ደቀመዝሙር ወይስ ዝተለወጡ ?

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church Disciples
Article Body: 

ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ ልሙድ ጌጋ እዩ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ብሓደ ጥቕሲ ክትውሰድ፥ምውጋድ ካልኡት ጹሓፋት ቃል ኣምላኽ ኣብ ሓደ ዓይነት ኣርእስቲ።

ሰይጣን ንጎይታና በዘን ቓላት ፈቲንዎ "ጽሑፍ እዩ…." (ማቴ 4=6)። ኮይኑ ግን ጎይታ ነቲ ፈተና ነጺግዎ ከምዚ ብምባል "ከምእ'ውን ጽሑፍ እዩ…." (ማቴ 4=7)።እቲ ሙሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ክትርድኦ እትኽእል ሓደ ጹሑፍ ቃል ኣምላኽ ምስ ካልእ ጽሑፍ ቃል ብምንጽጻር ጥራይ እዩ - "ጽሑፍ እዩ …." ዝንበብ ብሓንሳብ ምስ "ከምእ'ውን ጽሑፍ እዩ " እዩ።

ኣብ ግምት ይእቱው ነቲ "ነቲ ዓቢ ተልእኾ"።

የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ኣዚዝዎም " ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ወንጌል ስበኽሉ " ብምባል(ማር 16=15) ።ንሱ ከምእ'ውን ከምዚ ክብል ኣዚዝዎም እዩ "ከይድኩም ኣብ ኩለን መንግስታት ደቂመዛሙርተይ ግበርዎም" (ማቴ 28=19)። እዚኦም ክልተ ትእዛዛት ክልተ ክፋል ናይቲ ዓቢ ተልእኾ እዮም። ጥራይ ብጥንቃቐ ኣብ ግምት ብምእታውን ምእዛዝን ፥ንክልቲኡ ክፍልታት ተልእኾ ፥ክንረክብን ንሙሉእ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፍጽም እንኽእል ።

•ወንጌል ምብጻሕ

እቲ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ብቐሊሉ ክንግንዘቦ እንኽእል ከይድካ ወጺኻ ንኹሉ ወንጌል ምስባኽ እዩ (ማር 16= 15 ) ።እዚ ትእዛዝ ንውልቀ ኣማኒ ዝተውሃበ ኣይኮነን፥ግናኸ ንብምልእታ ኣካል ክርስቶስ እዩ። ንሰብ ዘይክኣል እዩ ሓደ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ወይ ዝኾነት ከባብያዊት ቤተ ክርስትያን ብገዛእ ርእሳ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዘሎ ዓለም ወንጌል ክስበኽ።ነፍሲ ወከፍና ንኽእል ኢና፥ብዝበለጸ ፥ክህልወና ኮይኑ ግን ኣብዚ ዕማም ንእሽተይ ክፋል።

እምብኣር እዚ ክፋል፥ዝኾነ ይኹን ንእሽተይ እንተ ኾነ ፥ክንፍጽሞ ኣሎና። ኣብዚ እንሄለ ኣብቲ ግብሪ ሃዋርያት 1=8 ናብቲ ስዕሊ ዝመጽእ። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ መንፈስ ቅዱስ ክህልዎ ኣሎዎ ምእንቲ ሓይሊ ክህቦ ፥ንሱ ንክርስቶስ ውጺኢታዊ ምስክር እንተ ድኣ ክኸውን ኾይኑ ።ተጠንቂቕካ ኣሰትውዕል ኩሎም ወንጌላውያን ክኾኑ ኣይተጸውዑን፥ኣብ ቤተ ክርስትያን ንገለ ጥራይ እዩ ሂቡ -ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 4=11 ንጹር ዝገበሮ፥ኮይኑ ግን ኩሎም ምስክሩ ክኾኑ ተጸዊዖም እዮኣም።

ወንጌላዊ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዓውዲ ኣለዎ ካብ ምስክር ንላዕሊ።ምስክር ንክርስቶስ ዝእውጅ ኣብ ዓንኬል ዝንቀሳቐሰሉን ዝሰርሓሉን- ንኣዝማዱ፥ጎረባብቱ፥መሳርሕቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ንኻልኡት ምዓልታዊ ኣብ መንገዱ ዘጋጥምዎ ፥ ናብ ክምራሕ ኣብ ግዕዞ መንገዲ ፥ወ.ዘ.ተ። ኣብዚ እዩ ኣብቲ ኩሉና ምስክር የሱስ እንኾነሉ፥ዝኾነ ይኹን እንተ ኾነ ምድራዊ ስራሕና ።

ግዳ ክርስቶስ ከምእ'ውን ሰፊሕ ኣገልግሎት ዘለዎም ንዝጠፍኡ ንምብጻሕ ወንጌላውያን ንቤተ ክርስትያን ሂይቡ እዩ።እንተ ኾነ ግዳ እቲ ዕማም ናይ ወንጌላውያን ጥራይ 'ነብሳት ምምራኽ' ወይ 'ንሰባት ናብ ጎይታ ምምጻእ (ከምቲ ኩሉ ግዜ እንሰምዖ) ኣይኮነን፥ኮይኑ ግዳ ምህናጽ ኣካል ክርስቶስ እዩ፥ከም ኣብ ኤፌሶን፡4=11,12 ንጹር ዝገበሮ ። ኣብዚ እንሄለ እቲ ዝዓበየ ድኽመት ናይ ብዙሓት ናይ ሎሚ ብወንጌላውነት ዝቕመጥ መብዛሕትኦም ናይ ሎሚ ብወንጌል ምብጻሕ ንምህናጽ ኣካል ክርስቶስ ዝዛመድ ኣይኮነን፥ጥራይ ንምድሓን ውልቀ ነፍሳት እዩ እዚኦም ነፍሳት ሽዑ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዝሞታ "ቤተ ክርስትያኖም" መሊሶም ይሰድዎም ኣብኡ ቀልጢፎም ይጠፍኡ እንደገና ፥ወይ'ውን እቲ ዝሓሽ እትብሎ ልብጥ ዝበሉ ይኾኑን ሓደ ምዓልቲ ኽኣ ካብ ኣፍ ጎይታ ጥፍ ዝተብሃሉ ክኾኑ ብቑዓት ይኾኑ (ራኢ 3=10)።

ብኽልቲኡ መንገዲ ፥ኣብ ኣካል ክርስቶስ ኣይተሃጹን።ስለዚ ድማ ጥራይ ሰይጣን ዕላማታቱ ይፍጸም- ምኽንያቱ እቲ ሰብ ሽዑ ዕጽፊ ወሲ ሲኦል ይኸውን (ማቴ 23=15) - መጀመሪያ ምኽንያቱ ንሱ ክጅምር ከሎ ጠፊኡ እዩ ነይሩ ፥ካልኣይ ንሱ ብገለ ወንጌላውያን ተታሊሉ እዩ ከም ዝድሓነ ገይሩ ንነብሱ ብምሕሳብ፥ገና ንሱ ጠፊኡ ከሎ ! ብኸምዚ ዓይነት ወንጌላውነት ጥራይ ምህናጽ ናይ እቶም ወንጌላውያን ውልቃዊ ግዝኣት እዩ፥ግዳ እቲ በይኑ ዝኾነ ምኽንያት ከምዚ ዓይነት ወንጌል ምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ወንጌላውያን ድሌት ገንዘብ ወይ'ውን ካብ ሰባት ክብሪ ክረክቡ ፥ወይ'ውን ክልቲኡ !

የሱስ ንወንጌላውያን 'ገፈፍቲ ዓሳ' ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ። ኮይኑ ግን ወንጌል ምብጻሕ ምስ ዘይተለወጡ "ናይ ክርስትያን" መራሕትን ፥ጉጅለታት ወይ'ውን ብምወላ ድምጺ ምርጫ ዝደሊዩ ናይ ፖሎቲካ መራሕቲ ብምትሕብባር ዝዕየ እዚ ከም ዓሳ ምግፍፋ ብዙሕ ነዃል ብዘለዎ ሰኪዔት እዩ። ሓደ ክሓሳብ ኣይክእልን እዩ የሱስ ንሃና ፥ወይ ቀያፋ ፥ወይ ሄሮድስ ፥ወይ ጲላጦስ ምስኡ ኣብ መድረኽ ኮፍ ክብሉ ዓዲሙ ናይ ወንጌል ዋዕላታት ክኸፍት ! ግዳ ብዙሓት ናይ ሎሚ ወንጌላውያን ጥራይ እዚ ኣይኮነን ዝገብሩ፥ግናኸ ከምእ'ውን ነቶም ዘይተለወጡ መራሕቲ ካብ መድረኾም ኮይኖም ይንእድዎም እዮም ።

ተወሳኺ፥እቶም ዓሳ ኣብ ከምዚ ዓይነት "ስክዔት" ዝተትሓዙ ተመሊሶም ናብ ባሕሪ ክኸዱ ይፍቀደሎም እዩ (ዝሞታ "ኣብያተ ክርስትያናት)፥ ከም እንደገና ክትሓዙ ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ወንጌል ኣኼባ፥ ጥራይ ሓንሳብ እንደገና ዝያዳ ናብቲ ባሕሪ ክምለሱ ክፍቀደሎም ! እዚ መስርሕ እንደገና መሊሱ ይደጋገም ብብዙሓት ወንጌላውያን ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝሓቖፈ ኣኼባታት ኣብዘን ምዓልታት ይካየድ ፥ነፍሲ ወከፍ ወንጌላዊ ይእዳው ብሙቑጻር፥ናይ ውሳኔ ካርድታት ወ.ዘ.ተ ከምዚ ዓይነት ወንጌላውነት ዘምጾ ሓጎስ ኣብ ሰማይ ንዘለዉ መልኣኽቲ ኣይኮነን ግና ንሰራዊት ሰይጣን እዩ ! ምኽንያቱ ፥ኣማሲኡ ከመይ መልኣኽቲ ክሕጎሱ ይኽእሉ በቶም ዕጽፊ ደቂ ሲኦል ክኾኑ ዝትገበሩ ? ብኣሃዝ ዝተገለጸ ሓበሬታ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ኣኼባታት ጠቕላላ መጠበሪ እዩ።

ዋላኳ እቲ የሱስ ንሓጥያት ዝሓድግን ሕሙማት ዝፍውስን ብምልክትን ትኣምራትን ነቲ መልእኽቲ ኣዋጅ እንተኣሰነዮ ፥እቲ ገና ሕቶ ኮይኑ ዝተርፍ ክንደይ እዮም ካብ ከምዚ ዓይነት ወንጌል ምብጻሕ ደቀመዝሙር ዝኾኑን ኣብ ኣካል ክርስቶስ ዝተሃነጹን።

