1ንጹር መልእኽቲ ወንጌል

Written by :   Zac Poonen Categories :   Foundational Truth Seeker
Article Body: 

ኣብዚ ጽሑፍ 'ዳግም ምውላድ' ወይ 'ምድሓን' እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጽ እየ፣ናይዚ ናይ ምድሓን ተመኩሮ ቀዳማይ
ስጉምቲ ንስሓ እዩ፣ ቅድሚ ምንሳሕካ ግን ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ የድሊ፣ ሎሚ ኣብ ማእከል ክርስትያናት ካብ
ግጉይ ርድኢትናይ ሓጢኣትዝተበገሰ ብዙሕ ግጉይ ርድኢት ናይ ንስሓ ኣሎ፣ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ወንጌል። ናይ
ክርስትና መምዘኒታት ኣዝዩ ለጠቕ ኢሉ እዩ፣ እቲ ሎሚ ብብዙሓት ሰበኽቲ ዝስበኽ ዘሎ "ወንጌል" ንእሽቶ ሓቂ ጥራይ ዘለዎ
ዝተቓጠነ ወንጌል እዩ፣ ሰባት ብየሱስ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ጥራይ እዮም ዝንገሩ ዘለዉ፣ እንተኾነ ግን ከይተነሳሕካ
ብየሱስ ምእማን ንማንም ኣየድሕኖን እዩ፣ዳግም ምውላድ መሰረት ህይወት ክርስትና እዩ፣ ነዚ መሰረት እዚ ከየንጸፍካ ጽቡቕ
ህይወት ምንባር ልክዕ ከምቲ ንሰብ ጥዑይ ህይወት ክነብር ዝምህር ካልእ ሃይማኖታት እዩ፣ ጽቡቕ ወይ ጥዑይ ህይወት
ክንነብር ከም ዘሎና ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ እቲ ብላዕሊ ዝህነጽ ህንጻ እምበር መሰረት ናይቲ ህንጻ
ኣይኮነን፣እቲ መሰረትዳግም ምውላድ እዩ። ኩልና ከኣ ካብኡ ክንጅምር ኣሎና፣የሱስ ነዚ ዳግም ምውላድ ዝብል ቃል
ምስኒቆዲሞስ ይዘራረበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጠቒስዎ ኣሎ (ዮሃ.3።3)፣ ኒቆዲሞስመራሒ ሃይማኖት ኣይሁድን ፍርሃት
ኣምላኽዝነበሮ ብጽድቂ ዝመላለስን ሰብ እኳ እንተነበረ የሱስ ግን "ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ። ንመንግስቲ ኣምላኽ
ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ። ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።" ኢልዎ፣ እምበኣርከስ ግብርኻ ጽቡቕ እንተኾነውን ናብ መንግስቲ
ኣምላኽ ንምእታዉ መንፈሳዊ ልደትከም ዘድልየካ ንርኢ፣ ቀጺሉ ድማ የሱስ ንሱ ኣብ መስቀል ከም ዝመውትን እቶም ብእኡ
ዝኣምኑ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡን ነጊርዎ (ዮሃ.3።14,16)፣የሱስ ሰባት ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ
ብርሃን ጸልማት ከም ዝሓረዩውን ነጊርዎ (ዮሃ.3።19)፣ እቶም ቅኑዓት ግና ናብቲ ብርሃን ብምምጻእ ምድሓን ይረኽቡ
(ዮሃ.3።21)፣ ዳግም ንኽትውለድ ናብቲ ብርሃን ክትመጽእ ይግብኣካ፣ እዚ ከኣ ሓጢኣትካ ብቅንዕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ
ምእማንን ምንሳሕን ማለት እዩ፣ ንኩሉ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ከም ዘይትዝክሮ ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን ሓጢኣተኛ ምዃንካ
ክትእመንን ነቲ ክትዝክሮ ዝኸኣልካ ሓጢኣት ንኣምላኽ ክትነግሮን ይግብኣካ፣ ሓጢኣት ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ። ስለዚ ከኣ
መጀመርያ ንእሽቶ ክፋሉ ጥራይ ኢኻ ኣብ ህይወትካ ክትርእዮ ትኽእል፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ሃገር እናተቐመጥካ
ግናኸ ንእሽቶ ክፋላ ጥራይ ምፍላጥ እዩ፣ ካብቲ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ምስ ጀመርካ ግን ቀስ ብቐስ ነቲ ዘይትፈልጦ
ዝነበርካ ክፍልታት ናይዛ 'ናይ ሓጢኣትሃገር' ትፈልጦ፣ ኣብ ብርሃን ትመላለስ እንተሊኻ ሓጢኣትካ መመሊሱ እናበርሃልካ
ስለ ዝኸይድ ካብኡ እናነጻህካ ክትከይድውን ትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ብቅንዕና ክትመላለስ
