ምኽፋል ዕዳይ

Written by :   Zac Poonen Categories :   The home Struggling
Article Body: 

ኣብ መጀመርታ 1961 ዓ.ም ፥ብኡ ንብኡ ድሕሪ ምጥማቐይ ጎይታ ምስኡ ክመላለስ ዝቕጽል ስጉምቲ ክወስዶ ዘሎኒ
ኣርኢኒ።ዕዳይ ንእግዚኣብሄር ሙሉእ ብምሉእ ተኸፊሉ እዩ።ሕጂ እምብኣር ግዜ ምኽፋል ዕዳ ንሰብ እዩ - ብማዕረ ሙሉእ
ብሙሉእ።

ኣብ ዝሓለፈ ገንዘብ ናይ መንግስቲ ከም ዘታለልኩ ዘኪረ።የሱስ በለ "ናይ ቄሳር ንቄሳር ሃብዎ፥ቅድሚ "እቲ ናይ ኣምላኽ
" ምሃብና (ማቴ 22=21)።እንተ ዘይኮይኑ ካብ "ቄሳር" ዝሰረቕናዮ ንእግዚኣብሄር ክንህቦ ኢና።ስለዚ ሓሲበ ደሚረዮ
ክንደይ ንመንግስቲ መሊሰ ክኸፍሎ ከም ዘሎኒ።ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣሃዝ ተወላዊለ -ሓደ ካብኦም 20% ዝያዳ ካብቲ ሓደ
ነይሩ።ኣብ መወዳእትኡ፥ ሓቂ ንናይ ሰብ ተፍጥሮ ፥ ነቲ ዝትሓተ መሪጸ። ሓደ ምዓልቲ ኣብ ዘህልቑ 5=6,7 ኣንቢበ ፥እቲ
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ዝኣዘዞ ካሕሳ ክኸፍሉ ከለዉ፥ካብቲ ዝተኣወድዎ 20% ክውስኹ ነይርዎም !! እዚ ቃል ንጹሩን
ቀጥታ ቃል ካብ እግዚኣብሄር ንልበይ ነይሩ፥ንሱ እቲ ዝልዓለ መጠን ተመሊስ ክኸፍል ደሊዩኒ። እዚ መጠን ዳርጋ ኣርባዕተ
ዕጽፊ ናይ ወርሓዊ ደሞዘይ መጺኡ ! ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክሳብ ዝክኣለኒ ገንዘብ ከቐምጥ ጀሚረ ፥ምእንቲ ዕዳይ ክኸፍል
ቀልጢፈ ክሳብ ዝተኽኣለኒ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መጠን ገንዘብ ምስ ኣዋህለልክዎ ።ካልእ ጸገም ገጥምኒ፥ መንግስቲ ቁኑዓት ሰባት ካሕሳ ዕድኦም
ክኸፍሉሉ ዝኽእሉ ዝኾነ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ኣይነበሮን !! ስለዚ ናብ መደበር ባቡር ብምኻድ ብዙሕ ናይ ነዊሕ ግዕዞ ናብ
ካልእ ጫፍ ህንዲ ዘብጽሕ ትኬት ገዚኤ፥እዚ ኽኣ ነቱ ዝኸፍሎ ካሕሳ ሸፊንዎ።ሽዑ ነቲ ትኬት ቀዲደዮ ።በዚ ምኽንያት ክኣ
ኣቲ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ካዝና ከም ዝበጽሔ ኣረጋጊጸ። ሕጂ ኣብ ባንኪ ቁጽሪ ሕሳበይ ባዶ እዩ፥እንተ ኾነ ልበይ
ብሓጎስ ጊይታ መሉእ ኮይኑ።

ዘኪዎስ ነቶም ኩሎም ዝዓመጾም ክኸፍል ምስ ወሰነ ጥራይ እዩ ጎይታ ከምዚ ዝበሎ "የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን
ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ" (ሉቃስ
19=9-10)። ከም ኩሉ ሰብ ፥ዘኪዎስ ብፍቕሪ ገንዘብ ጠፊኡ እዩ እዩ ነይሩ የሱስ ክኣ ካብዚ ኣድሒንዎ። ኣነውን ከምኡ
ብፍቕሪ ገንዘብ ጠፊኤ ነይረ የሱስ ካብኡ ኣድሒኑኒ እዩ። "እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም
ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ" (1 ጢሞ 6=10) ፥ድማ ጎይታ ካብዚ
ከድሕነና ይደሊ እዩ።ጥራይ ሽዕኡ ከምዚ ክብል ዝኽእል "መድሓን ናብዛ ቤት መጺዩ " ።ንሱ ንበይኑ ጥራይ እዩ ነዚ ክፉእ
ሙሉ ብሙሉእ ካብ ልብኻ ክምሕዎ ዝኽእል።ኮይኑ ግን ንሱ ክገብሮ ዝኽእል ነቶም እዚ ክገብሮ ንዝሓተትዎ ጥራይ እዩ።