ናይ ጎይታና ሃዋሪያት ፍጹም ከምዚ ዓይነት ወንጌላውነት ኣይተጸመዱን። ነቶም ብእኦም ዝተለወጡ ኣብ ከባብያዊ ቤተ ክርስትያን ደቀመዝሙር ክኾኑን ብመንፈሳዊ ክህነጹን ኣቐሚጠሞም እዮም።

እቶም ሓሙሽተ ኣገልግሎታት ኣብ ኤፌሶን 4=11 ዝተጠቐሱ ሃዋሪያት፥ነቢያት፥ወንጌላውያን ፥ጓሶትን መምሃራንን ፥ብተርታ ቐዳመነት ኣብ 1ቆሮ 12=28 ተዘርዚሮም ኣለዉ።ኣብኡ ተነጊሩና ኣሎ "ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋሪያት ካልኣይ ነቢያት ሳልሳይ መምሃራን ድሓር ገበርቲ ሓይልታት ድሓር ውህበት ምፍዋስ እዚ ንወንጌላውያን እዩ ዝተጠቅስ ፥ኩሎም ወንጌላውያን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግዜ ናይ ፈውሲ ውህበት ዝነበሮም፥ ከምእ'ውን ምምራሕ ፥ብልክዕ "እቶም ንመርከብ ዝመርሑ" ንጓሶት ዝጠቅስ እዩ።

እዚ ንጹር ይገብሮ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ፥ኣገልግሎታት ሃዋርያ፥ነቢን መምህርን ንምህናጽ ኣካል ክርስቶስ ዝያዳ ኣገደስቲ ሙኳኖም ካብ እቲ ወንጌላዊ ።እቲ ወንጌላዊ እቲ ግቡእ ቦትኡ ኣብ ኣገልግሎት ክረከብ ይኽእል እዩ ጥራይ ንሱ ነቲ ዝተመዘዞ ቦታ ብጉዙኡነት ነኣግልግሎት ሃዋርያ፥ነቢይን መምህርን ።ሽዑ ጥራይ እዩ ኣገልግሎቱ ንምህናጽ ኣካል ክርስቶስ ዘገልግል። ኣብዚ እዩ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ወንጌላውነት ካብ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ኣንፈቱ ሲሒቱ ዝኸደ።

•ደቀመዝሙር ምግባር

ዕላማ ወንጌል ምዝርጋሕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ (ማር 16=15) ተኣዚዙ ዘሎ ክትርድኦ ኣትኽእል ኣብ ብርሃን ተልእኾ ደቀመዝሙር ምግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ናይ ዓለም ክርኤ ከሎ ጥራይ እዩ (ማቴ 28=19)።እዚ እቲ ሙሉእ መደብ እግዚኣብሄር ነቲ ዘይተለወጠ ሰብ እዩ።

እቲ ዝተለወጠ ወደ መዝሙር ክኸውን ክምሃር ኣለዎ።

ዘሕዝን ኮይኑ ግን ፥ዋላ እቶም ሎሚ ዝተለወጡ ዝብሃሉ መብዛሕትኡም ግዜ ብሓቂ ዝተለወጠ ኣይኮኑን ፥ምኽንያቱ ኣብ ብዙሕ ጉዳይት ንሱ ብግቡእ ኣይተነስሔን። ኣብ ወንጌል ኣኼባ ንሱ ጥራይ ብየሱስ ክኣምን ተንጊርዎ ክኸውን ይኽእል ፥ንስሓን ምፍዳይ ዝወሰድካዮ ምምላስ ብዘይ ምጥቃስ ። ከምዚኦም ዓይነት ዝተለወጡ ናብ የሱስ ዝመጹ ክባረኹን ክፍወሱን እዮም፥ካብ ሓጥያት ምስራሕ ከቋርጹ ግዳ ኣይኮነን፥ስለዚ መብዛሕትኡም ናይ ሎሚ ዝተለወጡ ልክዕ ከም ቅድሚ ምዓልቱ ዝተወለደ ህጻን እዮም። ብትዕግስቲ ዘይብለን መሕረስቲ (ማለት ወንጌላውያን) በቲ ዘለዎም ናይ ኣሃዝ ህርፋን -እቶም ህጻናት ክውለዱ ግና ከይተዳለዉ ከለዉ ! እዞም ቅድሚ ምዓልቶም ዝተወለዱ ህጻናት መብዛሕትኦም ግዜ ቀልጢፎም ይሞቱ፥ ወይ'ውን ንሙሉእ ህይወቶም ጸገም ዘለዎም ይኾኑ - ንጓሶቶም (ፓስተራት) ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ብምስዓብ። ከምዚ'ኦም ዓይነት ሰባት "ንድሕሪት ዝተመለሱ" ተባሂሎም ክጽውዑ ኣይክኣልን እዩ፥ምኽንያቱ ንሳቶም ካብ መጀመሪያ "ንቕድሚት"ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣይከዱን !! የሱስ ከምዚ በለ መልኣኽቲ ኣብ ሰማይ ሓጥእ ክንሳሕ ከሎ ይሕጎሱ እዮም፥ ብዘይ ምንሳሕ ጥራይ ግዳ ብዝኣመኑ ኣይኮነን።

የሱስ በለ ምድሓን ናብ ቤት ዘኪዎስ መጸ፥ ዘኪዎስ ኣብ ዝሓለፈ ህይወቱ ብጉዳይ ገንዘብ ዝዓመጾ ክፈዲ ቃል ምስ ኣተወ ጥራይ-ብቕድሚኡ ኣይኮነን (ሉቃ 19=9) ።ዘሕዝን ኮይኑ ግን ፥ናይ ሎሚ ወንጌላውያን "ምድሓን ከም ዝመጸ " ይእውጁ ዋላ ብዘይምጥቃስ ምምላስ ዝተወሰደ ነገር ምፍዳይ።

እንተ ኾነ ግን ዋላ ብትሕትና ብንስሓ ምሕላፍን እቲ ሰብ ብሓቂ ምልዋጡን መደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ክፍጸም ንሱ ወደ መዝሙር ምእንቲ ክኸውን ክምራሕ ኣለዎ። ወንጌል ምዝርጋሕ ወደ መዝሙር ምእንቲ ክኸውን ዘይመርሕ እንተ ኮይኑ ሙሉእ ስራሕ ኣይኮነን።

መብዛሕትኡ ግዜ ፥እቲ ወንጌላዊ ናቱ መንግስቲ ክሃንጽ እዩ ዝደሊ እዚ ኽኣ ምስቶም ንዝድሓኑ ሰባት ደቀ መዝሙር የሱስ ዝገብርዎም ዝኽእሉ ከይዓይይ ይኽልክሎ። ንኸምዚ'ኦም ክንፈርዶም የብልናን።ኮይኑ ግን ከምዚኦም ዓይነት ወንጌላውያን ንቶም ዝተለወጡ ደቀመዝሙር ከይኮኑ ብምኽልካሎም ብርግጽ ኣብ መወዳእታ ምዓልቲ ንጎይታ ክምልስሉ እዮም።

•ቅድመ ኩነት ወደመዝሙር

ሉቃ 14=25-35 ኣዚዩ ብንጹር እቲ ሰለስተ ቅድመ ኩነታት ወደ መዝሙር እንታይ ሙኳኑ ገልጺዎ ኣሎ ።

ኣብዚ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ሰብኣይ መሰረት ግምቢ ኣቒሙ፥ ግናኸ ንቲ ግምቢ ልውድኦ ኣይክኣለን፥ እቲ ምኽንያት ክኣ ነቲ ናይ ምህነጺ ዋጋ ክኸፍል ብዘይምኽኣሉ ።እዚ እንታይ የረጋግጸልና ወደ መዝሙር የሱስ ክትከውን ገለ ዋጋ ምኽፋል ከም ዘድሊ እዩ። ጎይታ የሱስ ዋላ ቅሚ ምህናጽ ምጅማርና ኮፍ ኢልና ንቲ ዋጋ ክንጽንጽብ ነጊርና ኣሎ።

ኣምላኽ ድሕሪ ሕድገት ሓጥያት ምርካብና ንቡዙሕ ዓመታት ክንጽበ ኣይደልን እዩ ፥ቅድሚ ምርዳእና ወደ መዝሙር እንታይ ብሓቂ ዋጋ ከምዝሓትት ። ጎይታና የሱስ ሰባት ናብኡ ብኡ ንብኡ ምስ መጹ ብዛዕባ ዋጋ ወደ መዝሙር ይነግሮም ነይሩ። ከምእውን ንሱ ከምዚ ኢሉ ኣማኒ ወደ መዝሙር ክኸውን ዘይፈቅድ እንተ'ኾይኑ ከምቲ ጨው ጣዕሙ ዘጥፍኤ ንኣምላኽ ዘይጠቅም ሙኳኑ ምሂሩ ኣሎ፡(ሉቃ 14=34-35)።

እቲ ዝተለወጠ ሰብ ወደመዝሙር ክኸውን ፥ንሱ መጀምሪያ ኩሉ ዝኾነ ምጥሕሓዝ ምስ ኣዝማዱ ንጎይታ ከይስዕብ ዝዕንቅጾ ከቋርጾ ኣለዎ (ሉቃ 14=26)። ካልኣይ፥ንሱ ገዛእ ርእሱ ክኽሕድን ንህይወት ርእሱ ምዓልታዊ ክቐትል ፍቃደኛ ክኸውን ኣለዎ(ሉቃ 14=27)። ሳልሳይ ፥ንሱ ንቑሳዊ ትሕዝቶታ ዘለዎ ፍቕሪ ደው ከብል ኣለዎ (ሉቃ 14=33) ።እዚኦም ብውሕዱ እቶም ስለስተ ዘድልዩ መለኪዕትት ንዝኾነ ወደመዝሙር የሱስ ክኸውን ንዝደሊ እዮም።

•እቲ ናይ መጀመርያ ቅድመ ኩነት ወደመዝሙር ነቲ ተፈጥራዊ ፍቕሪ ዘሎና ንኣዝማድና ከነቋርጽ ኣሎና።

የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ፥

"ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ" (ሉቃስ 14=26)

እዚኦም ቃላት ናይ የሱስ ኣዚዮም ተረርቲ እዮም። እንታይ ማለት እዩ ምጽላእ ? ምጽላእ ምስ ምቕታል ሓደ እዩ (1ዮው 3=15)።ኣብዚ ክንቀትሎ ዝተሓተትና እቲ ተፈጥራዊ ፍቕሪ ንኣዝማድማ ዘሎና እዩ።

