ናይ ሓቅን ሓሶትን ነብያት

Written by :   Zac Poonen Categories :   Religious or Spiritual
Article Body: 



ናይ እግዚኣብሄር ቃል ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ከምዚ ይብለና "ነቶም ነታ ኺዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ እናቃባጠረ ኼስሕቶም እዩ...."(ዳን 11=32) እቶም ብመንፈስ እቲ ጸረ ክርስቶስ ዝተጸለዉ ንሰብ ዝሕጉስ ክትስምዖ ባህ ዘብልን ቃላት ከም ዝጥቀሙ እዚ ድማ ንሰባት ክስሕቡ ስለ ዝደልዩ እዩ።ሓደ ብዘየጋጊ መገዲ ባህሪ ናይ ሓሶት ነቢይ ኣብ ታሪኽ ንሰብ ዝሕጉስ ቃላት ምዝራብ እዩ፥ ብኣንጻሩ ናይ ሓቂ ነቢይ ዝፍለጠሉ ባህሪ ኣብ ቃላቱ ተግሳጽ ዘሎዎ እዩ።

ናይ ሓሶት ነብያት ንሰብ ዝንእድ ደስ ዝብሎ ጥራይ ይነግርዎ እዚ ድማ ናብ ናቶም ማሕበር ክእትውዎ ናቶም መንግስቲ ክሃንጹ፥ክብሪ ክረኽቡ፥ገንዘብ ክእክቡ ወ.ዘ.ተ እዩ።እዞም ናይ ሓሶት ነብያት ኣቃራርብኦም ምስ ሰብ ዘሎዎም ጽብቕ እዩ እዚ ድማ ንሰባት ንምምዝማዝ እዩ፥እንተ ኾነ ቃላቶም ተግሳጽ ምእራም የቡሉን።ከም ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያት ኣብ ራኢ ዮውሃንስ ምዕራፍ 2፥3 ኣብ መልእኽትታ ዘሎ።

ልሙጽ ቃላት ንልብኻን ብትዕቢትን ርእሰ ምዕጋብን ዘርክስ እዩ።ተግሳጽ ግን ንልብኻ የንጽሆን የጽርዮን እዩ ፥ቃል ኣምላኽ የሱስ ንቶም ዘፍቅሮም ይቐጽዖም ይብለና(ራኢ ዮው 3=19)ተግሳጽ ሓደ ምልክት መሎኮታዊ ፍቕሪ ኣምላኻ እዩ።

ኣምላኽ ክግስጸና ኣብ ሞንጎና ነብይ ክሰድድ ከሎ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረና መረጋገጺ እዩ።ንሓንቲ ቤተክርስትያን እንተ ሓዲግዋ ግን ዝግስጽ ነብይ ኣይርከባን (መ.ዳዊ 74=1-9) ኣብ ክንድዚ ድማ ሰብ ክሰምዖ ደስ ዝብሎ ዝሰብኩ መምሃራን ጥራይ ይህልውዋ(ጢሞ 4=3-4) እዚ ድማ ዝሕዝን እዩ።

ኣብ ራኢ ዮውሃንስ ምዕራፍ 2.3 ካብተን ሽዋዓተ ኣብያተ ክርስትያናት እተን ሓሙሽተ ኣብ ጽብቕ ኩነታት እኳ እንተ ዘይነበራ ኣምላኽ ግን ኣይሓደገንን ነይሩ፥ናይዚ መራጋገጺ ድማ ኣምላኽ ብሃዋርያ ዮውሃንስ ገይሩ ክግስጾም ክእርሞም ብደብዳቤ ሰዲድሎም።ዮውሃንስ ብተሪር ቃላት ገይሩ እዩ ገሲጽዎም ከምዚ ብምባል "ናይ ቕድም ፍቕርካ ሓዲጋ ኢኻ እዚረኺበልካ ኣለኹ" " ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣለኹ ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣሎኻ ግናኸ ምውት ኢኻ" "ሃብታምን ፈሳስን እየ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ" ብምባል ክግስጾም ንርኢ።

እዞም ሽማግለታት ናይ እዘን ኣብያተክርስትያናት እንተ ዘይንስሑ ነይሮም ናይ ዮውሃንስ ተግሳጽ እንተ ዘይቅበልዎ ነይሮም ኣምላኽ ምስ ሓደጎም ነይሩ።ኣምላኽ ሓንሳብ ንቲ ቐዋሚ ቀንዴል እንተ ኣልጊስዎ ናብታ ቤተ ክርስትያን ነብይ ኣይሰድድን እዩ (ራኢዮው2=5)ናይ ሖስት ነብያት ይትንስኡ ቦታ ይሕዙ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ንሰብ ደስ ዝብል ጥዑም ቃላት ጥራይ ኩሉ ግዜ ካብ ሰንበት ናብ ሰንበት ጥራይ ይስማዕ እዚ ድማ ካብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናብ ካልእ ቤተ ክርስትያን ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ዝሓለፈ 20 ክፍለ ዘመን ተኸሲቱ እዩ ሕጅ ውን ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ንሱ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።