘይምእማን ናይቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ይእዳው ይኣስር እዩ፥በዚ ኽኣ እቲ ንሱ ክገብረልና ዝደለዮ ንዓና ክገብረልና ኣይክእልን እዩ።



እግዚኣብሄር ትኣምራታት ክገብረልካ ዝደለዮ ግን ንሱ ክገብሮ ዘይክኣለ ይህሉዶ ! ብምኽንያት ዘይምእማንካ። ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ካባና ዝኾነ ሰብ እዞም ቃላት ዝሰምዖም ይህሉዶ ይኸውን " ኣነ ንዓኻ ዝደለኽዎ ብኣኻ፥ውን ክዓዮ ዝደሊ ኩሉ ክገብር ኣይክኣልኩን ብምኽንያት ዘይምእማንካ ? እንታይ ዓይነት ጥዓሳ ኣብ ልብና ክኸውን እዩ እዚ እንተ ድኣ ረኽብናዮ ኣብቲ መወዳኣታ ምድራዊ ህይወትና ! ስለዚ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ምሕሳብ ጽብቕ እዩ።



ከም ዳግም ዝተወለድኩ ናይ መጀመሪያ ግዝያት ዓመታት ዝሕለፍክዎ ኣብ ሞንጎ ዝተጠርነፉ ጉጁለ ቀንዲ ዘተኩሩሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ ኣነ ብሓደ ወገን ስለዚ ንእግዚኣብሄር የመስጉኖ እየ መሰረታዊ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ክህልዎኒ ኣኽኢሉኒ እዩ።ኮይኑ ግን መጽናዕቶም መብዛሕትኡ ናይ ሰብ ኣስተምኽንዮ ብዘይ ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ እዩ ነይሩ።ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸኒዕናዮ ልክዕ ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬምስትሪ ከም ዘጽንዕዎ። ትርጉም ናይ ብሉይ ኪዳን ዓይነታት ረኺብና ወ.ዘ.ተ። ኮይኑ ግን ገና ኣብ ህይወትና ብሓጥያት ዝተስዓርና ነይርና።እግዚኣብሄር ይቕረ ከም ዝበለለይ ይፈልጥ እየ። እንተ ኾነ ንዝኾነ ብዙሕ እምነት ኣይነበረንን።



እቲ ሓቂ ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምስ ርኣኽዎን ንዕኡ ኽኣ እግዚኣብሄር ምስ ደለኹ ፥በቃ ክእመን ከም ዘይክእል ኮይኑ ረኺበዮ። ንዕኡ ጾም ወሲደን ጸሌን ዝኾነ ዋጋ ክኸፍልውን ፍቓደኛ ነይረ፥ ኮይኑ ግን እግዚኣብሄር ሕቶይ ሰሚዑ መሊሱለይን ነዚ ክኣምን ኣዚዩ ከቢድ ኮይኑ ረኺበዮ ።ክንጽሊ ከለና ነቲ ዝሓተትናዮ ድሮ ከም ዝረኸብናዮ ክንኣምን ከም ዘለና የሱስ ሚሂሩ እዩ።



"ስለ ፥እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪኸነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ" (ማር 11=24)።



ኣብዛ ተጠቒሳ ዘላ ቃል ናብ ናይ ቆልዓ እምነት ክመጽእ ዓመታት ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲድለይ።ኣብ መወዳእታ ብጸጋ ኣምላኽ ጢሒሰ ክሓልፍ እግዚኣብሄር ጸሎተይ ሰሚዑ ከም ዝመለሰለይ ክኣምን ኪኢለ ።ብእምነት ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቐ ። ዘይተጸበኽዎ ውህበት ልሳን ክኣ ሲዒቡ ሽዑ እዩ ኽኣ ብእምነት ድሮ ከም ዝተቐበልክዎ ጥራይ መረጋገጺ ኮይንኒ ።



ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ እቲ ንዓመታት ዝተቓለስክዎ ዓንቂጹኒ ዝነበረ ብንጹር "ዘይምእማን" ሙኳኑ ክሪኢ ኪኢለ።



ከምዚ ሓደ ዓይነት መምርሒ ኣብ ምዓላ ብምውዓል የድሊ ናብ ህይወት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት። ክንጸውም ክንጽልን ክንጸምእን ገና ፍጹም ናብ ወላ ሓደ ኣይበጻሕናን ፥ ክሳብ ኣምላኽ ናብ ከምዚ ዓይነት ህይወት ክመርሕ ይፈቅድን ይኽእልን ሙኳኑ ክሳብ እንኣምን። ሰይጣን ይፈልጥ እዩ ዝኾነ ነገር ከም ዘይንረክብ ብዘይካ ብእምነት ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ።ስለዚ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ ከመይ ንሱ ልብኻ ብዘይምእማን ክመልኦ ከም ዝፍትን።ዘይምእማን ኣዚዩ ዓቢ ሓደገኛ እዩ ካብ ሓሶት ወይ ዝሙት ንላዕሊ ፥ምኽንያቱ እዚኦም ዳሕራይ ብቐሊሉ ሓጥያት ሙኳኖም ክትፈልጦም ብኣንጻሩ ዘይምእማን ግን ከምኡ ኣይኮነን።



"ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ" ( እብራውያን 3=12-13)።



እኩይ ልቢ ናይ ዘይምእማን ካብ እግዚኣብሄር ከም እንርሕቕ ክገብረና ይኽእል እዩ። ዘይምእማን ሱር ኩሉ ካልእ ሓጥያታት እዩ ብኸምዚ ስዒቡ ዘሎ ምዕራፍ እንሪኦ።



ሮሜ 6=13 ከም ዝገልጾ " ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ"።



ኣብዚ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዩ ብሩህ ገይሩ ይነግረን እንተ ድኣ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ኮይን ሓጥያት ከም ዘይመልከና።እዚ ኣዚዩ ብሩህ ኮይኑ ተጻሒፉ ዘሎ ዋላ ቆልዓ ነዚ ክርድኦ ይኽእል እዩ።ከምዚ ከሎ ግን ብዙሓት ኣመንቲ ገና ኣብ ተኽእሎታት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ዓወት ዘለዎ ህይወት ምንባር ኣይኣምኑን እዮም።



እግዚኣብሄር ብዓወት ክትነብር እዩ ዝደሌካ ።ማዕረ ክንደይ ናይ ሓሳብ ህይወትካ ረሳሕ ሙኳኑ ብዘይገድስ ወይ ንኽንደይ ግዜ ዝኸውን ብቑጥዔ ከም ዝተስዓርካ ። ጎይት ሙሉእ ብሙሉእ ነጻ ከውጻኣካ ንጹህ ልቢ ክህበካን ይኽእል እዩ።ኮይኑ ግን ክሳብ እትኣምን ንዓኻ ክገብረልካ ኣይክእልን እዩ።



መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ብልብና እንኣምኖ ብኣፍና ክንእመኖ ከም ዘለና ይዛረብ " ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ" (ሮሜ 10=10)።



እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ መምርሒ እዩ ምኽንያቱ ብምእማን ኣፍና ኢና ንእምነትና መግሊጺ እንህቦ።እዚ ብተርኡ ኽኣ ናብ ምንጋፍ ካብ ሓይሊ ሓጥያት ይመርሓና።ግዳ ስለዚ ቃላት ምስክርነትና ንሰይጣን ክንዛረብ ኣሎና ከምዚ ብምባል "ንእግዚኣብሄር ይእመኖ እየ ናብ ህይወት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ከም ዝመርሓኒ"



"ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን" (ራኢ12=11)።



እዚ ምእማን ቀጽሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ዝወደቕካሉ ክሳብ ዓወት ኣብ ህይወትካ ክውን ዝኸውን።ኣብ ሓደ ለይቲ እንተ ዘይመጺኡ ተስፋ ኣይትቑረጽ። እግዚኣብሄር ምእማን ናይ ኣፍካ ብርግጽ ከኽብሮ እዩ። ንስኻ'ውን ንሰይጣን ክትስዕሮ ትኽእል ኢኻ።


Chapter 3
ቃል ኣምላኽ ብዕቱብ ምውሳድ

ብዙሓት አመንቲ ንቃል ኣምላኽ አቕሊሎም ይወስድዎ እዮም። እዚ ድማ ሕማቕ ልምዲ እዩ ንአብነት ንውሰድ ቃላት ጎይታና የሱስ ~



"ኣነ ግና ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም እብለኩም አሎኹ" (ማቴ 12=36-37 )።



መብዛሕትኦም አመንቲ ነፍስ ወከፍ ዝዛረብዎ ቃላት ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ብምዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ከም ዝህብሉ አይኣምኑን እዮም።እዚ ግን ብምዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ከም እንህበሉ ምሰ አስተውዓልናዮ ኩሉ ንሰብ ምሕማይ ፥ላግጺ፥ርኹስ ዘረባ፥ ቁጥዔ ካብ ህይወትና ክውገድ እዩ። ኩሎም እቶም ንዞም ቃላት ጎይታ የሱስ ብዕቱብ ዝወስድዎ ዝእዘዝዎን መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምቑራጽ ዘይጠቅም ዘረባ ዘበል ካብ ነፍሲ ወከፍ ዘረብኦም ክኽእሉ እዮም።



ጎይታና የሱስ ኣብዚ ብቃላትና ከም እንጸድቕ ተዛሪቡ ኣሎ ኩሉና'ዉን ጽድቂ ብእምነት ሙኳኑ ንፈልጥ ኢና።ኮይኑ ግን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ፥ስለዚ እምነትና ንቃላት ዘረባና ከንጽሆ እንተ ዘይኪኢሉ እምነትና ምውቲ እምነት እያ ማለት እዩ።



እስከ ንሕሰብ ኩሉ ቃላት እተዛረብናዮ ዝጽሓፍናዮ አብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ገዛና ኣብ ቤት ጽሕፈትን፥ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፥ሰበይቲ ምስ ደቃ ምስ ሰብኣያ ፥ሰራሕተኛታት ምስ ኣስራሒኦም ወ.ዘ.ተ፥ ኩሉ እቲ ዝተዛረብካዮ አብ ቴፕ እንተ ዝቕዳሕ ብእምነት ከም ዝጸደቕካ ውልድ ኣምላኽ፥ ካብ ዓለም ኣብ ዙሪኻ ዘለዉ ዝተፈለይ ድዩ ዘረባካ ? ወይስ ምስቶም አብ ጎይታ ዘየለዉ እቲ ዘረባኻ ሓደ ዓይነት ድዩ ?



ናይ ቡዙሓት አመንቲ ዘረብኦም ዘይንጹህ እዩ፥ምኽንያቱ ንቃል ኣምላኽ ብዕቱብ ስለ ዘይወስድዎ እዩ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ዘይምፍራህን ካብ ኣምላኽ ዝያዳ ንሰብ ስለ ዝፈርሁ እዮም።ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብዕቱብ ምውሳድ እንተ ዘይተለማሚድና አብ መንፈሳዊ ህይወትና ክንዓቢ ተስፋ ክህልዎና አይክእልን እዩ።



ቃል ኣምላኽ ኣብ ያዕቆብ ከምዚ ይብለና "ሓደ እኳ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ" (ያዕቆብ1=26) ።



እምብአር ሰብ መልሓሱ ዘይቋጻጸር እንተ ኾይኑ ክርስትያናዊ ህይወቱ ዋጋ የቡሉን።ምኽንያቱ ጎይታና የሱስ ሰብ ካብ ምልኣት ልቡ እዩ ዚዛረብ ኢሉ ሚሂሩና እዩ ዘረባ ናይ ሰብ ናይ ልቡ ኩነታት እዩ ዝገልጽ. "......ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ ክፉኣት ክነስኹምከ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ" (ማቴ 12=34) ብመልሓስና እንዛረቦ ቃላት መንፈሳዊ ህይወትና ብንጹር ዝገልጽ እዩ።



ኣብዚ እንሄለ ካልእ ኣብነት (ቆሎሴ 3=19) "ኣቱም ሰብኡት ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን" ይብለና።



እዚ እንታይ ማለቱ እዩ? ሰብአይ ንሰበይቱ ዋለ ሐደ ግዜ ከሕርቓ እዚ ኣብ ኣብዚ ላዕሊ ዘሎ ቃል ኣምላኽ የፍቅደሉዶ ? ንፈልጥ ኢና ቃል ኣምላኽ ዝሙት ወይ ምቕታል ሓጥያት ሙኻኑን ከም ዘይፍቀደልናን ፥ኮይኑ ግን እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከማርራ የቡሉን ዝብል ቃል ከምቲ ንዝሙት ንቕትለት ቃል ኣምላኽ ኣትሪሩ ዝዛረበሉ ዝኽልክለናን ልክዕ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ብኸምኡ ኣይንወስዶን ኢና።ስለ ምንታይ እዩ እዚ ግን? ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ክንወስድ ኮሎና ዝያዳ ኣገዳሲን ዘየኣገዳስን እናበልና ስለ እንመርጽ እዩ።ብዙሑ ዘይተገንዘብናዮ ግን ኩሉ ቃል ኣምላኽ ኣገዳሲ ሙኻኑን ኩሉ ብጥንቃቔ ክውስድ ከም ዝግብኣናን እዩ።



እቶም ናይ እግዚኣብሄር ቃል ብዕቱብ ዝወስድዎ ብሓጥያቶም ኣዚዮም እዮም ዝጉሂዩ፥ ነብሲ ወከፍ ሓጥያት ክወድቁ ከለዉ ስለ ዝጉሂዩ ድማ ብመንፈስ ቁዱስ ምጽንናዕ ይረኽቡ እዮም።



"ዚጕህዩ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም" (ማቴ5=4) ።



እምብኣር ኣብዚ እንሄለ ምስጢር ዓወት።



ንቃል ኣምላኽ ብጥንቃቔ ስለ ዘይወስድካዮ ኣብ ሓጥያት ክትወድቕ ከሎኻ ካብ ክብሪ ኣምላኽ እውን ስለ ዝጎደልካ ክትጉሂይ ይግባኣካ።



በዚ ነገር ድማ ኣምላኽ ምፍራህካ ይፍለጥ።ፍርሃት ኣምላኽ ናይ መጀመርያ ፍልጠት እዩ እዚ ድማ ናብ ዕውት ህይወት ይመርሓካ።



ኣምላኽ ንቶም ቑጥቑጥ መንፈስ ዘሎዎምን ትሑታትን ብቓሉ ዝርዕዱን ጸጉኡን ምሕረቱን ምስኦም እዩ።



"ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ እዚ ኸኣ ኰይኑ ኣሎ ይብል እግዚኣብሄር ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ" (ኢሳ 66=2)።




Chapter 4
ናይ እግዚኣብሄር ርክባቱ ኩሉ ብፍቕሪ እዩ

እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ካብ ሰብ ምእዛዝ ይጠልብ እዩ።ኣብ ትሕቲ ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ሕጊ ክእዘዝዎ ተዋሂብዎም ነይሩ።እንተ ኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ክሕልውዎ ከም ዘይክእሉ ኮይኑ ረኺቦሞ።



ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን እግዚኣብሄር ተስፋታቱ ሂቡ ሕግታቱ ኣብ ልብናን ኣእምሮና ክጽሕፎ ምእንቲ ክንእዘዞ ጥራይ ዘይኮነስ ግናኸ ክንእዘዞ እነፍቅር'ውን ክንከውን። ናይ እግዚኣብሄር ተስፋ እዚ እዩ~



"ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፣ ብትእዛዛተይ ከመላልሰኩም፣ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ" (ህዝ 36=27)።



ብምእዛዝ ንትእዛዛቱ ጥራይ ኢና ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክህልዎና ዝኽእል።



ምእዛዝ እንተ ኾነ ግዳ ሓደ ነገር እዩ ብዙሓት ኣመንቲ ዘይተረድእዎ ።መብዛሕትኦም ኣመንቲ ኣዚዩ ብጌጋ "ንጸጋ" ተረዲኦም እዮም ምእዛዝ ናይ ብሉይ ኪዳን ጠለብ ገይሮም ይሓስብዎ። ከም ውጽኢት ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ከም ከቢድ ጾር ተወሲዶም።እዚ ናይ ሰይጣን ምትላል እዩ።እዚ ውጽኢት ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይምህላው እዩ።ኩሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ንሰናይን ትርጉሙ ጥቕሙ ክኣ ሓራ ክገብረናን እዩ። ኩሎም ትእዛዛቱ ምንጮም ኣብ ልቢ ኣምላኽ እዮም እቲ ፍጹም ዘፍቅረና ኣምላኽ።



ሙሴ ከምዚ በለ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ሕግታቱ ንእስራኤል ኣብ ሲና ምሃብ ዝምልከት "በለ ድማ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ፣ ካብ ሰዒር ድማ ተላዕለሎም፣ ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ፣ ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸ፣ ካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም። 3 እወ፣ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮም፣ ኵሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፣ ኣብ እግርካ ይቕመጡ፣ ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ" (ዘዳ 33=2-3) ።እቲ ሓቂ እግዚኣብሄር ሕግታቱ ዝሃበና መረጋገጺ ጹዑቕ ፍቕሩ ንዓና እዩ።



ገለ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ብወገና ርእስኻ ምኽሓድ ክጠልቡ ይኽእሉ።እንተ ኾነ ኣብ ዝተናወሔ ግዜ ንዓና ንኣዚዩ ሰናይ ሙኳኑ ክንረኽቦ ኢና። ኣቦ ንደቁ ጾር ከኽብደሎም ወይ ክጎድኦም ኢሉ ትእዛዛት ኣይህቦምን እዩ ግናኸ ክሕግዞም ኢሉ እምበር። ንሕናውን ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከምዚ ገይርና ክንሪኦ የድሌና።እምነት ክህልወካ ኣብ እግዚኣብሄር ምእማን እቲ ብፍቅሪ ፍጹም ዝኾነ ማለት እዩ።ከምዚ ዓይነት እምነት ክህልዎና ከሎ ፥ብዝኾነ ዋጋ ንናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ክንገብር ክንሕጎስ ኢና።



እቲ ምኽንያት ኣብዚ ይቕመጥ ይኸውን ኣዚዩ ብዙሕ ናይ ስዕረትና።ሰይጣን ንሰባት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዘየገድሱ ወይ ጾር እዮም ኢሉ ይእሚንዎም እዩ። ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክንገብር ጸዊዕና እንተ ድኣ ዘይተረዲኢና።እዚ ዘረጋግጾ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይምብሳል እዩ።ሓደ ምዓልቲ ፥ንእሽተይ ዝያዳ ምስ በሰልና ክንርድኦ ኢና።



ቆልዑት ንትምህርቲ ክኸዱ ክግደዱ ከለዉ ፥ስለ ምንታይ ወልዶም ኣብ ገዛ ክጸንሑን ክጻወቱን ዘይፈቐድሎም ከይርድኦም ይኽእል እዩ ። ወለዶም ኣዚዮም ዘኽብድሎም ገይሮም ክሓስቡ ይኽእሉ። ግናኸ ፍቕሪ እዩ ንቶም ወለዲ ደቆም ትምህርቲ ምእንቲ ክረኽቡ ክኸዱ ዘገድድዎም።



ልክዕ ከም እዞም ንኣሽቱ ቆልዑት ንሕና'ውን መንገድታት እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ኣይርድኣናን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ፍቕሩ እንተ ኣሚና ፥ንኹሉ ቃላቱ ክንእዘዝን ንኹሉ ርክባቱውን ብዘይ ዋላ ሓደ ሕቶ ክንግዛእ ኢና።



ኣብ ግምት ይእትው ኣብ ጉዳይ መከራ።ስለ ምንታይ እዩ ኣምላኽ ፍቕሪ ብመከራ ክንሓልፍ ዝፈቅድ ? መከራ ክፋል ዓይነት ምህሮ ኣብ መንፈሳዊ ትምህርትና እዩ።ብመከራ ገይሩ እዩ እግዚኣብሄር ናብ ብጽሕና ብስለትን ዝመርሓን።እንተ ድኣ ብዙሕ ዕድላት ብመከራ ክትሓልፍ እንተ ዘይብልካ ፥ብርግጽ ዝኾነ መንፈሳዊ ዋጋ ዘለዎ ኣብ ህይወት ብዙሓ ክትምሃር ኣይክኣልካን።



ምናልባት ኣዚዩ ብዙሕ ኣጉረምሪምካን ኣዕዘምዚምካን ትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንእሽተይ መከራ ምስ ረኸበካ፥በዚ ኽኣ እግዚኣብሄር ሕጂ ብመንገድኻ ክትከይድ ፈቒድልካ ። እዚ ዘሕዝን እዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ከብሒ ምስ ኣቕመጠካ ከምዚ ዓይነት። ፥ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ ህይወተይ ብመከራ ክሓልፍ ይሕሸኒ ካብ ብእግዚኣብሄር ኣብቲ ከብሒ ክርሕቕ ካብ ዝገብረኒ።



እግዚኣብሄር ብመከራ ክመርሓና ከሎ ርእስና ምስ ካልኡት ከነዋዳድራ ኽኣ ዕሸነት እዩ፥ እዚ ልክዕ ከምቲ ቆልዑት ስለ ምንታይ ንትምህርቲ ክኸዱ ከም ዝግብኦም እናተደቑ ከለዉ ድኻታት ቆልዑ ግን ኣብ ጭቃ ሙሉእ ምዓልቲ እናተጻወቱ ከለዉ ።ኩሉ ናይ እግዚኣብሄር ርክባት ምሳና ብፍጹም ፍቕሪ እዩ።ንሱ ሕጉሳት ክንከውን ይደሊ እዩ - ብግዳማዊ ላዕሊ ላዕልን ብዓፍዓፍታ ሓጎስ ዓለም ዘይኮነ ፥ግናኸ ዓሚቑ ናይ ዘልኣለም ሓጎስ ብቕድስና ህይወት ዝመጽእ እዩ። ግዳ ካልእ መንገዲ የልቦን ቅዱስ እትኾነሉ ብዘይካ ብመከራ።



"እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና" (እብ 12=10)።



የሱስ እቲ ኣዚዩ ሕጉስ ሰብ ነይሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኾነ ኣብዝ ምድሪ ዝተመላለሰ ። ከምኡ ክንሱ ግዳ ንሱ እቲ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ስቅያት ዝረኸበ እዩ ነይሩ። ሓጎሱ ፍቓድ ኣቡኡ ካብ ምግባር ዝመጸ እዩ ነይሩ - ኣብ ህይወቱ ቀሊል መንገዲ ብምሕላፍ ኣይኮነን። ንሱ ንኣቡኡ ከም ፍጹም ፍቕሪ ፈሊጥዎ እዩ ስለዚ ንሱ ብሓጎስ ንኹሉ ኣቡኡ ኣብ መንገዱ ዝሰደዶ ተገዚእዎ ፥እዚ ሚስጥር ናይ ህይወቱ እዩ ነይሩ።




Chapter 5
እግዚኣብሄር ኣቦ ከምቲ ንየሱስ ዘፍቅሮ ልክዕ ንዓናውን የፍቅረና እዩ

ሱር ኩሉ መንፈሳዊ ጸገማትና ዝወድቕ እግዚኣብሄር ከም ናይ ፍቕሪ ኣቦ ልዑላዊ ኣምላኽ ሙኳኑ ዘይምፍላጥና እዩ።



ሓንቲ ሓቂ ክርስቲያናዊ ህይወተይ ዝለወጠት ክብሪ ዝመልኦ ምግላጽ የሱስ ንዓና ዝሃበና ፥ንሱ ክኣ ኣቦ ከምቲ ንየሱስ ዘፍቅሮ ልክዕ ከም ዘፍቅረና እዩ።



"ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም" (ዮው 17=22-23)።



የሱስ ኣብዚ ዝጸለዮ ዓለም ኣብ ዙሪያና ምእንቲ እቲ ሓቂ ክትፈልጥ። ኮይኑ ግን መጀመሪያ ንልብና ክህዞ ኣለዎ ቅድሚ ዓለም ነዚ ክትፈልጦ ምኽኣላ።



ኩሎም ክርስትያናት ክልስ ሓሳባዊ ይኣምኑ እዮም ኣብ ኣፍቃሪ ኣቦ ኣብ ሰማይ ዘሎ። ኮይኑ ግን እቲ ኡነታ ዝሻቐሉን ዝጭነቑን፥ብምልኣት ውሕስነት ዘይብሎም ሙዃኖም ፍርሒ እዚ ዘረጋግጾ ኣብ ምዓሙቑ ልቦም ኣይኣምኑን እዮም።



ኣዚዮም ውሑዳት ኣለዉ እግዚኣብሄር ከምቲ ንየሱስ ዘፍቅሮ ገይሩ ከም ዘፍቅረና ንኽኣምኑ ዝደፈሩ ! ከምዚ ዓይነት ሓቂ ዋላ ሓደ ካባና ክኣምን ዝደፍር ኣይምስክኣለን የሱስ ብንጹር ከምኡ ሙኳኑ እንተ ዘይነግረና።



ሓንሳብ ይዕንቲኻ ነዚ ክብሪ ዝመልኦ ሓቂ ክርእያ ምስ ተኸፈታ ኣተራጓጉማኻ ንናብራ ህይወት ብሙሉኡ ክቕየር እዩ።



ኣብ ኣርዑት ጸቕጢ ዝተስዓረን ከምዚ ኢለ ብዙሕ ዓመታት ይነብር ነይረ።እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ንዓይ ኣይነበረን፥ኮይኑ ግን ካብኡ ሓራ ክወጽእ ኣይክኣልኩን። ነገራት ዝተፈለዩ ኮይኖሙኒ ካብታ ይዒንተይ ተኸፊተን ነቲ ሓቂ እግዚኣብሄር ከምቲ ንየሱስ ዘፍቅሮ ገይሩ ከም ዘፍቅረኒ ምስ ፈለጥኩ። ኩሉ ነገር ኣብ መንገደይ ዝመጽእ ካብ ኢድ ኣፍቃሪ ኣቦ ሙኳኑ ሕጂ ርኤ።ንሱ ከም ብሌን ይዕንቱ ገይሩ ከም ዝጥንቀቐለይ ርኤ እየ ፥ስለዚ ከምእ'ውን ሕጂ ዝኾነ ኩነታት ኣብ ህይወተይ ከቶ ከግሮምርመኒ ወይ ክጭነቕ ኣይገብረንን እዩ ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ በቲ ዘሎኒ ምዕጋብን ንኣምላኽ ምምስጋንን ኣብ ኩሉ ኩነታተይ እዩ እቲ ምስጢር።



"ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። …..11 ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ" (ፊሊ 4 =4 ፥11)።



"እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ" (1 ተሰ 5=18)።



እዚ ሕጂ ዘይናወጽ መሰረት ህይወት እዩ ። "እግዚኣብሄር ክንድቲ ንየሱስ ዘፍቀሮ ንዓይ የፍቅረኒ እዩ "።



ናብ ዕውት ህይወት ዘይምእታውካ ብምኽንያት እኹል ዘይምጽላይካ ዘይሙጻምካን ኣይኮነን።ዓወት ዝመጽእ ብጻዕሪ ርእስኻ ኣይኮነን ግናኸ ብእምነት እዩ ። " እምነት ኣብ ምንታይ "ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ። እምነት ኣብ ፍጹም ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ።



ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ትሕቲ ኩኔነ ይነብሩ ሰይጣን ከምዚ ኢሉ ክነግሮም ይቕጽል " ዝኣክል ኣይትጾውሙን ኣለኻ ፥ ዝኣክል ኣይትጽልን ኣለኻ ፥ ዝኣክል ኣይትምስክርን ኣለኻ ፥ዝኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተጽንዕን ኣለኻ " ወ.ዘ.ተ….ወ.ዘ.ተ ። ቀጻሊ ብኸምዚ ዓይነት ሓሳባት ርእሰ ኩነኔ ይግረፉ መወዳእታ ዘይብሉ ዓንኬል ንጥፈትን ኣዚዩ ብዙሕ ሙውት ስራሕን።



ትፈልጥዶ ኩሉ ርእሰ መቕጻዕ ፥ምጻም ፥ምጽላይ፥ዕሽር ምሃብን፥ምምስካርን ምውት ስራሕ ሙኳኑ ንኣምላኽ ካብ ምፍቃር ዝመንጨወ እንተ ድኣ ዘይኮይኖም ? ከምእ'ውን ካብ ፍቕሪ ዝመንጨዉ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም መጀመሪያ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ውሕስነት ዘለካ እንተ ዘይኮይንካ።



ናይ ጳውሎስ ጸሎት ንክርስትያናት ኤፌሶን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሱር ሰዲዶም ዝተሰረቱ ምእንቲ ክኾኑ እዩ ነይሩ።



"ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። 17 ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን" (ኤፌ 3=16-17)።



ናይ ኤፌሶን ክርስትያናት ድሮ ተለዊጦምን ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቐሙን ነይሮም እዮም።ግን ብመንፈስ ኣብቲ ናይ ውሽጢብሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ክብርትዑ ፥ክርስቶስ ኣብ ልቦም ብእምነት ምእንቲ ክሓድር ኣብ ፍቕሩ ሱር ሰዲዶም ክስረቱ ፥ምስ ኩሎም ቅዱሳን ምግፍሑን ምንውሑን ቁመቱን እንታይ ሙኳኑ ምስትውዓል ክኽእሉ ገና ኣድሊዎም እዩ። ድሕርዚ ጥራይ እዩ ጳውሎስ ቀጺሉ ክዛረብ ዝኸደ ብዛዕባ ውህበታት ቤተ ክርስትያን ክትህንጸሉ እትኽእል።



"ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ…..ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ" (ኤፌሶን 4=7 ,11-13)።



እዚ ሙሉእ ውሕስነት ንዓና ኣብ ትሕቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ክኸውን ኣለዎ። ኣገልግሎትና ውጺኢታዊ እንተ ድኣ ክኸውን ኮይኑ ኣብቲ ሱር ክንሰድዱን ክንስረትን ኣሎና።



ኣብ ካልእ ቦታ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባዚ ይዛረብ ከም "ናብ ዕረፍቲ ምእታው " ። ንሕና እቶም እምነት ዘሎና ኣብ ፍጹም ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ፥ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና ፥ሃዋርያ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን (እብ 4=2) ።ንሱ ሽዑ ናብቲ ዕረፍቲ ክንኣቱ ብሙሉእ ልብና ክንጋደል ተማሕጺንና "ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል" (እብ 4=11)። ኣብ ዕረፍቲ ሙሉእ ውሕስነት ፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ዘይሃሊና ንኽንወድቕ ቀሊል እዩ።



ዓለም ብሰብ ክፍቀሩ ዝደልዩ ሰባት ዝተመልኤት እያ። ብዙሓት ክርስትያናት ካብ ቤተ ክርስትያን ናብ ቤተ ክርስርያን ይኸዱ እዮም ዘፍቅሮም ንምድላይ ።ገለ ንዕርክነት ገለ'ውን ንመርዓ። ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ምድላይ ብዘሕዝን ክውዳእ ይኽእል እዩ። ከም ዘኽታማት፥ ውልድ ኣዳም ውሕስነት ዘይስምዖምን ከም ውጺኢት ናይዚ ኽኣ ብተደጋጋሚ ብምስትምሳል ይስዓሩ። እቲ ዘሕዝን ነገር ዋላ ድሕሪ ምልዋጦምን ምድሓኖምን፥ ብዙሓት ገና ውሕስነት ዘይስምዖም ኮይኖም ይተርፉ፥ዋላ እኳ ከምኡ ክኾኑ ዘይድልዮም ከሎ ።



እንታይ እዩ መልሲ ናይ ወንጌል ነዚ ጸገም ? እቲ መልሲ ውሕስነት ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምርካብ እዩ።



የሱስ ደጋጊሙ ንደቂ መዛሙርቱ ነጊርዎም እዩ ጸግሪ ርእሶም ኩሉ ቁጹር ሙኳኑን ፥ኣምላኽ ንሚሊዮናት የዕዋፍ ዝምግብን ንሚሊዮናት ዕንባባታት ዘልብስ ብርግጽ ከም ዝሓሌሎም።



እቲ ዝዓበየ ሞጎት ካብዚ ኩሉ ንላዕሊ ~


" እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና" (ሮሜ 8=32)። እግዚኣብሄር ከምቲ ንየሱስ ዝሓለየሉ ፥ንዓኻውን ክሓሌልካ እዩ።



ሓደ ምኽንያት እግዚኣብሄር ኣብ ገለ እዋን ምሳና ምስ እዝነብሩ ሰባት ብእኦም ክንሓዝን ዝፈቅድ በዚ ኣብ ሰባት ምሙርኳስ ደው ምባል ምእንቲ ክንምሃር እዩ ። ንሱ ካብዚ ዓይነት ጣኦት ሓራ ከውጻና እዩ ዝደሊ፥ምኽንያቱ ኣብ ሰብ ሙሙርኳስ ዓይነት ጣኦት ስለ ዝኾነ። በዚ ኽኣ ኣብኡ ጥራይ ሙሉእ ብሙሉእ ምድጋፍ ምእንቲ ክንምሃር እዩ ። ግዳ እግዚኣብሄር ንኹነታትካ ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ምስ ኣዘዘ ፥እቲ ብኹሉ ሸነኽ ምስ ሓዘንካ እዚ ተስፋ ከቑርጸካ የብሉን። ምእንቲ ኣብኡ ብእምነት ምንባር ክትምሃር እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ስጋ የናግፈካ ጥራይ እዩ ዘሎ። ተምሃር ውሕስነትካ ክተረክብ ኣብቲ ኡነታ ሓቂ እግዚኣብሄር ከምቲ ንየሱስ ዘፍቀሮ ከምኡውን ከም ዘፍቅረካ ።



ኩሉ ውድድርን ቅንእን ኣብ ሞንጎ ክርስትያናት ዝልዓል ካብዚ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ውሕሰነት ዘይምህላው ዝወጽእ እዩ።ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ውሕስነት ዘለዎ ሰብ ከምእ'ውን እቲ እግዚኣብሄር ንዕኡ ምፍጣሩ ጌጋ ከም ዘይገበረ ዝኣምን፥ ዝሃቦ ክእለት ፥ብኻልኦት ክቐንእ ወይ ምስ ካልኡት ክወዳደር ፍጹም ተኽእሎታት የለን።ኩሉ ጸገማት ኣብ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ ብመሰረቱ ብሰሪ ውሕስነት ዘይብሎም ሙኳኑ እዩ ።



በቃ ሕሰብ ክንደይ ካብ ጸገማትካ ክፍትሑ እዮም ይዒንትኻ ነዚ ሓደ ሓቂ ክርእያ ምስ ተኸፈታ እቲ እግዚኣብሄር ከምቲ ንየሱስ ዘፍቀሮ ልክዕ ንዓኻውን ከም ዘፍቅረካ ።




Chapter 6
ኣብ ነፍሲ ወከፍ መከራ እግዚኣብሄር ዕላማ ኣለዎ

ህይወት ድንቂ ዝመልኦ እያ እትኸውን እግዚኣብሄር ዕላማ ከም ዘለዎ ክንሪኢ ከለና - ክብሪ ዝመልኦ ዕላማ- ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነገር ኣብ ህይወትና ክመጽእ ዝፈቐዶ ። ንሱ ንጸሎትና "ኣይፋሉን" ክብል ከሎ ፥እዚ'ውን መልሲ ዝመጸኤውን ካብቲ ብፍቕሪ ፍጹም ዝኾነ ልቢ እዩ።



እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ንእስራኤላውያን ዝነዱ ኣትማን ክነኽስዎም ምስ ሰደደ፥እዚ ካብ ፍቕሪ ዝተልዓለ ድዩ ነይሩ?



"እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ" (ዘሁ 21=6)።



እዚ ብርግጽ ተግባር ፍቕሪ እግዚኣብሄር ዝተጠቀመሉ መንገዲ እዩ እዩ ነይሩ ነቶም እስራኤላውያን ክንስሑን ናብኡ ክምለሱን በዚ ኽኣ ምእንቲ ክባርኾም ክኽእል ።ንሱ ክባርኾም ደሊዩ ነይሩ፥ኮይኑ ግን ንሱ ነዚ ክገብሮ ኣይክኣለን ክሳብ ዝንስሑ።



"ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር" (ኤር 29=11)።



ሓደ ምኽንያት ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር እዚኣ ዓለም ንኽትነብራ ዘይምችእቲ ክትከውን ዝፈቐደ - ብሕማምን፥ ጥዕና ምስኣንን ፥መርዛማት ኣትማንን ወ.ዘ.ተ ሰባት ብሽግሮም ናብኡ ምእንቲ ክመልሶም እዩ ፥በዚ ምኽንያት ክኣ ንሱ ምእንቲ ክባርኾም። ከምእ'ውን ክንሪኢ ንኽእል ኢና ከመይ እግዚኣብሄር ዋላ ክፉእ "ሰይጣን ዝጠንቁ" ንዕላማታቱ ንምድንፋዕ ክሰርሕ ከሎ።



እቶም ዝድሓኑ ኣብ ዘልኣለም ምስ ረኸብናዮም ታሪኾም ምስ ሰማዕናዮ ፥ዝያዳ ብሙልኡ ክንረኽቦ ኢና እግዚኣብሄር ናይ ተመን መንከስቲ፥ ገንዘባዊ ጸገማት ፥መንሽሮ ወ.ዘ.ተ. , ከመይ ከም ዝተጠቀመሎም ንሰባት ካብ ሓጥያት ክርሕቑን ደቁ ምእንቲ ክኾኑ። ከምእ'ውን ክንሰምዕ ኢና እግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝተጠቀመሉ ንስቅያት ንደቁ ክቕደሱን በዚ ምኽንያት'ውን ተማቐልቲ ተፈጥሩኡ ምእንቲ ክኾኑ።



ኣብታ ምዓልቲ ፥ንእግዚኣብሄር ከነመስግን ኢና ንቡዙሕ ነገራት ኣብዛ ምድሪ ክንርድኦም ዘይንኽእል ። ኮይኑ ግን ናይ እምነት ሰብ ክሳብ እታ ምዓልቲ ምጽባይ ኣይድልዮን እዩ። ንሱ ሕጂ ይኣምን እዩ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ጥበብን ፍቕርን- ስለዚ ንሱ ድሮ ስለ ንኹሉ ነገር ከመስግን ጀሚሩ እዩ።



እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣብ ኩሉ እግዚኣብሄር ምሳና ዝገብሮ ርክባት ተማቐልቲ ተፈጥሩኡ ምእንቲ ክንከውን እዩ።



"ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29 ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።(ሮሜ 8=28-29) ።



ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብ ገለ እዋናት ብድንገት ገንዘብ ክጠፍኣና ዝፈቅድ ፥ወይ'ውን ብሕልና ኣልቦ ሰባት ክንታለል። ብዙሓት ካባና ኣብ ጽቕጥቅጥ ኣብ ዘለዎ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ተምኩሮ ጁባና ክፍተሽ። ኣነ ኩሉ ግዜ ከም ነጥቢ ገይረ እየ ነቲ ሰራቒ ክጽሊ ወይ እቲ ምትላል ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ።ግናኸ ካብዚ ብዝተፈለየውን እግዚኣብሄር ይብህግ እዩ ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ምጥባቕ ምስ ገንዘብን ኣቕሓን ነገራትን ከላቕቐና ።ንሱ ኣዚይና ተጻባጸብቲ ክንከውን ኣይደሌናን እዩ ብነፍሲ ወከፍ ቅርሺ ዘጥፋእናያ እንሻቐልን ብነፍሲ ወከፍ ቅርሺ ዝረኸብናያ እንሕጎሱን ! ንሱ ሓጎስና ኣብኡ ክንረክብ እዩ ዝደሊ -እዚ ሓጎስ ብምድራዊ ነገር ምርካብ ዝውስኽ ወይ ክኣ ምድራዊ ነገር ብምስኣም ዝንኪ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን።



የሱስ ብኸምዚ እዩ ተመላሊሱ - ንሕና'ውን ዋላ ከምቲ ዝተመላለሶ ክንመላለስ ተጸዊዕና ኢና ~



"እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም" (ፊሊጲብ 2=5)።



ሓደ ሰብ ብምስጋና ንኣገልግሎት ናይ የሱስ ዝተበገሰ ንጎይታ 10.000 ገንዘብ እንተ ዝህቦ፥ዋላ ንእሽተይ ደስታ ናይ የሱስ ኣይምስወሰኸን ነይሩ። ደስትኡ ድሮ ሙሉእን መሊኡ ዝውሕዝ ኣብ ኣቡኡ እዩ ነይሩ።



ኣብ ሓደ ግዜ ፥ናይ የሱስ ደስታ ብዝኾነ ቁሳዊ ኣቕሓ ነገር ምጥፋእ ደስትኡ ኣይምስነከየን።ይሁዳ እስቆርታዊ ወትሩ ብዙሕ ገንዘብ ካብቲ ከም ውህበት ናብ የሱስ ዝመጾ ይፈግር ነይሩ ። የሱስ ብዛዕባዚ ይፈልጥ ነይሩ፥ ንይሁዳ ሓዚኑሉ ክኸውን ኣለዎ፥ንሱ ፍጹም ኣይተረበሸን ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ብምጥፋኡ።



እንታይ ዝተፈለይ ዛንታ እዩ ሎሚ፥ምስ ብዙሓት ሰበኽትን ኣረኣእዮኦም ኣብ ሞባእ ህያብ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ! እንተ'ኾነ ንዞም ሰበኽቲ ንበይኖም ንሕደጎም ! እንታይ እዩ ብዛዕባኻ ? ብቑሳዊ ኣቕሓ ነገራት ደስታና ክውስኽ ክንኪ ይኽእልዶ ? ካብ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ሽዑ ብርግጽ ምድሓን ክንፍጽም የድልና እዩ፥ርእስና ብምፍራድ።



እንተ'ድኣ ብሓቂ ብልቢ ድሌት ሃሊዩካ ብዛዕባ ምክፋል ህይወት የሱስ ፥እግዚኣብሄር ክፍቀድ እዩ ሓደ ሽሕን ሓደን ነገራት ከጋጥመካ፥ካብ ፍቕሪ ቁሳዊ ምድራዊ ነገራት ምእንቲ ከናግፈካ፥ካብ ምድላይ ክብሪ ሰብን ፥ካብ ምስትምሳልን ካብ ብዙሕ ካልእ ዘይክርስቶሳዊ ኣረኣእያታትን።



እንተ ዘይደሊኻ በዚ መንገዲ ክትከይድ ኣይገድደካን እዩ።እንተ'ድኣ ዕጉብ ኮይካ ትሕቲ ደረጃ ክትነብር ፥ዝተስዓረ ህይወት እዚ ኽኣ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ኣብ ዙሪያኻ ዝነብርዎ፥ንሱ ብዘይ ደገፍ ክትከውን ክሓድገካ እዩ።



ግናኸ ነቲ ዝበለጸ ናይ ኣምላኽ ትጸምእ እንተ ኾይንካ ፥ንሱ ብዘይምሕረት ምሳኻ ዘለዎ ጉዳይ ርክብ ክሕዞ እዩ።ነቶም መንሽሮታት ዝዝውሩኻ ዘለዉ እናቖረጸ ነቶም ዘባላሽውኻ ጣኦት እናዕነዎን።ንሱ ክትስቀ ፥ክትርበሽ፥ክትከስር፥ተሰፋኻ ክሰናበር፥ክትዋረድ ፥ዘይፍትሓዊ ነቐፌታ ወ.ዘ.ተ ምእንቲ ናብ ቦታ ርግኣት ከምጻካ -ኣብቲ ድሕሪ ሕጂ ክትናቀጸሉ ዘይትኽእል።



ሽዑ ዝኾነ ፍልልይ ኣይከምጸልካን እዩ ካብ ሽዑ ንድሓር፥ሃብታም ኩን ድኻ፥ ዝተነቐፍካ ኩን ዝተነኣድካ ፥ክብሪ ዝረኸብካ ኩን ወይ ዝሓሰርካ።ኣብ ሞት የሱስ ንታሕቲ ድሕሪ ምኻድ ንነፍሲ ወከፍ ነገር ናይ እዚኣ ዓለም ፥ተማቒሊ ህይወት የሱስ ክትከውን ኢኻ ኣብዛ ምድሪ'ውን ከም ንጉስ ክትመላለስ ዝገብረካ።



"ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና" (2 ቆሮ 4=10)።



ነዚ መንገዲ ኣኺሉ ዝተርፍ ህይወት ኣብ ክርስቶስ ሒደት ሰባት ይረኽብዎ ምኽንያቱ ሒደት እዮም ፍቓደኛታት ነቲ ዋጋ ክኸፍሉ -ንሞት ሙሉእ ብሙሉእ ንገዛእ ርእስኻ። ንርእስና እንተ ዘይሞይትና ብእምነት ክነብር ኣይንክኣልን እዩ።እንተ'ድኣ ፍቓደኛታት ዘይኮይና ምስ ክርስቶስ ክንስቀል ፥ፍልጠትና ናይ ፍጹም ፍቕሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ክልስ ሓሳብ ጥራይ ኮይኑ ክተርፍ እዩ።ደቂመዝሙር የሱስ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና ፥እንተ'ድኣ ኩሉ ነገር ናይ እዚኣ ዓለም እንተ ዘይጠንጢና ፥የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ~



"ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ" (ሉቃስ 14=33)።



ኣቕዲሙ ኣብ ዮውሃንስ 17=23 ሪኢና ነይርና ኢና ~



"ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም"።



ኣብዚ የሱስ ንዓለም ወይ ስጋውያን ክርስትያናት ኣይኮነን ዝጽሊ ነይሩ። ንሱ ን 11 ደቂመዝሙር ኩሉ ሓዲጎም ዝስዓብዎ እዩ ዝጽሊ ነይሩ። ዓለማዊያን ሰባትን ስጋውያን ክርስትያናትን ፍጹም ክፈልጥዎ ዘይክእሉ ፥እቶም ደቂመዝሙር ኣብ ፍጹም ፍቕሪ ኣምላኽ ውሕስነት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።



ስለ ምንታይ እዩ ዝኾነ ሓደ ክርስትያን ስጋዊ ክርስትያን ዝኸውን ? ኣይኮነን ድዩ ብምኽንያት ሰይጣን ዘታለሎ ኣብ ክልቲኡ ዝበለጸ ዓለም ንሱ ክሕጎስ ከም ዝኽእል ከም ዝሓስብ ብምግባር ፥ኣብ ክንዲ ገዛእ ርእሱ ሙሉ ብሙሉእ ንእግዚኣብሄር ምሃብ። እንተ'ኾነ እዚ ምትላል እዩ።



እንተ'ድኣ ኣብ ፍጹም ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣሚና፥ብዘይተጉላባ ኩሉ ነገር ክንሓድግ ኢና ንዕኡ ። ሻቡ ሙሉ ብሙሉእ ካብ ምጭናቕ ነጻ ክንከውን ኢና።ፊሊጲ 4=6-7 ከምዚ ክብል ይእዝዘና ~



"ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። 5 እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። 6 ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 7 እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ" ።



ስጋውያን ክርስትያናት ኩሉ ግዜ ጀልብኦም ኣብ ማዕከል ማዕበል ትሰጥምዶ ትኸውን ብምባል ይሻቐሉ። የሱስ ኣብቲ ማዕከል ማዕበል ክድቅስ ይኽእል እዩ፥ምኽንያቱ ኣብቲ ፍጹም ዝኾነ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ንሱ ውሕስ እዩ ነይሩ። ንሱ ሰይጣን ብቐሊሉ ከጥሕሎ ከም ዘይክእል ፈሊጡ እዩ። ኣቡኡ ኩሉ ግዜ ይሪኦን ይሕልዎን ነይሩ እዩ።ከመይ ድንቂ ዝመልኦ ህይወት ይኸውን እቲ መጠን ኣቦ ንየሱስ ዘፍቀሮን ዝሓለየሉን እንተ ንፈልጥ ፥ንሱ ንዓና የፍቅረናን ይሓሌና'ውን እዩ።



ኣብ መወዳእታ ንእግዚኣብሄር ምስ ርኣናዮ፥ ክንግረም ኢና ማዕረ ክንደይ ዓቢ ፍቕሩ ንዓና ከም ዝነበረ ምስ ረኸብናዮ፥ካብቲ ከቶ ዝሓስብናዮ ንላዕሊ።ከመይ ዓያሹ ሙኳናን ኩሉ እቲ እንጭነቖ ዝነበርና።



እንተ ኾነ ሽዑ ምፍላጥና እንታይ ጥቕሙ ክኸውን እዩ ? ሕጂ እዩ እቲ ግዜ ይዒንትና ክኸፈት ዝግባእ ነቲ ሓቂ ፍቕሪ ኣምላኽን ብእምነት ምንባርን።




Chapter 7
ክንዮ ዓቕምኻ ክትፍተን ኣምላኽ ኣይሓድገካን እዩ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ (1ቆሮ 10=13) ዘሎ ቃል ኣዚዩ ክብሪ ዝመልኦ ንኹሉና መጸናዒ ቃል እዩ ከምዚ ክኣ ይብል "ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ" ሰባት ኩሉ ግዜ ክጸርዎ ዘይክእሉ መከራን ሓዘንን ከም ዝሓልፉ ዘሎዉ ይዛረቡ እዚ ንቶም ደቂ ኣዳም ሓቂ ክኸውን ይኽእል እዩ።ግናኸ ብርግጽ እዚ ንወደ መዝሙር የሱስ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ንነፍሲ ወከፍ መከራን ፈተናና በየናይ መንገዲ ከም ዝመጽእ ኣምላኽ ብጥንቃቐ ይዕዘቦ እዩ።



ሰይጣን እቶም ዝጸልኡናን ክጎዳኡና ይደልዩ ይኸኑ ብዘይ ፍቓድ ናይ እግዚኣብሄር ግና ክቐርቡና ኣይክእሉን እዮም። ዋላ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰይጣን ኣብ ዙሪያ እዮብ ኣምላኽ መከላኸሊ ሓጹር ከም ዝገበረሉ ተገንዚብዎ እዩ በዚ ኽኣ ብዘይ ፍቓድ ኣቦ ዋላ ሓደ ኩፉእ ኣይክትንኬናን እዩ ።



ሰይጣን ብዛዕባ እዮብ ንኣምላኽ ከምዚ ኢልዎ "ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ (እዮብ 1=10-11)።ኣምላኽ ንናይ እዮብ ቅድስና ኢሉ ንቲ ኣብ ዙሪኡ ሓጺርዎ ዝንበር ሓጹር ክኽፈት ብምፍቃድ ሰይጣን ፍቓድ ረኺቡ ንእዮብ ንምጥቃዕ ኮይኑ ግን እቲ ንውሓት ግዜ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ብኣምላኽ እዩ ተወሲኑ። መጀመርያ ኣብ ምዕራፍ 1 ቅሩብ ድሓር ክኣ ኣብ ምዕራፍ 2 ቅሩብ ተወሲኽዎ ሰብ ሳባን ከለዳዊያንን ንብረት እዮብ ዝዘመቱ እግዚኣብሄር ብዝኸፈቶ ሓጹር እዩ።



እቲ ህቦብላ ንፋስ ናብ ገዛ ደቂ እዮብ ዝነፈሰ ከምቲ ዝቐደመ ልክዕ ኣምላኽ ዝኸፎቶ ሓጹር እዩ "እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ 19 ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ" (እዮብ 1=18-19)።እንተ ኾነ እዚ ዝተኸፈተ ሓጹር ምግፍሑ ብሕማም ንሰብነት እዮብ ዘጥቅዕ ኣይነበረን። ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዙርያ እዮብ ዝገበሮ ሓጹር ቅሩብ ወሲኹ ከፊትዎ በዚ ኽኣ ሕማም ንእዮብ ወቒዕዎ። ኣብ መጀመርያ ኣምላኽ ንኹሉ ይቆጻጸሮ ከም ዝነበረ ኣይተረድኤን ነይሩ እዮብ፥ኣብ መወዳእታ እቲ ታሪኽ ግን ኣምላኽ ንኩነታቱ ይቆጻጸሮ ከምዝነበረ ተገንዚቡ።ንእዮብ ክንነቕፎ ኣይንኽእልን ኢና ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተጽሓፈ ቅዱስ ጽሑፋት ኣይነበረን ከምዚ ሕጂ ንዓና ዘሎና። ሕጂ ግን ቃል ኣምላኽ ኣሎና መን ይቆጻጸሮ ንቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ መከላኸሊ ዘፍልጠናን ዘርኤናን።



ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ከም መንደቕ ሓዊ ኣብ ዙርያና "ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚ፣ የሩሳሌም፣ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣ እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፣ በሎ" (ዘካሪያስ 2=4-5) ።ኣብ ቡሉይ ኪዳን ከምቲ ናይ ኤልሳዕ ኣገልጋሊ ይዒንትና ኩሉ ግዜ ዕውራት እየን ነቲ ኣብ ዙርያና ዘሎ መንደቕ ሓዊ ከይሪኣ። ኤልሳዕ እንተ ኾነ ነቲ ኣብ ዙሪኦም ዝነበረ መንደቕ ሓዊ ሪኢዎ እዩ ስለዚ እዩ ኽኣ ዘይፈረሔ "እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ" (2 ነገስት 6=15-17)። እቲ መእሰይ ኣገልጋሊይ ኤልሳዕ ኣዚዩ ፈሪሑ ነይሩ እቲ ምኽንያት ድማ ነቲ ኤልሳዕ ዝርኣዮ ክርእዮ ኣይክኣለን።ኤልሳዕ ምስ ጸለይ ግን ይዒንቱ ተኸፈታ ናብ ህድኣት ድማ ኣትዩ ንሕና ውን ይዒንትና ዝተኸፈተ ክኸውን ኣሎዎ።



ኣምላኽ ምዓስ ነቲ ኣብ ዙሪያና ዘሎ ሓጹር ምስ ከፈቶ ምዓስ ይዓጽዎ ይፈልጥ እዩ።ኣምላኽ ንኩነታትና ከም መጠን መንፈሳዊ ዓቕምናን ከም መጠን ጽምኣትናን ድሌት ዘሎና ናብ ዝልዓለ ብራኸ መንፈስውነት ናይ ምስጓም ይቆጻጸሮ እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ሂወትና ዘይብሱላትን ድኹማትን ክንከወን ከሎና ኣምላኽ ብኣዚዩ ከቢድ ፈተና ክንሓልፍ ኣፈቅድን እዩ ከም እውን ሰይጣን ብከቢድ ከጥቅዓና ኣምላኽ ኣይፍቅደሉን እዩ።ብተመሳሳሊ መንገዲ መደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ሽለል እንተ ኢልናዮ ቀሊል ህይወት ክነብር የፍቅደልና እዩ እቲ ክሳራ ግን ጥፍኣት ኣብ ዘላኣለም እንሕልፎ እዩ። እዮብ ኣምላኽ ዝሓረዮ እሙንን ስለ ዝነበረ እዩ ብኣዚዩ ብዙሕ መከራ ክረክብ ዝፈቀደ ኣምላኽ ብኸምዚ ናይ እዮብ መከራ ነብሲ ወከፍ ክሓልፍ ኣይፈቅድን እዩ እቲ ምኽንያት ድማ ሒደት ሰባት ጥራይ ናብ ብስለትን ብጽሕናን ስለ ዝበጽሑ ንሶም ጥራይ እዮም ነቲ ከቢድ መከራ ክጸርዎ ዝኽእሉ።ብጣዕሚ ሒደት ሰባት ንከምዚ ዓይነት ብጽሕና መንፈሳውነት ጉዱሳት እዮም ኣብ ዚኾነ ጉዳይ።



