ናይ ሓቂ ወንጌልን ናይ ሓሶትን

Article Body: 



ክርስትያናት ብሓፈሽኡ ኣዘራርባ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ ክልተ ኣመዳድባ ይኽፈሉ~
❶."ሮማን ካቶሊክ"ን "ፕሮቴስታንትን" ኣብ ምውላድ ሙርኩስ ብምግባር።
❷."ኤጴስቆጶስ" ዝኽተሉን "ነጻ ቤተ ክርስትያንን" ኣብ ኣቛውማ ቤተ ክርስትያን ምርኩስ ዝገበረ።
❸."ዳግም ዝተወለዱ ክርስትያናት " ን " ስመ ክርስትያናትን" ኣብ ተሞኩርኦም ዝተሞርኮሰ።
❹."ወንጌላውያን" ን "ኣብ ሓድሽ ኣረኣእያ ኣተሓሳስባ ተጽዕኖ ዘይግብሩ ንኹሉ ዝቕበሉ" ኣብ ትምህርቶም ዝተሞርኮሰ።
❺."ካሪዝማቲካውያን" ን " ካሪዛማቲካውያን ዘይኮኑ" ኣብ ልሳን ምዝራብ ዝሙርኮስ።
❻."ናይ ሙሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ክርስትያናት "ን ዓለማዊ ስራሕ ዝዓዩን" ኣብ ሞይኦም ዝሙርኮስ።

ካልእ ከምዚ ዓይነት ኣመዳድባ ክህሉ ውን ይኽእል እዩ።ኮይኑ ግን ዋላ ሓደ ካብዚ ኣመዳድባ ነቲ ሱር ሽግር ጎይታና የሱስ ክፈትሖ ዝመጸ ዝኾነ መፍትሒ ግደ የቡሉን።

ብዙሓት "ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ከም ዝሞተ" (1ቆሮ 15=3) ይፈልጡ እዮም።ኮይኑ ግን ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እውን ከምዚ ከም ዝብል "ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ" (2 ቆሮ 5=15) ነዚ ኣይፈልጥዎን እዮም።

ዝያዳ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ከምዚ ዝስዕብ ክንምድቦም ንኽእል "እቶም ንርእሶም ዝነብሩ"ን "እቶም ንክርስቶስ ዝነብሩን" ወይ " እቶም ናቶም ጥራይ ዘናድዩ" ወይ "እቶም መጀምሪያ ምድራዊ ነገራት ዘቐዱሙ" ን " እቶም መጀመሪያ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐዲሞም ዝደልዩ" ወይ " እቶም ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር" ን " እቶም ገንዘብ ዘፍቅሩን" የሱስ ንኽልቲኡ ንኣምላኽን ንገንዘብን ብሓንሳብ ክነፍቅር ከም ዘይክኣል ሙኳኑ ተዛሪቡ እዩ (ሉቃ 16=13)።

እንተ ኾነ ከምዚ ዓይነት ምድብ ኣብ ስራሕ ክውዕል ፍጹም ርኤ ኣይፈልጥን እዚ ኣመዳድባ ምስ ናይ ክርስትያናት ውሽጣዊ ህይወትን ብብሕቲ ምስ ኣምላኽ ምምልላስን እዩ ዘተኩር።ሰማይ ግን በዚ ድሒሩ ዝርኣናዮ ኣመዳድባ መንገዲ እዩ ዝዓዪ። እምብኣር እዚ እቲ ጉዳይ እንተ ኾይኑ ሽዑ እዚ ኣመዳድባ ጥራይ እዩ እቲ ዘገድስ ።ካልኡት ክምድቡና ኣይክእሉን እዮም።ባዕልና ርእስና ክንምድብ ኣሎና ምክንያቱ ዋላ ሓደ ሰብ ውሽጣዊ ድሌታትና ስለ ዘይፈልጥ።ዋላ ኣንስትና ውን ንምንታይ ንነብር ከም ዘለና ከይፈልጥኦ ይኽእል ኢየን።

ጎይታና የሱስ ቀዳምነት ንሰባት ሰረተ እምነት ወይ ኣቃውማ ቤተ ክርስትያን ወይ ብልሳን ከም ዝዝረቡ ወይ ተመኩሮ ክህቦም ኣይመጸን።

ንሱ ዝመጸ "ካብ ሓጥያት ከድሕነና እዩ"።ንሱ ንምሳር ኣብ ታሕቲ ኦም ከቐምጥ እዩ መጺኡ።ከም እውን እቲ ሱር ሓጥያት ገዛእ ርእስና ማዕከል ምግባር እዩ።ናትና ምድላይን ፍቓድ ርእስና ምግባርን እዩ።እንተ ድኣ ንጎይታ ነዚ ሱር ካብ ህይወትና ክቖርጾን ክምሕዎን እንተ ዘይፈቒድናሉ ደጋዊን ናይ ላዕሊ ላዕሊ ክርስትያናት ጥራይ ክከውን ኢና። ግናኸ ሰይጣን ከታልለና ይኽእል እዩ ብምኽንያት ዘለና ሰረተ እምነት ወይ ተሞኩሮታት ወይ ኣቃውማ ቤተ ክርስትያን ! ካብ ካልኡት ክርስትያናት ላዕሊ ደረጃ ከም ዘለና ክንሓስብ ብምግባር።እቲ ሓቀኛ ወንጌልን ናይ ሓሶትን ዋላ እቲ ቅኑዕ ሰረተ እምነት ፥ተሞኩረታት ኣቃውማ ቤተ ክርስትያን ዘሎና በዚ ሰይጣን ኣይግደስን እዩ ክሳብ "ንገዛ ርእስና ዝነበርና" እዚ እግረ መንገደይ ንገዛ ርእስኻ ምንባር ካልእ ሓረግ ቃል እዩ "ኣብ ሓጥያት ምንባር" ንዝብል።

ክርስትና ሎሚ ናይ ገዛ ርእሶም ዝደሊዩ ንርእሶም ጥራይ ብዝነብሩን ክርስትያናት ተመሊኡ እዩ።ግና ካብ ካልኡት ክርስትያናት ዝበለጹ ከም ዝኾኑ ገይሩ ኣምላኽ ከም ዝሪኦም ርግጸኛታት ኮይኖም እዮም፥ጥራይ ብምኽንያት ሰረተ እምነት ፍልልያትን ወይ ኣቃውማ ቤተ ክርስትያን ወይ ተመኩሮታት።እዚ ዘርኤና ሰይጣን ዓቢ ስራሕ ኣብ ክርስትና ክዓዪ ከም ዝትዓወተ እዩ።

ኣብ ዮውሃንስ 6=38 ጎይታና ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝመጻሉ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ~
•ሰብኣዊ ፍቓዱ ክኽሕድ እዚ ከም ሰብ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ዝረኸቦ እዩ።
•ከም ሰብ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክገብር።በዚ ኽኣ ኣብነት ኮይኑና።

የሱስ ኩሉ ዘመን ህይወቱ ኪሉ ናይ 33 ½ ዓመታት ኣገልጉሎትን ፍቃዱ ኪሒዱን ፍቓድ ኣብኡ ኽኣ ገይሩ።ከም እውን የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ብንጹር ከምቲ ንሱ ዝተመላለሰሉ መንገዲ ክኸዱ ከም ዘለዎም ነጊርዎም።ንሱ ነቲ ሱር ናይ ሓጥያት ኣብ ህይወትና ክኣሊ እዩ ዝመጸ "ፍቓድና ካብ ምግባር" ካብዚ ኽኣ ከናግፈና።

ኣብ ዓውደ ስነፍልጠት ንኣሽሓት ዓመታት ሰብ ምድሪ ማእከል ኩሉ ኣጽናፍ እያ ኢሉ ብምሓሳብ ጌጋ ሰሪሑ እዩ።ንዓይኒ ሰብ ከምኡ እዩ ዝመስል ምኽንያቱ ጽሓይ ወርሒ ከዋኽብቲ ብርግጽ ኣብ ዙሪያ ምድሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 24 ሓንሳብ ከም ዝዞሩ ኮይኑ እዩ ዝርኣየካ።ቅድሚ 500 ዓመታት ነዚ ነገር ህቡብ ክልስ ሓሳብ ብትብዓት ክሓትት ናይ ሓደ ሰብ ከም ኮፐርኒኩስ ኣድሊዩ።ሙሉ ብሙሉእ ሓሶት ሙኳኑ ብምርኣይ ዋላ ምድሪ ማእከል ናይ ሶላር ሲስተም ኣይኮነትን ንኣጽናፍ በይኑስ ይትረፍ።ንሱ ዝርኣዮ ምድሪ ኣብ ጽሓይ ማእከል ክትከውን እያ ተፈጢራ።ክሳብ ሰብ ጌጋ ማእከል ዘለዎ ስነፍልጠታዊ ሓሳቡ መደምደምትኡን ጌጋ እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ማእከሉ ጌጋ ስለ ዝነበረ።ኮይኑ ግን ስብ ሓንሳብ ማእከሉ ምስ ረኸበ ሽዑ እቲ ሓሳብን መደምደምትኡን ናብ ሓቂ ይቕየር።

ብተመሳሳሊ ምሳና ውን ኣብ ክንዲ "እግዚኣብሄር ዝማእከሉ" እንኸውን "ኣብ ርእስና ማዕከል" ገይርና ንተርፍ።ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጹም ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽን ሓሳብና መደምደምታና ክኣ ጌጋ ይኸውን።ግናኸ ሰባት ዝሓለፈ 5000 ዓመታት ልክዕ ከም ዘለዉ ርእሶም ይእሚኖማ ነይሮም ምድሪ ማዕከል ኩሉ ኣጽንፍ እያ ኢሎም፥ንሕና ውን ልክዕ ከም ዘለና ክንሓስብ ንኽእል ! ኮይኑ ግን ብልክዕ 100% ጌጋ ዘለና ክንከውን ኢና።

እዚ እዩ ኽኣ ሎሚ ዋላ ኣብ ሞንጎ ንፉዓት ክርስትያናት እንሪኦ።ነቲ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዚዩ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኣተራጓጉማ ኣለዎም። ከም እውን ገና ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ይእሚንዋ እዩ ናቱ ኣተራጓጉማ ጥራይ በይኑ ቅኑዕ ሙኳኑን ካልእ ኩሉ ግን ዝተጋገየ ሙኳኑን ።እቶም ካልኡት ከምዚ ይብሉ "ተታሊሎም" እዮም።እዚ ስለ ምንታይ ኮይኑ ? ምኽንያቱ ማእከሎም ጌጋ ስለ ዝኾነ እዩ።

ሰብ ኣብ ርእሱ ዘይኮነስ ኣብ እግዚኣብሄር ዝማእከሉ ክኸውን ኢዩ ተፈጢሩ ።ከም እውን ክርስትያናት ጌጋ ዝኾነ ማእከል ክሕዙ ከለዉ ፥ወንጌሎም ክኣ ጌጋ ይኸውን ብመሰረቱ ሎሚ ክልተ ወንጌል ጥራይ ይስበኹ ኣለዉ እቲ ሓደ ሰብ ዝማእከሉ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ክኣ እግዚኣብሄር ዝማእከሉ እዩ።

እቲ ሰብ ዝማእከሉ ወንጌል ንሰብ ተስፋታት ይህብ እግዚኣብሄር ኩሉ ዘድልዮ ነገር ከም ዝህቦ ፥ኣብዚ ምድሪ ህይወቱ ሙቾት ዝገብረሉ ፤ከም እውን ኣብ መወዳእት ህይወቱ ኽኣ ኣብ ሰማይ ኮፍ መበሊ ይህቦ።ሰብ ክኣ ተነጊርዎ እዩ የሱስ ሓጥያቱ ከም ዝሓድገሉ ፥ሕማሙ ከም ዝፍውሰሉ፥ከም ዝባርኾን ብምድራዊ ሃብቲ ዘበልጽጎን፥ኩሉ ምድራዊ ጸገማቱ ከም ዝፈትሓሉን ወ.ዘ.ተ, ወ.ዘ.ተ።

ርእሲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብ ማዕከል ኮይኑ ይተርፍን እግዚኣብሄር ኣብ ዙሪኡ ይዘውር ከም ኣገልጋሊኡ ንነፍሲ ወከፍ ጸሎት ክምልስን ኩሉ ዝደለዮ ነገር ውን ክህቦን! ኩሉ ክገብሮ ዘለዎ "ክኣምንን" " ኩሉ ምድራዊ በረኸት ብስም የሱስ እጀትይ ክብልን እዩ! ።

እዚ ናይ ሓሶት ወንጌል እዩ ምኽንያቱ ብዛዕባ "ንስሓ" ዋላ ሓደ ኣይጠቕሰን ንስሓ ዮውሃንስ መጥመቕ፥ የሱስ ፥ጳውሎስ፥ ጴጥሮስ ኩሎም ሃዋርያት ቅድሚ ኩሉ ዝሰበኽዎ እዩ።ንስሓ ዘሕዝን ኮይኑ እቲ ሎሚ ዘይስበኽ ዘሎ እዩ ፥ዋላ ድሕሪ ኩሉ!!።