እዚ ማለት ግን ንቤተሰብና ከንፍቅሮም የብልናን ማለት ድዩ ? ብርግጽ ከምኡ ማለት ኣይኮነን።እቲ ሰብኣዊ ፍቕሪ ንቤተሰብና ዘሎና ምስ ሓደግናዮ ፥እግዚኣብሄር ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ክትክኦ እዩ።ሽዑ ፍቕርና ንኣዝማድና ጽሩይ ክኸውን እዩ-እዚ ማለት ኣብ ፍቕርና ኣምላኽ መጀመሪያ ኩሉ ግዜ ይኸውን፥ግዳ ኣዝማድና ኣኮኑን።

ብዙሓት ንኣማልኽ ኣይእዘዝዎን እዮም ምኽንያቱ ንኣቦኦም ፥ኣዴኦም ወይ ሰበይቶም ወ.ዘ.ተ ከየኾሪዎም ስለ ዝፈርሁ ።ጎይታ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ክንህቦ ይደሊ ግዳ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ እንተ ዘይሂብናዮ ፥ደቀ መዝሙር ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።የሱስ ኣብ ኩሉ ህይወትና ጎይታ ክኸውን ኣለዎ፥ወይ ንሱ ኣብ ኩሉ ጎይታ ኣይክኸውንን እዩ።

ናይ ጎይታና የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣብነት ርኤ፥ ሰብኣያ ዝሞታ ኣዲኡ ዋላ'ኳ የፍቅራ እንተ ነበረ፥ ከምኡ ክነሱ ግዳ ካብቲ ፍጹም ዝኾነ ፍቓድ ኣቡኡ ወጻኢ ክትጸልዎ ኣይፈቕደላን ፥ ዋላ ኣብ ንኣሽቱ ጉዳያት ። እዚ ኣብነት ኣብ መርዓ ናይ ገሊላ ዝነበረ ንርኤ ኢና ጎይታ ብናይ ኣዲኡ ምብግጋስ ስጉምቲ ክወስድ ኣበየ (ዮው 2=4)።

ጎይታና የሱስ ከምእውን ከመይ ገይርና ኣሕዋትና ንጸልእ ምሂሩና እዩ። ጴጥሮስ ንጎይታ ናብ መስቀል ካብ ምኻድ ክመልሶ ምስ ደለይ ፥ጎይታ ግልጽ ኢሉ ንድሕሪት ብኣዚዩ ዘየናሕሲ ቃላት እዩ ገኒሕዎ ንሱ ከቶ ንዝኾነ ሰብ ዘይተዛረቦ "ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፥ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ" (ማቴ 16=23)። ጴጥሮስ ብኣዚዩ ብዙሕ ሰብኣዊ ፍቕሪ እዩ ነቲ ሓሳብ ተዛሪብዎ ።ኮይኑ ግን ጎይታ ገኒሕዎ ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ጴጥሮስ ምስ ፍቓድ ሰምያዊ ኣቦ ዝጻረር እዩ ነይሩ ።

ቀዳምነት ናይ የሱስ ፍቕሪ ንኣቦ እዩ ነይሩ። ንዓና'ውን ከምዚ ናቱ ኣረኣኣያ ናቡኡ ክህልወና ካባና ይጽበ። ድሕሪ ትንሳኤኡ፥ የሱስ ንጴጥሮስ ካብ ኩሉ ኣብሊጹ ዘፍቅሮ እንተ ኾይኑ ሓቲትዎ፥ኣብ ቤተ ክርስትያን ጓሳ ክኸውን ቅድሚ ንዕኡ ምግባሩ ( ዮው 21=15 -17) ኣብ ቤተ ክርስትያኑ እቶም ሓላፍነት ዝውሃቦም እቶም ንጎይታ ኣብሊጾም ዘፍቅርዎ እዮም።

መራሒ ቤተክርስትያን ኤፌሶን ብጎይታ ክንጸግ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ እቲ ምኽንያት ክኣ እታ ናይ መጀመሪያ ፍቕሩ ንጎይታ ሓዲጉ ስለ ዝነበረ (ራኢ 2=1-5) ።

ከም ዘማሪ ከምዚ ክንብል እንተ ኺኢልና "ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን" (መ.ዳዊት 73=25) ብሓቂ ነታ ቀዳመይቲ ቅድመ ኩነት ወደ መዝሙር ሙኻን ፈጺምናዮ ኣሎና ማለት እዩ።

ጎይታና የሱስ ካባና ዝጠልቦ ፍቕሪ ስሚዒታዊ ፥ሰብኣዊ ፍቅሪ ንስሚዒትካ ብዝቕስቅሱ ፥ሰብኣዊ ፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ ዘለዓዕሉ ንየሱስ ብዝተዘመሩ መዛሙር ኣይኮነን።

ኣይፋሉን። ነፍቅሮ እንተ ድኣ ኮይና ንትእዛዛቱ ክንሕልዎ ኢና "እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሐልው" (ዮው14=15)።

•እቲ ካልኣይ ቅድመ ኩነት ወደ መዝሙር ናይ ገዛእ ርእስና ህይወት ክንጸልእ ኣሎና ።ጎይታ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ፥

"ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ" (ሉቃ14=26)