ጎይታና የሱስ ንዓና ክበጽሓና ዘይክእል ፈተና ብኣቦ ሓሊፉ በዚ ክኣ ፍጹም ኮይኑ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንሪኢ ከሎና ኣብ (እብራዊያን 4=15) ። "ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ የሱስ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ" ፥ ኣብ (እብራዊያን 5=7-9) ከምዚ ነንብብ " ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም" ከምዚ ኣብ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጎይታና የሱስ ከም ሰብ ትምህርቱ ወዲኡ ፍጹም ኮይኑ እምብኣር ንርኢ።



ኩሉ ግዜ ብዓወት ከም እንነብር ርግጸኛታት እንኾኖሉ ምኽንያት እቲ ሓቂ ኣምላኽ ኪኖ ዓቕኽምካን ክእለትናን ክንፍተን ስለ ዘይፈቅድ እዩ፥እቲ ኣብ ቃል ኣምላኻ ኣብ ( 1 ቆሮ 10=13) "........ክንዮ ዓቕምኹም ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ...." ዝብል ናይ ተስፋ ቃል እንተ ዘይውሃበና ነይሩ ትብዓት ኣይምሃልወናን ነይሩ። ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ዝፈቐዶ መከራ ኣብ መንገድና ዝመጽእ ክንቆጻጸሮ እንኽእል እዩ።ስለምታይ ግን ንወድቕ ? እቲ ምኽንያት ክኣ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ መምለጢ ኣብ ነፍስ ወከፍ ፈተናን መከራን ስለ ዘይንወስዶ እዩ።



እንታይ እዩ እቲ መምለጢ መንገዲ ? ገዛእ ርእስና ምትሓት ልክዕ ከምቲ ጎይታና የሱስ ክሳብ ናይ መስቀል ሞት (ፊሊ 2= 8) እምብኣር እዚ እዩ እቲ ጸቢብ መንገድን ህይወት ምስ ትርፉን ነዚ ኽኣ ሒደት ይረኽብዎ። ትዕቢት ኣብ ስጋና ኣዚዩ ሱር ዝሰደደ እዩ ፥በዚ እዩ ክኣ እቲ ብሉጽ መንገዲ ትሕትና ውሑዳት ዝረኽብዎን ገዛእ ርስኻ ምትሓት ዝተረዶኦም ብርግጽ እዚ ምስጢር እዩ ብሙሉእ ልብኻ ንኣምላኽ እንተ ሲዕብካ ግን ከገልጸልካ እዩ።



ኣብ ህይወትና ብዘሎ ዝተፈለለየ ጸቕጥታት ናብራ ዘይጽወር ከም ዝኾነ ክንሓስብ ንኽእል እቲ ሓቅን ጭብጡን ግን ትዕቢትና እዩ ። ልዑል ግምት ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ምሓዝ ንህይወት ከቢድ ይገብሮ። ኣብ ብዙሕ ሕዝቢ ዝጉዓዙሉ ከም ባቡር ክኸይድ ከለኹ በዚ ነገር እዚ ቡዝሕ ግዜ የስተንትን ኮፍ መበሊ የለን ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኣብ ባይታ ኮፍ ክብል ኣሎኒ ወይ ክኣ ደው ይብል።እቲ ክፍልታት ናይ ባቡር ብሰብን ቦርሳታትን ዝመለኤ እዩ።ገና ካብቲ እታ ባቡር ዝተበገሰትሉ ፌርማታ ኣብ ነፍስ ወከፍ ፌርማታ ደው ምስበለት ብሰብን ቦርሳታትን ምጽቕቃጥ እናወሰኸ ይኸይድ እታ ባቡር ክኣ መንገዳ ትቕጽል። ሽዑ ከምዚ ኢለ ሓሲበ " ኣብዚ ቦታ ክንዲ ጻጸ እንተ ዝኸውን ግዝፈይ በሰንኪ እቲ ጽቕጥቅት ዋላ ሓደ ጸገም ኣይምስገጠመንን እቲ ጸገም ዝረኸበኒ ግዝፈይ ክንዲ ሰብ ስለ ዝኾነ እዩ። እቲ ሮጊድ ሰብ ድማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣዚዩ ይሽገር ።እቲ ኩነታት ብመጠን ዓቐን ሰብነትና ይውሰን።ጻጸ ግን በቲ ዘሎ ኩነታት ኣይመግረምሮመን ነይሩ ንዕኡ እኹል ቦታ ምስ ረኸበ።



ዝኾነ ኮይኑ እቲ መልሲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ጸቕጢ ካብ ደገ ክውስኽ ከሎ ኣብ ቅድሚ ይዒንተይ እናነኣስኩ እናነኣስኩ ክኸይድ እንተ ኺኢለ እቲ ጸቕጢ በብቑሩብ እናጠፈኤ ድሓር ክኣ ደው ይብል። ናይ ኣምላኽ ድሌት ካብቲ ዘሎና ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳብ ናብ ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘይኮነ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ግምት ክቕንሰና እዩ ዝደሊ መደቡ ቅድሚ ኣብ ህይወትና ምፍጻሙ።



ስለ ምንታይ እዩ ብገለ ምኽንያት ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ሲሚዕትና ዝጉዳእ ? ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ልዕል ግምትዶ ኣይኮነን እቲ ምኽንያት ? ብዛዕባ ኩነታት መስለና ንምርግጋጽ እንገብሮ ሙኳኑ ? ሰባት እቲ ዝግባእ ክብሪ ኣይሃቡናን ኢልናዶ ኣይኮናን ሕማቕ ዝስምዓና ? ወይ ክኣ መስለንና ተጋሂሱ ኢልና። ሰባት ብድሕሬና ጽቡቕ ዘይኮነ ክዛረብ ከለው ሕማቕ ይስምዓናን ንጉዳእን ። እቲ ዝተነፈሔ ዝሓበጠን ትዕቢትና እዩ ከምዚ ዓይነት ቃንዛ ዘምጽኣልና ። ነቲ ከም ፍሕኛ ዝተነፍሔ ትዕቢትና ወጊእና ነተንፍሶ ብሓቂ ከምዚ ጌርና ንትዕቢትና እንተ ድኣ ኣተንፊስናዮ ጸቕጢ ከም ዘይብልና ኮይና ርእስና ክንረኽባ ኢና።



እዚ ግን ሚስጢር እዩ ኣምላኽ ነዚ ክንሪኦ ይዒንትና ይኸፈት ። ሰባት ኣብ ዙሪያና ዘሎው ብዛዕባ ሽሕን ሓደን ነገራት ከግረምርሙ ከለዉ ንሕና ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ኣይነግረምሩምን ኢና፥ እቲ ምኽንያት ክኣ እቲ እንኮ መንገዲ መምልጢ ገዛእ ርእስኻ ምትሓት ስለ ዝሰዓብና።




Chapter 8
እግዚኣብሄር ነቲ ትሕትን ዘለዎ ጸጋ ይህብ

እግዚኣብሄር ስለ ምንታይ ትሕትና ዘለና ክንከውን ዝደሌና ካልእ ምኽንያት ኣሎ ንሱ ኽኣ ምእንቲ ጸጋ ክህበና እዩ።እግዚኣብሄር ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ክጥሕስ ኣይክእልን እዩ -ሓደ ካብቲ ሕግታቱ ንሱ ዝተጸመዶ ፥ንዕቡይ ክቃዎምን ንትሑት ጸጋ ክህብን እዩ (1 ጴጥ 5=5)።ሽሕኳ ብዙሕ ንሱ ዘፍቅረና እንተ ኾነ፥እንተ ድኣ ዕቡያት ኮይና ንሱ ጸጋ ክህበና ኣይክእልን እዩ ።ከምእ'ውን ካብኡ ጸጋ እንተ ዘይረኺብና ፥ዕውት ህይወት ክንበር ኣይንኽኣልን ኢና።ሓይሊ ፈተና ብናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ጸጋ ጥራይ ኢና ክንስዕሮ እንኽእል።



ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ " (ዮው 1=17 ) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሉይ ኪዳን' ፥ሰባት ኣንጻር ፈተና ይቃለሱን -ይቃለሱን ነይሮም ፥እንተ ኾነ ኩሉ ግዜ ይስዓሩ ነይሮም።



ሳውል ብዓል ተርሴስ ብመሰረት ግዳማዊ መለኪዒታት ናይ እግዚኣብሄር ሕግታት እንታ ዘይብሉ እዩ ተመላሊሱ ።ኣብ ፊሊጲ 3=6 ፥ንሱ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ምስክርነት ይህብ "ብቕንኣት ሰጓጕ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ" ገና ግን ርእሱ ኣንጻር ፍትወትን ምኒዮትን ኣብ ልቡ ሓይሊ ዘይብሉ ሙኳኑ ርእሱ ረኺብዋ እዩ። ንሱ ይብል ኣብ ሮሜ 7=8 ፥



"ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ"።



እቲ ሕጊ ንሰባት ንልቦም ካብ ፍትወት ጹሩይ ክኸውን ኣይኽእለሙን ነይሩ።ሕጊ ማለት ንሰብ ሓጥያተኛ ሙኳኑን ኣንጻር ፍትዎት ስግኡ ሓገዝ ኣልቦ ሙኳኑን ካብ ግዳማዊ ሓጥያት ክሕልዎ ብናይ መቕጻዕቲ ፍርሒ ከርእዮ እዩ።ሰብ ግዳማዊ ኣበር ኣልቦ ህይወት ይህልዋ ይኸውን ፥ኣብ ቅድሚ ይዒንቲ ሰብ ፥ብሕጊ ኣቢሉ።ገና ግን ልቡ ቱቦ ናይ ረሳሕ ማይ ሓጥያት ክኸውን ይኽእል እዩ ! እዚ ነይሩ እቲ ዝበለጸ ሕጊ ክኾኖ'ውን ዝኽእል።



ኮይኑ ግን ጽብቕ ዜና ናይ ሓድሽ ኪዳን ብክርስቶስ የሱስ፥ እቲ ሕጊ ክገብሮ ዘይክኣለ ፥ጸጋ ይገብሮ እዩ።ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ እቲ ዘይግብኣና ጉንዖ ሓጥያትና ክሓድገልና ጥራይ ኣይኮነን። ኪንዮዚ ዝዛየደ እዩ ።ጸጋ ሓይሊ እግዚኣብሄር ንሓጥያት ክንስዕር ዘኽእለና እዩ።



ኣብ 2 ቆሮ 12=9 ፥ ጸጋ ምስ 'ሓይሊ' ማዕረ ተወሲዱ ኣሎ ፥ ምኽንያቱ ጎይታ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ንሱ ኽኣ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ በለኒ….."።



እዚ ጸጋ (ሓይሊ) ክንፈተን ከለና ክሕግዘና ይመጽእ። እብራውያን 4=16 ከምዚ ይብል ፥



"ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል ብግዜ ጸበባውን ንረደኤትና ዚኸውን ጸጋ ክንረክብ ብትብዓት ናብ ዙፋን ጸጋ ንቕረብ"።



ልብኹም በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ …. (እብ 13=9)።ሽዑ ንልብና ብፍትወት ካብ ምርካስን ምምናይን ክንሕልዎ (እብ 13=9)። ሽዑ ንልብና ብፍትወት ካብ ምርኻስን ምምናይን ክንሕልዎ ንኽእል።እዚ ጽብቕ ዜና ናይ ሓድሽ ኪዳን እዩ።



ኣብ እብራውያን 8=10 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ፥ " ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ኪዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር" ።ኣብ ትሕቲ ብሉይ ኪዳን (ሕጊ) ፥እግዚኣብሄር ንሰብ ከምዚ ኢሉ ነጊርዎ ፥" እዚ ክትገብር የብልካን " ን " እዚ ክትገብር የብልካን" እንተ ኾነ ኣስትውዕል ኣብዚ ጥቕሲ እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፥ እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ እቲ ሓላፍነት ወሲዱ ከምዚ ይብል "ኣነ ከንብር እየ" "ኣነ ክጽሕፍ እየ" ። እግዚኣብሄር ብመንፈስ ጸጋ ገይሩ ስርሑ ኣብ ኣእምሮናን ልብና ይገብር።



ብጸጋ ደጊም ኣቱም ፍቁራተይ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ…….(ፊሊ 2=12-13) ።ስለዚ "ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ" (ሮሜ 8=4) ።እዚ እዩ ነይሩ እቲ ቀንዲ ዕላማ እግዚኣብሄር ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ መንፈሱ ዝኽዓዎ። "መንፈስ ጸጋ " እዩ ነይሩ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዮርሳሌም ዝኽዕዎ ኣብታ ምዓልቲ" (ዘካ 12=10)።



እቲ ሩባ ሎሚ ከም መንጫዕጫዕታ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄር ገና ይውሕዝ እዩ ዘሎ ።ነበርቲ ናይ እግዚኣብሄር ስምያዊ ዮርሳሌም (ቤተ ክርስትያን) ገና ክመጹ ይኽእሉ እዮም ኣብ ትሕቲ እዚ መንጫዕጫዕታ ብጸጋ ኣምላኽ ከንጀርብቡ።



ሻቡ እቲ ተስፋ ሮሜ 6=13 ክፍጸም እዩ " ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ"።



ኣብ ትሕቲ እዚ መንጫዕጫዕታ ክትመጽእ ሓደ ኩነት ጥራይ ኣሎ-ንሱ ኽኣ ገዛእ ርእስና ምትሓት እዩ።



ጸጋ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ክንገዝእ ይኽእል እዩ፥ኣብ ልዕሊ ኩነታትትና፥ጭንቀትና፥ሕማቕስሚዒትና፥ሰይጣን፥ምረት፥ ጽልኢ፥ ቅንኢ፥ምምናይ፥ኣብ ነፍሲ ወከፍ እኩይ።



ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ" (1 ጴጥ 5=8) እንታይ እዩ "ጽንዕት ኢድ ኣምላኽ" ገዛእ ርእስና ኣብ ትሕቲኡ ከነትሕት ? እታ ጽንዕቲ ኢድ ኩሉ ዝኣዘዘት ኩነታትን ፥ሰባትን ኣብ ምዓልታዊ መንገድና ዘጓንፈና እዩ ።ገዛእ ርእስና ምትሓት ማለት ንኹሉ ብሓጎስ ናይ እግዚኣብሄር ርክባት ምሳና ክትግዛእ ኣብ ኩሉ ኩነታት -ዋላ ንሱ ሰባት ኣብ ልዕሊ ርእስና ክኸዱ ክፍቀድ ከሎ እዩ።



ፍጹም ክንፈርሕ ኣይድሌና እዩ እዚ ፍቓድ ክንጸሮ ኣዚዩ ብዙሕ ይኸውን እዩ ብምባል፥ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ይርኢዩ እዩ እቲ ክፍተት ኣብቲ ሓጹር፥ ይፈልጥ እዩ ክንደይ ኣብ ሓደ ግዜ ከርሕዎ።ንሱ ተወሳኺ'ውን ይፈልጥ እዩ ምዓስ ከም ዝዓጽዎ።



እንተ ድኣ ብዝኾነ ሓጥያት ተሳዒርና ዝተስዓርና ሙኳን ሓደ ምኽንያት ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ - ትዕቢትን ። ንሓጥያት ክንስዕር ኣይንኽእል ኢና እንተ ድኣ እግዚኣብሄር ጸጋ ዘይሂቡና።ከምእ'ውን እግዚኣብሄር ትዕቢተኛታት ክንከውን ከለና ፥ጸጋ ኣይህበናን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ግዜ ርእስና ተሳዒራ ክንረኽባ ከለና፥ናብ እግዚኣብሄር ከይድና ከምዚ ክንብልን የድሌና እዩ ፥



"ጎይታ ትዕቢት ኣባይ ኣበይ ከም ዝተቐመጠ ኣርኤኒ እቲ ንሓጥያት ክስዕር ጸጋ ከይትህበኒ ዝዕንቅጸካ "።



ርእስና ክንፈርድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ቁልጡፋት እንተ ኾይና፥ ብኸምዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ዓወት ናትና ክኸውን እዩ።



ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት መሰል ውልድነትና እዩ።



ንሰይጣን ኣይተፍቅደሉ ክኽልክለካ ብዘይምፍላጥ ወይ ትዕቢት።ዓወት ንምርካብ ግዜ ዝወስድ እንተ ኾይኑ፥ ብምኽንያት እግዚኣብሄር ትሕትና ዘለና ክገብረና ግዜ ስለ ዝወስድሉ እዩ። ግዜ ይወስድ እዩ እግዚኣብሄር ነቲ ርእሰ-ተኣማንነትና ከም ደቂ ኣዳም ዝተመላእናዮ ክሰባብሮ።



ሓደ መልክዕ ትዕቢት ንሓጥያት ክንስዕር ሓይሊ ከም ዘለና ብምሕሳብ እዩ።ንሓስብ ኢና ኩሉ እቲ ዘድሌና ንእሽተይ ዝያዳ ውሳኔ ኢልና፥ንእሽተይ ዝያዳ ርእሰ-ምቕጻዕ ኢልና፥ንእሽተይ ዝያዳ ጸሎትን ጾሙን ኢልና፥ንእሽተይ ዝያዳ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኢልና።ኣብ ከምዚ ዓይነት መጽሓፍ ብዛዕባ ዓወት ከነንብብ ከለና፥ነቲ ምህሮ ብንጹር ሕጂ ከም ዚጨበጥናዮ ገይርና ክንሓስብ ንኽእል ኢና፥ዓወት ቀሊል ከም ዝኸውን።



