ፍጹም ሙሉኡ ዝኾነ ምሕረት

Written by :   Zac Poonen Categories :   Knowing God Foundational Truth
Article Body: 

መጽሓፍ ቅዱስ ብደም የሱስ ክርስቶስ ከም ዝጸደቕና ይዛረብ (ሮሜ 5=9) እግዚኣብሄር ከንጽሃና ከሎ ንሱ የጽድቐና'ውን እዩ።እቲ ቃል "ጻድቕ" ማለት " እዚ ልክዕ በቃ ከም ሓጥያት ዘይገበርኩ ኣብ ህይወተይ ሕጂ ኽኣ ፍጹም ብዝኾነ ጻድቕ እየ ማለት እዩ " ከመይ ድንቂ እዩ ! ሓጥያትና ከም ልክዕ ኣብ ሰሌዳ ብዙሕ ቃላት ዝተጽሓፈ ገይርና ክንስእል ንኽእል ኢና ሕጂ እቲ ሰሌዳ ብርሑስ ጨርቂ ተወልዊሉ እዩ ።ሕጂ ኣብቲ ሰሌዳ ምስ ርኣኻ እንታይ ትሪኢ ኣለኻ ? ዋላ ሓንቲ ።እዚ ልክዕ ከም ፍጹም ዝኾነ ግዜ ከም ዘይተጽሓፈሉ እዩ።እዚ እዩ ኽኣ ከመይ ደም የሱስ ክርስቶስ ፍጹም ብዝኾነን ሙሉእ ብሙሉኡን ዘንጸሃና።

እንተ ድኣ ብሓቂ ሓጥያትና ናብ ኣምላኽ ተነሲሕና ሽዑ ሓንሳብ ምስ ተነስሕና እኹል እዩ።እግዚኣብሄር ብኡ ንቡኡ እዩ ዝድምስሶ። ከምእ'ውን ተስፍኡ እዚ እዩ "ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ" (እብ 12=11) እንታይ ዓይነት ዕረፍቲ እዩ ናብ ልብና ዝመጻእ ብሓቂ ከም ዝተምሓርናን ነቲ ሓጥያት ደጊምና ደጋጊምና ክንሳሕ ከም ዘይድሌና እዚ ምስ ተረድኣናዮ።ክውስኽ ኣፍቁዱለይ ክንጽሊይ ከለና እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ "ሓጥያትና ይቕረ በለልና" ንጹር ምግባር።ብዙሓት ሰባት ሓፈሻዊ ጸሎት እዮም ዝጽልዩ። "ጎይታ ብዙሕ ሓጥያት ሰሪሔ ክኸውን ይኽእል እዩ " እዚ ማለት ርግጸኛታት ኣይኮኑን ፥ከምዚ ክትንሳሕ ዝጠቅም ኣይኮነን ምኽንያቱ ምናልባት'ውን ከም ሓጥያት ዘይሰራሕኻ ኢኻ ኣፋፍኖት ትህብ ዘለኻ! እቲ ዝበለጸ ፍሉዩን ንጹሩን ከምእ'ውን ከምዚ ክትብል ኣለካ "ጎይታ እዚ ሓጥያት እዩ ፥ኣንጻር እቲ ሰብ ቂምታ ኣሎኒ ፥ነዚ ሰብ ምሕረት ኣይገበርኩሉን ፥በዚ ሰብ ይቐንእ ነይረ እየ ፥ሓቐናይ እዚ ነገር ክገብር ከለኹ ምሉእ ብምሉእ ብነፍሰ ፍትወት እዩ፥እዚ ነገር ንኽብሪ ርእሰይ እየ ገይረዮ " ቅኑዕ ክተከውን ኣለካ። ከምእ'ውን ድሕሪ ኩሉ እንፈልጦ ሓጥያትና ምንሳሕና ገና ከም ናይ ዳዊት ክንጽሊ ኣሎና "ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ" (መ.ዳዊት 19=12)።ምኽንያቱ ንሕና ዘይንፈልጦ ሓጥያት ሰሪሕና ኢና።እዚ ልመና ንይቕሬታ ሓደ ኣዚዩ ኣገዳሲ ልመና ጎይታና የሱስ ኣብ መወዳእታ ጸሎቱ ዝደገማ እዩ።ኣስተውዒልካሉ ኣለኻ'ዶ ? ካብ ሽዱሽተ ልመና ኣብዚ ጸሎት የሱስ ጸቒጡ ዝተዛረበሉ ኣብ መወዳእታ ጸሎቱ ሓደ ፍሉይ ኣሎ።ንሱ ከምዚ ኢሉ "ንሰባት በደሎም እንተሓዲግናሎም ሰምያዊ ኣቦና'ውን በደልና ክሓድገልና እዩ ግናኸ ንሰባት በደሎም እንተ ዘይሓዲግናሎም ሰምያዊ ኣቦና በደልና ኣይሓድገልናን እዩ" (ማቴ 6=14,15) ።ብዙሓት ክርስትያናት ተሓጊሶም ብምልኣት ነጻ ኮይኖም ምስ ኣምላኽ ሕብረት የብሎሙን።ምኽንያቱ ነዚ ልመና ብዕቱብ ኣይወስድዎን።

የሱስ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ንጉስ መዝገብ ኣገልገልቱ ፈቲሹ ሓደ ምዓልቲ ንሓደ 40 ሚሊዮን ሩቢ ከም ዝእውዶ ፈለጠ።

የግዳ እቲ ኣገልጋሊ ከምዚ ምስ በለ "እቲ ገንዘብ ኣይረኸብኩን በጃኻ ምሓረኒ" እቲ ንጉስ ሙሉእ ብሙሉእ ሚሕርዎ።እዚ ሰብኣይ ወጺዩ ንሓደ ሰብኣይ 40 ሩቢ ዝእውዶ ረኸበ ብግሮሩኡ ሒዙ ከሲሱ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ይእተዎ። እዚ ነገር እቲ ንጉስ ምስ ሰምዔ ንሱ ነቲ ምሕረት ዘይገብር ኣገልጋሊ ሰብኣይ ጸዊዑ በሎ " ኣነ 40 ሚሊዮን

ሩቢ ብነጻ ምሕረት ገይረልካ 40 ሩቢ ነቲ ሰብኣይ ክትምሕሮ ኣይትኽእልን ? ከምእ'ውን ንሱ ነቶም ዘሳቕዩ ይሕሊፉ ሃቦ፥ሽዑ የሱስ በለ " እንተ ድኣ ነፍሲ ወከፍኩም ንሓው ካብ ልቡ ይቕረ እንተ ዘይገይርሉ ናይ ሰማይ ኣቦይ ከምእ'ውን ንዓኹም ክገብረኩም እዩ" (ማቴ 18=35) እቶም ኣሳቐይቲ እኩያት መናፍስቲ ንዓና ቅሳነት ክኸልኡና ዝተፈቐደሎም ክሳብ ንኻልኦት ምሕረት ምግባር ንምሃር እዩ።የሱስ እዚ ምሳሌ ተጠቒሙ እዩ ኣረዲኡ ክሳብ ክንደይ ዕዳ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደገልና ክንደይ ምሕረት ኣልቦን ክፉኡን እዩ ንዓና ንዝጎድኡና ምሕረት ዘይምግባር።

ሓደ ሰብ ዝጎድኣካ ኣሎ'ዶ ? ምናልባት ሓደ ናይ ሓሶት ወረ ብዛዕባኻ ዘርጊሑ ይኸውን።ምናልባት ጎሮቤትካ ወይ ሰበይትኻ ወይ ኣቦኻ ወይ ሰበይቲ ኣቦኻ ገለ ጎዲኦምኻ ይኾኑ።ምናልባት ብገለ መንገዲ ህይወትካ ኣባላሼሞ ይኾኑ ።ምናልባት እቲ መጥባሕቲ ዝገበረልካ ዶክተር ጌጋ ገይሩ ዘይንገር ቃንዛ ዘሰዓበልካ ።ኮይኑ ግን ጎይታ በለ እዚ ኩሉ ሓጥያታት ብሓንሳብ ተደሚሩ ኣዚዩ ንእሽተይ እዩ ምስቲ ምስ ኣምላኽ ዘለካ ዕዳን፥እቲ ይቕረ ዝበለልካን ክነጻጸር ከሎ።ስለዚ ፍጹም ምኽንያት የልቦን ስለ ምንታይ ንኻልኡት ንኹሎም እዞም ስባት ይቕረ ክትብል ብነጻ ዘይምኽኣልካ።እቲ ኣገዳሲ ክፋል ማቴዎስ 18= 35 " ካብ ልብኻ እዩ። ንብጾትካ ይቕረ ክትብል እንተ ድኣ ዘይፈቒድካ ፥ግዜኻ ኣይተባኽን ናብ ኣምላኽ መጺኢኻ ከም'ዚ ክትብል "ሓጥያትና ሕደገለና" ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጸሎትካ ኣይሰምዖን እዩ።እንተ ድኣ ሓንቲ ነፍሲ ኣብ ብዘላ ዓለም ምሕረት ዘይገበርካላ እንተ ሃሊያ ፥ገዛ ርእስኻ ምሕረት ኣግበረልካን እዩ ንዘልኣለም ክኣ ክጠፍእ ኢኻ-ምኽንያቱ ምሕረት ዘይተገበረሉ ነፍሲ ፍጹም ናብ ህላወ እግዚኣብሄር ክኣቱ ኣይክእል እዩ።እዚ ኣዚዩ ብዙሕ ካብቲ እንርድኦ ንላዕሊ ከቢድ እዩ።

እቲ ጸሎት ከምዚ እዩ " ከምቲ በደሎም ዝሓደግናሎም ሎሚ ብደልና ሕደገልና " እግዚኣብሄር ከመይ ንኻልኡት በደሎም ከም ዝሓደግናሎም ልክዕ እዩ ዝርኢ። የሱስ ሚሂሩ እዩ እግዚኣብሄር ከምቲ ንኻልኦት ይቕረ ዝበልናሎም ልክዕ መጠን እዩ ዝህበና።ንሱ በለ እግዚኣብሄር ከምቲ ንኻልኡት ክንህብ ዝሰፈርንናሉ ልክዕ ከምእ እዩ ዝህበና ። እዚ ማለት እንተ ድኣ ንኻልኡት ክትህብ ከለኻ ብእሽተይ ማንካ ተጠቂምካ እግዚኣብሄር ጸሎትካ ክምልስ ከሎ ልክዕ ሓደ ዓይነት ንስኻ ዝተጠቀምካሉ ንእሽተይ ማንካ ገይሩ እዩ።ስለዚ ንሓደ ዓብይ ሓይል ነገር ካብ ኣምላኽ ክንረክብ ኢልና ክንጽሊ ከልና እግዚኣብሄር ንእሽተይ ማንካ ወሲዱ ንእሽተይ ጥራይ ይህበና፥እቲ ምኽንያት ክኣ ንኻልኡት ክንህብ ከሎና ዝተጠቀምናሉ ሓደ ዓይነት ማንካ እዩ።ብመጠን ዓቢ ማንካ ተጠቂምና ንኻልኡት ዝሃብናዮም ፥እግዚኣብሄር ክህበና ከሎ ዓቢ ማንካ ክጥቀም እዩ።እግዚኣብሄር ምስና ኣብ ዝገብሮ ርክብ እዚ ዘቅይረ መምርሒ እዩ።

"ምሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹዓን እዮም " (ማቴ 5=7) ንኻልኡት ዝያዳ ምሕረት ሙሉእ ብዝግበርካሉ መጠን እግዚኣብሄር ኣብ ምዓልቲ ፍርዲ ዝያዳ ንዓኻ ብምሕረት ሙሉእ ክኸውን እዩ ። ኮይኑ ግን "ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ" (ያዕ 2=13-14) ከምእ'ውን ንኻልኦት ብመንገዲ ብቂ በደሎም እንተ ሓዲግናሎም፥እግዚእብሄር ልክዕ ብኸምዚ ናትካ መንገዲ ብደልካ ክሓድገልካ እዩ። ግናኸ ነቶም ዝጎድኡኻ ምውቕ ብደሎም ከም ዝሓደካሎም ትርኢት እንተ ሂብካዮም ፥እግዚኣብሄር ምውቕ በደል ከም ዝሓደገልካ ትርኢት ክህበካ እዩ። እግዚኣብሄር ከምቲ ንኻልኡት እትሕዞም ገይሩ ክሕዘካ እዩ።

የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ውህበታትካ ናብ መሰውኢ ከተምጽእ ከለኻ። ናብ እግዚኣብሄር ክትጽሊ ክትመጻ ከለኻ ወይ ገንዘብ ኣብ ሳጹን ምጽዋት ከተቐምጥ ሽዑ ሓውኻ ከም ዝጎዳእካዮ ዘክር "መጀመሪያ ምስ ሓውኻ ተዓረቕን ድሓር ምጽዋታትካ ኣምጽእ" (ማቴ 5=22-24) እንተ ዘይኮይኑ እግዚኣብሄር ገንዘብካ ጸሎትካ ኣይቅበሎን እዩ። ናይ ብሉይ ኪዳን መለክዒ ከምዚ ዝብል ጥራይ ነይሩ "ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ " (ዘሌ 19=18)። እዚ ክትሕልዎ ቀሊል እዩ።ኮይኑ ግን መለኪዒ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዝልዓለ እዩ።የሱስ ከምዚ በለ " እንተ ድኣ ንሓውኻ በዲልካዮ ከይድካ ተዓረቆ " ።ልክዕ እዩ ይሕዋት ኩሉ ግዜ ክህልዉ እዮም ዋላ ሓንቲ በደል ዘይብልና ብገለ ነገር ኣንጻርና ክኾኑ እዮም።የሱስን ሓዋርያትን ብዙሓት ጸላኢት ነይሮሞም ምኽንያቱ ኽኣ ንሓቂ ደው ስለ ዝበሉ እዮም።ኮይኑ ግን ኣብዚ ኣብ ዓውደ ንባቡ የሱስ ሓደ ሓዊ ተቐይምልና ዘሎ ምኽንያቱ ብዘይ ስነ ስርዓት ዝተዛረብናዮ እዩ ዝጠቅስ ዘሎ (ማቴ 5=22) ።ቂምታ ቅርሕንቲ ሓደ ነገር ሓጥያት ዝመልኦ ዝገበርናዮ እዩ ዝፍጠር።መጀመሪያ ናብኡ ከይድና ሓጥያትና ተኣሚና ይቕሬታ ክንሓቶ ኣሎና።

ሽዑ ጥራይ እዩ ናብ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ከነምጽእ እንኽእል።

እንተ ድኣ ናብ ኣምላኽ ከይድካ "ጎይታ ኣብ ህይወተይ ምልኣት ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓይሊ ይደሊ ኣለኹ እንተ ኢልካዮ" ጎይታ ከምዚ ክብለ እዩ "ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓይሊ ምስ ሃብኩኻ ምስኡ ኽኣ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓላፍነታት ከምጽእ እዩ " ።ብዙሓት ክርስትያናት ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓይሊ ኣይጥቀምሉን እዮም ፥ምኽንያቱ ብመልኪዒ ናይ ብሉይ ኪዳን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።ሓይሊ ኣልቦ ኮይኖም ንሓደ ሰብ ይቕሬታ ክሓቱ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ።ኩሉና ስጋ ኣሎና ኣብ ሞንጎ ካልኡት ስጋ ዘሎዎም'ውን ንነብር ኣሎና። ስለዚ ኩሉ ግዜ ንሓድሕድና ክንጓዳዳእ ብፍላጥ ይኹን በዘይፍላጥ ዝንባለ ኣሎና።እቲ እንኮ ብዋላ ሓደ ሰብ ዘይንጉድኣሉ ስፍራ ኣብ ሰማይ ጥራይ እዩ ፥ ስለዚ ኣብ ምድሪ ክሳብ ዝሃለና ንሓድሕድና ይቕረ ክንብሃሃል ኣሎና። ምግጋይ ናይ ሰብ እዩ ይቕረ ምባል ግን ኣምላኻዊ እዩ።

ሓደ ካብቲ መልክዕ ናይ ሲኦል ኣብኡ ምሕረት ዝብሃል የልቦን። ብመለክዒ ምሕረት ይቕረ ዘይምባል ኣብ ልብኻ ንካልኦት እዚ ኽኣ ኣብ ልብኻ ንእሽተይ ሲኦል ኣንቢርካ ኣሎኻ ማለት እዩ። ይቕረ ክትብል ንሓደ ሰብ ፍቓደኛ እንተ ዘይኮንካ ንእሽተይ ሲኦል ኣብ ልብኻ ኣቕሚጥካ ኣለኻ ሰባት ከም ኣዚዩ መንፈሳዊ ገይሮም ይጥሙትኻ ይኾኑ ፥ብምኽንያት ዘሎካ ኩሉ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኮይኑ ግን ንእሽተይ ሲኦል ኣብ ልብኻ ኩሉ ግዜ ኣለካ።ብኸምዚ ኩነት ናብ ናብ ሰማይ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ ምኽንያቱ ንሲኦል ሒዝካ ናብ ሰማይ ክትኣቱ ስለ ዘይክኣል። ቅድሚ ንምድሪ ምሕዳካ ማለት ብሞት ካብዚ ምድሪ ምፍላይካ ካብ ልብኻ ነዚ ንእሽተይ ሲኦል ማለት ይቕረ ዘይምባል ምሕረት ዘይምግባር ካብ ሂወትካ ከተርሕቖን ከተውግዶ ኣሎካ።

በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጎይታና የሱስ ከምዚ ኢልና ክንጺሊ ዝምሃረና " ከምቲ ንኻልኦት በደሎም ዝሓደግናሎም ሎሚ ከምእ'ውን በደልና ሕደገልና" ንኻልኦት ይቕረ እንተ ዘይኢልና ኣካልና ክንጎድእ ንኽእል ኢና ንሕጊ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ስጋዊ ስቅያት የምጽእ እዩ።

ኣብ ልብኻ ቂም ንሓደ ሰብ እንተ ሒዝካ ወይ ውን ብሓደ ሰብ እተቐኒእካ እዚ ኽኣ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ፍቕሪ ሕጊ ጥሒስካ ኣሎካ ማለት እዩ ።ከም ውጺኢት ናይዚ ኽኣ ኣካልካ ብሕማም ይጥቃዕ ሎሚ ብዙሓት ክርስትያናት ኣሎዉ ብኣዝማ፥ቅርጥማት ፥መርዘን ርእሲ ወ.ዘ.ተ ዝሳቐዩ ክሓዊ ዘይክእል ብምኽንያት ቂም ምሓዞም ንኻልእ ሰብ ብዙሕ ከኒና ይወስዱ ይኾኑ ኮይኑ ግን ክፍወሱ ኣይክእሉን እዮም ክሳብ ይቕረ ምባል ምሕረት ምግባር ዝማሃሩ። ጠንቂ ናይዚ ሕማማት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣካላዊ ኣይኮነን ኣብ ሰብነት ኣይኮነን እቲ ሕማም ኣብ ነፍሶም እዩ።

ንሓውኻ ንሓፍትኻ ይቕረ እንተ ዘይልካ ኣምላኽ ጸሎትካ ኣይሰምዖን እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር ዳዊት ከምዚ ይብለና "ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ (መ.ዳዊት 66=18)ንሰብ ምሕረት ከይገበርና ይቕረ ከይበልና እንጽልዮ ጸሎት ኣምላኽ ኣይምልሶን ጥራይ ዘይኮነ ኣይሰምዖን እዩ ውን ።ስለዚ ርእስና ኣይነታልል ። ሓቀኛ ይቅረ ምባል ምስባርን ፥ምእማንን ከም እዉን ኣብ ስጋና ዘሎ ብልሸውና ምርዳእ ፥ብዘይ ጽድቂ መንገዲ ዝወሰድናዮ ናብ ዋንኡ ምምላስን ፥ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ክኣ ንኹሉ ይቕሬታ ክንሓትትን ኣሎና እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሕብረት ክቐንዕ ዝኽእል ብኸምዚ መንገዲ ጥራይ እዩ።

ኣብ (ማቴዎስ 6=12) የሱስ ከምዚ ኢልና ክንጽሊ ሚሂርና " ይቅረ በለልና" ይሕዋትና ውን ምሕረት ክግበረሎም ንደሊ ኢና ። ሓደ ሓደ እዋን ናይ ሚስጥር ተስፋ ክህልወካ ይኽእል እዩ ሓውኻ ብምክንያት ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝገበረልካ ኣምላኽ ክፈርዶ እዚ ዓይነት ኣረኣእያ ናይ ሰይጣን እዩ ምኽንያቱ ሰይጣን ጥራይ እዩ ሰባት ብኣምላኽ ክቅጽዑ ዝደሊ። ጎይታ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ" (ዮው 13=14) እዚ ማለት ኣብ እግሪ ሓውኻ ርስሓት እንተ ሪእኻ "ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ " ሓውኻ ክጸሪ ሃረርታ ክህልወካ ኣሎዎ።

"ይቕረ በለልን " ማለት ኣቦ ንዓይ ሓጥያተይ ዋላኳ እንተ ሓደግካለይ ኣይዕግብን እየ ካልኡት ይሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዙሪያይ ኣሎዎ ንዕኦም ክኣ በደሎም ይቕረ ክትብለሎም ይደሊ ኣሎኹ ማለት እዩ ።ኣሜን።