ዕዳ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ፥እቲ ንእዎዶ ይቕሬታ ምሕታት ክኸውን ይኽእል እዩ።ንእሽተይ ወዲ
ከለኹ፥ቴምብራት ናይ ምእካብ ልምዲ ነይሩኒ፥ድማ ሓደ ግዜ (ዳርጋ ዋጋ ዘይብሉ) ካብ ዓርከይ ዝእክብ ዝነበረ ቴምብራት
ሰሪቔ ።ነዚ ሓጥያት ክንስሓሉ ጎይታ ነዚ ንእሽተይ ነገር ኣዘኪሩኒ (እዚ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ ዝፈጸምክዎ)
ነዚ ሰብ ይቕረ ክብለለይ ክሓቶ።እዚ ዋላ ካብቲ ንመንግስቲ መሊሰ ክኸፍሎ ዝያዳ ከቢድ ኮይንኒ - ምኽንያቱ እዚ ገዛእ
ርእሰይ ኣብ ቅድሚ ካልእ ሰብ ከትሕት ዝሓትት ስለ ዝኾነ። እንተ ኾነ ናይ ይቕሬታ ደብዳቤ ክጽሕፍ ወሲነ። እንደገና ናይ
ጎይታ ሓጎስ ንልበይ መሊእዎ።

ኣብ ገለ ጉዳይ፥ነቲ ጌጋ ዝፈጸምናዮ ካሕሳ ክንከፍል ዘይክኣል ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ጉዳያት ፥ሰይጣን ቀጻሊ
ቅሳነት ክኸልኣና ከነፍቅደሉ ይብልናን፥ግናኸ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ተቐበልን ኣብ ይርፍቲ ክኣ እቶ።እግዚኣብሄር
ነገራት ክዕረዩ ዘለዎም ከርኤና እዩ።ድማ ንሱ ገለ ነገራት ምስ ኣርኣይርን ፥ንሱ ክፍትሸና እዩ ገዛእ ርእስና ኣትሒትናን
ብቕጽበት እንእዘዞ እንተ ኾይና -ዝኾነ ይኹን እቲ ዋጋ ብዘየግድስ።

ኣነ ሽዑ ንሽዑ ኣብዘን ክልተ ነገራት ንእግዚኣብሄር ዘይተኣዘዝክዋ እንተ ዝነብር ነይረ፥ብድሕረይ እዞን 43 ዓመታት
ሰንሰለት ምስ ጎሰስኩ ነይረ። ድማ ናይ እግዚኣብሄድ ጻዊዒት ንህይወተይ ምስ ስኣንክዎ ነይረ፥ክኣ ንሱ ዝገበሮ ኣገልግሎት
ኣይንስሃበንን ነይሩ።እንታይ ጥዓሳ ንኣእምሮይ ምስ ወረሮ ነይሩ ንኹሉ ዘልኣለም ኣብ ሰማይ።

እግዚኣብሄር ደቁ ካብ ኩሉ ዕዳ ናይ ሰብ ሓራ ክኾኑ እዩ ዝደሊ፥ካብ ዝሓለፈ ክኽፈል ክፍታሕ ዘለዎ ገለ ዕዳ ኣለካዶ ?
ብኡ ንብኡ ኣደቅሶ፥ ኣብ ህይወትካ ጻዊዕትካ ከይሓልፈካን ከምእውን ኣብ ዘልኣለም ብዙሕ ጥዕሳ ምእንቲ ከይህልወካን።

ሙሉእ ብሙሉእ ንምእዛዝ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ ! ዓበይቲ ምዓጹ ኣብ ንእሽተይ ወንዳወንዶ እዮም ኔው ነጀው ዝብሉ!