እታ ኣብ መከራ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church
Article Body: 

"ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡ 9 ጸበባኻን ድኽነትካን ፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻ ፦ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን ፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ ፦ እፈልጥ አሎኹ። 10 እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። 11 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ" (ራኢ ዮውሃንስ 2=8-11)።

ጎይታ ኣብዚ ገዛእ ርእሱ ከም ቀዳምይን ዳሕረዋይን ገሊጹ ኣሎ፥እቲ ሓደ ንሞት ዝስዓረ። ቤተ ክርስትያን ተቓውሞን ምስዳድን ገጢምዋ ዘሎ ንጎይታ ከም ሓደ ንኹሉ ፍጻመታት ካብ መጀምሪያ ክሳብ መወዳእታ ዝቆጻጸርን ነቲ ዝዓበየ ጸላኢ ናይ ሰብ ሞት ከም ዝገዝኤን ክትሪኦ የድልያ።

ጎይታ ብጠቕላላ ኣንጻር እዛ ቤተ ክርስትያን ክሲ የብሉን።ቤተ ክርስትያን መከራ ፥ድኽነት ጸርፍን ዝገጠመጥ እያ ነይራ።

ኣብ መጽሓፍ ራኢ ዮውሃንስ መከራ ዝደጋገም ኣርእስቲ ቀንዲ ነገር እዩ- ድም ኣብ ሞንጎ ውልድ እግዚኣብሄር በቶም ኣዚዮም እሙናት ከም ዝገጠሞም ኣስተውዕል ብዋጋ ዕዳ ዝገብሩ ኣይኮነን። ኣብ መጀምሪያ ምዕራፍ ራኢ ዮውሃንስ ፥ዮውሃንስ ብመከራ ክሓልፍ ከሎ ንርኢ። ኣብዚ'ውን ልክዕ ሓደ እታ እምንቲ ቤት ክርስትያን ብመከራ ክትሓልፍ ከላ ንርኢ ። እዛ ቤተ ክርስትያን ጎይታ ኣንጻራ ክሲ ዘይብሉ እዩ ፥እተሳደደት እያ።እተን ዓለማውያን ፥ዋጋ ዕዳ ዝገብራ ኣብያተ ክርስትያናት ቀሊል ግዜ እዩ ዘለዎን።

እዚ ኩሉ ማለት መከራ ንብሙሉእ ልቦም ንጎያታ ዝስዕቡዎ ክፋል ናይ እግዚኣብሄር ፍጹም ፍቓድ እዩ።ስለዚ ንሕና ገዛእ ርእስና ሓደ ምዓልቲ መከራ ክገጥመና ከሎ፥ገለ ዘይልሙድ ነገር ከም ዝወደቓና ገይርና ክንሓስብ ኣይድሌናን እዩ።ሓደ ዓይነት መንገዲ ኣሰር ኣሰር ክንስዕብ ኢና ናይ እግዚኣብሄር እሙናት ደቁ ኣብ ብዘሎ ዘመናት ኣሰር ዘውጽእዎ።

እግዚኣብሄር ካብ ማእከል ደቁ ነቶም ኣዚዮም ብሉጻት መከራ ክገጥሞም ይፈቅድ እዩ።ኣብ ብዘሎ 20 ክፍለ ዘመን ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከምኡ እዩ ነይሩ።ድማ ከምእ'ውን ኣብ መወዳኣታ ግዜ ከኸውን እዩ።

እቶም ብሉጻት ውልድ ኣምላኽ ፥ እቶም ኣዚዮም እሙናት ካብ ሞንግኦም ፥ብሉጻት ኮማንዶ ወትሃደራት ናይ ጎይታ ሰራዊት እቶም ኣብ ምድሪ ንምስክርነቱ ኣብ ምዓልታት ጸረ ክርስቶስ ደው ዝብሉ ክኾኑ እዮም።ኩሎም ጀነራላት ነቲ ብሉጽ ሰራዊቶም እዮም ናብቲ ዝጽዓቐ ማዕበል ዓውደ ኩናት ዝልእኹ።ጎይታ'ውን ሓደ ዓይነት ከምዚ እዩ ክገብር፥ ኣብ ሞንጎ እዞም ወትሃደራት ናይ ጎይታ ክትህሉ ዓቢ መሰልን ክብርን ክኸውን እዩ።

ብርግጽ እግዚኣብሄር ነቶም ስዓርቲ ኣብቲ ግዜ ንሱ ኣዚዩ ምስክርነቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ዝደሌሉ ግዜ ናብ ሰማይ ኣይውሰዶምን እዩ።ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ፍጹም ኣይገበሮን ከምእ'ውን ንሱ ኣብ መጻኢ ኣይገብሮን እዩ።

ናይ ጎይታ ፍሉያት ብሉጻት ወትሃደራት እቶም ኣንጻር ጸረ ክርስቶስ ኣብ ምዓልታት እቲ ዓቢ መከራ ደው ዝብሉ ኣብ ራኢ ዮውሃንስ ተጠቒሶም እዮም ከም እቶም "እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ" (ራኢ ዮውሃንስ 12=17)።ንጸረ ክርስቶስ ምስጋድ ወይ ኣብ ሰብነቶም ማሕተም ክቕበሉ ክኣብዩ እዪም።ብዙሓት ካብኦም በዚ ምኽንያት ብእምነቶም ህይወቶም ክህቡ እዮም (ራኢ 13=7,8,15-17) ። ስለዚ ድም ነቶም እኩባት ዝተሓረዩ ሰማእታት ናይ ኩሉ ግዜ ክጽንበርዎም እዮም እቶም "ንህይወቶም ክሳብ ሞት ኣየፍቀርዋን"(ራኢ ዮውሃንስ 12=11)።

ብተፈጥራዊ መንገዲ ንጎይታ ክንብል ንሞት ክንገጥም ካባና ዋላ ሓደ ሰብ ትብዓት የብሉን። ግናኸ እንተ ድኣ እግዚኣብሄር ንምስክርነትና ብደምና ክሓትሞ ጸዊዕና ፥ሽዑ ተኣማሚና ኣብ ዕረፍቲ ክንከውን ንኽእል ኢና ንሱ ፍሉይ ጸጋ ክህበና እዩ ንዕኡ ከምዚ ዓይነት ግዜ ምስ መጸ ።ኣብ ዝሓለፈ ብኸምዚ ዓይነት ፍሉይ ቀረብ ጸጋ እዩ ኩሉ ክርስትያን ሰማእት ኣብ ዝሓለፈ ብዘይ ፍርሒ ንሞት ዝገጠማ።ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንዕኦም ዝገበሮ ንዓና'ውን ይገብረልና እዩ - ዋላ ነቲ ዝደኸመን ኣዚዩ ፈራሕን ሰብ ኣብ ሞንጎና።ኩሉ ክንገብሮ ዝግብኣና ብዝኾነ ዋጋ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ከም እንደሊ ንዕኡ ምንጋር እዩ።እንተ ድኣ ፍቓድ ኣሎና፥እግዚኣብሄር ነቲ ትብዓት ክህበና እዩ።