Written by :   Zac Poonen Categories :   Spirit Filled life
WFTW Body: 
ብዛዕባ እስጢፋኖስ ንሱ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ምስ ሰበኸሎም፥ ነቲ ንሱ ዝተዛረበሉ ጥበቡን መንፈስን ኪማጎትዎ ከም ዘይክኣሉ ተጻሒፉ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት .6:10).። ንሕናውን ክንዛረብ ከለና፥ ናትና ተመክሮውን ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እስጢፋኖስ ከምዚ ክሓቶም ቀጺሉ፥ "ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም።" (ግብሪ ሃዋርያት. 7:52)። ነፍሲ ወከፍ ነቢዪ ኣብ ግዜ ብሉይ ኪዳን ዘይህቡቡን ከምኡውን መከራ ይወርዶ ነበረ። ነቢዪ ካብ መምህር ዝተፈለየ እዩ። መምህር ብብዙሓት ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ። ግናኸ ነቢዪ ወትሩ ዝተነጸገን ዘይህቡቡን እዩ። መምህር ኣከራኻሪ ከም ዘይኮነ ስእሊ እዩ። ሓቀኛ ነቢዪ እንተ ኾነ ግን ኣከራኻሪ እዩ። ስለዚ ነቢያት ኩሉ ግዜ መከራ ይወርዶምን ይሳደዱን እዮም፥ ግናኸ መምሃራን ወንጌላውያን ከምዚ ናይ ነቢዪ ኣይኮነን። እስጢፋኖስ ብኸም'ዚ ዓይነት መገዲ ሰቢኹን እቶም ሰማዕቲ ድማ ተረትዑ። እዚ ድማ ኣዚዮም ከም ዝሓርቁ ገበሮም ክኣ ቀተልዎ። ኣብ ናይ ክርስትና ቤተ ክርስትያን ንሱ እቲ ናይ መጀመርታ ሰማእት ነበረ፡ (ግብሪ ሃዋርያት.7:54-55) ።

ኣብ እቶም ቃላት ብዛዕባ እስጢፋኖስ ዝተጽሓፉ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:54-55፥ ናይ ብሓቂ ብመንፈስ ናይ ዝተመልኤ ነቢዪ ገለ መለለዪ ንርኢ -

(1). ሓሳቡ ነቕ ብዘይብል ኣብ ሰምያዊ ነገራት ዝተቐመጠ እዩ።

(2). ኣብ ኩሉ ኩነታት ንሱ ክብሪ ኣምላኽ ይርኢ።

(3). ብተቓውሞ ሰባት ንሱ ዘይርበሽ እዩ።

(4). ራኢኡ ኣብቲ የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ እዩ።

(5). ብትብዓት ብዛዕባ እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ይምስክር።

(6). ንሱ የሳድድዎን ኣብ ገለ እዋናት ድማ ይቕተል።

(7). ነቶም መከራ ዘውረድሉ ዘሳደድዎ ምሕረት ይገብርን ስሊኦምውን ይጽሊ።

እግዚኣብሄር ብብዙሕ ምኽንያት እስጢፋኖስ ክቕተል ፈቒዱ እዩ - ሓደ ካብኡ ናይ ሳውል ብዓል ተርሴስ ምልዋጥ ነበረ። ጳውሎስ እስቲፋኖስ ክቕተል ከሎ ዝነበሮ ኣጠማምታ እንተ ዘይርእዮ ነይሩ፥ እንተ ዝልወጥ ኣነ ይገረመኒ ።

እቲ ሓለቓ ሚኢቲ ሮማዊ የሱስ ስለ እቶም ዝሰቐልዎ ዝጸለየሉ መገዲ ምስ ሰምዔ፥ ንሱ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ኣመነ።

ጳውሎስ እስጢፋኖስ ክጽሊ ከሎ ምስ ሰምዖ ሕልንኡ ምስ ኮርኩሖ ድማ ንሱ ከምዚ ክሓስብ ጀመረ፥ "እዚ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምናልባት ኣነ ተጋጌ ኣለኹ" ። ድሓር፥ ኣብ መገዲ ደማስቆ፥ ጎይታ ከምዚ ብምባል ነገሮ፥ " ኣንጻር ንኣብ ኣእምሮኻ ዘለዎ ኩርኩሓት እናቐላዕካ ክትቅጽል ንዓኻ ከቢድ እዩ" (ግብሪ ሃዋርያት.26:14) - ድማ ንሱ ተለወጠ።

ሰባት ሕማቕ ክገብርዃ ከለዉ ነቶም ሰባት እቲ ትምልሰሉ መገዲ፥ ኣብ እቶም ዚርኢዃ ዘለዉ ሰባት ናይ ምድሓን ውጽኢት ብምምጻእ ግበረ መልሲ ከለዓዕል ይኽእል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት፥ ክርስትያናት ክሳደዱ ከለዉ ንዝህብዎ ኣምላኻዊ ግብረ መልሲ ብምርኣይ ካብ ዝተለወጡ ጳውሎስ ናይ መጀመርታ ነበረ። ግናኸ መከራ ክወርደና ከሎ ከሳዱዱና ከለዉ ብኸምዚ መገዲ ክንምልስ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላእ ይግብኣና።