ወደመዝሙርን ወለድን

Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples
Article Body: 

መጀመሪያ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ግምት ንእቱ ፥ከመይ ገይርና ንስድራና "ንጸልእ" ፥ከምቲ ኣብ ሉቃስ 14=26 ጎይታ ዝኣዘዘና ።

እቲ ናይ መጀመሪያ ስጉምቲ ከነኽብሮም እዩ ።እዚ ናይ መጀመሪያ ትእዛዝ ምስኡ ተስፋ ዝጠበቖ እዩ (ኤፊሶን 6=2)።ከምቲ ጎይታ ዝደለዮ መንገዲ ገይርና ወለድና "ክንጸልእ" ኣይንኽእልን ኢና ቅድሚ ንዕኦም ምኽባር ምምሃርና።ሎሚ ኣዚዮም ብዙሓት ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ውሉዳት ኣለዉ ጥራይ ንወለዶም ክጸልኡ ዝሕጎሱ!! ካልትስ'ውን፥ ብዘይኣገባብ ነዚ ጥቕሲ ብጻዕቂ ይጥቀሙሉ ነቶም መንእሰያት። ንወለዶም ከኽብሩ ፍጹም ዘይተምሃሩ።

ኣብነት የሱስ እቲ ኩሉ ወደመዝሙር ክስዕቦ ዘለዎ እዩ።እዚ እንተ ገይርና፥ ኣንፈትና ፍጹም ኣይንስሕቶን ኢና ።እንተ'ኾነ ግዳ እቲ ዘረባታት ናይ ጎይታና ኣብነቱ ከይርኣና እንተ ተርጊምናዮ፥ሽዑ ኣንፈትና ክንስሕት ኢና።ከምቲ ኣዚዮም ብዙሓት ክርስትያናት ዝገብርዎ። ጎይታና ካብኡ ክንምሃር ነጊሩና እዩ (ማቴ 11=29)።

መጀመሪያ ቅድሚ ኩሉ ፥ንሱ ንዮሴፍን ማሪያምን ንስልጣናም ተገዛኢ ብሙኳን ኣኺብርዎም እዩ።፥ክሳብ ንሱ ኣብ ገዝኦም ናዝሬት ዝጸንሓሉ (ሉቃስ 2=51)።

የሱስ ብዛዕባ ኣብ ናዝሬት 30 ዕመታት ዝሕልፎ ክልተ ነገራት ጥራይ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ።

መጀምሪያ ቅድሚ ኩሉ ፥ኣብ እብራውያን 4=15 ፥ተነጊርን እዩ እቲ ንሱ ከማና ከም ዝተፈተነ ክኣ ሓጥያት ከም ዘይገበርን።ካብዚ ፥ንሱ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ኣብ ናዝሬት ብዙሕ ፈተናታት ከም ዝገጠሞ ንምሃር - ሓደ ዓይነት ፥ዝኾነ ሰብ ኣብተን ናይ መጀመሪያ 30 ዓመታት ህይወቱ ዝገጥሞ -ካብ ግዜ ቁልዑነቱ ክሳብ በጽሒ።

ማርቆስ 6=3 የሱስ ብውሕዱ ኣርባዕተ ኣሕዋትን ክልተ ኣሓትን ኣብ ገዝኡ ከም ዝነበርዎ ይነግረና። ስለዚ ብውሕዱ ትሽዓተ ኣባላት ኣብ ገዝኡ ይነብሩ ነይሮም-ድማ ድኻ ስድራ እዮም ነይሮም (እዚ ንርድኦ ኢና ሉቃስ 2=24 ምስ ዘሌዋውያን 12=8 ከነነጻጽሮ ከለና ፥ድማ እቲ ማሪያም ኣዚያ ድኻ ከም ዝነበረት ንረኽቦ ዋላ ገንሸል ከም ምስዋእቲ ንጎይታ ከተምጽእ)።ስለዚ ጉሉሕ እዩ የሱስ ናይ ብሕቲ መደቀሲ ኣይነበሮን ግልል ዝበለሉ፥ነገራት ከቢድ ኣብቲ ገዛ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ።ከምእ'ውን ዮውሃንስ 7=5 ኣሕዋቱ ብእኡ ከም ዘይኣመኑ ይነግረና። ኣብ ገዛ ፍጹም ኣይሓርቕን ወይ ብንዓይ ይጥዓመኒ ኣይሰርሕን ነይሩ፥ ብቐሊሉ ክትግንዘቦ እትኽእል እዩ ይቐንእሉ ከም ዝነበሩ።ኩሎም ብዙሕ እዋን ኣንጻሩ ተኣኪቦም ኣባጬምሉ ክኾኖ ኣለዎም።ዝኾነ ሰብ ኣብ ዓቢ ስድራ ኣብ ንእሽተይ ገዛ ዝዓበየ ምስ ዘይተለወጡ ኣዝማዱ ክርዳእ ይኽእል እዩ ነቲ ጸገማት የሱስ ዘጋጠሞ ኣብ ናዝሬት።እንተ ኾነ ግዳ ንሱ ፍጹም ሓጥያት ኣይሰርሔን ።ተወሳኺ ንዚ ኹሉ ፥ይዕሪዩ ክኸውን ዝኽእል እዩ የሱስ ኣብ ኩተቴነት ወይ ኣብ ዕስራታት ከሎ ዮሴፍ ከም ዝሞተ (ምኽንያቱ ኣብ ናይ የሱስ ኣገልግሎት ዓመታት ፍጹም ብዛዕባ ዮሴፍ ኣይነንብብን ኢና)።ሽዑ ጾር ናይ ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ኣብ የሱስ እዩ ወዲቑ፥ከም ቦኽሪ ውሉድ።ንሱ ኣበርቲዑ ዓዩ እዩ ነታ ስድራ ክድግፍ።ብዙሕ ፈተናታት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ የሱስ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝገጠሞ።እንተ ኾነ ግዳ ሓጥያት ኣይሰርሔን።

ካልኣይ ፥የሱስ "ንዮሴፍን ማሪያምን ክእዘዞም ቀጺሉ እዩ " (ሉቃስ 2=51) - ክሳብ ንሱ ኣብ ገዝኦም ዝነበረ -ን 30 ዓመታት።እዚ ቀሊል ኣይነበረን -ከም ኩሉና ንፈልጦ ናይ ገዛ ርእስና ናይ ቁልዕነት ምዓልታት። ክንደይ ግዜ ኣብ ናይ ቁልዕነት ምዓልታትና ሓደ ሓደ ነገር ክንገብር ክንደሊ ከለና ፥ወለድና ካልእ ክንገብር ክሓቱና ከለዉ ብባህሪና እዚ ክንገብር ኣይንፈቱን!

ስለዚ ድም እዚ ኣብነት የሱስ ንኹሎም ንደቅና ክንሕዝ ንኽእል ኢና። ኣቦታት ንደቆም ብ " ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን" ክዕብዮውም ተኣዚዞም እዮም። "እንታይ እዩ ምዕዶ ጎይታ ? " ቀዳምነት እቲ ኣብነት ጎይታ ገዛ ርእሱ ንውሉዳት ዘቐመጠሎም ኣብ እዋን ዓመታቱ ኣብ ናዝሬት እዩ።

ዝኾነ ወዲ ወይ ጓል እንተ ድኣ ኣብነት የሱስ ክስዕብ ኮይኑ እቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ክልተ ሸነኽ ዝርኣናዮ፥ ንሱ'ውን ብጥበብ ብሞጎስ ምስ እግዚኣብሄር ክዓቢ እዩ - ከምቲ ዝተጽሓፈ ብዛዕባ የሱስ ገዛእ ርእሱ (ሉቃስ 2=52)።

ዋላ ምስ ዓበና ምስ ተመርዓና ፥ዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ገና ከነኽብሮም ኣሎና። ኣብ ዘፍጥረት 9=21-27 ወዲ ኖህ ሃም ኣቡኡ ሰኺሩን ዕርቃኑ ኣብ ዱንኳን ከም ዝርኣዮ ነንብብ ኢና።ሃም ዓቢ ሰብኣይ እዩ ነይሩ ኣብቲ ግዜ ፥ምኽንያቱ ንሱ ዋላ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ምምጽኡ ዝተመርዓወ ሰብኣይ እዩ ነይሩ።ሃም ከይዱ ብዛዕባ'ዚ ንይሕዋቱ ነጊርዎም በዚ ኽኣ ነቡኡ ኣነዊርዎ።እቲ ሃም ዝበሎ ሓቂ እዩ ነይሩ፥እንተ ኾነ ግዳ ንሱ ነቡኡ ይሕሲርዎ።

ከም ውጽኢት ፥ድማ ሃምን ስድርኡን ተረጊሞም ።ሓመይቲ ብእግዚኣብሄር ዝተረገሙ እዮም፥ዋላ ሓቂ እንተ ተዛረቡኻ ! ሓማዪ ወደመዝሙር የሱስ ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ንኖህ ካልኡት ክልተ ደቁ -ሴምን ያፌትን እንተ ኾነ ግዳ ንዝኣረገ ኣቡኦም ኣኺቢሮሞ ፥ንድሕሪት ብምስጓም ፥(በዚ ኽኣ ናይ ኣቡኦም ዕርቃን ኣይርኣዩን) ድማ ሸፊነሞ።ንሶምን ስድርኦምን ክኣ ተባሪኾም።

እቲ ካብዚ እንምሃሮ ኣብነት እግዚኣብሄር ነቶም ወለዶም ዘኽብሩ ይባርኽ ነቶም ወለዶም ዝንዕቑ ኽኣ ይረግም እዩ።እዚ ኣብነት ልክዕ ኣብ መጀምሪያ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐሚጡ ኣሎ፥ ከም መጠንቀቕታን ኣብነትን ንኹሉና - ንዓቢ ይኹን ንንእሽተይ።

ከምእ'ውን ዮሴፍን ማሪያምን ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎም ሰባት እዮም ነይሮም (ብመሰረት መለክዒ ብሉይ ኪዳን) ፥ከምኡ ክነሱ ግዳ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ከም ዘይነበሮም ክንዝክር ይግባእ (እቲ ንበይኑ ዝዓይነቱ ናይ ሓድሽ ኪዳን ተስፋ -ሮሜ 6=14 ርኤ)።መንፈስ ቅዱስ ኣይነበሮሙን ድማ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ክመጹ ኣይክእሉን ነይሮም ከምቲ ሎሚ ንሕና እንኽእሎ።ስለዚ ኣብ ገዛ ዘይምርድዳእ ፥ሕርቃኖም ምቁጹጻር ክስኡኑ ንሓድ ሕዶም ሓጥያት ገይሮምን ብብዙሕ መንገድታት።(ነዚ ክትኣምን ከቢድ ኮይኑ እንተ ረኺብካዮ፥ምናልባት ብምኽንያት ማሪያም ኣበር ኣልቦ ፍጽምቲ ኢልካ ስለ ዝሓሰብካ ትኸውን) የሱስ ማሪያምን ዮሴፍን ብዙሕ ግዜ ሓጥያት ክሰርሑ ኣብታ ገዝኡ ኣብ ናዝሬት ሪኢዩ ክኸውን ኣለዎ።እንተ'ኾነ ግዳ ኣይናዓቖሙን።እዚ እቲ ዝዓበየ ክፍሊ ንወልድኻ ምኽባር እንታይ ሙኳኑ እዩ።

ምሳሌ 23=22 ከምዚ ይብል"ነቲ ዝወለደካ ኣቦኽ ስምዓዮ፥ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዓቃ"። ኣብ ወለድኻ ገለ ጌጋ እንተ ሪኢኻ (ዕርቃኖም) ፥ኣይትንዓቆም።ንድኻሞም ሸፍኖን ፍጹም ክኣ እቲ ድኻሞም ንዝኾነ ንኻልእ ኣይትንገር።ብሓቂ ፥እዚ እዩ እቲ መንገዲ ንኹሉ ሰብ ብኸምዚ ክንሕዞ ዘለና፥ምኽንያቱ ተነጊሩና እዩ ኣብቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ዘለዎ ፥እታ ፍቕሪ "ብዙሕ ኣበሳ ትኸድን"እያ።

እንተ ድኣ ንስኻ ዳግም ዝተወለድካ ኮይኑካ፥ድማ ወለድኻ ዳግም ዘይተወለዱ እንተ ኾይኖም ፥ክኣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ገለ ነገር ክትገብር ሓቲቶምኻ፥( ንኣብነት ፥ንጣኦት ከተምልኽ ወይ ምስ ዘይኣማኒ ክትምርዖው፥ወ.ዘ.ተ )፥ ብኽብሪ ዝመልኦ ከምዚ ዓይነት ነገራት ክትገብር ከም ዘይትኽእል ፥ምኽንያቱ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እዚ ክገብር ይኽልክለኒ እዩ ኢልካ ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ።ብርግጽ ንጎያታ ደው ክትብለ ኣሎካ። ኮይኑ ግን ብብድዔ ክትገብሮ ኣይድሌካን ! ብምቕልሉነት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ነገራት ንቃል ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ዘየካተተ -ውሉዳት ንወለዶም ክእዘዙ ኣለዎም ኣብ ገዛ ምስ ወለዶም ኣብ ዝጽንሕሉ ግዜ ።ኮይኑ ግን ሓንሳብ ናይ ወለዶም ገዛ ሓዲጎም ከይዶም ናይ ገዛእ ርእሶም ገዛ ምስ መስረቱ ፥ንወለዶም ክእዘዙ ኣይግደዱን እዮም።ግና ገና ወለዶም ከኽብሩን ከከናኸንዎምን ኣለዎም።

ከምእ'ውን እዚ ንሪኢ ኢና ኣብ ኣብነት የሱስ -እቲ ደቀመዝሙር ክስዕብዎ ዝግባእ። ድሕሪ የሱስ ገዝኡ ምሕዳጉ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ተጠሚቑ'ውን፥ሓደ ናይ መጀመሪያ ፍጻመታት ኣብ ወንጌላት ዝተመዝገበ እቲ ፍጻመ መርዓ ኣብ ቃና እዩ።ማሪያም ድሮ ንየሱስ ን 30 ዓመታት ኣብ ገዛ ብዙሕ ጸገማት ዝፈትሕ ከም እዙዝ ወዲ ሪኢያቶ እያ። ።ድማ ንሳ እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕጽረት ወይኒ ገለ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ፈሊጣ እያ።ንሳ ምናልባት ትኣምራት ኣይተጸበየትን ትኸውን፥ምኽንያቱ ክሳብ ሽዑ የሱስ ፍጹም ትኣምራት ኣይገበረን ነይሩ።እንተ ኾነ ርኢያቶ እያ ኣብ ገዛ ወዳ ልቦና ዝመልኦን ውሕሉል ከም ዝነበረ።ስለዚ ንሳ ንየሱስ ገለ ነገር ክገብር ሓቲታቶ።

ድማ ኣብኡ የሱስ ንማሪያም ብብርቱዕ ክዛረባ ንመጀምሪያ ግዜ ንሪኢ "የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ" (ዮው 2=4)።ንሱ ሕጂ ገዝኡ ሓዲጉን በዚ ምኽንያት ነጻ እዩ ካብ ምእዛዝ ንዓኣ ካብኡ ንኔው።

እዚ እቲ ንደቂመዛሙርቱ ንሱ ዝነገሮም ንስድርኦም "ክጸልኡ" እንታይ ማለት ሙኳኑ እዩ ።እዚ እዩ እቲ ሚዛን ንዓና'ውን ክህልዎና ዘድሊ።ንወለድና ክንእዘዞም ኣሎና ኣብ ገዝኦም ኣብ እንነብረሉን ኣብ ነገራት ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ምስዓብ ዝተትሓሓዘ ክኣ "ክንጸልኦም" ኣሎና።ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርን ምፍጻም ኣገልግሎት ኣቦ ንዕኡ ዝሃቦ ምስ መጸ እዩ የሱስ ንማሪያም ከምዚ ዝበላ "ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን" (ዮው 2=4 )።ሓንሳብ ገዛና ገዲፍና ምስ ወጻና ናትና ገዛ ምስ መስረትና ፥ካብዚ ንኔው ኣብ ትሕቲ ወለድና ኣይኮነን።

ኣገዳሲ እዩ ምስትውዓሉ ናይ መጀመሪያ ትእዛዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኹሎም ኣሰብኡት ዝተውሃቦም እዚ እዩ "ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ" (ዘፍ 2=24)።ድማ እዚ ትእዛዝ ዝተጠቐሰ ኣብቲ ግዜ ኣዳም ዋላ ኣቦ ወይ ኣደ ንኽሓደጎም ዘይነበረሉ እዩ እዚ ዝተጽሓፈ ግልጺ እዩ ነቶም ቀጺሎም ዝምርዓው እዩ።

ዘሕዝን ኮይኑ፥ኣብ መብዛሕትኡ መርዓ ኣብ ህንዲ ፥እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኣይእዘዝን እዩ።ክንርዳእ ንኽእል ኢና ክርስትያን ዘይኮኑ ሰባት ካብ ኣንስቶም ንላዕሊ ምስ ወለዶም ዝትሓሓዙ ።ኮይኑ ግን እንታይ ክንብል ንኽእል ብዛዕባ ክርስትያናት ናይ ክርስትያን ዘይኮኑ ልምዲ ባህልን ኣብ ህንዲ ኣብዚ ጉዳይ ? እቲ እግዚኣብሄር ዝደሊዮ ዓይነት ናይ ሓዳር ህይወት ንሃገርና ካብ ምግላጽ ወዲቖም እዮም።

እቲ ሕቶ ቀዳምነት ብኣካል ክትገድፎም ኣይኮነን፥እንተ ኾነ ግዳ ካብኦም ስምዒታዊ ክትፈላለ እዩ ።ሰብኣይ ቀዳምነት እሙንነቱ ውሽጣዊ ምትሕሓዙ ምስ ወለዱ ኣይኮነን፥ምስ ሰበይቱ ክኸውን ይግባእ ።

ብኸምኡ ሓደ ዓይነት መንገዲ ሰበይቲ ናይ ኣቡኣ ገዛ ክትርስዕ'ውን ተኣዚዛ እያ (መ.ዳዊት 45=10)።

ብርግጽ ወለድና ምስ ዓበዩን ምስ ደኸሙን ክንኣልዮም ይግብኣና።የሱስ ኣብዚ'ውን ኣብነት ሂብና እዩ ፥ኣብ መስቀል እናሞተ ከሎ፥ንሰብኣያ ዝሞታ ኣዲኡ ምስ ዮውሃንስ ቀረብ ገዛ ብምቕራብ (ዮው 19=26,27) ።ኮይኑ ግን ወለዱ ፍጹም ፍቓድ ክውሃቦም የብሉን ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ህንዲ ንጎይታ ከይስዕብዎ ተዓንቂጾም እዮም፥ምኽንያቱ ብጠገለ ዝስኣነ ፥ተፈጥራዊ ምትሕሓዝ ምስ ወለዶም።

ኣብ ዘዳግም 33=8-11 ፥ተነጊሩና እዩ ስለ ምንታይ ነገድ ሌዊ ካህናቱ ክኾኑ ከም ዝሓረዮም። ንእግዚኣብሄር ልዕሊ ወለዶም ኣሕዋቶምን ደቆምን ስለ ዘቕመጥዎ እዚ ኣገልግሎት ተዋሂቦም እዮም ከም ሽልማት።ሙሴ እስራኤላውያን ነቲ ወርቃዊ ምራኽ ክሰግዱ ምስ ርኣዮም ድማ ምስኡ ኣብ ጎኒ ጎይታ መን ደው ከም ዝብል ሓተተ፥ጥራይ ነገድ ሌዊ ንቕድሚት ወጺኦም ኣብታ ምዓልቲ ምስ ሙሴ ደው ኢሎም።ሌዋውያን ናብ ሰፈር እስራኤላዊያን ኣቲዮም ዋላ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣሕዋት እቶም ጣኦት ዝሰገዱ ክስይፉ ተነጊርዎም (ዘጽኣት 32=26- )።እዚኦም ሌዋውያን ጸረግቲ መንገዲ ናይ ሓቀኛ ደቀመዝሙር የሱስ እዮም።

እቲ ሕጊ ቅድሚ ሒደት ምዓልታት ኣቕዲሙ ብሙሴ ንእስራኤ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ።እቲ ዝተነገሮም ንወለዶም ከኽብሩ እዩ (ዘጽኣት 20)።እንተ ኾነ ግዳ ሕጂ ኣስያፎም ኣውጺኦም ኣዝማዶም ክቐትሉ ተሓቲቶም። ኣብዚ ክልተ ገጻት ሓቂ ንርኢ።

እቶም ሌዋውያን ኣዝማዶም ንጣኦት ክሰግዱ ምስ ርኣዩዎም ፥ንዕኦም ሚሒሮም ክኣ ከይዶም ካልእ ሰብ ምስ ሰየፉ ነይሮም።ግናኸ ኣይገበርዎን። "ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡን፣ ኣይርኤኽዎምን፣ ዝበለ፣ ነሕዋቱ ኣየለለዮምን፣ ንደቁ ኸኣ ኣይፈለጦምን……."(ዘዳግም 33=9)።

ክንደይ ዝኾኑ ኣለዉ ናይ ጎይታ ትእዛዝ ዘይስዓብዎ፥ ብምኽንያት ንብዓት ኣዲኦም ብምርኣይ ወይ ንወለዶም ብምስማዕ ዝተወሰዱ ብኸምዚ ዝበሉ ቃላት " ርኤ ክንደይ ንዓኻ ዝገበርናልካ" ።በዚ ምኽንያት ገዛእ ርእሶም ደቀመዝሙር የሱስ ክኾኑ ዘይብቑዓት ከም ዝኾኑ ይገብርዋ።

እንተ ድኣ በቲ ሓደ ወገን ክኣ፥ንስኻ ሓደ ድሮ ንወለድኻ ዝጸለኣካ ኮይንካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ንዓይ ይጥዓመኒ ምኽንያታት (ከምቲ ብዙሓት ቆልዑት ዝገብር)፥ሽዑ እቲ ዝተብሃለ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን፥ እቲ መጀመሪያ ክትምሃር ዘድሌካ ከመይ ንወለድኻ ተኽብሮም እዩ።

እቶም መጀመሪያ ንወለዶም "ከኽብሩ" ዝተምሃሩ ጥራይ እዮም ክርድኦዎ ዝኽእሉ የሱስ ዝበሎ እንታይ ማለቱ ሙኳን ንወለድና "ክንጸልእ" ኣሎና- ምኽንያቱ ነቶም ወለዶም ከኽብሩ ዝተምሃሩ እቲ ጎይታ መጀመሪያ ዝተዛረቦ እዞም ቃላት ብዛዕባ "ምጽላእ"።

እቶም ሰባት ሰይፍ ዘይጥቀሙ (ከምቲ የሱስ ዝገበሮ) ፥ምኽንያቱ ሰብኣዊ ልኡምነት ፥ድማ በዚ ምኽንያት ዋጋ ዕዳን ግድድፍን ዝገብሩ ፥ኣብ ዝተናውሔ ግዜ ብመንፈሳዊ ክስቀዩ እዮም።ቃንዛ ዝመልኦ እዩ ነይሩ ንደቂ ሌዊ ንወለዶም ከምኡ ገይሮም ክሕዙ። ኮይኑ ግን ስለ ጎይታ ኢሎም ገይሮሞ።

ኣብ ምልክያስ 2=4,5 ጎይታ ይብል ንሱ ንሌዊ ኪዳን ህይወትን ሰላምን ከም ዝሃቦ ፥ምኽንያቱ ሌዋውያን ንእግዚብሄርን ስምን ስለ ዝፈርሁ እዩ።እንተ ኾነ ግዳ እቲ ሰላም ብሰይፍ እዩ ተዓዲጉ !!

እዚ ኩሉ ሎሚ ከመይ ገይሩ ኣባና ይዓዪ ? ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሌዋውያን ዝገበርዎ ኣንጻር ካልኡት ሰይፍ ኣይድሌናን እዩ።እቲ ትርጉም "ምጥቃም ሴፍ" ሎሚ ንዓና እቲ ንወልድና ኣዝማድናን ዘሎና ሰብኣዊ ፍቕሪ ሙቁራጽ ድማ ምትካኣ ብኣምላኻዊ ፍቕሪ እዩ።ሰብኣዊ ፍቕሪ ንወልድና ወ.ዘ.ተ. ,ሓጥያት ክንገብር ይገብረና እዩ ምእንቲ ክንሕግዞም ወይ ክሕጉሶም ኢልና።ኣብቲ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ግን ካብ ሓጥያት ምስራሕ ጥራይ ኣይኮነን ዝኽልክለና ፥ግናኸ ኣዚና ይዕሚቕና ብንጽህና ከነፍቅሮም የኽእለና እዩ ድማ ከምእ'ውን ከኽእለና እዩ ከነፍቅሮም ክጸልኡና ከለዉ !!

ከምእ'ውን እንተ ድኣ ኣብ ገለ ኩነታት፥ግጭት እንተ ሃሊዩ ኣብ ሞንጎ እቲ ወልድና ክንገብሮ ዝነግሩናን እቲ እግዚኣብሄር ክንገብሮ ዝነግረናን፥ሽዑ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ ኣሎና።ኣብ ከምዚ ኩነታት እዩ እግዚኣብሄር ዝፍትነና ንዕኡ ንፈርሕን ባህ ከንብሎ ንደሊ እንተ ኾይና ወይ ንኣዝማድና ክንሕጉስ ።

እዚ ጉዳይ ቦታ ወልድና ፥ሰበይቲ፥ቆልዑት ካልኦት ኣዝማድና ኣብ ህይወትና ዘለዎም ፥ከም አጻራሪ ንቦታ እግዚኣብሄር ኣብ ህይወትና መዕለቢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክግበረሉ ኣለዎ።እንተ ዘይኮይኑ፥ ቀዋሚ ጸገም ክህልወና እዩ ሙሉእ ዕድሜና።

እንተ ድኣ ኣኺብርናዮ እግዚኣብሄር ከኽብረና እዩ ።ዋላ ወለድኻ ባህ ክብሎም እዩ ንጎይታ እንተ ድኣ ደው ኢልካ ።እቲ ናይ መወዳእት ናይ እግዚኣብሄር ዕላማ ናትና ጽብቕን ናይ ካልኡትን እዩ። ስለዚ እቶም ዋጋ ዕዳጋ ግድድፍ ዝገብሩ ኣብ መንፈሳዊ ገዛእ ርእሶም ክኸስሩ ጥራይ ኣይኮኑን፥ወለዶምውን ብእኡ ክኸስሩን እዮም በረኸት እግዚኣብሂውር።ብምእዛዝ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት፥ኣማሲኡ ፍጹም ኣይክትከስርን ኢኻ።

እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ንኢሳቕ ክሓድግ ምስ ሓተቶ፥እዚ መምርሒ ሓደ ዓይነት እዩ እግዚኣብሄር ዘተኩረሉ ዝነበረ።ኢሳቕ ፍቱው ንናይ ኣብርሃም ልብን ጣኣት'ውን ኮይኑ ነይሩብ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ነጊርዎ ንኢሳቕ ክሓድግ።

ከምዚ ዓይነት ልግበት ምስ ወለድኻ ወይ ሰበይትኻ ወይ ደቅኻ ኣለካዶ ? እምብኣርከስ ወደመዝሙር ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሰበይትኻ ናባኻ መጺኣ ብዛዕባ ሓደ ሓዊ ካብ ማሕበር ከተውሪ ክትሓሚ ከላ ምስቲ ናይ ሕሜታ መንፈስ ትተሓባበርዶ ወይስ ብውሽጥኻ ትነጽጎ ? ንሰበይትኻ ባህ ከትብላ ትደሊ ድኻ ? እዚ እንተ ገይርካ ፥ ርእስኻ ዝጠፋኣካን ሰነይትኻውን ክትሳን ኢኻ።እንተ ኾነ ግዳ እንተ ድኣ ገዛእ ርእስኻ ብንጽህና ሒዝካ፥ብውሕዱ ርእስኻ ከትድሕን ኢኻ።ስለዚ እቲ መንገዲ "ምጽላእ"እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ ንኹሎም ዝግደሱ።

ዝኾነ ሰብ ደው ከብለና ኣይክእልን እዩ ካብ ካህናት ናይ ሓድሽ ኪዳን ሙዃን፥እንተ ድኣ ስርነ-ቀላት ኮይና ኣብ ከምዚ'ኦም ጉዳያት

ሓደ ግዜ እንደገና ክብሎ ኣፍቅዱለይ ፥ኣንጻር ወለድኻ መርገጺ ክትሕዝ ከለኻ ፥ስዲ ክትከውን የብልካን።ሙቑሉል ኩን ድማ ከምዚ በል "ይቕሬታ፥ ኣቦ ።እዚ ክገብር ኣይክእልን እየ ምኽንያቱ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ እዩ " ።ብዙሕ ጸገማት ዝተፈጥረ ብምኽንያት ብዙሓት መንእሰያት ኣመንቲ ኣብ ሞንጎ ስዲ ሙኳንን ንሓቂ ደው ምባልን ክፈላልዩ ኣይተምሃሩን።