ካብ የሱስ እናተምሃርካ ምስዓብ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Disciples Devotion to Christ
Article Body: 



“ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም። 17 የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ንዑ ስዓቡኒ፡ በሎም" (ማር 1=16-17)።

ኣማኢት ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ገምገም ባህሪ ገሊላ ነይሮም እዮም፥እንተ ኾነ የሱስ ግን ንኹሎም ኣይጸውዖምን ። ንሱ ኣርባዕተ ጥራይ እዩ ጸዊዑ ንጴጥሮስ እንድሪያስ ያዕቆብን ዮውሃንስን ። ናይ የሱስ ምስክር ክከውን ተጸዊዕና ኢና። ኮይኑ ግን ናይ ሙሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንክርስቶስ ክትኣቱ ፥ሓደ ብንጹር ብእግዚኣብሄር ዝተጸውዔ ክኸውን ይግባእ። "ወንጌላዊ ወይ መምህር ክኽውን እየ " ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚኣብሄር ክጽውዓካን ነቲ ኣገልግሎት ንዕኡ ኽኣ ክዕጣቐካ ኣለዎ። እግዚኣብሄር ብልዑላውነቱ ሎሚውን ኣገልገልቱ ይጽውዕ እዩ።ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎት ኣብ ኣካል ክርስቶስ ኣገዳሲ እዩ ። ልክዕ ከም ነፍሲ ወከፍ ኣካል ኣብ ሰብነት ሰብ እዩ።ገለ ክፋላት ከም ገጽ ክርኤ ይክኣል እዩ ፥ብኣንጻሩ ካልኡት ከም ኩሊትን ጸላም ከብድን ክኣ ኣይርኣያን እየን።ኣብ ኣካል ክርስቶስውን ከምኡ እዩ ፥ገለ ኣገልግሎታት ካብ ካልኡት ንላዕሊ ዝይዳ ዝርኣዩ እዪም።

ወደመዝሙር ዝምሃርን ዝስዕብን እዩ። ኩሉ ብዘሎ ህይወቱ ንሱ ካብ የሱስ ክምሃርን ክስዖቦን ኣለዎ።

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 11=29 የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ካባይ ተማሃሩ " ። ኣብዚ ንሱውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ “ስዓቡኒ" ። እዚኦም ክልተ ነገራት ወደመዝሙር ክገብሮም ዘለዎም እዮም። ኣብ ውትህድርና ኣብ ሰራዊት ከምዚ ብምባል ይምርሹ " ጋም፥ ማን፥ ጋም፥ ማን "። ክሳብ የሱስ ዝምለስ ከምዚ ክንብል ይጋባእ " ምምሃር፥ ምስዓብ ምምሃር ፥ምስዓብ " ። እንተ ድኣ ትማሃር ጥራይ ኣለኻ ግናኸ ዘይትስዕብ ፥ብጸጋመይቲ እግሩ ጥራይ ክኸይድ ዝፍትን ትእዛዝ ምረሻ " ጋም ፥ጋም፥ ጋም፥ ጋም " ዝኸይድ ክተከውን ኢኻ !! ። ኮይኑ ግን እቲ ሓቀኛ ወደመዝሙር የሱስ ይምሃራን ሽዑ ኽኣ ነቲ ዝተምሃሮ ይለማመድን እዩ።እንተ ድኣ ነቲ ዝተምሃርካዮ ዘይትለማመዶ ኮይንካ ፥ከማኻ ካልኡት ጥራይ ከተፍሪ ኢኻ። ብሓንቲ እግሪ ዝምርሹ።ዝኣክል ተማሂርና ኢና ክንብል ፍጹም ኣይንኽልን ኢና። ክሳብ መወዳእታ ህይወትና ካብ የሱስ ክንምሃር ኣሎና።

እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ጥቕሲ ተስፋ እዩ " እንተ ድኣ ስዒብኩሙኒ ኣነ ከምዚ ክገብረኩም እየ…..” ብዛዕባ ኣዚ መግለጺ ሕሰብ " ኣነ ከምዚ ክገብረኩም " ። እዚ ከም ሰራሒ ዕትሮ መትሓዚ መዕቆሪ ዝሰርሕ እዩ ሰራሒ ዕትሮ ንኩሉ መትሓዚ ብሓደ ዓይነት ቅርጺ ኣይሰርሖን እዩ ። ከም ናይ ካልእ ሰብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣገልግሎትካ ቅርጺ ከትሕዞ ከቶ ኣይትሕተቶ።እግዚኣብሄር ፍጹም ኣይገብሮን እዩ ምኽንያቱ ንሱ ንነፍሲ ወከፍ መትሓዚ መዕቆሪ ብፍሉይ ቅርጺ እዩ ዝሰርሖ።እንተ ድኣ ከም ናይ ሓደ ካልእ ሰብ ኣገልግሎት ክህልዎካ ትደሊ ኣለኻ ፥ ንእግዚኣብሄር ኣባኻ ክሰርሖ ዘደለየ ቅርጺ ክትዕንቅፎ ኢኻ።

ኣብ ቤተ ክርስትያነይ ንሰባት ብተደጋጋሚ ነጊረዮም ኣለኹ "ንናተይ ኣገልግሎት ክትቀድሑ ከቶ ከይትፍትኑ ምክንያቱ እግዚኣብሄር ፍሉይ ክትከውን እዩ ዝደሊ”። ንሱ ንስኻ ክትከውን እዩ ዝደሌካ ። "እግዚኣብሄር ሓደ ሰብ ከማይ እዩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝደሊ ከምእ’ውን ሓደ ሰብ ከማኻ።

ንጎይታ እንተ ድኣ ስዒብካዮ ፥ንሱ እቲ ክትኾኖ ዝግብኣካ ክገብረካ እዩ። እዚ ናይ ጎይታ ሓላፍነት እዩ።ኣብ ጉዳይ ከም ናይ ብዓል ጴጥሮስ ገፈፍቲ ሰብ ክኾኑ ተቐሪጾም ኣብ ናትካ ክኣ ካልእ ነገር ክኸውን ይኽእል ምናልባት ሓጋዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ። ገለ ሃዋሪያት ክኾኑ ተጸዊዖም ገል ነብያትን ገለ ኽኣ ወንጌላውያን ።ወንጌላውያን ገፈፍቲ ሰብ እዮም ፥ከም ብዓል ጳውሎስ ኩሉ ነገር እዮም ፥ሃዋርያ ነቢዪ መምህር ጓሳን ወንጌላውን። ኮይኑ ግን ከምዚ ዝተፈለየ ውህበት ሳሕቲ እዩ እግዚኣብሄር ዝህብ።መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ውህበት ጥራይ ኣሎና።ኣብ ቅድሚ ግዝያት ሃዋርያት ኣዚዩ ብዝሑ ውህበታት ነይርዎም ፥ምኽንያቱ ኣዚዩ ሒደት ሰባት ውህበት ዘለዎም ኣብ ቤተ ክርስትያን ነይሮም።እንተ ኾነ ምስ ምዝርጋሕ ቤተ ክርስትያን እግዚኣብሄር ብሰፊሑ ዝያዳ ነቶም ውህበታት ዓዲልዎም ።ኮይኑ ግን ዝኾነ ይኹን ውህበትካ ፥እቲ መምርሒ ንሱ እዩ "ኣነ ክገብረካ እየ " ። ንጎይታ ከነፍቅደሉ ኣሎና ከምቲ ንሱ ዝደለዮ ገይሩ ክሰርሓና ።