ቅዲ ስብከተይ

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church Leader
Article Body: 



እግዚኣብሄር፥ብዓቢ ጥበቡ"ብናይ ስብከት ዕሽነት" (1ቆሮ1=21) ንሱ ሰባት ከድሕን ወሲኑ እዩ።በዚ ኽኣ ምስባኽ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እቲ ዓበዪ ዕዮ ዝኾነ ወዲ ሰብ ክሳተፎ ዝኽእል እዩ እግዚኣብሄር ናብዚ ኣገልግሎት ስለ ዝጸውዓኒ ዓቢ ክብሪ ይስምዓኒ።እንተ ኾነ ምስባኽ 'ውን እቲ ሓደ ኣገልግሎት ኣዚዩ ብዙሕ ብዘይግቡእ ብብዙሓት ገንዘብ ዘፍቅሩ ሰበኽትን መታለልትን ብዘይግቡእ ተጠቂመምሉ እዮም።

ብሙልእ ልብና ንውህበት ትንቢት ክንደሊ ተኣዚዝና ኢና ፥እቲ ብኸምዚ ዓይነት ናይ ምስባኽ ውህበት ንምምዓድ ንምህናጽ ንምጽንናዕ ይጠቅም 1ቆሮ 14=1.3። ስለዚ ሽዑ ንሽዑ ብማይ ምስ ተጠመቕኩ ነዚ ውህበት ክደሊዮ ጀሚረ ። ከምእውን እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ቀብኣኒ ፥ንሱ ነዚ ውህበትውን ሂቡኒ።ኣብ መጀመሪያ ይፍተን ነይረ እየ ንሰባት ክምስጦም ክፍትን ብስበከተይ ብስሚዒት ከንቀሳቕሶም።ግናኸ ሓደ ምዓልቲ ጎይታ ሓቲትኒ"ንሰባት ክትሕግዞም ዲኻ እትደሊ ወይስ ክትምስጦም "ብምባል፥ ክሕግዞም እየ ዝደሊ ኽኣ በልክዎ። ሽዑ ጎይታ ከምዚ በለኒ " ቀጺሉ ክትምስጦም ኣይትፈትን በለኒ "። እቲ ፈተና ንሰባት ክትምስጦም ምድላይ ክትስዕሮ ቀሊል ኣይኮነን፥ እንተ ኾነ ኣንጻሩ ተቓሊሰን ቀስ ብቐስ ክኣ ሲዒረዮ።

ነፍሲ ወከፍ ሰባኺ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝተፈለየ ቅዲ ኣሰባብኻ ኣለዎ።፡መብዛሕትኦም ናይ ህንዲ ሰበኽቲ ንናይ ኣሜሪካ ካሪዛማትኪ ሰበኽቲ እዮም ዝቐድሕዎም። እቲ ዝበለጸ ነገር ንዓይ ዓይነት ቅዲ ኣሰባብኻ ከም ናይ የሱስ ስብከት ክኸውን ወሲነ። ስለዚ እቲ መንገዲ ስብከት የሱስ ኣጽኒዔ።

•እቲ መጀመሪያ ዝርኣኽዎ ብዛዕባ የሱስ ንሱ ድሮ ዝተለማመዶ ጥራይ ይሰብኽ ነይሩ።

ንሱ ቅድም ይገብር ይሰርሕን ሽዑ ኽኣ ይምህር ነይሩ (ግብ 1=1)።ስለዚ ስብከቱ ኩሉ ግዜ ኣብ ተግባር ዝውዕል ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ "ትንቢት እንተ ኾነ ብልክዕ እምነትና ይኹን " (ሮሜ 12=6) ኢሉ ከም ዝእዝዘኒ ይፈልጥ እየ ብኻልእ ቃላት ፥ጥራይ ደረጃ መንፈሳዊ ተመኩረይ ማለት እዩ። ኮይኑ ግን ኣብዚ ወዲቐ ፥ምኽንያቱ ወዲቐን ግዳይ ፈተና ንሰባት ክምስጥ ኮይነ።ስለዚ ንገለ ዓመታት ኣብ ኩነት ምዝሓጥ ንድሕሪት ምኻድ ወዲኤ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንዓይ ብምሕረት ዝተመልኤ ነይሩን ብመንፈስ ቅዱስ እንደገና መሊኡኒ ኣብ ጥሪ 1975 ዳግም ይሕዲስኒ።ሽዑ ወሲነ እቲ ዝሰብኮ ድሮ ዝተለማመድክዎን ዝተመኮርክዎን ጥራይ ክኸውን ፥ወይ ብውሕዱ ኽኣ እቲ ብዕቱብ ዝደልዮ ዘለኹ። እግዚኣብሄር ሽዑ ብዝተፈላለየ መከራ ወሲድኒ ምኽንያቱ መንገድታቱ ክምህረንን ኣብ ከቢድ ኩነታት ክኣ ክእመኖን። ከምዚ ኢሉ ድማ ብእምነትን ጥበብን ዓቤ -ከምእውን ነዚ እምነትን ጥበብን ንኻልኦት ብስብከተይ ገይረ ክሕልፎ ክኢለ።