ይግባእ፣ካልእ ኣብነት ንምጥቃም። ኣብ ሓደ ብዙሕ ረሳሕ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ትቕመጥ ኣሎኻ ንበል፣ ንየሱስ ከኣ ኣብ
ገዛኻ ክነብር ደሊኻዮ። ንሱ ግን ኣብ ረሳሕ ክፍልታት ክነብር ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ በብሓደ
ኣብ ምጽራይ ይሕግዘካ፣ ቀስ ብቐስ እታ ገዛ ብምልእታ ትጸሪ፣ ብከምዚ እምበኣር ኣብ ህይወት ክርስትናና ብቅድስና ንዓቢ፣

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘዝኸዶ ሰባት ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ይሰብኽ ከም ዝነበረ
ተዛሪቡ ኣሎ (ግብ.20።20)፣ ዳግም ንምውላድን ጽቡቕ መሰረት ንምንጻፍን ዘድልያ ክልተ ረቛሒታት እዚኣተን እየን፣
ኣምላኽ ንስሓን እምነትን ብሓደ ከም ዝኸዳ ጌሩ ኣቋሪንወን እዩ፣ ብዙሓት ክርስትያናት ሰበኽቲ ግን ፈላልዮመን ኣለዉ፣
ንስሓ ካብ ብዙሕ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ስብከታት ወጺኣ እያ። ብዙሓት ሰበኽቲ እምነት ጥራይ ይሰብኩ ኣለዉ፣ከምቲ
ዝጸዓረት እንተጸዓረት ሰበይቲ በይና ቆልዓ ከተምጽእ ዘይትኽእል ከምኡ ከኣ ብእምነት ጥራይ ዳግም ክትውለድ ኣይከኣልን
እዩ፣ ሰብኣይውን ንበይኑ ቆልዓ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ፣ ቆልዓ ንኽውለድ ሰብኣይን ሰበይትን ክራኸቡ ኣለዎም፣ ከምኡ ድማ
ንስሓን እምነትን ብሓደ ምስ መጻ ሽዑኣብ መንፈስና መንፈሳዊ ልደት ይፍጸም መንፈሳዊ ቆልዓ (ሰብ) ከኣ ይውለድ፣ እዚ
መንፈሳዊ ልደት ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ልደት እዩ፣ ብቅጽበት ዝፍጸም እምበር ዘገምታዊ ኣይኮነን፣ ልክዕ ከምቲ ንስጋዊ ልደት
ናይ ኣዋርሕ ምድላው ዘድልዮ። ንመንፈሳዊ ልደትውን ናይ ኣዋርሕ ምድላው የድልዮ ይኸውን፣ እቲ ሓድሽ ልደት ግን ከምቲ
ስጋዊ ልደት ብቕጽበት ዝፍጸም እዩ፣ ገለ ክርስትያናት መዓስ ዳግም ከምዝተወልዱ ኣይፈልጡን እዮም፣ ኣነውን መዓስ ዳግም
ከም ዝተወለድኩ ኣይፈልጥን እየ፣ እዚ ግን ልክዕ ከምቲ ብስጋ ዝተወለድካሉ ዕለት ዘይምፍላጥ እዩ፣ ብህይወት ክሳብ
ዝሃለኻ ከኣ ኣገዳሲ ነገር ኣይኮነን፣ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገር ሎሚ ብክርስቶስ ህይወት ረኺብካ ከም ዘሎኻ ርግጸኛ ምዃን
እዩ፣ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ የሱስ ጥራይ እዩ ክንብል ከሎናስ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሎና ኣየምስለናንዶ?እስኪ ነዚ
ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ
ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ
ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሱበይኑ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ
ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። "መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ
ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣" (ዮሃ.14።6)፣ነዚ የሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ
ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ የሱስ ሓሳውን መታለልን
እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ? የሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ
እምበር ጥዑይ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ
የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2
