ናይ ዓወት ሂወት

Written by :   Zac Poonen Categories :   Seeker
Article Body: 

600,000 እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም።ግንከ ክልተ ካብኣቶም እያሱን ካሌብን ናብ ምድሪ ከንኣን ኣትዮም።ከምኡ ድማ ብማዕረ ገምጋም ናይ ክርስትያን(2 ካብ 600,000)ናብ ዕዉት ሂወት ይኣትው።እያሱን ካሌብን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣትዮም ምኽንያቱ ከምዚ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮም ''ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ውረስዋ እንተ ኢሉና ክንገብሮ ይክኣለና ኢዩ''።እዚ እዩ እምነት።እምነት ምስ ተስፋታት ኣምላኽ ጥራይ ዝተኣሳሰረ እዩ እንበር ፈጺሙ ምስ ዘጋጥመና ሽግራት ኣይኮነን።እቶም ካልኦት እስራኤላውያን ድማ ከምዚ በሉ፡እዚ ኣይክኣልን እዩ።ደቂ ዓናቅ ዓበይትን ሓያላትን እዮም።ከምኡ ድማ ሎሚ ክርስትያን ዘይክኣል ኮይኑ ይስምዖም ንምስዓር ሕርቃንን ብዓይንኻ ጠሚትካ ምብሃግን።ምኽንያቱ እዞም ባህግታት እዚኣቶም ብጣዕሚ ሓያላትን ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝገዝእዎምን።ከምዚኦም ዝበሉ ኣመንቲ ኩሉ ዘመን ሂወቶም እንዳ ተደፍኡ እዮም ዝተርፉ(ብመንፈሳዊ እየ ዝዛረብ ዘለኹ)ኣብ ምድረ በዳ ድማ ይጠፍኡ። እቲ መንፈሳዊ ወሓዚ ካብ ሰማይ ዝውሕዝ ብኣና ገይሩ ናይ ግድን ዘይተበከለ መስመር ኣብ ልብና ዝውሕዘሉ ክኸውን ኣለዎ፡ዝተበከለ መስመር ብሕማቅ ሓሳባት፡ምጒርምራም፡ምምራርን ፍቅሪ ገንዘብን።ኣይፋሉን።ናይ ግድን ጽሩይ፡ንጹህ መስመር ሓራ ካብ ሓጥያት ክኸውን ኣለዎ።ብድሕሪ እዚ እቲ ወሓዚ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክባርኾም ይኽእል ብጽሩይ ማይ ሰማይ።እቲ ዓቢ ናይ ሎሚ ክርስትያን ትራጀዲ ኮይኑ ዘሎ እቶም ሰበኽቶም ውሽጦም ጽሩያት ኣይኮኑን።ንሓጥያት ኣይሰዓርዎን ኣብ ልቦምን ኣብ ናይ ግላዊ ሂወትን።ንፍቅሪ ገንዘብ ኣይሰዓርዎን፡ናይ ዓይኒ ባህጊ፡ምረት፡ መንፈስ ውድድር ምስ ካልኦት ክርስትያን መራሕትን ጒጅለታትን፡ቅንኢ፡ሓሲኻ ምንጋር፡ንሰበይትኻ ምቊያቚን ኣብ ካልእ ነገራት ጽድቂ ዘይምግባርን።ጌና ንህዝቢ ኣምላኽ ይሰብክዎ።እንታይ እዮም ክምህርዎ ንህዝቢ ኣምላኽ፧እቲ ዝገበርዎ ጥራይ-ንምጥቃስ፡ከመይ ገርካ ንሰበይትኻ ትቋየቋ፡ብኸመይ መሪር ትኸውን፡ብኸመይ ትቀንእን ከመይ ገርካ ምስ ካልኦት ትወዳደርን ! ዝኾነ ይኹን ካልእ ዝምህርዎ ነዃል ክልሰ ሓሳባት ጥራይ እዩ።ኣብ ሂወትካ ሰዓሪ እንተ ዘይኮንካ ኩሉ መጽሓፍ ቑዱሳዊ ፍልጠትካ ተማሂርካ ዝረኸብካዮ ጥቅሚ ዝብሃል የብሉን።እግዝኣብሄር ንእያሱ ውሕስነት ዝሃቦ ''ምሳኻ ክኸውን እየ''።ስለዚ ድማ እዩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ቅድሚ እያሱ ደው ዝብል ዘይነበረ።ንሓጥያት ብገለ ምህሮ ብምእማን ወይ ድማ ብገለ ተሞክሮ ኣይንስዕሮን ኢና።ኣይፋልናን።ክንስዕር ዘኽእለና ብቀጻሊ ጐይታ ብመንፈሱ ገይሩ ምሳና ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ።ኣምላኽ ከምዚኣቶም ዝበሉ እዩ ዝደሊ ዘሎ ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትያን ዝድግፎም፡ምኽንያቱ ልቦም ጽሩይ ስለ ዝኾነ።እግዝኣብሄር ንእያሱ ከምዚ በሎ:-ጽናዕን ትባዕን።ነዛ ብጸላእትኹም ንነዊሕ ዘመን ክትግዛእ ዝጸንሐት ምድሪ ንስኻ መሪሕካዮም ክትወርስዋ ኢኹም(እያሱ.1፡6)።ንዝኾነ ይኹን ሓጥያት ክንፈርሕ የብልናን።ወጺና ንህዝቢ ኣምላኽ ንሓጥያት ኣብ ስጋኦም ሰዓርቲ ክኾኑ-ንስጋኦም ነዚ ንነዊሕ ዓመታት ክግዛእ ዝጸንሐ ከነኽእሎም ኣሎና።ናብ እምነትን ጥምቐትን፡ደም ኣብ ማዕጾ ደገ ምግባር፡ቀይሕ ባሕሪ ምስጋርን ብደበና ምሕላፍን ጥራይ እኹል ኣይኮነን።እዚ መጀመርታ ጥራይ እዩ።እዚ ናይ መውዓል ህጻናት ትምህርቲ ጥራይ እዩ።ንደቅና መውዓለ ህጻናት ክፍሊ ምስ ሓለፉ ሓንሳብ፡ ትምህርቶም ደው ነብሎ'ዶ፧ኣይፋልናን።እምብኣርከስ እዚ እዩ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትና።ዓንዲ ደበናን-ጥምቐት ብመንፈስ ቑዱስን ናብ ምድሪ ተስፋ ክመርሖም እዩ ዝመጸ።ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ምኣተዉ ነይሮም፡ግንከ ኣብ 40 ዓመት ኣይኣተዉን፡ምኽንያቱ ብሰንኪ መራሕቶም ዘይምእማኖም።እምነት ካብ ምስማዕ ይመጽእ ምስማዕ ድማ ካብ ቃል ክርስቶስ(ሮሜ.10፡17)።ኣብ ኣኼባ ማሕበር ኣመንቲ እዚ እንተ ዘይተነጊርዎም ከመይ ገይሮም ክኣምኑ ይኽእሉ፧እምብኣርከስ ከመይ ገይሮም ድኣ ንሓጥያት ክስዕርዎ ይኽእሉ፧