•ሓምሳ ምልክታት ናይ እግዚኣብሄር ሰባት

    Download Formats:

Chapter
•ሓምሳ ምልክታት ናይ እግዚኣብሄር ሰባት

 1. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ ደው ይብሉ ድምጹ'ውን ይሰምዑ።

 2. ናይ እግዚኣብሄር ስባት ንማንም ወይ ንዝኾነ ነገር ድላይ የብሎሙን ካልእ ካብ እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ ወጻኢ።

 3. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣዚዮም ብዙሕ ንእግዚኣብሄር ይፈርሑ በዚ ኽኣ ብዝኾነ መልክዕ ንሓጥያት ይጸልኡን ንጽድቅን ሓቅን ኣብ ኩሉ መንገዲ ኽኣ የፍቅሩ።

 4.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ንቑጥዔን ወሲባዊ ሓጥያት ዝመልኦ ሓሳባት ሲዒሮም እዮም ፥ካብ ምሕጣይ ብሓሳብ ኮነ በረኣእያ ሙሟት ይመርጹ።

 5... ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ቅዲ ህይወቶም ምዓልታዊ መስቀል ምሽካምን ናብ ፍጽምና ምስጓምን ኣለዎ። ከምእ'ውን ቀጻሊ ብፍርሕን ራዕድን ምድሓኖም ይፍጽሙ እዮም።

 6... ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብመንፈስ ቁዱስ ብምልኣት ዝተመልኡን ኣብ ፍቕሪ ኽኣ ኣዚዮም ሰሪቶምን ኣጽኒዔም ዝረገጹን እዮም፥ ዝኾነ ነገር ካብዚ ኣይንቀሳቕስሙን እዩ ናብ ዘይምፍቃርን ኣረኣእያ ናብ ካልእ ሰብ ሽሕ እኳ ዋላ እቲ ምትንዃስ ዓቢ እንተ ኾነ።

 7.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ሱር ዝሰደዱን ዝተስረቱን እዮም ኣብ ትሕትና ዋላ ናይ ሰባት ንኣዳ ኮነ መንፈሳዊ ዕቤት ኣምላኻዊ ደገፍ ዘለዎ ኣገልግሎት ዋላ ዝኾነ ካልእ ነገር እንተ ኾነ እቲ ካብቶም ዝንኣሱ ኣመነቲ ለጠቕ ዝበሉ ምዃኖም ንቕሓቶምን ኣፍልጦኦምን ከጥፍእ ኣይክእልን እዩ።

 8.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ናይ እግዚኣብሄር ተፈጥሮን መደብን ብቓሉ ርድኢት ኣለዎም ፥ከምእ'ውን በቲ ቃል ምእንቲ ዋላ በታ ዝንኣሰት ትእዛዝ ከይተኣዘዝዋ ወይ ንኻልኡት ምምሃር ዕሽሽ ከይብልዎ ይርዕዱ እዮም።

 9.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ሙሉ ምኽሪ ኣምላኽ ይእውጁን መንፈሳዊ ምንዝርናን ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ናይ ሰብ ልምዲ ክኣ የቃልዑ እዮም። <

 10.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ምግላጽ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኣለዎም ኣብ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘሎ ሚስጥር ፥ክርስቶስ ብስጋ ምምጽኡ፥ ብስግኡ ሓድሽን ህያው መንገድን ምኽፋቱን። <

 11.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ጸዓተኛታት ጻዕራማትን እዮም እንተ ኾነ'ውን ስሚዒት ናይ ዋዛ ኣለዎም ምስ ቆልዑት ከመይ ትጻወትን ትዛነን ይፈልጡ ብናይ እግዚኣብሄር ውህበታት ተፈጥሮ ይሕጎሱ እዮም። <

 12.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ዓለም ዝመነኑ ኣይኮኑን ኮይኑ ግን ኣብ ሓደ እዋን ስነ ስርዓት ዘለዎ ህይወት ይነብሩን ንመከራ ኽኣ ኣይፈርሑን እዮም። <

 13.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብኽቡር ክዳውንቲ ወይ ነገራት ቦታትት ምብጻሕ ኣይግደሱን እዮም ከምእ'ውን ኣብ ዘየርብሕ ንጥፈታት ግዚኦም ኣይጥፍኡን እዮም ወይ ገንዘቦም ኣብ ዘየድሊ ነገራት ክግዝኡ። <

 14.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ንድሌታት ክብሩ መግብታት ገዚኦሞ እዮም ናይ ሙዚቃ ባርያ ኣይኮኑን ወይ ስፖርት ወይ ዝኾነ ካልእ ዝተፈቐደ ንጥፈት። <

 15. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብዓወት ስርዓት ሒዞም እዮም ብኣምላኽ ኣብ ሓዊ ስቅያት ፥ዓመጽ፥መከራታት ፥ናይ ሓሶት ክሲ ፥ተቛውሞ ካብ ስድራን መራሕቲ ሃይማኖትን። <

 16.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብምሕረት ሙሉኣት እዮም ምስ ኣዚዮም ሓጥኣንን ካብ ኩሉ ዝብኣሱ ኣመንቲ ክደናገጹ ይኽእሉ እዮም ንዕኦም ክኣ ተስፋ ኣለዎም ምኽንያቱ ገዛ ርእሶም ቀንዲ ቀዳማይ ካብ ሓጥያተኛታት ገይሮም ስለ ዝሓስብዋ። <

 17.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣዕሚቖም ሱር ዝሰደዱን እዮም ኣብ ውሕስነት ፍቕሪ ሰምያዊ ኣቡኦም ስለዚ ፍጹም ብዝኾነ ነገር ኣይጭነቑን እዮም ወይ ንሰይጣን ኣይፈርሁን ወይ ንኡኩያት ሰባት ንኹሉ ነገርን ኣብ ኩሉ ኩነታትን። <

 18.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣትዮም እዮም፥ኣብ ልዑላዊ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ነገራት ንሰናዮ ከም ዝኸውን ብምእማን፥ በዚ ምኽንያት ክኣ እዩ ንኹሉ ሰብ ኩሉ ግዜ ዘምስጉኑ ንኹሉ ነገራትን ኣብ ኩሉ ኩነታትን። <

 19.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ሓጎሶም ኣብ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ዝረኽብዎ በዚ ምኽንያት ብጎይታ ሓጎሶም ሙሉእ እዩ፥ ንኹሉ ሕማቕ ስሚዒታት ብምስዓር። <

 20.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ህያው እምነት ኣለዎም ኣብ ገዛ ርእሶም ወይ ኣብ ተፈጥራዊ ክእለቶም ኣይውከሉን እንተ ኾነ ኣብ ኣምላኽ ሙሉእ ብሙሉእ ይውከሉ ዘይሓድጎሙን ሓጋዝን ኣብ ኩሉ ኩነታትን። <

 21.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብናቶም ሓሳብን ምኽንያትን ኣይመላለሱን እዮም። ኮይኑ ግን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ይነብሩ። <

 22.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ናይ ብሓቂ ብመንፈስ ቅዱስን ሓውን ብክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ተጠሚቖም እዮም።ብገለ ስሚዒታዊ ዝተምስርሔ ወይ ገለ ስነ ሞሎኮታዊ ሞጎት ኣይኮነንን። <

 23.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ቀጻሊ ኣብ ትሕቲ ቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ይመላለሱ ፥በቲ ንሱ ዝሃቦም ብልዕለ ተፈጥሮ ውህበታት ዝተዓደልዎ ። <

 24.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ከም ኣካል ክርስቶስ ናይ ቤተ ክርስትያን ምግላጽ ኣለዎም ፥ከም እኩብ ሰብ ወይ መስመይ ናይ ጉጅለ ዘይኮነ። <

 25.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ መልሓሶም ክገትኡ ተማሂሮም እዮም ሕጂ መልሓሶም ብኣምላኻዊ ቃል ዝተቐጻጸሉ እዮም። <

 26.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኩሉ ዝሓደጉ እዮም ከም'ውን ደጊም ብምድራዊ ነገራት ፍጹም ዝስሓቡ ኣይኮኑን።ካብ ካልኡት ክኣ ውህበታት ኣይደልዩን እዮም። <

 27.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ንኹሉ ዘድሊዮም ነገራት ንእግዚኣብሄር ክኣምንዎ ይኽእሉ እዮም። ከም'ውን ፍጹም ዘድልዮም ምድራዊ ነገራት ብዛዕብኡ ኣንፈት ኣይህቡን እዮም ወይ ብዛዕባ ዕዮኦም ኣብ ዘረብኦም ኮነ ወይ ደብዳቤን ጸብጻብን ኣይህበኑን እዮም። <

 28.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ነቓጻት ኣይኮኑን ግናኸ ሕያወትን ንነቕፌት ክፉታት ካብ ሽማግለታትን ለባማት ይሕዋትን ክእረሙ ሃረር ይብሉ እዮም። <

 29.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ክዕብልሉ ወይ ንኻልኡት ክመኽሩ ድሌት የብሎምን ዋላ እኳ ምኽሪ ክህቡ ድልዋት እንተ ኾኑ ምስ ተሓተቱ ጥራይ እዩ። ከም ሽማግለ ወይ መራሕቲ ክውሰዱ ባህጊ የብሎምን ፥እንተ ኾነ ከም ተራ ኣሕዋትን ኣገልገልቲ ኩሉን ክኾኑ ድሌት ኣለዎም። <

 30.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ምስኦም ብሓባር ክትከይድ ቀሊል እዩ።ከምእ'ውን ክሽገሩን ካልኦት'ውን ክብለጽሎም ፍቓደኛታት እዮም። <

 31.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ሞንጎ ሚለነርን ምጽዋት ዝልምንን ፥ጻዕድ ዝቆርበቱን ጸሊም ዝቖርበቱን፥ ዝተምሃረን ንተጠባርን ንስልጡንን ንድሑሩን ፍልልይ ኣይገብሩን እዮም ግናኸ ንኹሎም ብሓደ ዓይነት ገይሮም ይሕዝዎም። <

 32.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብኣንስቶም ፥ደቆም፥ ይዕርኽቶም ወይ ዝኾነ ሰብ ፍጹም ኣይጽለውን እዮም ፥ዋላ ንእሽተይ ካብቲ ንጎይታ ዘለዎም ፍቕሪ ክዝሕሉ ወይ ምእዛዞም ንናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ። <

 33.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብብላዕ ክትሓባበሉ ኣይክእሉን እዮም ዋጋ ዕዳጋ ክገብሩ ፥ዝኾነ ሰይጣን ክቕርበሎም ዝኽእል ሽልማት ክብሪ እንተ ኾነ ወይ ገንዘብ ወይ ዝኾነ። <

 34.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ፍርሒ ኣልቦ ምስክር ንየሱስ እዮም፥ንሃይማኖታዊ መራሕቲ ኮነ ዓለማዊ መራሕቲ ኣይፈርሑን እዮም። <

 35.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብዛ ገጽ ምድሪ ንሰብ ባህ ከብሉ ባህጊ የብሎሙን ፥ከምእ'ውን ፍቓደኛታት እዮም ንኹሉ ሰብ ቅር ከብሉ እንተ ድኣ ኣድላዪ ኮይኑ ምእንቲ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ባህ ከብሉ። <

 36.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ናይ እግዚኣብሄር ክብሪ የናድዩ፥ፍቓድ ኣምላኽን መንግስቲ ኣምላኽን ካብ ናይ ሰብ ድሌትን ናይ ገዛ ርእሶም ምቾት ንላዕሊ። <

 37.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ጸቕጢ ክወርዶም ኣይክእልን እዩ ብኻልኡት ኮነ ወይ ብናይ ገዛ ርእሶም ሪኢቶ ንምቛም ዘኽእል ሓይሊ ኣእምሮ " ምውት ግብሪ " ክሰርሑ ንኣምላኽ፥ ኮይኑ ግን ህንጡያትን ዕጉባትን እዮም ነቲ ዝተገለጸ ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ በይኑ ኣብ ህይወቶም ክገብሩ። <

 38.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ናይ ምልላይ መንፈስ ኣለዎም ኣብ ዕዮ ክርስትና ኣብ ሞንጎ ነፍሳውን መንፈሳውን ዘሎ ፍልልይ ክፈልጡ። <

 39.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ንነገራት ብሰምያዊ ኣጠማምታ ገይሮም ይሪኦ ብምድራዊ ኣይኮነን። <

 40.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት በቲ ንጎያት ዝዓየይዎ ኩሉ ምድራዊ ክብርታትን ማዕርጋትን ንዕኦም ዝተቐረበሎም ይኣብዩ እዮም። <

 41.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ከመይ ከየባተኹ ከም ዝጽልዩን ከምእውን ከመይ ኢሎም ከም ዝጾሙን ዝጽልዩን ይፈልጡ እዮም። <

 42.. ናይ ኣግዚኣብሄር ሰባት ብልግሲ ተሓጊሶም ብሚስጥርን ብጥበብ ምሃብ ተማሂሮም እዮም ። <

 43.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ፍቓደኛታት እዮም ንኹሉ ሰብ ኩሉ ነገር ክኾኑ በዚ ኽኣ ብኽሉ መንገድታት ንገለ እንተ ኣድሓኑ። <

 44.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ካልኣት ጥራይ ክድሕኑ ጥራይ ዘይኮነ ግናኸ ከም እውን ደቂመዝሙር የሱስ ኮይኖም ናብ ፍልጠት ሓቂ መጺኦም ናብ ምእዛዝ ንኹሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ክሪኢዋም ሃረርታ ኣለዎም። <

 45.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታ ንጹህ ምስክርነት ንእግዝኣብሄር ቆይሙ ክሪኡ ሃረርታ ኣለዎም። <

 46. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ዝነድድ ድሌት ኣለዎም ክርስቶስ ልዕል ኢሉ ከቢሩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክርኤ። <

 47.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኣብ ዝኾነ ነገር ናይ ርእሶም ኣየናድዩን እዮም። <

 48.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት መንፈሳዊ ስልጣን መንፈሳዊ ክብርን ኣለዎም። <

 49.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት እንተ ዘድሊ ኮይኑ ኣብ ዓለም በይኖም ንእግዚኣብሄር ደው ክብሉ ይኽእሉ እዮም። <

 50.. ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ከም ሃዋርያትን ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያትን ሙሉእ ብሙሉእ ዋጋ ዕዳጋን ግድድፍን ኣይገብሩን እዮም።

ሎሚ ኣብ ዓለም ናይ እግዚኣብሄር ዕዮ ዝተሃሰይሉ ምኽንያት ከምዚኦም ዓይነት ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብቑጽሪ ሒደት ስለ ዝኾኑ እዩ።ወስን ብሙሉእ ልብኻ ከምዚ ዓይነት ሰብ ንእግዚኣብሄር ክትከውን፥ ኣብ ማእከል እዚ ሓጥያተኛን ዘማውን ወለዶን ግድድፍን ዋጋ ዕዳጋ ክርስትናን።

ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ስለ ዘየለ ከምዚ ዓይነት ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ክትከውን ዝክኣል እዩ፥እንተ ድኣ ልባዊ ድሌት ሃሊካ ንስኻ'ውን ሓደ ክትከውን።ስለ ኣብ ውንኡ ዝተፈለጠ ህይወትካ ጥራይ እግዚኣብሄር ምውፋይን ምእዛዝን ዝጠልብ ዝክኣል እዩ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክትከውን ዋላ እንተ እቲ ውንኡዝተፈለጠ ህይወትካ እኳ ውስን እንተ ኾነ።እቲ ቦታ ምውሳኽ ክቕጽል እዩ ኣብ ብርሃን ክትመላለስን ንፍጽምና ክትስዕብን ከለኻ።ከምዚ ዓይነት ናይ ኣግዚኣብሄር ሰብ ክትከውን ዘይትኽእለሉ ምኽንያት የለን።

ኣብ ስጋና ዋላ ሓንቲ ጽብቕ ስለ ዘይሓድር እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ብቕዓት ክህልወካ ጸጋ ኣምላኽ ድለ። ምዓልታዊ ናብ ኣምላኽ ይእዊ ንሱ ብቕዱስ መንፈሱ ክመልኣካ እዩ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክትከውን ኣብዚ ምዓልታት መዕጸዊ ዘመን ።