ሓምሳ ባህሪታት ፈሪሳውያን

Written by :   Zac Poonen
    Download Formats:

Chapter
ሓምሳ ባህሪታት ፈሪሳውያን

ኣብ ወንጌላት ከም እነንብቦ የሱስ ኣንጻር እዞም ሰለስተ ማይ ብሑቚ ንህዝቢ ኣጠንቂቅዎም፡ 1.ማይ ብሑቚ ሄሮዶስ(ማርቆስ.8፡15)

2.ማይ ብሑቚ ሰዱቃውያን(ማቴ.166)

3.ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን(ማቴ.166)

እዚ ሰለስተ ዓይነት ክርስትያን ይውክል።

ማይ ብሑቚ ናይ ንጉስ ሄሮዶስ ዓለማዊ መስርዕ ዝነበሮም እዮም።ኣብ ማርቆስ 6፡20 ከም እነንብቦ ሄሮዶስ ብሓጎስ ንዮሃንስ መጥመቅ ይሰምዖ ነይሩ።ግንከ ክልተ ፍቅዲ ቀጺልና ምስ ነኒብብ ከምኡ ድማ ብሳዕሲዒት ጓል ሄሮድያዳ ብምርኣይ ይሕጎስ ነይሩ(ማለት ብንምርኣያ ዘብህግ ኣከዳድናን ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ኣሰዓስዓን)።ሎሚ ውን ከይተረፈ ከምዚ ዝበሉ ክርስትያን ኣለዉ፡ሰንበት ንግሆ ሓያል ዝኾነ ስብከት ሰሚዖም ዝሕጎሱን ቀጺሎም ድሕሪ ቀትሪ ድማ ብሕማቅ ፊልም ብምርኣይ ባህ ይብሎምን።ሄሮዶስ ብስብከት ዮሃንስ መጥመቅ ብምስማዕ ይሕጎስ ነይሩ፡ከመይሲ ዮሃንስ መጥመቅ ሓያል ሰባኺ ስለ ዝነበረ ዘይከም መሰልቸው ፈሪሳውያን። ግናኸ ብሓጎስ ምስማዕ ንሓያል ነብዩ መንፈሳዊ ኣእምሮኛ ኢኻ ማለት ኣይኮነን።ዓለማውያን ክርስትያን መብዛሕትኡ ግዜ ግቡዛት ኣይኮኑን ዘይከም ፈሪሳውያን።ብዓለማዊ ምዝንጋዓት ይሕጎሱን እቲ ዝሕጎሱሉ ሓቅታት ድማ ኣይሓብእዎን።

ማይ ብሑቚ ሰዱቃውያን ናይ ሓሶት ምህሮ እዩ ነይሩ።ኣብ እምነቶም ነጻ እዮም ነይሮም።ኣብ መላእኽቲ ወይ ትኣምራት ወይ ትንሳኤ ወይ መንፈሳዊ ዓለም ኣይኣምኑን።ከምዚኦም ዝበሉ ክርስትያን ኣለዉ ሎሚ » ደው በሃልቲ »።ኣምላኽ ሎሚ ዝኾነ ትኣምራት ከም ዝገበረ ኣይኣምኑን እዮምን ውህበት መንፈስ ቑዱስ ሎሚ ውን ንክርስትያን ድሉው ምህላዉን ኣይኣምኑን እዮም።

ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን ቀዳምነት ግብዝና እዩ ነይሩ።ዝምህርዎ ምህሮ ድማ ሓቂን ጽድቆም ኣብ ደጋዊ ሂወቶም እዩ ነይሩ።የሱስ ባዕሉ ኣብዞም ክልተ ጎድንታት ሰርቲፊኬት ሂቡዎም እዩ(ማቴ.23፡3,25)።ዕሽር ይህቡ፡ይጽልዩን ብሱሩዕ ይጾሙን፡ደጋዊ ትእዛዛት ሕጊ ዓቂቦሞን ኣብ ሚስዮናዊ ስርሓት ከይተረፈ ተጸሚዶምን እዮም።ሎሚ ውን ክርስትያን ኣለዉ ነዚ ኩሉ ነገራት ዝገብርዎ ግንከ ገና ልክዕ ከምቶም ፈሪሳውያን።ገለ ክርስትያን ድማ ካብዞም ሰለስተ ዝተሓዋወሰ ማይ ብሑቚ ይህልዎም ይኸውን።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ተበጊሱ፡ ሓደ ሰብ የሱስ ዝልዓለ ቃልሱ ዝነበረ ምስ ሰዓብቲ ሄሮዶስ ወይ ሰዱቃውያን ኢዩ ነይሩ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን።ግንከ ምስኣቶም ኣይኮነን ነይሩ።እቲ ዝልዓለ ቃልሱ ዝነበረ ምስቶም ንሓቂ ዝሓዙ ፈሪሳውያን ቅድስና ዝምህሩ ዝነበሩ እዩ ! እቶም ፈሪሳውያን ናይ ኩሉ ሰብ : ዝነበሩ እዮም ንየሱስ ክስቀል ዓቢ ባህግን ነቃጻትን ዝነበሩ።ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትና ሰዱቃውያንን ሄሮዶሳውያንን ሓደገኛታት ኣይኮኑን ዘይከም ፈሪሳውያን።ሄሮዶሳውያን ምናልባት ናብ ሲኦል ይኸዱ ይኾኑ።ግንከ ንኻልኦት ናብ ጌጋ መገዲ ክመርሕዎም ኣይክእሉን እዮም፡ንዝኾነ ሰብ ፉሉጥ እዩ ዓለማዊ ሰብ ምዃኑ።በቶም ነጻ ሰዱቃውያን ዝብሃሉ እንተኾነ ውን ዝኾነ ሰብ ክታለል ኣይክእልን እዩ መንፈሳዊ እየ ኢሉ ብምሕሳብ እሞ ድማ ብትኣምራት ወይ ድማ ትንሳኤ ምውታት ብዘይ ምእማን።እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ሰብ ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትና(ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ግዜ)ፈሪሳዊ እዩ፡ኩሉ ዘለዎ ትምህርቱ ቁኑዕን ቅድስና ዝምህርን እዩ።ግንከ ጽድቑ ብጥብቅን ብሕግን ስርዓትን ዝፈረየ እዩ።ጽድቑ ድማ ሕጽረት ሓጐስን ሰላምን ብመንፈስ ቑዱስ ዘለዎ እዩ(ሮሜ.14፡17)።ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ምኽንያቱ ንክርስትያን ናብ ናይ ሓሶት ቅድስና ስለ ዝመርሖም።እምብኣርከስ እዚ ኣገዲ እዩ ንዓና ባህርያት ፈሪሳውያን ክንርዳእ።ብዛዕባ ባህሪ ሰዓብቲ ሄሮዶስ ወይ ሰዱቃውያን ብዙሕ ዝተጻሕፈ የለን ካብቲ ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎ ከይከድና።ግንከ ናብ ፈሪሳውያን ምስ እንመጽእ ብዛዕብኦም ዝልዓለ ተጻሒፉ ንረኽቦ ኣብ ወንጌላት።ስለዚ ናይ ግድን ኣምላኽ ባህርያቶም ከነጽንዖ እዩ ዝደልየና ዘሎ። ኩሎም ኣመንቲ ትምህርቶም መሰረተዋኢ ሓቂን ጽድቂ ኣብ ምስዓብ ዘለዉን ፈሪሳውያን ናይ ምዃን ተኽእሉኦም ሓደገኛ እዩ -- ወላ ውን ብዘይፍላጥ ነዚ።መብዛሕትና ኣብዚ መደብ እዚ ወዲቅና ካብ ሃለና፡ንኺድ ንቅረብ ናብዚ ምጽናዕቲ ብዓሚቚ ትሕትና።ኣብ ወንጌላት እንተ ወሓደ ሓምሳ ዝኸውን ባህርያት ፈሪሳውያን ኣሎ ዝረኸብክዎ።ወላ ውን ሓንቲ ካብዚ ዝሳነየና እንተ ረኺብና ንሕና ፈሪሳውያን ኢና ወላ ውን እቶም 49 ባህርያት እንተ ዘይብልና።እዚ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣይኮነን።ናብ ገዛእ ሂወትካ ምስ ትምልከት፡ምናልባት ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቑዱስ ዘይተጠቅሰ ገለ ካልእ ባህርያት ትረክብ ትኸውን።

መንፈስ ፈሪሳውያን ፈጺሙ ንመንፈስ ክርስቶስ ዝጻረር እዩ።ስለዚ ድማ እዩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ።ልክዕ ከምቲ ኣዝዩ ንእሽቶ ባእታ (an atom)ውን ትኹን መንፈስ ሲኦል ክህልወና ዘይንደሊ፡ልክዕ ከምኡ ውን ኣዝዩ ንእሽቶ ባእታ (an atom)ውን ትኹን መንፈስ ፈሪሳውያን ኣባና ክህሉ ኣይንደሊን ኢና።ሓደ ካብቲ ቀዳማይ ናይ ኣምላኽ በረኸት ዝብሃል መንፈስ ቑዱስ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎ ጸልማት ክንርኢ ብርሃን ይህበና።እንተ ድኣ ብቀጻሊ ብርሃን ዘይንረክብ ኮይና ኣብ ሂወትና ንክርስቶስ ዘይመስል ነገራት፡ብሓቂ ብኣምላኽ ኣይተባረኽናን ማለት እዩ።ጥዕናን ሃብትን ናይ ኣምላኽ ምልክት በረኸት ኣይኮኑን፡ምኽንያቱ ብዙሓት ዘይኣመንቲ እዚ ክልቲኡ ስለ ዘለዎም፡ወረ ካብ ቡዙሓት ኣመንቲ ንላዕሊ።ኣምላኽ ኣብ ሂወትና ንክርስቶስ ዘይመስል ነገራት ከርእየና ከሎ


ካብዚኣቶም ክንጸሪ እዩ ዝደልየና ዘሎ(2ይ.ቆሮ.7፡1)በዚ ድማ ተማቀልቲ ኣምላኻዊ ባህርዩ ንኸውን።ሂወት ገዛእ ርእስናን : ስድራ ቤትናን : ሂወት ማሕበርናን እንዳ በርሀን እንዳ በርሀን ይኸይድ። ሽዑ ካብ ዘየወላውል ሓራ ንኸውንን ሽዑ ጥራይ ኢና ድማ ከም ንስሪ ኣብ ሰማይ ክንበርር ንኽእል።ኣብ ምድሪ ተኣሲርና ክንተርፍ ኢና ነዚ ፈሪሳውነት ኣባና እንድሕር ዘይሪኢናዮ።ኣምላኽ ቃሉ ዝሃበና መታን ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎ ሓጥያት ብርሃን ክህልወና እዩ እንበር ኣብ ካልኦት ዘሎ ፈሪሳውነት ክንርእየሉ ኣይኮነን።ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎ ፈሪሳውነት ምስ እንምልከትን ካብኡ ምስ እንጸርን ንኣምላኽ ኣብ ስርሑ ጥቅሚ ዘለዎም ምኾና ነርና።

Chapter 1
ፈሪሳውያን ምስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብምትእስሳር ይኽበሩ ።

ብልብኹም ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም(ማቴ.3፡9)።ፈሪሳዊ ሰብ ንባዕሉ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዘይኮነ ይፈልጥ እዩ።ስለዚ ድማ ምትእስሳሩ ምስ ሓው ኩስቶን ኩስቶን ኢሉ ምስ ጽቡቅ ስም ወይ ዝና ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብምትእስሳሩ ክገልጽ ይደሊ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን።ሎሚ ብዙሓት ስጋውያን ክርስትያን ኣለዉ ኣባላት ናይ ገለ ገለ ማሕበር ብጽቡቅ ስም ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ሰብ ስለዝተመርሑ ክብረት ዝስምዖም።በቲ ጽቡቅ ስም ናይቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ይነብሩ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዜሮ ቅድስና ከለዎም።ፈሪሳውያን ምስ ናይ ኣምላኽ ሰባት ይጽንበሩን በዚ ምኽንያት ንሳቶም ውን ቅዱሳት ኢና ኢሎም ንርእሶም ይሓስቡን። ኣባል ናይ ጽቡቅ ማሕበር ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ወላ እኮ እንተኾንካ ናብ ሲኦል ክትከይድ ኢኻ ኣብ ሂወትካ ዘይተነሳሕካሉ ሓጥያት እንተ ድኣ ሃልዩ ወይ ድማ ኣንጻር ካልእ ቂምታ እንተ ኣሎካ። ኣምላኽ ኩሉ ሕምየትካን ኩፉእ ዘረባኻን : ሱቅ ኢሉ ዝርእዮምን ሸለል ዝብሎን እንተ ዝመስለካ ኣሎ ኮይኑ ብምኽንያት ኣባል ናይ ጽቡቅ ማሕበር ስለ ዝኾንካ ጥራይ ንስኻ ተጋጊኻ ኣሎኻ።ኣብ ማዓልቲ ፍርዲ ዓቢ ምግራም ክትግረም ኢኻ።ሓደ እዋን ምናልባት ድሒንካ ነርካ ትኸውን።ግንከ ሎሚ ምናልባት ጠፊእካ ትህሉ።ስለዚ ምስ ናይ ኣምላኽ ሰባት ብምትእስሳርካ ፈጺምካ ኣይትከበር።

Chapter 2
ፈሪሳውያን ብደጋዊ ጽድቂ ይኽበሩ

የሱስ ከምዚ በለ፡ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሐ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም ኢለ እነግረኩም ኣለኹ።(ማቴ.5፡20)የሱስ ኣብዚ እንታይ ማለቱ እዩ፧ካብ ፈሪሳውያን ንላዕሊ ክንጸውም፡ ክንጽሊን ዕሽር ክንህብን ድዩ ዘሎና፧የሱስ ብዛዕባ ብዝሒ ኣይኮነን ኣገዲስዎ ዝዛረብ ዘሎ - ግንከ ብዛዕባ ዓይነት ወይ ብቅዓት እዩ።ንሱ ዝበሎም ዓይነት ጽድቅና ናይ ግድን ካብ ናይ ፈሪሳውያን ዝበለጸ ክኸውን ኣለዎ ናብ መንግስተ ኣምላኽ ክንኣቱ ንደሊ እንተ ኮይና። እዚ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ቀጺሉ ኣብ ቀጺሉ ዘሎ ፍቅድታት ምዕራፍ ገሊጽዎ ኣሎ።ጽድቂ ፈሪሳውያን ደጋዊ ጥራይ እዩ ነይሩ።ንሳቶም ይኽበሩ ነይሮም ንሕጊ ኣምላኽ ኣብ ደጋዊ ስለ ዝተኣዘዝዎ።ግንከ የሱስ ከምዚ በለ ውሽጣዊ ጽድቂ እዩ ኣምላኽ ዝጥምት ኣብ ደጋዊ ወላ እኮ ከይቀተልካ እንተ ኣወገድካዮ ጥራይ፡ግንከ ከምኡ ድማ ቚጥዓ ኣብ ውሽጥኻ ኣወግዶ፡ደጋዊ ዝሙት ጥራይ ዘይኮንካ ከተወግዶ ዘሎካ፡ግንከ ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ክፉእ ባህግታት ዘይናትካ ሰበይቲ።የሱስ ከምዚ በለ ቚጥዓን ሓጥያት ዝበዝሖ ጾታዊ ባህጊን ኣዝዩ ዕቱብ ከም ዝኾነ በዚ ሓጥያት'ዚ ምኽንያት ድማ ሰብ ናብ ሲኦል ይኸይድ(ማቴ.5፡22,29,30)።መብዛሕትኦም ክርስትያን ነዚ ናይ ውሽጢ ሓጥያት ብዕቱብ ኣይሕዝዎን እዮም-ምኽንያቱ ፈሪሳውያን ስለ ዝኾኑ።ንሳቶም ብደጋዊ ምስክርነት ኣብ ቅድሚ ሰብ ይኽበሩ።ካልእ ጎድንታት ውን ክኸውን ይኽእል እዩ ማለት ጽድቅኻ ኣብ ደጋዊ ጥራይ ዝኾነ።ሰብ ኣብ ደጋዊ እዩ ዝርኢ፡ ኣምላኽ ግን ንልቢ እዩ ዝርኢ(1ይ.ሳሙ.16፡7)።እቲ ካልኦት ኣመንቲ ብዛዕባ መንፈሳውነትካ ዝሓስብዎ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ የብሉን።ንሱ ዝርኢ ኣብ ሓሳባትካን፡ዘለዓዓለካን ኣንደበትካን እዩ።ልብኻ ጽሩይ እንተ ዘይኮነ ብጽቡቅ ስም ወይ ዝና ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣይትከበር።

Chapter 3
ፈሪሳውያን ምስ ሓጥኣን ሰባት ኣይሕወሱን እዮም

ፈሪሳውያን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምዚ በልዎም፡ስለምንታይ እዩ መምህርኩምሲ ምስ ሓጥኣን ዝበልዕ፧(ማቴ.9፡11)።ፈሪሳውያን ምስ ከምኣቶም ህዝቢ ጻድቃን ፈሪሳውያን ጥራይ ይጽንበሩ።ንየሱስ ውን ከይተረፈ ምስ ሓጥኣን ብምጽንባሩ ኣቃሊሎሞ።እቲ ጽድቅኻ ምስቶም ዘይኣምኑ ቤተሰብካ ዘይሕውሰካ ድዩ፧ሓቂ እዩ ሕብረት ንረክብ ምስቶም ውሉድ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ።ግንከ ምስ ኩሉ ዕርክነት ክህልወና ኣለዎ።የሱስ ከም ዓርኪ ሓጥኣን እዩ ዝፍለጥ ነይሩ።ከም የሱስ ክትከውን እንተ ድኣ ደሊኻ፡ናይ ግድን ዓርኪ ሓጥኣን ክትከውን ኣሎካ። ፈሪሳዊ ኣብ መርዓ ናይ ዘይኣመኑ በተሰቡ ኣይሳተፍን፡ምኽንያቱ ኣብኡ ክብክሉኒ እዮም ኢሉ ስለ ዝሓስብ።ዝዀነ ኮይኑ የሱስ ግን ተሓጒሱ እዩ ኣብቲ መርዓ ዘይኣምኑ በተሰቡ ዝካፈል።ናብ ቤት ሓጥኣን ከይዱ፡ምናልባሽ ሳዕሲዒትን ምስታይን ዝነበሮ ከይዱ።ምስቶም ሓጥኣን ወንጌል መታን ክካፈል።ምስኣቶም ምርኻቡ ኣየርክሶን እዩ፡ምኽንያቱ ጽድቑ ኣብ ውሽጡ ስለ ዝነበረ።ሓቂ እዩ ዝበዝሕ ግዚኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ እዩ ዘሕልፎ ነይሩ።ግንከ ብዙሕ ግዜ ምስ ሓጥኣን ሰባት ኣብ ምዝራብ ውን የሕልፍ ነይሩ እዩ።ምስ ሓጥኣን ዕርክነት እንተ ዘይብልና ከመይ ገርና ድኣ ናብ ጐይታ ክንረብሖም ኢና፧ጽቡቅ ሕቶ ንነፍስኻ እትሓታ ሕቶ እዚ እዩ፡ክንደይ ሰባት እዮም ብኣኻ ገይሮም ናብ ጐይታ ዝመጹ ኣብ


ማሕበርካ፧ወላ እኮ ኣብ ማሕበርካ ን20 ዓመት ዝኸውን ምናልባት እንተነበርካ፡ምናልባት ሓደ ሰብ ውን እንተኾነ ናብ ክርስቶስ ኣየምጻእካን ትኸውን።እዚስ ገለ ነገር ብዛዕባ ሂወትካ ከም ዘመልክት ዶ ኣይትሓስብን፧ከምኡ ውን ብዙሓት ሽማግለታት(መራሕቲ ማሕበር)ውን እንተኾኑ ወላ ሓደ ሰብ ናብ ክርስቶስ ኣየምጽኡን ኣብ ብዙሕ,ብዙሕ ዓመታት።እቲ ምኽንያት ምናልባት ፈሪሳውያን ኮይኖም ይኾኑ።ቅንዕና እንተ ድኣ ሃሉዩካ ፈሪሳውነትካ ተኣመን በዚ ነገር እዚ፡ኣምላኽ ክጥቀመልካ ይኽእል እዩ ንኻልኦት ናብኡ ከተምጽኦም።

Chapter 4
ፈሪሳውያን ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ

ስለምንታይ ፈሪሳውያን ይጾሙ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይጾሙ፧(ማቴ.9፡14)።ፈሪሳውያን ሰብ ክጸውምን ክጽልን እዮም ዝደፍእዎ።ንሳቶም ሓይሊ ስጋዊ ስነ ስርዓት ከም ሙጻም ዝኣመሰለ ምኽንያት ናይ መንፈሳዊ ምዃንን ኢዩ ኢሎም ብእኡ ድማ ይምክሑን።የሱስ ካብ ፈሪሳውያን ንላዕሊ ጾይሙ እዩ።ግንከ ምእንቲ ቅዱስ ክኸውን ኢሉ ኣይኮነን ጾይሙ።ንሱ ዝጾመ ምኽንያቱ ቅዱስ ስለ ዝነበረ እዩ።ከምኡ ውን የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝጾሞ ጾም ከም ፈሪሳውያን ኣይተመክሐን።ወላ ውን ንሰባት ክጾሙ ኢሉ ኣይገደደን ኣብ ምድሪ ከሎ ይኹን ወላ ውን ሎሚ።ጾም ጥቅሚ ኣለዎ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግናኸ ብፍጹም ድልየት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።እንተ ዘይኮነ ምዉት ግብሪ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።ናይ ኩሉ ሃይማኖታት ህዝቢ ነዚ ባህታ ስጋ ናይ ምቁጽጻር፡ከም ጾም ዝኣመሰለ ይለማመዱ።ገለ ውን ኣለዉ ጾታዊ ዝምድና ምስ ኣንስቶም ደው ዘብልዎ ምእንቲ ቅዱሳን ክኾኑ ኢሎም።ንክርስትያን ቅዱስ መታን ክኸውን ግን እዚ ኣይኮነን እቲ መገዲ።ምልክት ናይ ፍጹም ሰብ ንነብሱ ስነ ስርዓት ምግባር፡ብመግብን ጾታዊ ምርኻብን ኣይኮነን፡ግንከ ልሳኑ ብምቁጽጻር እዩ(ያቆብ.3፡2)።ብድሕሪ እዚ ናይ ግድን ሓሳባትናን የዒንትናን ክንቆጻጸር ኣሎና። የሱስ ጽቡቅ መግቢ ደስ ኢሉዎ እዩ ዝበልዕ።ንሳቶም ስሱዕ ሰብ ኢሎም ይጽውዕዎ ነይሮም(ሉቃስ.7፡34)።እታ ቀዳመይቲ ትኣምራት ዝገበራ ተወሳኺ ወይኒ ኣብ መርዓ እዩ ! እዚ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ትኣምራት ኩሉ እቲ ኣዝዩ ዘየድሊ መሲሉ ይርአ ይኸውን።እቶም ዕዱማት ኣቀዲሞም ሰትዮም እዮም ኣዝዩ ቡዙሕ ወይኒ፡የሱስ 600 ሊትሮ ወይኒ ነቲ ድግስ ገይሩ ምናልባት ን200 ዕዱማት ዝኾኑ- እዚ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 3 ሊትሮ ወይኒ !! ንምንታይ ኣድለየ ብዙሕ ወይኒ ንምግባር ንዕኣቶም፧ሓደ ምኽንያት ስለምንታይ እዚ ትኣምራት መግበሪኡ፡ምኽንያቱ ንሱ ዝመጸ ንምፍራስ ደጋዊ ሃይማኖት ከምዚ ዝብል ዝምህሩ « እዚ ኣይትሓዝ፡እዚ ኣይትጥዓም »…. ወዘተ።ምስ ክርስትያን ኣብ ዝተራኸብክሉ(ብፍላይ ድማ ኣብ ገለ ማሕበራት)ቀስ ኢሎም ጽቡቅ ብዝመስል ናይ ጾም ግዝያት ከም ዘለዎም ይጠቅስዎ ኣብ ዝርርቦም።ከምዚ ብዝብል ቃል ይብሉ፡ምሳኻ ክካፈሎ ዝደሊ ክቡር ቃል ኣሎ ጐይታ ዝተዛረበኒ ኣብ ናይ 21 መዓልቲ ጾም ከለኹ ኣብዚ ቀረባ ግዜ።እቲ ቀንዲ ነጥቢ ክብልዎ ዝደልዩ ክትድነቅ በቲ ግብሪ ዝጸሙዎ ን21 መዓልቲ እዩ።ኩሉ እቲ ካልእ ዝብልዎ ቃላት ካልኣይ እዩ።የሱስ ከም ዝበለና ብዝኾነ ኾይኑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክፈልጥ የብሉን ከም ዝጾምና።ግናኸ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ባህታ ስጋኻ ምቁጽጻር ይምክሑ። ኣብ ሂወት ክርስትና ብርግጽ ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ስነ ስርዓት ኣብ ምብላዕን፡ ምድቃስን ስጋዊ ርክብን ቦታ ኣለዎ።ግንከ እዚ ፍጹም ነገር ኣይኮነን ንኻልኦት ብዛዕባ እዚ ንነግረሉ ወይ ንኽበረሉ።

