ሱር ነቀል ለውጢ ኣረኣእያ ንወሲባዊ ፍትወት

Article Body: 

ኣብ ናይ ከረን ስብከት የሱስ ንደቂመዛሙርቱ ነጊርዎም እዩ ዝኾነ ሰብኣይ ንሰብይቲ ክብህጋ ዝጥምታ ምስኣ ዝሙት ከም ዝፈጸመ እዩ ኢሉ ።ንሱ ቀጺል'ውን ከምዚ ኢሉ ንኸምዚ ዓይነት ሰብኣይ ይዒንቱ ጎጥጊጡ ምውጻእ ምስሓሾ ካብ ምስ ክልተ ይዕዒንቱ ናብ ሲኦል ካብ ዝኸይድ። ንሱ በዚ ኽኣ ሚሂሩ ቀጻሊ ንሰበይቲ ብወሲባዊ

ፍትወት ምብሃግ ብሓንቲ ዓይኒ ነቲ ሰብኣይ ኣብ መወዳእታ

ናብ ሲኦል ከም ዝሰዶ።

እቲ ሓዊ ወሲባዊ ፍትወት ካብ ግዜ ኣዳም ጀሚሩ ኣብ ልቢ ሰብ ሎሚ ልክዕ ከም ሓዊ ሲኦል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ስብ ነዲዱ እዩ ።ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ከጥፍኦ ዝኽእል።ልብኻ ብወሲባዊ ፍትወት ሓጥያት ወይ ብፍቕሪ የሱስ ክቃጸል እዩ።ምርጫኻ ካብ እዞም ክልተ ሓደ ክኸውን እዩ፥ወይ እቲ ኮላዒ ሓዊ ሕጂ ወይ ሓዊ ሲኦል ኣብ መጻኢ።ካልእ ሳልሳይ ኣማራጺ የልቦን።

ህዝቢ ኣይሁድ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦም ድሮ ኣዚዩ ልዑል ናይ ስነምግባር መለኪዒ ሕጊ ነይሩ።ህይወቶም ጥብቂ ናይ ሞራል ደንቢ ፥ወሲብ ካብ መርዓ ወጻኢ ኩሉ ግዜ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እዩ ዘስዕብ ነይሩ።ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ ዘይስነምግባራውነት ዝፍትኖም ስእለ ጽዩፍ መጽሓፍቲ (Pornographic) ወይ መጽሄታት ወይ ናይ ቴለቪዥን መደብ ኣይነበረን።ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ብስርዓት ዝተኸደነትን ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብኽንደይ ጋዳ እዮም ንሓድሕዶም ዝዛረቡ ዝነበሩ።ገና ዋላ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ምስ ኩሉ ገደባታትን ጎይታ ፈሊጡ እዩ ሰብኡት ንሰበይቱ ንወሲባዊ ፍትወት ስጋ ከም ዝብህጉወን ንሱ ኽኣ ንደቂመዛሙርቱ ኣንጻር እዚ ኣጠንቂቕዎም እዩ።እንተ ድኣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተሪር ሕብረተሰብ ኮይኑ ክንደይ ዝይዳ ድኣ ንሱ ንኣጉባዝ ሰብኡት ኣብ ሎሚ እንነብር ዘለና ጽዩፍ ሕብረተሰብ ዘየጠንቅቐና ።

ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ብዝተኽኣለ መጠን ናብ ኣኣምሮና ነዳዲ እዩ ዝኽዕው ዘሎ ንወሲባዊ ፍትወት ስጋ ንኽምግብ።እዚ እዩ ኽኣ ስለ ምንታይ ኩሉና ሎሚ ኣዚይና ክንጥንቀቕ ዘሎና ።እንተ ድኣ ዕቱብ ኮይናካ ብዛዕባ ነዚ ፍትወት ስጋ ንምጥፋእ ፥ቀጻሊ ዕቱብ ክትከውን ኣለካ ብዛዕባ ምቁራጽ ቀረብ ናይቲ ነዳዲ።ከምእ'ውን ምንጪ እቲ ነዳዲ ክትቖርጾ ኣለካ ብጭካነን ሱርነቀልን ብዘይ ምሕረት።እዚ እዩ እምብኣር ይዒንትኻ ጎጥጊጥካ ምውጻእ ይእዳውካ ምቑራጽን ማለት ።የሱስ ኣዚዙና እዩ ንኹሉ ነቲ ሓጥያት ክንገብር ምኽንያት ዝኾነና ክንዕንዎ።የሱስ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ዝያዳ ግንዛበ ሓደገኝነት ሓጥያትን ሓቅነት ሓዊ ሲኦልን ነይርዎ።ስለ'ዚ እዩ ኽኣ በዚ ምኽንያት ንሱ ከም'ዚ ዓይነት ሱርነቀል መንፈሳዊ መጥባሕቲ ዝምሕጸነና፥ ምእንቲ ካብ ሓጥያት ክንድሕን።

