ኣርባዕተ ብቕዓታት_

Written by :   Zac Poonen Categories :   Knowing God Man
Article Body: 

ኣብ ኢሳ 33=14-15 ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ "ኣብ ጽዮን ዘለው ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም ኣሎ፡ ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ 15 እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ" ።



ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ክንፈርሖ ዘላና ነገር እንተ ሃሊዩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ መንፈሳውነትና ሓቂ ዘይኮነ


ንሰባት ጦብላሕታ ምሃብ እዩ።



ቀዳማይ መምዘኒ ምስ ዝባላዕ ሓዊ ክትሓድር ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ " እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን" (ኢሳ 33=15) ዝብል እዩ ።እዚ ዘመልክት


ነቶም ብመሰረት ዘለዎም ብርሃን ዝመላለሱ፥ብቕንዕና ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም እዩ።ፍጹማት ዘይክኾኑ ይኽእሉ ፥ኮይኑ ግን ግብዛት ኣይኮኑን። እንተ ድኣ ሓደ ነገር ሃሊዩ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ክንፈርሆ ዘሎና ኣብ ቤተ ክርስትያን ፥ ብዛዕባ መንፈሳውነትና ሓቂ ዘይኮነ ንሰባት ጠብላሕታ ምሃብ እዩ። ጦብላሕታ ትህብዶ ብዙሕ ከም እትጽሊ ፥ጠቕላላ ዘይትጽሊ ከለኻ ? ጦብላሕታ ትህብዶ ብዙሕ ከም እትጸውም ብልክዕ ክንድኡ ዘይትጸውም ከለኻ ? ካልኡት ብሙሉእ ልብኻ ንጎይታ ከም እትስዕብ ገይሮም ክሓስብኻ ከምኡ ዘይኮንካ ከለኻ ? ሻቡ ንኽትወድቕ ንድሕሪት ክትምለሰን ኣብ ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ - ብምኽንያት ፍጹም ዘይኮንካ ኣይኮነን ፥ግናኸ ብምኽንያት ቁኑዕ ስለ ዘይኮንካ እዩ።እግዚኣብሄር ንሓቂ ኣብ ክፍሊ ውሽጥና እዩ ዝብህጎ። እቶም ግቡዛት ኣብ ጽዮን ኣንቀጥቂጦም እዪም ምኽንያቱ ዝተቓልዑ ከይኮኑ ።



ካልኣይ ብቕዓት መምዘኒ ምስቲ ዝባላዕ ሓዊ ንኽትነብር "ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ" (ኢሳ 33=15) ። ብኻልእ ቃላት ጻድቕን እሙንን ምኳን ኣብ ጉዳያት ገንዘብ እዩ። መተካእታ እግዚኣብሄር ጎይታ ዝኾነ ሰይጣን እዩ ኢልና ንሓስብ ንኸውን ። ኮይኑ ግን የሱስ ገዛእ ርእሱ ኣብ ሉቃ 16=13 መተካእታ ጎይታ ንእግዚኣብሄር ገንዘብን ምድራዊ ሃብትን ሙኳኑ ጠቒሱ እዩ! ዝኾነ ኣማኒ ንሱ ንእግዚኣብሄርን ሰይጣንን ኣብ ሓደ ግዜ ከፍቅሮም ከም ዝኽእል ዝሓስብ የልቦን። ኮይኑ ግን ኣዚዮም ብዙሓት ኣመንቲ ኣለዉ ንገንዘብን ንእግዚኣብሄር ኣብ ሓደ እዋን ከፍቅሩ ከም ዝኽእሉ ዝሓስቡን ። ኣይፋሉን ኣማኒ ፍጹም ወዲቑ ንሰይጣን ከምልኽ ኣይክእልን እዩ ። እንተ ኾነ ሎሚ ሚሊዮናት ኣመንቲ ኣለዉ ንገንዘብን ምድራዊ ሃብትን ዘምልኹን ከምእ'ውን ንእግዚኣብሄር ከምልኹ ከም ዝኽእሉ ዝሓስቡ። ኮይኑ ግን ኸ ንእግዚኣብሄር ከምልኹ ኣይክእሉን እዮም ፥ብገንዘብ እንተ ድኣ እሙናት ዘይኮይኖም።ገንዘብን ምድራዊ ሃብትን ዝስዕቡ ንሰብ ካብቲ ሓቀኛ ህያው ኣምላኽ ከም ዘርሕቆ ኣይፈልጡን እዮም።



ሳልሳይ ብቕዓት ምስቲ ዝባላዕ ሓዊ ክትነብር ምዕጻው ኣእዛና ካብ ምስማዕ ብዛዕባ ደም ምፍሳስ እዩ (ኢሳ 33=15)። እዚ ካብ ወረን ሕሜታን ምእላይ ንላዕሊ እዩ። እዚ ዝጠቕሶ ዋላ ናይ ካልእ ናይ ሓድ ሰብ ወረ ክትሰምዕ ዘይምድላይ እዩ።፡ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ ነቶም ቀንዲ ከሰስቲ ኣሕዋት ጥራይ ኣይኮነን ኣእዛኑ ዝዓጹ ግናኸ እንኮላይ ንቶም ወኪላት ከሰስት'ውን እምበር።



ራብዓይ ብቕዓት ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ምስቲ ዝባላዕ ሓዊ ንምንባር፥ ካብ ክፉእ ምርኣይ ይዒንትና ምዕጻው እዩ ። እዞም ክልተ ኣካላዊ ስሚዒታት ምስማዕን ምርኣይን እቶም ቀንዲ መመሓላለፊ መሰመር ሰናይ ኮነ ክፉእ መእተዊ ናብ ኣእምሮና እዮም። እንታይ ክንእቱ ክንፈቅድ ከም ዘለና ክንውስን ይግባእ።እቲ ምስቲ ዝባላዕ ሓዊ ዝነብር ኣብ ልዕሊ ንመንፈሱ ከርክስ ዝኽእል ኣይጥምትን እዩ ።