ኣጋዳስነት ንጽህና ኣብ ህይወትና

Written by :   Zac Poonen Categories :   Man
Article Body: 

ኣብ 1ተሰ 4=1-8 ጳውሎስ ኣብ ዙሪያ ወሲብ ይዛረብ።1ተሰ 4=4 ብኽልተ መንገዲ ክትርጎም ይክኣል

ክኸውን ዝኽእል ። "vessel" ቨዘል ኣብዚ ሲኮስ (skeous) ብግሪኽ ንኣካላትና ወይ ክኣ ንሰበይትና ክጠቕስ ይኽእል።

ስለዚ እዚ ከምዚ ማለት እዩ " ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ከመይ ከም ዝሕዞ ክፈልጥ ኣለዎ"። ኣካላትና ብቕድስና ንጽህናን ምሓዝ ክንምሃር ይግባእ። ምኽንያቱ ፍቓድ ኣምላኽ ቅድስናና እዩ "ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ ቅድስናኹም ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ "(1 ተሰ 4=3)።ብዙሓት ሸነኻት ኣለዉ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ሙኳኑ ዘይንፈልጦ ።ኮይኑ ግን እዚ ኣብ ዙሩያ ወሲብ ብዘይጥርጥ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ሙኳኑ ንፈልጦ ኢና።ክትቅደስ ማለት ካብ ዝኾነ ሓጥያት ዝመልኦ ዓለማውን ዘይክርስቶሳዊ ነገር ምፍላይ ማለት እዩ።ካብ ኩሉ ዓይነት እከይ ኣካልትና ብንጽህና ክንሕዞ ክንምሃር ኣሎና።

ከምእ'ውን 1 ተሰ 4= 5 ከምዚ ክኸውን ይኽእል እዩ "ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ከመይ ገይሩ ብቕድስናን ክብርን ክሕዛ ክፈልጥ ኣለዎ" እዚ ማለት እቲ መንገዲ ሰበይትኻ እትረኽባ ብቕድስናን ንጹህ ክኸውን ኣለዎ።ብዙሕ ዘይቅዱስ መንገድታት ኣሎ ሰባት ሰበይቲ ክረኽቡ ዝገብርዎ። ገዝሚ ምድላይ ሓደ ካብቲ ዘይቅዱስ መንገዲ እዩ።ብቕዱስ መንገዲ ዲኻ ሰብይቲ ትደሊ ዘለኻ ወይስ ብዓለማዊ ብቕዓት መዕቀኒታት ? ንሰበይቲ "ብፍትዎት ዝመልኦ ብርቱዕ ድሌት " ምድላይ ከምቲ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ዝገብርዎ እዩ። ኮይኑ ግን ንእግዚኣብሄር ከተገልግል እንተ ደሊኻ ከምዚ ናትካ ሓደ ዓይነት ንእግዚኣብሄር ክትነብር ድላይ ዘለዎ ክትርኢ ኣለካ።

ኣብ 1ተሰ 4=6 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል " ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን " እዚ "ምስ ብዓልቲ ሓዳር ኣዚኻ ኣይትቕረብ " ማለት እዩ ።ምስ ኣንጻር ጾታ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና ኣብ ዝምድና ምኽንያቱ ሎሚ እንነብረሉ ዘሎና ሕብረተሰብ ተመሳሳሊ ኣብቲ ወሲባዊ ዘይስነምግባር ከም ሓጥያት ዘይቁጸረሉ ዝነበረ ከምቲ ሰብ ተሰሎንቄ ዝነብርዎ እዩ። ዘሕዝን ኮይኑ ኣዚዩ ብዙሕ ዘይስነምግባራዊ ኣብ ማእከል መንእሰያት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብ ማእከል ናይ ክርስትያን ዓየይቲ ኣብዚ ግዜ ኣሎ። ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ንጹር ምስክርነት ክህልዎናን ከም ክርስትያናት ካብ ዓለም ዝተፈለናን ክንከውን ።ንኣካላትና ብንጽህና ክንሕዞ ኣብዚ ሸነኽ ክንምሃር ኣሎና። እንተ ዘይኮይኑ ንጎይታ ካብ ምስዓብ ክንተርፍ ኢና።ንኣምላኽ ካብ ዝፈልጡ ዝወደቑ ሳምሶንን ዳዊትን ኣዚዩ ዘሕዝን ኣብነታት እዮም ። ሎሚ'ውን ኣብዘን ምዓልታት ብዙሓት ከምኦም ኣለዉ።