ስሕተት ብትእምርትን ተአምራትን

Written by :   Zac Poonen Categories :   Leader Religious or Spiritual
Article Body: 

ሎሚ ቡዙሕ ስሕተት ኣሎ ፥ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትና ብትእምርትን ትአምራትን ልክዕ ከምቲ የሱስ ዘጠንቀቐና " ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም" (ማቴዎስ 24፡24 )። ሃዋርያ ጳውሎስውን አጠንቒቕና ኣሎ ከምዚ ብምባል "ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዓገሱኒ ደኣ። ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ። ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም" (2ቆሮ 11፡1-4 )። ኣብዚ ጺሑፍ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዋ ከም ዘሎ ፡ ባህርይ ናይዚ ስሕተት ፡ ካልእ የሱስ ፥ ካልእ መንፈስ ፡ ካልእ ወንጌል ብምባል ገሊጽዎ ንረኽቦ።

) ኣማኒ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ ከልዕል ዘይምህር፥ ንገዛእ ፍቓዱ ክኽሕድ፥ ወይ ፍቓድ ጎይታ ቅድሚ ፍቓዱ ከቐድም ዘይሐትት።

) ካልእ መንፈስ ፡ ንሰባት ሐጎስን ፈንጠዝያ ዝህብ ግናኸ ሰባት ቁዱሳን ክኾኑ ሓይሊ ዘይህብ።

) ካልእ ወንጌል ፡ ንኽትንሳሕ ዘይሓትት በኣንጻሩ ብምድራዊ ነገራት ከም ትምላእ ዝምህር :ካብ ሓይሊ ሐጥያት ዘየናግፍ (ሓጥያት ድማ ሱር ኩሉ ጸገም ሙኻኑ እዩ)።

ስለዚ ሰባት በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ምስ ዝስሕቱ ደቂ ገሃነም ይኾኑ (ማቴ 23፡15)።

እምብአር ሎሚ ካብ ስሕተት ንምድሓን ንየሱስ ክንጥምትን ነቶም ናይ ዘመንና ሰበኽቲ ምስ የሱስ ከነነጻጽሮም ይግብኣና። ክንሓቶ ዘሎና ሕቶታት ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ ፥

1.እቲ ቐንዲ ዕላማኦም ከም ናይ የሱስ ድዩ?

እቲ ናይ መጀምርያ ተስፋ ኣምላክ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኣብ ማቴዎስ 1፡21 ተጠቂሱ ከም ዘሎ "ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ እዩ እሞ፡ ስሙ ክትሰምዮ ኢኻ" ።እምብአር እቲ ቀንዲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝምጽሉ ምኽንያት ንሰባት ካብ ሐጥያቶም ከድሕን አዩ ። ስለዚ በቲ ናይ ሓቂ


መንፈስ ኣምላኽ ዝተመርሓ ኣገልግሎት ንሰማዕቱ ካብ ኣብ ሓጢያት ምንባር ናጻ ናይ ምውጻእ ዕላማ ዘለዎ እዩ። እቲ ዝተረፈ ኩሉ ፡ ፈውሲ ፡ ትአምራትንትንቢትን ከም ካልአይ ዝስራዕ እዩ።

2.እቲ ሓሳቦም (ሃቐናኦም) ከም ናይ የሱስ ድዩ?

"እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ አባኹትኩም ይሃልኹም" አሉ ቃል ኣምላክ ይእዝዘና (ፊሊጲ 2፡5)። ስለዚ እምብአር ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰባኺ ሓሳብን ሃቐናን ምስ ናይ የሱስ ከነአጻጽሮ ኣሎና ። እዘን ዚስዕባ ሕቶታት ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እንሰምዖ ሰባኺ ክንሓትት ኣሎና፡

ሀ- ትሑት ሰብ ድዩ ከም የሱስ?

ለ-ንሰባት ናብ ሐርነት ካብ ሓጥያትን ናብ ሓቀኛ ቅድስናን ድዩ ዝመርሕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ? ሓ-ንገዛእ ርእሱ ወይ ንአገልግሎቱ ገንዘብ ይሓቲት'ዶ የሱስ ፍጹም ከምኡ አይገበረን

መ-ተራ ሰባትን ጽጉማትን ብቀሊሉ ክረክብዎ ይኽእሉ'ዶ? ልክዕ ከምቲ ንየሱስ ብቀሊሉ ዝረኽብዎ ዝነበሩ። ተወሳኺ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ድማ ና

ሀ- ንሰባት ናብ ክርስቶስ ይመርሕ'ዶ ወይ ናብ ገዛእ ርእሱ? ለ-ፍርሃት ኣማላኽ ዘለዎም ውሉድ'ዶ ኣሎዎ?

ሐ-እንተ ወሐደ ሓንቲ ማሕበር ኣምላክ መስሪቱ'ዶ? መ-መገላግልቱ ናይ ኣምላክ ሰባት ድዮም?

3፡ ኣብ ፈውሲ ዘለዎም አረአእያ ከም ናይ የሱስ ድዩ ?