ንሱ ተወሳኺ ከምዚ ክብል ኣጉሊሕዎ ኣሎ ፥

"መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን" (ሉቃ 14=27) ።

እዚ ትምህርቲ ካብቲ ኩሉ ምህሮ የሱስ ኣዚዩ ብውሕድ መጠን ሰባት ዝተረደኦም እዩ።

ጎይታ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ወደ መዝሙር "ርእሱ ክኽሕድን ኣብ ጸጽባሕ መስቀሉ ክጸውር ኣሎዎ" (ሉቃ 9=23)።እዚ ኣገዳሲ ካብ ምዓልታዊ መጽሓፍ ቁዱስ ምንባብ ወይ ምዓልታዊ ምጽላይ፥ ርእስና ኣብሊጽና ክንክሕድን ምዓልታዊ መስቀልና ክንጸውርን ኣሎና ማለት እዩ። ርእስኻ ምኽሓድ ማለት ሓደ ዓይነት እዩ ልክዕ ገዛእ ህይወትካ ከም ምጽላእ - እቲ ዘሎና ህይወት ካብ ኣዳም ዝተወረሰ እዩ። መስቀልካ ምጻር ማለት ናይ ገዛእ ርእስኻ ህይወት ምቕታል ማለት እዩ። ነዚ ህይወት ቕድሚ ምቕታልና ፥መጀመሪያ ክንጸልኦ ኣሎና።

ህይወት ገዛእ ርእስና እቲ ቀንዲ ጸላኢ ህይወት ናይ ክርስቶስ እዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ህይወት "ስጋ" ኢሉ ይጽውዖ ።እዚ ስጋ መኽዘን ክፉእ ትምኒታት ምሳና ዘሎ ኩሉ ግዜ ፍቓድ ርእስና ክንገብር ዝፍትነና እዩ - ረብሓ ርእስና ፥ ክብሪ ርእስና ፥ መንገዲ ርእስና ፥ናይ ርእስና ርዌት ክንደሊ ይፍትነና ።

ቁኑዓት እንተ ኾይና ፥ብዙሓት ብሉጻት ስራሓና ካብ ርእስና ዝመንጨወ ብልሽ'ውን ክፉእ ዝሃቐነኡን ሙኳኑ ክንእመን ኣለና። ነዚ ስራሕ 'ስጋ' ክንጸልኦ እንተ ዘይኪኢልና ንጎይታ ክንስዕቦ ፍጹም ኣይንኽእልን ኢና።

በዚ እዩ ክኣ የሱስ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ምጽላእ ወይ ምጥፋእ ህይወትና ዝተዛረበ ።ብሓቂ ፥እዚ ርእስኻ ምኽሓድ ዝብል ሽዱሽተ ግዜ ኣብ ወንጌል ተደጋጊሙ ኣሎ (ማቴ 10=39) (ማቴ 16=25) (ማር 8 =35) (ሉቃ 9=24) (ሉቃ 14=26) ( ዮው 12=25) ።እዚ እቲ ሓደ ጎይታና ኣብ ወንጌላት ብዙሕ ግዜ ደጋጊሙ ዝበሎ።ኮይኑ ግን ብዛዕባ'ዚ ብውሑድ ዝተሰበኸን ብሒደት ሰባት ዝተረድእዎን እዩ ።

ናይ ርእስና ህይወት ምጽላእ ማለት ናይ ርእስና መሰልን ሓለፋታት ምሕዳግ ፥ናይ ርእስና ጽቡቕ ስም ካብ ምድላይ ደው ምባልን፥ ምጥንጣን ናይ ርእስና ኩቱር ድሌትን ረባሓታትን፥ ናይ ገዛእ ርእስና መንገዲ ደው ምባልን ወ.ዘ.ተ ።ደቀ መዝሙር የሱስ ክንከውን ንኽእል ኢና ፥ጥራይ በዚ መንገዲ ክንከይድ ፍቓደኛታት እንተ ኮይና።

•ሳልሳይ ቅድመ ኩነት ወደ መዝሙር ዘሎና ዘበለ ምቕባጽ እዩ ።

የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥

"ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ" (ሉቃ 14=33) ።

ኩሉ ንብረትና እቲ ከም ናይ ገዛእ ርእስና ገይርና እንውንኖ እዩ ። ንዞም እንውንኖም ዘበለ ምቕባጽ ማለት እዩ ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ናትና ገይርና ዝኾነ ኣይንሓስብን ማለት እዩ።

እዚ ኣብ ህይወት ኣብራሃም ከም መረዳእታ ንሪኦ ኢና።

ኢሳቕ ናይ ገዛእ ርእሱ ውላድ እዩ ነይሩ -ዝውንኖ።ሓደ ምዓልቲ ንኢሳቕ ወዱ ከም መስዋእቲ ከቕርቦ ሓቲትዎ ።ግዳ ኣብራሃም ንኢሳቕ ወሲዱ ኣብ መሰወኢ ንኽሓርዶ ኣዳሊዎ።ኮይኑ ግን ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው እቲ መስዋእቲ ከም ዘየድሊ ነጊርዎ፥ ምኽንያት ንሱ ንኽእዘዝ ፍቓደኛ ሙኳኑ ስለ ዝረጋገጸ (ዘፍጥረት 22) ። ድሕርዚ ፥ኣብርሃምን ተረዳኤ ዋላኳ ኢሳቕ ምስ ኣብ ገዝኡ እንተ ሃለወ ፥ከም ናቱ ገይሩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣይውንኖን እዩ።ኢሳቕ ሕጂ ንኣምላኽ እዩ ዝብጽሖ።

እዚ እዩ ኽኣ ዘሎካ ምቕባጽ ማለት። ኩሉ እቲ እንውንኖን ዘሎናን ኣብ መሰወኢ ከነቕምጦን ንኣምላኽ ክንህቦ ኣሎና።

ኣምላኽ ካብቲ ዘሎና ገለ ክንጥቀመሉ ክፈቕደልና ይኽእል እዩ። ግናኸ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ናትና ገይርና ክንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና ። ዋላኳ ኣብ ናትና ገዛ እንተ ተቐመጥና፥ እቲ ገዛ ናይ ኣምላኽ ሙዃን ክንሓስብ ይግባእ፥ንሱ ፈቒድልና እዩ ካብ ክራይ ነጻ ኮይና ክንጸንሕ !።እዚ ኽኣ ሓሳብ ናይ ሓቀኛ ወደመዝሙር የሱስ እዩ።

እዚ ገይርናዶ ምስ ኩሉ እንውንኖ ? ንብረትና ናይ ሕሳብ ባንክና፥ንብረት ፥ስራሕ፥ብቕዓታት፥ውህበታትን ክእለታትን፥ ሰበይቲ፥ውሉዳትን ነፍሲ ወከፍ ካልእ ኣብዛ ምድሪ ዋጋ እንህቦ።ንኹሎም ኣብ መሰውኢ ከነቕምጦም ኣሎና እንተ ድኣ ሓቀኛ ወደ መዝሙር ክንከውን ደሊና።

ጥራይ ሽዕኡ ንኣምላኽ ብሙሉእ ልብና ከነፍቅሮ ክንክእል ኢና። እዚ "ጹሩይ ልቢ" እዩ የሱስ ዝተዛረብው ኣብ (ማቴ 5=8)። ንጹህ ሕልና ምህላው ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን ።ንጹህ ሕልና ጥራይ ካብ ዝተፈልጠ ሓጥያት ምስራሕ ደው ኣቢልና ኣሎና ማለት እዩ ።ንጹህ ልቢ ማለት ንኹሉ ቀቢጽና ማለት እዩ !

ስለዚ ኽኣ ሓቀኛ ወደ መዝሙር ሙኳን ስለስተ መሰረታዊ ለውጢ ኣረኣእያን ንዞም ዝስዕቡ ንርኢ፥

•ኣዝማድናን እንፈትዎም ሰባትን

•ናይ ገዛኣ ርእስና ሂወትን

•እንውንኖ ኩሉ።

ነዞም ጉዳያት ገጽ ንገጽን ብቕንዕና እንተ ዘይገጢምናዮም ፥ንሙሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ንምፍጻሙ ዘይክኣል ክኸውን እዩ።

ሰበኽቲ ነዚ መልእኽቲ ወደ መዝሙር፥ብ "ምቅጣን" እንተ ኣዊጆሞ ፥ንዕኦም ዘይክኣል ክኸውን እዩ ኣካል ክርስቶስ ንምህናጽ።

•መንገዲ ወደመዝሙር

ማቴዎስ 28=20 እቲ ደቀመዝሙር ነፍሲ ወከፍ ብጎይታ ዝተውሃበ ትእዛዝ ክእዘዙ ክምሃሩን ክለማመዱን ኣለዎም ክብል ይቕጽል።እዚ እቲ መንገዲ ናይ ወደመዝሙር እዩ።ሓደ ሰብ ጥራይ ማቴዎስ ምዕራፍ 5,6 ን 7 ከንብብ ኣለዎ ንገለ ትእዛዝ የሱስ ዝሃቦ ክርኢ -እዚ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ዋላ ክእዘዝዎ ዘይዓጅቦም እዩ።

ወደመዝሙር ተማሃራይን ስዓብን እዩ።

ኣብ ምድርና ዘድሊዩ ዘለዎ ሰባት በቲ ጻዊዒት ንምእዋጅ ንምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ዝተትሓዙ፥ገዛእ ርእሶም ንኹሉ ትእዛዛት የሱስ እዙዛት ዝኾኑ፥ ንኹሉ ናይ የሱስ ትእዛዛት ንኽእዘዙ ንኻልኡት ክምህሩ ሓያል ድሌት ዘለዎም'ውን -ድማ በዚ ክኣ ኣካል ክርስቶስ ንምህናጽ።

የሱስ በለ ደቀመዝሙር ብሓደ ምልክት ክልለዩ እዮም ንሱ ኽኣ -ንሓድሕዶም ብዘለዎም ፍቕሪ (ዮው 13=35)።

እዚ ምልክት ግበሩሉ ! ደቀመዝሙር የሱስ ክርስቶስ ዘልለይሉ ፥ብጽሬት ስብከቶም ወይ ብሙዚቃ ናቶም ኣይኮነን፥"ብልሳን ብምዝራቦም" ፥ብመጽሓፍ ቅዱሶም ኣብ ሕብረት ብምሓዞም፥ኣብ ኣኼብኦም ብዘስምዕዎ መጠን ድምጺ ኣይኮነን !! ዝልለዩ ኣብ ሓድሕዶም ብዘለዎም ቃልቃል ዝብል ፍቕሪ እዩ።

እቲ ናይ ወንጌል ኣኼባ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ዘምጽእ ናይ ምምስራት ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ከባብያዊ ኣብቲ ደቀመዝሙር ንሓድሕዶም ዝፋቐርሉ እዩ።

