ጓሶት ከም ልቢ እግዚኣብሄር

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church Knowing God Disciples
Article Body: 



ኣብ ኤርምያስ 3=14-15 ጎይታ ከምዚ ክብል ተስፋ ሂቡ ኣሎ "ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ኣነ ጐይታኹም እየ፡ ከካብ ከተማ ሓደ፡ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ ኣምጺኤ ናብ ጽዮን ከእትወኩም እየ፡ በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር" ።

"ጽዮን" ንሓቀኛ ህያው ቤተ ክርስትያን ኣምላኽ ይውክል። እግዚኣብሄር ንሓደ ካብ ከተማ ንኽልተ ካብ ቤተሰብ ናብ "ጽዮን" የምጽእ እዩ።ከምእ'ውን ናብ ጽዮን ምስ መጻና ናብታ ጎይት ዝሃንጻ ዘሎ ቤተ ክርስትያን ንሱ ተስፋታት ሂቡ እዩ ኣብኡ " ከም ልቡ ገይሮም ዚጓሲና ጓሶት ከም ዝህበና" ብፍልጠት ገዛእ ርእሱ ዝምጉቡና ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣስተምህሮታቱ ጥራይ ዘይኮነ መንገድታቱ ክንርዳእ ዝገብሩና።

ሓደ ቀዳማይ መለለይ ምልክት ናይ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን እዚ እዩ " ጓሶት ድድሕሪ ልቢ ኣምላኽ ዝስዕቡ ኣለውዋ "።

እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ ፥እቲ ቀዳማይ ባህሪ ፍቕሪ ኽኣ ናይ ገዛ ርእሳ ኣይትደልን እያ። ስለዚ ጓሶት ድድሕሪ ልቢ ኣምላኽ ዝስዕቡ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይደሊዩ እዮም። ከምዚኦም ዓይነት ጓሶት ናይ ዝኾነ ሰብ ገንዘብ ወይ ክብሪ ኣየናድዩን እዮም።ንሰብ ክሕጉሱ ወይ ክምስጥዎ ኣይደሊዩን እዮም።ኣብ ክንድኡ ንኣመንቲ ክሃንጹን ምእንቲ " ምሉኣት ገይሮም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ከቕርብዎም" (ቆሎ 1=28)።ኣብ ዝኾነ ቦታ እግዚኣብሄር ከምዚ ሃረርታ ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝኾነ ከተማ ወይ ዓዲ ኣብ ዓለም ክረክብ እንተ ኽኢሉ ንሱ ቤተ ክርስትያን ክሃንጽ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ክኣ ኣብ ብዙሕ ጉዳይ ናይ ኣመንቲ ሪኢና ኢና እቶም ናይ ሃይማኖት ቀንዲ መንገዲ ሓዲጎም "ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣቃውማ " ዝደለዩ ቅኑዕ ዝኾነ ኣስተምህሮ ዘለዎም ኮይኑ ግን ገንዘብ ዘፍቅሩን ናይ ገዛእ ርእሶም ዘነዳዩ እዮም ፥ከምዚ ክነሶም ግዳ ኣካል ክርስቶስ ይሃንጹ ከም ዘለዉ ገይሮም ይሓስቡ። ይሓስቡ።ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ኩሉ ግዜ ውጺኢት ናይ ዕዮታቶም እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ብዕዮታቶም ዝሃንጽዎ ኽኣ ኩሉ ግዜ ባቢሎን እዩ።

እግዚኣብሄር ናይ ገዛእ ርእሱ ዘየናዲ ሰብ ምስ ረኸበ ጥራይ እዩ ጎይታ እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ክሃንጽ ዝኽእል።ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ልቢ ኣምላኽ ዘተሓሳሰቦ ንህዝቡ ዘካፍል፥ ኣዚዩ ዝያዳ ዕዙዝን ክቡርን እዩ ካብ ኣሽሓት ኣመንቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘናድዩ።

ጓሳ ድድሕሪ ልቢ ኣምላኽ እትስዕብ ክትከውን መስዋእቲ ዘይሙችነት፥ስቅያትን ዝሓቖፈ እዩ።እዚ ማለት ክትስቀ ብሰባት ጌጋ ክርዲኡኻ ፥ተቓውሞ ፥ባጫ ፥ምጽላም ስምካ ብሓጎስ ምቕባል ማለት እዩ ።ግዳ ከምዚ ዓይነት ጓሳ ብናይ ገዛእ ርእሳ ዘይትደሊ ሰበይቲ ተባሪኹ እንተ ድኣ ኮይኑ ፥ስለዚ ገዝኦም ንጎያት ንሱ ዝደለዮ ክገብር ክፉት እዩ። ሽዑ እግዚኣብሄር ብህይወቶም ገይሩ ክሰርሕ ዝኽእል ደረት የብሉን።

ብዛዕባ ምእካብ ሰባት ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።ቁጽርታት ምልክት ናይ እግዚኣብሄር በረኸት ኣይኾነን።ብዙሓት ኣዚዮም ፍሉጣት ካልትስ(cults) ናይ ስሕተት እምነታት ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ሰብ ይእኩቡ እዮም። እዚ ዋላ ሓንቲ ኣየረጋግጽን እዩ።ሕጂ ዝዛረቦ ዘለኹ ብዛዕባ ዓይነት ምህናጽ ኣካል ክርስቶስ ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣባል ብውልቁ ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝመጻሉ እዩ።

ብዘይ ከምዚ ዓይነት ዕቤት ዝኾነ ጉጁለ ቦታ ኣብቲ ሓደ ዓይነ ስውር ንቡዙሓት ዓይነ ስውራት ሰባት መሪሑ ናብ ጉድጓድ ምእታው ማለት እዩ ። ኩሉ ናይ ጸሎት ኣኼብኦም ናብቲ ጉድጓድ ክኸውን እዩ ፥እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱሶም ናብቲ ጉድጓድ ክኽውን እዩ፥ ጉባኤታቶም 'ውን ናብቲ ጉድጓድ ክኸውን እዩ !።

ኣብ ዘመን የሱስ ፥ንሱ ቁልሕ ኢሉ ዙሪኡ ተመልከተ እቶም ሰባት ከም ጓሳ ዘይብለን ኣብጊዕ ፋሕ ኢሎም ሪኢዎም።ሎሚ'ውን ልክዕ ከምዚ ሓደ ዓይነት እዩ።

እቲ ዝዓበየ ኣድላዪ ኣብ ኩሉ ቦታ ጓሶት ከም ልቢ ኣምላኽ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሽማግለ ሙኳን ጥራይ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። ኣይፋሉን። ዓባይ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ጓሶት የድሊዋ እዮም ፥እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዝሓሊ ልቢ ዘለዎም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ሽማግለ ከይኮኑ ይኽእሉ እዮም። ኮይኑ ግን ነተን ኣባጊዕ ክምግቡ ከጸናንዑ ብሓጎስ ክኣ ከገልግልዎም እዮም።