ተግባራዊ ናይ ጎይታ ትእዛዝ ሎሚ ንዓና " እንተ ድኣ ቴለቪዥንካ ኣብ ኣኣምሮኻ ሓጥያት ክትሰርሕ ሰሪ እንተ ኾይና ብቕጽበት ኣወግዳ " ቴለቪዥን ተሪፍካ፥ናብ ሰማይ ምኻድ ይበልጽ ምስ እቶም ከዋኽብቲ ናይ ቲቪ ኣብ መስኮት ቴለቪዥን ዝርኣኻዮም ብሓንሳብ ናብ ሲኦል ካብ ምኻድ።ወይ ገለ መጽሔት እንተ ኾነ ወይ ፍሉይ ዓይነት ሙዚቃ ሓጥያት ክትገብር ዘላዓዕለካን ምክንያት ዝኾነካን፥ ልክዕ ከምኡ ግበር'ውን ነቶም መጽሄታትን ካሴታትን።

ብርግጽ ዋላ ሐደ ኣዚዩ ክቡር ነገር ንዓኻ ኣብ ምድሪ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፥ እቲ ኣጽኒዕካ ክትሕዞ ዘለካ ዋላ እኳ ከም ውጺኢት ናቱ ኣማሲኡ ካብ መንግስቲ ሰማያ ክትረፍን ናብ ሲኦል ክትከይድን።

ዋላ እኳ ነዚ እናንበብካ ከለኻ ሰይጣን ኣብ እዝንኻ ሕሹኽ ክብለካ ክቕልጥፍ እዩ "ብርግጽ ንስኻ ኣይትመውትን ናብ ሲኦል ኣይትኸይድን ኢኻ ብሓደ ንእሽተይ ነገር " ንሱ ብብልሓት ወሲብ ምምናይ ስእሊ ኣብ መጽሄት ወይ ደድሕሪ ሓደ ሰብ ኣብ ቲቪ እትርእዮን ብሓቂ ዝሙት ኣይኮነን ኢሉ ከነግረካ እዩ።ኣይትስማዓዮ ንዕኡ ፥ምኽንያቱ የሱስ ኣጠንቂቕና እዩ ሰይጣን ካብ መጀመሪያ

ኣትሒዙ ሓሳዊ ከም ዝኾነ።

ነዚ ወሲባዊ ፍትወት ስጋ ሓጥያት ዝምልከት ከምዚ ኣይትበል" ኣብ መጻኢ ኣብሊጸ ክገብሮ እየ " ወይ " ደው ከብሎ ክፍትን እየ"።መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እኳ ትርኢት እከይ ክንቁጠብ ርእስና ክንገትእ የጠንቅቐና እዩ።እመን እግዚኣብሄር ብኹሉ ዝክኣል መንገዲ ነዚ ሓጥያት ብቕጽበትን ንሓዋሩን ደው ከተብሎ ከም ዝሕግዘካ ።ካብ ሎሚ ነቲ ቕልስ ጀምሮ ክሳብ ነዚ ጎልያድ ርእሱ እትቖርጾ እቲ ዘርከሰካ እቲ ወትሃደር ኣብ ሰራዊት ህያው ኣምላኽ ተስፋ ኣይትቑረጽ።

ጎይታ እንደ ገና ሓንሳብ መቕደሱ የጽሪ እዩ ዘሎ።መቕደሱ ሕጂ ኣካላዊ ሰብነትካ እዩ።ንዕኡ ክገብሮ ብሙሉእ ስራሕ ኣብ ሓደ እዋን ኣፍቅደሉ።

1 ቆሮ 7=1 ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ ምትንኻፍ ከነርሕቕ የጠንቅቐና ።መንፈስ ቅዱስ ሓደ ነገር " ጽብቕ ኣይኮነን " ክብል ከሎ ኣብኡ ዝበሎ ፥እዚ እኹል ክኸውን ኣለዎ ብጠቕላላ ወዲመዝሙር ካብዚ ክርሕቕ።ሕጋውያን ብፊደል ይነብሩ ወዲመዝሙር ግን ብመንፈስ እቲ ትእዛዝ እዮም ዝነብሩ።ንኣብነት የሱስ ፈሊጡ እዩ ንሰበይቲ ብልብኻ ክትብህጋ ኢልካ ምምናይ ዝሙት ሙኳኑ ፥ምኽንያቱ ንሱ ደሊዩ እዩ ክርዳእ ነቲ መንፈስ ሻብዓይ ትእዛዝ።ልክዕ ብኸምዚ መንገዲ እንተ ድኣ ብሙሉእ ልቢ ዝተብገሰካ ኮይንካ ኣብ ትሕቲ ሱር ኩሉ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ዝተቐመጠ ክትርኢ ኢኻ።ርኤ ጳውሎስ እንታይ ንጢሞቴዎስ ከም ዝመገሮ "ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ" (2 ጢሞ 2=22) ካብ ከምዚ ዓይነት ተኽእሎ ፈተና ክትሃድም ኣለካ።

•እዚ ጽሑፍ ካብ ናይ ሓው ዛክ ፑነን ሓድሽ መጽሓፍ "ደቀይ ስምዑኒ" ዝብል መጽሓፍ ዝተጸምቆ እዩ

ደቁ ኣብ ኮሎጅ እናጽንዑ ከለዉ ቅዲሚ 25 ዓመታት ብኢሜይል ደብዳቤ ዝጽሓፈሎም ዝተጥርነፈ እዩ።