ዘገርም ሓቅታት

Written by :   Zac Poonen Categories :   Youth
    Download Formats:

Chapter 1
ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ኣጽናፍ

ኣብ ሳይንሳዊ ምዕባለን ግስጋሰን ኢና እንነብር ዘሎና። ሓድ ሓደ ነገራት ኣቦሓጎታትና ኣይክኣልን እዩ ኢሎም ዝሓስብዎ ዝነበሩ፥ ኣብ ወለዶና ሰብ ብዙሕ ነገር ክዓይን ክሰርሕን ርኢና ኢና።


እቲ ስጉምቲ ናይ ሳይንስ እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ብዘይየቋርጽ ናህሪ እዩ። ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ክሳብ 1750 A.D ብምልኡ ፍልጠት ሰብ ሃንደበት ኣብ ዝሓለፈ 150 ዓመት ካብ 1900 A.D ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ይግመት። ኣብ 1900 A.D ዝነበረ ፍልጠት ሰብ ዳግማይ ዕጽፊ ኮይኑ እዚ ኽኣ ኣብ 50 ዓመታት እዩ-ብ1950 A.D። ኣብ 1960 ዳግማይ ኣብ 10 ዓመታት ክኣ ዕጽፊ ኮይኑ። ስለዚ ፍልጠት ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ዕጽፊ እናኾነ ከም ዝመጸ ይግመት።

ንኣብነት ንዉሰድ ፍጥነት መጓዓዝያ ሓደ ምልክት ሳይንሳዊ ግስጋሰ እዩ። ቅድሚ 200 ዓመታት ሰብ ኣብ ሕቖ ፈረስ ልክዕ ከም'ቲ ናይ ጥንቲ ወለዶታት ዝገበርዎ ንኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሞም ተጓዒዙ። ግናኸ ኣብ 1900 ዓ.ም ሰብ ብዝማዕበለ መጓዓዝያ 80 ኪ.ሜ ኣብ ስዓት ክጉዓዝ ክኢሉ፥ እቲ ዝቐልጠፈ ናህሪ ተባሂሉ ክኣ ተወሲዱ። ኣብ 1945 ዓ.ም ጀት ነፈርቲ ኣብ ኣየር መጽኤን፥ ሰብ ክኣ ኣብ ስዓት 1000 ኪ.ሜ ይጉዓዝ ኣሎ። ሎሚ ኽኣ ኣብ ስዓት ሰብ ኣብ ጠፈረ ልዕሊ 40.000 ኪ.ሜ ይጉዓዙ ኣሎ።


ሰብ ኣብ ወርሒ ስለ ዝበጽሔ ጠፈር ተገዚኡ እዩ ንብል ኢና፥ ግናኸ ወርሒ ኣብ ጠፈር ግዳማዊ ምዃና ክንርስዕ የብልናን። ጠፈር ብገዛ ርእሱ ኣዚዩ ሰፊሕ ክንዮ ሓሳብና እዩ። እምብኣር ንኣጽናፍን ጠፈርን ንርኤ።

ማእከላይ ርሕቐት ወርሒ ካብ ምድሪ ኣስታት 400,000 ኪ.ሜ እዩ፥ እዚ ኣዝዩ ንእሽተይ እዩ ምስቲ ርሕቐት ምድሪ ካብ ጽሓይ ክንጻጸር ከሎ ኣስታት 150 ሚሊዮን ኪ.ሜ እዩ። ርሕቐት ናይ ጽሓይ ኣዚዩ ዓቢ እዩ ዝርኤ እንተ ኾነ ብርግጽ ኣዚዩ ሒደት እዩ ምስ ርሕቐት እቲ ዝቐረበ ኮኾብ ክነጻጸር ከሎ።

ርሕቐት ናብ ከዋኽብቲ ክሕሰብ ከሎ ልሙድ መዕቀኒታት ኣይሰርሑን እዮም። ምኽንያቱ ናብ ክዉጠን ክትግበር ናብ ዘይክእል ኣሃዝ እዩ ዝመርሓና። ሳይንቲስት ተመራመርቲ ስነ-ከኾብ በዚ ምኽንያት እዚ ከም ምዕቀኒ ዝጥቀመሉ ርሕቐት ብርሃን ኣብ ዓመት ዝጉዓዞ እዩ። ዘክር ብርሃን 300.000 ኪ.ሜ ወይ ክኣ ሽውዓተ ግዜ ኣብ ዙርያ ምድሪ ኣብ ካልኢት ይጉዓዝ። ስለዚ ኣብ ዓመት ዝጉዓዞ ናብ ልዕሊ 9000 ቢልዮን ኪ.ሜ እዩ።

ናይ ገለ ከዋኽብቲ ርሕቐት ኣብ ግምት ንእቱ፥ እቲ ዝቐረበ ኮኾብ ብኣዒንትና ክንርእዮ እንኽእል ኮኾብ "ኣልፋ ሰንቷሪ"(alpha centauri)ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣርባዕተን ፈረቓን ብርሃን ዓመታት ካብ ምድሪ ይርሕቕ፥ እዚ ኣስታት 250,000 ግዜ ርሕቐት ናብ ጽሓይ እዩ። እዚ ማለት እንተ ድኣ ብፍጥነት ብርሃን ተጓዒዝካ ዋላ'ኳ ናብ ወርሒ 1.5 ሰከንድ ክትበጽሕ ትኽእል፥ ናብ ጽሓይ ክኣ 8.5 ደቒቕ ይወስድ በዚ ፍጥነት ክኣ ናብ "ኣልፋ ሰንቷሪ" ኮኾብ ክትበጽሕ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ይወስድ።


ዝበለጸ ሓሳብ ብዛዕባ'ዚ ንምሓዝ እዚ ነገር እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ግምት ንእቱ፥ ስኬል ሞዴል ናይ ዩኒቨርስ ምድሪ ንፍረ ሑጻ ተወኪላ ጽሓይ ክኣ ከም እምነ በረድ ሰለስተ ጫማ ካብ ምድሪ ርሒቓ ኩለን ፕላኔታት ብራድየስ 100 ጫማ ካብ ጽሓይ እንተ ኾነ እቲ ዝቀረበ ኮኾብ 150 ማይል ኣብ'ዚ ስኬል ሞዴል ናይ ዩኒቨርስ ካብ ምድሪ ርሒቑ ክርከብ እዩ።

እቲ ዝርሓቐ ኮኾብ ብዓይኒ ዝርኤ "ኣንድሮ ሜዳ ጋልክሲ" እዩ፥ እዚ ኽኣ 1.5 ሚሊዮን ብርሃን ዓመታት ንላዕሊ ካብ ምድሪ ርሒቑ ይርከብ። ካልኡት ውን ገና ብዙሓት ኣሎዉ ኣዚዮም ርሑቓት ጋላክሲ ብመንጽር ቴሌስኮፕ ዝርኣዩ 6.500 ሚሊዮን ዓመታት ርሒቖም ይርከቡ።

ሕጂ እምብኣር ርኤ፥ ኣብ ገሊኦም ኮዋኽብቲ መጠኖም ንኣሽቱ መሲሎም ይርኣዩ ንእሽተይ ቆልዓ ውን ከምዚ ይብል "ብልጭ ብልጭ ንእሽተይ ኮኾብ" ምድሪ ዓባይ መሲላ ትርኤ! ኣብ'ዚ ምድሪ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ክንበጽሕ ስዓታት ይወስደልና እንተ ኾነ ጽሓይ ኣዚያ ዓባይ እያ፥ ጥርሓ እንተ ትኸውን 1ሚሊዮን ዓንኬል መጠን ናይ ምድሪ ክገጥማ ይኽእል። ገና ግን ዋላ ጸሓይ ምስ ገለ ከዋኽብቲ ክትነጻጽር ከለኻ ንእሽተይ እያ። ገለ ከዋኽብት ኣዚዮም ዓበይቲ እዮም፥ ኣብ ማእከሎም ጥርሖም እንተ ዝኾኑ እዚ ኽኣ 500 ሚሊዮን ዓንኬል መጠን ናይ ጽሓይ ኣብቶም ከዋኽብቲ ክገጥም ይኽእል።


ኮኾብ ቢትልጁስ (Betelgeuse) 520 ብርሃን ዓመታት ካብ ምድሪ ይርሕቕ። ሓደ ካብቶም ድሙቓት ከዋኽብቲ ካብ ኦሬን ቤልት እዩ። ሰንጣቒቱ ክኣ 500 ሚሊዮን ኪ.ሜ እዩ፥ እዚ ማለት ጥርሑ እንተ ዝኸውን ምድሪ ብምቹእ ኩነታት ኣብ ዙርያ ጽሓይ ክትዘውር ትኽእል ኣብ ውሽጢ እዚ ከኾብ ኣብ ልሙድ ዓንኬል፥ ናይ ምድሪ ዓንኬል ኣብ ዙርይ ጽሓይ 300 ሚሊዮን ኪ.ሜ ሰንጣቒት ጥራይ እዩ።

ሕጂ እምብኣር ቁጽሪ ናይ ከዋኽብቲ ኣብ ግምት ኣእትው። ናትና ስርዒት ጽሓይ (Solar system) ክፋል ጋላክሲ እዩ "ሚልክ ወይ" (Milk way) ተባሂሉ ኽኣ ይጽዋዕ። ተመራመርቲ ሰነ-ከኾብ ብዉሕዱ 100.000 ሚሊዮን ከዋኽብቲ ኣብ ጋልክሲ ከም ዘለዉ ይግምቱ። ጽሓይ ሓንቲ ኮኾብ ጥራይ እያ። ከምኡውን ሚልክ ወይ ሓደ ጋላክሲ ኣብ መንጎ ብዙሓት እዩ።

ተመራመርቲ ሰነ ኮኾብ ብውሑዱ 100 ሚሊዮን ጋላክስታት ኣብ ክፋል ጠፈር ብቴሌስኮፕ ክርኣዩ ጥራይ ዝኽእሉ ከም ዘለዉ ይነግሩና።ክንዮ'ዚ ውን ካልኡት ብዙሓት ኣለዉ ።

ተወሳኺውን ኣብ ግምት ኣእትዉ እዞም ሰምያዊ ኣካላት ኣብ ዓንኬሎም ፍጹም ብዝኾነ ልክዕነት ይዘሩ። እታ ዝበለጸት ሰብ ዝሰርሓ ስዓት ካብ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ከዋኽብቲ ዝበለጸ ልክዕነት የብላን።ብርግጽ ክኣ ኣዚዩ ዝልዓለ ጥበብ ድሕሪ'ዚ ኣጽናፍ ዝፈጠረን ንነፍሲ ወከፍ ኮኾብ ፕላኔትን ዝመደበ ክህሉ ኣሎዎ።

ክንደይ ኣዚዩ ሰፊሕ እዩ ጠፈር! ክንደይ ንእሽተይ እዩ ሰብ! ሓደ ካብ ጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም'ዚ ጽሒፉ ኣሎ፥" ንሰማያትካ፣ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ" ገና ግን እግዚኣብሄር ፈጣሪ ናይ ኣጽናፍ ንነፍሲ ወከፍና ይሓሊ እዩ።እዚ እዩ ኽኣ መስተንክር ድንቂ ሓቂ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንምሃሮ።

ናይ ዝኾነ ኣቕሓ ብመጠን ዕብየቱ ኣይኮነን ዝዉሰን። ሓደ ወናኒ ብዙሕ ሚሊዮናት ቃጽዖ መሬት ክዉንን ይኽእል እዩ። ግናኸ ንእሽተይ ቆልዓ ወዱ ኣዚዩ ኣመና ዋጋ ዘሎዎ እዩ፥ ካብቲ ዝዉንኖ ኣዚዩ ሰፊሕ መሬት ንላዕሊ። ጠፈር ኣዚዩ ሰፊሕ ክኸውን ይኽእል፥ ናይ ከዋኽብቲ መጠን ኣዚዩ ዓቢ ክኸውን ይኽእል ኮይኑ ግን እግዚኣብሄር ንሰብ ካብ ኩሉ ፍጥረታቱ ዝያዳ የፍቅሮን ይንከናኾኖን እዩ። ሰብ ዉሉድ ኣምላኽ ክኸውን እዩ ተፈጢሩን፥ ከምኡውን ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክገብርን ።ከም'ዚ ዓይነት ሕብረት ምስ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዕላማ ናይ ሰብ ምንባሩ ትርጉም ዝህቦ።

ዕብየት እግዚኣብሄር ኣብ ተፈጥሮ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እንተ ኾነ እዚ ኣምላኽ ውን ዘፍቅረናን ዝሓሌልና ምኻኑ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጾ እዩ።

Chapter 2
ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ሰብ

ሰብ ኣኽሊል ናይ እግዚኣብሄር ፍጥረት እዩ። ካብ ኣብ ኣጽናፍ ዘለዉ ከዋኽብቲ ንላዕሊ ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣዚዩ ዓብን ድንቅን እዩ። ቅድሚ ኩሉ ኣካላትና ከመይ እግዚኣብሄር ድንቂ ገይሩ ፈጢርዎም።


ናይ ሰብ ሓንጎል 30 ሚሊዮን መትኒ ዋህዮታት ከም ዘለዉዎ ሓካይም ይነግሩና። ነፍሲ ወከፎም ክኣ ዝዓይሉ ዓቕሚ ዳርጋ 1/10 ቮልት ሓይሊ ኤለክትሪክ እዩ። እቶም ልዕሊ 35 ዓመት ዕድመ ዘለው 1000 ካብ እዞም መትኒ ዋህዮታት ምዓልታዊ ይጠፍኡ - እዞም ዋህዮታት ፍጹም ኣይትኩኡን እዮም። ክሳብ መወዳእታ ህይወትና ገና እቲ ቀንዲ ስራሕ ሓንጎል ስርሑ ይቕጽል፡ ዋላ'ኳ ኣብ እቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳት ቅሩብ ናይ ስምዒት ዓቕሞም እንተ ኣጥፍኡ።

ትፈልጥዶ ነፍሲ ወከፍ ዓይንና 130 ሚሊዮን ንኣሽቱ ሮድስ ንጸሊምን ጻዕዳ ንምርኣይን ከምኡውን 7 ሚሊዮን ኮንስ ንሕብራዊ ንምርኣይ ከም ዘለዉዎ፧ እዚኦም ኩሎም ብ300.000 መትኒ ጭሕጎ ምስ ሓንጎል ተተሓሒዞም ኣሎው። ናይ ሰብ ዓይኒ 1.5 ሚሊዮን መልእኽቲ ብሓደ ግዜ ክቕበል ይኽእል!ናይ ሓደ ዓይኒ ዕማም ንኸተባዝሕ መካኒካዊ 250.000 ናይ ተለቪዥን ኣመሓላለፍትን ተቐበልትን የድሊ!

ብዛዕባ እዝኒ ኣብ ግምት ኣእትው፧ እቲ ኦዲታሪ ነርቭ ሰለሰተ ርብዒ ኢንች ጥራይ እዩ ቁሞቱ ከምኡ ውን ሰንጣቒቱ ከም ልሙድ ሊይድ ርሳስ እዩ፥ እንተ ኾነ 30.000 ኤለክትሪካዊ ዑደት (Circuit) ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እንተ ድኣ ናይ ሰብ እዝኒ ምስ ፒያኖ ከነነጻጽሮ እንተ ኾይና እቲ ናይ ፒያኖ ኪቦርድ 88 መፍትሕ ኣለዎ፥ ኪይቦርድ ናይ ዉሽጢ እዝንና 1100 ኣለዎ ልክዕ ሓደ ድግግም ሞጎዳዊ ዋሕዚ። ብኻልእ ቃላት ኣዚዩ ብጣዕሚ ግንዛቤ ዘለዎ እዩ፥ እዚ ኽኣ ኣብ መንጎ ዝኾነ ክልተ መፍትሕ ኣብ ፒያኖ 12 ዝተፈላለየ ድሃይ ቃና ከልዕል ይኽእል።

ሕጂ ርኤ ንልብን ንደም መትንታትን፡ ክሳብ ገለ ጸገም ዝፍጠር ብዛዕብኦም ኩሉ ግዜ ኣይንሓስብን ኢና! ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ኣካልና ዘቕመጣ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 40 ሚሊዮን ግዜ ትሃርም ብዘይ ገለ መለሳለሲ ዘይትን ከምኡ ውን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከይወሰደትን።ዋላ'ኳ እንተ ዘይፈል- ጥካዮ ልብኻ ኣብ ዉሽጢ ኣካልካ 100.000 ግዜ ትማሊ ሃሪማ ከምኡ ውን ብናይ ደም መትኒ 100.000 ኪ.ሜ ካብ ርእስኻ ክሳብ ኣጻብዕ እግርኻ ደም ትጭንጉዕ። ኣካልና ውን ልዕሊ 172 ቢሊዮን ቀያሕቲ ናይ ደም ዋህዮታት ኣፍሪዩ እዩ፥ በቃ ትማሊ ንመተካእት ንቶም ዝተጎዱኡን ዝበለዩን። ሎሚ ብህይወት ምህላውካ ትኣምራት ኣይኮነን ድዩ!


ንጽኪ ኣብ ግምት ኣእትዉ፥ ታይሮይድ ግላንድ ኣብ ኣካልና 1/500 ግራም ኣዮዲን ምዓልታዊ የድልዮ። ገና እዚ ማይክሮስኮፒክ መጠን እንተ ድኣ ዘየለ ኮይኑ ኣብ ኣካልካ ህጻን እንተ ድኣ ነይርካ ብርግጽ ናይ ኣእምሮ ዘይምምዕባል ምስ ኮነ።


ፒቱታሪ ግላንድ ጽኪ ክኣ'ሞ ዝያዳ ድንቂ እዩ። ምዓልታዊ ፍርያት ነዝዒ ክብደቱ ሓደ ኣብ ልዕሊ ምሊዮን ግራም ጥራይ እዩ። ገና ንእሽተይ ምዉሳኽ ወይ ክኣ ምንካይ ኣብ ፍርያት እዚ ጽኪ ማለት ፒቱታሪ ግላንድ ኣብ ሰብ ኣብቲ ዝዓብየሉ ግዜ ኣካላዉን ኣእምራዉን ጥዕና ዘይብሉ ይገብሮ። እምብኣር ሎሚ ብጥዕና ዘለናዮ ምኽንያት ዝተወሳሰበ ንምርድኡ ዘጸግም ስራሕ ናይ ስርዓት ኣካልና ፍጹም ጽቡቕ ምዃኑ እዩ።

ብሓቂ ከምቲ ሓደ ጽሓፋይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጽሓፎ፥ "ድንቂ ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ ከመስግነካ እየ!"ኣደዃኹና ኣካል ናይ ሰብ እቲ ፍጹም ዝተማዓራረየ ናይ እግዚኣብሄር መደብን ኣብኡ ብርግጽ መስተንክር እዩ። ርግጽ እዩ፡ ገለ ካብቲ ኣብ ኣካላት ሰብ ዝርከብ ድንቂ ነገራት ከምኡ ውን ኣብ ኣካላት ናይ እንሳታት ውን ይርከብ እዩ።

ግናኸ ሰብ ነፍሲ ኣለዎ ኣብ ውሽጡ ኣካሉ፥ ነፍሲ ክኣ ስብእና ዝሓዘን ኣእምሩኡ፡ ስምዒቱ፡ ፍቓዱን እዩ-ኣእምሮ ዝሓስብን ተራ ምስትውዓልን ስምዒታት ክስምዓና ዝገብርን፥ ናይ ፍቓድ ሓይሊ ኽኣ ክንውስን ዘኽእለና እዩ።


እንስሳታት ሓንጎል ኣለዎም ኮይኑ ግን ክሓስቡ ኣይክእሉን እዮም። ሰብ ክሓስብን ነቲ ዝሓሰቦ ኣዉሪዱ ክጽሕፎን በዚ ፍልጠቱ ኽኣ ንዚቕጽል ወለዶ ኽኣ ይሕልፎ እዩ። እዚ ነገር እንስሳታት ፍጹም ክገብርዎ ኣይክእሉን እዮም። ኣዕዋፍ ክሳብ ሕጂ ሰፈረን ይሰርሓ እየን ልክዕ ከምቲ ቀዳሞት ኣዕዋፍ ንኣሽሓት ዓመታት ዝገብርኦ ዝነበራ። ናይ ሰብ ናይ ክእለት ክፋል ምስሊ ኣምላኽ ምስኡ ዘሎ እዩ። እዚ ንእሽተይ ምስ ሰብ ዘሎ ምስትውዓል ኣብ ኣምላኽ ዝርከብ እዩ።


ግናኸ ገና ካልእ ብዙሕ ናይ ሰብ ኣሎ፥ ሰብ ድንቂ ኣካል ጥራይ ኣይኮነን ዋላ ውን ድንቂ ነፍሲ። ሓደ ነገር ኣሎዎ ኣዚዩ ዝዓሞቐ ዝያዳ ዋላ ካብ ኣካልን ነፍስን፥ እዚ ኽኣ መንፈስ እዩ። ካብ ኩሉ ፍጥረታት ምድሪ ክኣ ፍሉይ ይገብሮ። እዚ መንፈስ እቲ ዝዓሞቐ ክፋል ተፈጥሮና እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ይነግረና-ዝልዓለ ህላወ ፈጣሪ ከም ዘሎን ክኣ ሞራላዊ ተሓተቲ ኢና። እግዚኣብሄር ከም ዘሎ እቲ መስተንክር ዝኾነ ፍጥረት ጥራይ ኣይኮነን ዝምህረና፥ እቲ መንፈስ ኣባና ዘሎ ውን ሓደ ነገር ይነግረና እዩ።

ምዕባለ ይኹን ትምህርቲ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ኣይምህረናን እዩ፥ ዋላ ሃይማኖት ውን እንተ ኾነ። እንተ ድኣ ዘይሰልጠኑ ህዝብታት በጺሕካዮም ኣብ ጫካታት እዛ ዓለም ዘለዉ፥ ኣብ መንጎ እዚኦም ዘይሰልጠኑ ሓደ ነገር ብዛዕባ እግዚኣብሄር ግንዛበ ትረኽበሎም። ኣብ ሓደ ነገር የምልኹ ወይ ካልእ ምኽንያቱ ምስኦም ኣብ ውሽጦም መንፈስ ኣሎ ሓደ ላዕለዋይ ፈጣሪ ከም ዘሎን ኣብ ቅድሚኡ ውን ከም ዝሕተቱ ይንገሮም እዩ። ጌጋ ክሰርሑ ከለዉ ዝረትዖም ኣብ ውሽጦም ሕልና ኣለዎም። ዝኾነ እንስሳ የልቦን ባህርያዊ ናይ ኩሱስነት ስምዒት ዘለዎ።

እንስሳታት ከተሰልጥን ትኽእል ኢኻ ናይ ኩሱስነት ስምዒት ከም ዝስምዖም ብምግባር። እንተ ኾነ ዝኾነ እንስሳ ብኡ ንብኡ ከም ዝተጋገየ ናይ ኩሱስነት ስምዒት ዝስምዖ የለን። ሰብ ጥራይ እዩ ምስ ተጋገየ ናይ ኩሱስነት ስምዒት ዝስምዖ ንሱ ጥራይ እዩ መንፈስን ሕልናን ዘለዎ። በዚ ምክንያት እዩ ኣብ ኩሉ ዓለም ገለ መልክዕ ዘሎዎ ሃይማኖት ሰባት ዘሎዎም። ግናኸ ሃይማኖታዊ ህበይ ወይ ሃይማኖታዊ ከልቢ ፍጹም ከጓንፈካ ኣይክእልን እዩ።

ሰብ ክንዮ እዚ ናይ ምድሪ ጻንሖቱ ዕድመ ህይወቱ ንሓደ ነገር እዩ ተፈጢሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ነፍሲ ወከፍና ንሓደ ነገር ላዕለዋይ ሃንቀው ንብልን ካብ ኣብ'ዚ ምድሪ እንረኽቦ ዝዓበየ ኣብ ውሽጥና ኣቐሚጡ እዩ።


ሰብ ዘልኣለማዊ ፍጡር እዩ። ብዛዕባ ናይ ሰብ ፍልቀት ዘጽንዑ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን ፍልልይ የለን ክብሉ ይኽእሉ ይኾኑ፥ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘሎ ሕጊ ምቕታል ህጻን ካብ ምቕታል ሓርማዝ ዝዓበየ ገበን ምዃኑ እዩ ዝፍልጥ። ሓርማዝ ኣዚዩ ገዚፍ እዩ፥ ኮይኑ ግን ንእሽተይ ህጻን ኣዚዩ ክቡር እዩ። ምኽንያቱ ኽኣ ብምስሊ እግዚኣብሄር እዩ ተፈጢሩ። ሰብ ናይ እግዚኣብሄር ፍጥረት ኣኽሊል እዩ። ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክገብር እዩ ኽኣ ተፈጢሩ።

Chapter 3
ዘገርም ሓቂ ብዛዕባ ሓቀኛ ለውጢ

ሎሚ ኣብ ዓለም መንፈስ ዘይምዕጋብ ብፍላይ ኣብ መንጎ መንእሰያ ኣሎ። ነቲ ዝጸንሔ ስርዓት ናይ ምእላይ ባህግን ካልእ ዝሓሸ ሓደ ነገር ዝበልጸ ምድላይን ኣሎ። ለውጢ (Revolution) ዝብል ቃል ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣዚዩ ህቡብ እዩ። ሪቮልሽን ማለት ለውጢ ማለት እዩ። ሎሚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ለውጢ ፖሎቲካዊ ለውጢ ኢኮኖምያዊ ለውጢ እዩ ዘሎ።ፋሽናት ቅድታትውን ኣዚዩ ብቕልጡፍ እዩ ዝቐየር ዘሎ።ሓደ ፋሽን ኣብ ሓደ ዓመት ዝነበረ ኣብ ዚቕጽል ዓመት ፋሽን ኣይኮነን። ዋላ ኣብ ንግዲ ዓለም ውን ለውጢ ኣሎ። 65% ኩሉ ፍርያት ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ዓለም እትረኽቦም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት የለውን።


ኣብ ኩሉ ዙርያና ለውጢ ኣሎ። ሰባት ንሓደ ዚሓሸ ነገር እዮም ዘናድዩ ዘለዉ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ንለውጢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣሎ። ዛጊት ግን ዋላ ብኸምዚ ነገራት ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ጥራይ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ሎሚ ጋዜጣታት ብዜና፥ ድርቂ፡ ብጥሜት፡ ዝሞቱን፡ ሽቕሎ ኣልቦነት፡ ጎነጽ፡ ውግእ፡ ዕንወትን እየን መሊኤን ዘለዋ።


ንሕብረተሰብና እቲ ዝበለጸ ነገር እንተ ድኣ ንደሊ ሃሊና፥ በቲ ዘሎ ኩነታት ዘይዓገብካ ምዃን ሕማቕ ኣይኮነን። ብርግጽ ዝበልጸ ብናይ ናብራ ኩነታት ንህዝብና ንደሊ ኢና። ህዝቢ ሃገርና ህዝቢ ዓለምን ካብ ሕጽረት ነጻ ክኸውን ነፍሲ ወከፍ ዝነብረሉ ክህልዎ፡ ዝለብሶ ክዳን፡ ዝበልዖ መግቢ ንደሊ ኢና። ህዝቢ ሃገርና ዓለምን ብዓቢ ሓርነትን ናጽነትን ከሰተማቕሩ ንደሊ ኢና። ብጉዳያት ሃገር ዕጉብ እኳ ድኣ ብዛዕብኡ ሱቕ ትብል እንተ ኾንካ ኩሉ ግዜ እዚ ምልክት ሞት እዩ። ዝሞቱ ሰባት ጥራይ እዮም ብዛዕባ ህሉዉ ከነታት ምቕያር ዘይሓስቡ። ኣብ መቓብር ለውጢ (Revolution) የለን! ግናኸ ከምኡ ውን ግስጋሰን ምዕባለን ውን የለን!

ኣብ ነጻነት ዘለዎ ሃገር ምናልባት ንነብር ንህሉ። እንተ ኾነ ንፈልጥዶ ሓቀኛ ሓርነት ኣብ ውልቃዊ ህይወትና፧ ወዲ ሰብ ብሳይንስ ገስጊሱን ማዕቢሉን እዩ፥ ግናኸ ብስነ-ምግባር ሞራል ግስጋሲኡ ዝደንገዘ እዩ። ሎሚ መብዛሕትኤን ሃገራት ነጻን ብገዛእ ርእሰን ዝምሓደራን ዝምርሓን እየን። ግናኸ ሰብ ገዛ ርእሱ ገና ኣብ ባርነት እዩ ዘሎ። ሰብ ዋላ'ኳ ግዳማዊ ሓርነት እንተ ሃለዎ፥ ፍትወት ርእሱን ጽዩፍ ድሌታቱን ክገዝእ ኣይክኣለን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥ "ካብ ንሃገር ምምራሕ ንላዕሊ፥ ድሌታትካ ምቁጽጻር እቲ ዝበለጸ እዩ"።


ለውጢ ነቲ ዝጸንሔ ስርዓት ምእላይ ዝሓቖፈ እዩ። በዚ ኣገላልጻ ክፋል ሓቂ ዘለዎ፥ የሱስ ክርስቶስ ዓለም ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዝዓበየ ኣምጻኢ ለውጢ (Revolutionary) እዩ። እቲ እንኮ ፍልልይ ኣብ'ዚ ካልኦት ደለይቲ ለውጢ ግዳማዊ ለውጢ ክምህሩ ከለው፥ የሱስ ክርስቶስ ክኣ ናይ ውሽጢ ለውጢ ምሂሩ። የሱስ ነቲ ሱሩ ጸገም ሃሪሙን ሰብ ዘድልዮ ኽኣ ኣብ ውሽጡ ዝመጽእ ለውጢ ምዃኑ ምሂሩ።

ሰብ ነዚ ናይ ውሽጢ ለውጢ ምስ ተመኮሮ ድሓር እቲ ናይ ግዳማዊ ባዕሉ ክተዓራረ እዩ። መጀመርያ ነቲ ጠንቂ ሱር እቲ ጸገም ክንፈትሖ ኣሎና። ሓኪም ንሓደ ሕሙም ክፍውሶ ከሎ ነቲ ግዳማዊ ምልክታት ጥራይ ኣይኮነን ዝፍውሶ፥ ነቲ ሕማም ባዕሉ እምበር። ንኣብነት ሓደ ሰብ ብሕማም ካንሰር ዝሳቐ ዘሎ ሽውሃት ናይ መግቢ ስለ ዘይብሉ ከማርር ይኽእል እዩ። ሓኪም ነቲ ሰብኣይ ናይ መግቢ ሽውሃቱ ጥራይ ፈዊሱ፥ ነቲ ናይ ካንሰር ሕማሙ እንተ ዘይፈዊስዎ ኣመና ዓሻ እዩ። ከምኡ ውን ግዳማዊ ለውጢ ንጸገማትና መፍትሒ እዮም ኢሎም ዝሓስቡ ተመሳሳሊ ጌጋ እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ነቶም ምልክታት ጥራይ ከጥፉኡ እዮም ዝፍትኑ ዘለዉ፥ እንተ ኾነ እቲ ሕማም ገዛእ ርእሱ ገና ኣሎ።

እንታይ እዩ ምስ ዝጸንሔ ስርዓት ክእለ ዚግባእ፧ ሰብ ሎሚ ኣብ ኣምላኽ ከይተሞርኮሰ ኣብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዝነብር ዘሎ። ዋላ ሃይማኖተኛታ ሰባት ብብዙሕ መገዲ ናይ ገዛእ ርእሶም እዮም ዘናድዩ። ብዛዕባ ህይወቶም መደብ ከዉጹ ከለው፥ እግዚኣብሄር ኣብ ገምጋሞም ዝርዝራት ኣይኣቱን እዩ። ነዚ ስርዓት ምእላይ ማለት ናብ ቦታ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ተሞርኪሱ ዝነብሩ ምምጻእ ማለት እዩ። የሱስ ክርስቶስ ዝመጸ ነዚ መንፈሳዊ ለውጢ (Revolution) ንምምጻእ እዩ።


ኣብ ግምት ንእቱ ካልእ ሽነኽ። ኩሉና ካብ ወለድና ሃይማኖት ወሪስና ኢና። ምስ እዚ ሃይማኖት ማዕረ ማዕሪኡ ዝወረሰናዮ ዝተወሰነ ከሎ ገና ዝፈተናዮን ዝጸላእናዮን ዘማዕበልናዮ ዝሃነጽናዮ ንዓመታት ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ዘሕዝን እዩ መብዛሕትኦም ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኣይሓስቡን እዮም። ቀሺ ካህን ወይ ፓስተር ኣለዎም ንዕኦም ዝሓስበሎም። ክሳብ ሕጂ ግን ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምሕሳብ እቲ ኣዚዩ ፍረ ዝመልኦ ንጥፈት ዝኾነ ሰብ ክሳተፎ ዚኽእል እዩ። ብዛዕባ እግዚኣብሄር እቲ ሓቂ ብልክዕ ምእንቲ ክንፈልጥ ክንዉስን ይግብኣና። ኣብዚ ጉዳይ ክንጋገ ኣይግባ- እን።


ሕሰብ ኣብ ግምት ኣእትዉ ነገራት ከመይ ምስ ኮኑ ነይሮም ሰብ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ንገዛእ ርእሱ ክሓስብ እንተ ዝነጽጎ ነይሩ። ሰባት ኣቦሓጎታቶም ዝኣመንዎ ኩሉ ግዜ ዝቕበልዎ ነይሮም እንተ ዝኾኑ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ጠቕላላ ምዕባለ ኣይምስሃለወን ነይሩ።

ኣብዚ ሓደ ኣብነት እንሆ ንኣሽሓት ዓመታት ሰባት ምድሪ ማእከል ናይ ዩኒቨርስ እያ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። እዚ ማለት ጽሓይ ከዋኽብቲ ኣብ ዙርያ ምድሪ ይዞሩ ነይሮም ማለት እዩ።ግናኸ ቅድሚ 450 ዓመታት"ኮፕርኒከስ"(Copernicus) ዝብሃል ሰብ ነቲ ኣቦሓጎታቱ ዝኣምንዎ ዝነበሩ መርሚሩ ተጋጌም ከም ዝነበሩ ኽኣ ኣረጋጊጹ።

ሳይንስ ኣብ ግስጋሰን ምዕባለን እዩ ዘሎ፥ ምክንያቱ ሳይንቲስት እቲ ኣቦሓጎታቶም ዝኣመንዎ ተዓሚቶም ኣይተቐ- በልዎን። ቅድሚ ሓደ ዘመን ሰባት ክነፍር ዝኽእል ማሽን ክህሉ ኣይክእልን እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ሎሚ ሰባት ብነፋሪት ኣብ ብዘሎ ዓለም ይጉዓዙ ኣለዉ። ኣብ መጀመርያ ናይ'ዚ ዘመን እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ኣቶም (Atom) ክምቀል ከም ዝኽእል ዝኣምን ኣይነበረን።ሰብ ኣብ ወርሒ ክረግጽ ይኽእል እዩ ኢሉ፥ ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት ዋላ ሓደ ዝኣምን ኣይነበረን፥ ግናኸ ሰብ ኣብ ወርሒ ረጊጹ እዩ።

ኣብ ዓውዲ ሃይማኖት ጥራይ እዩ "እንታይ እዩ'ሞ ክዓብስ!" ሰባት ወለዶም ወይ ኣቅሽሽቶም ዝምሃርዎም ተዓሚቶም ዝቕበልዎ። ብዛዕባኻኸ እንታይ እዩ፧ እንታይ እዩ ናትካ ሃይማኖታዊ ርድኢትካ፧ እዚ ርድኢትካ ካብ ኣቦሓጎታትካ ተዓሚትካ ዝተቐበልካዮ ዝወረሰካዮ ጥራይ ድዩ፧ ወይስ ንእግዚኣብሄርን ንዘላኣለምን ዝምልከት፥ ኣብ ኣእምሮኻ ኣጸጺኻ ዝሓዝካዮን ከምኡ ውን ርግጸኛ ዝኾንካሉ ርድኢት ምእማንካ ናትካ ኣለካ፧


የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ኣምጻኢ ለውጢ (Revolut- ionary) ዓለም ዝርኣዮቶ እዩ፥ ምኽንያቱ ንሰባት ካብ ውሽጦም ክልዉጥ ነዚ እዩ መጽዩ። ሰብ ካብ ውሽጡ ምስ ተለወጠ እቲ ሕማቕን ዘይድሓንን ናይ ዓለምን ሕብረተሰብን ክኣ ክፍወስ እዩ። እዚ ግን ቅድሚ ሰብ ምልዋጡ ኣይኮነን። ሰብ ክሳብ ገዛእ ርእሱ ዝልዉጥን ነቶም ኣብ ዓለምናን ሕብረተሰብን ዘጋጡሙና ዘለው ጸገማት መፍትሒ የብሎምን።

Chapter 4
ዘገርም ሓቂ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ነገር ንሰብ ዘድልዮ

ንሰብ እቲ ዝዓበየ ነገር ዘድልዮ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ'ዚ ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ መግቢ ድዩ ወይስ መጽለሊ ወይስ ስራሕ፧

ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘሎዎ የድሊዩና እዮም ዋላ ሓደ ዘጣራጥር የልቦን። ብዘይ መግቢ መጽለሊ ስራሕ ክንህሉ ክነብር ኣይንኽእልን ኢና። መግቢ ንኣካልና፡ ክዳን እንለብሶ፡ መጽለሊ የድሌና ስራሕ ውን የድሌና እዩ። ናይ እዚኦም ኣገዳስነትን ኣድላይነትን ንሓደ ካብዚኦም ዋጋ ዘይብሎም ክንገብሮም ኣይንኽእልን ኢና። ኮይኑ ግን ኣብዚ ናይ ቁሳውነት ንብረትን ዘመን ሎሚ እንነብሮ ዘሎና ናይ ሰብ ዝዓበየ ሓደጋ ናይ ሓደ ግዜ ፍጡር ዘይኮነስ፥ ናይ ዘልኣለም ምዃኑ ምርሳዕ እዩ። ምስ ኣካሉ መንፈስ ሓዲሩ ኣሎ። በተዛማዲ ዋጋታት ኣዚዩ ኣገዳሲ ካብ ኣካል ንላዕሊ እዩ። ኣካል ዘድሊዎ ነገራትን ኣገዳሲ ኮይኑ፥ ግን መንፈስናን ንዕኡ ዘድሊዎ ነገራት ብጣዕሚ ኣዚዩ ኣገዳስን ዚድልን እዩ።

ኣብ ገዛኻ ዝሓመመ ከልቢ እንተ ሃልዩካ ምእንቲ ክፍወስ ናብ ሓኪም እንስሳ ትኸይድ ኢኻ፥ ግናኸ ኣብ ሓደ እዋን ዝሓመመ ቆልዓ እንተ ሃልዩካ ግን ምርጫ ክትገብር ኢኻ፥ ነቲ ቆልዓ ወይስ ነቲ ከልቢ ናብ ሓኪም ቅድም ክትወስድ። ብርግጽ ነቲ ቆልዓ መጀመርያ ክትወስዶ ኢኻ። ከልብኻ ኣገዳሲ ስለ ዘይኮነ ኣይኮነን፥ ግናኸ እቲ ቆልዓ ኣዚዩ ኣገደሲ ስለ ዝኾነ እዩ። ልክዕ ብኸም'ዚ መገዲ ኽኣ ኣባና ዘሎ መንፈስና ካብ ኣካልና ንላዕሊ ኣመና ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ንመንፈስካ ዘድሊዎ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ትፈልጥዶ፧ ብዘይ ኣቐዲምካ ምፍታውን ምጽላእን ኣእምሮ፧ ከሎ ገና ኣቐድሚካ ፍርዲ ኣዚዩ ቀታሊ ነገር እዩ፥ ንሰባት ኣዒንቶም ዝሽፍንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ምርዳእ መንፈሳዊ ዘድልዮም ነገራትን ሓቀኛ ምርዳእ እቲ ምኽንያት ኣብ ምድሪ ምህላዎምን። ብዙሓት ምስ ዘይተፈትሑ ጸገማቶም ምሉእ ዕድሜኦም ይነብሩ። ምኽንያቱ ናብ ህይወት ዝቐርብሉ ብኣቐድሚካ ዝተጠንሰ ሓሳባትን ከሎ ጌና ኣቐዲምካ ፍርድን ስለ ዝኾነ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ሓቂ ንሃይማኖትን ዘልኣለምን ዝምልከት ብኽፉት ኣእምሮ ክትቀርብ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ገል ክዉንነት ሓቅታት ምናልባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ዝተፈለየ ካብቲ ኩሉ ግዜ ሓቂ ኢልካ እትኣምኖ ዝነበርካ።ግናኸ ቅድሚ ተወሳኺ ምቕጻልና ብዝኾነ ዋጋ እቲ ሓቂ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ፧ እንተ ድኣ ምሉእ ብምሉእ ብዕቱብ ብዘይ ዋዛ ፈዛዛ ኣለኻ፥ እቲ ሓቂ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ። እንተ ዘይኮይኑ ብኻልእ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ይብል ዝኾነ ሰብኣይ ሰበይቲ ወይ ቆልዓ ካብ ዝኾነ ሃይማኖት እቲ ሓቂ ብዛዕባ እግዚኣብሄር የሱስ ክርስቶስን ክፈልጥ ይኽእል እዩ። ብኽፉት ኣእምሮን ብምሉእ ልብን እንተ ድኣ ደሊዎ።

ሰብ ምስ ሞተ እንታይ እዩ ዝኸውን፧ ሞት ደው ምባል ናይ ኩሉ ምህላው ድዩ፧ ኣብ ኣመክሮ ኢና ዘሎና ኣብዛ ምድሪ ኽኣ እግዚኣብሄር ይዕዘበና እዩ ዘሎ። ህይወት ኣብዛ ምድሪ ነቲ ህይወት ኣብ ዘልኣለም እንታይ ከም ዝኸዉን ይውስኖ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ክዉን ሓቀኛ ናይ ነፍሲ ወከፍና ህይወት ይፈልጦ እዩ። ብዛዕባ ርህራሄና ንዕሩኽትና ክንዕሽወም ንኽእል ንኸውን ግናኸ ንእግዚኣብሄር ክንዕሽዎ ኣይንኽእልን ኢና። ብኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኩሉና ገበነኛታት ኢና፥ ምኽንያቱ ድማ ኩሉና ነቲ ላዕልን ቅዱስን መለክዕታት ዘይንበቅዕ ኮይና ተረኺብና ኢና። ሰብ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ክገብር እዩ ተፈጢሩ። እዚ ነገር እንተ ዘይብሉ ነቲ ቀዳምነት ዝተፈጠረሉ ዕላማ ምህላው ኣብዛ ምድሪ ኸይፈጸመ ይተርፍ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ናይ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዝገብሮ ሕብረት ፍጹም ክሕጎሰሉ ኣይክእልን እዩ፥ ክሳብ ገበን ናይ ሓጢያቱ ዝውገድን ዝጸርን።

እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝመስል እንታይ ኢና እንሓስብ፧ ሰባት ኣብ ዓለም ዘለው ዝተፈላለየ ሓሳብ ኣለዎም። እንተ ኾነ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ርእይዎ ኣይፈልጥን እዩ። ስለዚ ኩሉ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳብ ብዛዕባ ኣምላኽ ጥቕሚ ዘይብሉ እዩ።መጽሓፍ ቅዱስ ይብል፥ የሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብምምጻእ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝመስል ንሰብ ገሊጽሉ። የሱስ ዝተገለጸ እግዚኣብሄር ብመልክዕ ሰብ ነበረ። ኣብዚ እንሄለ እቲ ሓቂ የሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ገልጺዎ ቅድስናን ፍቕርን ዝመልኤ ምዃኑ።

ከመይ ገይሩ እዩ ገበን ናይ ሓጢያትና ካብ ህይወትና ክዉገድ ዚኽእል፧ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ህይወቶም ዓቢይ ጸገም ኣለዎም፧ መፍትሒ ኣይረኸብሉን ግናኸ ኣብ የሱስ ክርስቶስ መልሲ ኣሎ! እንታይ እዩ እዚ፧

ክትንሳሕን ክትጥዓሳን ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ብስርቂ እንተ ድኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸሲሰ፥ ኣቦይ ክኣ ፈራዲ እንተ ነይሩ። በቲ ዝገበርክዎ ስለ ዝተጥዓስኩን ዝሓዘንኩን ጥራይ ነጻ ክሰደኒ ኣይክእልን እዩ። ከም ኣቦይ የፍቅረኒ ይኸውን፥ እንተ ኾነ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ፈራዲ ኮይኑ እዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ስለዚ ከም ወላዲ እንተ ኣፍቂርኒ ስለቲ ዝፈጸምክዎ ገበን ክቕጽዓኒ ኣሎዎ። ዋላ'ኳ በቲ ዝገበርክዎ እንተ ተጣዓስኩን እንተ ሓዘንኩን።

ብፍትሓዊ ዝኾነ እግዚኣብሄር እንተ ድኣ ኣሚና ብርግጽ ክንፈልጦ ኣሎና ካብ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ፍትሓዊ ምዃኑ። ከመይ ኢሉ ድኣ ነጻ ክሰደና ይኽእል፥ ብምኽንያት ስለ ዘፍቅረና ዝተጥዓስና፧ እሱ ፍጹም ፍትሓዊ እዩ፥ ፍትሒ መቕጻዕቲ ይሓትት እዩ።

ኣቦይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሕግዘኒ ግን ሓደ ነገር ክገብር ይኽእል። በቲ ምሉእ መቕጻዕቲ ናይ ሕጊ ክቕጽዓኒ ይኽእል ከምዚ ብምባል"100.000" ናቕፋ ተቕጺዕካ ኣለኻ፡ ደኺሙን ሪሂጹን ዝኣከቦ ገንዘብ ኣልዒሉ ሂቡኒ፥ "ወደይ እንሄልካ እቲ ገንዘብ ከይድካ ክፈልን ነጻ ኽኣ ኩን!" ትርኢ ኣሎኻዶ እንታይ ከም ዝገበረ፧ ከም ፈራዲ ቀጺዑኒ፥ ከም ኣቦይ ክኣ ነቲ መቕጻዕቲ ባዕሉ ከፊልዎ። እዚ እዩ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ንኹሉ ዓሌት ሰብ ከም'ዚ ኢልዎ፥ "ገበነኛ ኢኻ እቲ መቕጻዕቲ ዝግብኣካ ሞት እዩ" ።ከም ፈራዲ ይቐጽዓና። እንተ ኾነ ሽዑ ውን የፍቅረና እዩ፥ ስለዚ ኣብ ሰብ የሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ወሪዱ መጺኡን ነቲ መቕጻዕቲ ባዕሉ ከፊልዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ነቲ መቕጻዕቲ ናይ ገበን ክኸፍል ክርስቶስ ዝሞተ። ሓቂ ምዃኑ ናይ'ዚ መረጋገጺ ኣብቲ ክውንነት ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ ምዓልቲ ድሕሪ ሞቱ ካብ መቓብር ምውጽኡ ይምርኮስ። የሱስ ክርስቶስ ንሞት ስዒርዎ ሎሚ ህያው እዩ።

ንኽንኣምን ክዉንነት ኣልዎ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ኣሎ ክንገብሮ ዚግብኣና። ኣቦይ እቲ ገንዘብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ኣቕረበለይ ካብ ኢዱ እንተ ዘይተቐቢለዮ ነጻ ክወጽእ ኣይክእልን እየ። ተመሳሳሊ እቲ ምሕረት ብክርስቶስ የሱስ

እግዚኣብሄር ዝቐረበልና ክንቅበሎ ኣሎና። እንተ ዘይተቐቢል- ናዮ ፍጹም ካብዚ ኣይንረብሕን ኢና። እግዚኣብሄር ሎሚ ብክርስቶስ የሱስ ምሕረት ቀሪቡልካ ኣሎ፥ እንተ ኾነ ክትቅበሎ ክትዉስን ኣሎካ።

Chapter 5
ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ጭንቀት

ሰባት ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለው ካብ እዚኦም ዚስዕቡ፥ ዕጋበት፡ ዝና፡ ሃብትን ስልጣንን ሓደ ወይውን ካብዚኦም ኣርባዕተ ዝያዳ ነገራት እዮም ዘሳድዱ ዘለው።


ግናኸ ምስ እዚኦም ዝትሓሓዝ ሕጊ ኣሎ፥ እዚ ኣቐዲምና ኩሉና ክንፈልጦ ጽቡቕ እዩ። ከምዚ ኢልና ክንጽዉዖ ንኽእል፡ ሕጊ መጠን ንሓደ ነገር ወፍሪ ዝገበርካሉ ግዜ ጽዓት ዘጥፋእካሉ ነገር ኣብ ዝተወሰነ ደረጃ እቲ ካብኡ እትረኽቦ ዕጋበት እናቐነሰ ክኸይድ ከሎ ማለት እዩ።


ንኣብነት ዉሰድ ከም ንዕጋበት ምስዓብ ናይ'ዚ ሕጊ ከመይ ገይሩ ከም ዝሰርሕ ንምርዳእ መጀመርያ ደስታ ቅሩብ ዕጋበት ይህበካ እዩ ብንእሽተይ መጠን ክትወሰዶ ምስ ጀመርካ። እቲ ዕጋበት እትረኽቦ፥ ካብ ትንባኾ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ናይ ሮክ ሙዚቃ፡ ሓሽሽ፡ ስእለ-ጹዩፍ Pornography ወይ ዘይፍቑድ ስጋዊ ርክብ ኮይኑ፥ ግን ሓደሳብ ምስ ተወሰደ እዚኦም ነገራት ነቲ ግዳይ ከረዉ ኣቢሎም ጨቢጦም ክሕዝዎ ይጅምሩ። ክሳብ ወልፊ ዝትሓዝ ብዘይ መነቓቕሒ ናይ'ዚ ደስታ ክኣ ክሳብ ክነብር ዘይክእል ይገብርዎ።


እንተ ኾነ ኪንዮ'ዚ እቲ ወልፊ ዘለዎ ሰብ በብቑሩብ እቲ ኣቐዲሙ ዝወሰዶ መጠን ሓደ ዓይነት ዕጋበት ኣይህቦን እዩ፥ ዚያዳ መጠን ክወስድ የድልዮ፥ ገለ ደረጃ ዕጋበት ክረክብ፥ እዚ ሕጊ ንሓደ ነገር ብመጠን ወፍሪ ዝገበርካሉ እቲ ዕጋበት ተመሊሱ ዝቕንስ ማለት እዩ። ኣብ ከም ጉዳይ ኣልኮልን ዕጸ ፋርስን ኣካልን ኣእምሮ ናይ'ቲ ውልቀ ሰብ ይዓኑ እዩ። ኣብ ከም ጉዳይ ጽዩፍ ስእልታትን ቪድዮታትን (Pornography) ስጋዊ ርክብ እቲ ዉልፉ ሰብ ካብ ንቡር ስጋዊ ርክብ ናብ ብልሽዉን ዘይንቡሩን ርክብን ትሕተ ሰብን ዋላ ውን ዝኸፍኤ ካብ እንስሳታት ይኸዉን።

ዋላ ምስዓብ ዝያዳ ዝጸረየ መልክዕ ዘሎዎ ዕጋበት ከም ዕጋበት ገለ ነገር ብምዕማም ዝርከብ ኣብ ዓዉዲ ሳይንስ ወይ ሙዚቃ ምሉእ ብምሉእ ኣይዕግብን እዩ። እዚ ውን ሕጊ መጠን ንሓደ ነገር ወፍሪ ዝገበርካሉ ግዜ ጽዓት ዘጥፋእካሉ ነገር ኣብ ዝተወሰነ ደረጃ እቲ ካብኡ እትረኽቦ ዕጋበት እናቐነሰ ክኸይድ ከሎ ማለት እዩ።


እዚ ሕጊ ልክዕ ሓደ እዩ ዝሰርሕ ዋላ ኣብ ምስዓብ፡ ዝና፡ ሃብትን ስልጣንን ወልፊ ከም ዝትሓዙ ብምግባር ይዕንዎም። ምናልባት ካብ ዕጸ-ፋርስን፥ ናይ ርክብ ግብረ ስጋ ወልፍን ዉሕድ ብዝበለ ክፉእ መገዲ።


ኣብ ግምት ኣእትዉ ብዛዕባ ንዝና ምስዓብ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝጅምር፥ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽትኻ ፍሉጥ ክትከዉን ምድላይ ብድሕር'ዚ ፍልጡ ንኽትከውን ነዚ ምስዓብ ይቕጽል ኣብ ዓዉዲ ኣትሌቲክስ፡ ሲነማ፡ ስፖርት ወይ ዝኾነ ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ። ሓደ ኣብ ምልእቲ ከተማ ዝና ዘለዎ ሰብ ክኸውን ዝኽኣለ ሕጂ ብሃገር ደረጃ ዝና ዘለዎ ሰብ ምእንቲ ክኸውን የቋምትን ብድሕሪኡ ውን ብዓለም ደረጃ። ኣብዚ ደድሕሪ ዝና ክስዕብ እቲ ሰብ ኣልሰር ኣብ ጨጓርኡ ከማዕብል ይኽእል እዩ። ንእምነቱን መርገጺኡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ዋላ መንኩብ ካልኦት ተጠቂሙ ንላዕሊ ክሓኩር ገዛ ርእሱ ኣብ ላዕሊ ምእንቲ ክወጽእ ህይወት ሰባት የባላሹ እዩ። ድሕሪ'ዚ ኩሉ እቲ ሽልማት እንታይ እዩ፧ ብዘይ ገለ ዝስዕሮ ነገር ዝተጨነቐ እዩ ዝኸውን። ብዙሓት ናይ ፊሊም ከዋኽብቲ ካልኡት ዝና ዘለዎም ሰባት ነብሰ ቕትለት ፈጺሞም እዮም፥ ዋላ'ኳ ፍሉጣት ዝና ዘለዎም እንተ ኾኑ ውሽጣዊ ጭንቀት ስለ ዘለዎም እዩ።

ኣብ ግምት ኣእትዉ እዚ ሕጊ ሃብቲ ኣብ ምስዓብ ከመይ ከም ዝሰርሕ። ኣብ መጀመርያ ሰብ ህይወቱ ምእንቲ ክመርሕ ናይ ንግዲ ትካል ብንጹህ ዕላማ ክጅምር ይኽእል። ግናኸ ቀስ ብቐስ ብዝትኣከበ መኽሰብ ክንዮ ንቤተሰብ ዘድልዮ ነገር፥ ነቲ ናይ ንግዲ ግዝኣቱ ከስፍሖ ንኽሓስብ ይመርሖ። እዚ ኽኣ ውዕውዕ መወዳእታ ዘይብሉ ደድሕሪ ሃብቲ ክስዕብ ይጅምር፥ ዋላ'ኳ ዓለምና ንነፍሲ ወከፍ ዘድልዮ ነገር ክትህብ እኹል ናይ ተፈጥሮ ጸጋ እንተ ሃለዋ፥ ንሓደ ስሱዕ ሰብ ዚደሊዮ ክትዕግብ ግን እኹል ዝኾነ የብላን። ገንዘብን ንብረትን ንሰብ ዓትዒቶም ክሕዝዎ ሓይሊ ኣሎዎም፥ ከምኡ ውን እቲ ዝውሓደ ዝውሓደ ዕጋበት ክህብዎ ኣብ ህይወቱ። ምእካብ ንብረት ነገራት ሓደ እዋን ሰብ ህይወቱን ገዝኡን ሕጉስ ክገብሮ ኢሉ ዝሓስብ ዝነበረ ሕጂ ሓጎስ ካብ ምምጻእ ደው ኢሉ እዩ። ሕጊ ንሓደ ነገር ብመጠን ካብኡ ገለ ዚደለኻ ግዜኻ ካልእን ዘጥፍኣካሉ እቲ ካብኡ እትረኽቦ ዕጋበት መመሊሱ ዝቕንስ ኣብዚውን ይዓይይ እዩ። ኩሉ ኤክትሮኒካዊ መሳሪሕታት፡ክቡር ምግብታት፡ኣብ ዑደት ተሓጊስካ እትርእዮ ቦታት፡ እቲ ልዑል ማሕበራዊ ህይወት ወ.ዘ.ተ ብእኩብ ሃብቲ እዩ። በዚ ኩሉ ክርከብ ዝኽእል ሕጂ ሒደት ሒደት እዩ ዝዕግበካ። ሓደ ነገር ኣሎ ጥርሑን ባዶን ብዛዕባ ኩሎም፥ ሒደት ሃብቲ ከለዎ ሕጉስ ውሑድ ጸቕጥን ከም ዝነበሮ ክፈልጥ እዩ። ናይ ሓዳር ሓጎስ ውን ከም ዝነከየ ኮይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። በዚ እዩ ቃላት ጎይታን የሱስ ክርስቶስ ሓቂ ምዃኑ ዝረጋገጽ፥"ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን"።

ኣብ ግምት ኣእትው ከመይ ኢሉ እዚ ሕጊ ከም ዝሰርሕ ንስልጣን ቦታን ከምኡውን ክብሪ ምስዓብ ኣብ ፖሎቲካ ይኹን ወይ ኣብ ካልእ ዓውዲ። ንኣብነት ኣብ ፖሎቲካ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን በቃ ኣባል ፓርላማ ክኸውን ባህጊ ዝነበሮ ሕጂ ግን ከም ዘይዓገበ ኮይኑ ነብሱ ይረኽባ፥ ሕጂ እዚ ሰብ ኣዒንቱ ኣብ ሚንስተር ክኸውን እይ ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ዋላ እቲ ዝልዓለ ሰልጣን ቦታን እንተ በጽሔ ገና ዝተጨነቐን ዘይቁሱንን እዩ ዝኸውን። ከምቲ ናይ ጥንቲ ኣበሃህላ ከምዚ ብምባል ዝኸይድ፥ "ነቲ ዘዉዲ ዝደፍኤ ዘየዛንን ዘይቕስንን ነገር ኣብ ቅድሚኡ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ" ዘይተፈለጠ ሰብ ከሎ ንኸይቅተል ኣብ ሓደጋ ኣይነበረን!

ስለ ምንታይ እዩ እዚ ነገር ኣብ እዚኦም ኩሎም ዓውድታት ሰብ ዘይዓግብ፧ ምስ ነፍሲ ወከፍና ብእግዚኣብሄር ጥራይ ክምላእ ዝክኣል ባዶነት ኣሎ። ሰብ ግን ቀጻሊ ነዚ ምስኡ ዘሎ ባዶነት፡ ብዕጋበት፡ ዝና፡ ሃብቲ ወይ ስልጣን ክመልኦ ጥራይ እዩ ዚደሊ ።

ግናኸ እዚ ንከንቱ ነገር ምስዓብ እዩ።ኣብ መወዳእታ ኣማሲኡ እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ጭንቀት እዩ። ምኽንያቱ ፍጹም ኣይዕግበናን እዩ።


መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፥ እግዚኣብሄር ዘልኣለማ- ዉነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንቢሩ እዩ፥ ሓደ ሰብ ብኸምዚ ገልጺዎ ኣሎ፥ "ልብና ኣብ እግዚኣብሄር ምዕረፊ ክሳብ ዚረክብ ልብና ዕረፍቲ የብሉን"።

ሕጊ ንሓደ ነገር ብመጠን ዝደለኻዮ ግዜኻን ካልእን ዘጥፋእካሉ ኣቲ ካብኡ እትረኽቦ ዕጋበት መመሊሱ ዝቕንስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ ኣብ ምስዓብ ኩሉ ዓቢይን ስሓብን ኣብ ዝኸነ ነገር ኣብ ዓለም ዘሎ ዘቕመጦ። ስለዚ በዚ ኽኣ ሰብ ዘልኣለማዊ ፍጡር ምዃኑ ምእንቲ ክፈልጥ እዩ። ሰብ መንፈሳዊ ባዶነት ዘለዎ ኮይኑ እዩ ተሰሪሑ፥ ብዘይካ ብመንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሄር ክኣ ብኻልእ ክምላእ ኣይክኣልን እዩ።


እንተ ኾነ ከምቲ ኩባያ ቅድሚ ዝኾነ ዝጠቅም ዝስተ ነገር ምምልኣ ክትሕጸብ ዘለዋ፡ ከምኡ ኽኣ ብተመሳሳሊ መገዲ ልክዕ ልብና ቅድሚ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ምምልኡ ካብ ሓጢያት ክንጸህ የድልዮ።በዚ ውን ልብና ካብ ሓጢያት ክጸርን ንጹህ ምእንቲ ክኸውንን፥ ክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ሓጢያትና ሞይቱ እዩ።


ሓቀኛ ነባሪ ዕጋበትን ዝርከብን ንኹሉ ኣብ ልብና ዘሎ ዘይምዕራፍን ዝስዓር፥ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ጎይታ ኣብ ኩሉ ዙርያ ህይወትና እንተ ተቐቢልናዮ ጥራይ እዩ።

Chapter 6
ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ መወዳእታ ፍርዲ

ህይወት ኣብዛ ምድሪ ኩሉ ነገር ኣይኮነን። ህይወትና ናብ ሞት ንታሕቲ እናቖጸረ እየ ዝኸይድ፥ ኣብ መወዳእታ ኽኣ ኣብ መቓብር ይዉዳእ። ኣብ ግዜ ሞት ክኣ ከም ናይ ጠፈር ሮኬት ንልዓል፥ ሞት እንታይ እዩ፧ ሞት ማለት ምፍላይ ናይ መንፈስን ነፍስ ካብ ኣካል ወይ ስጋ እዩ። ኣብ'ዚ ግዜ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ፡ "ድሕሪ ሞት ናበይ ኢና እንኸይድ እዩ፧" ናይ መወዳእታ እትበጽሖ ቦታ ትፈልጦዶ፧


ህይወት ድሕሪ ሞት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፥ ካብ ህይወት ኣብዛ ምድሪ። ዘልኣለማዉነት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ካብ ግዜ።ዘልኣለማዉነት ኣበይ እንሕልፎ ብጣዕሚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዮ፥ ካብ ከመይ ገይርና ኢና ህይወትና ኣብዛ ምድሪ እንሕልፎ። እቲ ዓሻ ሰብ ናይ ቀረባ ግዜ ኣብ'ዛ ህይወት ዝሕልፎ እዩ ዝርኢ እቲ ለባም ሰብ ግን ንመጻኢ የቋምትን ንዘልኣለም ክኣ ይዳሎ።


ኣብ ግምት ኣእትዉ ሓደ ጎበዝ ብዙሕ ሚሊዮናት ቅርሺ ውርሻ ዝረኸበ ናብ ባንግሎር ከተማ ክቕመጥ ክኣ ወሰነ። ናብ ባንግሎር እናመጸ ከሎ ክልተ ምዓልቲ ኣብ ቦምቦይ ኣሕሊፉ፡ ኣብ እዘን ክልተ ምዓልቲ ኽኣ ብዙሕ ገንዘብ ሓሺሹን ቁማር ውን ተጻዊቱ። ኩሉ እቲ ውርሻ ዝረኸቦ ኽኣ ኣጥፊእዎ ኣብ መወዳእታ ባንግሎር ምስ በጽሔ ዋላ ሓደ ገንዘብ ዘይብሉን ዝተረፈ 60 ዓመታት ህይወቱ ኽኣ ዋላ ሓንቲ መጸጊዒ ዘይብሉ፡ ኣብ ጎደናታት ከተማ ብምልማን ኣሕሊፍዎ ።


ከምዚ ዓይነት ሰብ እንታይ ኢልካ ምስ ጸዋዕካዮ፧ ብርግጽ "ዓሻ" ብጣዕሚ ኣዝዩ ዓሻ ሰብ እቲ ብመንጽር እዛ ምድራዊት ህይወት ጥራይ ዝሓስብን ንዘልኣለም ክኣ ሸለል ዝብሎ እዩ። ምንዋሕ ናይ ህይወት ግዜ ኣብዛ ምድሪ ዋላ 100 ዓመት እንተ ኾነ ምስ ዘልኣለማውነት ክነጻጸር ከሎ ምቃል ካልኢት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ወከፍና ኣብዛ ምድሪ ብዘተማላ- ለስናዮ ጸብጻብ እንህበሉ ምዓልቲ ከም እትመጽእ ይዛረብ። ኩሎም ቢሊዮናት ሰባት ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ሰብ ንብዙሓት ክፍለ ዘመናት ኣምላኽ ከመይ ገይሩ መዝገብ ከም ዝሓዞ ክንግረም ንኽእል ንኸውን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ዝገበሮ፡ ዝበሎን፡ ዝሓሰቦን ኣብ ዘመን ህይወቱ እዚ መዝገብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሰብ መዘከሪ እዩ ዝቕመጥ። መዘከሪ ልክዕ ከም ቪድዮ ቴፕ እሙን ኮይኑ ኩሉ ዝገበርናዮ ዚምዝግብ ከምኡውን ውሽጣዊ ኣረኣእያናን ሓቐናን ይምዝግብ እዩ። ሰብ ምስ ሞተ ዋላ'ኳ ኣካሉ ኣብ ምድሪ እንተ ገደፎ መዘከሪኡ ክፍሊ ነፍሱ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ነፍሱ ኮይኑ ናብ ዝሞቱ መናፍስቲ እዩ ዝኸይድ።


ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሪጉኡ በጺሑ ንፍርዲ ዝቐርበላ ምዓልቲ ኣምላኽ ነቲ ቪድዮ ቴፕ ናይ ሰብ መዘከሪ ብምውላዕ ነፍሲ ወከፍ መዝገበ ከም ዝርእዮ ክገብር እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ውን ክሓትት ኣይክእልን እዩ፥ብዛዕባ ልክዕነት ብዛዕባ ናይ'ቲ ዝርኤ ዘሎ ኣብ መዘከሪኡ ናይ ምድሪ ህይወቱ ክቕጾሮ እዩ።

እቲ ባህሪ ጽቡቕ ሞራል ኣብ ሕብረተሰብ ተቐባለነት ዘሎዎን ሃይማኖትን ናይ ግዳም ሽፋን ሎሚ ሰባት ለቢሶሞ ዘለው ኣብታ ምዓልቲ እቲኣ ክቕላዕል። እቲ ሓቀኛ ናይ ውሽጢ ሰብ ክቃላዕ እዩ። ኣብታ ምዓልቲ እቲኣ ሃይማኖት ንማንም ሰብ ኣይከድሕንን እዩ፥ ከመይ ኩሎም ከም ዝሓጠዩ ብንጹር ዝርኤ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ምንታይ ሃይማኖት ተወሊዶም ወይ ተለማሚዶም፡ ጽቡቕ ስራሕ ዝተዓየየ፡ ገንዘብ ንድኻታት ዝተውሃበ ወይ ንቤተ ክርስትያን ንቤተ መቕደስ ወይ መስጊድ እዚ ውን ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይከድሕንን እዩ። ምክንያቱ ኩሎም እዞም ዝተጠቐሱ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት፡ ነቲ ዝተመዝገበ ሓጢኣትና ክድምስሱልና ኣይክእሉን እዮም።

ሓደ መገዲ ጥራይ ኣሎ ነቲ ዝተመዝገበ ክፉእ ዝገበርናዮ፡ ዝበልናዮ፡ዝሓሰብናዮ ንሓዎሩ ካብ ቅድሚ ኣዒንትና ክድምስ- ሰልና ዝኽእል። ስለዚ በታ ምዓልቲ ፍርዲ እቲ ቪድዮ ቴፕ ተመሊሱ ኣይክዉላዕን እዩ። ጽቡቕ ስራሕና ነቲ ክፉእ ስራሕና ክድምስሶ ኣይክእልን እዩ። ግቡኡን ብጽድቅን ነቲ ዝሰራሕናዮ ሓጢያት መቕጻዕቲ ክስርዓሉ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ብመለኮታዊ ሕጊ ንሓጢያት ጥራይ ተነቢሩ ከም ዘሎ ይዛረብ፥ እዚ ኽኣ ዘልኣለማዊ ሞት እዩ፥ እዚ ሞት እዩ ንሓጢያትና ዝግብኣና።

የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ከም ሰብ ኮይኑ ወሪዱ ኣብ ደገ ዮርስሌም ቅድሚ 1950 ዓመታት ኣብ መስቀል ዝሞተ ካብቲ መቕጻዕቲ ምእንቲ ከድሕነና እዩ። ኣብኡ ኽኣ እቲ መለኮታዊ መቕጻዕቲ ስለ ሓጢያት ኩሉ ዘርኢ ሰብ ንስለ ሓጢያት ህዝብታት ኩሉ ሃይማኖታት ወሲድዎ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ቦታ ኽኣ ተቐቢሩ። ግናኸ ድሕሪ ሰለስተ ምዓልቲ ካብ ሞት ብህይወት ወጺኡ ተንሲኡ፥ በዚ ውን ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ነቲ ዝዓበየ ጸላኢ ሰብ ሞት ድማ ገዚእዎ። ድሕሪ 40 ምዓልታት ብዙሓት እናረኣይዎ ከለው ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ንኹሉ ሰብ ክፈርድ ምዓልቲ ተመዲቡ ከም ዘሎን፥ ዳግም ናብ ምድሪ ከም ዚምለስን ተስፋ ሂቡ። እዚ ተስፋ ካብ ዝህብ 1950 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሕጂ ዚምለሰሉ ግዜ ክኣ ቀሪቡ ኣሎ። ካብ'ተን ምዓልታት ክኣ ካብ ሰማይ ብደበና ሰማይ ክምለስ ከሎ ክንርእዮ ኢና።

የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ እቲ ሓደ ኣብ ታሪኽ ንስለ ሓጢያት ዘርኢ ኩሉ ሰብ ዝሞተ። ከምኡውን የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ካብ ምውታት ዝተንሰኤ። በዘን ክልተ ነገር የሱስ ፍሉይ እዩ።

እምብኣር ሎሚ ሓጢያትና ክሕደገልናን ካብቲ ቪድዮ ቴፕ ውን ክድምሰሰልናን ይክኣል እዩ፥ እንተ ድኣ ብቕንዕና ካብ ሓጢኣትና ተመሊስና፥ እንተ ተነሲሕናለሙን፥ ንኣምላኽ ምእንቲ ክርስቶስ የሱስ ሓጢያትና ክሓድገልና ብምሕታት ንስለ ሓጢያትና ከም ዝሞተን ካብ ሞትውን ከም ዝተንስኤ ብምእማን።


ግናኸ እዚ ጥራይ ኣይኮነን ካልእ ብዙሕ ኣሎ ጎይታ ዝሃበና፥ ከምኡ ውን ኣብ ልብና ብመንፈስ ክመጽእን ክሓድርን፥ ነቲ ዘሎና ናይ ሓጢያት ልምድታት ምእንቲ ክንስዕሮ ሓይሊ ክህበና ተስፋ ኣቲልና እዩ። ስለዚ በዚ እቲ ዝተመልኤ ናይ ቪድዮ ቴፕ ኣብ ምዝካርና (Memory) ኣብዚ ዝመጽእ ምዓልታት ንጽህና፡ ቅድስና፡ ሰናይነት ክኸውን ይኽእል እዩ።


እዚ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መገዲ ምድሓን ኣምላኽ ንኹሉ ዘርኢ ሰብ ዝመደቦ። ዘክር ኣብ ምዓልቲ ፍርዲ እቲ ዘሎካ ካልእ መተካኣታታት ነቲ ዝተመዝገብ ናይ ሓጢያት ቪድዮ ቴፕ ተመሊሱ ክዉላዕ ኣብ ምዝካርካ ጥራይ እዩ

ክረክብ። ነዚ ሓቅን ክብደት ዘልኣለማዊ ፍርዲ ኣብ ቀላይ ሓዊ ንኹሎም ሓጢያተኛታት ብምፍላጥ፥ ንነፍሲ ወከፍ ብፍቕሪ እንኮ መገዲ መምለጢ ጥራይ ከም ዘሎ ከነጠንቅቕ ግቡእ ይኸውን።

Chapter 7
ዘገርም ሓቅታት ካብ ታሪኻት እቲ ዝዓበየ ፍጻመ

ኣብ ታሪኽ ዓለም ሞትን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ ኣዚዮም ኣገደስቲ ፍጻመታት እዮም። ከምኡውን ክልተ ማእከላት ሓቂ እምነት ክርስትና ዝተሰረተሉ ፍጻመታት እዮም።


ካብ ሞት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መሰቀል ክንምሃሮ እንኽእል፥ ብውሑዱ ኣርባዕተ ንጹር ዝኾኑ ሓቅታት ኣለው።


1
) . ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ

እዚ ህይወት ኣብ ምድሪ እንነብሮ ዘሎና እንተ ድኣ ኩሉ ነገር እንተ ዝኸውን ነይሩ የሱስ ክርስቶስ ኣይምስ ሞተን ነይሩ። መለኮታዊ ሓይሊ ነይርዎ እዩ፥ እንተ ዚደሊ ብቐሊሉ ካብ ኢድ ጸላእቱ ምስ ኣምለጠ ነይሩ።ገዛእ ርእሱ ክህቦምን ብፍቓዱ ክስቀል ኣይድልዮን ነበረ።


እቲ ሓቅን ክዉንነትን ግን ድሕሪ ሞት ነፍሲ ብቕጽበት ናብ ናይ ዘልኣለም ኩነት ከም እትኣቱ ብቓላት የሱስ ነቲ ዓመጸኛ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ፥ "ሎሚ ብሓቂ ኣብ ገነት ምሳይ ክትኸውን ኢኻ" ብምባል ገሊጽዎ። የሱስን እቲ ዝተነስሔ ዓመጸኛን በታ ምዓልቲ ገነት ኣቲዮም።


እዞም ቃላት ናይ የሱስ ሕጋውነትን ተቐባልነትን ኣሎዎም፥ ምኽንያቱ የሱስ ካብ ምዉታት ኣብ ሳልሳይ ምዓልቲ ተንሲኡ እዩ። እዚ እቲ ዝነጸረ መረጋገጺ የሱስ ዝበሎ ብዛዕባ ሞትን ህይወት ድሕሪ ሞትን ቃል ብቓሉ ሓቂ ነበረ።


ዘክር ህይወት ድሕሪ ሞት ኣሎ፥ እዚ ኽኣ እቲ ኣዚዩ ዝበለጸ ካብ'ዚ ናይ ሕጂ ህይወት እዩ።

2 ) . እግዚኣብሄር ቅዱስ እዩ

ካልኣይ እንምሃሮ ካብ ሞት ጎይታና የሱስ እቲ ሓቂ ኣምላኽ መወዳእታ ደረት ዘይብሉን ፍጹም ቅዱስን ንሓጢ- ያትና ኽኣ ሸለል ዘይብል ምዃኑ እዩ። ኣብ መስቀል ሓጢያት ናይ ዓለም ኣብ የሱስ ክርስቶስ ክቕመጥ እቲ ሓጢያት ኣልቦ ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ንርኢ።ኣምላኽ ገጹ ከዊልሉን ሓዲግዎን ውን፥ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ሓጢያት ክርኢ ኣይክእልን እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ፥ "ንእኩይ ክሪኣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣዝየን ጹሩያት እየን" ናይ እግዚኣብሄት ፍርዲ ዋላ ኣብ ልዕሊ ፍቁር ወዱ ከይተረፈ እዩ ዓሪፉ። ፍቕሪ ኣምላኽ ንሓጢያት ሸለል ክብል ኣይገብሮን እዩ። እዚ ሓደ ነገር ይምህረና ናይ ሓጢያት ክፉኡነት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ ኣዚዩ ከፍቅረካ ይኽእል ግናኸ እንተ ድኣ ሓጢያት ኣብ ህይወትካ ኣሎ ብርግጽ ከምቲ ንወዱ ኣብ መስቀል ዝሓደጎ ንዓኻ ውን ክጥንጥነካ እዩ።


ብዙሓት ሰባት ኣለው እግዚኣብሄር ስለ ዘፍቅሮም ኣብ ህይወቶም ንሓጢያቶም ሸለል ዝብሎም ይመስሎም። ግናኸ ኣይትረስዕ ብዘየገድስ ኣብ መን ተረኺቡ፥ ሓጢያት ሓጢያት እዩ።


ኣምላኽ ልክዕ ከም ዝባላዕ ሓዊ እዩ። እቶም ኣብ ህይወቶም ሓጢያት ዘለዎም ብእኡ ክብልዑ እዮም። እቲ ንእሽተይ ሓቂ ካብ ካልኡት ዝበለጽና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣዒዕንትና ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ጸብጻብ ህይወትና ክንህብ ደው ምስ በልና ዋጋ ዘይብሉ ክኸውን እዩ። ሓጢያት

ካብ ለምጺ ዋላ ካብ ካንሰር ኣዚዩ ዝኸፍኤን ንዘልኣለም ክዕንወና ከጥፍኣና ይኽእል እዩ።

3 ) . ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ

ሳልሳይ ካብ ሞት ጎይታና የሱስ እንምሃሮ ብደረት ኣልቦ ብዝኾነ መጠን ከም ዘፍቅረና እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ በቲ እተዛረበና ጥዑም ቃላት ወይ በቲ ዝገበረልና ዘርኣየና ሰናይ ጥራይ ኣይኮነን ዝርኤ ግናኸ እቲ ሓቂ ሓደ ወዱ ዝሃበና ኣብ ክንዳና ሞይቱ ካብ ሓጢያትን ሻቕሎትን ዘድሓነና እዩ። ኣብዛ ምድሪ ሰብ ኣብ ክንዲ ካልኡት ህይወቱ ክህብ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን። የሱስ ክርስቶስ በቲ ኩሉ ስቓይ መስቀል ሓሊፉ ምኽንያቱ ክኣ ስለ ዘፍቀረናን ፍርዲ ሓጢያትና ክወስድ ነዚ ኽኣ ካብ ሓጢያትና ከድሕነና ጥራይ እዩ። ኣካላዊ፡ ኣእምራዊ፡ ስምዒታዊ ተሰቅዩ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቡኡ ምስ ሓደጎ፥ ብመንፈሳዊ ተሰቅዩ።

እዚ ኩሉ ስቅያት ወዲ ኣምላኽ ዝኸዶ ዝሓለፎ ኣብ መስቀል ምልክት ማዕረ ክንደይ እግዚኣብሄር ንሰብ የፍቅርን ዋጋ ይህብን እዩ። ኣብ'ዚ ዓለም ሕሱር እዩ። ግናኸ እቲ ሓቀኛ ዋጋ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ኣብ መስቀል ክትርኢ ኣለካ፥ ኣብቲ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ክንዳኻ ህይወቱ ዝሃበሉ። እዚ ኽኣ ማዕረ ክንደይ ኣምላኽ ዋጋ ከም ዝሃበካ።


መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ንሰብ ምስ ናይ ኣደ ፍቕሪ ንወዳ የነጻጽሮ፥ ከምቲ እታ ኣደ ሕማም ናይ ወዳ ባዕላ ክትስከሞ እትምነ በዚ ውን ወዳ ካብ ሕማም ነጻ ክኸውን። ስለዚ ኣምላኽ መቕጻዕቲ ናይ ሰብ ሓጢያት ገዛ ርእሱ ወሲድ በዚ ውን ሰብ ምእንቲ ሓራ ክኸውን ኢሉ እዩ።

ፍጹም ቅድስና ፍጹም ፍቕርን ኣብ መስቀል እየን ተራኺበን። እቲ ፍጹም ቅድስና ኣምላኽ ሰብ ሳዕቤን ናይ ሓጢያቱ ብሞት ክቕጻዕ፥ ፍጹም ፍቕሪ ኣምላኽ ክኣ ኣብ ክንዲ ሰብ ውን ሞይቱ።

4 ) . ካልእ መገዲ ምድሓን የልቦን

ራብዓይ ሓቂ ከም ሓቒቕ ንጹር ዝኾነ ብሞት የሱስ እቲ ሓቂ፡ ካልእ መገዲ ምድሓን የልቦን።እንተ ድኣ ካልእ መገዲ ምድሓን ዚክኣል ነይሩ ኣምላኽ እቲ መገዲ ምስ መረጾን ወዱ ኣዚዩ ክሳቐ ውን ኣይምስፈቐደን ነይሩ። ጽቡቕ ህይወት ብምንባር ናብ ሰማይን ህላወ ኣምላኽን ዝኸይድ ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣምላኽ ንወዱ ብስቅያት መስቀል ክሓልፍ ዘይድሊ ብምፍቃዱ ዕሽነት ነይሩ ማለት እዩ።

ንሕና ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ጥበበኛታት ኣይኮናን። እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጥበብ ንሰብ ካብ መጻብቦ ከድሕኖ እንኮ መገዲ ክሓስብ እንተ ኺኢሉ ብዘይ ግድድፍ ጠለባት መወዳእታ ዘይብሉ ቅድስናን ፍትሕን ዋላ'ኳ መገዲ ስቅያት ማለት እንተ ኾነ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ንሰብ ከድሕኖ መገዲ ከዉጻሉ ፍቓደኛ ኮይኑ።


ካልእ መገዲ ምድሓን ኣሎ ኢልና ክንሓስብ ርእስና ካብ ኣምላኽ ንበልሕ ማለት እዩ። እዚ ኽኣ ጥራይ ምልክት ዕሽነት ኣተሓሳስባና እዩ።

ሞት የሱስ እንታይ ከም ዝምህረና ተረዲእካዮዶ፧ እንተ ድኣ ተረዲእካዮ ኮይኑ ሓደ እንኮ እኹል ምላሽ ጥራይ ክህሉ ይኽእል-ምሉእ ብምሉእ ህይወትና ንክርስቶስ ከነረክብ ንግዜን ንዘልኣለምን እዩ። ብኣእምሮ ፍልጠት ንበይኑ ትርጉም የብሉን። መልሲ ፍቓድና እቲ ኣምላኽ ዚደልዮ እዩ።

Chapter 8
እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ሓቂ

ኩሉና ልክዕ ከም ሰባት ኣብ ምድረ በዳ ዝጉዓዙ ብጽምኢ ማይ ዝሞቱ ኢና። እንተ ድኣ ሓደ ሰብ ኣብ ገለ ቦታ ማይ ዝስተ ረኺቡ ብርግጽ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝረኽቦ ክነግር ይደሊ እዩ። ንኽሰትዩ ግን ከገድዶም ኣይክእልን እዩ። ኮይኑ ግን ናብቲ ማይ ዘሎዎ ኦኣሲስ (Oasis) ከርእዮም ክሕብሮም ይኽእል እዩ። እዚ ኢና ንሕና ውን እንገብር ነቲ ዚደለየ ናይ ዘልኣለም ህይወት ብነጻ ምዃኑ ኢና እንሕብር።


እቲ ኣዚዩ ዘገርም ሓቂ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሓጢያተኛ እንተ ድኣ ብምሉእ ልቡ ንኣምላኽ ደሊይዎ፥ ኣብ ሓንቲ ህሞት ዉሉድ ኣምላኽ ክኸውን ምኽኣሉ እዩ።

ምሸት ኣብ መገዲ እናኸድካ ከለኻ ሓሙሽተ ሳንቲም እንተ ድኣ ጠፊኣትካ ንዕኣ ንምድላይ ክንደይ ዝኸውን ግዜ ተጥፍእ፧ ምናልባት ውን ሓንቲ ደቒቕ ኣይትኸዉንን! ግናኸ ጥማር ሚኢትታ ገንዘብ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ሓደ ቦታ እንተ ኣቕሚጥካዮ ንኽንደይ ግዜ ዝኸዉን ምስ ደለኻዮ፧ ክሳብ እትረኽቦ ክትደልዮ ኢኻ። ብዙሓት ንኣምላኽ ከምታ ሓሙሽተ ሳንቲም ገይሮም እዮም ዝሕዝዎ ስለዚ ንዕኡ ዘይረኸብዎ ኣይገርምን እዩ! ኣምላኽ ኣዚዩ ክቡር እዩ፥ ካብ ኣዚዩ ብዙሕ ሚኢትታት ገንዘብ ኣብዚ ነገር።

ኣምላኽ ሮቦት ኣይደልን እዩ፥ ደቂ ዉሉድ እዩ ዚደሊ በዚ ምኽንያት እዩ ነጻ ፍቓድ ዝሃበና ። ስለዚ ክንእዘዞ ወይ ከይንእዘዞ ክንመርጽ ንኽእል ኢና። በዚ ነጻ ፍቓድና ልምምድና ኢና ንኣምላኽ ብዘይምእዛዝና ናብ መገዲ ጥፍኣት ዝኸድና። ሓጢያት ህይወትና ጥራይ ኣይኮነን ኣበላሺዎ፡ ህይወት ስድራና ውን ኣዕኒዎ እዩ። ሓጢኣትና ኣብዛ ምድሪ ጉሁያትን ኣብ መወዳእታ ኽኣ ንዘልኣለም ናብ ሲኦል እዩ ዚሰደና።

ግናኸ ሕጂ ኣምላኽ ንኽንሳሕ ይዕድመና ኣሎ፥ እዚ ማለት ነቲ ናይ ሓጢያት መገዲ ህይወትና ዝባና ክንህቦን፥ ናብ ኣምላኽ ክኣ ክንምለስ እዩ። በዚ ውን ምሉእን ነጻ ናይ ኩሉ ዝሓለፈ ናይ ሓጢኣት ህይወትና ምሕረት ምእንቲ ክንረክብ ብሞት የሱስ ክርስቶስ እዩ።


ኣምላኽ እዚ ክንገብር ከገድደና ይኽእል ነይሩ፥ ክሳብ እንእዘዞ ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓጢያት ኣብ ዘገበርናሉ ብሕማም ክቐጽዓና ይኽእል ነይሩ፥ ከም'ዚ ግን ዉሉድ ዘይኮነስ ሮቦት (Robot) ባራዩ ምስኮና ነይርና ። ስለዚ ከም'ዚ ኣይገበረን ብናትና ምርጫ ካብ ሓጢያት ክንምለስ ግን ይጽበየና እዩ።


ሕጂ ውሳነ ግበር በዚ ኽኣ ብቕጽበት ዉሉድ ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ፥ እዚ ነገር ኣይተገንዘብካዮን ትኸውን እምብር ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እዩ።

ከምዚ ኢልካ ሕጂ ናብ ኣምላኽ ዘይትጽሊ

ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ሓጢያተኛ ምዃነይ ይእመንን ፍርዲ እዩ ዝግብኣኒ ነይሩ። ናተይ መቕጻዕቲ ወስዲካን ስለ ሓጢያተይ ብምሟትካን ድሕሪ ሞት ውን ብህይወት ካብ መቓብር ምዉጻኻን የመስግነካ። ብሓቂ ናይ ሓጢያት መገደይ ደዉ ከብሎ ደሌ ኣለኹ፥ ጎይታ የሱስ ናብ ልበይ ንዓ፥ ኣጽሬኒ ሓድሽ ህይወት ንኽብርኻ ክነበር ሓይሊ ሃበኒ። የመስግነካ ጸሎተይ ስለ ዝሰማዕካ!

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ካብ ዝገብርካዮ ውሳኔታት እዚ ውሳኔ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣምላኽ ኣብዚሑ ይባርኽካ።



Chapter 9
Do you know that

ትሕዝቶ
❶•ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ኣጽናፍ
❷•ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ሰብ
❸•ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ሓቀኛ ለውጢ
❹•ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ዘድሌና ነገር
❺•ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ወልፍን ብስጭትን
❻•ዘገርም ሓቅታት ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ
❼•ዘገርም ሓቅታት ካብ ታሪኻት ዝዓበየ ፍጻመ
❽•እቲ ኣዚዩ ዝዓበየ ሓቂ

ትፈልጥዶ


•እቲ ዝቐረበ ከኾብ 40,000,000,000,000 ኪ.ሜ ካብ ምድሪ ከም ዝርሕቕ?


•ይዒንትኻ 130,000,000 ሮድስን (Rod) 7,000,000 ኮንስ(Cones) ኣብ ውሽጡ ከም ዘለዎ?


•100,000 ኪ.ሜ መትንታ ደም ኣብ ኣካልካ ከም ዘለዉ?


•ምስ እዚ መስተንክራት ዝፈጠረ ኣምላኽ ክትራኸብ ከም እትኽእልን?