ኣብ ወንጌል ምስ እንርኢ የሱስ ከመይ ጌርካ ትአምራት ወይ ድማ ፈውሲ ከም እትቕበል ክሰብኽ ወይ ክምህር ከሎ ኣይንርእዮን፥ ግናኸ የሱስ አሽሓት ሰባት ከም ዝፈወሰ ንርኢ።

ከምእውን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተመሳሳሊ ከመይ ጌርካ ትአምራት ወይ ድማ ፈውሲ ከም ትቕበል ዝብል አይምሃሩን ግናኸ ንቡዝሓት ፈዊሶም። ኣብ ኩሉ መልእኽትታት ስጋዊ ፈውሲ ዝብል አይተጠቕሰን ብዘይካ ኣብ ያዕቆብ 5፡14-15 እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ሽማግለ ክህልዎ ዘለዎ እምነት እምበር ብዛዕባ እቲ ሕሙም ዘይኮነ።

ሎሚ ግን ኣብ ክርስትያናት ቲቪ(tv) ንረክቦ በንጻር እቲ ቓል ኣምላክ እዩ ። ቡዙሕ ስብከታት ኣማኢት ብዛዕባ ፈውስን ትአምራትትን ንሰምዕ ኢና ግናኸ እቲ ሐቀኛ ትአምራት አዚዩ ውሑድ እዩ። ኢደፐንደንት ምንጭታት ከም ዘረጋግጽዎ መብዛሕትኡ ሓቂ አይኮነን።

የሱስን ሃዋርያትን ግን ብዛዕባ ሓርነት ካብ ሓጥያት ብዙሕ ምሂሮም ብኣንጻሩ ኣብዘን ክርስትያናት ትቪ(tv) ወይ'ውን ኣብ መድረኽ ሰብ ከመይ ገይሩ ካብ ሓጥያት ሓራ ከም ዝወጽእ ዝምህር ስብከታት ኣዝዩ ውሕድ እዩ ዝርከብ ፡ ንኣብነት ምግላጽ ከም ንሓውኻ ምቁጣዓ: ንሰበይቲ ክትብህጋ ኢልካ ምጥማት ፡ ፍቅሪ ገንዘብ


ዝኣመሰሉ (ከመቲ ጎይታና የሱስ ዝማሀሮ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ን 6)።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ስም ኣሎ ናይ ጎይታ ስራሕ ዝጻረር፥ እዚ ኸኣ ጸረ ክርስቶስ ይብሃል።እዚ ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ ሎምውን ኣብ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ይርከብ። እዚ ድማ ማዕረ ኽንደይ ሰይጣን ብስሕተት እዕሚቑ ከምዝኣተወ መረጋገጺ እዩ።

ስለምታይ ኣምላኽ ነዞም መስሓትቲ ኣብ ማእከል ህዝቡ ክህልዉ ዝሓድጎም?

ኣብ ዘዳግም 13፡1-3 ተገሊጹ ከም እንረኽቦ ስለምንታይ ኣምላኽ ንመስሕትያን ከምድሌቶም ክንቀሳቀሱ ዚሐድጎም? "ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሃበካ፡ 2 እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ 3 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ"

ኣምላኻ ሐሰውቲ ነብያት ትእምርትን ትአምራታን ክገብሩ ዝፍጸም ነገር ክንበዩ ዘፍቅደሎም ምኽንያት ንህዝቡ ምእንቲ ክፍትኖም እዩ ማለት ዘፍቅርዎ እንተኮይኖም ወይ ንኣምላኻ ናይቶም መስሕትያን ዝስዕቡ እንተኾይኖም ምእንቲ ክፈልጥ እዩ።

እቶም ክልተ ኣማልኽቲ ናይ መስሓትያን ነብያት ንክርስትያናት ክኽተልዎምን ከምልኽዎምን ዝደልይዎም

እዩም።

ገንዘብ ሰባት ሎሚ ሃብትን ጥዕናን ንምርካብ ንሰበኽቲ ገንዘብ ይህቡ። ኣብ ግብ 8:18-23 ተጠቂሱ ከም እንረኽቦ ስምኦን እቲ ጦንቋሊ ነቲ ናይ ኣምላኽ ህያብ ብገንዘብ ክዕድጎ ብምድላዩ ሃዋርያ ጵጥሮስ ክገንሖ ኮሎ ንረኢ።

ሎሚ ኣብያተ ክርስትያናት ቦታ መዛናግዒን ፡ዓለማዊ ሙዚቃ ዝለማመዳሉ፥ ዓለማዊ መደባት እናገበራ ሰባት ዝማርኻሉ ቦታ ኮይኑ ኣሎ ። ስለዚ እዩ ሰይጣን እምብአር ንክርስትያናት ዓለማዊ አተሓሳስባ ዘለዎምን ን ኣምላክ ዘይድሙዑን ክርስትያናት ገይርዎም ንርኢ ዘሎና።

ሎሚ ሚልዮናት ሰባት ንሓስውቲ ነብያት ይስዕቡ ኣሎዉ ምኽንያቱ ሰበኽቶም ንስጋዊ ድሌት ዝጥዕም ስለዝኾነ። ስለዚ እዩ እዞም ኣማልኽቲ መስሓትያን ኣብ ኣምልኾ ኣብያተ ክርስትያናት ጣኦት ኮይኖም ዝርኣዩ ዘለው።

እትስምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