Chapter 5
ፈሪሳውያን ኣብ ናኣሽቱ ነገራት ንኻልኦት ብጣዕሚ የጨንቚ

ፈሪሳውያን ንየሱስ ከምዚ በልዎ፡ርአ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይብሉ ይገብሩ ኣለዉ።(ማቴ.12፡2)።ፈሪሳውያን ይፈልጡ ነይሮም እዮም ኣብ ሕጊ ኣምላኽ እስራኤላውያን ሰዊት ቀንጢቦም ክበልዑ ከም ዝተፈቅደ፡ብግራት ናይ ዝኾነ ሰብ ምስ ዝሓልፉ።ግናኸ ኣብዚ ዝሓትዎ ዘለዉ ሕቶ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ እዚ ግብሪ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ይገብርዎ እዩ።ፈሪሳውያን ብናእሽቱ ነገራት ሰብ የጨንቚ።ኣብ ማቴዎስ 15፡2 ንየሱስ ከምዚ ኢሎም ሓቲቶሞ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ክበልዑ ኣእዳዎም ዘይሕጸቡ ከም ስርዓት፡ከምቲ ብባህሊ ዓበይቲ ዝተባህለ።ፈሪሳውያን ኩሉ ግዜ ካብ ኻልኦት ኣመንቲ ናእሽቱ ጌጋ ንምርካብ ይዕዘብዎም።ሽማግለ ሓው(መራሒ ማሕበር)እንተ ድኣ ኮይንካን እሞ ድማ ከምዚ ክብሃል ዝጸንሐ ኣቀዲሙ፡ስለዚ ከምኡ ውን እታ ማሕበርካ ብዙሓት ፈሪሳውያን ኣለውዋ-ምኽንያቱ ዝበዝሐ ሰብ ኣብ ዝኾነ ማሕበር መብዛሕትኡ ግዜ ልምድታት ናይ መራሕቱ የማዕብል።ኣብ ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን ነዚ ንርእዮ ኢና።ብዝኾነ ይኹን እቲ ሽማግለ ሓው(መራሒ)ሓራ እንተ ድኣ ኮይኑ ካብ ፈሪሳውነት፡ሽዑ እቲ ዕድላት ናይ መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ማሕበር ድማ ሓራ ይኸውን ካብ ፈሪሳውነት። እንብኣርከስ ክብሎ ዝደሊ ንዝኾነ ኣማኒ፡ንመራሒ ማሕበርካ ኣኽራርን ፈሪሳውን እንተ ድኣ ኮይኑ ኣይትስዓቦ።ምእዛዝ ሽማግለ(መራሒ ማሕበር)ኣብ ናይ ማሕበር ነገራት ምስ ዝኸውን ጥራይ እንበር ኣብ ግላዊ ነገራት ኣይኮነን።በዚ ማለተይ እንተ ድኣ ንሱ ናይ ሰንበት ፕሮግራም ሰዓት 10 ንግሆ ክጅምር ኢዩ ኢሉ ሓቢሩ፡እንብኣርከስ ተኣዘዞን ኪድ ሰዓት 10 ንግሆ።ኣብ ፕሮግራም እዚኣ መዝሙር እዚኣ ንዘምር ኢሉ እንተ ሓቢሩ ተኣዘዞን ምስቶም ካልኦት ኮይንካ ነታ ዝኣዘዛ መዝሙር ዘምርን።ነቶም ማሕበር ሓፍ ክብሉ ምስ ዝሓቶም ንስኻ ድማ ሓፍ በል።ንኹሉ ሰብ ኮፍ ክብል ምስ ዝነግር ንስኻ ድማ ኮፍ በል።እዚ ኩሉ እዚ እዩ ንሽማግል(መራሒ ማሕበር )ምእዛዝ ማለት።ግናኸ ናቱ ኣብነት ኣብ ሂወቱ ክትስዕቦ የብልካን፡ንኽትስዕቦ ብቊዕ ኣብነታዊ እንተ ዘይኮይኑ።እንተ ዘይኮነ ንገዛእ ርእስኻ ከምኡ ከይተዕንዋ።ንየሱስ ስዓቦን ንስርዓታት ዘብዝሕ ፈሪሳዊ ሽማግለ(መራሒ ማሕበር)ፈጺምካ ከይትስዕቦምናልባት፡ ዝኾነ እንተ ኾነ ውን - ወላ ውን ዝልዓለ ሽማግለ(መራሒ ማሕበር) ኣብ ሕብረት እንተ ኾነ።ናይ ግድን ንሽማግለ ክትእዘዞ ኣሎካ ኣብ ካልእ ነገራት ሂወትካ፡እንተ ድኣ ሙሉእ ትኣማምነት ኣሎካ ኣብኡ ከም ናይ ኣምላኽ ሰብ።

Chapter 6
ፈሪሳውያን ብስርዓታት ይነብሩ

እንሆ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ ።ምእንቲ ክኸስዎ ኸኣ፡ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ ኢሎም ሓተትዎ ንየሱስ፧(ማቴ.12፡10)።ፈሪሳውያን ብስርዓታት እዮም ዝነብሩ።ብሂወት የሱስ ኣይነብሩን እዮም።እቲ ተሪር ስርዓቶም ከም ዝምህሮ ዝሓምም ሰብ ናይ ግድን ብመዓልቲ ሰንበት ምእንቲ ከይፍወስ ኣይሕመም።ብዙሓት ሽማግለታት( መራሕቲ ማሕበር)እንተኾነ ውን ሎሚ ተሪር ስርዓታት ብምግባር ንሂወት መጓሰታቶም ከቢድ ይገብርዎ።እዞም ፈሪሳውያን ንየሱስ እዚ ሕቶ ጥራይ መሕተቲኦም፡ምእንቲ መኽሰሲ ክረኽብሉ እዩ።ከምኡ ድማ ሓቂ እዩ ብዙሓት መራሕቲ ማሕበር ሎሚ፡ቅልጡፋት እዮም ንኽኸሱ ዝኾነ ይኹን ናእሽቱ ስርዓት ነቲ ዝገበርዎ ዝጥሕስ።ኣምላኽ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ወሃቢ ሕጊ(ወይ ስርዓታት ዝገብር)ኣብ ዩኒቨርስ።ኣብ ማሕበር ስርዓታት ንኻልኦት እንተ ገይርካ፡እዚ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ባዕሉ ዝገበሮ ኣይኮነን፡ስለዚ ከም ኣምላኽ ኮይንካ ትገብር ኣሎኻ - እዚ ድማ እዩ መንፈስ ጸረ ክርስቶስ(ተመልከት 2ይ. ተሰሎ.2፡4)።ሽዑ ከምቶም ፈሪሳውያን፡ምስ ሰይጣን ኢድ ንኢድ ተጸንቢርካ ትውድእ፡ምስ እዚ ከሳስ ኣሕዋትና(ራእይ.12፡10)። ንኣብነት፡ናይ ሰበይቲ ነገር ርእሳ ትጒልበብ ንውሰድ።መጽሓፍ ቑዱስ ከምዚ ይብል፡ሰበይቲ ክትጽልን ክትንበን ከላ ርእሳ ትጐልበብ(1ይ.ቆሮ.11፡5)።ግንከ ገለ መራሕቲ ማሕበር ሰበይቲ ናይ ግድን ኩሉ ግዜ ክትጒልበብ ኣለዋ ርእሳ(24 ሰዓት ኩሉ መዓልቲ)ኢሎም ይምህሩ ምኽንያቱ ኩሉ ሳዕ ክጽልያ ስለ ዘለወን።ግንከ እቲ ዘግባእ ግብሪታት ብግልጺ ይርአ እዩ (ብ ሓደ ዓይነት መሰረት ናይ ኩሉ ሳዕ ምጽላይ)እንብኣርከስ ሰብኣይ ውን ናይ ግድን ኩሉ ግዜ ርእሶም ክክደኑ የብሎምን (ፈጺሞም ቆቢዕ ወይ ባርነጣ ክለብሱ የብሎምን)።እቲ ዘግባእ ግብሪታቶም ብግብሪ ትርእዮ ንኣሓት 15% ርእሰን ክጒልበባ ይፈቅዱ(ዳሕረዋይ ክፋል ጽጒረን ጥራይ፡ምኽንያቱ ዘይግብራዊ ስለ ዝኾነ ብግዜ ሙቀት መዓልቲ ኩሉ ርእሰን ክጒልበባ !!)ፈሪሳውያን ተጠንቂቆም እዮም ዝቆሙ፡ግንከ ብዘይ ምጥንቃቅ ኣቃውምኦም ፍስሓ ይስምዖም።እተን እንኮ ኣዋልድ ብግቡእ ርእሰን ዝጒልበባ ዝርኤኽወን ናይ ሮማን ካቶሊክን ኦርቶዶክስን እየን ከም ኣደይ ተረዛ(Mother Teresa)።ካልኦት ከም ዝርኣኽወን ከም ሕጊ ብሓይሊ እዩ(ከምኡ ድማ ንኻልኦት ዘይምእዛዘን ነዚ ይፈርድአን)ነዚ ዘይምግባረን።እዚኣተን ግቡዛትን ፈሪሳውያንን እየን።ኣምላኽ ነዚ ሰበይቲ ርእሳ ምጒልባብ ከም ምስሊ ድኣ እንበር ከም ስርዓት ኣይኮነን ዝበለ።ስለዚ ኣነ ብውልቀይ ግዜይ ኣየጥፍእን እየ ክቆጻጸር ንዂለን ኣሓት 100% ምጒልባበን ርእሰን ወይስ ገለ ዝርአ ጸጒሪ ኣብ ትሕቲ ጒልባብ ምህላውን !! ፈሪሳውያን መራሕቲ ልምሉማት (ብትሪ ዘይቆጻጸሩ) ንናይ ገዛእ ስድራ ቤቶም ኣባላት ኣብ ቡዙሕ ነዚ ዝመስል ነገራት፡ግናኸ ጥብቂ ምስ ካልኦት።ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ነዞም ፈሪሳውያን ከምዚ ዝበሎም፡ኣድግኹም ብመዓልቲ ሰንበት እንተ ወደቀ ኣብ ጒድጓድ እንታይ ምገበርኩም፧ናይ ገዛእ ርእሶም ኣድጊ ይግደሱሉ፡ንዝሓመመ ሰብ ግን ኣይግደሱን።መራሕቲ ማሕበር ብጣዕሚ ክጥንቀቁ ኣለዎም ነጻ ካብ ምውጻእ ንገዛእ ስድራ ቤቶም ካብቲ ንኻልኦት ዝገበርዎ ስርዓታት።

Chapter 7
ፈሪሳውያን ብቅንኣትን ጽልእን ዝተለዓዓሉ እዮም

ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ተማኸሩ(ማቴ.12፡14)።እቲ ናትካ ቅንኢ ንገለ ሰብ ምናልባት ናብ ምቅታል ደረጃ ኣይበጽሕን ይኸውን።ግንከ ናይ ግድን ክትዝክሮ ኣሎካ ነዚ ቅንእን ጽልእን መጀመርታ ስጒምቲ ናብ ምቅታል ምዃኑ።በዚ እዩ ቃኤል ሰጒሙ፡ቅንኢ…..ጽልኢ…..ቅትለት።ፈሪሳውያን ንየሱስ ይቀንእሉ ነይሮም፡ምኽንያቱ ብዙሕ ነገራት ስለ ዝገበረ ንሳቶም ክገብርዎ ዘይክእሉ፡ስለዚ ካብኣቶም ንላዕሊ ንሱ ውሩይ ነይሩ ኣብ ህዝቢ።ወላ ውን ጲላጦስ ከይተረፈ(ብዛዕባ የሱስ ቁሩብ ዝፈልጥ)ርእዩዎ እዩ ነዚ ፈሪሳውያን ንየሱስ ክስቀል ጥራይ ዝደለዩ፡ምኽንያቱ ንእኡ ስለ ዝቐንእሉ(ማቴ.27፡18)።ንገለ ሰብ ምስ ትቐንኣሉ፡ግሉጽ ነገር እዩ ኣብ ኣዘራርባኻን ኣከያይዳኻን።ቐናእ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ብገለ ሰብ ካባኻ ዝበልጽ ዝሰብኽ፡ወይ ሃብቲ ዘለዎ ወይ መንፈሳዊ ውህበት ንዓኻ ብዘይብልካ።ሽዑ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ ንምርካብ ንገለ ሰብ ብምጥማት ገለ ናእሽቱ ጌጋ ምእንቲ ከተቃልሎ።ትህንጠ ክትርእዮ ብገለ ነገር ወዲቁ።ሃይማኖት ፈሪሳውያን ሃይማኖት ናይ ቃኤል እዩ።ታሪኽ ደቂ ሰባት በዞም ክልተ ወሓዚ ጀሚሩ - ሓደ መንፈሳዊ(ኣቤልን)እቲ ኻልእ ድማ ሃይማኖታዊ(ቃኤልን)።እቲ መባእታዊ ናይ ቃኤል ሓጥያት ቅንኣት ንኣቤል እዩ።እዞም ክልተ ወሓዚ ኣብ መወዳእታ ብየሩሳሌም(ሓቀኛ ማሕበርን)ናይ ሓሶት ማሕበር(ባቢሎንን)ወዲኦም።እንተ ድኣ ሃይማኖትን ቅንኣትን ዝመልኦ ወሓዚ ናይ ቃኤል ስዒብና፡ኣብ መወዳእታ ከም ክፋል ባቢሎን ኮይና ንውድእ፡ወላ ውን ኩሉ እምነትና ወንጌላዊ እንተኾነ።

Chapter 8
ፈሪሳውያን ጠርጠርቲን ገመትን ዝኸፍአ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት እዮም

ፈሪሳውያን ከምዚ በሉ,'' እዚ ሰብኣይ ኣጋንንቲ ዘውጽኦም ብብኤልዘቡል በቲ ሓለቃ ኣጋንንቲ ጥራይ እዩ''።(ማቴ.12፡24)።የሱስ ጋንየን ምስ ኣውጽአ፡እቶም ህዝቢ ከምዚ በሉ, ''እዚ ናይ ግድን ወዲ ዳዊት ክኸውን ኣለዎ(እቲ ተስፋ ዝተዋህበ መሲሕ)''(ማቴ.12፡23)።ግንከ ፈሪሳውያን በቲ ግብርታት የሱስ ዝገበሮ ተረቢሾም ገለ ነገር ንሳቶም ባዕላቶም ክገብርዎ ዘይክኣሉ።ስለዚ ክፍኣት ሓሲቦም።ወላ ውን ገለ ሰብ ገለ ጽቡቅ ነገር ንኻልኦት ዝባርኽ ምስ ዝገብር፡ፈሪሳውያን ነቲ ግብሪ ብኽፍኣት


ምኽንያት መዘዝ ይገብሩሉ። ብዝኾነ ኾይኑ ናይ ባዕሎም ውሉድ ከምኡ እንተ ዝገብር፡ብዛዕብኡ ምተመክሑን ዝበለጸ ምኽንያት ምመዘዙሉ ነይሮምን - ምኽንያቱ ፈሪሳውያን ኣድልዎ ገበርቲ እዮም ንናይ ባዕሎም ኣባል ቤተሰቦም : ግንከ ንኻልኦት ብጣዕሚ ኣጨነቅቲ።ፈሪሳውያን ብጣዕሚ ጠርጠርቲ ንኻልኦት እዮምን ነዚ ብዘይ ፍታው ርእሲ ዘይብል ምኽንያት ዝኾነ ሰብ ክገብር ከም ዝኽእል ኣይኣምኑን እዮም - ምኽንያቱ ንሳቶም ባዕሎም ብጣዕሚ ፈተውቲ ርእሶም ስለዝኾኑ።ፈሪሳዊ እንተ ድኣ ኮይንካ : ንርእስኻ ኣብ ጌጋ ምኽንያት ካልኦት ዝገበርዎ ጽቡቅ ክትምዝዛ ኢኻን ነቶም ካልኦት ዝንእድዎም ድማ መጨነቅ ክትከውን ኢኻን።

Chapter 9
ፈሪሳውያን ኣብ ዘረብኦም ዘይግዱሳት እዮም

ፈሪሳውያን ከምዚ በሉ,''እዚ ሰብኣይ ኣጋንንቲ ዘውጽአ ብብኤል ዘቡል በቲ ሓለቃ ኣጋንንቲ ጥራይ እዩ''(ማቴ.12፡24)።ፈሪሳውያን ባዓለገ ዘረባ ምዝራብን ጎዳኢ ቃላት ብዛዕባ ካልኦት ብዘይምግዳስ ናብ ምፍራድ ብዘረብኦም ንኻልኦት ይሓልፉ።ሕሰቦ እሞ ንወዲ ኣምላኽ ''ሓለቃ ናይ ኣጋንንቲ'' ኣሎም ክጽውዕዎ ! ከመይ ገይሩ እዩ የሱስ ንምንእኣስ ፈሪሳውያን ዝመለሰሎም፧የሱስ ከምዚ ኢሉ መሊሱሎም፣ኣንጻረይ ኣንጻር ተራ ሰብ እንተ ተዛሪብኩም፡ይቅረ ይብሃለልኩም፡ግናኸ ኣርጊጽኩም ፍለጡ ኣንጻር መንፈስ ቑዱስ ከይትዛረቡ(ማቴ.12፡32)።የሱስ ነዞም ፈሪሳውያን ይቅረ ኢሉሎም እዩ (ከም ሰብ)።ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ይቅረ ኣይበለሎምን።ኣንጻር ዝኾነ ሰብ ምስ እንሓጥእ፡ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ክልተ ነገራት ኣለዎ-(1)ናይ ጋድም ነገር- ኣንጻር ካልእ ሰብ :(2)ትኽሎ ነገር ድማ-ኣንጻር ኣምላኽ።እቲ ሰብ ናይ ግድን ክሓድገልካ ኣለዎን፡ኣምላኽ ድማ ናይ ግድን ክሓድገልካ ኣለዎን፡እንተ ድኣ ሓጥያትካ ከም ንጣብ ርስሓት ዘይብሉ ክወጽእ ኮይኑ።ግንከ ቅድሚ ኣምላኽ ይቅረ ምባሉ ንዝኾነ ሰብ : እቲ ሰብ መጀመርታ ክንሳሕ ኣለዎ።ስለዚ ወላ ውን እቲ ወዲ ሰብ ይቅረ እንተ በለልካ ሓጥያትካ ንጋድም ኣቢሉ፡ገና ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ኣይተምልጥን ኢኻ፡ንትኹል ኣቢልካ፡ክሳብ ትንሳሕን ሕድገት ክሳብ ትሓትትን።ሓደ ካብዞም ፈሪሳውያን ናብ የሱስ ከይዱ ከምዚ እንተ ዝብል፡ጐይታ ይቅረ በለለይ ቢኤል ዘቡል ኢለ ዝጸዋዕኩካ።በጃኻ ሕደገለይ፡ሽዑ ንኣምላኽ ምሕረት ክሓቶ ኣለዎ ክሓድገሉ፡ሽዑ ጥራይ እዩ ሓጥያቱ ንጣብ ዘይብሉ ኮይኑ ዝወጽእ እንተ ዘይኮነ ኻልእ መገዲ የለን።የሱስ ኣጠንቂቁና እዩ ብንዛረቦ ቃላትና ከም ንኹነን ኣብ መዓልቲ ፍርዲ(ማቴ.12፡37)። ዘይሓወየ ሕማም ኣሎካ ዶ፡ምስ ኩሉ ጸሎትካን ሕክምናዊ ምክንኻናትካን፧ይክኣለካ ድዩ ንትእዛዝ ኣምላኽ ዘይምእዛዝካ ከምቲ ኣብ መዝሙር 105፡15 ንቅቡኣተይ ኣይትተንክዩዎምን ንነብያተይ ክፉእ ኣይትግበርዎምን፧ብዘይምግዳስ ገለ ነገር ተዛሪብካ ዶ ኣንጻር ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነ ሓው፧ስለዚ ድማ ሕማምካ ዘይተፈወሰ ይኸውን።ምናልባት ከይተገደስካ ፈሪድካ ትኸውን ንሓደ ሰብ ዓሰርተ ሽሕ ግዜ ካባኻ ዝጸድቅን ካባኻ ንላዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ግዜ ዝበልጽ ንኣምላኽ ዝገበረን።ንስሓን ይቅረታን ነቲ ሰብ ጥራይ ምሕዋይ ከምጽኣልካ እዩ።

Chapter 10
ፈሪሳውያን ንስም ሃይማኖት ክብሉ ንሓላፍነት ስድራ ቤቶም ሸለል ይብሉ

ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም፧ኣምላኽ ከምዚ በለ፡ኣቦኻን ኣዴኻን ኣክብር፡ንስኻትኩም ግና ፡ነቡኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌረዮ እየ፡ዝብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዴኡን የብሉን ትብሉ(ማቴ.15፡1-9)። ፈሪሳውያን ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓስ እቲ ሰብ ነቶም ምሕጋዝ ዘድልዮም ስድራ ቤቱ ምሕጋዝ ኣየድልዮን እዩ፡እንተ ድኣ ገንዘቡ ሂቡ ኣብ ሳጹን ምዝገብ ቤተ መቅደስ ብምባል ምኽባር ስድራ ቤት እዩ ይብሉ።ሕደጐ ድኻ ኣቦ ብሕማም ይሙት፡ምኽንያቱ እዚ''ቅዱስ'' ወዱ ገንዘቡ ንሉኡኽ ናይ ወንጌል ስራሕ ስለዝሃበ !! ብናይ ሎሚ ዘመን ገለ ነገር ከምዚ ማዕረ ምኾነ፡ፈሪሳዊ ንሰበይቱ ከምዚ ምበላ፡ሎሚ ምሸት ናይ ማሕበር ኣኼባ ስለዘሎና ክኸይድ እየ።ስለዚ ኣብ ስራሕ ገዛ ክሕግዘኪ ኣይክእልን እየ።ወይ ድማ መጽሓፉ ሒዙ ንግሆ ከጽንዕ መቅደስ ኣምላኽ(ኣብ ኦ/ዘጽኣት 25)፡ኣምላኽ ንኽዛረቦ ይሓቶ፡ወዮ ሰበይቱ ኣብ ገዛ ምስ ቆልዑ እንዳተቃለሰት ከላ ትምህርቲ ክኸዱ፡ንዓቶም ዝኸውን ቁርሲ ኣብ ምቅራብን ኣብ ምርኣይ ዝበኸየ ህጻንን።እግዝኣቢሄር ነዚ ፈሪሳዊ ክነግሮ ዝደሊ፡''ምጽሓፍካ ዕጾ፡ረስዓዮ ብዛዕባ ቤተ መቅደስ ምጽናዕ ኪድ ንሰበይትኻ ኣብ ክሽነ ሓግዛ'' ! ግናኸ ንሱ ንኣምላኽ ክሰምዖ ኣይክእልን እዩ፡ምኽንያቱ እተን ፈሪሳውያን ኣእዛኑ ንድምጺ ኣምላኽ ጸማማት ኮይነን እየን።እቲ ቀንዲ ክፋል መንፈሳዊ ምዃን፡ ሓላፍነት ናይ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ቤትና ዘድሊ ክግበር ዘለዎ እዩ።ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ዘይሓሊ እንተሎ፡እምነት ዝኸሓደ ኻብቲ ዘይኣምን ውን ዝገደደ እዩ(1ይ.ጢሞ.5፡8)።

Chapter 11
ፈሪሳውያን ብቀሊሉ ይዕንቀፉ

ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም ከምዚ በልዎ፡ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እትዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ በልዎ፧የሱስ ከምዚ በለ ሕደጕዎም ንበይኖም(ማቴ.15፡12-14)።የሱስ ንፈሪሳውያን ምስ ኣተኻኸሎም ወይ(ኣረሞም)ንህዝቢ ንስድራ ቤቶም ዘይምኽባር ብምምሃሮም(ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝርአናዮ)፡ንሳቶም ግን ተዓንቂፎም።ፈሪሳውያን ብቀሊሉ ብዝኾነ ናይ መግናሕቲ ቃል ይዕንቀፉ ወይ መአረምታ ናይ ጐይታ ዝህቦ ምናልባት ብሽማግለ( ወይ መራሕ ማሕበር)ሓው።ሓደ ካብቲ ናይ መውዓል ህጻናት ትምህርቲ ዝኾነ ኣብ ሂወት ክርስትና ዓወት ምርካብ ኣብ ልዕሊ ምዕንቃፍ እዩ።ተስፋ ዝብሃል የለን ፈጺምካ ክትናገፍ ካብ


ፈሪሳውነት : እንተ ድኣ ፈጺምካ ሓራ ክትከውን ዘይትደሊ ኮይንካ ካብ ምዕንቃፍ ምስ ዝእርሙኻ።ኣብ ማሕበርና ዝነበሩ ሰባት ዝፈልጦም ሓደ እዋን ብጣዕሚ ተዓንቂፎም ብገለ መኣረምታ ዝተቀበልዎ፡ኩሎም ንማሕበር ገዲፎሞ ከይዶም።ሎሚ ኣብ ምድረ በዳ ከርተት ይብሉን ዝኾነ ተኽእሎታት ኣሎ ንዘለኣለም ናይ ምጥፋእን። ከም ናይ ፈሪሳውያን ከረገጋግጸልኩም ይኽእል እየ፡ንእግረ መገድኻ ናብ ሲኦል ኢኻ ትኸውን፡እንተ ድኣ ተዓንቂፍካ ብገለ መኣረምታ ዝተቀበልካዮ።የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ሕደጕዎም ንበይኖም።ደድሕሪ ዝተዓንቀፉ ፈሪሳውያን ክንከይድ የብልናን ናብ ማሕበር ክንመልሶም ኢልና።ናይ ግድን ንጐይታ ክንእዘዞ ኣሎናን ንበይኖም ክንሓድጎም ኣሎናን።እንተ ተነስሑ፡ሽዑ ክምለሱ ይኽእሉ ናብ ጐይታን ናብ ማሕበርን ካልእ መገዲ ግን የለን።

Chapter 12
ፈሪሳውያን ብመንፈሳዊ ዕዉራት እዮም

የሱስ ከምዚ በለ፡ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም።ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ ክልቲኦም ኣብ ጒድጓድ ይወድቁ(ማቴ.15፡14)።ፈሪሳውያን ዓበይቲ ምሁራት መጽሓፍ ቑዱስ እዮም።ግንከ ብመንፋሳዊ ዕዉራት እዮም።ስለዚ ዝኾነ ምግላጽ የብሎምን ኣብ መንፈሳዊ ሓቅታት።እዞም ዕዉራት መራሕቲ ንኻልኦት ዕዉራት ሰባት ምስ ዝመርሕዎም፡የሱስ ከምዚ በለ፡ናብ ጒድጓድ ይወድቁ(ናብ ሲኦል)ንሳቶምን እቶም ንዓቶም ዝስዕብዎም ውን ከይተረፉ ናብ ሓደ ጒድጓድ ይወድቁ(15፡14)። ፈጺምካ ከይትስዕቦ ንዕዉር ሰብ፡ኣረጋግጽ መራሒኻ/ሽማግለ ወይ(መራሕ ማሕበርካ)ሰብ መንፈሳዊ ራእይ ምዃኑ፡ንህዝቢ ኣምላኽ ዘፍቅር።ፍቅሪ ዘይምህላው እዩ መንፈሳዊ ዑረት ዘስዓበን፡ ሰመኽቲ ናብ መገዲ ኩነነ ንሰባት ዝመርሕ ዝሰብኩን።ንየሱስ ዘፍቅሮ ሰብ ንጐይታ ብንጹር ይርእዮ ንየሱስ ልዕል ከብሎ ከሎ ኣብ ስብከቱን ንዓኻ ውን የርእየካን።ነዚ ከምዚ ዝበለ መራሒ ማሕበር እዩ ክትስዕቦ ዘሎካን ከምኡ ክትከውን ክትምነዮ ዘሎካን።