በቲ ሓደ ወገን እግዚኣብሄር ዝማእከሉ ወንጌል ንሰብ ናብ ንስሓ ክመጽእ ይጽውዕ፥ ንስሓ ማለት ከምዚ ገይሩ ይገልጾ ~

ምምላስ ካብ ርእስኻ ማእከል ዝገበረ ህይወት ፥ካብ ፍቓድ ርእስኻ ምግባር ፥ብርእስኻ ዝመረጽካዮ መንገዲ ካብ ምኻድ ፥ካብ ፍቕሪ ገንዘብን፥ ካብ ፍቕሪ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ኩሉ ፍትወት ስጋ ፍትዎት ይዒንቲ ንብረት ትዕቢት ኣብ ህይወት ወ.ዘ.ተ።

ምምላስ ናብ እግዚኣብሄር ብሙሉእ ልብኻ ከተፍቅሮ ማዕከል ናይ ህይወትካ ክትገብሮ ካብዚ ንድሓር ክኣ ፍቓዱ ክትገብርን ወ.ዘ.ተ ።

ብሞት የሱስ ኣብ መስቀል እምነት ንሰብ ካብ ሓጥያቱ ዝሕደገሉ ምስ ዝንሳሕ ጥራይ እዩ።ሽዑ ሓይሊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ክቕበል ይኽእል እዩ ምዓልታዊ ርእሱ ክኽሕድን ዘኽእሎ ስለዚ ኽኣ ኣምላኽ ዝማእከሉ ህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።እዚ እዩ የሱስን ሃዋርያትን ዝሰብኽዎ ወንጌል።

ናይ ሓሶት ወንጌል ነቲ ኣፍ ደገ ገፊሕ ይገብሮን፥ እቲ ገፊሕ መንገዲ ክትመላለሰሉ ቀሊል እዩ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ርእሱ ክኽሕድ ወይ ንረብሓ ርእሱ ጥራይ ካብ ምንባር ደው ከብል ወይ ረብሓ ርእሱ ጥራይ ካብ መንዳይ ደው ከብል ኣይድልዮን እዮ።ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ከምዚ ጉባኤታት ናይ ሓሶት ወንጌል ዝስበኸሉ ይሳተፉ እዮም።ከም እውን ብዙሓት በዚ ገፊሕ ኣፍ ደገ ይኣትውን በዚ መንገዲ ውን ይመላለሱ ።ኮይኑ ግን ብልክዕ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ እዩ።እቲ ወንጌላዊ ናይ ከምዚ ዓይነት ወንጌል ዋላ እኳ ብተሓጓስ ፍንጭሕ እንተ በለን ዋላ ውን ጸብጻብ እንተ ሃበ "ናይ ኣዚዩ ብዙሕ ሕዝቢ ይኣዳዎም ሓፍ ኣቢሎም ንክርስቶስ ዝወሰኑ!" እንተ ኾነ እዚ ኩሉ ምትላል እዩ ።ሽሕ እኳ ገለ ገለ ብሓቂ ልባዊ እንተ ተለወጡ ኣብ ከምዚ ጉባኤታት ብምኽንያት ቅንዕንኦም ብዙሓት ከም እዚኦም "ዝተለወጡ" መወዳእትኦም "ዕጽፊ ዝያዳ ደቂ ሲኦል ይኸኑ "( ማቴ 23=15) ብዛዕባ ሓቀኛ ኩነታቶም ክኣ ይታለሉ።

እቲ ሓቀኛ ወንጌል እንተ ኾነ ግዳ ነታ ኣፍደገ ንእሽተይን መንገዳ ውን ቀጣን ይገብር ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ዘይንእስ ዘይጸብብ እዩ ከምቲ ገለ "ልዕለ መንፈሳውያን" ካልትስ ነቲ ኣፍደገ ካብቲ የሱስ ዝበሎ ዘንእስዎ ነቲ መንገዲ ውን ዘጽብብዎ ።ነቲ ሓቀኛ ወንጌል ዝሰብኩ ብዙሕ ብዛዕባ ዝድሓኑ ሰባት ጸብጻብ ዝህብዎ የለን እቲ መጠን ውን ዘደንቕ ኣይኮነን ።ኮይኑ ግን እቲ ሓቀኛ ወንጌል ዝሰብኽ ሰባት ናብ ጎይታ የሱስን መግስቲ ኣምላኽን ይመርሖም።

"ከመይ ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ዝሰምዖ ዝእዘዞ ንዕኡ ዝያዳ ብርሃንን ምርዳእን ክዋሃቦ እዩ ።ኮይኑ ግን ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ዝሰምዖ ዘይእዘዝ ነቲ ከም ዘለዎ ዝሓስቦ ብርሃንን ምርዳእን ካብኡ ክውሰዶ እዩ "(ሉቃ 8=18 መልሰ ሓረግ)።

እትሰምዕ እዚኒ ዘላቶ ይስማዕ!