እቲ ዘሕዝን ነገር ግዳ ኣብ ብዙሕ ቦታት ኣብቲ ተደጋጋሚ ናይ ወንጌል ኣኼባታት ዓመት ድሕሪ ዓመት ዝካየደሉ ፥ዋላ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ክትረክብ ከቢድ እዩ ብዛዕባ ክብሃል ዝክእል እቶም ኣባላታ ኣብኣ ዘለዉ ንሓድሕዶም ኣይብኣሱን ወይ ኣንጻር ሓድሕዶም ኣይተሓማመዩን ወ.ዘ.ተ. , እንተ ኾነ ንሓድሕዶም ይፋቐሩ።

ሓደ ክርዳእ ይኽእል እዩ ፥ሓደሽቲ ዝተለወጡ ሰባት ብኡ ብኡ ዕውት ህይወት ክነብሩ እንተ ድኣ ዘኪኢሎም ።ግናኸ እንታይ ክንብል ንኽእል እንተ ድኣ ዘይምቅዳውን ዘይምብሳልን መለለዪ ዋላ እቶም ሽማግለታትን ናይ ክርስትያን መራሕቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ምድርና ?

እዚ እቲ ዝነጸረ መረጋገጺ እቲ ካልኣይን ኣዚዩ ኣድላይን ክፍል ናይቲ ዓቢ ተልእኾ (ኣብ ማቴ 28=19-20 ዝተጠቐሰ) -ወደመዝሙርን ንኹሉ ንናይ የሱስ ትእዛዛት ምእዛዝ -ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተጎሰየ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ክፋል እቲ ዓቢ ተልእኾ (ማር 16=15) ንበይኑ ጥራይ እዩ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣተኩሮ ዝገብሩሉ ።ኣብዚ ፥እቲ ኣተክሮ ኣብ ወንጌል ምብጻሕ እዩ ፥እቲ መልእኽቲ ብምልክትን ትኣምራትን ተሰኒዩ ተረጋጊጹ እዩ ብጎያት ዝግበር።

ኣብ ማቴ 28=19-20 ፥እንተ ኾነ እቲ ኣተኩሮ ኣብ ወደመዝሙር እዩ - ናይ ደቀመዝሙር ህይወት ብጠቕላላ ንናይ የሱስ ትእዛዝ ብምእዛዝ ይግለጽ።ብዙሓት ክርስትያናት በቲ ቀዳማይ ማለት ወንጌል ምብጻሕ እዮም ተወሲዶም ፥ በቲ ካልኣይ ማለት ወደመዝሙር ምግባር ግን ኣዚዩ ኣዝዩ ሒደት እዩ።ግዳ እቲ ቀዳማይ ብዘይ እቲ ካልኣይ ዘይተመልኤ ዋጋ ዘይብሉ ከም ፍርቂ ሰብነት ሰብ እዩ።ከምኡ ክነሱ ግዳ ክንደይ ነዚ ሪኤሞ ኣለዉ ?

ኣብ ናይ የሱስ ኣገልግሎት ፥ብዙሓት ዓቢ ሕዝቢ ከም ዝስዓብዎ ነንብብ፥ብምኽንያት ወንጌሉ ፥ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት። ንሱ ኩሉ ግዜ ተጠዊዩ ብዛዕባ ወደመዝሙር ምሂርዎም (ሉቃ 14=25-26) ርኤ። ናይ ሎሚ ወንጌላውያን ከምዚ ሓደ ዓይነት ክሰርሑ ይኽእሉዶ ገዛእ ርእሶም ወይ ብምትሕብባር ምስ ሃዋርያት፥ነብያት፥መምሃራን ጓሶትን እቶም ነቲ ስራሕ ክውድእዎ ዝኽእሉ እቲ ወንጌላዊ ዝጀመሮ ።

ስለ ምንታይ እዩ ሰበኽቲ መልእኽቲ ወደመዝሙር ክእውጁ ተወላወልቲ ዝኾኑ ? እቲ ምኽንያቱ ኣብ ማሕበሮም ቁጽሪ ሰብ ስለ ዘንኪ እዩ። እቲ ዘይተረድእዎ ግን ጽሬት ቤተ ክርስትያኖም ኣዚዩ ዝበልጸ ከም ዝኸውን እዩ።

የሱስ ነቶም ብዙሕ ህዝቢ ወደመዝሙር ምስ ሰበኸ ፥ሽዑ ቀልጢፉ ናብ ሒደት ዓሰርተ ሓደ ሰባት ጥራይ እቲ ቁጽሪ ወሪዱ (ዮው 6=2 ምስ ዮው 6=70 ኣነጻጽሮ። እቶም ካልኡት እቲ መልእኽቲ ኣዚዩ ከቢድ ኮይኑ ረኺበሞ (ዮው 6=60-66 ርኤ)።ግና በቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀመዝሙር ምስኡ ዝተረፉ ገይሩ ፥ንሱ ኣብ ዓለም መወዳእትኡ ዕላማታቱ ፈጺሙ።

ከም ኣካል ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ሎሚ፥ እቲ እቶም 11 ሃዋሪያት ዝጀመርዎ ኣብ 1 ክፍለ ዘመን ከም ናቶም ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ክንዓይ ተጸዊዕና ኢና።ሰባት ናብ ክርስቶስ ድሕሪ ምምጽኦም፥ናብ ወደመዝሙርን ምእዛዝን ክምርሑ ኣለዎም።ከምዚ ገይርካ ጥራይ እዩ ኣካል ክርስቶስ እትህነጽ።

እታ ናብ ህይወት እትወስድ መንገዲ ቀጣን እያ ሒደት ጥራይ እዮም ክኣ ዝረኽብዋ።

እቲ ሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ !