ክልተ ተስፋታት

Article Body: 

ንተስፋ ዝቖረጹ ብምጽንናዕ ዘካርያስ ዝተባረኽ ኣገልግሎት እዩ ነይርዎ።ህዝቢ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ምስ ተመለሱ ኣብቲ ኣቦታቶም ጊላታትን ድኻታትን ፍርሃት ዝመልኦም ተስፋ ዝቆረጹን ነይሮም ፥ብዙሕ እዮም ተገሪፎም።ከምቲ ቅድሚ 200 ዓመታት ኣቐዲሙ ዝነበረ ዝሰልጠኑን መማረጽትን ወይ ከም ኣቦሓጎታቶም ሃብታማት ኣይነበሩን።ዘካሪያስ ነዚኦም ከጸናንዖም ተጸዊዑ እዩ።

ኣብ ዘካሪያስ 2=4-5 ጎይታ ከምዚ ኢሉ ነጊርዎም “ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚ፣ የሩሳሌም (ቤተ ክርስትያን) ፣ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣ እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፣ በሎ"። ቤተ ክርስትያን ምድራዊ ናይ ዝተፈላለየ ሃይማኖት መንደቕ የብላን።ናይ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ብምፍራም ናብ ውሽጢ ክትመጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ።ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቲ መንደቕ ሓዊ ሓሊፉ ክመጽእ ኣለዎ እንተ ድኣ ክፋል ናይ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ክኸውን ኮይኑ።እቲ ሓዊ ንኹሉ ምድራዊ ድሌታትን ባህግታትን ንገዛ ርእሱ ክነብርን ከንድዶ እዩ።ሽዑ ጥራይ እዩ ክፋል ኣካል ክርስቶስ ክኸውን ዝኽእል።

ከተማ ብመንደቕ ሓዊ ዝተኸበበት ።ከመይ ገይርካ ናብዛ ከተማ ክትኣቱ ትኽእል።በዚ ምንዳቕ ሓሊፍካ ክትኣቱ ከለኻ ኩሉ ነገር ክቃጸል ዝኽእል ክነድድ እዩ።እቲ ክንደድ ዘይክእል ጥራይ በቲ ሓዊ ሓሊፉ ክከይድ እዩ “ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ….” (እብ 12=29) “....ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ " (ኢሳ 33=14)።

ሰበኽቲ ትኽ ኢሉ ዝቕጽል ዓመታት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ማይ ኪዖም ኣጥፊኦም እዮም። ስለዚ ሎሚ ዝኾነ ሰብ ከይዱ ናብ ቤተ ክርስትያን ክጽንበር ይኽእል፥ምንም እኳ ገና ኩሉ ዓለማዊ ኣተሓሳስብኦም ዓቂቦም ከለው ፥ዓለማዊ ትልሕንቲን ፍቕሪ ዓለምን ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስትያን እግዚኣብሄር ከም ዘየለ ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነ ንሱ ዝሓድር ንሱ መንደቕ ሓዊ ኣብ ዙሪያ ቤተ ክርስትያን እዩ።

ከምእ’ውን ሽዑ እግዚኣብሄር ይቕጽል ከምዚ ብምባል “ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ" ኣብ ቤተ ክርስትያን ክብሪ ኣምላኽ ክህሉ እንተ ደሊኻ ፥ሽዑ መንደቕ ሓዊ ኣብ ዙሩያ ቤተ ክርስትያን ክኸውን ፍቐደሉ።እዞም ክልተ ሓቢሮም ብሓንሳብ እዮም ዝኸዱ።እንተ ድኣ መለኪዕታት እግዚኣብሄር ኣዚዩ ላዕሊ እዩ ኢሊካ ኣብቲ ሓዊ ማይ እንተ ኪዒኻ ሽዑ ክብሪ ኣምላኽ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ኣይክህሉን እዩ ።እቲ መንደቕ ሓዊ ምስ ተኣለየ እቲ ክብሪ’ውን ምስኡ ይኸይድ ።ሰረተ እምነት ኣገዳሲ እዩ።ኮይኑ ግን ዝኾነ ሰረተ እምነት መንደቕ ሓዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ቤተ ክርስትያን እቲ ቁኑዕ ሰረተ እምነት ኣይኮነን ግናኸ እቲ ክብሪ ኣምላኽ እዩ።እዚ እንተ ሃሊዩ ቅኑዑ ሰረተ እምነት’ውን ይስዕብ እዩ።እቲ ክብሪ ኣምላኽ እንተ ዘየለ ግን ኣብኡ ቅኑዕ ሰረተ እምነት ጥራይ ጥቕሚ ኣልቦ እዩ።

“ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ጽዮን፣ኣምልጢ" (ዘካ 2=7) እንታይ ዝበለ ቃል እዩ እዚ ? ነዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዋላ ሎሚ ክንእወጀሉ የድሌና ! ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ካብ ባቢሎን ክወጽእ ምርጭኡ ክገብር ኣለዎ።እግዚኣብሄር ንዝኾነ ሰብ ካብኡ ከውጽኦ ብወተጉ ወይ ክሳዱ ኣይሕዞን እዩ። እቲ ሓላፍነት ናይ ውልቀ ሰባት እዩ። ውሳኔ ክትገብር ኣለካ። ኮይኑ ግን ብውልቀይ ናይ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንእግዚኣብሄርን ንቃሉን ዘየኽብር ኣባል ፍጹም

ክኸውን ኣይደልን እየ። ኣነ ምስ ብሙሉእ ልቦም ዝስዕቡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ’ዚ መንደቕ ሓዊ ዝእከብን ኣብ ማዕከሎም ክብሪ ኣምላኽ ዘለዎም ምስዚኦም ክኸውን እየ ዝደሊ።

ቤተ ክርስትያን ክትሃንጽ ትደሊ እንተ ሃሊኻ ፥እምብኣርከስ ልክዕ ከምዚ ህነጽ። ካልእ ዝኾነ ዓይነት ቤተ ክርስትያን ጥቕሚ ኣልቦ እዩ።ኮይኑ ግን ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስትያን ክትሃንጽ ዋጋ ክትከፍል ኣለካ።በቃ ኣቋውማ ቀዲሕካ ኣብ ገለ ቦታ ዝርኣኻዮ ንኸተባዝሕ ምፍታን ኣይክኣልን እዩ። መጀመሪያ ኣብ ህይወትካ ክቃጸል ዘለዎ እግዚኣብሄር ከነድዶ ኣለዎ ቅድሚ ቤተ ክርስትያን ንዕኡ ባህ ዘብል ክትሃንጽ ምኽኣልካ።ስለዚ ኣረጋግጽ ነፍሲ ወከፍ ምድራዊ ትልሕንቲ ኣባኻ ከም ዝተቓጸለ።እግዚኣብሄር ዘፍቅሮ ዝኾነ ነገር ዘይምፍቃርካ ፥እግዚኣብሄር ዝጸልኦ ኩሉ ምጽላእኻ ርግጸኛ ኹን።ሻቡ እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስትያን ክሃንጽ ዝጥቀመሉ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።