ናይ ከረን ስብከት

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church Disciples
Article Body: 

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 5,6 ን 7 ናይ ከረን ስብከት ነንብብ። የሱስ ነቲ ስብከት ከምዚ ብምባል እዩ ጀሚርዎ "ብመንፈስ ድኻታት መንግስቲ ኣምላኽ ናቶም እይ እሞ ብጹዓን እዮም " (ማቴ 5=3)። እቲ ቀዳምነት መለክዒ ናብ መንግስቲ ሰማይት ንምእታው ብመንፈስ ድኻ ሙኳን እዩ። እዚ እቲ ንነንበይኑ መፋትሕ ክፈትሕ ዝኽእል ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ኣብዚ ቤተ መግስቲ ዝኸፍት እዩ "መንግስቲ ሰማይ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ብመንፈስ ድኻ ሙኳን ማለት እንታይ ማለት እዩ ? ከም መግለጺ ብቑሳዊ ነገር ድኻ ክትክውን ኣብ ግምት ይእትው።ሕሰብ ሓደ ዝልምን ሓደ ምዓልቲ ናብ ኣፍ ደገ ገዛኻ ዝመጽእ - ክኣ ሒደት ናቕፋ ትህቦ። ንሱ እንደገና ንጽባሒቱ ክምለስ እዩ ፥ድማ ዝቕጽል ምዓልቲ ፥ክኣ ዝቕጽል ምዓልቲ - ንኹሉ ግዜ ።ስለ ምንታይ ? ምኽንያቱ ንሱ ቀጻሊ ኣብ ስእነት እዩ ዘሎ ፥ንሱ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ጎደልኡ ንቑሕ እዩ ፥ክኣ ዝኣክል ትሕትና ብዘይሕፍረት ናብ ኣፍ ደገኻ ምምጻእ ክቕጽል ዝያዳ ገንዘብ ክልምን -ምኽንያቱ ለጋስ ሰብ ሙኳንካ ይፈለጥ እዩ።

እዚ እዩ እምብኣር ብመንፈስ ድኻ ክትከውን ናብ ኣምላኽ ከይድና ከምዚ ንብሎ " ጎይታ ፥ኣነ ጎደሎ ዘለኒ እየ ብመንፈሳዊ ነገራት፥እንተ ድኣ እቲ ዘድልየኒ ዘይሂብካኒ ኣብ ቃልካ ዋላ ሓንቲ ኣይክርዳእን እየ ሎሚ ኽኣ ብሓጥያት ክስዓር እየ " እቲ ዝቕጽል ምዓልቲ እንደገና ኣብ ናይ ጎይታ ማዕጾ ንኻልእ ዝያዳ ንልምን።ከምእ'ውን ዝቕጽል ምዓልቲ ዝቕጽል ምዓልቲ- ቀጻሊ። ምኽንያቱ ቀጻሊ ጎዲልና ዘሎ ኣፍልጦ ኣሎና።የሱስ በለ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ንብሙሉኡ መንግስተ ሰማይ ክወርስዎ እዮም።መንግስተ ሰማይ ክትወርስ እንተ ደሊኻ ፥እዚ ኣረኣእያ ኩሉ ዘመን ህይወትካ ሓዞ።

እግዚኣብሄር ኣዚዩ ንቡዙሓት ናብ ክርስቶስ ከተምጽእ ቤተ ክርስትያን ክትሃንጽን ክጥቀመልካ ከሎ፥ብመንፈስ ድኻ ኮይንካ ክትረፍ ኣይትረስዕ ። ናብ እግዚኣብሄር እንደገና እንደገና ምምላስ ቀጽልን ከምዚውን በለ "ጎይታ ፥ኣነ ድኻ እየ።ሓይሊ ሃበኒ።ምሃረኒ።ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ሃበኒ። ንሰባት ከፍቅር ሃበኒ ። ንጽህና ሃበኒ……" ከምዚ ዓይነት "ስኡናት መንፈሳዊ ለመንቲ" እዮም ቅዱሳት ዝኾኑን እቶም ኣመና እግዚኣብሄር