ተደመሮ 2 ኩሉ ጊዜ 4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦምጸቢብ እዩ ንኸይንበሃል ኢልና) 3 ወይ 5 እውን
መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ ን 3.9999 እንተኾነውን ከም መልሲ ኣይንቕበሎን ኢና፣ ከምዚ ዓይነት
ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ
ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣ "ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ" ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ
ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O
ማይ እዩ፣ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፣ ስለዚ ሓቂ ኣብ
ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ
ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ
ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም
'ክርስትያን'(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንክርስትያናት ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ
ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ "ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ" ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣
የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝሞተ ከም ኣባል ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ኮይንካ ክትመጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከም ሓጥእ እንተ
መጺእካዮ ግን ሽዑ ሓጢኣትካ ክሕደገልካ ይኽእል እዩ፣ኣምላኽ ሕልና ስለ ዝሃበና ኩልና ሓጥኣን ምዃንና ክንፈልጥ ቀሊል
እዩ፣ ህጻናት ኣዝዩ ተነቃፊ ሕልና ኣለዎም። ስለዚ ከኣ ንጌጋ ቀልጢፎም ይርድእዎ (ይፈልጥዎ)፣ እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉግን
ሕልንኦም እናተረረ ክኸይድ ይኽእልእዩ፣ ወዲ 3 ዓመት ቆልዓሓሶት ክዛረብ ከሎ ሕልንኡ ስለ ዝኸሶ ናይ ክሲ ምልክት ኣብ
ገጹ ይርአ እዩ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት ግን ንድምጺ ሕልንኡ ደጋጊሙ ዕሽሽ ብምባል ንሕልኡ ይቐትሎ'ሞ ኣብ ገጹ ዝኾነ
ምልክት ከየርኣየ ክሕሱ ይኽእል እዩ፣ ናይ ሓደ ህጻን ከብዲ እግሪ ብክንቲት ተንኪፍካዮውን ይስምዖ እዩ። ናይ ዓበይቲ
ሰባት ከብዲ እግሪ ግን ካብ ምትራሩ ዝተላዕለ መርፍእውን ኣጸቢቑ እንተ ዘይተጸቒጡ ኣይስምዖምን እዩ፣ ሕልና ሰባትውን
እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ልክዕ ከምኡ እዩ፣ሕልና ሞራላውያን ፍጥረታት ምዃንና ምእንቲ ክነግረና ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዘቐመጦ
ድምጺ እዩ፣ ናይ ጽቡቕን ክፉእን መባእታዊ ፍልጠት ዘረድኣና ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ፣ ጎይታ የሱስ "ናይ ስጋ
መብራህቲ" ኢልዎ ኣሎ (ሉቃ.11።34)፣ ነዚ "ዓይኒ" እዚ እንተ ዘይተጠንቂቕናሉ ሓደ መዓልቲ መንፈሳውያን ዕዉራት
ክንከውን ኢና፣ ነቲ ኣብ ሕልናና ዝጎጥየና ነገራት ዕሽሽ ምባል ከምቲ ኣብ ዓይንኻ ንዝኣቱ ነኣሽቱ ደሮና ሸለል ምባል
ሓደገኛ እዩ፣ ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊ ኣዒንትና ምሉእ ብምሉእ ክዓውር እዩ፣ህጻናት ክውለዱ ከለዉ ሃይማኖት የብሎምን፣
ኩሎም ከኣ ሓደ እዮም፣ ድሕሪ ክልተ ዓመትውን ለዉጢ የብሎምን ኩሎም ስሱዓትን ተበኣስትን እዮም፣ ድሕሪ ጊዜ ግን ወለዶም
ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይምህርዎም እሞ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይኾኑ፣ ካብ 90% ንላዕሊ ናይሰባት ሃይማኖት ወለዶም
ዝመረጹሎምእዩ፣ኣምላኽ ግን ከም ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ኣይርእየናን እዩ፣ ንኩልና ከም ሓጥኣን እዩ ዝርእየና፣
የሱስ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ሰብ ንኽመውት እዩ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጺኡ፣ ንሱ ምእንቲ እቶም ሓጥኣን ምዃኖም ዝእመኑን
ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዝፈልጡን እምበር ምእንቲ እቶም ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ
ብቑዓት ከም ዝኾኑ ዝሓስቡ ኣይኮነን መጺኡ፣ ሕልናኻ ሓጥእ ምዃንካ ይነግረካ እዩ፣ ስለዚ ስለምንታይ ደኣ ናብ የሱስ
መጺእካ "ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ። ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ክፉእ ነገራት ጌረ እየ፣" ምባል ዝኸብደካ?ገሊኣቶም "እቲ ሰናይ
ዝኾነ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ሸለል ብምባል ከም ኣቦ ይቕረ ዘይብለልና?" ኢሎም ይሓቱ እዮም፣ ሓደ ውሉድ ገለ ክቡር ኣቕሓ
እንተሰይሩን ተጣዒሱ ከኣ ንኣቦኡ ይቕረታ እንተ ሓቲቱን ኣቦኡ ይቕረ ይብለሉ እዩ ይብሉ፣ እዚ ነገራት እዚ ግን ሞራላዊ
ነገራት ኣይኮነን፣ኩሉ ሓጢኣትና ከምዚ ኔሩ እንተ ዝኸውን እግዚኣብሄር ይቕረ ምበለልና ኔሩ፣ ሓጢኣት ግን ከምዚ
ኣይኮነን። ሓጢኣት ገበን እዩ፣ሓደ ዳኛ ኣብ መጋባእያ ተቐሚጡ ከሎ ወዱ ብገበን ተኸሲሱ ናብ ቅድሚኡ እንተ ዝቐርብ።
"ወደይ። እፈትወካ እየ። ይቕረ ኢለልካ ኣለኹ። ኣይትቕጻዕን ኢኻ" ኢሉዶ ነጻ ምሰደዶ? ንእሽቶ ሕጊ ዝፈልጥ ምድራዊ
ፈራዲውን ከምዚ ኣይምገበረን፣ እቲ ፍትሒ ናይ ምትግባር ንእሽቶ ባህርይእምበኣር ካብቲ ብምስሉ ዝተፈጠርና ፍጹም ፍትሒ
ዝገብር ኣምላኽ ዘመጻእናዮ እዩ፣ ኣዝዩ ከቢድ ገበን ምስ ፈጸምና እምበኣር እግዚኣብሄር ከም ፈራዲ "ኣዝዬእየ ዘፍቅረካ።
እንተኾነ ግን ገበን ፈጺምካ ኣሎኻ። ስለዚ ከኣ ክትቅጻዕ ኢኻ" ክብለና ኣለዎ፣ ኣብቲ መጋባእያ እቲ ውሉድ ክሳብ ክንደይ
ብገበኑ ይጠዓስ ብዘየገድስ እቲ ኣቦኡ ከም ፈራዲ መጠንክቐጽዖ ኣለዎ፣ እስኪ እቲ ወዲ ባንኪ ሰሪቑ ኔሩ ንበል፣ እቲ ኣቦ
እቲ ግቡእ መቕጻዕቲ - ንኣብነት 1 ሚልዮን ናቕፋ ቀጺዕዎ ንበል፣ እቲ ወዲ ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብሉ ናብ
ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ ኣለዎ፣ ሽዑ እቲ ኣቦ ካብቲ ናይ ፈራዲ መንበሩ ብምትንሳእ ነቲ ናይ ፈራዲ ክዳኑ የውጽእ፣ ካብ
ጅቡኡ ቸክ ብምውጻእ ከኣ ናይ ሓደ ሚልዮን ናቕፋ (ንዓመታት ዝኣከቦ ገንዘብ) ንመቕጻዕቲ ወዱ ይኸፍል፣ እቲ ወዱ
ኣየፍቀርካንን ኢሉ ክኸሶ ይኽእልዶ? ኣይፋሉን፣ ንወዱ እቲ ሕጊ ዝሓቶ ግቡእ መቕጻዕቲ ስለ ዝበየነሉ ቅኑዕ ፈራዲ ብዘይ
ምዃኑውን ዝኸሶ ሰብ የብሉን፣ ኣምላኽውን ንዓና ልክዕ ከምዚ እዩ ጌሩልና፣ ከም ፈራዲ ኩልና ብሓጢኣትና ክንመውት ከም
ዘሎና ፈሪዱ፣ ብድሕሪኡ ከኣ መልክዕ ሰብ ብምውሳድ ነቲ ንዓና ዝግባእ መቕጻዕቲ ተቐጺዕዎ፣መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ሓደ እኳ
እንተኾነ ብሰለስተ ኣካላት ማለት ኣቦ። ወዲን መንፈስ ቅዱስን ከምዝተገልጸ ይምህር፣ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ
ዝነብር ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝፋኑ ገዲፉ ከም ሰብ ብናይ የሱስ ኣካል ኣይምመጸን ኔሩ፣ ንኣድማስከ መን መመሓደሮ?
ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ስለ ዘለዎ ግን ወዲ ናብ ምድሪ ብምምጻእ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንሱ ከኣ ፈራዲ
ምእንቲ ሓጢኣትና ክመውት ክኢሉ፣ ገለ ክርስትያናት ኣብ ኣምላኽ ሓደ ኣካል ንሱ ከኣ የሱስ ጥራይ እዩ ዘሎ ብምባል
'ብስም የሱስ' ጥራይ የጥምቑ እዮም፣ እዚ ግን ዓቢ ጌጋ እዩ፣ 1ዮሃ.2።22 እቲ ንኣቦን ወድን ዝኽሕዶም ንሱ መንፈስ
ጸረ ክርስቶስ ኣለዎ ይብል፣ ንኣቦን ወድን ምኽሓድ ማለት እግዚኣብሄር ወልድ ብመልክዕ ሰብ የሱስ ክርስቶስ ኮይኑ
ኣይመጸን። ፍቓዱ ገዲፉ ፍቓድ ኣቦ ኣይገበረን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ መቕጻዕቲ ሓጢኣትና ኣይወሰደን ይብል ኣሎ
ማለት እዩ (1ዮሃ.4።2-3)፣የሱስ ናብ ምድሪ ክመጽእ ከሎ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኔሩ፣ ኣብ መስቀል ክመውት ከሎ
ንመቕጻዕቲ ኩሉ ሰብ ወሲድዎ፣ ናይ ሓጢኣትና መቕጻዕቲ። ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምፍላይ እዩ፣ የሱስ ኣብ መስቀል ምስ
ተሰቕለ ከኣ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ተፈልዩ እዩ፣ እዚ ምፍላይ እዚ እቲ ዝኾነ ሰብ ክምኮሮ ዝኽእል ዝኸፍአ መከራ እዩ፣ ኣብ
ኣድማስ እቲ እንኮ ኣምላኽ ዝሓደጎ ቦታ ሲኦል (ገሃነም) እዩ፣ ኣምላኽ ኣብኡ የለን፣ ስለዚ ከኣ ኣብ ገሃነም ኩሉ እቲ
ናይ ሰይጣን ክፉእ ባህርያት ብምልኣት ይግለጽ፣ እቲ ነቶም ናብ ገሃነም ዝኸዱ ሰባት ኣዝዩ ክፉእ ዝኾኖም ከኣ ናይዚ
ክፉእ ባህርያት ብምልኣት ምግላጽ እዩ፣ የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ነዚ መቕጻዕቲ እዚ ተመኩርዎ እዩ፣ ኣብ መስቀል
ን6 ሰዓታት እዩ ጸኒሑ። ኣብተን ዳሕረዎት 3 ሰዓታት ግን ኣምላኽ ሓዲግዎ፣ ጸሓይ ጸልሚታምድሪ ከኣ ኣንቀጥቂጣ፣ ምስ
ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ተቛሪጹ፣ ኣምላኽ ርእሲ ክርስቶስ እዩ (1ቆረ.11።3) ስለዚ ኣቦ ንክርስቶስ ምስ ሓደጎ
ልክዕ ከምቲ ርእሱ ዝተቖርጸ እዩ ኮይኑ፣ እዚ ንየሱስ ከመይ ዓይነት ስቓይ ከም ዝነበረ ብምልኣት ክንርድኦ ኣይንኽእልን
ኢና፣

የሱስ ፍጡር ኔሩ እንተ ዝኸውን ንመቕጻዕቲ ናይቶም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ዝነበሩ ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕጽዖ
ኣይክእልን እዩ ኔሩ፣ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ምእንቲ ሓጢኣት ናይ ሓደ ቢልዮንቀተልቲ ሰብ ክስቀል ኣይክእልን እዩ፣ የሱስ ግን
እቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንናይ ኩሉ ሰብ መቕጻዕቲ ክወስድ ክኢሉ፣ንሱ እቲ መጀመርታን
መወዳእታን ዘይብሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ንናይ ዘለኣለም መቕጻዕቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት ክቕጽዖ ክኢሉ፣የሱስ ኣምላኽ
እንተ ዘይነብርን እግዚኣብሄር ኣቦ ከኣ ብሰንኪ ናትና ሓጢኣት እንተ ዝቐጽዖን ኔሩ።ዓቢ ምጉዳል ናይ ፍትሒ ምኾነ ኔሩ፣
እቲ ሰብ ክቕጻዕ ፍቓደኛ እንተኾነውን ኣምላኽ ብሓጢኣት ናይ ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ኣይቀጽዕን እዩ፣ ዓርክኻ ኣብ ክንዳኻ
ክስቀልን ክቕጻዕን ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ምጉዳል ፍትሒ እዩ፣ እምበኣርከስ የሱስ ፍጡር እንተ ዝነብር እሞ ኣብ ክንዳና
እንተ ዝቕጻዕ እዚ እቲ ዝዓበየ ምጉዳልፍትሒ ምኾነ ኔሩ፣ዝኾነ ፍጡር ንመቕጻዕትና ክወስዶ ይኽእል ከም ዘይነበረ እምበኣር
ርግጽ እዩ፣ ኣምላኽ ፈራድ ኩሉ ምድሪ ስለ ዝኾነ ነቲ መቕጻዕቲ ክቕጽዖ ዝኽእልውን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኔሩ፣ ንሱ
ንኽቀጽዓናን ነቲ መቕጻዕትና ክወስዶን መሰል ኣለዎ፣ የሱስ ክርስቶስ ብኣካል ናብ ምድሪ ብምምጻእ ድማ ከምኡ ጌሩ፣
መሰረት እምነት ክርስትና ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሓቅታት ዝተመስረተ እዩ፣ ቀዳማይ።ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣት ሰባት ሞይቱ፣
ካልኣይ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ምውታት ተንሲኡ፣ክርስቶስ ካብ ምውታት እንተ ዘይትንስእ ኔሩ ኣምላኽ ንምዃኑ
መረጋገጺ ኣይምሃለወን፣ ካብ ምውታት ምትንስኡ ንሓቅነት ናይቲ ኩሉ ንሱ ዝበሎ ነገራት የርኢ፣ ዋላ ሓደ መራሒ ሃይማኖት
ምእንቲ ሓጢኣት ዓለም ከም ዝመውት ኣይተዛረበን፣ ዝኾነ መራሒ ሃይማኖትውን ካብ ምውታት ኣይተንስአን፣ እዚ ክልተ ሓቅታት
እምበኣር ንክርስትና ፍሉይ ይገብሮ፣ኩሉ ሃይማኖታት ጽቡቕ ክንገብርን ምስ ካልኦት ብሰላም ክንነብርን ይምህሩና ይኾኑ፣
እምነት ክርስትና ግን ፍሉይ መሰረት ኣለዎ። ንሱ ከኣ። ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። ካብ ምዉታት ከኣ ተንስአ ዝብል
እዩ፣ እዚ ክልተ ሓቅታት ካብ ክርስትና እንተ ወጺኡ ክርስትና ልክዕ ከምቲ ካልእ ሃይማኖታት ክኸውን እዩ፣ ንክርስትና
ፍሉይ ዝገብሮ እዚ ክልተ ሓቅታት እዩ፣ኩልና ንኣምላኽ ንክንነብር ኢና ተፈጢርና ኔርና። ኩልና ግን ንገዛእ ርእስና
ክንነብር ጸኒሕና፣ ስለዚ ናብ ኣምላኽ ክንመጽእ ከሎና ንብዙሕ ዓመታት ንኣምላኽ ዝግባእ ነገር ክሰርቁ ከም ዝጸንሑ
ዝተነስሑ ሰረቕቲ ኮይንና ክንመጽእ ኣሎና፣ ክርስቶስ ምእንታና ስለ ዝሞተ ከነመስግንን ካብ ምውታት ከም ዝተንስአ ሎሚ
ከኣ ህያው ከም ዝኾነን ክንኣምን ይግብኣና፣ ናብ ዝሞተ ሰብ ክትጽሊ ስለ ዘይከኣል የሱስ ሎሚ ህያው እንተ ዘይከውን
ናብኡ ክንጽሊ ኣይምኸኣልናን፣የሱስ ካብ ምውታት ስለ ዝተንስአ ግን ምስኡ ክንዘራረብ ንኽእል ኣሎና፣የሱስ ካብ ምውታት
ድሕሪ ምትንስኡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ሽዑ ድማ እቲ ሳልሳይ ኣካል ናይ ስላሴ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድሪ መጺኡ፣
መንፈስ ቅዱስ ልክዕ ከም የሱስ ሰብኣውነት ኣለዎ፣ ናብ ምድሪ ንህይወትና ብህላዌኡ ንኽመልእ መጺኡ፣ ህይወትና ንመንፈስ
ቅዱስ እንተ ሂብናዮ ንሱ ክቕድሰና ይኽእል እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣካ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብዓወት ክትመላለስ
ትኽእል ኢኻ፣ መንፈስ ቅዱስ ብበዓል ሓምሳ ቅድሚ ምውራዱ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ብዓወት ክመላለስ ይኽእል
ኣይነበረን፣ ቅድሚኡ ሰባት ደጋዊ ህይወቶም ጥራይ እዮም ከመሓይሹ ዝኽእሉ ኔሮም፣ ውሽጣዊ ህይወቶም ግን ብሓጢኣት
ዝተሳዕረን ዘይተለወጠን እዩ ኔሩ፣ መንፈስቅዱስ ምስ መልኣካ ኣምላኽ ኣብ ውሽጥኻ ስለ ዝነብር ብውሽጥኻውን ንኣምላኽ
ዝበቅዕ ናብራ ክትነብር ትኽእል ኢኻ፣እቲ ዘገርም መልእኽቲ ናይ ወንጌል ኣምላኽ ሓጢኣትካ ምስ ሓደገልካ ልብኻ ፈጺሙ
ክጸሪ ከም ዝኽእልን የሱስ ኣባኻ ክነብር ምስ ጀመረ ከኣ ብመንፈሱ ጌሩ ንኣካላትካ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ይገብሮ ዝብል
እዩ፣ሓደ ጊዜ ምስ ሓደ ሽጋራ ዘትክኽ ክርስትያን የዕልል ነበርኩ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ሽጋራ መትከኽካዶ? ኢለ ከኣ
ሓተትክዎ፣ ንሱ ድማ ቤተክርስትያን ቤት ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ፈጺሙ ከም ዘየትክኽ ነገረኒ፣ ኣነ ድማ ቤተ መቕደስ
ኣምላኽሰብነቱ እምበር ሓደ ቤተክርትያን ዝበሃል ህንጻ ከም ዘይኮነ ነገርክዎ፣ ኣብ ውሽጢ ህንጻ ቤተክርስትያን ዝሙት
ምፈጸምካዶ? ብርግጽ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣጸያፊ ስእልታት ኣይምረኣኻን፣ ክርስቶስ ኣብኡ ክነብር ከሎ
ስጋኻቤተመቕደስ ኣምላኽ እዩ፣ ስለዚ ብኣካላትካ እንታይ ከም እትገብር ተጠንቀቕ፣ ናይ ምትካኽ። መስተ ምስታይ። ጎዳእቲ
መድሃኒታት ምውሳድን ርኹስ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኻ ቦታ ክረክብ ምፍቃድን ቀስ ብቐስ ንስጋኻን ኣእምሮኻን ከዕንዎ
እዩ፣ህይወት ክርስትና ከም ሓደ ውድድር ጉያ እዩ፣ ገጽና ካብ ሓጢኣት ምስ መለስናን ዳግም ምስ ተወለድናን ናብ መጀመሪ
መስመር ናይዚ ውድድር ንመጽእ፣ ሽዑ እቲ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህይወትና ዝቕጽል ናይ ማራቶን ውድድር ይጅመር፣
ንጎዪንጎዪንጎዪ፣ በብመዓልቱ ከኣ ናብቲ ናይ መወዳእታ መስመር እናቐረብና ንኸይድ፣ ኩሉ ሳዕ ግን ጉያና ከነቋርጽ
ኣይግባእን፣ብካልእ ኣብነት ንምግላጹ። ዳግም ክንውለድ ከሎና ናይ ገዛና መሰረት ነንጽፍ ኣሎና፣ ብድሕሪኡ ቀስ ብቐስ ነቲ
ብዙሓት ደርብታት ዘለዎ ላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ክንሃንጽ ንጅምር፣ እዚ ህይወት እዚ በብዓመቱ ኣብ ህይወትካ ዝነበረ
ክፉእ ባህርያት እናኣጥፋእካን ብዝያዳ ንኣምላኽ እናመሰልካ እትኸደሉ ስለ ዝኾነ እቲ ክትነብሮ እትኽእል ዝበለጸ ናብራ
እዩ፣እሞ ዳግምንክትውለድ እንታይ ክትገብር ኣሎካ?መጀመርያ ሓጢኣተኛ ምዃንካ ፍለጥን ተኣመንን፣ ርእስኻ ምስ ካልኦት
ብምውድዳር ካብ ገሊኦምስለ ዝሓሽኻ ኣይትጸናናዕ፣ ሓጢኣት ልክዕ ከም ቀታሊ መርዚ እዩ፣ ሓደ ንጣብ ሰቲኻ ኮነ ሚእቲ
ንጣብ ሰቲኻ ምሟትካ ኣይተርፈካን እዩ፣ ኣብ ህይወት ክርስትናኻ ጥዑይ ምጅማር ክትገብር እንተ ደሊኻ ካብቲ ኣብ ዓለም
ዘሎ ዝኸፍአ ሓጢኣተኛ ከም ዘይትሓይሽ ፍለጥን ተኣመንን፣ ብድሕሪኡ ካብ ኩሉ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ወስን፣ብድሕሪኡ
ብክርስቶስ እመን፣ እዚ ማለት ኩለንትናኻ ኣብ ክርስቶስ ምዕቋብ ማለት እምበር ብኣእምሮኻ ብዛዕባ ክርስቶስ ገለ ነገር
ምእማን ማለት ኣይኮነን፣ ንገለ ሰብ ኣብኡ ከይተዓቖብካ ወይ ከይተወከልካ ክትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፣ ሓንቲ መርዓት ኣብ
ዕለተ መርዓኣ "ርእስኺ ነዚ ሰብኣይ እዚ ክትውፍዩ ፍቓደኛ ዲኺ?" ተባሂላ ምስ ተሓተተት "ጥዑይ ሰብ ምዃኑ እኣምን
እየ። ህይወተይን መጻእየይን ንዕኡ ከረክብ ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ኢላ እንተ መሊሳ ኣብኡ እምነት ስለ ዘይብላ
ክትምርዓዎ ኣይትኽእልን እያ፣ ሰበይቲ ክትምርዖ ከላ ናይ ህይወታ መኣዝን ብምሉኡ እዩ ዝቕየር። ስማ ብስም ሰብኣያ እዩ
ዝዕብለል። ቤት ኣቦኣ ገዲፋ ከኣ ናብ ቤት ሰብኣያ እያ እትኸይድ፣ ሰብኣያ ኣበይ ከም ዝነብር ዘይክትፈልጥ ትኽእል እያ።
መጻኢኣ ግን ኣሚና ንእኡ ተረክቦ፣ ኣብኡ እምነት ኣለዋ፣ እምነትካ ኣብ ክርስቶስ ምግባር ማለትእምበኣር ከምዚ እዩ፣

እቲ "ክርስትያን" ዝብል ቃል (በቲ ቅኑዕ ትርጉሙ እንተ ወሲድናዮ) 'መርዓት (ሰበይቲ) ክርስቶስ' ማለት እዩ፣ሰበይተይ
ድሕሪ ንዓይ ምምርዓዋ እያ ሰበይተይ ትበሃል፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ ንክርስቶስ እንተ ተመርዒኻዮ ጥራይ ኢኻ ስም ክርስቶስ
ክትወስድን ንርእስኻ "ክርስትያን" ኢልካ ክትጽውዓ ትኽእልን፣ ሓንቲ ሰበይቲ ዘይተመርዓወትኒ ክንሳ ሰበይቱ እየ እንተ
ኢላ ትሕሱ ጥራይ እያ ዘላ፣ ከምኡ ከኣ እቲ ንክርስቶስ ከይተመርዓዎ ክርስትያን እየ ዝብል ሰብ ይሕሱ እዩ ዘሎ፣መርዓ
ንዘለኣለም እምበር ንውሑድ መዓልትታት ኣይኮነን፣ ክርስትያን ምዃን ከኣ ናይ ምሉእ ህይወት መብጽዓ (ኪዳን) እዩ፣ ምስ
ክርስቶስ ኪዳን ምግባር ማለት ፍጹም ኮይንካ ኢኻ ማለት ኣይኮነን፣ ሰበይቲ ክትምርዖ ከላ ኣብ ህይወታ ምሉእ ዋላ ሓንቲ
ጌጋ ከም ዘይትፍጽም ቃል ኣይትኣቱን እያ፣ ብዙሕ ጌጋታት ክትገብር እያ።ሰብኣያ ግን ይቕረ ክብለላ እዩ፣ ምስ ሰብኣያ
ንዘለኣለም ክትነብር ግን ቃል ትኣቱ እያ፣ እቲ ምስ ክርስቶስ ዝህልወና ሕብረትውን ከምዚ እዩ፣ እቲ ቀጺልካ እትገብሮ
ስጉምቲ ጥምቀት ማይ ምውሳድ እዩ፣ ምጥማቕ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት ከም ምውሳድ እዩ፣ ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት
ብምምጻእ ጥራይ ክትምርዖ ኣይከኣልን እዩ፣ ብምጥማቕውን ክርስትያን ኣይክወንን እዩ፣ ድሕሪ ምምርዓውካ ጥራይ እዩ ናይ
መርዓምስክር ወረቐት ክትሕዝ ዘሎካ፣ ከምኡ ድማ ድሕሪ ብክርስቶስ ምእማንካ ጥራይ ኢኻ ክትጥመቕ ዘሎካ፣ ብጥምቀት ካብቲ
ዝሓለፈ ኣረጊት ህይወት ከምዝተላቐቕካን ንየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ህይወትካ ከም ዝገበርካዮን ትምስክር፣ጥዑያት ሰብ ሓዳር
ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ብዙሕ የዕልሉ፣ ስለዚ ንስኻውን መዓልታዊ ምስ ጎይታ ክትዘራረብን ነቲ ንሱ ብቃሉ ዝብለካ
ክትሰምዕን ይግብኣካ፣ጥዕይቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘጉሂ ዝኾነ ነገር ኣይትገብርን እያ፣ ኩሉ ነገራት ምስኡ ብሕብረት እያ
ትገብሮ፣ ሓቀኛ ክርስትያንውን ንክርስቶስ ዘየሕጉስ ነገር ኣይገብርን(ንኣብነት የሱስ ዘይርእዮ ፊልም ኣይርእን) እዩ፣
ምስ የሱስ ኮይኑ ክገብሮ ዘይክእል ነገር ኣይገብርን እዩ፣ዳግም ከም ዝተወለድካ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእልዶ? እወ ኣብ
ሮሜ.8።16 ዳግም ድሕሪ ምውላድና ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና መንፈስ ቅዱስ ከም ዝምስክረልና ይነግረና፣ምስቲ ሰባት ክረኽብዎ
ዝኽእሉ ዝበለጸ ዓርኪ ምንባር ስለ ዝኾነ እዚ ኣዝዩ ደስ ዘብል ህይወት እዩ፣ የሱስ ኩሉሳዕን ኣብ ኩሉ ቦታን ምሳና ስለ
ዝኸውን በይንና ኣይንኸውንን ኢና፣ ሽግርና ንእኡ ከነካፍሎን ንሱ ኣብ ምፍትሖም ክሕግዘናን ይኽእል እዩ፣ የሱስ ንመጻኢና
ኣብ ኢዱ ስለ ዝሓዘ ከኣ ህይወትና ካብ ጭንቀትን ፍርሃትን ነጻ ዝኾነን ብሓጎስ ዝተመልአን እዩ፣ ዳግም ክትውለድ ትደሊ
እንተኾይንካ ብቅንዕናን ካብ ልብኻን ሕጂ እዚ ጸሎት ናብ ጎይታ ጸሊ።"ጎይታ የሱስ። ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ እኣምን
ኣሎኹ፣ ኣነ ገሃነም ዝግብኣኒ ሓጢኣተኛ እየ፣ ስለ ዘፍቀርካንን ምእንቲ ሓጢኣተይ ኣብ መስቀል ስለ ዝሞትካን አመስግነካ
ኣለኹ፣ ካብ ምውታት ከም ዝተንሳእካንሎሚ ህያው ከም ዝኾንካንእኣምን ኣሎኹ፣ ካብቲ ሓጢኣት ዝመልኦ ህይወተይ ሕጂ ክምለስ
እደሊ ኣለኹ፣ ንሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ። ንሓጢኣት ክጸልኦከኣ ደግፈኒ፣ ንዝበደሉኒ ዘበሉ ኩሎም ይቕረ እብለሎም ኣለኹ፣
ጎይታ የሱስ ናብ ህይወተይ ንዓ። ካብ ሎሚ ጀሚርካ ከኣ ጎይታ ህይወተይ ኩን፣ ሕጂ ከኣ ውሉድ ኣምላኽ ግበረኒ፣"ቃል
ኣምላኽ። "ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኩሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም፣" ይብል
(ዮሃ.1።12)፣ጎይታ የሱስውን "ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከኣ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ፣" ኢሉ ኣሎ
(ዮሃ.6።37)፣ስለዚ ንሱ ከምዝተቐበለካ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ብድሕሪዚ። "ጎይታ የሱስ ሓጢኣተይ ስለ
ዝሓደግካለይን ስለ ዝተቐበልካንን አመስግነካ ኣለኹ፣ ብመንፈስ ቅዱስካ ምልኣኒ። ንዓኻ ክነብር ከኣ ሓይሊ ሃበኒ፣ ካብ
ሎሚ ጀሚረ ንዓኻ ጥራይ ባህ ከብለካ እደሊ ኣለኹ፣" ኢልካ ከኣ ከተመስግኖ ትኽእል ኢኻ፣ሕጂ ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ
ከተንብብን ጎይታ መዓልታዊ መንፈስ ቅዱስ ክመልኣካ ክትሓቶን ኣሎካ፣ ምስ ካልኦት ዳግም ዝተወልዱ ኣመንቲ ሕብረት
ክትገብርውን የድልየካ፣ ሽዑ ጥራይ ኢኻ ኣብ ህይወት ክርስትና ክትዓብን ንጎይታ ንምስዓብ ዝኸውን ሓይሊ ክህልወካን
ዝኽእል፣ ስለዚ ጎይታ ናብ ጥዕይቲ ቤተክርስትያን ክመርሓካ ሕተቶ፣ጎይታ ኣብዚሑ ይባርኽካ፣