ምእዛዝ ንህይወትካ ክብሪ ዝመልኦ ክገብሮ እዩ

Written by :   Zac Poonen Categories :   Devotion to Christ
Article Body: 

ህይወይ የሱስ እቲ ዝጸበቐ ፥እቲ ስርዓት ዘለዎ፥እቲ ሰላም ዝመልኦ እቲ ሕጉስ ህይወት እዛ ዓለም ፍጹም ሪእያቶ ዘይትፈልጥ ነይሩ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ክኣ ሙሉ ብሙሉእ ንቃል ኣምላኽ ብምእዛዙ እዩ።

ኣብ ግምት ይእትው ኣብ ኣካላዊ ኣጽናፍ ጠፈር። ከዋኽብትን ፕላኔታትን ኣብ ሰማያት ፍጹም ዝኾነ ዓይነት ስርዓት ይንቀሳቐሱ፥በዚ ኽኣ ግዜ ክንመልእ ንኽእል ብልክዕ ንሚሊዮናት ካልኢት ብእኦም።ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተኣማማኒ ተመራመርቲ ስነ ከኾብ ናይ ዝኾነ ኮኾብ ወይ ፕላኔት ቦትኡ ክቕምርዎ ይኽእሉ እዮም ኣብ መጻኢ።እንታይ እዩ እቲ ምስጥር ከምዚ ዓይነት ፍጹም ዝኾነ ስርዓት ? ሓደ ነገር ጥራይ እዩ።ንፍቓድ ኣምላኽ ብልክዕ ይእዘዙ እዮም፥ኣብ ዝተነበረለም ዓንኬሎም መዖዲ ብምዛርን ብፈጣሪኦም ዝተዳለዎሎም በቲ መጠን ፍጥነትን።

ኣብ ዝኾነ ቦታ ምእዛዝ ንኣምላኽ ዘለዎ ፥ጽብቕን ፍጽምናን ኣሎ።ከምእ'ውን ኣብ ዝኾነ ቦታ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ እንተ ሃሊዩ ሕንፍሽፍሽን ግናይነትን ኣሎ።

ዋላ እኳ ከዋኽብቲ ዘይዛረቡ ምስክር እዮም ፥ነቲ ሓቂ ትእዛዛት ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ንዓና ትእዛዛቱ'ውን ከቢድ ጾር ዘይሙኳኑን።

ህይወት የሱስ ምስክርነት ይህብ እዩ ነቲ ሓቂ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ጥራይ ካብ ኩሉ ነገር ረብሓ እዩ ንኽልቲኡ ኣብዛ ህይወትን ኣብ እትመጽን (1 ጢሞ 4=8) ዝኾነ ሰብ ዝያዳ ሕጉስ ፥ዝያዳ ሰላም ዝመልኦ ወይ ብዘለዎ ዝዓግብ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ንላዕሊ።

"ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ" (ምሳ 14=27) የሱስ ነዚ ከምዚ ዝብል ትእዛዝ ተኣዚዝዎ እዩ "ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ" (ምሳ 23=17)።

እግዚኣብሄር ጸሎቱ ሰሚዒዎ እዩ ብምኽንያት ብዝነበሮ ፍርሃት ኣምላኽ (ዕብ 5=7) ሰማይ ኣብ ልዕሊ የሱስ ኩሉ ግዜ ክፉት እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ብፍርሃት ኣምላኽ እዩ ዝነብር ነይሩ "ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር….."(ዮው 8=49) ንሱ ሓደ እዋን ኢሉ።ንሱ ብህይወቱ ገሊጽዎ እዩ እቲ ሓቂ ቃል ከምዚ ዝብል "መጀመርታ ጥበብ ፍርሃት ኣምላኽ እዩ" ( ምሳ 9=10)።