ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዘቕመጦ ደረት ዘይትሓልፍ ሰበይቲ ይደሊ ኣሎ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Woman Disciples
Article Body: 

•ናይ ሰበይቲ ክብሪ ከም ደጋፊት ሰብኣያ

ኣምላኽ መጀመሪያ ንሄዋን ምስ ፈጠራ ብሰበይቲ ጌይሩ ክገልጾ ዝደለየ ክብሩ ብህይወታ እትገልጾ ሰበይቲ ይደሊ ኣሎ ኣምላኽ ንሄዋን ዝፈጠራ ምክንያት ንሰብኣያ ደጋፊት ምእንቲ ክትከውን እዩ "እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ " (ዘፍ 2=18) ጎይታና የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ ሓጋዚ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ ፥እዚ ምስ ፈልጠና ምሕጋዝ ዝብል ቃል ማዕርግ ሙኳኑ ክርድኣና እዩ "ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ " (ዮው 14=16)።

መንፈስ ቅዱስ ዘይርኤን ህዱኡን እዩ ፥ ኮይኑ ግን ኣዚዩ ሓያልን ንኣመንቲ ክኣ ሓጋዚ እዩ፥ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትድግፍ እያ ተፈጢራ።ኣገልግሎት ናይ መንፈስ ቅዱስ "ድሕሪ መጋረጃ እዩ" ከምእ'ዉን ናይ ሰበይቲ ኣገልግሎት ከምዚ ክኸውን ይግባእ።

ህይወት ናይ ጎይታና የሱስ ንሰበይቲ ኣብነት እዩ ፥ ከምቲ ቃል ኣምላኻ ዝገለጾ ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቲ እዩ፣ልክዕ ከምዚ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን እግዚኣብሄር ኣቦ ክኣ ርእሲ ክርስቶስ እዮ "ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ"(1ቆሮ 11=3)። ጎይታና የሱስ ኩሉ ዝገብሮ ኣብ ትሕቲ ኣቦ ተገዚኡ እዩ ። ኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ'ውን ከምቲ የሱስ ንኣቦ ዝተገዝኦ ንሳውን ንሰብኣያ ትግዝኦ እያ።ኣብ ገነት ኤደን ናይ ሄዋን ጌጋ ንኣዳም ከየማኸረት ውሳኔ ምውሳዳ እዩ በዚ ክኣ ሰይጣን ኣስሒትዋ "ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት " (1 ጢሞ 2=14)። ሄዋን ኣብኡ ወዲቓ እያ ፥ኣምላኽ ሎሚ ይጽውዕ ኣሎ ክርስትያን ኣንስቲ ነቲ ክብሪ ንሰብኡተን ተገዚኤን ክገልጻኦ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ንኣቦ ከምእ'ዉን ቤተ ክርስትያን ንክርስቶስ (ኤፌ 5=24)።

ሓጥያት ናብ ፍጥረት ዝኣተወ ብዓመጽ ናይ ሰይጣን እዩ ። ምድሓን ክኣ ብምእዛዝ ክርስቶስ መጺኡ።መንፈስ ትሕትናን ምእዛዝን ንናይ ኣምላኻ ስልጣን እቲ ዝዓበየ ሓይሊ ኣብ ኣጽናፍ እዩ፥ ምኽንያቱ መንፈስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ።መንፈስ ንቶም ኩሎም መንፈስ ዓመጽ ኣብ መስቀል ሲዕርዎም ገዚእዎምን እዩ።ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትግዛእ ከላ ፥ንስልጣን ቃል ኣምላኻ ትግዛእ ኣላ ማለት እዩ፥ከምኡ ንኽትገብር ዝእዝዛ፥ሽዑ በቲ ዝዓበየ ሓይሊ ኣብ ኣጽናፍ ተጸልያ ኣላ ።ዋላ ዳግም ዘይተወልዱ ኣስብኡት በዚ ሓይሊ ናብ ጎይታ ክመጹ ይኽእሉ እዮም "ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ክርከቡ ንሰበኡትክን ተኣዘዘኦም" (1ጴጥ 3=1-2) ።ሰበይቲ ኣብ ናይ ምድሪ ህይወታ ብመንፈስ ምእዛዝ እንተ ድኣ ትነብር ኮይና ፥በዚ ክኣ ስዓሪትን ክትከውን እያ፥ከምእ'ውን ምስ ክርስቶስ የሱስ ንዘልኣለም ክትነግስ ብቕዕቲ ክትከውን እያ " ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ" (ራኢ 3=21)።

ኣብዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን ንሰበይቲ እንደገና ዘታለላ ።ከምቲ ንመልኣኽቲ ናብ ጥፍኣት ዝመርሖም ፥ንሰበይቲ'ውን ከምኡ መሪሕዋ-ብመንፈስ ዓመጽ።ዓመጸኛ ሰበይቲ ንገዛኣ ናብ መኻንን ምድረ በዳ ትቕይሮ ፥ ካብ ዝኾነ ምድረ በዳ ብዝኸፍኤ (እዚ ኣንፈት መልእኽቶ ምሳ 21=19 እዩ)። በቲ ሓደ ወገን ክኣ፥ ደገኛ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይ ከም ንጉስ ዘውዲ ትደፍኣሉ ፥ ንቤታ ውን ናብ ዓቢ ህንጻ ትቕይሮ " ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ" (ምሳ 12=4)።ገዛኺ ዓቢ ህንጻ ወይ ምድረ በዳ ክኸውን ይኽእል እዩ ፥እዚ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ እዩ።እዚ ዝውሰን ክኣ እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ብሙኳንኪ እዩ ።በዚ ኽኣ ኣየገርም እዩ ኣምላኽ ልዑል ዋጋ ዝህቦ ናይ ሰበይቲ ለዋህን፥ ህዱእ መንፈስን እዩ " ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን" (1ጴጥ 3=4)።

ምሳሌ 31=10-31 ገለ ካብቲ ባህሪ ናይ ደጊ ሰበይቲ ይገልጽ ። ንሱ ኽኣ ልባ፥ኣእዳዋ ፥መልሓሳ ከም ኣዚዩ ጽብቕ ተገሊጹ ኣሎ።

ዋላ ሓደ ኣካላዊ ጽባቐ ወይ መልክዕን ውቃበን ኣይተጠቕሰን፥ ምኽንያቱ ንሰም ክልቲኡ ክኣ ከንቱን ጠባሪን ሙኳን ተጻሒፉ ኣሎ። ኣዚዩ ጽብቕ ነገር እንተ ድኣ ኩለን ኣንስቲን፥ ንኣሽቱ ኣዋልድን ፥ብፍላይ መንእሳያት ኣወዳት መርዓ ክሓስቡ ከለዉ ፥ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓቂ ክርድኡ።

እታ ደገኛ ሰበይቲ ኣብዚ ተገሊጻ ዘላ ፥ ንኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ ኣሎዋ " ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ" (ምሳሌ 31=30)።እዚ ኽኣ መሰረት ኩሉ ህይወታ እዩ። በእዳዋ ትሰርሕ ፥መግቢ ተዳሉ ፥ክዳን ትሰፊ፥ኣቕጽልቲ ትተክል፥ንድኻታት ክኣ ትሕግዝ (ጥቕሲ 13-22) ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት ትምህርቲ ልውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ(ጥቕሲ 26)።መልክዕ እኳ እንተ ዘይብላ ኣምላኽ እትፈርህን ተጊሃ እትሰርሕን ለዋህን እያ።ኣብዛ ደገኛ ሰበይቲ ክብሪ ኣምላኽ ብንጹህ ልባን፥ሓርፋፍ ኣእዳዋን ፥ጥዑም መልሓሳን ተገሊጹ እዩ። ዓለማዊት ሰበይቲ ግን ምስ ናይ ደጊ ሰበይቲ ክነጻጸር ከሎ ዘይንጹህ ልቢ፥ልስሉስ ኣእዳው፥ ሕማቕ መልሓስን እዩ ዘለዋ።ስለዚ ኣብዘን ክጥቀሳ ዝጸንሓ ኣብ ዙሩያ ልብን፥ኣእዳውን፥መልሓስን ሎሚ ኣምላኽ ንክብሩ ክገልጽ ሰበይቲ ይርኢ ኣሎ።

ከም ሰበይቲ፥እዛ ደጊ ሰበይቲ ሓቀኛ ደጋፊት ስብኣያ እያ።ሙሉእ ዘመና ክኣ ንሰብኣያ ጽብቕ ትገብረሉ ቀጻሊ ክሳብ መወዳእታ ህይወታ-ብምቑራጽን እንደገና ብምጅማርን ዘይኮነ "ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር ክፉእ ኣይትገብሮን" (ምሳሌ 31=12) ።ብካልእ ቃላት ፥እዛ ደገኛ ሰበይቲ እቲ ናይ መጀመርያ ፍቕራ ንሰብኣያ ፍጹም ኣይተጉድልን እያ። ንሳ ከምእ'ውን ምስ ስራሕን ጻዊዒት ሰብኣያ ገዛእ ርእሳ ተመዓራሪ ፥ ኣብ ገዛ ሃዲኣ ብምስራሕ እቶታ ክብ ተብል፥ዘይድሊ ወጻኢታት ብምግባር ገንዘብ ኣይተባኽንን። ንሰብኣያ ካብ ናይ ገዛ ሓላፍነት እዛ ደጊ ሰበይቲ ትዕርፎ፥በዚውን ኣብታ ምድሪ ዕዮ ጎይታ ይህልዎ። (ምሳሌ 31=23-29) ስለዚ ኣይገርምን እዩ ሰብኣያ ከምዚ ኢሉ እንተ ኣመስገና ኩሉን ኣንስቲ ኣብ ዓለም ዘለዋ (እንኮላይ ኣንስቲ ቀዳምይ ሚንስተራትን ሰበኽትን ዘካተተ ) ፥ንስኺ ግን ንኹለን ትበልጽየን ብምባል ይንእዳ " ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሃት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ" (ምሳሌ 31=29) ።ከምዚኣ ዓይነት ብርግጽ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ክትንኣድ ይግብኣ እዩ "ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣድ" (ምሳሌ 31=31)።

ሓድሽ ኪዳን ንቕዱሳን ኣብ ገዛና ምቕባል ኣዚዩ ጸቒጡ ብምምሃር ቦታ ሂብዎ ኣሎ ። ሕጉስ ኮይንካ ምሕደሪ ንዘድልዮም ፥መግቢ'ውን ንዘድልዮም ኣካፍል ፥ኣብ ገዛኻ ኣጋይሽ ድራር ምዕዳም ልምዲ ኣጥሪ (1 ጴጥ 4=9 ) ( ሮሜ 12=13)። ኣጋይሽ ምቕባል ቀዳምነት ሓላፍነት ናይ ሰበይቲ እዩ ኣብ ገዝኣ።ንሳ ናይ ነብያት ዓስቢ ክትቅበል ትኽእል እያ ገዛእ ራሳ ንሳ ነቢይ ከይኮነት ፥ጥራይ ኣብ ገዝኣ ነቢይ ብምቕባል (ማቴ 10=41)። ከም እዉን ነቲ ዝንኣሰ ወደ መዝሙር ኣብ ገዝኣ ብምቕባል እንኮላይ ዓስቢ ክትረክብ እያ( ማቴ 10=41 ) ኣብ ገዛና ንሃዋርያ ምቕባል ፥ንየሱስ ምቕባል ማለት እዩ። ከምእ'ዉን ንህጻን ብስም የሱስ ምቕባል ንየሱስ ምቕባል ማለት እዩ።እንታይ ዓይነት ድንቂ ዝኾነ ተኽእሎታት እዩ ኣብ ኣጋይሽ ምቕባል ዙርያ ንኣሓት ተኸፊትለን ! እቶም ናይ መጀመሪያ ክርስትያናት ጳውሎስን ጴጥሮስን ንምቕባል ኣጋይሽ ዝጽሓፍሎም ፥ብሰፊሑ ድኻታት እዮም ነይሮም።ቀሊል መግብን ፥መደቀሲ'ውን ኣብ ባይታ እዩ ነይሩ ፥ በዚ ኽኣ ንቑዱሳን ዘሎዎም ክቕርቡ ይሕተቱ ነይሮም ። ኣመንቲ ክብሪ ሰብ ክደሊዩ ከለዉ ቡዙሕ መግቢ ዓቢ ኣቀባብላ ዓቕሚ ክሳብ ዝረኽቡ ኣጋይሽ ኣይንቕበልን ኢና ዝብል ስምዒት ይሕድሩ ኣብ (1ጢሞ 5=10) ተጻሒፉ ከም ዘሎ ድኻታት መበለታት ኣብ 1 ክፍለ ዘመን ንቕዱሳን ኣብ ቤትን ይቕበላን የገልግላን ከም ዝነበራ ይነግረና፥ሰበይቲ ጻዊዕታ ዝርየት ከም ኣላይት ገዛ ክብሪ ኣምላኻ ይርኤ እዩ።

•ጻዊዕት ሰበይቲ ከም ኣደ ኣዳም ንሰበይቱ "ሄዋን " ኢሉ ሰምይዋ እቲ ምኽንያት ክኣ ኣደ ስለ ዝነበረት እዩ ።ኣብ ጽሩይ ብርሃን ህላውነት ኣምላኽን ኣብ ገነት ኤደን ኣዳም ብንጹር እንታይ ምኳኑ ኣገልግሎት ሔዋን ፈሊጡ።ሄዋን' ኣጽቢቓ ትፈልጦ እያ። ሓጥያትን ናይ ሰብ ስርዓትን ብሰይጣን ዝተጸለዋ ሕጂ ግዳ ንናይ ሰበይቲ ምርዳእ ብደበና ሽፊንዎ ስለዚ በዚ ኽኣ ክብሪ ናታ ከም ኣደ ከም ዘይትርኢ ጌርዋ። ሎሚ ውላድ ብሰይጣናዊ ስም ተጸዊዖም ከም "ሓደጋ" ዘጋጠመ ፥ ኣምላኽ ግን ውሉድ ህያብ ኢሉ ጸዊዕዎ ከሎ" (መ.ዳዊት 127=3) ።ውሉዱ ከም መትከኻት ተወሲዶም እዮም ፥ኣምላኽ ከም በረኸት ሓሲብዎም ከሎ (መ.ዳዊት 127=5 ፥128=4)።እዚ ግና ካልእ ምልክት ፥ዋላ ክርስትያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ካብ ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ከም ዝርሓቑን፥ ኣብ ኣተሓሳስበኦም ክኣ ከም ሰይጣን ከም ዝኾኑን እዩ።

ናይ ጢሞቴዎስ ኣደ ኤውኒቄ እንተ ኾመ ግዳ ፍልይቲ እያ ነይራ።ጻዊዒታ ብንጹር ሪኣቶ እያ ነይ። ዋላ'ኳ ሰብኣያ ኣማኒ እንተ ዘይነበረ (ግብ=16=1)፥እዚ ክኣ ንእምነታ ከጸልምቶ ኣይክኣለን።ኣደ ጢሞቴዎስ "ልግሚ ዘይብላ እምነት " ዝነበራ እያ ነይራ (1ጢሞ 1=3-5) መጽሓፍ ቅዱስ እትፍልጥ'ውን ነይራ።ንሳ ንወዳ ጢሞቴዎስ መጽሓፍ ቅዱስ ምሂራቶ እያ ፥ካብዚ ንላዕሊ ክኣ እታ ልግሚ ዘይብላ እምነታ ኣውሪሳቶ (2ጢሞ 3=14-15)።ገዛ ናይ ጢሞቴዎስ ንጹህ እምነት ከተንፍስ ኣኸኢላቶ እያ ኣብ ማእከል መርዛም ጨናታት ናይ ዘይምእማን ኣብ ዘሎዎ ዓለም።ጢሞቴዎስ ምናልባት ኣዲኡ ኩሉ ግዜ ክትጽሊ ሪእዋ ይኸውን ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ክብሪ ክትህብ ፥ዋላ ኣብ ግዜ ጸገማ ንኣምላኽ ክትኣምን ብዘይ ምግሩምራም ምኽንያቱ እዚኦም ባህሪያት ገለ ካብቲ ልግሚ ዘይቡሉ እምነታ እዩ። ስለዚ ኣይገርምን እዩ ጢሞቴዎስ ዓብዩ ሃዋርያትን ናይ ቀረባ መተዓይቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ክኸውን።ናይ ኣዲኡ ጻዕሪ ኣብ መወዳእታ ንፍረ ኮይኑ።

እምብኣር እዚ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንዘሎዋ ኣዴታት ዓቢ ብድሆ እዩ።ኣውንቄ ኣደ ጢሞቴዎስ ንጎያታን ንቤተ ክርስትያንን ብዙሕ እያ ሰሪሓ ፥ከም ብልጽቲ ኣደ ናይ ገዛ ኮይና ካብ 16 ካሳብ 20 ዓመታት ፥ከቶ ኣይምስገበረቶን ነይራ ካብ ናብ ኩሉ ዓለም እናዞርት እንተ ን100 ዓመታት ካብ ሰባኺትቭናብ ኩሉ ዓለም እናተጓዓዘት! ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፥ናይ ሱዛን ዌስሊ ሰሚዕና ኣሎና፥ ኣደ 15 ቆልዕት ዝነበረት። ድኽነት ኣብ ገዛኣ ኣቲዩን ጠቢቑን ነይሩ ገለ ካብቶም ደቃ ኣብ ኣብ ንስነቶም ሞይቶም። እንተ'ኾነ ንሳ ንቲም ካልኡት ደቃ ብፍርሃት ኣምላኽ ብውልቂ ንነፍሲ ወከፎም መምሪሒ እናሃበት ይዒብያቶም። ሓደ ካብቶም ደቃ ጆን ዊስሊ እዩ ምስ ዓበየ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ሓያል መሳርሒ ኮይኑ ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ 2 ክፍለ ዘመን ተባሪኾም እዮም በቲ ዝዓየዮ ዕዮን ጽሑፋቱን ። ኣዴኡ ሱዛን ዌስሊ ወዳ ዝሰርሖ ንእሽተይ ምቃል ኣይምሰረሔትን ነይራ ገዛ ሓዲጋ ገንዘብ ብዙሕ ክትገብር እንተ ትኸይድ ወይ ከም ወንጌላዊት ወይ ከም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህር ኮይና ኩሉ ዓለም እንተ ትዘውር።

ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎት ሰብኣይን ሰበይትን ንጢሞቴዎስ ክዛረብ ከሎ ሰብይቲ ዋላ እኳ ክትምህር ወይ ሽምግሌ እንተ ዘይተፈቀደ፥ ናይ ኣደ አግልሎት ክህልዋ ይኽእል እዩ "ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ " (2 ጢሞ 11-15) ። ኣብዚ ዓውዲ ንባብ ናይ ጵውሎስ ደብዳቤ ፍሉጥ እዩ ኣብ ግምት ይእቲዎ ከም ዝነበረ ናይ ሰበይቲ ናይ ኣደ ኣገልጉሎት ኣብ ቦተ ክርስትያን ።እዚ እዩ ኽኣ ንሰበይቲ ካልኣይ ኣገልግሎት ዝተውሃባ ፍርሃት ኣምላኻ ዘሎዋ ኣደ ደቃ ክትከውን።

ጢሞቴዎስ ናይ ኣዴኡ በቲ እተጸውዓቶ ኣገልግሎት ናይ ኣደ ኣብታ ናይ ንእስነት ገዝኡ እዮ ርእዎ እቲ ክብሪ።ንሱ ነዚ ሕጅ ንኻልኡት ኣብ ኤፌሶን ክምህር እዩ ።

ኣብ ህይወት ሰብኡት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስራሕ ንደቅንስትዮ ይበልጽወን እዮም፥ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ እያ ሰበይቲ ፍሊይቲ ኮይና ደው ትብል ንሱ ኽኣ ከም "ኣደ" ብሙኳን እዩ።እዚ ብገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ሰበይቲ እንታይ ክትከውን ከም ዘለዋ ምልክት እዩ።ኣዴታት ንደቀን ሽለል ብምባል ብዙሕ ገንዘብ ንምእካብ ብጣዕሚ ዘጋየጸ ህይወት ንምምባር ናብ ስራሕ ዝኸዳ ወይ ዋላ ሰበኽቲ ንሙኳን ፥ቀጻሊ ብዙሕ ዘሕዝን ተመኩሮ ድሓር ኣብ ህወተን ክረኽባ እየን፥ደቀን ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ ዝስቀዩ ኣብቲ ናይ ንእስነት ግዚኦም ስለ ዝተጎሰዩ። ድሓር ዝገብርኦ ነገር የለን ሕጂ ጥዓሳ ጥራይ እዩ። እዚ ንተን ሕጂ ዘሎዋ ንኣሽቱ ወሎዶ ኣዴታት መጠንቀቕታ ክኽውን ይግባእ።ኣደ ናብ ስራሕ እንተ ድኣ ትኸይድ ኣላ ብምኽንያት ገንዘባዊ ጸገማት ንምፍታሕ ፥ነኣምላኽ ብርግጽ ንኸም እዝኤን ስድራታት ተወሳኺ ጸጋ ይህብ እዩ።ግናኸ ሰበይቲ ናብ ስራሕ እትኸደ ሓቐና ንምግያጽን ልዑል ደረጃ ዘሎዎ ናብራ ንምሕላፍን እንተ ኾይኑ እቲ ንሳ ክትዓጽዶ እትጽበዮ ብልሽው ጥራይ እዩ ምኽንያቱ ኣምላኻ ስለ ዘይዕሾ " ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ" (ገላትያ 6=7-8)።

•ናይ ሰበይቲ ክብሪ ከም ምስክር የሱስ ናይ ሰበይቲ ቀዳምነት ምስክርነት ንክርስቶስ፥ከምዚ ዝርኣናዮ

ደጋፊት ሰብኣያ ብሙኳንን ኣደ ደቃ ብሙኳናን እዩ።ግናኸ ኣምላኽ'ውን ብኣፋ ምስክር ክትከውን ጸዊዕዋ እዩ።ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘመን ሰበይቲ ሃዋርያ ፥ነቢይ ፥ወንጌላዊት፥ሽማግለ ማሕበር ወይ ጓሳ ፥መምህር ክትክውን ፍጹም ኣይጸውዓን። ኣብ ብሉይ ኪዳን ነቢያት ነይረን እየን -እታ ናይ መወዳእታ ክኣ ሃና እያ።ኮይኑ ግን ድሕሪ ምዓልቲ ሓምሳ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ነቢት ዝኾነት ኤልዛቤል እታ ናይ ሓሶት ነቢት ጥራይ እያ(ራኢ 2=18-20)። ስለዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ሃዋሪያ ወይ ሰባኺት ሙኳና ንርእሳ እትወስድ ስዓቢት ኤልዛቤል እያ።ዝኾነ ሰብ በዚ ሓቂ ክጋገ የብሉን ።ኩሎም ናይ ኣምላኽ ኤሊያሳት ክትቋወምወን ከተቃልዕዎን ኣሎም፥ ልክዕ ከምቲ ኤልዛቤል ዝተቃላዐቶ ኣብዚ ምዕራፍን ጥቕስን ኣንብብ (1ነገስት 21=20-23) ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሰበይቲ ከም ደቂ ፊሊፖስ ዝገበርኦ ሳሕቲ ክትንበ ትኽእል እያ ፥ምክንያቱ እዚ ኣዋልድ ደቂ ፊሊፖስ ግልጺ እዩ ነቢያት ከም ዘይኮና ፥ኣምላኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ መልእኽቲ ክህቦ ምስ ደለየ ንኣዋልድ ደቂ ፊሊፖስ ኣይተጠቀመን ፥ ግናኸ ኣጋቦስ ዝብሃል ነቢይ ካብ 80 ኪ.ሜ ካብ ዝርሕቕ ቦታ እዩ ጸዊዕዎ (ግብ 21=8.11)።የሱስ ካብ ሃዋርያት ሓንቲ ክትከውን ንሰበይቲ ፍጹም ኣይጸወዓን ምክንያቱ ሰበይቲ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ ፥ኩሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዕዮ ጎይታ ንሰበይቲ ክፉት ኣይኮነን ፥ ኮይኑ ግን ምስክር የሱስ ብዘተፈላለይ ካልእ መንገዲ ክትከውን ትኽእል እያ።

ማሪያም መግደላዊት እታ ናይ መጀመሪያ ናይ ጎይታና የሱስ ትንሳኤ ምስክር እያ ። ንሳ ወንጌላዊት ኣይነበረትን፥ግናኸ እምንቲ ምስክር ብዛዕባ ዝረኣዮቶን ዝተሞኮሮቶን ነይራ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ብመንፈስ ቁዱስን ሓውን ክትጥመቐ ኣሎዋ ልክዕ ከምቲ ማሪያምን ካሉኡት ኣንስትን ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ ዝተጠመቐኦ ፥ ምእንቲ ምስክር የሱስ ክኾና (ግብ 1=8 .14)። ብምኽንያት ዕቃበታት ባህሊ ህንዲ ሰበይቲ ካብ ኣፍ ሰብኣይ ወንጌል ክትሰምዕ ኣይትኽእልን እያ።ብመንፈስ ዝተመልኤት ሰበይቲ ጥራይ እያ ክትበጽሔንን ወንጌል ክትምስክረለን እትኽእል።ስለዚ ኽኣ ነፍሲ ወከፍ ኣምላኽ እትፈርህ ሓፍቲ ወንጌል ንኣዝማዳ ፥የዕርኹታ፥ጎሮቤታ፥ወ.ዘ.ተ ንምብጻሕ ሓላፍነት ክትወስድ ይግብኣ።

ሓድሽ ኪዳን ሰበይቲ ክትንበን ክትጽል ከላ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጸጉራ ክትጉልበብ ይምህር ( 1 ቆሮ 11=5)።ጸሎት እቲ ቀዳማይ ኣገልግሎት ኩለን ይሕዋት ክሳተፍኦ ዝኽእላ እዩ እዚ ኽኣ ንምህናጽ ማሕበር ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ብርግጽ ሎሚ ሰበይቲ ብምስጢር ብምጽላይ እቲ ጽመድ ምእንቲ ንመደቡ ፍጻመ ክረክብ ይደሊ ኣሎ። ሰበይቲ ክትንበ ትኽእል እያ ።(ግብ 2=17-18) ኣብዚ ቃል ብንጹር መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሰብኡትን ኣንስትን ምስ ወረደ ከም ዝንበዩ ይነግር፥ እዚ እዩ ፍሉይ መሰል ናይ ሰበይቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን።ክትምህር ከየፈተነት፥ ሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ምግዛእ ቃል ከታካፍል ትኽእል እያ "ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ" ( 1 ጢሞ 2=12-14) ዓበይቲ ኣንስቲ ንንኣሽቱ ኣሓት ብዛዕባ ግብራዊ ዝኾነ ነገራት ክምህረኤን ይተባብዓ እየን : "እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና" (ቲቶስ 2=3)። ምሕጋዝ ሓደ ካብ ውህበታት ኣምላኽ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝሰርዖ እዩ "ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ" (1ቆሮ 12=28) ኩለን ኣሓት ዓበይቲ ፥ ንኣሽቱን ነዚ ውህበት "ምሕጋዝ" ክደሌኦ ኣሎዎን በዚ ክኣ ግብራዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክሕግዛ። ከም እዝኤን ዝበላ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ነይረን እየን "ፌበን ንቡዙሓት ሓጋዚት እያ ነይራ" ( ሮሜ 16=1-2 ተወሳኺ 16=3.6.12) ኣምላኽ ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓገዝቲ ብዙሓት ይደሊ ኣሎ።

ናይ ሰበይቲ ምጉልባብ ርእሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ተገሊጹ ኣሎ "ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጎልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን" (1ቆሮ 11=11-16) ተገሊጹ ኣሎ ትርጉም ምልክቱ ክኣ~

ሀ.ክብሪ ናይ ሰብኣይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ክሽፈን "ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ" (1ቆሮ 11=7-8)።

ለ.እቲ ክብሪ ናይ ሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክጉልበብ ኣሎዎ ፥ንሰበይቲ ነዊሕ ጸጉራ ናታ ክብሪ እዩ። " ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ" (1ቆሮ 11=15)።

ሐ. ሰበይቲ ንናይ ሰብኣያ ስልጣን ትግዛእ እያ ሰብኣያ ክኸውን ይኽእል ወይ ፥ኣቦ ፥ሽማግለ ማሕበር "ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን" (1ቆሮ 11=9)።

ሰበይቲ በቲ እትለብሶ ክዳን እምንቲ ምስክር የሱስ ክትከውን ይግባእ።መንፈስ ቅዱስ ኣጥቢቑ ዘተሓሳሰቦ እንተሎ ሰበይቲ ትሕትና ዘለዋን ጥንቅቕቲ ክትከውን ከም ዘለዋ እዩ።ሰበይቲ ክርስትያን እንተ ድኣ ኮይና ሕያወይትን ፥ለዋህን ብሙኳን ክትፍለጥ ኣለዋ እምበር ብስሩሕ ጸጉርን፥በቲ እትለብሶ ዘመናዊ ክዳን ወይ ዕንቂ ክኸውን የብሉን " ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ" (1ጢሞቴዎስ 2=9-10) ።"ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን" (1ጴጥሮስ 3=3-4)።ትርጉም ክዳን ሰብነት ንምሽፋን እምበር ፥ንምቕላዓ ኣይኮነን። ኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ሰፋይ ክዳና ከም ፋሽን ቅዲ ዓለም ክቆርጾ ፥ክሰፍዮን ኣይተፍቅድን እያ፥ናይ ላዕሊ ሓጺር ክዳን፥ ከም እዉን ናይ ታሕቲ ሓጺር ክዳን ፤ሰብነት ሰበይቲ ዝቐልዕ እትለብስ ፥ናይ ስዓቢት ክርስቶስ ዘየኮነስ ምልክት ናይ ዓለማዊት ሰበይቲ እዩ፥ ኣብ (ኢሳያስ 3=16-24) ተጠንቂቕካ ኣንብብ ከመይ ኣምላኽ ከም ዝኾኖኖ ፥ነቲ ቅዲ ክዳን ዝለበስኦ ዓለማዊያን ኣዋልድ ዮርሳሌም ።

ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘቕሞጦ ፍልልይ ፥ ክዕኑ ሰይጣን ኩሉ ግዜ ምስ ተሃንጠየ እዩ። ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ክኣ ረኺቡ እዩ ሰበይቲ ከም ሰብኣይ እትሰርሕን፥ እተክውንን ብዝተፈላለይ መንገድታት። ንሰብኣየን ዝመልካን ዝስብካ ኣንስትን እዚ ኩሉ ኣካል ናይቲ መስመሩ ዝሰሓተ ናይ ሎሚ ክርስትና እዩ በዚ ክኣ ሰበይቲ መሊሳ መመሊሳ ካብ ኣምላኽን ቃሉን እትርሕቕ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ማዕከል ግን፥ ሰበይቲ ኣብቲ ኣምላኽ ዘቕመጦ ደረት ቃል እትቕመጥን እትጸንሕን ይደሊ ኣሎ፥በዚ ኽኣ እቲ ሓቀኛ ክብሪ ሰበይቲ እንታይ ሙኳኑ ብዘመነ ህይወተን ኩሉ ክግለጽኦ እየን። ስለዚ ሰበይቲ ኣብዚ ዘማውን ሓጥኣን ወለዶን መወዳእታ ግዜን ክርስትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣቲሉ ዘሎ ግዜ ፥ወስኒ ብሙሉእ ልብኺ ደድሕሪ ልቢ ኣምላኽ እትኸዲ ክትኮኒ ብቕንዕና ባዕልኺ እንተ ደሊኽዮ ኣምላኽ ጸጋ ክህበኪ እዩ።