•ካልኣይ ፥የሱስ ኩለ ግዜ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይሰብኽ ነይሩ።

ንሱ ምስ ክልተ ደቂመዛሙርቲ ኣብ ኤማውስ ክኸይድ ከሎ፥ክልተ ስዓት ሰቢኽሎምን ኣብዘን ክልተ ስዓት ክኣ ልቦም ነዲድዎም።ነዚ ኣብነት ኣብ ቅድመይ ኣቕሚጠዮን ኩሉ ግዜ ከምዚ ክሰብኽ ክኣ ደሌ። እግሪ ናይ ደርሆ ካብ ፍሪጅ ዝወጸት ሽውሃትካ ትኸፍት ኣይኮነትን። ግናኸ እታ እግሪ ደርሆ ኣብ ሓዊ በሲላ ጸብሒ እንተ ተሰሪሓ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍ ማይ ከም ዝመልእ እያ እትገብር። እዚ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ዝሑል ሓቅን እቲ ሓደ ዓይነት ሓቂ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ክስበኽ ከሎን እዩ።ቃል ዘረባ ኣብ ምቅባእ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝምርኮስ፥ ስለዚ በዚ ምኽንያት ቀዳምነት ኣብ ኩሉ ስብከተይ ኮይኑ።ኣብ ኩሉ እዋን ክዛረብ ከለኹ ኣብ እግዚኣብሄር ይሙርኮስ ክቐብኣኒ ፥እዚ ኽኣ ቃላተይ ንልቢ ሰባት ምእንቲ ከቃጻጽል እዩ።

•ሳልሳይ ፥የሱስ ቀዳምነት ንስምዒቶም ዘይኮነስ ንኣእምሮ ሰባት እዩ ዝዛረብ ነይሩ

ስብከቱ ንሰባት ይብድህን ይረትዕን ንእምነትን ምእዛዝን የላዓዕልን ነይሩ። ንሱ ሎሚ ከምቲ ብዙሓት ሰበኽቲ ዝገብርዎ ፍጹም ንስሚዒቶም ኣይተሳስእን እዩ። ንእግዚኣብሄር ብሙሉእ ልብናን ሓሳብና ከነፍቅሮ ተነጊርና እዩ። ኣነ ይስምዓኒ ኩሉ መልእኽትታተይ ልክዕ ከም ዝተኸሸነ መግቢ ክልቲኡ ንጥዕና ዝጠቅምን ጥዑምን ክኸውን ከም ዘለዎ ! ስለዚ ኣብ ምቕራብ ስብከተይ ብዙሕ ቃንዛ ክወስድ ኣድሊዩኒ ካብ ዝኾነት ሰበይቲ ገዛ ከቶ ጽብቕ መግቢ ክትሰርሕ እተዳልዎ ንላዕሊ።ንፍዕቲ ሰበይቲ ገዛ ብዝስሕብ መንገዲገይራ እያ ንምግባ እተቕምጦን እትሰርዖን፥ ከምእ'ውን ንዓይ ንሓሳባተይ ብንጹር ክሰርዕ ኣድሊኒ፥ቅድሚ ምስባኸይ። ብዙሓት ሰበኽቲ ነዚ ኣይገብርዎን እዮም-ከምእ'ውን ኣብ ስብከቶም ከሎለል እናበሉ ግዜ ናይ ሰባት እናቃጸሉ ይውድኡ። እግዚኣብሄር ናይ ስርዓት ኣምላኽ እዩ (1 ቆሮ 14=33,40) - መልእኽቲ ስርዓት ብዝሓዘን ብዝርዳእን መንገዲ ክቐርብ ከሎ ንሱ ይኸብር እዩ።

•ራብዓይ፥ የሱስ ልክዕ ቃል ንነፍሲ ወከፍ ኩነትን ኣጋጣምን ነይርዎ

ብኽልተ ምኽንያታት ፥ንሱ ከየቛረጸ ንኣቡኡ ይሰምዕን (ኢሳ 50=4) ከምእ'ውን ንሱ ዓቢ ፍቕሪ ንሰባት ነይርዎ።ስለዚ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ትርፊ ግዜይ ንሓሳብ እግዚኣብሄር ብልክዕ ክፈልጦ ኣጽንዔ። ንቁዱሳት ጹሑፋት ክትርዳእ ፥ብዙሓት ሰበኽቲ ሂብሪውን ግሪኽን የጽንዑ።፡ኮይኑ ግን ንዓይ ፍልጠት ናይ እዞም ቋንቋታት ከም ዘይድሌኒ ሪኤ፥ግናኸ ምግላጽ ናይ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘድሌኒ ስልው ጽሓፊ ናይ'ቲ ቃል ዝኾነ። መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ድንቅን ክብሪ ዝመልኦ ሓቅታት ካብ ቃሉ ኣነ ካብ ዝኾነ ሰብ ሰሚዔዮ ዘይፈልጥ ሚሂርኒ።እዞም ሓቅታት ምስ ኣምላኽ ጠቢቐ ክመላለስ ሓጊዞሙኒ ከምእ'ውን ካብ ምትላልን ዝተመስረሔን ሎሚ ናብ ቤተ ክርስትያን ዝውሕዙ ዘለዉ ኣድሒኑኒ።እቲ መንፈስ ሽዑ እዞም ሓቅታት ንኻልኡት ክምህር ኣኽኢሉኒ።መንፈስ ቅዱስ ተወሳኺ ንልበይ ብፍቅሪ ብድንጋጸን ንህዝቡ መሊእዎ (ሮሜ 5=5)። ከምዚ ኢሉ ኽኣ ኣገልግሎተይ ቀስ ብቐስ ሓደ ናይ ምጽንናዕን ዝረትዕን ኮይኑ ፥ ግዳ ሓደ ሕጋዊ- ባህሪ ኩኔነ ዘለዎ ኣይኮነን።

•ሓሙሻይ ፥ናይ የሱስ ስብከት ኩሉ ግዜ ኣቓልቦ ዝስሕብን መሳጥን እዩ ነይሩ - ግዳ ፍጹም ኣሰልቻዊ ኣይነበረን።

ናይ ሰባት ግዜ ምብኻን ሓጥያት እዩ። መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ብንጹር ኣይርድእዎን እዮም እቲ ናይ ሰባት ግዜ ምስራቕ ልክዕ ከም ገንዘቦም ምስራቕ ሙኳኑ ።ን 200 ሰባት ንኣምልኾ ዝተኣከቡ እንተ ድኣ ን15 ደቓይቕ ጥራይ ኣሰልቺናዮም ፥በዚ ድማ 50 ናይ ሰብ- ስዓታት ካብ ግዚኦም ዘሚትና ኣሎና ማለት እዩ።ማእከላይ ደሞዞም 50 ሩቢ ንስዓት እንተ ነይሩ ኣብዘን 15 ደቓይቕ 2500 ሩቢ ካብኦም ሰሪቕና ኣሎና ማለት እዩ ። ስለዚ ናብ እግዚኣብሄር ጸልየ ንሱ ክሕግዘኒ ብመሳጥን ኣቓልቦ ዝስሕብ መንገድን ክሰብኽ። ከምእውን ዋላ ንሓደ ሰብ ከይሰልቹ ። ኣብቲ ናይ ቅድም ምዓልታት ንሓጺር እዋን ናይ ግዚው ጥራይ እየ ነዚ ኽገብሮ ዝኽእል ነይረ።ስለዚ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ይዛረብ ነይረ። ብፍልጠት ጎይታ እናዓበኹ ምስ ከድኩ ንነዊሕ እዋን ናይ ግዜ ክዛረብ ኪኢለ።

•ሻድሻይ ፥ የሱስ ብዙሕ ቀሊል መረዳእታታት ንመልእኽቱ ንጹር ክገብር ተጠቒሙ ።

ንሱ ብዛዕባ እንጀራ፥ዓሳታት፥ ኣእዕዋፍ፥ ኣእዋም፥ ዕንበባታት፥ ሉላት፥ሓረስቶት፥ህንጻታት፥ወ.ዘ ተ። ቀሊል መረዳእታቱ ነቲ ብዛዕባ ዓሚቑ ሓቅታቱ ዝተዛረቦ ንኽትርድኦ ኣዚዩ ቀሊል ገይርዎ። ብዝተሓላለኸ መረዳእት ብልሕታት ጥራይ ክርድእዎ ዝኽእል ተጠቂሙ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ስም ክረክብ ኣይደለይን ።ኣብዚ'ውን ኣብነት የሱስ ክስዕብ ደለኹ። ኣብ ገለ እዋን ሒደት ዝተምሃሩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ይርኢ ብናቶም ደረጃ ኽኣ ይዛረብ። ሽዑ እቲ መልእኽቲ ዝኾነ ክርድኦ ከም ዝኽእል ኮይኑ ይረኽቦ።ድሕሪ ስብከተይ ንኣሽቱ ቆልዑት እቲ ዝበልክዎ ተረዲእዎም እንተ ኾይኑ ይሓቶም።እንተ ድኣ ዘይተርዲእዎም ፥ሻቡ ስብከተይ ገና ዝያዳ ቀሊል ክኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጥ።

•ሻብዓይ፥ የሱስ ብዙሕ ዘደስት ኣብ ገለ እዋን ክኣ ምግናን ተጠቒሙ እዩ።

ንሱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ፥ቃርማ ምጽራይን ግመል ምውሓጥን ፥እቶም ጉንዲ ኣብ ይዒንቶም ከለዎም ቁልዒ ኣብ ይዒንቲ ካልኡት ዝርኢዩ -ግዳ በዚ ንሱ ግብዝናን መንፈሳዊ ትዕቢትን ኣቃሊዕዎም።ዋዛ ንመልእኽቲ ጉሉሕን መሳጣን ይገበሮ፥ልክዕ ከምቲ ቀመማት ንመግቢ ጣዕሚ ክውስኽሉ ዝኽእሉ።ገለ ሰበኽቲ እንተ ኾነ በዚ ኣዚዮም ካብ ልክዕ ዝሓለፉ ይኸዱን፥ ኩሉ ግዜ ንሰባት ከስሕቑ ይፍቱኑ ፥ጥራይ ብዋዛ ዝና ክረኸቡ ኢሎም። ከም እዚኦም ዓይነት ሰበኽቲ ከም ቅርዓት ምርኢት መስሓቓት ይኾኑ ! ኣብ መልእኽተይ ንሰባት ከዛናግዕ ኢለ ፍጹም ዋዛ ኣይጥቐምን እየ -ግናኸ ኣብ እዋን ነዊሕ መልእኽቲ ጥራይ ብጽሞና ክጸንሑ ንምግባር ወይ ነጥቢ ናብ መንበሪ ገዛ ንምምራሕ።

•ሻሙናይ፥ የሱስ ንመልእኽቱ ብዙሕ ግዜ ይደግሞ ነይሩ።

ንሱ ክብሪ ኣይደለየን እቲ ሓደ ዝረኽቦ ፥ሓደ ነገር ሓድሽ ወይ ቀንጠመንጢ ዘለዎ ግን ደስ ዝብል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ።ቅድሚ ብእኡ ዝተትሓዙ ሙኳኖም ሰባት ሓደ ዓይነት ሓቂ ብዙሕ ግዜ ክሰምዑ የድሊዮም እዩ። ስለዚ ኣነ ወሲነ እየ ንሰባት ክምስጦም ኢለ ከይፍትን ገለ ነገር ሓድሽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ብምስባኸይ ፥ግናኸ ብዙሕ ግዜ መልእኽቲ ይደግሞ ክሳብ ሰባት በቲ ሓቂ ዝትሓዙ። ኮይኑ ግን ነፍሲ ወከፍ ግዜ መልእኽተይ ክደግም ከለኹ ብትኩስ መንገዲ ከቕርቦ ይደሊ፥ከም መጠን መንፈስ ቅዱስ ዝመርሓኒ።