ዝጥቀመሎሙን። ከምዚ ዓይነት "ለመንቲ" ብመንፈሳዊ ሃብታማትን ናይ እግዚኣብሄር እቲ ዝበለጸ ዝረኽቡን እዮም።ካብ ሰብ ምልማን ዝሕፍር ክኸውን ይኽእል፥ ካብ እግዚኣብሄር ምልማን ግና እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ ነገር ክትገብሮ ትኽእል እዩ።እግዚኣብሄር ድሮ ብመንፈሳዊ ሃብታም ገይሩኒ እዩ።ኮይኑ ግን እፈልጥ እየ ንሱ ብዙሕ ክህበኒ ከም ዘለዎ፥ክኣ ኩሉ እቲ ዘለዎ ይደልዮ እዩ ከተባባዓኩም ፍቐዱለይ ከምዚ ዓይነት "ለመንቲ" ክይኮኑ ንዘንተዕለት።

"ጽሩያት ልቢ ብጹኣን እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ክሪኢዎ እዮም" (ማቴ 5=8) ጽሩይ ልቢ ካብ ንጹህ ሕልና ዝተፈለየ እዩ። ንጹህ ሕልና ካብ ኩሉ ዝተፈለጠ ሓጥያት ሓራ ሙኳን ማለት እዩ -ኣብቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሓጥያት ተኣሚንካን ነጺህካን።ጽሩይ ልቢ፥እንተ ኾነ ግን ካብ ኩሉ ነገር ሓራን ንእግዚኣብሄር ንበይኑ ጥራይ ቦታ ምህላው ማለት እዩ።ሰብ ጽብቕ ሕልና ሃሊይዎ ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር ገና ብዙሕ ዝተፈቐደ ነገራት ኣብ ልቡ ክህልዎ ይኽእል።ዋላኳ ጽሩይ ሕልና እንተ ሃለዎ ንሱ ዓለማዊ ድሌታት ክህልዎ ይኽእል። ጽሩይ ልቢ ዘለዎ ሰብ ግና ሓደ ድሌት ጥራይ ኣለዎ - ንእግዚኣብሄር ባህ ምባል ።ብዘሎ ልቡ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝብጽሖ።

ናይ ጎይታ ቀንዲ ኣተኩሮ ኣብ ማቴዋስ 5=20 ክሳብ 6=18 ኣብ ውሽጣዊ ህይወት እዩ ነይሩ፥እቲ ጽድቂ ፈሪሳውያን ግዳማዊ እዩ ነይሩ፥ድማ ጽድቅና ነዚ ጽድቂ ፈሪሳውያን ክበልጾ ኣለዎ።ሓቀኛ ቅድስና ካብ ውሽጢ እዩ ዝጅምር።ጎይታ ኣብ ጽድቂ ጽሬት እምበር ብዝሒ ኣይኮነን ዝደሊ።ጽሬት ጽድቅና መሰረታዊ ካብ ጽድቂ ፈሪሳውያን ዝተፈለየ ክኸውን ኣለዎ።ምድራዊ ግዳማውን ጽድቂ ኣለዎም ክብሪ ናይ ሰብ ዘምጽኣለሙን ፥ኮይኑ ግን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ፥እቲ ኣገዳሲ ነገር ውሽጣዊ ህይወት እዩ።ኩሉ ነገር ኣብ ህይወትና ካብ ውሽጣዊ ክውሕዝ ኣለዎ።ሓርነትና ካብ ምቕታልን ዝሙትን ኣብ ውሽጥና ክኸውን ኣለዎ (ማቴ 5=21-30) ፥ምኽንያቱ መንግስተ ሰማይ ኣብ ውሽጥና እያ ዘላ።

ኣብ ማቴዎስ 6=1-8 የሱስ ብዛዕባ ምልምማድና ምሃብና፥ጸሎትና ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንበይኑ ክንገብሮ ከም ዘለና ይዛረብ።መጀመሪያ ኣብ ግምት ይእትው ጉዳይ ጾም፥ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኣብ ህንዲ ዝረኸብክዎም ዝጸሙ ወትሩ ብዛዕባ ምጻሞም ይዛረብ እዮም።የሱስ ብዛዕባ ጾም ሓንቲ ትእዛዝ ጥራይ ሂቡና - "ክትጸሙ ከለኹም ፥ብዛዕባ ምጻምኩም ንዝኾነ ሰብ ኣይትንገር" -ድማ እዚ እዩ ዘይእዘዝዎ።እግዚኣብሄር ንኣዳም ሓንቲ ትእዛዝ ጥራይ ሂብዎ።እግዚኣብሄር ንቆልዑት ሓንቲ ትእዛዝ ጥራይ ሂብዎም "ንወለድኹም ተኣዘዝዎም" -ክኣ ነዚ ኣይእዘዝዋን።ከምዚ ሓደ ዓይነት ዘይምእዛዝ ኣብ ሞንጎ መብዛሕትኦም ዝጾሙ'ውን ንረኽቦ ኢና።እምብኣር ካልእ ወለዶ ክርስትያናት ነተንስእ ዝጾሙን ዝጽሉይን ዝህቡን -እንተ ኾነ ፍጹም ብዛዕባ ተግባራቶም ንዝኾነ ዘይነግሩ ።ኣብ ውሽጥና ዓቢ ህርፋን ኣሎ ነዚኦም ነገራት ክንገብር ከለና ክብሪ ክንረክብ በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ብዛዕብኡ እንዛረብ። ጎይታ ግን በዚ ምኽንያት ኣብ ሰማይ ዓስብና ከም እንስእን ተዛሪቡ ኣሎ። ከምእ'ውን ቅብኣትና ኣብ ምድሪ'ውን ከነጥፍእ ኢና።

የሱስ ኣብ ማቴዎስ 7 ንኻልኡት ከይንፈርድ እንተ ኣጠንቀቐናኳ። ከምእ'ውን ንሱ ከነለሊ ክምርምር'ውን ኣጠንቂቕና እዩ "ጸጉሪ በጊዕ ተኸዲኖም ካብ ዝመጹ ናይ ሓሶት ነብያት " (ማቴ 7=15)። እቲ ጸጉሪ በጊዕ ዝጠቐሶ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ትምህርቲ እዩ። ናይ ሓሶት ነብይ ቅኑዕ ትምህርቲ ክህልዎ ይኽእል እዩ፥ኮይኑ ግን ንሱ ኣብ ውሽጡ ተኹላ ክኸውን ይኽእል እዩ። ተኹላታት ድሌቶም ጥራይ ንበጊዕ ምውሓጥ እዩ።ሓሰውቲ ነብያት ወጺኦም ዘለዉ ተራ ኣመንቲ ንረብሕኦም ክምዝምዝዎም እዩም።እንተ ድኣ ንትምህርቱ ጥራይ ሰሚዕካ ፥ዋላ ንሱ በጊዕ እዩ ኢልካ ክትሓስብ ኢኻ !! እንተ ኾነ ግዳ ንሱ ገንዘብ ክምዝምዘካ ወይ'ውን ብገለ መንገዲ ክቆጻጸረካ እንተ ደሊዩ ፥ንሱ ተኹላ እዩ።ከምዚ ዓይነት ሰብኣይ ወጻኢ ዘሎ ጥራይ ገለ ነገር ንገዛእ ርእሱ ክረብሕ -ገንዘብካ ወይ ግዙኡነትካ እዩ።

ዘሕዝን ኮይኑ፥ ናይ ሎሚ ብዙሓት ርድኢት ናይ ሓሶት ነቢይ እቲ ትምህርቱ ጌጋ ዝኾነ እዩ ።የሱስ እንተ ኾነ ተዛሪቡ ኣሎ እቲ መንገዲ ንነብያት ሓሶት እንፈልጠሉ ብትምህርቶም ወይ'ውን ብውጽኢት ናይ ኣገልግሎቶም ከም ዘይኮነ።ግናኸ በቲ ጎዲልዎም ዘሎ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ባህሪኦም እዩ (ማቴ 7=16) ።ብናይ ስብከት ውህበታት ክንታለል የብልናን -ዋላ ብልዕለ ተፍጥሮ ውህበታት።ንርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት ንሱ ናይ ክርስቶስ መንፈስ ኣለዎዶ ? ስብከቱ ኣብ ቅድስና የተኩርዶ ? ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ዝምድና ንጹህ ድዩ ? ደቁን መተዓይይቱን ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ድዮም ? እዚኦም ሕቶታት ብምሕታት እግዚኣብሄር ብነብያት ሓሶት ከይታለል ሓሊዩኒ እዩ።ብዙሓት ኣብ ክርስትና ተታሊሎም እዮም ምኽንያቱ ንሰበኽቲ ብትምህርቶም ጥራይ ስለ ዝመዝንዎም።

የሱስ ብዛዕባ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ከረን ስብከት ድሕሪ ምዝራቡ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡ።ንሱ ከምዚ ኢሉ ኣብ መወዳእታ ምዓልቲ፥ቡዙሓት ናብኡ መጺዮምን ክብሎ እዮም "ጎይታ ፥ብስምካ ተነቢና፥ብስምካ ኣጋንንቲ ኣውጺና፥ ብስምካ ትኣምራት ሰርሒና" ወ.ዘ.ተ (ማቴ 7=22) ።ድማ ጎያት ከምዚ ክብሎም እዩ "ካባይ ርሓቑ ምኽንያቱ ኣብ ሓጥያት ትነብሩ ነይርኩም ኢኹም" ። ንኻልኡት ሰቢኾም፥ኣጋንንቲ ኣውጺኦም ፥ዋላ ብስም የሱስ ትኣምራት ሰር ሔም " ኮይኑ ግን ናብ ሲኦል ከይዶም !

ኣብዚ ዘመን ምዓልቲ ክትሪኢ ከለኻ "ናይ ፈውሲ ክሩሰይድ" ኣብቲ ትሕቲ ዕልቕልቕ ዝበለ መብራህትታ ዝካየድ ብኣሽሓት ሰባት ዝተረኸብሉ፥ድማ እቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ተሰቢኹ ፥ክንደይ ካባኻትኩም ነቲ መጠንቀቕታ ናይ የሱስ ዝሓስብን ተኽእሎታት ናይቲ ሰባኺ ኣብ መወዳእት ናብ ሲኦል ክኸይድ ከም ዝኽእል ? ናተይ ግምት 99.9 % ኣመንቲ ፍጹም ነቲ ተኽእሎ ኣብ ግምት ኣይእትውዎን እዮም።ዋላኳ ናይ የሱስ ንጹር ዝኾነ መጠንቀቕታ እንተ ሃለወ፥ መብዛሕትኦም ኣመንቲ ገና ንሰባኺ ብውህበታት እዮም ዝመዝንዎ ብባህሪኡ ኣይኮነን።ገዛእ ርእስና ክንምሰጥ ክንፈቅድ ይብልናን ብዝኾነ ትንቢታዊ ውህበታት ወይ ብኣጋንንቲ ብምውጻእ ወይ ትኣምራት ብምግባር።

ከመይ እቶም እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶም ይስማዑ። ነዚ ሓቂ ንቡዙሕ ዓመታት ሰቢኸዮ እየ ፥ኮይኑ ግን ኣነ ገና ኣዚዮም ሒደት ኣመንቲ እየ ረኺበ ነቲ የሱስ ዝበሎ ዝኣምኑ።እዚ ኽኣ ብምኽንያት ትዕቢትና ኣብ ክንዲ ናይ የሱስ መጠንቀታታት ኣብ ናትና ፍርዲ ክኣምን ስለ ዝገብረና እዩ "...ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ"(ሮሜ 3=4)።

ሕጂ እምብኣር ኣብ ግምት ይእትው እቲ ፍጻመ ኣብ መጻኢ ነቲ የሱስ ዝበሎ ብግምጥልሽ ። ሕሰብ ኣብ ምዓልቲ ፍርዲ ኣማኒ ክብል "ጎይታ ፥ብጸጋኻ ሓጥያተይ ተሓዲግለይ።ከምእ'ውን፥ ብጸጋኻ ስዓሪ ህይወት ተመላሊሰ ።እንተ ኾነ ፍጹም ኣይተነበኹን ወይ ንሕሙም ኣይፈወስኩን ወይ ኣጋንንቲ ኣይውጻኹን "። ጎይታ ከምዚ ይብሎዶ "ካባይ ርሓቕ ፥ኣታ ፍጹም ትኣምራት ዘይገበርካ ወይ ፍጹም ኣጋንንቲ ዘየውጻኻ ? " ኣይፋሉን።እዚ ዘይክኣል እዩ።

ውህበታት እንተ ድኣ ሃሊዩኳ ግን ብዘይ ፍረ ፥መወዳኣታኻ ኣብ ሲኢል ክትውድእ ትኽእል ኢኻ። ኮይኑ ግን ፍረ እንተ ሃሊኳ ብዘይ ውህበታት፥ብርግጽ መንግስተ ኣምላኽ ክትኣቱ ኢኻ። እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ዓቢ ስሕተት ዘለዎ እዩ፥ስለዚ ንኹሎም ሰበኽቲ ከንመምዮም ኣሎና።