ብዓቢ ርእሰ-ተኣማማንነት ንቕድሚት ንኸይድ ፥ኮይኑ ግን ገና ኣይተረድኣናን ምትእምማና ኣብ ገዛእ ርእስና እምበር ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ ከም ዘይኮነን።እንሆ ወዳጄ ! ብኣዚዩ ሕማቕ ኩነት ክኣ ንወድቕ።



ግናኸ በታ ሓንቲ ዝወደቕናያ ትምህርቲ ንወስድዶ ይመስለካ ? ክኣ እግዚኣብሄር ክንወድቕ ክፈቅድ እዩ እንደገና -እንደገና -ክሳብ ሓደ ምዓልቲ ኩሉ ተስፋና እንጽንቅቕ ከቶ ዓወት ንምርካብ፥ ምኽንያቱ ዋላኳ ብኹሉ ጽብቕ ውሳኔታትና ፥ኩሉ ግዜ ወዲቕና ኢና።እዚ እቲ ዜሮ-ነጥቢ እዩ፥ኣብቲ እግዚኣብሄር ክመርሓና ዝኽእል ናብቲ ምድሪ ዓወት ተስፋ ዝሃቦ።



ኣብ ብሉይ ኪዳን ፥ነቶም ግብጺ ሓዶጎም ዝወጹ እስራኤላውያን ኣምጺእዎም እዩ፥ ናብ ዶባት ምድሪ ተስፋ ድሕሪ ክልተ ዓመት ካብ ግብጺ ምውጽኦም። ኮይኑ ግን ክኣትዉ ኣይክኣሉን፥ምኽንያቱ ብሰሪ ዘይምእማኖም (ዘጸ ምዕራፍ 13 ን 14 ርኤ)።ከምእ'ውን እግዚኣብሄር ነቶም ትዕቢተኛታት ፥ኣብ ርእሶም ዝትኣማመኑ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ በዳ ኮለል ክብሉ ፈቒድሎም ን ካልእ "38 ዓመታት ፥ክሳብ እቶም ተዋጋእቲ ሰብኡት (እዚ ተምሳል ናይ ርእሰ ብርትዔ እዩ) ዝጠፍኡ" (ዘዳ 2=14) ።ሻቡ ናብ ዜሮ-ነጥቢ መጺኦም ።ከምእ'ውን ክኣትዉ ክኽእሉ። ሽዑ ያሪኮ ኣብ ቅድሚኦም ወዲቑ፥ብዘይ ዝኾነ ናታቶም ጻዕሪ።



እግዚኣብሄር ናብ ዜሮ ክቕንሰና ኣለዎ፥ቅድሚ ንሱ ስርሑ ክገብር ምኽኣሉ ኣባናን ብኣናን። ኣርብዓ ዓመት ክወስድ ኣይድልን እዩ።ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።እንተ ድኣ ሱር ነቀል ኮይናካን፥እንተ ድኣ ብዝኾነ ዋጋ ርእስኻ ከተትሕት ዝወሰንካ ኮይናካ።



ክሳብ ንኹነታትና ወይ ንካልኡት ሰባት ቀጻሊ ምምስማስ ክሳብ ዝቐጸልና ፍጹም ንዓወት ተስፋ ክንገብር ኣይንኽእል ኢና። ግናኸ እንተ ድኣ ርእስና ኣትሒትና ፥እግዚኣብሄር ኩሉ ኩነታትና ከም ዝቆጻጸሮ ብምእማን፥ክንስዕሮ ኣዚዩ ዝሕይለና ፈተና ከቶ ኣይክህሉን እዩ፥ሻቡ ዓወት ዝተረጋገጸ እዩ።




Chapter 9
እግዚኣብሄር ንኹነታትና ይቆጻጸሮ እዩ

እምነትና ዘይናወጽ ምእንቲ ክኸውን ፥ንእግዚኣብሄር ዝምልከት ብጹኑዕ ኣብ ልዕሊ ስለስተ ሓቅታት ክዓርፍ ኣለዎ- ፍጹም ዝኾነ ፍቕሩ ፥ፍጹም ዝኾነ ሓይሉን ፍጹም ዝኾነ ጥበቡን። እንተ ድኣ ብዛዕባ ፍቕሩ ኣሚናን ኣረጋጊጽናን ፥ብማዕረ ክንኣምን ኣሎና ብዛዕባ ልዑላውነቱን ሓይሉን እንኮላይ።

ስለዚ እዩ ኽኣ የሱስ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢልና ኣብ ጸሎት ከነቕድም ዝምሃረና " ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና" እዚ "ኣቦና" እቲ ንሱ ሓያል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ክሉ ነገር ዝገዝእ እዚ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፍጹም ብዝኾነ ልዕላውነት እግዚኣብሄር ብሙኳኑ የዘኻኽረና እዩ ፥ንሱ'ውን ፍጹም ጥበበኛን ስለዚ ኽኣ መንገድታትን ፍጹም ብመሰረት ጥበብ ይእዝዝ።

"መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ…..እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ" (መ.ዳዊት 18=30,32)።

እግዚኣብሄር ብፍቕሪ ሓይልን ጥበቡን ፍጹም እንተ ዘይከውን ነይሩ፥እምነትና ዝዓርፈሉ እኹል መሰረት ኣይምስሃለዋን።እንተ ኾነ ብምኽንያት ብፍቕሪ፥ሓይልን፥ጥበብን ፍጹም ስለ ዝኾነ ፥ክንናወጽ ፍጹም ኣይድልን እዩ።

እምነት ማለት ምድጋፍ ሰብኣዊ መንነት ብሙሉእ እምነት ኣብ እግዚኣብሄር ኣብ ፍጹም ዝኾነ ፍቕሩ ፥ሓይሉን ፥ጥበቡን እዩ።

ናይ እግዚኣብሄር ጥበብ ፍጹም ሙኳኑ ኩሉና ንፈልጥ ኢና።ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ዝልዕል መንገድታቱ ካብ መንገድታትን ዚልዓለ እዩ።

"ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9 ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ" (ኢሳ 55=8-9)።

እዚ ስለ ዝኾነ እቲ ምኽንያት ወትሩ እቲ መንገዲ ዝሰርሓሉ ወይ እቲ መንገዲ ንጉዳይና ዝእዝዞ ዘይንርድኦ።እንተ ድኣ ቆልዓ ኩሉ መንገድታት ኣቡኡ ክርዳእ እንተ ዘይኪኢሉ፥እምብኣርከስ ንኹሉ መንገድታት እግዚኣብሄር ክንርድኦ እንተ ዘይኪአልና ዘገርም ኣይኮነን ። ብመንፈሳዊ ህይወት ክንዓቢ ከለና ዝያዳ ኣምላኻዊ ተፈጥሮ ተኻፈልቲ ክንከውን ከለና ግዳ፥ናይ እግዚኣብሄር መንገድታት ዝያዳ ክንርዳእ ንጅምር።

እቲ ፍጹም ዝኾነ ልዑላውነት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኩነታትን ፥ጉዳይ ዘተሓሳስብ ብዙሓት ኣመንቲ ተጠራጠርቲ ኮይኖም ዝተርፉሉ እዩ።ነዚ ብኸናፍሮም ኣፍልጦ ክህቡ ይኽእሉ ፥ኮይኑ ግን ኣብ ኩሉ ኩነታት ምዓልታዊ ህይወት ከም 'ዝሰርሕ' ኣይኣምኑን እዮም።እንተ ኾነ ግዳ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝሰርሕ ብልዑላውነት ኣብ ክንዲ ሕዝቡ ብኣብነታት ዝመልኤ እዩ ፥ድማ ወትሩ ኣብቲ ኣዚዩ ኽኸውን ተኽእሎ ዘይብሉ መንገድታት።

ብዙሓት ካባና ክትርድኦ እትኽእል ተኣምራታዊ መንገድታት እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ሕዝቡ ዝሰርሖ ንፍልጥ ኢና-ንኣብነት ከም ናይ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምውጻእ ወ.ዘ.ተ። ኮይኑ ግን ንዓበይቲ ትኣምራት እግዚኣብሄር ንኹነታት ናብ ረብሕኡ ክልውጦ ሰይጣን ንናይ እግዚኣብሄር ሰባት ከጥቅዕ ከሎ ኣይንሪኦን ኢና።

ጉዳይ ናይ ዮሴፍ ብሉጽ እዩ። እግዚኣብሄር ነቲ መበል 11 ወዲ ያቆብ ኣብ መበል 30 ዕድሚኡ ኣብ ግብጺ ካልኣይ መራሒ ክኸውን መደብ ነይርዎ።

ዮሴፍ እግዚኣብሄር ዝፈርህ ነይሩ በዚ ምኽንያት ክኣ ንሱ ብሰይጣን ዝተጸልኤ ነይሩ።ስለዚ ኽኣ ሰይጣን ንዓበይቲ ይሕዋቱ ንኸወግድዎ ኣለዓዒልዎም ።እንተ'ኾነ እግዚኣብሄር ውሕስነት ሃበ ህይወት ዮሴፍ ከይወስድዋ። ንነጋዶ እስማዒላውያን ክሸጥዎ ኽኣ ተኸናዊንሎም ።ግናኸ እዞም ነጋዶ ናበይ ወሲዶሞ ይመስለኩም ? ብርግጽ ናብ ግብጺ ! እዚ እቲ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ተፈጻምነት ምርካብ መደብ ኣምላኽ ነይሩ ! ።

ኣብ ግብጺ ፥ዮሴፍ ብጶጢፋር ተዓዲጉ።እዚ ብእግዚኣብሄር እዩ ተሰሪዑ። ሰበይቲ ጶጢፋር እከይ ሰበይቲ እያ ነይራ። ንዮሴፍ ብምብሃግ ክኣ፥ደጋጊማ ከተዋናውኖ ፈተነት።ኣብ መወዳእታ ከም ዘይትዕወት ምስ ተገንዘበቶ፥ንሳ ብሓሶት ከሲሳቶ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣ ተደርቢዩ። ኮይኑ ግን ዮሴፍ ኣብቲ ቤተ ማእሰርቲ መን ረኺቡ ይመስለኩም ? ናይ ፈርኦን ኣሰላፊ ሜስ ! እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ እዋን ናይ ፈርኦን ኣሰላፊ ሜስ ክእሰር ሰሪዕዎ ምእንቲ ንዮሴፍ ክረኽቦ።እዚ ካልኣይ ስጉምቲ መደብ ኣምላኽ ነይሩ።

ናይ እግዚኣብሄር ሳልሳይ ስጉምቲ ንናይ ፈርኦን ኣሰላፊ ሜስ ብዛዕባ ዮሴፍ ንኽልተ ዓመት ክርስዖ ነይሩ፥

"እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን…..ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነበረ...ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ 10 ፈርኦን ብገላውኡ ተቘጥዔ፡ ንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወና። 11 ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሐለምና፡ በበይኑ ዝምፍታሑ ሕልሚ ሐለምና። 12 ኣብኡ ድማ እብራዊ ጐበዝ፡ ባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኸኣ ሕልምታትና ፈትሓልና፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ። 13 ኰነ ድማ፡ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ዀነ። ንኣይ ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ" (ዘፍ 40=23፥ 41=1,9-13)።

እዚ እዩ ነይሩ እቲ ግዜ ዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ ብመሰረት ናይ እግዚኣብሄር ግዜ ሰሌዳ።

መዝሙር ዳዊት 105=19,20 ከምዚ ይብል ፥

"ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፥ ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ አውጽኦ"።

ዮሴፍ ሕጂ ወዲ 30 ዓመት እዩ።ክኣ እግዚኣብሄር ንፈርኦን ሕልሚ ሂብዎ።ከምእ'ውን እግዚኣብሄር ነቲ ኣሰላፊ ሜስ ዮሴፍ ሕልሚ ከም ዝፈትሕ ኣዘኻኺርዎ ።ከምዚ ኢሉ ኽኣ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን መጺኡን ካልኣይ ገዛኢ ግብጺ ኮይኑ።ናይ እግዚኣብሄር ግዜ ፍጻመታት ኣብ ናይ ዮሴፍ ህይወት ኣዚዩ ፍጹም ክኸውን ኣይምክእልን ነይሩ።

ከምቲ እግዚኣብሄር ዝገብሮ ፍጹም ክንሕስብ ኣይንኽእልን ኢና ነገራት ምስራዕ።ንናይ ዮሴፍ ህይወት መደብ ክንገብር ሓይሊ እንተ ዝህልዎና ነይሩ ፥ምናልባትውን ሰባት ዝኾነ ጉድኣት ከይገብርሉ ምስ ከልከልናዮም ነይርና።ኮይኑ ግን እቲ እግዚኣብሄር ዝገብሮ መንገዲ ዝበልጸ ነይሩ።

ኣዚዩ ዓቢ ትኣምራት እዩ ሰባት እቲ ክፉእ ዝገብሩና ተጠዊ ናይ እግዚኣብሄር ንዓና ዘለዎ ዕላማታት ክፍጽም ከሎ ! እግዚኣብሄር ዓቢ ሓጎስ ይወስድ እዩ ንኹነታት ናብ ረብሕኡ ክልውጥ ከሎ ነቲ ሰይጣን ዘምጽኦ፥ምእንቲ ኩሉ ነገር ንሰናይ ክዓይይ ነቶም ሕሩያቱ።

ነዞም ፍጻመታት ኣብ ልዕሊ ኩነታትና ተግባራዊ ንግበሮም።

እንታይ እዩ ክኸውን ዝግባእ እቲ ኣረኣእያና ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት፥ብኣና ንዝቐንኡ ይሕዋት፥ሰበይቲ ብሓሶት እትኸሰና፥ክሕጉዙና ቃል ዝኣተውልና ይዕሩኽትና ኮይኑ ግን ዝረስዕዎ ወይ'ውን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ናብ ቤተ ማእሰርቲ ዝተሰንደኻ ምዃን።

እግዚኣብሄር ዝኣክል ልዑላዊ ኩሎም እዞም ሰባትን ኩሉ ነገር ዝገብርዎን -ብሃንደበት ዝተገበረ ወይ'ውን ኮነ ኢልካ-ኣብ ህይወትን ዘሎዎ ዕላማ ኩሉ ንሰናይና መፈጸሚ ሙኳኖም ክጥቀመሎም ከም ዝኽእል ንኣምንዶ ? እንተ ድኣ ንሱ ንዮሴፍ ገይርሉ፥ንሱ ንዓና ክገብረልና ኣይክእልን ? ንሱ ብርግጽ ይኽእልን ንሱ ክገብረልና እዩ።

ግናኸ ንናይ ዮሴፍ ህይወት ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መደብ ከበላሽዎ ዝኽእል ክነግረኩም ። ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ - ንሱ ኽኣ ዮሴፍ ባዕሉ እዩ ነይሩ።ንሱ ነቲ ናይ ሰበይቲ ጶጢፋር ምሕባል ኢድ እንተ ዝህብ ነይሩ ብርግጽ እግዚኣብሄር ምስ ሓደጎ ነይሩ።

ኣብ ኣጽናፍ ሓድ ሰብ ጥራይ ኣሎ መደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ከበላሾን ክዕንቅጽን ክገብር ዝኽእል -ንሱ ኽኣ ገዛእ ርእስኻ እዩ ዋላ ሓደ ካልእ እዚ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ፥ዋላ ይዕሩኽትኻ ኮኑ ወይ ጸላእትኻ ፥መልኣኽቲ ኮኑ ወይ ሰይጣን። ንስኻ ጥራይ እዩ።

ሓንሳብ ነዚ ምስ ርኣናዮ ፥ካብ ብዙሕ ዓቢ ፍርሕን ካብ ጌጋ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጎድእና ሰባት ሓራ ክንወጽእ ኢና።

ሓደ ተወሳኺ ኣብነት ካብ ብሉይ ኪዳን ንርኤ ፥ምእንቲ ሓሳባትና ኣብዚ ሓቂ ብጹኑዕ ክስረት ።

ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር፥እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይሁድ ከም ዓሌት ካብ ማሕረዲ ከምይ ከም ዘድሓኖም ነንብብ።ግናኸ ኣዚዩ ዘገርም እዩ እግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝገብሮ ብሓንቲ ንእሸተይ ጉዳይ -እቲ ንጉስ ሓደ ለይቲ ክድቅስ ኣይክኣለን ።ሃማንን ሰበይቱን ሓደ ለይቲ ካብ ንጉስ ፍቓድ ክረኽቡን ንሞርዶካይ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ መሕነቒ ቦታ ክሰቕልዎ ከም መቕደም ንኹሎም ኣይሁድ ከጥፍኡ ውዲት ይገብሩ ነይሮም።እንተ ኾነ ሃማንን ሰበይቱን እከይ መደባት እናኣለሙ ከለዉ ፥እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ሞርዶካይ ይሰርሕ ነይሩ። "እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ" ( መ.ዳዊት 121=4)።

እግዚኣብሄር ኣብታ ለይቲ ነቲ ንጉስ ከይድቅስ ከልኪልዎ።"እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ዜልቦ ሓደረ፡ እቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል መዘከርታ ኼምጽኣሉ ኸአ ኣዘዘ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከአ ተነብበ" (ኣስቴር 6=1) ። ንጉስ ክሳብ ዝወግሕ ናይታ መንግስቲ ታሪኽ ንብዙሕ ስዓታት ሰሚዑ። ሽዑ እታ ምንባብ ናብቲ ቦታ ሞርዶካይ ሓደ እዋን ንንጉስ ካብ ክቐትልዎ ዝሓስቡ ሰባት ከም ዘድሓኖ ዝነግር መዝገብ መጺኡ።እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ እንታይ ዓይነት ክብሪ ሞርዶካይ ከም ዝተሸለመ በዚ ዝገበሮ ሓቲትዎም ፥ግዳ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይተገበረሉ ንቲ ንጉስ መለሱሉ።

ናይ እግዚኣብሄር ግዜ ፍጻመታት እንደገና ፍጹም ነይሩ ።ሃማን ናብ ንጉስ እናኣተወ እናሓሰበ ከሎ ንንጉስ ፍቓድ ክሓትት ንመርዶካይ ክሰቕሎ። ሃማን ቅድሚ ኣፉ ክኸፍት ምኽኣሉብ፥እቲ ንጉስ 'ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለየ ሰብ እንታይ ክገብርሉ ይግባእ በለ ኢሉ ንሃምን ሓተቶ' ።ሃማን ተነያቲ ሰብኣይ ንዕኡ ንጉስ ዝጠቐሰ መሲልዎ፡። ነዚ ሰብኣይ ዓቢ ሰልፊ ናይ ክብሪ ይግብኦ ኢሉ ሓሳብ ኣቕረበ።

ከመይ ድንቂ ዚመልኦ እዩ ኣምላኽና ሰይጣን ዝመደቦ ኩነታት ናብ ረብሓና ክልውጦ ከሎ ።ሃማን ኣማሲኡ ኣብቲ ኣብታ ንመርዶካይ ዘዳለዋ መሕነቒ ተሰቒሉ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ፥

"ጕድጓድ ዚዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ" (ምሳሌ 26=27)።

ሃማን ኣብዚ ዛንታ ፥ከም ዓይነት ሰይጣን እዩ እቲ ኩሉ ግዜ ገለ ክፉእ ኣንጽርና ዝውጥን እዩ። እግዚኣብሄር ደው ኣይበሎን እዩ ፥ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኣዚዩ ዝበለጸ መደብ ስለ ዘለዎ። ንሱ ዝደልዮ ሰይጣን ንዘምጽኦ ንረብሓና ክልውጥ እዩ ።እቲ ሰይጣን ዝኹዕተልና ጉድጓድ ገዛእርእሱ ኣማሲኡ ዝወደቅሉ እዩ።

ጾፎንያስ 3=17 ኣብ ሓደ ትርጉም ከምዚ ይብል " እግዚኣብሄር ብሰላሕታ ብፍቕሪ ይውጥነልና "፥ ኩሉ ግዜ ።

ማርዶካይ ኣብታ ለይቲ ብሰላም ደቂሱ ከሎ ፥ፍጹም ኣፍልጦ ኣይነበሮን ኩሉ እከይ ውጥናት ሃማንን ሰበይቱን ኣንጻሩ ዝሰርሕዋ ዝነበሩ፥እግዚኣብሄር'ውን ንማርዶካይ ክከላኸል ይውጥን እዩ ነይሩ ስለዚ ማርዶክይ በቃ ብሰላም ደቂሱ፥ዋል'ኳ ንሱ ናይ ሃማን እኩይ ውጥን እንተ ዘይፈለጠ።፡ኢሂ ናይከ ? እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ኮይኑ ፥መን ክቃዎመና ይኽእል ?

ጴጥሮስውን ብሰላም ተመሊኡ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ክድቅስ ይኽእል እዩ ፥ ቅድሚ እታ ለይቲ ንሱ ብሄሮድስ ንክቕተል ጵጥሮስ'ውን ብሰላም ክድቅስ ኪኢሉ እዩ፥እግዚኣብሄር ብሰላሕታ ብፍቕሪ ይውጥነልና ከም ዘሎ ብምፍላጥ።ኣብቲ ልክዕ ግዜ ፥ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ መጺኡ ኣበራቢሩ ኣተንሲኡ ነጻ ፈቲሕዎ (ግብ ምዕራፍ 12 )።

ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ንሕና'ውን ልዋም ድቃስ ክንድቅስ ንኽእል ኢና፥ብዘይገድስ እንታይ ሰባት ወይ'ውን ኣጋንንቲ ክገብርና ዝፍቱኑ ዘለዎ-እንተ ድኣ ንሕና ኣሚና ኣብ ሙሉእ ብሙሉእ ልዑላውነት እግዚኣብሄር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነገርን ሰብን።

ሓንሳብ ልዑላውነት እግዚኣብሄር ምስ ርኤና ፥ንሕና ንዝኾነ ነገር ንሰባት ምውቃስ ደው ከነብል ኢና። ድሕሪ ደጊም ንሰይጣን ኣይንፈርሕን ኢና፥ንሱ ብገለ መንገዲ ከይጎድኣና ብምፍራሕ። ኣይክንፈርህን ኢና ብሕማም ወይ'ውን ብጥዕና ምስኣን ወይ'ውን ካልእ ዝኾነ ነገር ኣብዚ ዓለም።

መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ኩሉ ነገር ፥ኣብ ኩሉ ኩነታትን ከምእ'ውን ንኹሉ ሰብን ከነመስግን ይነግረና።

"ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ" (ኤፌ 5=20)

"እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ" (1 ተሰ 5=18)

"እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ" (1 ጢሞ 2=1-2)

ነዚ ትርጉም ብዝመልኦ ክንገብሮ ንኽእል ኢና፥ጥራይ ፍጹም ዝኾነ ልዑላውነት እግዚኣብሄር ክንሪኢ ከለና።

እግዚኣብሄር ከምቲ ንየሱስ ዝሓለየሉ ንዓናውን ይሓሌልና እዩ፥ሓደ ዓይነት ጸጋ እቲ ንየሱስ ዝሓገዘ፥ሓደ ዓይነት ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኽስዕር ዘኽኣሎ፥ሕጂ ንዓና ክርከብ ዝክኣል እዩ።

ይሁዳ ንየሱስ ጠሊምዎ ፥ጴጥሮስ ኪሒድዎ ፥ደቂ መዛምሩ ሓዲጎሞ ከይዶም ፥ብዙሓት ኣንጻሩ ተላዒሎም፥ንሱ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ተታሒዙ፥ብሓሶት ተኸሲሱን ፥ንኽስቀል ተመሪሑ። ከምእ'ውን ናብ መስቀል እናኸደ ከሎ፥ናብቲ ብዙሕ ሕዝቢ ተጠውዩ ንሱ ከምዚ ክብል ኪኢሉ "ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ" (ሉቃ 23=28)።

ኣብኡ ኣሰር ምስትምሳል ኣይነበረን።

ንሱ ፈሊጡ እዩ እቲ ጽዋዕ ዝሰትዮ ዝነበረ ብኣቡኡ ዝተሰደደ ሙኳኑ። ይሁዳ ኣሰቆርታዊ ጥራይ መልእኽተኛ ነታ ጽዋዕ ዘምጽኤ እዩ ።ስለዚ ኽኣ ንሱ ናብ ይሁዳ ብፍቕሪ ክሪኦን "ዓርከይ" ኢሉ ክጽውዖ ዝኽእለ። ነዚ ክትገብሮ ኣይትኽእል ኢኻ ፥ኣብ ሙሉእ ልዑላውነት እግዚኣብሄር እምነት እንተ ዘይሃሊካ።

የሱስ ከምዚ ክብል ንጲላጦስ ነጊርዎ "የሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ" (ዮው 19=11)።

ንየሱስ ኣብዛ ዓለም ከም ንጉስ ክመላለስ ዘኽኣሎ፥ብኽብሪ እዚ ውሕስነት እዩ ነይሩ።

ንሱ በዚ መንፈሳዊ ክብሪ ተመላሊሱን ብእኡ ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ክብሪ'ውን ሞይቱ።

ሕጂ "ከምቲ የሱስ ዝተመላለሶ ክንመላለሰ" ተጸዊዕና ኢና።ከምቲ ንሱ "ጽብቕ ምእማን ዝመስከሮ" ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ፥ንሕና'ውን ኣብ ቅድሚ እዚ ዘይኣምን ወለዶ ።

ጳውሎስ ኣብ 1ጢሞ 6=13,14 ከምዚ ክብል ነጊርዎ፥

"ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዚገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ አሎኹ"።

ከምቲ ድሮ ዝርኣናዮ ፥እቲ ናይ መወዳእታ ጽብቕ እግዚኣብሄር ዝዓዮ ዘሎ ተኻፈልቲ ተፈጥርኡ ቅድስንኡ ክንከውን እዩ።ኣዚዩ ብዘደንቕ ልዑላውነቱ ፥ንሱ ንኹሉ ኣብ መንገድን ዘጓንፉና ንዕላምኡ ንኽፍጽም ይጥቀመሉ።በዚ ምኽንያት ኢና ንኹሉ ሰብ ምስጋና ክንህብ እንኽእል።

እግዚኣብሄር ስለ ምንታይ ነቲ ኣሸጋሪ ጎረቤት ፈቒዱ፥እቲ መኛካ ዘመድን እቲ ጨቋኒ ናይ ስራሕ ሓላፊ ቀጻሊ ከጨንቐካ

ዝቐጸለ? ንሱ ብቐሊሉ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞም ወይ'ውን ዋላ ህይወቶም ክወስድ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን ዝኾነ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣይሰርሕን እዩ።ስለ ምንታይ ? ምኽንያቱ ንሱ ንዓና ክንቅደስ ክጥቀመሎም እዩ። ንሱ ዋላ'ውን ብኣኻ ክድሕኖም ይኽእል ይከውን።



ምስጋና ንእግዚኣብሄር ይኹን ዓወትና ፍጹም በቶም ከቢቦምና ዘለዉ ዓይነት ሰባት ኣይምርኮስን እዩ - ዋላ ኣብ ገዛና ወይ'ውን ቤት ጽሕፈት ወይ'ውን ኣብ ካልእ ዝኾነ ቦታ። ዓዎትና ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ እዩ ዝምርኮስ ።ድማ እቲ ጸጋ ኣብ ኩሉ ኩነታትና ናትና ክኸውን ይኽእል እዩ፥እንተ ድኣ ገዛ ርእስና ኣትሒትና።




Chapter 10
እምነት ኣብ እግዚኣብሄር ወይስ እምነት ኣብ ገንዘብ

ገንዘብ ኣብ ዓለም ዓቢ ሓይሊ እዩ።በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ የሱስ ክልተ ጎይተት ጥራይ ንፍቕርና ዝደልዩ ከም ዘለዉ ዝተዛረበ። እግዚኣብሄርን ገንዘብን።



"ሐደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም" (ሉቃ 16=13)።



ዓለም ኣብ ሓይሊ ገንዘብ ትኣምንን ከምዚ'ውን ትብልን "ገንዘብ ዝኾነ ነገር ክገበር ይኽእል እዩ " ።ንሕና'ውን ከም ኣመንቲ "እግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክገብር ይኽእል እዩ " ንብል።ኮይኑ ግን ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ፥እቶም ዘይኣመንቲ ዝያዳ እምነት ኣለዎም ኣብ ኣምላኾም (ገንዘብ) ካብቲ ንሕና ዘሎና እምነት ኣብቲ ሓቀኛ ህያው ኣምላኽ ንላዕሊ።



ስለ ኣብዛ ዓለም ኩሉ ግዜ ምስ ጉዳያት ገንዘብ እንዋሳእ፥ኣብዚ ጉዳይ ዓወት ክንረክብ የድሌና እዩ።



ናይ ዓለም ኣመቲ ንዕኦም ገንዘብ ድንቅታት ክገብር ይኽእል እዩ።ብዛዕባናኸ እንታይ እዩ ? ካብቲ ገንዘብ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ እግዚኣብሄር ዝዓበየ ድንቅታት ክገብር ኣይክእልን ድዩ ? ኮይኑ ግን እንተ ድኣ እምነት ዘይብልና ኮይኑ፥እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳና ክዓይ ኣይክእልን እዩ ።የሱስ ከምዚ በለ ክልተ ሰባት ኣለዎ ኣብ ዩኒቨርስ ኣጽናፍ ዘይክኣሎም ነገር ዘየለ ሓደ እግዚኣብሄር እዩ ። እቲ ሓደ ኽኣ እምነት ዘለዎ ኣማኒ ።



"የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኵሉ ይከአሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከአሎን እዩ…..የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ" (ማር 10=27፥ 9=23)።



ዋላ ሓደ ዘይክኣል የልቦን -ንእግዚኣብሄርን ነቲ ሰብ ኣማኒ እምነት ዘለዎን።



እዚ ዘደንቕ እዩ።እንተ'ኾነ ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ናይ እምነት እዩ -ምስቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ዘራኽበና ።ብኸምዚ ዓይነት እምነት ፥ኣምላኽና ካብ ገንዘብ ዝዓበየ ሙኳኑ ንዓለም ኣብ ዙሪያና ዘለዎ ክንገልጽ እዩ።



ይዝክር ኣነ ሓደ ግዜ ነቲ ኣብ ባንግሎር ሕብረት እንገብረሉ ኣዳራሽ ንምህነጺ ዝኸውን ስሚንቶ ክንገዝእ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክንሓትት ነይሩና ። ናብቲ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ከይደ ዝመጽእ ሰሙን ክምለስ ነጊሩኒ።ኣብቲ ዝቕጽል ሰሙን ከይደ ንሱ መሊሱ ድሓር ክምለስ ነጊሩኒ። ንገለ እዋን እዚ ነገር ከምዚ ከይዱ፥ክሳብ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ናይ ቤት ጽሕፈታት ጽብቕ ኣፍልጦ ዘለዎ እቲ ጽሓፊ ብተዛዋዋሪ እንታይ ይሕትት ከም ዘሎ ነጊሩኒ፥ግቦ እዩ ነይሩ !



ብዛዕባ ጉቦ ሕቶ የልቦን።ኣብ ክንድ'ዚ ጸሊና ።ናብቲ ቤት ጽሕፈት ምኻድ ቀጺለ እናተመላለስኩ ብዙሕ ትዕግስቲ ግን ይሓትት !! ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ፥እቲ ፍቓድ ረኺብና።ንስሚንቶ ጥራይ እየ ሕቶ ኣቕሪበ ነይረ። እንተ ኾነ ትዕግስቲ'ውን ረኺበ !! ሃለ ሉያ !! ።



ክንደይ ድንቂ እዩ እግዚኣብሄር ነቲ ብልሽው ሓላፊ ክጥቀመሉ ኪኢሉ ንዓይ ተኻፋሊ ኣምላኻዊ ተፈጥሮ ክኸውን ኣኽኢልኒ-ንሱ ኽኣ ትዕግስቲ፥ ነቲ ሰብኣይ ግቦ ሂበዮ እንተ ዝነበር ነይረ፥ነቲ ስሚንቶ ቀልጢፈ ምስ ረኸብክዎ ነይረ።ኮይኑ ግን ዝኾነ ትዕግስቲ ኣይመስረኸብኩን ነይረ።መገዲ እግዚኣብሄር ከምዚ ዓይነት እዩ። እንተ ድኣ ኣኽቢርካዮ ንሱ ከኽብረካ እዩ።



"ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ... ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ…..." (1ሳሙ 2=30)።



ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ኣብ ህይወትና ድሌት እንተ ዘይብልና፥ፍጹም ዝኾነ ጸገም ኣይክህልወናን እዩ።



ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ባንግሎር እግዚኣብሄር ክህልዎና እንተ ደሊዩ ጥራይ ፥እቲ ስሚንቶ ደሊናዮ። ኣዳራሽ ሕብረት እንገብረሉ ክህልዎና ኣይደለናን እግዚኣብሄር ክህልዎና ዘይደለየ እንተ ዝኸውን ነይሩ።ቅድሚ ናይ እግዚኣብሄር ግዜ'ውን ኣይደለናን።ስለዚ ኽኣ ፥ነቲ ስሚንቶ ፍቓድ ክንረክብ 4 ዓመት እንተ ዝወሰደልና ነይ ሪ ፥ክንጽበ ኣዚይን ቁሩባት ነይርና። ናይ እግዚኣብሄር ግዜ ሰሌዳ ፍጹም እዩ።ንሱ ኩሉ ግዜ ኣብ ልክዕ ግዜ እዩ - ከምእውን ፍጹም ካብ ግዚኡ ኣይድንጉን እዩ ።እታ ምዓልቲ እግዚኣብሄር ነቲ ስሚንቶ ክንረኽቦ ዝወሰና እታ ምዓልቲ ኣርኪብና እንቕበሎ እዩ።ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ምድሪ የልቦን ካብ ምርካብ ደው ዘብለና ብመሰረት ናይ እግዚኣብሄር ግዜ ሰሌዳ፥ስለዚ ፥ንናይ እግዚኣብሄር ግዜ ክንጽበ ቁርባት እንተ ኾይና ፥እቲ ናቱ ርክባት ምስ ኩሎም እቶም ሓለፍቲ ዝተሳተፉ ፥ብናቱ ግዜን መንገድን ።



"ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ጊዜ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ። 9 ሽዑ ሳኦል፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኤ። 10 ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ፡ ሳኦል ከኣ ሰላም ኪብሎ ኢሉ፡ ኪቕበሎ ወጸ። 11 ሳሙኤል ድማ፡ እንታይ ግብሩ ገበርካ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተአከቡ ርኤኹ እሞ፡ 12 ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኺውርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡ በለ። 13 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል በሎ፡ ዐሺካ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝ ኣይሐሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ። 14 ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብአይ ደልዩስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ" (1 ሳሙ 13=8-14)።



ብዘይምዕጋስና ፥ብዙሓት እቲ ዝበለጸ ናይ እግዚኣብሄር ሓሊፍዎም እዩ ።ዋላ ሓደ የልቦን ንመደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ክዕንቅጾ ዝኽእል፥እንተ ድኣ ንሓቅን ጽድቅን ደው ኢልካ፥ንናይ እግዚኣብሄር ግዜ ክትጽበ ፍቓደኛ'ውን እንተ ኾይካ።



"ብትዕግስትን እምነትን ኢና ዝተውሃበና ተስፋ ንወርስ" (ዕብ 6=12)።



ከምዚ ሓደ ዓይነት መምርሒ ንናይ ገዛና ድሌታትና ኣብ ጉዳይ ገንዘብ ኣብ ስራሕ ከንውዕሎ የድሌና።እምነትና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ገንዘብ ኣይኮነን እንተ ድኣ ብመሰረት መምሪሕታት ናይ መንግስቲ እግዚኣብሄር ቤትካ ተስተናብር እንተ ሃሊኻ ፥ ንዘድሌካ ነገር ኩሉ ግዜ እኹል ክህልዎካ እዩ። ሃብታም ፍጹም ከይትኸውን ትኽእል፥ ኮይኑ ግን ብርግጽ ኣይክትልምንን ኢኻ።ዳዊት ከምዚ ኢሉ ኣሎ ፥



"ንእሽቶ ነበርኩ፥ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፥ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፥ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን" (መ.ዳዊት 37=25)።



የሱስ ከምዚ ኢሉ፥ "ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም" (ማቴ 6=33)።



ብዙሓት ክርስትያናት "ናይ ሙሉእ ግዜ ዓየይቲ" ብእምነት መጀመሪያ ዝጀመሩ ፥መወዳእትኡ ክብሪ ዘለዎም ለመንቲ ኮይኖም ወዲኦም እዮም ፥ወርሓዊ "ናይ ጸሎት ደብዳቤ " እናሰደዱ (እዚ ክኣ ወትሩ ጥራይ ካልእ ስም ን "መለመኒ ደብዳቤ") እዩ እዚ ኣንፈት ዝህብ ብልሓት ብዛዕባ ገንዘባዊ ድሌታቶም እዩ።



ስለ ምንታይ ኣንፈት ምሃብ ዘድሌካ ብዛዕባ ጎደለታትካ ንሰባት፥እንተ ድኣ ብሓቂ ኣፍቃርን ኩሉ ዝኽእል ኣቦ ኣብ ሰማይ ሃሊካ ? እንተ ድኣ እግዚኣብሄር ክትምርኮስ ክትትኣማመነሉ ንንእሽተይ ነገራት ከም ወርሓዊ ዘድሌና ዘይክእል ኮይኑ ፥ብጠቕላላ ንዕኡ ምግልጋል'ውን ደው ከነብሎ ኣሎና ! ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት ድዩ ክልቲኦም እግዚኣብሄርን ገንዘብን ተኣማንነትና ዝሓቱ።ንመን ክንኣምን ኢና ?



ድሌታትን ከም ናይ እግዚኣብሄር ሓደ ዓይነት እንተ ድኣ ኮይኑ፥ዝኾነ እንተ ኾነ ጸገም ኣክህልወናን እዩ።ድሌት ዘይብልና እንተ ድኣ ኮይኑ ወይ'ውን ንኽትውንን ዝኾነ ነገር እቲ እግዚኣብሄር ክህለወና ዘይደሊዮ፥ኩሉ ግዜ ኣብ ዕረፍቲ ክንከውን ንኽእል ኢና ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ መሰረታዊ ድሌታትና ክቕርበልና እዩ- እንተ ኣድሊዩ ፥ብትኣምራታዊ። ግናኸ ንድሌት ምዕዳግ ዘይድልዩ ነገራት ንፍትወት ምድራዊ ነገራት ኢድና ሂብና፥ሽዑ ኩሉ ግዜ ናብ ጸገም ጎይና ክንኣቱ ኢና።



ከምዚውን ሓደ ዓይነት መምርሒ እምነት ኣብ ምዓላ ይውዕል እዩ ፥ኣብ ናይ ህይወት መጻምዲ ኣብ ምርካብ።



"ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ" (ምሳ 19=14) ።



እግዚኣብሄር ሓደ ሰብ ናይ ህይወት መጻምድኻ ክኸውን እንተ መዲቡ ፥ገለ ሓደጋ ይህሉዶ ካልእ ገለ ሰብ ንዕኡ ወይ ንዕኣ ክምርዓዎ ? ኣይፋሉን እንተ ድኣ ኣብ ልዑላውነት እግዚኣብሄር ትኣምን ኮይናካ ?



ንዝኾነ ሰብ ክምርዖ ብምንዳይ ኣዳም ብሃታ ሃታ ክጎዪ ኣይድለዮን ኣብ ዙሩያ ኣታኽልቲ ኤደን ! ዋላ ንሱ ንዝኾነ ሰብ ክምርዖ ብምንዳይ ! ዋላ ንሱ ከምጽእ እንተ ዝሰርሕ ነይሩ፥ዝኾነ ሰብ ኣይምስረኸበን ! እግዚኣብሄር እንታይ እዩ ገይሩ ? ንሱ ንኣዳም ኣደቂስዎ። ክኣ ኣዳም ኣብ ዕረፍቲ ከሎ እዩ ኣግዚኣብሄር ንዕኡ ሰበይቲ ዘዳለወሉ። ሻቡ እግዚኣብሄር ኣበራቢርዎን ንሄዋን ክኣ ሂብዎም።



እግዚኣብሄር ክንድቲ ንኣዳማ ዘፍቀሮ ንዓኻውን የፍቅርካን ንሱ ብርግጽ ናብቲ ልክዕ ናትካ ሰብ ክመርሓካ'ውንዩ እንተ ድኣ ንሱ ንኽትምርዖ መዲቡ።ግናኸ ክትኣምኖ ኣለካ። ምጽባይ፥ ብዘይ እምነት ግን ጥራይ ናብ ተስፋ ምቑራጽ እዩ ዝመርሓካ።



ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ድሌታት እንተ ዘይብልካ ፥እንተ ድኣ ዋላ ዘይተምርዓኻ ክትከውን ፍቓደኛ እንተ ኾንካ፥እዚ ኽኣ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ድኣ ኮይኑ፥ሽዑ ዝኾነ ፍርሂ ክህልወካ ኣየድልን።



"ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ. …."(2 ዜና 16=9)።



እንታይ ድንቂ ዝመልኦ ኣምላኽ እዩ ዘለና !



"ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ" (1 ዮው 5=4)።



እምነት እንተ ድኣ ሃሊኳ -ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ፍጹም ጥበብ ፥ፍቕርን ሓይልን- ኩሉ ግዜ ንዛ ዓለም ክትስዕራ ኢኻ ብ፥ከምእ'ውን ንመስፍናን ሓይልታትን (ምድራዊ ንብረት ፥ፍትወት፥ክብሪ ወ.ዘ.ተ ) ።እንተ ድኣ ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ልዑላውነት ወይ ፍቕሩ ዘይትኣምን ኮይንካ፥ ምስ ደቂ ኣዳም ኣብ ህይወትሽግር ገዛእ ርእስኻ ተሳሒባ ፥እግዚኣብሄር ዘይምምሳል፥ዋጋ ዕዳጋ ምግባርን ፥ጭንቀትን ክትረኽባ ኢካ።




Chapter 11
እግዚኣብሄር ነቶም ዱኻማት ይሕግዝ እዩ

ዓለም ትብል ፥ ነቶም ገዛእ ርእሶም ዝሕጉዙ እዩ እግዚኣብሄር ዝሕግዝ። ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ዝሕግዝ ነቶም ገዛእ ርእሶም ክሕግዙ ዘይክእሉ እዩ ይብል። ንሱ ኣምላኽ ናይ ዱኹማትን ሓገዝ ዘይብሎምን እዩ።ንሱ ገዛእ ርእሱ ኣምላኽ መበለታት፥ ዘኽታማትን ስደተኛታትን ኢሉ ይጽውዕ።



ዘዳግም 10=17,18 ከምዚ ይብል ፥



"እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ። 18 ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፡ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ"።



ንሱ ገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ናይ ሃብታምን ሓያልን ኢሉ ኣይጸውዔን -ምኽንያቱ ናብ ሰብን ገንዘባዊ ሓገዝን ናይ ምቕራብ ኣኽእሎ ኣለዎም። ንሱ ኣምላኽ ዱኹማትን ሓገዝ ዘይብሎምን ፥ናብ ሰብ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ኣኽእሎ ዘይብሎሙን እዩ።በዚ ምኽንያት እዩ ንሱ ቅድሚ ክሕግዘና ምኽኣሉ ዱኹማት ክገብረና ዘለዎ።



እግዚኣብሄር ንጳውሎስ ኣብ ስግኡ ግራጭ ሂብዎ እዩ ምእንቲ ድኹም ክገብሮ ደሊዩ ፥መታን ጳውሎስ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወቱ ከም ዝዓረፈ ክፈልጥ።



ጳውሎስ ኣብ 2 ቆሮ 12=7-10 ከምዚ ይብል ፥



"ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። 8 እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባዚ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ 9 ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።10 እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ"።



ኣብ ሃብትኻን ጸለውቲ ይዕሩኽትኻን ክሳብ ዘተሞርኮስካ ንህይወት ሙቾት ክሪኡኻ ፥እግዚኣብሄር ክሓድገካ እዩ ምስ ዝደለኻዮ ክትገብር። ንሱ ዋላ'ውን ጸሎትክ ንሓገዝ ኣይክምልሶን እዩ -ምኽንያቱ ንሱ ይሪኦ እዩ ርእሰ ተኣማንነትካ ኣብ ቅልጽም ስጋ ሙኳኑ -ናይ ባንኪ ሕሳብካን እቲም እተፈልጦም ጸለውቲ ይዕሩኽትካን።



ንጉስ ኣሳ ናይ ይሁዳ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዝሓገዞ ሰብኣይ እዩ ነይሩ።ገና ግን ኣዚዩ ሓደገኛ ሕማም እግሪ ምስ ኣጋጦም፥ንሱ ኣብ ዶክቶራቱ እዩ ተሞርኪሱ ፥ኣብ ጎይታ ንኽሕውዮ ኣይኮነን። እዞም ዝሕዝኑ ቃላት ብዛዕብኡ ነንብብ "ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሐመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን። 13 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ፡ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደ ዓመት መንግስቱ ሞተ" (2 ዜና 16=12-13)።



ምኽንያቱ ንሱ ንጉስ ስለ ዝነበረ ፥ኣሳ እኹል ገነዘብ ነቶም ዝበለጹ ዶክተራት ኣብታ ምድሪ ክኸፈል ነይርዎ።ኮይኑ ግን ኩሉ ጽልውኡን ገንዘቡን ንሕማሙ ክሕውዮ ኣይክኣልን። ክንደይ ዝበለጸ ምስ ኮነ ነይሩ ንሱ ንጎይታ ዝእመን እንተ ዝኸውን ነይሩ !



ብደክቶራት ክሕከም ዋላ ሓደ ጌጋ ኣይኮነን፥ ኣብኦም ብምሙርኳሱ ግን ኩሉ ጌጋ ነይሩ።



እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ ኣብቲ ቦት ጎይታ ጥራይ በይኑ ሓጋዚ ክህልወካ ከሎ። እንተ ድኣ ንስኻ ሓደ ካብቶም ናይ እግዚኣብሄር ዝበለጸ ነገር ኣብ ህይወት ትብህጎ ኮይንካ፥እግዚኣብሄር በብቑሩብ ከለማምደካ እዩ፥ደጋጊሙ ፥ከርሕቐካ ኣብ ቅልጽም ስጋ ካብ ምሙሩኳስ ።ንሱ ዱኹም ክገብርካ እዩ ፥ምእንቲ ኣብኡ ጥራይ እትድገፍ ክትከውን።



እግዚኣብሄር ንኤልያስ ከመይ ከም ዝኣለዮ ኣብ ግምት ይእትው።ኣብ እስራኤል ጥሜት ምስ ኮነ ፥ እግዚኣብሄር ብኳዃት ማይ ካብ ሩባን ንኤልያስ መጊብዎ፥



"ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ኢሉ መጾ። 5 ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ። 6 እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ" (1ነገ 17=4-6)።



ክልተ ግዜ ንምዓልቲ እቶም ኳዃት እንጀራን ስጋን ኣምጽኤምሉን እኹል ማይ'ውን ኣብቲ ሩባ ነይሩ።እዚ ኣዚዩ ብስሩዕ ኮይኑ ኤሊያስ ኣብቲ እቶም ኳዃትን ማይ ሩባን ክምርኮስ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ ኣብ ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ።ስለዚ ኽኣ እግዚኣብሄር እቲ መተሓላለፊ ቀረብ ክቕይር ወሲኑ።"ኰነ ድማ፡ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ድሕሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ" (1 ነገ 17=7)።



ሓደ ንግሆ ፥ኤልያስ ናብቲ ሩባ ከይዱን ነቒጹ ኽኣ ረኺብዎ። እግዚኣብሄር ንኣገልጋሊኡ ኣብቶም ኳኻትን ማይ ናይቲ ሩባን ኣብኦም ካብ ምድጋፍ ደው ከብሎ ይምህሮ እዩ ነይሩ ።ንሱ ነቲ ስጋ ዝበልዕ ኳኽ ኣንጻር ተፈጥርኡ ክኸይድ ፥ንኣገልጋሊኡ ስጋ ክቕርብ ክገብር ዝኽእል ኣጸቢቑ ክእመን ይኽእል እዩ ካልእ መተካእታ መንገዲ ሕጂ ክቕርብ።



ስለዚ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ናብ ሰር ሰራጵታ ክኸይድ ነጊርዎ።ኣብኡ እግዚኣብሄር ክኣልዮ እዩ ነይሩ-ብሃብታማት ነጋዳ ዘይኮነስ ፥ግናኸ ብዓባይ ሰበይቲ ፥ሓገዝ ዘይብላ፥ብድኽነት ዝተሃሰየት ፥ኣይሁዳዊት ዘይኮነት መበለት ።ንሳ እቲ ናይ መወዳእታ ሰበይቲ እታ ንሕና ነዚ ዕዮ ምስ መርጽናያ ነይርና።



ኮይኑ ግን ናይ እግዚኣብሄር መንገድታት ካብ ናትና ዝተፈለየ እዩ።ንሱ ይሕጎስ እዩ ብትጽቢት ዘይተገበረሉ መተሓላለፊ ቀረብ ክጥቀም፥እዚ ኽኣ እምነትና ኣብቲ መተሓላለፊ ዘይኮነስ ምእንቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።



"ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። 28-29 ስጋ ዘበለ ኣብቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ" (1 ቆሮ 1=27-29)።



ድንቂ ምዓልቲ ኣብ ህይወትና ክኸውን እዩ እቶም ንነዊሕ እዋን ዝመገቡና ኳኻት ናባና ምምጻእ ደው ምስ ኣበሉ።ሽዑ ኣብ እግዚኣብሄር ንበይኑ ጥራይ ክንኣምን ክንጅምር ኢና።



እቲ ክሕግዘካ ተስፋ ዝኣተወልካ ሰብ ክትጉሂ እንተ ድኣ ገይርካ፥ኣንጻሩ ኣይተግሮምርም ። እግዚኣብሄር ከይሕግዘካ ደው ኣቢልዊ ክኸውን ኣለዎ ፥ምእንቲ ክትምሃር ኣብ ህያው እግዚኣብሄር ክድገፍ ክትክእል።



እግዚኣብሄር ቀናእ ኣምላኽን ንሱ ክብሩ'ውን ምስ ካልእ ኣይካፈሎን እዩ።



" ኣነ እግዚኣብሄር እየ…... ክብረተይ ከኣ ንኻልእ …. ኣይህብን እየ" (ኢሳ 42=8)።



"ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይሃሉኻ" ዝብል ቃል እቲ ደጋጊምና ክንሰምዖ ዘድሌና እዩ ፥ ምኽንያቱ ስጋና ናብ ጣኣት ገጹ ናይ ምኻድ ዝንባሌ -ኣብ ሰብን ገንዘባዊ ምንጭታትን ናይ ምድጋፍ ስለ ዘለዎ።እግዚኣብሄር ኣብኡ ጥራይ ንበይኑ ንኹሉ ጎደሎታትና ክንድገፍ ይደሌና ።ሽዑ ኩሉ ግዜ ብዓወት ክነብር ክንክእል ኢና።




Chapter 12
ንኽሉ ዝኣክል ጸጋ

እቲ ድምርን ቁም ነገርን እቲ ኩሉ ክንብሎ ዝጸናሕና ክሳብ ኣብዚ ኩሉ እቲ ምድሓና ብጸጋ ብእምነት ሙኳኑ እዩ።

"ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን" (ኤፌ 2= 8-9)።

ክርስቲያናዊ ህይወትና ሕድገት ሓጥያትን ጥምቀት መንፈስ ቁዱስን ተቐቢልና ብጸጋን ብእምነትን ኢና ንጅምሮ።ሓደ ምዓልቲ ድማ ክርስቶስ የሱስ ብኽብሪ ምስ ተመለሰ፥ ኣብ ኣየር ክንቃባበሎ ድማ ክንጠቕ ኢና።እዚ'ውን ብጸጋን ብእምነትን እዩ ዝኸውን።

ሰለዚ፥እቲ መጀመሪያናን መወዳእታን ክርስትያናዊ ህይወትና ኣብ ምድሪ ብጸጋን እምነትን እዩ። እንታይ ክንምሃር ዘድሌና ኩሉ ነገር ኣብ ሞንጎ'ዚ እዩ፥ከምእ'ውን ክንቅበሎ በዚ ሓደ ዓይነት መምርሒ እዩ ። ብጸጋን ብእምነትን ፥ንኹሉ ነገር እከይ ክንስዕር ንኽእል፥ከምእ'ውን እግዚኣብሄር ነቲ መንደበልና ዕዮ ኣብ ምድሪ ክንፍጽም ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ ኩሉ መጻኢና ይፈልጥ እዩ።ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን ንዓና ክጋጥመና ዝመጽእ ጽባሕ ወይ'ውን ዝመጽእ ሰሙን ወይ'ውን ዝመጽእ ዓመት ንኣምላኽ ከገርም ዝኽእል።ኩሉ መወዳኣታ ካብ መጀመርታ ይፈልጦ እዩ ። እዚ ድማ ዓቢ ምጽንናዕ ክህበና ይግባእ። ምኽንያቱ ፥እንተ ድኣ እግዚኣብሄር ንዓኻ ከጋጥመካ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ መከራ ወይ'ውን ፈተና ጽባሕ ወይ'ውን ዝመጽእ ሰሙን ዝፈልጥ ኮይኑ፥ ንሱ ብርግጽ ንዕኡ ንምጻር ጸጋ ክህበካ እዩ።

ጎይታና የሱስ ንሓዋሪያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ነጊርዎ "ንሱ ኸኣ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ ጸጋይ ይኣኽለካ በለኒ።ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ"(2 ቆሮ 12=9)።ጸግኡ ንነፍሲ ወከፍ ዘድሌና እኹል እዩ።

"ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚኣከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ" (2 ቆሮ 9=9)።

ጸጋ ኣብ ግዜ ጸበባና ንኽሕግዘና ኣኺሉ ዝተርፍ ቅሩብ እዩ ።

"ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ"(እብ 4=16)።

ዝኾነ እንተ'ኾነ ጎደለኻ ፥ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ ንኽሕግዘካን ነቲ ነገር ክትገጥሞን።ስለዚ በዚ ምክንያት'ዚ ብትብዓት ጸጋ ምእንቲ ክንቅበል ብግዜ ጸበባና ናብቲ ዙፋን ጸጋ ክንቀርብ ተዓዲምና ኣሎና።

ኣብ ዝሓለፈ ህይወትና ብሓጥያት ተሳዒርና ኢና፥እቲ ምኽንያት ድማ ጸጋ ስለ ዘይተቐበልና እዩ።እዚ ታሪኽ ሕጂ ግን ንመጻኢ ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገዛእ ርእስና እንተ ድኣ ኣትሒትናን ኣብ ግዜ ጸበባና'ውን ኣብ ግዜ ዘድሌና እንተ ድኣ ይእዊና፥ እግዚኣብሄር ኣይግሄናን እዩ።

ቃል ኣምላኽ እቶም ትርፊ ጸጋ ዝተቐበሉ ኣብ ህይወት ብዙሕ ከም ዝገዝኡ ይዛረብ።

" ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብገዝኤ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም"(ሮሜ 5=17)።

ኣብ ልዕሊ ኩሉ ክገዝእን ክመርሕን እዚ መደብ ኣምላኽ ንኣዳም እዩ ነይሩ ኣብ ዘፍጥረት 1=26 ከምዚ ይብል፥



"ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ በለ" (ዘፍ 1=26)።



ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ እዚ መደብ ኣምላክ ኣብ ህይወቱ ከይፍጸም ከልኪሉ። እንተ'ኾነ ሕጂ ኣምላኽ ሓድሽ ዓሌት ኣተንሲኡ ኣሎ- ደቂ ኣምላኽ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ዝነብሩ-ብክብሪ ንጉስ ኣብ ምድሪ ብምግዛእ ክነብሩ።



ሕጂ እምብኣር ሓጥያት ኣብ ህወትካ ክገዝእ ኣየድልን እዩ ርእስኻ እንተ ኣትሒትክ ጸጋ ኽኣ እንተ ተቐቢልካ ።



ዝኾነ ፍርሒ ወይ ጭንቀት ኣብ ልብኻ ክኣቱ እንደገና ከቶ ኣይድልን እዩ ።



ዝኾነ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ህይወትካ ሽግር ዝመለኦ ክገብሮ ኣይክእልን እዩ ናይ ስራሕ ሓላፊካ ይኹን፥ጎሮቤትካ ፥ጸላኢኻ ሰይጣን'ውን ዋላ ሐደ የልቦን -ምኽንያቱ ሚስጥር ዓወት ተማሂርካ ኢኻ ።



ምስጋና ንኣምላኽ ይኹን ኩሉ ግዜ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ናብ ዓወት ዝመርሓና።



ክንደይ ድንቂ እዩ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ናይ ሓድሽ ኪዳን ምንባር !



እቲ ተስፋ ዝተዋሃቦ መሬት ኣብ ቅድሜኻ ክፉት እዩ ዘሎ! ከይድካ ውረስ !


Chapter 13
ጹማቕ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ


❶.እግዚኣብሄር ዕውት ህይወት ክትነብር ኣብ ኩሉ ግዜ ክሕግዘካን ይደሊ እዩ ።ነዚ ብሙሉእ ልብኻ እመኖ።



❷.እግዚኣብሄር ትእዛዛት ሂብካ እዩ ምኽንያቱ ንሱ የፍቅረካ እዩ።ስለዚ ድማ ንነፍሲ ወከፎም ብዕቱብ ውሰዶም።



❸.እግዚኣብሄር ንወዲ መዝሙር የሱስ የፍቅሮ እዩ ክንድቲ ንየሱስ ዘፍቅሮ።ውሕስነትካ ኣብዚ ፍቕሪ ርኸቦ።



❹.ኩሉ መከራ መለኮታዊ ዕላማ ኣለዎ።እግዚኣብሄር ፍጹም ኪንዮ ዓቕምኻ ክትፍተን ኣይሓድገካን እዩ።ነዚ ብሙሉእ ልብኻ እመኖ።



❺.የሱስ ኣብ ኩሉ ነጥቢ ልክዕ ከምዚ ከማና ተፈቲኑ እዩ። ኮይኑ ግን ንሱ ፍጹም ሓጥያት ኣይሰርሔን።ክትፍተን ከለኻ ንዕኡ ከም ኣብነትካ ርኣዮ።



❻.እግዚኣብሄር ነቲ ትሕትና ዘለዎ ጥራይ እዩ ጸጋ ዝህብ።ስለዚ መስቀል ኣልዕልን ገዛእ ርእስኻ ኩሉ ግዜ ኣትሕት።



❼.እግዚኣብሄር ንኹሉ ኩነታትካ ይቆጻጸሮ እዩ በዚ ኽኣ ኩሎም ነቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ንሰናይካ እዮም ዝሰርሑ።ነዚ ብሙሉእ ልብኻ እመኖ።



❽.ኣብ ኩሉ ኩነታትካ ከም ዘየባትኽ ሓጋዚኻ ኣብ እግዚኣብሄር ተደገፍ። ካብቲ ተደጊፍካዮ ዘለኻ ነገር ወይ ዝኾነ ካልእ ከርሕቐካ ሕተቶ።



❾.እግዚኣብሄር ነቲ ዱኹም ጥራይ እዩ ሓይሉ ዝህብ።ስለዚ ክሰብረካን ናብ "ዜሮ ነጥቢ" ክቕንሰካን ኣፍቅደሉ።




Chapter 14
እግዚኣብሄር እቲ ንየሱስ ዝገበረሉ ንሱ ንዓኻውን ክገብረልካ እዩ

1.ብጾርን ሓልዮትን ምስ ደነንካ

ነፍስኻ ብተስፋ ምቁራጽ፥

ክትፈርህ ኣይድሌካን እዩ፥

እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።

ንሱ ከምቲ ንወዱ ዘፍቅሮ የፍቅረካ እዩ

ንሱ ድማ ክሕግዘካ'ውን እዩ

ንተስፋ ቃሉ ጥራይ እምን

ንሱ ኽኣ ክሪኤካ እዩ ባእኡ።


እዚ ጽብቕ ዜና እዩ- እቲ እግዚኣብሄር ክገብረለካ ዝኽእል

እቲ ንየሱስ ዝገበረሉ ንዓኻ'ውን ክገብረልካ እዩ፥

በቲ ብርቱዕ ሓይሉ ንሱ ከበርትዓካ እዩ፥

እግዚኣብሄር ክገብሮ ዝኽእል መውዳእታ የብሉን።


2.ብሓጥያትን ክፉኡን ዝመልኤት እዛ ዓለም

ክትስዕር ክኣ ኢኻ፥

ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ፥

"ሓጥያት ኣባኻ ክስልጥን ኣይክእልን እዩ "

ፈተና ስሕበት ሓይል ክኣ ምስ ኮነ

ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ ደው ከበለካ እዩ፥

ስለዚ ከም የሱስ ብዓወት ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ

ክትመላለስ ክትክእል ኢኻ።


3.ቃንዛን ሕማምን ናባኻ ምስ መጸ

ከምእውን እተ ፍቅሮም ሰባት ምስ ተንከፎም፥

እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ ከመይ ከም ዝተሰመዕካ-

ንሱ ክፍውስ ሓይሊ ኣልዎ።

ኣቦኻ ዘድሌካ መሰረታዊ ነገራት ክቕርበልካ ኣዩ-

ንሱ እሙን እዩ ንሱ ሓቂ እዩ፥

ከምቲ ንየሱስ ዝሓለየሉ

ንዓኻውን ክሓሌልካ እዩ።


4. ዎ እንታይ ክብሪ ዝመልኦ ምጽንናዕ እዩ እዚ-

ንየሱስ ከም ጎይታኻን ከምእውን ዓቢ ሓውኻን።

ምኽንያቱ ኩሉ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሕጂ ናትካን ንሱ

ክትከይድ ኣይፍቅደልካን እዩ፥

ሕጂ እዚ ኣምላኽ ንዓኻ እዩ

መን ጸላኢኻ ክኸውን ይኽእል ? -



ዛክ ፑነን

Chapter 15
ቃላት ልቦና


1.ነቲ ቃላት ሕጊ ሓሊና ኮይኑ ግን ንመንፈሱ እንተ ድኣ ኪሕድናዮ፥ ብዘይ ሓይሊ መልክዕ ኣምልኾ ኣሎና ማለት እዩ።



2.ትሕትና ዘለዎ ሰብ ንእግዚኣብሄርን ንሰብን ብንኣሽቱ ነገራት ብምስጋና ዝተመልኤ እዩ።



3.ብዝኾነ ሓጥያት እንተ ድኣ ተሳዒርና፥ እቲ ሱር ጠንቂ ኣብ ገለ ቦታ ወይ እቲ ካልእ ትዕቢትና እዩ።



4.ብሓቂ ትሕትን እንተ ድኣ ኣሎና ፥ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ዘይተቐበልካ ክትከውን ዘይክኣል እዩ።



5.ትሕትን ዘለዎ ሰብ ብሰባት፥ብሰይጣን ወይ'ውን ብስጋ ፍጹም ክስዓር ኣይክእልን እዩ ።



6.ገዛእ ርእስና እንተ ድኣ ኣትሒትና ፥ብሓያል ኢድ ኣምላኽ ክንሕሎ ኢና።



7.ክልቲኦም ብመንፈስ ድኻታት እንተ ዘይኮይኖም ፥ክልተ ሰባት ሓደ ክኾኑ ዘይክኣል እዩ።



8.እቲ ብመንፈስ ድኻታት እቶም ብዛዕባ ጎደልኦም ኣፍልጦ ዘለዎም እዮም፥በዚ ምኽንያት ክኣ ቀጻሊ ገዛእ ርእሶም ዝፈርዱ እዮም።



9.ምግላጽ ዘለካ ማለት ንነገራት ፥ንሰባትን ንኹነታትን ወ.ዘ.ተ. , ብመንጽር ናይ እግዚኣብሄር ኣረኣእያ ክትሪኢ ከለኻ እዩ።



10.እቲ ጩራ ብርሃን ኣብ ዓይንና ዘይምፍቃር ፥ናይ ፍርዲ ኣረኣእያ ንሓውና ኣብ ዓይኑ ንእሽተይ ንጣብ ዘለዎ እዩ።



11.ሕጊ ትእዛዛት ይህበና ፥ኮይኑ ግን ንኽንሕልዎ ዓቕሚ ኣይህበናን እዩ። ጸጋ ንዝልዓለ ደረጃ ይጽውዓና ፥ኮይኑ ግን ናብኡ ክንበጽሕ ሓይሊ ይህበና እዩ።



12.ነፍሲ ወከፍ ምዓልቲ ዕድል ኣሎና ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ወይ'ውን ነታ ግዜ ከነባኽና።



13.ዕንቅፋታት ኣብ መንገድና ኩሉ ግዜ ምልክት ንድሕሪት ምምላስ ኣይኮነን፥ግናኸ ንእምነትና ብድሆታት እዮም።



14.ንሱ እቲ ደድሕሪ ስጋ ዝመላለስ ጠለባት ኣብ ልዕሊ ካልኡት ይገብር፥ግናኸ ንሱ እቲ ደድሕሪ መንፈስ ዝመላለስ ድኻሞም ይጸውርን የገልግሎምን ክኣ እዩ።



15.ንሱ እቲ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ውሕስነት ዘለዎ ኣይፈርድን እዩ ወይ'ውን ብኻልኦት ኣይቀንእን ወይ'ውን ምስኦም ኣይወዳደርን እዩ።



16.ኩሉ ክብሪ ንእግዚኣብሄር ዘይኮነ ባዶ ክብሪ እዩ።



17.ሕጂ ብርእሰ ፍትወት እንተ ድኣ ንነብር ኮይና ፥እቲ ዝኽረት ናይ'ዚ ህይወት ኣብ ዘልኣለም ብምሉኡ ጥዓሳ ክፈጥረልና እዩ።



18.እግዚኣብሄር ክንስእን ፥ካብ ካልኡት'ውን ሓገዝ ክንቅበልን ይፈቅድ እዩ፥ኣብ ኣካል ክርስቶስ ሓድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ምእንቲ ክምህረና።



19.ንኻልእ ህያብ ክንህብ ከለና፥ ከም ሰብ ክብሩ ከይዘረፍና ክንገብሮ ኣሎና።



20.እቲ ሓቀኛ ዋጋ ህይወትና ዝቕመጥ ኣብቲ እንታይ ሂብና እምበር እንታይ ተቐቢልና ኣይኮነን።



21.እቲ እንቕበሎ ኣምላኻዊ ምግላጽ እቲ ሓቀኛ ሃብትና እዩ።እቲ ዝተረፈ ጥራይ ፍልጠትን ከም ዋጋ ዘይብሉ ዝተተምነየ ገንዘብ እዩ።



22.እምነት ካብ ቃል ኣምላኽ ዝሰማዕናዮ ጥራይ እዩ ክስረት ዝኽእል ፥ስለዚ ኽኣ ሰብ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ኣፍ ዝወጽእ ነፍሲ ወከፍ ቃል ክነብር ይግባእ።



23.እግዚኣብሄር ናይ ዜሮ ነጥቢ ከምጽኣና ኣለዎ ቅድሚ ንሱ ከልዕለና ክኽእልን ዕላማኡውን ብኣና ገይሩ ክፍጽምን።



24.ንክርስቶስ ክቀንድሖ ኣይተጸዋዕናን፥ግናኸ ክንስዕቦን ተማቐልቲ ተፈጥርኡ ክንከውን እዩ።



25.ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ኣብ ሕቡእ ህይወትካ እሙን ሙኳን እዩ።



26.ባዕልና ገዛ ርእስና እንተ ዘይኮይኑ ዋላ ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ፍጹም ዝኾነ ፍቓድ ንህይወትና ከባላሽዎ ዝኽእል የልቦን።



27.ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ እሙን ሙኳን ብሰፊሑ ዝልዓል ነገር እዩ ብጉዳይ ገንዘብ ጥራይ ጻድቕ ካብ ሙኳን።



28.ሓቀኛ መንፈሳውነት ርእስና ምኽሓድን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርን ዝሓዘ እዩ።



29.ኣብ ሑጻ ምህናጽ ማለት ንትምህርቲ ምርዳን ብዛዕብኡ ምሑጓስን እዩ።ኣብ ልዕሊ ከውሒ ምህናጽ ክኣ ንቃል ኣምላኽ ምእዛዝ እዩ።



30.ሓደ መንፈሳዊ ንሙኳን፥ ጌጋ ዝኾነ ነገር ክሓድግ ጥርያ ዘትኮነ ግናኸ ከምእ'ውን ዘይርብሕ ዝኾን ነገር'ውን።



31.ብዘይ ኣምላኻዊ ፍቕሪ መንፈሳዊ ውህበታት ክህልዎካ ከም ዘይተሸፈነ ገመድ ኤልትሪክ፥ኣብ ክንዲ ብርሃን ሞት ዘምጽእ እዩ።



32.የሱስ ዝተሰቐለ -ብምኽንያት ንሱ ቅዱስ ህይወት ስለ ዝተመላለሰ ኣይኮነን፥ግናኸ ብምኽንያት ንሱ ንመንፈሳዊ ምንዝርና ስለ ዘቃልዔ እዩ።ኣብነት ናቱ ንስዓብ።



33.ሓቀኛ ነቢይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅድስ ቤት ትምህርቲ ከቶ ኣይወጸን፥እቶም ሓሰውቲ ነብያት ንበይኖም ጥራይ ።



34.ኩሉ ሰብኣዊ ክእለትና ምድራዊ ብቕዓታትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኩሉ ዋጋ የብሉን።



35.እቲ ዝልዓለ ሓለቓ መልኣኽቲ ብመልክዑ፥ጥበቡን መዝነቱን ብምዕባዩ ሰይጣን ኮይኑ ፥ኩሉ ግዜ ካብ ከምዚ ዓይነት ትዕቢት ጥንቑቓት ክንከውን ኣለና።



36.ሕጊ ከም ቅብኢ ንቑስልና እዩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝሕዞ።ጸጋ ኽኣ ከም ጸረ ረኽሲ ነቲ ጠንቂ ቁስሊ ዝኾነ ጀርምስ ዝቐትል እዩ።



37.እቲ ዘየጋጊ ምልክት እምነት ንእግዚኣብሄር ምውዳስን ምስጋና ምሃብን እዩ።



38.እግዚኣብሄር ቁሳዊ ነገራት ክንጥቀመሎም እዩ ሂቡና እምበር-ክፍቀሩ ክምለኹ ኣይኮነን።



39.ሓቀኛ ክርስትና ዝቕመጥ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ኣብ ሞንጎ ምምናን ፍቕረ ነዋይን እዩ።



40.ንሱ ብኽብሩ ምስ ተመለሰ ጥራይ ከም የሱስ ክንከውን ክንክእል ኢና፥ኮይኑ ግን ሕጂ ንሱ ከምቲ ዝተመላለሶ ክንበር ንእኽእል ኢና።



41.የሱስ ብጥበብ ኣብ ገዝኡን ኣብ ናይ ስራሕ ቦትኡን (ጽርበት ዕንጸይቲ) ዓብዩ።ንሕና'ውን ብጥበብ ኣብ ገዛና ናይ ስራሕ ቦታን ክንዓቢ ንኽእል ኢና።



42.ንኣሕዋት ክንከሶም ከለና ፥መተዓይይቲ ሰይጣን ንኸውን፥ኣብ ክንድኦም ክንጽሌሎም ከለና መተዓይይቲ የሱስ ንኸውን።



43.ገዛእ ርእስና ኣድለይቲ ንኻልኡት እንተ ገይርና ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ምምልላስ ንዕንቅጽ።



44.ኩሉ ነገር ካብ ፍቕሪ ዘይመንጨወ ሓደ ምዓልቲ ክጠፍእ እዩ።



45.መንፈሳዊ ብስለትና ዝፍተነሉ ብኣረኣእይና ናብ እቶም ምሳና ዘይሰማምዑ ሰባት እዩ።



46.ጹሩይ ልቢ ክህልዎካ ማለት ብዘይካ እግዚኣብሄር ካልእ ባህጊ ዘይብልካ ክትከውን እዩ።



47.የሱስ ንኣብኡ ብዘይ ምቕባእ መንፈስ ቅዱስ ከገልግል እንተ ድኣ ዘይኪኢሉ፥ንሕናኣን ከምኡ ኣይንኽእልን ኢና።



48.ቤተ ክስርትያን ብዘይ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝለመሰ ሰብ እያ - ንሱ ህይወት ክህልዎ ይኽእል ግናኸ ንሱ ንኻልኡት ከገልግል ኣይክእልን እዩ ውጽኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ።



49.ክልተ ኣለዉ ዘይክኣሎም ነገር ዘየለ- እግዚኣብሄርን እምነት ዘለዎ ሰብን።



50.ንገዛእ ርእስና እንተ ሞይታን ፥ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ኩነታትን "ብሰላም ክንዓርፍ" ንኽእል ኢና።