ኣብ ህይወት እቲ ዝዓበየ ጸገም

Article Body: 



ኣብ ህይወት እቲ ዝዓበየ ዘጋጥመና ጸገም እንታይ እዩ ? እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ድድሕሪ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዝደሊ ሰብ ዘተሓሳስቦ ብዛዕባ ንፈተናታት ሓጥያት ምስዓር እዩ።

ኣብ እብራዊያን 4=15 ከምዚ ነንብብ " የሱስ ኣብ ኩሉ ነጥቢ ልክዕ ከምዚ ከማና ከም ዝተፈተነ" ስለዚ እዩ ኽኣ ንሱ ክድንግጸልና ዝኽእል። ንሱ ነፍሲ ወከፍ ስሕበት ፈተና ልክዕ ከምቲ ንዓን ዝስምዓና ይስምዖ እዩ።እንተ ዘይከውን ነይሩ ንሱ ከም ዝተፍተነ ኣይምስ ተጽሓፈን ነይሩ" ኣብ ኩሉ ነጥቢ ከምዚ ከማና"። ሰይጣን ምስ ፈተኖ ስሕበት ናይ ፈተና ተሰሚዕዎ እዩ ፥ኮይኑ ግን ንሱ በለ " ኣይፍሉን"። ንሱ እቲ ስሕበት ዘይተስምዖ እንተ ዝኸውን ነይሩ ፥ፈተን ኣይምስኮነን ነይሩ።ፈተና ልክዕ ምስሕብን ምጉትትን ናይ ገመድ እዩ። እቶም ክልተ ጋንታ ነቲ ገመድ ሒዞም ነሓድሕዶም ይሰሓሓቡ። ቅዱስ ህይወት ክትሕዝ ክትፍትን ከለኻ ብኻልእ ኣንፈት ስሕበት ይስምዓካ እዩ። እዚ እዩ እምብኣር ፈተና ። ዋላ ሓደ እንተ ድኣ ዝስሕብ ዘየልቦ ኮይኑ ነቲ ገመድ በቲ ሓደ ካልእ ወገን ስሓብን ጎታትን ናይ ገመድ የልቦን።የሱስ እንተ ድኣ ዝኾነ ስሕበት ዘየተሰምዖ ኮይኑ እምብኣር ንሱ ከማና ኣይተፈተነን ክንብል ኢና ማለት እዩ። ሽዑ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሶት እዩ ዝነግር ዘሎ ክንብል ኣሎና ማለት እዩ ኣብ ማቴዎስ 4=1-10 ሰይጣን ንየሱስ ከም ዝፈተኖ ይዛረብ ከምእ'ውን ኣብ እብራውያን 4=15 ንሱ ኣብ ኩሉ ነጥቢ ልክዕ ከም ዝተፈተነ እናተዛረበ ከሎ።

እቲ ቃል " ፈተና" ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ንፈተን ሓጥያት ክትሰርሕ እዩ ዝጠቅስ።ልሙድ ድሌታት ከም ድሌታ ክንድቅስ ምድላይ ክንደክም ከለና ፈተንታት ኣይኮነን፥ኣብዚ እዚ ኣይኮነ ማለት ኣብዚ የሱስ ከምዚ ከማና ልክዕ ተፈቲኑ እዩ ክብል ከሎ።ንሱ ከማና ሓጥያት ኣይሰርሔን ። ንሱ ኣብነትና ድዩ ኣብዚ ቦት ንዓና ? እወ ንሱ ብርግጽ እዩ።ኣብ እብራውያን 2=17 ኣብ ኩሉ ነገራት ንዓና ከም ዝመሰለ ንርኢ ።ከምይ ገይርካ ከም እትሕንብስ ክምህረና ንሱ ከም መልኣኽ ምስ ክንፉ ኣይኮነን። ኣይፋሉን።ንሱ ብዘይ ክንፊ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ ምእንቲ ምሕንባስ ክምህረና ክኽእል።የሱስ ኣብ ማይ ምስ ከደ ፥ንሱ ንሕጊ ስሕበት ሲዒርዎ። መልኣኽ ኣብ ልዕሊ ማይ ሸፈፍ ኢሉ እንተ ዝኸይድ እዚ ትኣምራት ኣይምስኮነን ነይሩ።እንተ ኾነ የሱስ ንስሕበት ሲዒርዎ እዩ እዚ ኽኣ ትኣምራት እዩ ።ንሱ ንጴጥሮስ ኣብ ማይ ክኸይድ ምስ ነገሮ ፥ንሱ ብልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ልክዕ ክገብር ከም ዝኽእል እዩ ዝነገሮ፥እንተ ድኣ ጴጥሮስ ንዕኡ ኣሚንዎ። ኣቦና ኣብ ሰማይ ዘሎ ንቦኽሪ ወዱ የሱስ ኣድልዎ የብሉን። እቲ ንሱ ንየሱስ ዝገበረሉ እንተ ድኣ ኣሚናዮ ንዓናውን ክገብረልና እዩ።

የሱስ ኣብ ኩሉ ነጥቢ ተፈቲኑ እዩ ኮይኑ ግን ሓጥያት ኣይሰርሔን።ስለዚ ኣብዚ ንዓና ኣብነትና እዩ።ኣብ ዝኾነ እዋን ክንፍተን ከለና ንጎይታ ክንግሮ ንኽእል ኢና ከምዚ ብምባል " ጎይት ኣብ ገለ እዋን ግዜኻ ኣብ ምድራዊ ህይወትክ ኣብ ናዝሬት ንስኻውን ከምዚ ዝፍተኖ ዘለኹ ልክዕ ተፈቲንካ ኢኻ ርድኣኒ ከምቲ ናትክ ዝሰራሓካዮ ልክዕ ገይረ ግብረ መልሲ ክህብ" ። ተፈቲንካዶ ተስፋ ክትቆርጽ ወይ ብሓጥያት ዝመልኦ ብቑጥዔ መልሰ ተግባር ክትህብ ? የሱስ'ውን ኣብዞም ነገራት ተፈቲኑ እዩ ።ኮይኑ ግን ሓጥያት ኣይሰርሔን ።ስለዚ ናቱ ኣብነት ክትሪኢን ከምዚውን በለ " ጎይታ ክስዕበካ ይደሊ ኣለኹ "። ንሱ ነዚ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ ነቢርዎ። ስለዚ ከምቲ ናቱ ክንመላለስ ሓይሊ መንፈ ቅዱስ ክንደሊ ኣሎና።ስለዚ እዩ ክኣ እብራውያን 4=16 ከምዚ ዝብል " ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ……" እቲ ቃል "ስለዚ" ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ጥቕሲ እዩ ዝጠቅስ ብዛዕባ የሱስ ልክዕ ከማና ከም ዝተፍተነ ሓጥያት'ውን ኣይሰርሔን። ስለዚ እምብኣር ናብ ዙፋን ጸጋ ክንከይድ ከምቲ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዝኾዶን ዝተቐበሎን ልክዕ ከምኡ ዓይነት ጸጋ ንሓጥያት ክስንስዕር ዘኽእለና።

እብራውያን 4=16 ብዛዕባ ምሕረትን ጸጋን ይዛረብ ።ኣብ ሞንጎ ምሕረትን ጸጋን ፍልልይ ኣሎ።ምሕረት ምስ ዝሓለፈ ሓጥያት ዝተተሓሓዘ እዩ ብኣንጻሩ ጸጋ ምስ መጻኢ እዩ። ሽዑ ግን ኣብ መጻኢ ንሓጥያት ክንስዕር ጸጋ የድሌና ።ኣብ ትሕቲ ብሉይ ኪዳን ምሕረት ጥራይ እዩ ነይርዎም።ጸጋ ግን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብክርስቶስ የሱስ እዩ መጺኡ ( ዮው 1=17)። የሱስ ምሕረት ኣይድልዮን እዩ ንሱ ፍጹም ሓጥያት ኣይሰርሔን ።እንተ ኾነ ንሕና ክልቲኡ ምሕረትን ጸጋን የድሌና እዩ።

ኣብ እብራውያን 4=16 ተዘሪቡ ዘሎ " ኣብ ግዜ ጸበባና" እንታይ እዩ ? እዚ ምስ ተፈተንካ ማለት እዩ።ንበል ኣብ ጎቦ ትሓኩር ነይርካ ሸተት ኢልካ ኣብ ጫፍ ደንደስ በጻብዕትኻ ትሕዝ። ሒዝካ ክትጸንሕ ኣይክኣልካን ሽዑ ወዲቕካ ኽኣ ዓጽምኻ ይስበር።ሻቡ ሓገዝ ደሊኻ ትእዊ። ሽዑ ኣምቡላንስ መጺኣ ናብ ሆስፒታል ትወስደካ ይዕጽምትኻ ውን ይዕሪዎ።እዚ ምሕረት እዩ።ኮይኑ ግን ቅድሚ ምውዳቕካ ሓገዝ ደሊኻ እንተ ይእዊኻ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ሲሒቡ ኣብ ከውሒ ደው ከም እትብል ይገብረካ ፥እዚ ጸጋ እዩ።እቲ ሓቂ ግዜ ጸበባኻ ቅድሚ ምውድቕካ እዩ።ድሕሪ ምውዳቕካ ክትእዊ እቲ ዝበለጸ ካልኣይ እዩ።እቲ ዝብለጸ ግን ቅድሚ ምውዳቕካ ሓገዝ ምሕታት እዩ።መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ጸጋ እዩ ንሱ ሓጋዚ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።ንሱ ሸተት ክትብል ከለኻ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ (ክትፍተን ከለኻ ማለት እዩ)፥ቅድሚ ምውዳቕካ። መብዛሕትኦም ክርስትያናት ምውዳቕ ይቕጽሉን ምሕረት ምሕታትውን ይቕጽሉ።ይወድቁ እሞ ሽዑ ኽኣ ንኣምላኽ ይቕረ ክብለሎም ይሓትዎ።ክሓኹሩ እንደገና ይጅምሩ መሊሶም ይወድቁን ናይ ኣምብላንስ ምሕረት ሓንሳብ እንደገና ብዓይኒ ምሕረት እታ ኣምቡላንስ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ኣይትመጽእን እያ። እንተ ኾነ እዚ ኣይኮነን እቲ መንገዲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ዘዳለዎ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክትቁጣዕ ክትፍተን ከለኻ ወይ ረሳሕ ወሲባዊ ሓጥያት ክትሓስብ ርእስኻ ሸተት ኢላ ክትወድቕ ክተረኽባ ከለኻ ከምዚ ኢልካ ይእዊ " ጎይታ ሕጂ ጸጋ ሃበኒ "። ብዘይ ምውዳቕካ ሽዑ ክትግረም ኢኻ። ጸጋ ኣምላኽ ኣልዒሉ ደው ከብልካ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሮሜ 6=13 ከምዚ ይብል "ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ " ።