ማዕርጋትን ዶሞዝን ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን_

Written by :   Zac Poonen Categories :   The Church Leader
Article Body: 



•ማዕርጋት
"ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። 9 ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። 10 መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። 11 እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን።12 ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ"(ማቴ 23=8-12)።

ናይ የሱስ ትእዛዝ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕጥቦ ጽሑፍ ኣዚዩ ንጹር እዩ።መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ማዕርግ ክጥቀሙ ፍጹም የብሎምን። ልክዕ ከም ዝኾነ ሓዊ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጥራይ "ይሕዋት" ክኾኑ ኣለዎም።እቲ ምኽንያት ስለ ምንታይ ብዙሓት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ማዕርጋት ናይ ክብረት ኣብ ቅድሚ ስሞም ዝጥቀሙ ኣብ ልዕሊ ካልኡት ኣብ ቤተ ክርስትያን ርእሶም ክዕብዩ ስለ ዝደሊ'ዩ እዩ። ኮይኑ ግን ፥የሱስ ጥራይ እዩ ከም ርእስን ጎይታን ኣብ ቤተ ክርስትያን ክዓቢ መሰል ዘለዎ።ነፍሲ ወከፍ ብዝኾነ መንገዲ ርእስኻ ምዕባይ -ማዕርጋት ብምጥቃም ከም ረቨረንድ፥ራይት ረቨረንድ፥ሜትሮፖሊታን፥ሃዋርያ፥ነቢዪ ፥ጳጳስ ፥ካርዲናል ፥ ቢሾብ ፥ፓስተር ወ.ዘ.ተ .., ኣብ ቤተ ክርስትያን ንተቐባልንት ምስ ክርስቶስ ምውድዳር እዩ።

ግናኸ ናይ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ መጽዊዒኦም "ኣገልጋሊ "እዩ ክኸውን ዘለዎ (ማቴ 23=11)።

•ናይ ገንዘብ ጉዳያት
ኣብ ናይ ገንዘብ ጉዳያት፥ናይ ሙሉ ግዜ ኣገልጋሊ ኣብ ክርስትናን መራሕቲ ቤተ ክርስትያንን ኣብነት የሱስ ክስዕቡ ይግባእ።ስለ ንሱ'ውን ናይ ሙሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ስለ ዝነበሮ።

የሱስ ንዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ፍጹም ብዛዕባ ገንዘባዊ ሕጽረታቱ ኣይነገረን።ንሱ ፍጹም ንኣግልግሎቱ ኣየዋዓወዔን ወይ'ውን ብዛዕባ ዕዩኡ ጸብጻብ ኣይሰደደን፥ምኽንያቱ እዚ ብተዘዋዋሪይ ምልማን ገንዘብ ምስ ኮነ።ኣቡኡ ገለ ሰባት ኣተሳሲእዎም ንየሱስ ብድሌትም ህያብ ክህብዎ- ከምእውን ንኸምዚ ዓይነት ውህበት የሱስ ተቐቢልዎ እዩ። ምኽንያቱ የሱስ ን12 ደቂመዛምርቱን ስድረኦምን ብገንዘብ ክሕግዞም ነይርዎ።እቲ ኡነታ የሱስ ተሓዚ (ይሁዳ) ዘድልዮን እቲ ኡነታ ይሁዳ ካብ ሳንጣ ክሰርቕ ዝኽኣለ ብዘይኣፍልጦ ዝኾነ ሰብ እዚ ዘምልክቶ ኣብቲ ሳንጣ ብዙሕ ገንዘብ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።

ሉቃስ 8=2-3 "ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ" ንየሱስን 12 ደቂመዛሙርቱ ክድግፋ ከምእ'ውን የሱስ ነቲ ውህበት ተቐቢልዎ ።

እንተ ኾነ የሱስ ነቲ ዝተቐበሎ ገንዘብ ዘጥፍኣሉ ዝነበረ መንገዲ ኣዚዩ ጥንቁቕ ነይሩ።ንሱ ብቐንዱ ንኽልተ ዕላማታት ጥራይ፥ ከምቲ ኣብ ዮው 13=29 ዝእንፍቶ 1.ዘድሌካ ዓድግን 2.ንድኻታት ሃብን።

እዚ ክንስዕቦ ዝግብኣና ኣብነት እዩ ኣብ ገዛናን ኣብ ቤተ ክርስትያናን። ኣድላይ ኣብ ዘይኮነ መጋየጺ ገንዘብ ኣየተጥፍእ። ዘድሊካ ጥራይ ግዛእ። ከምእውን ዘሎካ ተረፍ ንሱኡናት ኣመንቲ ምክፋል ኣይትረስዕ። ግዳ ኣብ ናይ ሙሉእ ግዜ ኣገልጋሊ እንተ ድኣ ኮይናን እግዚኣብሄር ውልቃዊ እቶታት ንኽነብረሉ እንተ ቐሪብልካ፥ ሽዑ ኣብ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክትሕግዘካ ኣይትደገፍ።ብገንዘብ ገዛእ ርእስኻ ደግፍን ንጎይታ'ውን ኣገልግል።

ኣብ 1 ጢሞ 5=17-18 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ "እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ "።

ጳውሎስ ኣብዚ "ገንዘብ" ዝብል ቃል ኣይተጠቀመን ፥ግናኸ "ክብሪ" ።እንተ ድኣ እዚ ገንዘብ ዝጠቅስ ነይሩ እንተ ዝኸውን ሽዑ ከምዚ ማለት ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ሽማግለታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዕጽፊ ክኽፈሉ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ካብ ዝረኽቦ ይእዝዝ ማለት እዩ።እዚ ትርጉም ዘይብሉን ብግሉሕ እዚ መንፈስ ቅዱስ ዝበሎ ዘሎ ኣይኮነን።ጳውሎስ ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘሎ ምሃብ ዕጽፊ ክብሪ "ምኽባርን ምምስጋንን" ነቶም ሽማግለታት ማሕበር እዩ።፡ንሽማግለታት ማሕበር ክብሪ ክንህብ ይግባእ፥ ልክዕ ከምቲ ብዕራይ ካብቲ ዘኺዶ ዘሎ እኽሊ ክበልዕ ዝፍቀድ።ስለዚ ናይ ሽማግለታት ቀዳምነት ደሞዝ "ክብርን፥ ምስጋናን፥ ወረታ" ካብ መጓሴኡ እምበር ገንዘብ ኣይኮነን።

ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 9=7-18 ብዛዕባ ገንዘባዊ ደገፍ ንናይ ምሉእ ግዜ ናይ ክርስትያን ዓየይቲ ይዛረብ ፥

"ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዚኽተል ? ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ ? ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዚጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ ? ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዓጸድናዮዶ በዚሑና እዩ ? ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ" ።

ስለዚ ብልክዕ ግቡእ እዩ ንናይ ሙሉእ ግዜ ሰበኽትን ሽማግለታትን ውህበት ካብቶም ዘገልግልዎም ክቕበሉ።

ኮይኑ ግን ጳውሎስ ኣብታ ሕጥቦ ጹሑፍ ቀጺሉ ይዛረብ ~
" ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ኪዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሐፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዚገብሮስ ሙማት ምሔሸኒ ነይሩ። 16 ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 17 እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። 18 እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ (ደሞዝ) ? ጥራይ እዚ ፥እቲ ወንጌል ክሰብኽ ከለኹ ፥ ንዝኾነ ይህብ ከይኽፈልኩ ። ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ።

ጳውሎስ ንደሞዝ ኢሉ ኣይሰበኸን ወይ እናዞረ'ውን ካብ ካልኡት ኣመንቲ ውህበት ክህብዎ ኣይተጸበየን። ንሱ ሰቢኹ ምኽንያቱ ኽኣ "ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኹን" እግዚኣብሄር ሓላፍነት ሕድሪ ወንጌል ስለ ዝሃቦን።

ስለዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ጎይታ ኣብ ዕዮ ጎይታ ዝጽዕር ካብ ደገፍቱ ውህበት ክቕበል ከም ዝግብኦ ክምህር ንርኢ ኢና።ኮይኑ ግን ኣብ ሓደ ግዜ ከምእ'ውን ንዕዘብ ኢና ~

1 .ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን ስሩዕ ወርሓዊ ደሞዝ ዝነበሮ። የሱስ ንደቂ መዛምርቱ ደሞዝ ክወስዱ ፍጹም ተስፋ ኣይሃበን ። ንሶም ናይ ሰባት ልቢ ኣንቀሳቒሱ ገንዘባዊ ደገፍ ክገብርሎም ንሰምያዊ ኣቡኦም ኣሚኖም እዮም " ከም ናይ የሱስ ጉዳይ" ከምዚ ዓይነት ህይወት ኣብ ኣገልግሎቶም ሓይሊ ክህልዎ መሰረታዊ ነይሩ። ከምእ'ውን እዚ ናይ እምነት ህይወት ዘይገንዘቦም ከይምነዩ ሓሊዎም።

2 .ኣብ ኩነታት ኣብቲ ጳውሎስ እዚ ቀረብ ደገፍ ብሰበኽቲ በዘይግባእ ክጥቀምሉ ምስ ረኣየ ፥ንሱ ካብ ዝኾነ ዝኾነ ገንዘብ ክይወስድ ወሲኑ ግናኸ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ክድግፍ፥እዚ ኽኣ ምእንቲ ነቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ወንጌል ክከላኸል ኢሉ እዩ። ንሱ ኣብ 2 ቆሮ 11=7-13 ከምዚ ይብል "ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ 8 ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ ነተን ካልኦት ማሕበራት ዝበዝበዝክወን። 9 ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰአንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዅሉ ድማ ርእሰይ ኸየኽብደልኩም እጥንቀቕ ኣሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ። 10 ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዜሕድገኒ የልቦን። 11 ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ። 12 ግናኸ በቲ ዚምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዚደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ። 13 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም"።

ጳውሎስ ዝኾነ ገንዘብ ካብ ክርስትያናት ተሰሎንቄ'ውን ኣይወሰደን፥ንሱ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 3=8-10 ከምዚ ኢሉ ኢሎ "ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፡ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 9-10 ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን"።

ከምእ'ውን ጳውሎስ ካብ ክርስትያናት ኤፌሶን ዝኾነ ገንዘብ ኣይወሰደን ። ንሱ ኣብ ግብሪ ሃዋሪያት 20=31-35 ከምዚ ይብል "ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ።32 ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ። 33 ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን።34 ንኣይን ነቶም ምሳይ ዚነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 35 ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም"።

ስለዚ ነቲ ዘለኻዮ ኩነት ብርቱዕ ጥንቃቔ ክትገብር ኣለካ - ኣብዚ ሕጅ እዋን ኣብ ሃገርካ -ግዳ እንታይ መርገጺ ክትወስድ ይግብኣካ ርኤ ጹሩይ ምስክርነት ንጎይታ ኣብ ኩነታትካ ክትዕቅብ።

ኣብ ኩለን ሲ.ኤፍ.ሲ ቤተ ክርስትያናት ጎይታ ዝተኸለን ፥ነፍሲ ወከፍ ልዕሊ ሚኢቲ ብዙሓት ሽማግለታት ንርእሶምን ስድርኦም ክድግፉ ይሰርሑ እዮም። ከምእ'ውን ሓደ ካብኣቶም'ውን እንተ'ኾነ ደሞዝ ዝቕበል የልቦን።፡ንልዕሊ 40 ዓመታት ሕጂ እዚ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ሰሪሑ እዩ ኣብ ቤተ ክርስትያናትና ኣብ ክልቲኡ ኣብ ሃብታም ከተማ ዘላ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ዝደኸየት ዓዲ ዘላ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ህንዲ። ከምእ'ውን ካብ ገንዘብ ሰብ ዝምነዩ ሰበኽቲ ቃል ኣምላኽ ዝጠቕሱን ብናይ ካልኡት ክርስትያናት እቶት ክድገፉ ዝደልዩ ሰሊኾም ከይኣትውና ኣድሒንና እዩ።

ዳርጋ ኩሎም ፓስተራት ኣብ ቤተ ክርስትያናት ኣብ ዓለም ወርሓዊ ደሞዝ ይኽፈሉ እዮም።ንሕና ኣይንፈርዶምን ኢና።ከምእ'ውን ደሞዝ ምውሳድ ከቋርጹ ኣይንነግሮሙን ኢና። ግናኸ እንተ'ድኣ ንቤተ ክርስትያን ክጓስዩ ዝተቐበልዎን ብምኽንያት በቲ ብዙሕ ገንዘብ ደሞዝ ቤተ ክርስትያን ዝቐረበትሎም እምበር ብንጹር ጻዊዒት ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ፥ ሽዑ ግን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮንኩምን ዘለኹም ክንብሎም ንኽእል።

ደሞዝ ክትቀበል እንተ ድኣ ወሲንካ ፥ሽዑ ከም ብነጻ ፍቓድ ሂያብ ብቤተ ክርስትያን ዝተውሃብካ ገይርካ ክትቅበሎ ኣለካ፥ከም ደሞዝ ኣይኮነን። እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ደሞዝን ህያብን እዚ እዩ -ደሞዝ ክጥለብን ምውሳኻ ክፍሊትውን ተወሳኺ ክሕተቶ ይክኣል እዩ። ኮይኑ ግን ህያብ ክጥለብን ዋላ ክትጽበዮን ፍጹም ዘይክኣል እዩ።

እዚ መርገጺ እዩ እቲ ሃዋርይት ዝወሰድዎ ንገንዘብ ኣብ ዝዛመድ ነገራት ኣብ ግዜ ሓድሽ ኪዳን ።ክርስትና መለኪዒኡ ብዓቢ እናንቆልቆለ መጺኡ እዩ። ግዳ ብምኽንያት እዚ ውድቀት ነገራት ገንዘብ ፥እቲ ሕማቕ ውጺኢት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ቅብኣትን መንፈሳዊ ስውጠትን ካብ ብዙሕ ናይ ክርስትያን ኣገልግሎታት ጠፊኡ እዩ። ኣብ ኣገልግሎት መብዛሕትኦም ፓስተራት ሎሚ ኣዚዩ ንእሽተይ ምግላጽ ናይ ኣምላኽ እዩ ዘሎ።የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እቶም ኣብ ነገራት ገንዘብ እሙናት ዝኾኑ ብጎይታ እቲ ሓቀኛ ሃብትን ኣምላኻዊ ምግላጽን ክውሃቦም እዩ (ሉቃ 16=11)።

መን ካብ መን ከም ዝወስድ ኣዚይና ክንጥንቀቕ ኣሎና።ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ገንዘብ ክንቅበል ኣይግባእን'ዩ ።ኣብዚ እነሄለ ካብቲ ንሕና ዝኾነ ገንዘብ ወይ ህያብ ክንቅበሎ ዘይግባእ።

1 .ካብ እቶም ዳግም ዘይተወለዱ ውልዳት እግዚኣብሄር ዘይኮኑ ገንዘብ ክንቅበል ኣይግባእን ኣብ ምድሪ ንዕዮ ኣምላኽ ምድጋፍ ዓቢ ክብርን ፍሉይ መሰልን እዩ።እንተ'ኾነ እቲ ፍሉይ መስል ነቶም ዳግም ዝተወለዱ ደቁ ጥራይ እዩ ዝተውሃበ (3 ዮው7)።

2 .ካብ እቶም ንስድርኦም ንምድራዊ ዘድልዮም ነገራት እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ክንቅበል ኣይግባእን መጀመርይ ንስድርኦም ዘድልዮም ነገራት ይሕለይሎም ፥ከም ኣብ 1 ጢሞ 5=8 ን ማር 7=9-13) ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ብዓል ብዙሕ ሚሊዮናት እዩ፥ከምእውን ከም ዝኾነ ምድራዊ ኣቦ፥ንሱ ብምኽንያት ንዕይኡ ገንዘብ ብምሃቦም፥ ዝኾነ ካብ ደቁ ክጠምዩ ብገንዘብ ስእነት ክሳቐዩ ኣይደልን እዩ።

3 .ካብ እቶም ዕዳ ክኸፍልዎ ዘለዎን ዝኾነ ገንዘብ ክንቅበል ኣይግባእን እዩ ? እግዚኣብሄር ደቁ ዕረፍቲ ዘለዎ ህይወት እዩ ክነብሩ ዝደሊ ፥ካብ ኩሉ ዕዳ ነጻ ክኾኑ ። መጀመሪይ እቲ ናይ ቄሳር ናቱ ዝኾነ ክንህብ ኣሎና ቅድሚ ዝኾነ ነገር ንእግዚኣብሄር ምሃብና፥ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ናይ ቄሳር ገንዘብ ይኹን ወይ ናይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ገንዘብ ክንህቢ ኣይደልን እዩ (ማቴ 22=21 ፥ሮሜ13=8)።ኮይኑ ግን ካብ ባንኪ እትልቅሖ ናይ ገዛ መግዝኢ ከም ልቃሕ ክሕሰብ የብሉን 'ኣብዘን ጥቕስታት ዘሎ ትርጉም ' ምኽንያቱ እቲ ገዛ እትውንኖ ንብረት ማዕረ ዋጋ ኣለዎ ምስቲ ዝተወሰደ ልቓሓ። ብሓደ ዓይነት ምኽንያት መኪና ብልቃሕ ካብ ባንኪ ዝተወሰደት'ውን ልቓሕ ኣይኮነትን - እንተ ድኣ እታ መኪና ኢንሽራንስ ኣቲያ ብዋጋ እቲ መጠን ካብ ባንኪ እተወሰደ ገንዘብ።

4 .ካብ እቶም ብዝኾነ ገለ መንገዲ ሰብ ዝጎድኡ እሞ ዘይተዓረቑ ዝኾነ ገንዘብ ክንቅበል የብልናን (ማቴ 5=23-24 ርኤ)።

5 .ካብ እቶም ብጸቕጢ ወይ'ውን ብምሃቦም እግዚኣብሄር ገለ ሽልማት ክህቦም ዝጽበዩ ዝኾነ ገንዘብ ክንቅበል ኣይግባእን። እግዚኣብሄር ሕጉሳት ውሃብቲ እዩ ዘፍቅር ስለዚ ንሕና'ውን ከምኡbክንከውን ኣለና (2 ቆሮ 9=7)።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ድሕረ ገጽ ናይ ቤተ ክርስትያና ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ (ገንዘባዊ መርሖና ቤተ ክርስትያን ሲ.ኤፍ.ሲ ባንግሎር https://tigrinya.cfcindia.com/ti/our-financial-policy.

ካባና ብዝተፈለየ መንገዲ ዝዓዩ ካልኡት ቤተ ክርስትያናት ሽማግለታትን ኣይንፈርድን ኢና።ኮይኑ ግን ኣብ ሲ.ኤፍ.ሲ ቤተ ክርስትያናት፥ነቲ ጎይታ ዘቕመጦ መለኪዒታት ክንዕቅቦ ብኣዚዩ ጥብቅን ጹኑዕን ንደሊ ኢና።

እትሰምዕ እዚኒ ዘላቶ ይስማዕ !