እቲ ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስ

Article Body: 

ኣብ መጀመርታ 1963 ዓ.ም ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኮቺን ተመዲበ ነይረ።ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዕቱብ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነይረ እኹል ጽቡቕ ፍልጠት ናቱ ኽኣ ኣማዕቢለ ነይረ ንሽዑ ዝኣክል ኣብ ሕብረት ቤተ ክርስትያን ክትሰብኽ ዘኽእለካ።ኮይኑ ግን ኣብ ኣገልጉለተይ ዓቢ ሕጽረት ሓይሊ ነይሩኒ።ኣብቲ ሕብረት ዝገብረሉ ቤተ ክርስትያን ፥መጽሓፍ ቅዱስ ነጽንዕ ነይርና ፥ግናኸ ልክዕ ከም ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ምጽናዕ እዩ ነይሩ-፥ኩሉ ኣእምራዊ ፍልጠት ! ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ዝሰምዖም ዝነበርኩ መልእኽታት 'ውን ከቢድ ኣሰልቻዊ ውዕዪነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕጽረት ዘለዎ ነይሩ። የሱስ ንሰደቃውያን ሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ከም ዘይፈልጡ ነጊርዎም (ማቴ 22=29)። ኣብ ናተይ ኩነታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጥ እየ-ንገለ መጠን -ኮይኑ ግን ብርግጽ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን ነይረ።የሱስ ንደቂመዛሙርቱ ነጊርዎም እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተጠመቑ ጥራይ ሓይሊ ከም ዝቕበሉ (ግብ 1= 5 ,8)። እንተ ኾነ ዝተፈላለያ ናይ ክርስትያን ቤተ ክርስትያናት ኣብዚ ኣርእስቲ ዝተፈላለየ ከም ዝምህራ ኮይኑ ረኺበዮ። ገለ ነፍሲ ወከፍ ዳግም-ዝተወለደ ክርስትያን ብኡ ንቡኡ ብመንፈስ ተጠሚቑ እዩ ኣብ ሓድሽ ልደት ንሱ ኣስተውዒልዎ ይኹን ፥ኣይኹን።ካልኦት ክኣ ሓደ ጎይታ ክደሊ ኣለዎ ብፍላይ ንጥምቀት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ዳግም ምውላዱ።በዚ ኽኣ ኣነ ተደናጊረ ። እንተ ኾነ የሱስ ገዛእ ርእሱ ቅድሚ ንሱ ኣገልግሎቱ ምጅማሩ ብመንፈስ ከም ዝተቐብኤ ርኤ ( ግብ 10=38)።ሽዑ እዚ ክንደይ ዝኣክል የድሌኒ ? ከምእ'ውን የሱስ ተዛሪቡ ኣሎ ዝኾነ ብእኡ ዝኣምን ሰብ ካብኡ ሩባታት ማይ ህይወት ከም ዝውሕዝ ።ኮይኑ ግን ካባይ ዝውሕዝ ዝነበረ ጸረር ጥራይ ዝብል ኮይኑ ረኺበዮ። ገለ ነገር ጎዲሉኒ ከም ዘሎ ኽኣ ተረዲኡኒ።ስለዚ ኽኣ ንሓይሊ እግዚኣብሄር ክደሊ ወሲነ፥ብዘይ ምውልዋል ብዛዕባ ስነ-መሎኮታዊ ክርክር ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ።ነቲ ውሓዚ ደሌ። ናብ ማሕበር ብዛዕባ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ዘተኩሩ ከይደ፥ ክሕጉዙኒ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም ክርኢ።ኣዚዮም ውዕውዕ መንፈስ ነይርዎም ፥ኮይኑ ግን በቲ ብዙሕ ኣብ ማእከሎም ዝርኣኽዎ ኣይተሓጎስኩን ።ኣዚዩ ብዙሕ ድምጽን ስሚዒታውነትን ነይርዎም።ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኣተኩሮ ኣብ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ንክርስቶስ ምምሳል ኣይነበረን ( እቲ መንፈስ ቅዱስ ቀዳመነት ክህቦ ዝመጸ)።ከምእ'ውን ገንዘብ ዘፍቅሩ ይመስሉ ነይሮም ብዙሓት ፓስተራቶም ! ሓደ ፓስተር እንተ ድኣ ብመንፈስ ቅዱስ ክጥመቕ ኮይነ ! "ሃለሉያ" ዝብል ቃል ክደጋግም ሓቲቱኒ ፥እዚ ክገብር ክኣ ኣቤኽዋ ፥ሃዋርያት ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉል መንገዲ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈለጥክዎ።ኩሉ እዚ ብርግጽ ምልኣት እቲ መንፈስ ኣነ ዝደልዮ ዘለኹ ኣይኮነን።ግናኸ እቲ 'ዝተተምየነ' ዘረጋገጸለይ ነገር እቲ ናይ ብሓቂ ኣቕሓ ኣዚዩ ክቡር ከም ዝኾነ ጥራይ እዩ -ምኽንያቱ ሰባት ዝተተምየነ ዝገብሩ ጥራይ ንኽቡራት ኣቓሓታት እዮም ! ኣብቲ ጉጅለታት ዝርኣኽዎ ንእግዚኣብሄር ከም ዘይደሊ ነጊረዮ ፥እንተ ኾነ እቲ ናይ ብሓቂ ጥምቀት ኣብ መንፈስ ቅዱስ ደሌ እቲ ሃዋሪያት ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ ዝተቐበልዎ፥ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኩሉ ምዓልቲ ይእዌኹ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክኣ ሪኤ እቲ የሱስ ብመንፈስ ከም ዝተቐብኤ ንሱ ብማይ ክጥመቕ ምስ መረጸ እዚ ዘመልክት ክኣ ምምራጽ መንገዲ ሞት ንናይ ባዕለ -ህይወት እዩ።ጎይታ ሽዑ ኣርኢኒ እቲ ብመንፈስ ዝተመልኤ ህይወት ምስ መንገዲ መስቀል ብቐረባ ዝተተሓሓዘ ህይወት ሙኳኑ። ንሱ እንተ ድኣ ኩሉ ግዜ መንገዲ መስቀል መሪጸ፥ኩሉ ግዜ ሓይሉ ኣብ ልዕለይ ከምዝ ህልወኒ ነጊሩኒ ። ኣብዚ ግዜ እቲ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ መሊኡኒ። ኣካልዊ መግለጺ ኣይነበረን ።ኮይኑ ግን ካብኡ ንኔው ፥ሓድሽነት ፥ናጽነትን ትብዓትን ኣብ ኣገልግሎተይ ረኺበ።ውህበት ምንባይ ክኣ ክለማመድ ጀሚረ- ንኻልኡት ክሃንጽ፥ ከጸናንዕን ክብድህን(1 ቆሮ14=3)።ብውዕውዕ መንፈስ ንየሱስ ኣፍቂረዮን ብሙሉእ ልበይ ከገልግሎ ኽኣ ተመኔ።እቲ መንገዲ መስቀል ንዓይ ኣዚዩ ክቡር ኮይኑኒ።ድማ ዝነድድ ድሌት ንኻልኡት ናብ ክርስቶስ ከምጻ ሃሊዩኒ።ኣብቲ ግዜ እቲ ብልሳን ይዛረብ ኣይነበርኩን።እዚ ድሕሪ 11 ዓመታት እዩ መጺኡ። እቲ ሽዑኡ ዝተመኮርክዎ መጀመሪያ ጥራይ እዩ ነይሩ። ካብኡ ኣትሒዙ ብመንፈስ እንደገና እንደገናን እንደገናን ክምላእ ነይሩኒ።(ኣብ ግብሪ ሃዋሪያት ጴጥሮስ ሰለስተ ግዜ ብመንፈስ ከም ዝተመልኤ ነንብብ ኢና)። ኩባያ፥ዒላን ወሓዝን ኩሎም ሙሉኣት ክኾኑ ይኽእሉ። ከምኡ ክነሱ ግዳ እቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዝተፈላለየ እዩ። ናይ ምሕዛ ዓቕምና እናዓበየ ክኸይድ ከሎ፥ እንደገና ክንምላእ የድሌና ።ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ምሓዝ ዓቕመይ ኩባያ እዩ ነይሩ- ኮይኑ ግን ሙሉእን ዝፈስስን ነይሩ ! ናብ ውሓዚ ኽኣ ክዓቢ እዩ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዓመታት።