ሓቀኛ ቅድስና

Article Body: 

እቲ ጾር ናይ ኩሎም ነብያት ቅድስና እዩ ነይር።ጣኦትካ ምሕዳግን እግዚኣብሄር መጀመሪይ ኣብ ህይወትካ ምቕማጥን እዩ። ሓቀኛ ቅድስና ብጠቕላላ ጣኦት ኣብ ህይወትና ዘይምህላው እዩ። ቅድስና እግዚኣብሄር ንብምልኡ ልብና ክመልእ ከሎ እዩ።ሎሚ ጻዊዕትን ነዚ ክንእውጅ በዚ ኽኣ ቤተ ክርስትያን ኣብቲ እግዚኣብሄር ብሓጎስ ዝሓድረሉ ቦታ ክትከውን እዩ።

"ቅድስና ዘይቅየር ናይ እግዚኣብሄር ፍቕርን ናይ ኩሎም ነብያት ጾር እዩ ነይሩ"።

ሓቀኛ ቅድስና ዝመጽእ ነቲ ብሙልእ ልቡ ድድሕሪ ቅድስና ዝደሊ ሰብ ጥራይ እዩ፥ድማ ነቲ ቁኑዕ ትምህርቲ ኣብ ርእሱ ንዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን።እቲ ምስጥር ቅድስና ዝርከብ ብምጽናዕ ናይ ግሪኽ ቃላትን ግስታት ኣብ ሓድሽ ኪዳንን ኣይኮነን እንተ ኾነ ግዳ ብሙልእ ልብን ንእግዚኣብሄር ባህ ንምባል ቅኑዕ ድሌትን እዩ።እግዚኣብሄር ዝሪኢ ኣብ ልብና እዩ ፥ኣብ ሓንጎልና ኣይኮነን !

ዕቤት ኣብ ቅድስና ኩሉ ግዜ ብምውሳኽ ንቕሓት ናይ ሓደ ገዛእ ርእሱ ሓጥያት ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሄር ትዕዝብቲ ይስነ እዩ። ቅድስና ብዘይመጠን ተፍጥሮ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። ኢሳያይስ ራኢ ምስ ረኸበ፥ንሱ ሪኢዎ እዩ ብቕድስንኡ ድማ ገዛእ ርእሱ ከም ርኹስ ሰብኣይ ሪኢዋ (ኢሳይያስ 6=1-7)።እቲ ብመንፈስ ዝተምልኤ ህይወት ህይወት ብቕድስና ምዕባይ እዩ።ናይ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ብቕድስና ክውስኽ ከሎ ከምእ'ውን ኣፍልጦ ንቕሓቱ እቲ ፍጹም ዝኸነ ቅድስና እግዚኣብሄር።እዞም ክልተ ብሓባር ይኸዱ።ብሓቂ ፥እቲ ዳሕረዋይ ሓደ መፈተኒ ስብ ብሓቂ እቲ ቀዳማይ እንተ ሃሊዎ እዩ። ጳውሎስ ድሕሪ 25 ዓመታት ምልዋጡ ፥ንሱ ከምዚ ኢሉ "ኣነስ….ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቚዕ ኣይኰንኩን" (1ቆሮ 15=9)።ድሕሪ ዝቐጸለ 5 ዓመታት ንሱ ከምዚ ኢሉ "ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል" (ኤፌሶን 3=8)።ገና ድሕሪ ሓደ ዓመት ንሱ ከምዚ ኢሉ "ኣነ (ኣስትውዕል፥'ኣነ ነይረ' ኣይኮነን ግናኸ ኣነ ) ዝቐዳማዮም ሓጥኣን" (1 ጢሞ 1= 15)። ኣብዞም ኣገላልጻ ዕቤት ብቕድስና ሪኢኻዶ ? ጳውሎስ ዝያዳ ምስ እግዚኣብሄር ቀሪቡ ዝኸደሉ መጠን ፥ዝያዳ ንሱ ንቑሕ ኣፍልጦ ነይርዎ ነቲ ብኽለትን ክፍኣትን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ልቢ። ንሱ ኣብ ስጋ ሰናይ ነገር ክርከብ ከም ዘይክእል ፈሊጡ እዩ (ሮሜ 7=18)።

ኣብ ቦታ እቲ ሙሉእ ብሙሉእ ቅድስና እንደሌሉ ካብ ሙሉእ ብሙሉእ ጥዕና ንላዕሊ ክንመጽእ ኣሎና።ከምቲ ካብ ኩሉ ሕማማት ሙሉእ ብሙሉእ ነጻ ክንከውን እንደሌሉ፥ካብ ዘርክስ ካብ ኩሉ ሓጥያት መሉእ ብሙሉእ ሓራ ክንከውን ክንደሊ ኣሎና።ደጊምና ንሓጥያት ሸለል ክንብል የብልናን ንሕማም ሸለል ካብ ምባል ንላዕሊ።ንረሳሕ ሓሳባት ሸለል ምባል ልክዕ ከም ንዓባይ ስዓል ወይ ደዌ ሸለል ምባል እዩ ፥ንቑጥዔ " ድኻመይ እዩ ወይ ጠባየይ እዩ " ብምባል ገዛእ ርእስና ምኽንያት ብምግባር ድማ ከምዚ ገይርና ኣብ ህይወት ፥እዚ ልክዕ መሕድሮ ንኤድስን ፍንጣጣን ኣብ ሰብነትና ምፍቃድ እዩ።ሓጥያትን ሕማምን ኣዚዩ ተመሳሳሊ እዩ።

"በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዅሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን" (1ተሰ 3=12-13) ።እዚኦም ጥቕስታት እንተ ድኣ ኣብ ቅድስና ብዘይኣብር ክንከውን ፥ብፍቕሪ ንኩሉ ሰብ ክንውስኽን ክንመላኣን ከም ዘለና ይምህረና ።ቅድስና ብዘይ ፍቕሪ ዝተተምንየ እዩ -ድማ ዝኾነ ከምዚ ዓይነት ቅድስና ብልክዕ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽድቅን ሕጋዊ -ባህርን ፥እዚ ኽኣ ልክዕ ከም ጽዩቕ ጨርቂ ኣብ ቅድሚ ይዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ (ኢሳይያስ 64=6)።

ቅድስና ናይ እግዚኣብሄር ዘይቅየር ፍቕርን ጾር ናይ ኩሎም ነብያት እዩ ነይሩ፥ቅድስና ኣብ ህዝቢ ኣምላኽን ዘይቅየር ናይ እግዚኣብሄር ፍቕርን እዩ ንህዝቡ ዋላ ኣብ መንፈሳዊ ምንዝርና ጠፊኦም እንተ ኸዱ።ናይ እግዚኣብሄር ድሌት ኩሉ ግዜ ንህዝቡ ምምላስ እዩ።ንሱ ይቐጽዖም እዩ ፥እንተ ኾነ ግዳ ሽዑኡ ንሱ ድሕሪ እቲ መቕጻዕቲ ምውዱኡ ክመልሶም ይደሊ እዩ።

እዚ እዩ ከመይ ሓቀኛ ትንቢታዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስትያን ክዓይ ዝግብኦ ።ሓቀኛ ነቢይ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዓይነት ጾር ክህልዎ እዩ ከምቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ነቢያት ንቕድስና ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሮም።ድም ንሱ ክንቀሳቐስ እዩ ብዘይቅየር ፍቕሪ ኣምላኽ ነዊሕ ዝዕገስ ለዋህ ፍቕሪ ዘየባትኽ ድሌት ንድሕሪት ዝተመለሱ ህዝቡ ናብኡ ክመልስ ናብ ሓቀኛ ቅድስና።ትንቢታዊ ኣገልግሎት ክህሉ ይግባእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ፥እንተ ድኣ ብህይወት ክትህልውን ክትዓይን ንኣምላኽ ከምቲ ዝግብኣ።