•ታሽዓይ ፥ የሱስ ብዘይ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ይዛረብ ነይሩ።

እዚ ንምኽንያት ምስ ኣቦ ኣዚዩ ጥቡቕን ዓሚቑን ይመላለስ ስለ ዝነበረ ፥መንፈስ ቅዱስ ቃላት ክዛረብ ክኣ ይህቦ ነይሩ፥ዋላ ንሱ ኣብ ዝሰብከሉ ዝነበረ ግዜ።መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ከምዚ ክዛረቡ ኣይክእሉን እዮም ፥ምኽንያቱ ምስ እግዚኣብሄር ኣዚዩ ብጥቡቕ ስለ ዘይመላለሱ እዮም።ከምኡ ስለ ዝኾነ ን 99% ሰበኽቲ ንመልእኽቶም ተጠንቂቖም መዘኻኸሪ ጽሑፍ ክሕዙ እቲ ዝበለጸ እዩ ።እንተ ድኣ ውጺኢታዊ ስብከት ደልዮም።እዚ እዩ ከመይ ቅድም ዝጀመርኩ።እንተ ኾነ ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ ዋላ ሓንቲ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ከይተጠቀምኩ ይዛረብ። ግናኸ ምጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረበ ከለኹ፥ገና ንእሽተይ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ይጥቀምን እቶም ጥቕስታት ይጽሕፎምን በዚ ኽኣ ዝኾነ ነጥቢ ኣይርስዕን እየ።ሰለዚ ባሪያ ናይ መዘኻኸሪ ምጽሓፍ ወይ ዘይምጽሓፍ ኣይኮንኩን።ካብ እዞም ኣገባባት ሓደ ካብቲ ሓደ ዝያዳ መንፈሳዊ ስለ ዘይኮነ።ዝኾነ ሰብ ብዘይ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ውጽኢታዊ ዘረባ ክዛረብ እንተ ደሊዩ ~

1 .ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ንቡዙሕ ዓመታት ዝተመላለሰ ክኸውን ኣለዎ በዚ ምኽንያት ክኣ ንሱ ካብ ህይወት ተሞኩርኡ ክዛረብ ይኽእል እዩ።

2 .ንሱ ኣብ ትሕቲ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ክነብር ኣለዎ ከምእውን ልዕለ ተፈጥሮ ውህበት ትንቢት ክህልዎ ኣለዎ።

3 .ንሱ መጽሓፍ ቅዱስ ጽብቕ ገይሩ ክፈልጥ ኣለዎ፥ስለዚ ድማ ብዝኾነ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዝምህር ይፈልጥ እዩ ንሱ።

4 .ንሱ ጽብቕ ናይ ምዝካር ዓቕሚ ክህልዋ ኣለዎ ፥ ስለዚ ድማ ይፈልጥ እዩ ማይ ዝኾነ ኣርእስቲ ጥቕሲ ኣበይ ከም ዝርከብ።

5 .ንሱ ጽብቕ ርክብ ምግባር ክእለት ክህልዎ ኣለዎ በዚ ድማ ንሱ ናይ ሰባት ኣቓልቦ ንብሙሉኡ ንውሓት መልእክቱ ክሕዞም ይኽእል እዩ።

ዝኾነ ሰብ ኩሎም እዚኣም ብቕዓት እንተ ድኣ ዘይብሉ ፥ሻቡ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ክጥቀም እቲ ዝበለጸ እዩ።

•መወዳእታ ፥የሱስ ክሰብኽ ከሎ ፍጹም ኣይጭድርን ነይሩ (ማቴ 12=19) ፥ ከምእ'ውን ኣብ መልእኽቱ እናሓለፈ "ሃለ ሉያ" ኣይብልን ነይሩ ። ኣብዚውን ኣብነት የሱስ ሲዒበ ። ሰበኽቲ ኣብ ስብከቶም ዝጭድሩ ፥መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን፥ግናኸ ነፍሳዊ ፈተነታት ንሰባት ንሙቁጻጽር ናብ ዝደለይዎ ንምጥዋይን እቲ "ሃለ ሉያ " ኦም ክኣ ጥራይ ልምዲ ወይ ክኣ"ግዜ መምልኢ" ብድሕሪኡ እንታይ ክብሉ ከም ዘለዎም ክሓስቡ ከለዉ እዩ!

ኣብ ስብከተይ ፥ንሰባት ናብ ምእዛዝ ቃል እግዚኣብሄር ክመጹን ምዓልታዊ መስቀሎም ክጾሩን ንየሱስ ክስዕቡን ደለኹ -ከምእውን ንሓጺር ግዜ ብስሚዒት ከንቀሳቕሶም ኣይኮነን።ሽቶ ናይ ስብከተይ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ሙሉእ ገይረ ከቕርብ እዩ" (ቆሎ 1=28,29 ፥ 1ጢሞ 1=5)።