Chapter 13
ፈሪሳውያን ግቡዛት እዮም

ካብ ማይ ብሑቚ ፈሪሳውያን ንሱ ድማ ግብዝና ርእስኹም ሓልዉ(ሉቃስ.12፡1)።ግብዝና ዝብል ቃል ወይ(hypocrite) ብቋንቋ ግሪኽ ኮይኑ ናብ ቋንቋ እንግሊሽ ተሰጋጊሩን ትርጉም ተወሂቡዎም(Actor)።ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ናብ ግሪኽ እንተ ትኸይድን ንሰባት ኣበይ ኣለዉ ኩሎም ግቡዛት እንተ ትሓትት፡ከምዚ ኢሎም ምመለሱልካ ኣብ ትያትር።ግቡዛት ናብ ምድረኽ ብምምጻእ ግብዝንኦም ይላማመዱን(ይዋስኡን)ንገለ ሰዓታት ሽዑ ናብ ቤቶም ተመሊሶም ዕለታዊ ሂወቶም ይነብሩን። ኣብ ሆልይ ዉድ ፊልም፡ሓደ ሰብ ናይ ዮሃንስ መጥመቅ ክፋል ይዋሳእ ይኸውን ብጣዕሚ ቅዱስ ኮይኑ ንሓጺር ግዜ፡ምኽንያቱ ንሱ ፈላጥ ተዋሳኢ እዩ።ግንከ ኣብ ናይ ሓቀኛ ሂወቱ ሰታይን ዘማውን ይኸውን።ሎሚ መብዛሕትኦም ተዋሳእቲ ኣብ ማሕበራት ይርከቡ፡ንሳቶም ድማ ንገለ ሰዓታት ይዋስኡ ኣብ ናይ ሰንበት ፕሮግራም።ዓቢ ተዋስኦ ናይ ኣምልኾ ንጐይታ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ይገብሩ ሰንበት ሰንበት።ግናኸ ብዝኾነ ኾይኑ ናብ ቤቶም ምስ ትኸይድ ኣብ ድሕሪ ሰንበት ዘሎ መዓልትታት፡ብቑልጡፍ ትረኽቦ ንሳቶም እቲ ናቶም ክፋል ጥራይ ይዋስኡ ከም ዝነበሩ ኣብ ናይ ሰንበት ፕሮግራም።ኣብ ልሙድ ነገር ሂወቶም ኣብ ቤቶም፡ንኣምላኽ ኣየምልኽዎን እዮም፡ግናኸ ምምራር፡ምጒርምራምን ቈየቛ ሓደ ምስቲ ሓደን።ንስኻ'ኸ ከምዚ ዲኻ፡ክፋልካ ትዋሳእ ንኻልኦት ክርእዩኻ ኣብ ምትእኽኻብ ማሕበር፡ግንከ ፈጺምካ ዝተፈለኻ ሰብ ኣብ ቤት ጽሕፈትካን ኣብ ቤትካን፧

Chapter 14
ፈሪሳውያን ንኻልኦት ብቃላቶም ክሕዝዎም ይደልዩ

ፈሪሳውያን ድማ፡ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝኾነ ምኽንያት ክፈትሓዶ፡ተፈቂዱ እዩ ኢሎም ናብ የሱስ መጹ፧(ማቴ.19፡3)ፈሪሳውያን ንሰባት ገለ ነገር ክብሉ እሞ መታን ክኸስዎምን ኣብ ቅድሚ ካልኦት ክሕዝዎምን ይደልዩ።ምናልባት ውን ሕቶ ይሓቱኻ ይኾኑ ክፍቱኑኻን ክሕንኲሉኻን።ኣብ ማቴዎስ 22፡15 ከም እነንብቦ ፈሪሳውያን ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዝጠልፍዎ ተማኸሩ።(ከምኡ ውን ሉቃስ 11፡54 ተመልከት)።ኣነ ንባዕለይ ተመሳሳሊ ተሞክሮ ነይሩኒ እዩ።ብዙሕ ግዜ፡ኣመንቲ ካብ ገለ ማሕበራት(በቲ ዝሰበኽክዎ ዝተረትዑን ክኸሱኒ ደልዮም ኑፋቀ ይሰብኽ ኣሎ ብምባል )ናባይ ብምምጻእን ሕቶታት ሓቲቶሙኒ ገለ ቃላት ክብል እሞ ክሕዙኒ መታን።ካብ ሓጥያት ሓራ ምዃን ኣብ ሂወቶም ግዱሳት ኣይኮኑን ግናኸ ገለ ጌጋ ኣብ ካልኦት ክረኽቡ ጥራይ።ፈሪሳውያን ድማ ልክዕ ከምዚ እዮም ነይሮም።ቃላት ካብ ክልሰ ሓሳቦም ፈሊኻ ብምውሳድ ንየሱስ ይዛረብዎን ይኸስዎን ይነቅፍዎን።ናይ ዘበናዊ ግዜ ፈሪሳውያን ውን ንቃላተይ ጠውዮሞ እዮም ብተመሳሳሊ ቅዲ። ንሓደ ሰብ ነፍቅሮ እንተ ኮይና፡ንዝኾነ ዝብሎ ብዝበለጸ ኩሉ ግዜ ጽቡቅ ኢና ንትክኣሉ።ከምዚ ንብል፡ምናልባት ኣነ ኣይተረዳእኩዎን ይኸውን እንታይ ከም ዝበለ።ምናልባት ይዋዘ ይህሉ ወዘተ፡ብዝኾነ ኾይኑ ፈሪሳውያን ፈጺሞም ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣይፈቅዱን እዮም ንዝኾነ ሰብ።ጽሑፍ እዩ ብዛዕባ የሱስ፡ብዝሰምዖ ኣይፈርድን ወይ የዒንቱ ብዝርእዮ(ኢሳ.11፡3)እዚ እዩ ዝኾነ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክስዕቦ ዘለዎ ኣብነት።

Chapter 15
ፈሪሳውያን ተረርቲ ልቢ እዮም

እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ልቡ ግና ካባይ ርሑቅ እዩ(ማቴ.15፡8)።ልቢ ፈሪሳውያን ተሪር እዩ፡ምኽንያቱ ካብ ኣምላኽ ርሑቅ ስለ ዝኾነ።ጠስሚ ናብ ሓዊ እንተ ተቅርቦ፡ብኡንቡኡ ምመኸኸ ነይሩ።ግንከ ኣብ መዝሓሊ እንተ ኣቀሚጥካዮ ተሪር ይኸውን።ወላ ውን ከም ከውሒ ተሪር ምኾነ ነይሩ።ስለዚ ንምቁራጹ መንደል ምደለኻ ነርካ።ልቢ ፈሪሳውያን ልክዕ ከምዚ እዩ።ኣምላኽ ሓዊ እዩ፡ኣብ ጥቅኡ እንተ ትነብር ልብኻ ኩሉ ግዜ ሕያዋይ ምኾነ ነይሩ።ወላ ውን ኣኻውሕ ከይተረፉ ኣብ ህላወ ኣምላኽ ዘለዎ ይመኩ እዮም።ናብ ካልኦት ተሪር እንተ ኮይንካ፡ኣርጊጽካ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ ርሑቅ ትነብር ከም ዘሎኻ፡ርሑቅ ካብ ኣምላኽ።ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተረርቲ እዮም ምኽንያቱ ንሳቶም ንባዕሎም ሚልዮናት ኪሎሜተር ካብ ኣምላኽ ስለ ዝርሓቁ።ፈሪሳውያን ንኣምላኽ ብኸናፍሮም የኽብርዎን ጽቡቅ መዝሙር ክብሪ ይዝሙሩን፡ኦ ጐይታ ንስኻ ብቁዕ ኢኻ ወዘተ።ግንከ ንገዛእ ርእሶም ኣይፈርድዋን እዮም።ንኣምላኽ ዝሰምዕ ሰብ ኩሉ ግዜ ንገዛእ ርእሱ እዩ ዝፈርድን ንኻልኦት ኣይፈርድን - እዚ እዩ ሓደ ካብቲ መፈለጣ ናይ ሕያዋይ ልቢ ዘለዎ ሰብ።ብዝኾነ ኾይኑ ተዓዚበዮ ኣለኹ ወላ እኳ ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ተረርቲ እንተ ኾኑ፡መብዛሕትኦም ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባላት ስድራ ቤቶም ብጣዕሚ ለዋሃት እዮም።ንኻልኦት ስርዓታት ይገብሩ ግንከ ነዞም ስርዓታት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባላት ስድራ ቤቶም ኣየውርድዎን እዮም።ብጣዕሚ ፈላለይትን ግቡዛትን እዮም።ናይ ግድን እምነት ክህልወና ኣለዎ።ኣነ ንባዕለይ ናይ ገዛእ ርእሰይ እምነት ኣሎኒ እንታይ ከም ዘጥሪ ወይ እንታይ ከም ዝገብር።ግንከ እምነተይ ንኻልኦት ኣየገድዶምን እየ ኣብ መጽሓፍ ቑዱስ ሱቅ ዝበለሉ ነገራት።ንሰባት ተለቪዥን ክህልዎም ወይ ከይህልዎም ኣይነግሮምን እየ።ከም ዝመስለኒ ኮምፒተር ምስ ኢንተርነት ዝተራኸበ ዝልዓለ ሓደገኛ እዩ ካብ ተለቪዥን ንላዕሊ።ንሰባት ብዛዕባ እዞም ክልተ መሳርሒ ሓደጋታት የጠንቅቆም እየ።ግንከ ስርዓታት ኣይገብርን እየ ንኻልኦት፡ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገብርዎ።ይፈልጥ እየ ፈሪሳውያን ነዞም መሳርሒታት ፈጺሞም ከየጥርዩዎም ንኻልኦት ከም ዝብሉ፡ግንከ ጸኒሖም ንቃላቶም ክበልዕዎ እዮም፡ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ኣገዳሲ ዘይኮነ ኮምፒተር ምስ ገዝኡ።

Chapter 16
ፈሪሳውያን ዓው ኢልካ ምምስጋን ኣየሞግሱዎን እዮም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት

ሊቃውንቲ ካህናትን ጸሓፍትን ቆልዑ ዓው ኢሎም ክጭድሩ ምስ ርኣዩ፡ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ተናደዱ (ማቴ.21፡15)።ፈሪሳውያን ህዝቢ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ከመስግን ከሎ ንኣምላኽ ይርበሹ።ንኣምላኽ ከምልኽ ከሎ ህዝቡ : ስቅታ ይሓትት ኣብ ህላወኡ ወይ እንተ ወሓደ ቀስ ክብሉ ኣለዎም ኣብ ኣምልኽኦም።ብዝኾነ ኾይኑ የሱስ ቆልዑ ዓው ኢሎም ከመስግኑ ንኣምላኽ ምስ ሰምዐ ተሓጐሰ ምኽንያቱ መንግስተ ሰማይ እዩ ኣዘኻኺርዎ ! መንግስተ ሰማይ ቦታ ናይ ዓውታን ቀጻሊ ኣምልኾን ዘለዎ ከም ነጒዲ እዩ(ራእይ.19፡6)ገና ናብዚ ደረጃ እዚ ኣይበጻሕናን ዘሎና ኣብ ናይ ኣምልኾ ፕሮግራማትና(ኣኼባና)።ግንከ እዚ እዩ ናትና ዕላማ።ወላ ውን ገለ ሰብ ኣሜን ወይ ሃለሉያ እንተ በለ ንመልሲ ገለ ነገር ንዝሰምዕዎ መልእኽቲ: ፈሪሳውያን ይርበሹ !! ናብ ከባቢኦም ግልጽ ግልጽ ይብሉ መን ከም ዝበለ ክርእዩ።ከምዚ ዝበለ ቃላት ኣብ ማሕበር ምትእኽኻብ ክህሉ የብሉን ኢሎም ይስምዖም ! ኩሉ ሰብ ከም ኣብ ኣገልግሎት ቀብሪ ከም ዘሎ ኣብ ፕሮግራም ማሕበር ኣብ ዘለወሉ ግዜ ኮፍ ክብል ከም ዘለዎ ይስምዖም።ክዝምሩ ከለዉ እንተ ዝርእዮም ሓደ ሰብ፡የሱስ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ገና ኣይሰምዑን ኢሉ ምሓሰበ ነይሩ !!!

Chapter 17
ፈሪሳውያን ዘይምእዛዝ ፍልጠት ኣለዎም

የሱስ ከምዚ በለ፡ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ፡ስለዚ ዚብሉኹም ኲሉ ግበሩን ሓልውዎን፡ግናኸ ይብሉ ድኣ እንበር ኣይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ(ማቴ.23፡2,3)።ኣብ ማቴዎስ 23 የሱስ ቡዙሕ ባህርታት ፈሪሳውያን ኣቃሊዕዎ እዩ ካብ ኣብ ካልእ ምዕራፋት መጽሓፍ ቑዱስ ንላዕሊ።ማቴዎስ ምዕራፍ 23 እታ ብጣዕሚ ኣንጻር 1ይ ቆሮንጦስ 13 እያ።ብሕጊ ክትምራሕ ማለት ኣንጻር ብመለኮታዊ ፍቅሪ ብመንፈስ ቑዱስ ምምራሕ ማለት እዩ።ስለዚ ካብ ፈሪሳውነትን ስርዓታትን ወጻኢ ክንምራሕ ንደሊ እንተ ኮይና ናብ ሂወት መሎኮታዊ ፍቅሪ፡ናይ ግድን ማቴዎስ 23 ተጠንቂቅና ከነጽንዕ ኣሎና።ፈሪሳውያን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም፡እዚ ማለት ናብ ናይ መጽሓፍ ቑዱስ ኮለጃት ብምኻድን ናይ ዶክትረይት ዲግሪታት ብምርካብን ቡዙሕ ቑኑዕ ፍልጠት ነይሩዎም።ወላ ውን የሱስ ከይተረፈ ንደቀ መዛሙርቱ ኩሉ ፈሪሳውያን ዝብሉኹም ግበሩ ኢሉ ነጊርዎም እዩ።ስለዚ ናይ ግድን ፈሪሳውያን ዝብሉዎ ቅኑዕ እዩ ነይሩ።ግናኸ ኣይእዘዝዎን እዮም ነቲ ቅኑዕ ምዃኑ ዝፈልጥዎ።ፍልጠት ብጣዕሚ ጠቃሚ ነገር እዩ፡ግናኸ ጐዳኢ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።ፍልጠትን ምእዛዝን ምስ ዝተኣሳሰራ ጥራይ እየን መንፈሳዊ ሂወት ዘምጽኣ።ብዝኾነ ኾይኑ ፍልጠት ብዘይ ምእዛዝ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዘምጽእ።ካብ ፍልጠት ኣልዩካ ዘይትእዘዞ ፈጺምካ ፍልጠት ዘይምህላው ይሓይሽ።ፍልጠት ምስ ንበልዖ መግቢ ምስ ነነጻጽሮን ምእዛዝ ድማ ምስ ምሕቃቅ መግቢ።መግቢ ምስ ዝሓቅቅ ጥራይ እዩ ክፋል ናይ ኣካላትና ዝኸውን።ሩዝን ዝግንን ወይ ካልእ ዝኾነ መግብን ናብ ስጋን ዓጽምን ይቅየር-ብልክዕ ተኣምራት ከምቲ ማይ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ እዩ።ኣካላትና እዚ ትኣምራት እዚ መዓልታዊ ይሰርሕ !! ግናኸ እቲ ንበልዖ መግቢ ምስ ዘይሓቅቅ፡ሽዑ እቲ መግቢ ክቀትለና ይኽእል እዩ - ምኽንያቱ ዘይሓቀቀ መግቢ ኣብ ውሽጢ ከብድና


ይምሽምሽን የሕምመናን።ኣስተውዒልካሉዶ ኣሎኻ ምስ ተምልስ ተምላስ፡እቲ መግቢ ካብ ከብድኻ ዝወጽእ ጨናውን መቀረቱ ዝመሽመሸንዶ ኣይኮነን፧ምናልባት ጥዕምቲ ደርሆ ዝተሰርሐት ነይራ ትኸውን ክትበልዓ ከሎኻ።ግናኸ ምስ ኣምለስካ ካልእ ብጣዕሚ ዝተፈልየ መቀረት ዘለዎ።ከምዚ እዩ ድማ ዘጋጥም ፍልጠት ምስ ንእክብን ዘይንእዘዞን።ስለዚ ድማ እዮም ቡዙሓት ክርስትያን ብመንፈሳዊ ጨንዮም ዘለዉ።እቶም ቀንዲ ዝጨነዉ ሰባት እቶም እኹል ፍልጠት ዘለዎምን ዝወሓደ ዝእዘዙን እዮም።ፈሪሳውያን ከምዚ እዮም።ግናኸ እቲ ዘሕዝን ነገር ንሳቶም ገዛእርእሶም ከም ዝጨነዉ ዘይምስትውዓሎም እዩ።ዝኾነ ኾይኑ መንፈሳዊ ሰብ ነዚ ጨና እዚ ብቁልጡፍ ክጨንዎ ይኽእል እዩ።ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቂቅ ናይ ምዝርራብ ግዜ ምስቲ ፈሪሳዊ ክፈልጦ ይኽእል እዩ።የዒንቶም ትዕቢት ወይ ዝሙት ዝመልኦ እዩ(ምሳሌ.6፡17 ; 2ይ.ጴጥሮስ.2፡14)።ቡዙሓት ኣንስቲ ካብቲ ቅድሚ ምእማነን ዝነበረን ምኩሻም ወይ ምትንኻፍ ዝኾነ ሂወት ድሕሪ ምእማነን መንፈሰን ካብዚ ኣየንጽሃን።እቲ ውጽኢት ወላ ውን ድሕሪ 20 ዓመታት ምእማነን፡በዒንተን የኳሽማ ።ንዂሎም ናእሽቱ ሰብኡት ከምዚ ይብል ኣለኹ፡ብንጹር ካብዚአን ከምዚአን ኣሓት ርሓቚ።

Chapter 18
ፈሪሳውያን ዝብልዎ ኣይገብርዎን እዮም

ፈሪሳውያን ገለ ነገራት ይብሉን ኣይገብርዎምን (ማቴ.23፡3)። እዛ ጥቅሲ እዚኣ ኣንጻር ግብሪ ሃዋርያት 1፡1 ከምዚ ዝብል ዝተጻሕፈ ብዛዕባ የሱስ ዝገበሮን (መጀመርያ) ብድሕሪኡ (ቀጺሉ) ዝምሃሮን።ፈሪሳውያን ምሂሮም ግናኸ ኣይገበርዎን።ነቲ ዝሰብክዎ ኣይገብርዎን እዮም።ብዝኾነ ኾይኑ የሱስ መጀመርታ ገይሩን ሽዑ ሰቢኹን ጥራይ ነቲ ኣቀዲሙ ዝገበሮ !! እዚኣቶም ክልተ ኣንጻር ዝኾኑ መንፈስ እዮም።እቶም ብመንፈስ ፈሪሳውያን ዘለዉ ኣመንዝራ ማሕበር ባቢሎን እዮም ዝሃንጹ።እቶም ብመንፈስ ክርስቶስ ዘለዉ ድማ ቅድስቲ ማሕበር ዮርሳሌም እዮም ዝሃንጹ።የሱስ መጀመርታ ዘይገበሮ ፈጺሙ ኣይሰበኸን።ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝሰበኾ ስብከት ከዳሉ የሱስ ክንደይ ወሲዱሉ ኢልካ ትሓስብ (ማቴዎስ ምዕራፍ 5, 6ን 7ን) ዝበለጸ ስብከት ካብ ዝኾነ ሰብ ዝሰበኾ፧እቲ ስብከት ከዳሉ 30 ዓመት ወሲዱሉ።ካብ ሂወቱ ዝወጸ እንበር ካብ ኣእምርኡ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ገለ ሰብ ዝሰማዕካዮ ስብከት ምስ ትሰብኽ፡እዚ ካብ ርእስኻ እዩ ዝወጸ።እዚ ፍልጠት ጥራይ እዩ።ኣብኡ ሂወት ኮነ ወይ ቅብኣት የለን።ከምቲ የሱስ ዝሰበኾ ክትሰብኽ እንተ ደሊኻ፡እንብኣርከስ ናይ ግድን መጀመርያ ነቲ ቃል ንበሮን ሽዑ ስበኮን።ገለ ሰባት ሕቶ ሓቲቶሙኒ።ሓውና ዛክ ፑነን፡ነቲ ስብከትካዶ ኣብ ማሕበረይ ክሰብኮ፧ ከምዚ ኢለ ነጊረዮም፡ሕራይ, መጀመርታ እንተ ነበርኩሙዎምን ብቅንዕና ካበይ ከም ዝረኸብኩምዎ ምስ ትእመኑን።ኣምላኽ ከምዚ በለ,ገለ ካብዞም ሰበኽቲዶ ዝተሸገረ ኣሎ ምሳይ ንኽራኸቡን ድምጸይ ክሰምዑን ሽዑ ንቃለይ ክነብርዎን፧ነዞም ሰበኽቲ ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጎየዩ ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን(ኤርምያስ.23፡17,18,21)።ናይ ካልእ ሰብ ስብከት ምስ ትሰብኽ ብዘይ ምእዛዝ ንዕኡ ገዛእ ርእስኻ ወይ ብዘይ ምንጋር ንሰባት ካበይ ከም ዝረኸብካዮ፡ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ክብረት ጥራይ ኢኻ ትደሊ ዘሎኻ።እዚ ሓደገኛ ልምዲ እዩን ኣብ መወዳእታ ውን መንፈሳዊ ሞት ከስዕበልካ ይኽእል እዩን።ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምዚ በለ፡ኣነ ኣንጻር ኩሎም ሰበኽቲ ካልኣይ ኢድ (secondhand) ካብ ካልኦት ዝሰብኩን ከምዚ ዝብሉን እየ, 'እዚ መልእኽቲ ካብ ኣምላኽ እዩ''' (ኤር.23፡30,31)። ን30 ዓመት ክሳብ ሕጂ፡ኣነ እቲ መጀመርታ ዝተኣዘዝክዎ ኣብ ሂወተይ ክሰብኽ እየ ዝፈተንኩ።ሓደ ኣብነት ክህበኩም፡ፈጺመ ሰቢኸ ኣይፈልጥን ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ከም ወንጌላውያን ሰባት ናብ ሰሜን ህንዲ ክኸዱ ኣገዲደዮም ኣይፈልጥን።ስለምንታይ ነዚ ዘይገበርኩ፡ቡዙሓት ወንጌላውያን ዘድልዩ ክነሶም ኣብ ሰሜን ህንዲ፡ምኽንያቱ ፈጺመ ኣብ ሰሜን ህንዲ ነቢረ ስለ ዘይፈልጥ ከም ወንጌላዊ ንባዕለይ።ሕጂ ዝብሎ ስማዕን ሓቂ እንተ ዘይኮይኑ ርአን፡ብሓፈሻ ኩሎም ወንጌላውያን ሰበኽቲ ሕብረተሰብ ኣብ ህንዲ ኣብ ሙቹእ ናብራ ናይ ደቡብ ህንዲ ይነብሩን ንኻልኦት ናብ ሰሜን ህንዲ ከም ልኡኻት ክኸዱ ግዲ ይብልዎምን።መራሕቲ ንደቆም ናብ ጽቡቅ ቤት ትምህርትን ኮለጃትን ኣብ ደቡብ ህንዲ ይሰድዎም።ግናኸ ንሉኡኻቶም ኣብ ርሑቅ ገጠራት ዝነብሩ ኣብ ሰሜን ህንዲ (ቤት ትምህርቲ ዝብሃል ዘይብሉ) ንደቆም ናብ ገለ ሩሑቅ መሕደር ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ክሰዱዎም ይነግርዎም።ኣነ ነዞም መራሕቲ ክፈርዶም ኣይኮንኩን ኣብዚ ዘለኹ፡ኣምላኽ እዩ ፈራዲኦም።ግናኸ እዚ መበልየይ ናቶም ኣብነት ፈጺመ ኣይስዕቦን እየ።ፈሪሳዊ ምኾንኩ ነይረ ከምቲ ንሳቶም ዝሰብክዎ እንተ ዝገብር፡ምኽንያቱ ኣነ ንባዕለይ ዘይገበርክዎ ንኻልኦት ክገብሩ ምሓተትክዎም ነይረ።ገለ ሰብ ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝተቀመጠን ኣብኡ ንደቁ ብዝተፈላለየ መሰናኽላት ዘዕበየ ጥራይ መሰል ዘለዎ ንኻልኦት ክነግሮም ሓደ ዓይነት።ዝተረፉ ኩሎም ፈሪሳውያን እዮም።እዚ መሰረታዊ ሓሳብ ኣብ ካልእ ቡዙሕ ጎድንታትና ውን የመልክት።ፈጺምካ ከይትሰብኽ ዝኾነ ነገር ንባዕልኻ ገርካዮ ዘይትፈልጥ።ንትሕቲ ዕድመ ዉሉድ ዘለውዎም ከመይ ገይሮም ንደቆም ከም ዝሕዝዎም ምኽሪ ኣይትሃብ፡ንስኻ ንባዕልኻ ትሕቲ ዕድመ ውሉድ የዕቢኻ ዘይትፈልጥ እንተ ኾይንካ።እዚ ዕሽነት እዩ ንሓደ ዘይተመርዓወ ሰብ ንወለዲ ከመይ ገይሮም ንደቆም ከም ዘዕብዩዎም ክነግሮም።ብዙሕ ግዜ ብጸሎት ጥራይ ንኻልኦት ክንባርኾም ንኽእልን ቀጻሊ ኣፍና ብምዕጻው ክሳብ ዝኾነ ምኽሪ ምሃብ ኣገዳሲ ዝኾነሉን እዋን።መጀመርታ ኬሚስትሪ ከየጽናዕካዶ ኬሚስትሪ ክትምህር ትኽእል ኢኻ፧ ኣይፋሉን።ናይ ኮለጅ ዲግርኻ ብእንግሊሽ እንተ ኾይኑ እንግሊሽ ጥራይ ኢኻ ክትምህር ትኽእል።እዚ ዝኾነ መምህር ዝፈልጦ ዝቀለለ ሓቂ እዩ።ግናኸ ፈሪሳውያን ነዚ ቀሊል ዝኾነ ነገር እዚ ኣይርድእዎን እዮም።

Chapter 19
ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከቢድ ሸኸም ይኣስሩ

ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ባዕላቶም ግና በጻብዖም ክትንክይዎ እኳ ኣይፈትውን(ማቴ.23፡4)።ፈሪሳውያን መንፈሳውያን መሲሎም ኣብ ቅድሚ ካልኦት ክርኣዩ ይፍትኑ ብዝልዓለ መደብ ስብከት ንኻልኦት ክስዕብዎ ግናኸ ንሳቶም ገዛእ ርእሶም ነቶም መደባት ኣይስዕብዎምን እዮም።ይዝከረኒ ኣብ ናይ መንእሰያት ስፍራ ነዊሕ ዓመታት ይኸውን፡ሓደ ካብቶም ክልተ ተዛረብቲ ኣብቲ ስፍራ ኣነ እየ ነይረ።እቲ ኻልእ ተዛራቢ : ዝኾነ ሰብ ካብ ግዚኡ ናይ ግድን 10% ንኣምላኽ ክህብ ኣለዎ ብምባል ሰቢኹ(ልክዕ ከም ዕሽር ምሃብ)፡እዚ ማለት ዝኾነ ሰብ 2 ሰዓትን 24 ደቂቅን መዓልታዊ ኣብ መጽሓፍ ቑዱስ ምንባብን ምጽላይን ከሕልፎ ኣለዎ።ብድሕሪ እዚ ናይ ሕቶ ግዜ ስዒቡ፡ሓደ ካብቶም መንእሰያት ምስ እዚ ዝሰማማዕ እንተ ኾይነ ሓቲቱኒ።ከም ዘይሰማማዕ ድማ ነጊረዮም፡ሽዑ ነቲ ዝዛረብ ዝነበረ ተዛራቢ ብግልጺ ሓቲተዮ፡ዝሓወይ 2 ሰዓትን 24 ደቂቅን መዓልታዊ ንስኻ ኣብ ምንባብ መጽሓፍ ቑዱስን ምጽላይን ተሕልፎዶ፧ንሱ ድማ ኣይፋለይን ኢሉ ይምልስ።ኩሉ ሰብ ርእይዎ ግቡዝ ፈሪሳዊ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከቢድ ጾር ከሸክም ዝፍትን ንባዕሉ ግና ዘይገብሮ።እዚ ሓደ ኣብነት ጥራይ እዩ። ገለ ሰባት ኣለዉ ንኻልኦት 10% ካብ ገንዘቦም ንኣምላኽ ክህቡ ዘገድዱ፡ንገዛእ ርእሶም 10% ካብቲ ዓቢ ኣታዊኦም ዘይህቡ።ንሳቶም ግቡዛት ፈሪሳውያን እዮም።ኣብ ክርስትያን ዓለም ቡዙሓት ፈሪሳውያን ሰበኽቲ ኣለዉ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ዘይክኣል መደብ ዝገብሩ ንገዛእ ርእሶም ግና ዘይነብርዎ።እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም እዮም ባቢሎን ዝሃንጹን ንስራሕ ኣምላኽ ዘዕንውዎን።ኣብ ክንዲ ንሰባት ዝባርኽዎም ንቃል ኣምላኽ ጾር ገይሮም የሰክምዎም።ናይ ማቴዎስ 23፡4 ከምዚ ኢሉ ዝተተርጎመ መልእኽቲ ይፈትዎ እየ፡ኣብ ክንዲ ቃል ኣምላኽ ከም መግቢ ዝህቡኹምን ብኽትሰትዩዎ እትኽእሉ ካብ ኣምላኽ፡ንሳቶም ኣብ ብጥቅላል ስርዓታት ብምጥቅላል፡ከም እንስሳ ኣሸኪሞም ኣውዲቆሙኹም።ሰንከልከል ብምባልኩም በቲ ጽዕነት ባህ ይብሎምን ክሕግዝኹም ኢሎም ኣጻብዖም ክሰዱ ኸማን ኣይሓስቡን። ብምኽንያት ፈሪሳውያን ሰበኽቲ ብዙሓት ናእሽቱ መንእሰያት ናብ ብሮግራም ማሕበር ከይሳተፉ ኣድኪሙዎም።የሱስ ካብቲ ፈሪሳውያን ዝሰብክዎ ዝነበሩ ሓደ ዓይነት ቡሉይ ኪዳን እዩ ዝሰብኽ ነይሩ።ግናኸ ንሰባት ሓራ ገይርዎም በቶም ጽሑፋት ገይሩ፡ወዮ ፈሪሳውያን ግን ብዝዓበየ መቐውሕ(ሰንሰለታት)ብሓደ ዓይነት ጽሑፋት ገይሮም ኣሲሮሞም።ሎሚ ውን ፈሪሳውያን ምስ ዝሰብኩ ሓደ ዓይነት እዩ ዝጋጥም።

Chapter 20
ፈሪሳውያን ካብ ሰብ ክብረት ይደልዩ

ፈሪሳውያን ኩሉ ግብሮም ብሰብ ምእንቲ ክርኣዩ ይገብሩ(ማቴ.23፡5)።የሱስ ከምዚ በለ፡ፈሪሳውያን ኣብ ጐደናታት ክጽልዩ ደው ብምባል ዓው ኢሎም ይጽልዩ(ማቴ.6፡1)።የሱስ ብግልጺ የጋንን እዩ ዘሎ ኣብዚ- ግናኸ ብዕላማ።ንሱ ብምግናን ዓቢ ጐይታ እዩ ኣብ ዝኾነ ግዜ መብርሂ ክህበሉ ኣብ ዝደሊ ኣገዳሲ ነጥቢ።ንሱ ኣብ ዓይንኹም ዘሎ ጒንዲ ኢሉ ተዛሪቡን ነቶም ገመል ንዝውሕጡን ! ኣነ ውን ከም የሱስ ኣብዚ ናይ ምግናን ነጥቢ ኣብነቱ ክስዕብ ይርኣየኒ መታን ንቤት ክንመርሓ።ጸብጻብ ክንህብ ከሎና ብርግጽ ከነጋንኖ የብልናን።150 ሰባት ናብ ጒባኤ መጺኦም ከለዉ 200 ሰባት መጺኦም ክንብል የብልናን ! ግናኸ እቲ የሱስ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ዓይነት ምግናን እቲ ነጥቢ ብጣዕሚ ጠቃሚ እዩ ቤት ንምምራሕ።የሱስ ሓደ እዋን ብዛዕባ ፈሪሳውያን ምእንቲ ክብረት ክረኽቡ ኢሎም ዝጽልዩ ተዛሪቡ ነይሩ።ኩላትናዶ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ካብ ካልኦት ክብረት ንምርካብ ኣይጸለናን ኢና፧ክንጽሊ ከለና መብዛሕትኡ ግዜ ንሰምዕ ፡ገለ ሰብ ሃለሉያ ወይ ኣሜን እንተ በለ ንጾሎትና ክንሰምዕ ንደሊ።እዚ እዩ ፈሪሳውነት፡ስለዚ እንበኣር ናብ ሰባት ኢና ጸሊና ናብ ኣምላኽ ኣይኮነን።ካብዚ ሓጥያት እዚ ገዛእ ርእስና ክንጸሪ ኣሎና። ሰበኽቲ ክብረት ንምርካብ ክሰብኩ ይኽእሉ እዮም፧ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ስብከት ምስባኸይ ንገዛእ ርእሰይ ይፈርዳ ንኣምላኽዶ ወይስ ንሰብ ባህ ከብል እንተ ደሊየ ኮይነን ኣበይናይ ሰብከተይ ከማሓይሾ ይኽእል ብዝበለጸ ይርእን።ዝኾነ ከሻኒ ነቲ ዘቅርቦ መግቢ ኣማሓይሹ ከቅርቦ እዩ ዝደሊ።ግናኸ ካብቲ ዘጒሂ ብጣዕሚ ዉሑዳት ሰበኽቲ ጥራይ ብዝበለጸ ኣማሓይሾም ከቅርቡ ይደልዩ።ስለዚ ድማ እዮም መብዛሕትኦም ሰበኽቲ ኩሉ ግዜ ክትሰምዖም መሰልከውቲ።ንሳቶም ብትዕቢት ቅብኣት ዘለዎ ሓያል ስብከት ሰቢኽና ኢሎም ይሓስቡ።ወላ ውን ነንስቶም ኣይሓትወንን እንታይ ከም ዝብላ ብዛዕባ ስብከቶም።ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት፡ብቀጻሊ ስብከተይ ከመሓይሽ ዝደለኽሉ እዩ፡ምኽንያቱ በቲ ሓደ ዓይነት መገዲ የሱስ ዝሰበኸሉ ብምሓዝን ሓደ ዓይነት ሓዊን ብርቱዕ ስሚዒትን ዝነበሮ ክሰብኽ እየ ዝደሊ።ካልኦት ጎድንታት ውን ኣለዉ ካብ ሰባት ክብረት ንምርካብ ዝተፈተናሉ።ምናልባት ንኣምላኽ ከተኽብር ዘይኮነስ ንኻልኦት ሰባት ክትምስጥ ኢልካ ናይ ዝሰራሕካዮ ጸብጻብ ጽሒፍካ ትኸውን ንኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበርካሉ።ኣብ ማሕበርና ካብ ዝጀመርናሉ ግዜ 1975፡ዝኾነ ጸብጻብ ይኹን ወይ ስእልታት ናይ ስራሕና ሰዲድና ኣይንፈልጥን ንዝኾነ፡ናብ ዝኾነ ዓለም።እቲ ንገብሮ ኣምላኽ እንተ ፈሊጥዎ ዕጉባት ምዃና ስለዝተሰማዓና እዩ።ሓደ ካብቲ ኣብ መብዛሕትአን ማሕበራት ዘይተዘርበሉ ሓጥያት፡ክብረት ሰብ ምድላይ እዩ።ክብረት ምድላይ እዩ ንሰብ ፈሪሳዊ ዝገብሮ።ፈሪሳውያን ባቢሎን ጥራይ እዮም ዝሃንጹ።ንምህናጽ ሓቀኛ ማሕበር ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ናይ ግድን ገዛእ ርእስና ክነጽህ ኣሎና ካብ ኩሉ ክብረት ሰብ ምድላይ።

Chapter 21
ፈሪሳውያን ቅድስና ኣብ ቅዲ ክዳን እዩ ኢሎም ይሓስቡ

ፈሪሳውያን ኵሉ ግብሮም ሰብ ምእንቲ ክርእዮም ይገብሩ፡ክታባውቶም የግፍሑ ዘፈር ክድውንቶም ውን የንውሑ (ማቴ.23፡5)።ካልእ ባህሪ ፈሪሳውያን ብቅድስና ክዳውንቶም ይኽበሩ !! ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዘፈር ክገብሩሉ ነጊርዎም እዩ(ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ክገብሩን ኣብ ዘዘፈር ክኣ ሰማያዊ ፍሕሶ - ንእኡ ርኢኹም ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ካብ ሰማይ ዝመጸ ክትዝክርዎ እዩ(ኦ/ዘሁልቍ.15፡38)።ፈሪሳውያን ዘፈሮም ካብ ናይ ካልኦት ንውሕ ዝበለ ይገብሩ።ንሳቶም ሽዑ ይኽበሩ ብናይ ካልኦት 3 ኢንች ንውሓት ዘፈር፡ናቶም ዘፈር ግና 6 ኢንች ንውሕ ስለ ዝብል - ዝበለጹ ቑዱሳን ኢና ይእመኑ !! ሎሚ ውን ቡዙሓት ፈሪሳውያን ኣለዉ ብቁዱስ ክዳን ብዝለብስዎ ዝኽበሩ !! ገለ ሰብ ብዙሕ ሕብርታት ዘለዋ ናይ ሃዋውያን ካምቻ ሂቡኒ።እንታይ ምሓሰብካ ነርካ ነታ ካምቻ ለቢሰያ እንተ ትርእየኒ፧ንገለ ክርስትያን መሰንበደቶም ነይራ።እቲ ፈሪሳውነቶም መጋለጸቶ ነይራ።ቡዙሕ ሓሳባት ኣሎና ፈጺሙ ኣንጻር ክርስቶስ ዝኾነ - ምኽንያቱ ጽቡቅ ገርና ንጽሑፍ ስለ ዘይነሰላስሎ እዩ።ሰባት እንታይ ኮን ይሓስቡ ብዛዕባና ኢልና ንፈርሕ እንተ ተኸዲና ገለ ሕብርታት ዘለዎ ካምቻ።ግናኸ ናይ የሱስ ቅድስና ኣብ ክዳውንቱ ኣይኮነን ነይሩ።ፈሪሳውያን ተጠንቂቆም ይዕዘቡ ንኻልኦት እንታይ ክዳን፡ጫማ፡ኵትሻ…ወዘተ ከም ዝተኸድኑ - ኣብ ክንዲ ገለ ነገር ንምርካብ ምእንቲ ከኽፍእዎም።ንኸምዚ ዝበለ ነገር ናይ ንስሪ ኣዒንቲ ኣለዎም።የሱስ ኣንጻር ሰብኣይ ኣከዳድና ጓልጓሎ ዓይነት ተዛሪቡ እዩ ማላኮ(malako -- Greek)(ማቴ.11፡8)።ከምኡ ውን መንፈስ ቑዱስ ኣንስቲ ብግቡእ ክዳውንቲ፡ብሕንክን ብምቅጻዕ ነፍሰንን ክለብሳ ምዒድወን እዩ(1ይ. ጢሞ.2፡9 ; 1ይ. ጴጥ.3፡3)ብዘይካ እዚ ካልእ፡ቅድስና ኣብ ንኽደኖ ክዳን ኣይኮነን ዝርከብ።መባእታዊ ቅድስና ኣብ ውሽጢ እዩ።

Chapter 22
ፈሪሳውያን ቦታን መጸውዒ መዓርግን የፍቅሩ

ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ መቀመጥ ይቅመጡ፡ኣብ ዕዳጋ ክሳለምዎም፡ብሰብ ውን መምህራን ክብሃሉ ይፈትዉ።ሰባት ንዓኻትኩም ከምዚ ኣይበሉኹም(ማቴ.23፡6-8)።ፈሪሳውያን ኣብ ማሕበር ሽማግለታት ወይ (መራሕ ማሕበራት)ክብሃሉ ይፈትዉ።ከምኡ ውን ኣንስቲ ፈሪሳውያን ሽማግለታት በቲ ክብረት ናይ ብዓል ቤተን ዘለዎ ይዕበያ።ሽማግለ ኣብ ማሕበር ስለ ዝኾንካ ወላ ውን ንእሽቶ ትዕቢት እንተ ኣልያትካ ወይ ብዓል ቤትኪ መራሕ ማሕበር ስለ ዝኾነ፡ብርግጽ ንስኻ/ኺ ፈሪሳዊ ናይ መጀመርታ መስርዕ ኢኻ/ኺ።ከምዚኣቶም ዝበሉ መራሕቲ ማሕበር ባቢሎን ጥራይ እዮም ክሃንጹ ዝኽእሉ።ፍልልይ ዝብሃል የለን ኣብ መንጎ ፈሪሳውያን ናይቲ ሽዑ ግዜ ረቢ ክብሃሉ ዝፈትዉን ናይ ሎሚ ፈሪሳውያን ፓስተር፡ክቡር ኵስቶ፡ኣቦና ኵስቶን ክብሃሉ ዝፈትውን ኻልእ መጸውዒ መዓርግ ክርስትያን መራሕቲ ማሕበር ንገዛእ ርእሶም ዝወስድዎን።እዚ መንፈስ እዚ ክህልወካ ይኽእል እዩ ወላ ውን ንገዛእ ርእስኻ ሓው ኢልካ እንተ ጸዋዕካያ - ግናኸ ምስ ነፍስኻ የዕብይ ኣቢልካ ማለተይ እየ።ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈሪሳውያን ኣብ መድረኽ ኮፍ ምባል ይፈትዉ ኣብ ኩሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከም ፓስተራት ምእንቲ ክፍለጡ።ገለ ዓመታት ይገብር ደብዳበ ተቀቢለ ነይረ ካብ መጽሓፍ ቑዱስ ጒባኤ ኣሜሪካ ናይ ክብሪ ዶክትረይት ኣበርኪቶምለይ ነይሮም፡ብምኽንያት ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎትን ኩሉ መጻሕፍቲ ዝጽሓፍክዎን።ፎርም መሊአ ጥራይ ክመልሰሎም ሓቲቶሙኒ።ፈጺመ መሊሰሎም ኣይፈልጥን።የሱስ ናይ ክብሪ ዶክትረይት ንምርካብ ምተገደሰሉዶ ነይሩ፧ብርግጽ ኣይፋሉን።ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቅሲ ንባብ ከም ቀጺሉ ከም ዝብሎ፡ሰባት ኣብ ቚጽጽሮም ከእትዉኻ ኣይትግደፎም።ኵላትኩም ሓደ መምህር እዩ ዘለኩምን ኵላትኩም መማህርቲ ኢዂም።ኣብ ልዕሊ ሂወትኩም ሰባት ከም ፈላጣት ኣይተቀምጡ፡እንታይ ክትገብሩ ከም ዝግብኣኩም ዝነግርዂም።እዚ ስልጣን ንኣምላኽ ኣቀምጥዎ፡እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ንኣምላኽ ሕደግዎ።ዝኾነ ይዂን ካልእ ኣቦ ዝብል መጸውዒ መዓርግ ዝሽከሞ የለን።ሓደ ኣቦ ጥራይ ኣለኩምን ኣብ ሰማይ ድማ እዩ ዘሎ።ሰባት ኣብ ዕድኦም ክወስድዂም ኣይትፍቀዱሎም።መራሒ ሂወትኩምን ሂወቶምን ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ - ክርስቶስ።ደው ክትብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ስለዚ ትሕት በል።ኣገልጋሊ ዂን።ርእስኻ እንተ ኣልዓልካ ንፋስ ከላግዐካ እዩ።ግናኸ ሕጒስ እንተ ኮንካ ንስኻ ብቀሊሉ ንስኻ ብምዃንካ(ካልእ ሰብ ክትከውን ዘይምፍታንካ)ሂወትካ ንቡዙሓት ክትቚጸር እያ(ማቴ.23፡8-12)ትርጒም ካብ The message መጽሓፍ ቑዱስ።ቡዙሓት ኣመንቲ ኣብ ማሕበራትና ናይ ሂወቶም በዓል መዚ ክኸውን ይደልዩኒ።እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ክነግሮም ይሓቱኒ።ንኽነግሮም ይኣብዮም።ሓሳበይ ይህቦምን ይብሎምን፡ሕጂ ኪድን መጀመርታ ንኣምላኽ ሕተቶን ከምቲ ዝበልኩኻ ክትገብሮን ከይትገብሮን።ብዛዕብኡ ሰላም እንተ ዘይሃበካ፡ሽዑ ነቲ ምኽረይ ደርብዮን ኣምላኽ ዝበለካ ግበርን።እቲ እንኮ መራሒኻ ናይ ግድን ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ።ቡዙሓት መራሕቲ ማሕበራት ኣለዉ ንምህሮ ክርስቶስ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘይስዕብዎ ግናኸ ኣብ ውልቃዊ ሂወት ሰባት ክነግሩ ዝጎዩ ዝፈትዉ።ከምዚ ዝበሉ ፈሪሳውያን መራሕቲ ባቢሎን እዮም ዝሃንጹ ዘለዉ።ንገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ እዮም ዘለዉን ንመጓሴኦም ውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ የምጽእዎምን።ሓርነት ናይ መንፈስ ኣይፈልጥዎን እዮም፡ምኽንያቱ መጸውዒ መዓርግ፡ቦታን ክብርን ስለ ዝፈተዉን።

Chapter 23
ፈሪሳውያን ንኻልኦት የበላሽዉ

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዓጽውሉ፡ንርእስኹም ኣይትኣትዉን ነቶም ክኣትዉዋ ዝደልዩ ድማ ክኣትዉ ኣይትሓድጕዎምን ኢኹም እሞ ወይለኹም(ማቴ.23፡13)።ቅኑዓት ናእሽቱ መንእሰያት ኣመንቲ ዝኾኑ ብፈሪሳውያን መራሕቲ ተበላሽዮም።እዞም ናእሽቱ መንእሰያት ንሓጥያት ንምስዓር ዓቢ ቅንኣት ዝነበሮምን ኣብ መጀመርታ ምእማኖም ንኣምላኽ ክነብሩ ዝደልዩ ነይሮም ይኾኑ።ግናኸ ሽዑ ንመራሕቶም ከም ናይ ፊልም ተዋሳእቲ ኣብ መድረኽ ደው ኢሎም ብምርኣይን ብምስባኽን ቡዙሕ ገንዘብ ብስም የሱስ ክእክቡን ካብ ሰባት ነቲ ገንዘብ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ይነብሩን ከም ፊልም ተዋሳእቲ።እዞም ናእሽቱ መንእሰያት ሰባት ንየሱስ ክስዕብዎ ኢሎም ዝጀመሩን ከምኡ ንምንባርን፡ሎሚ ከምቶም ዉሩያት ሰበኽቲ ክነብሩ ብምድላይ ወዲኦሞ።ከምዚ ኢሎም ይሓስቡ ድማ፡እሙናት እንተ ድኣ ኮይኖም፡ስለዚ ሓደ መዓልቲ ንሳቶም ውን ዉሩያት ከም ዝኾኑን ከም ፊልም ተዋሳእቲ ክነብሩ ከም ዝኽእሉን።ነዚኣቶም እዞም ፈሪሳውያን መራሕቲ ኣበላሽዮሞምን ንየሱስ ከይስዕብዎ ከልኪሎሞምን ካብ ምእታው መንግስቲ ኣምላኽን።ናይ ሎሚ ናእሽቱ መንእሰያት ሕጽረት ኣርኣያ ጽቡቅ እጃም ክስዕብዎም ዝኽእሉ ኣለዎም።ዕድል ኣይገበሩን ከምቲ ጳውሎስ ክብሎ ዝኽኣለ ብትሪ ዝኾነ ሰባኺ ሎሚ ክብል ዝኽእል መን እዩ፧ከምቲ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ ንዓይ ምሰሉ(1ይ.ቆሮ.11፡1 ; ፊሊፒ.3፡17)ስለዚ ንናእሽቱ መንእሰያት ክብሎ ዝደሊ፡ንየሱስ ጠምቱን ኣብነቱ ስዓቡን።እንተ ድኣ ገለ ሰብ ብትሪ ደድሕሪ የሱስ ዝስዕብ ረኺብኩም፡ስለዚ ተመልከቶን ከምኡ ውን ኣብነቱ ስዓብን።

Chapter 24
ፈሪሳውያን ናይ ድኻታት ሰባት ረብሓ ይወስዱ

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ቤት መበለታት ትውሕጡ ንምኽንያት ውን ጸሎት ተንውሑ ኣሎኹም።ስለዚ ዝገደደ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ወይለኹም(ማቴ.23፡14)።ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና ብኸመይ ፈሪሳውያን ቤት መበለታት ይውሕጡ ከም ዝነበሩ።ምናልባት ነዘን መበለታት ይህውኽወን ነይሮም ይኾኑ ንብረተን ክህባ ንዕዮ እግዝኣብሄር ኢለን፡በዚ ምኽንያት ኣምላኽ ክባርኸክን እዩ ኢሎም ድማ ይነግርወንን - ሽዑ ትሕዝቶ ንብረተን ብምውሳድ ንገዛእ ርእሶም ደስ ይብሉሉን።፡ናይ እስራኤል ፈረቲ ነዚ ዘይቅንዕና እዚ ኣቀዲሞም ቅድሚ 700 ዓመታት ፈጺሞሞ እዮም(ኢሳ.10፡2)። እዚ ሓደ ዓይነት ተበላጽነት ንድኻታት ሰባት ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ውን ይቅጽል ኣሎ።ክርስትያን ተለቭዥን ሰበኽቲ ብግልጺ ካብ ድኻታት መበለታትን ሰራሕተኛታትን ቡዙሕ ገንዘብ ክህብዎም የመባጽዕዎም፡ኣምላኽ ክባርኸኩምን ከሕውየኩምን እዩ ንሕማምኩም፡እንተ ድኣ ንኣገልግሎተይ ገንዘብ ሂብኩም ብምባል።ቡዙሓት ኣረግቶት መበለታትን ሰራሕተኛታትን ክሳብ ቡዙሕ ሕማምን ካልእ ሽግራትን ዘሃለዎም፡ናይ ቲቪ ሰበኽቲ ይፈልጥዎ እዮም ብኸመይ ናብ ረብሕኦም ከም ዘውዕልዎ።ዝተፈላለየ ሜላታት ብምጥቃምን ቡዙሕ ስሚዒታዊ ጻዊዒትን ጥቅስታት ካብ መጽሓፍ ቑዱስ ብምጽማቅ፡ ገንዘብ ንምርካብ ካብዞም ድኻታት ሰባት እዩ።እዘን ድኻታት መበለታት ነዞም መስሓቲ ኣመንቲ ብምእማንን እቲ ዘኣከብኦ ይሰዳሎም።እቶም ሰበኽቲ ሽዑ ነዚ ገንዘብ ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ክቅመጡሉ ንገዛእ ርእሶም ይጥቀሙሉ-ናይ ውልቆም ነፈርቲን ንብረትን ይዕድግሉን….ወዘተ።እዚ ቅዲ ንድኻታት ምውሓጥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሜሪካ እዩ ጀሚሩ፡ግናኸ ሕጂ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርጊሑን ሕጂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህንዳውያን ሰበኽቲ ውን ከይተረፈ ይርከብ ኣሎ።ከምዚኣቶም ዝበሉ ፈሪሳውያን ክኸትሩን ክሰርቁን እዮም ዝምነዩ።ኣብ መወዳእታ ናይ ሂወቱ ጳውሎስ እንታይ ምስክርነት እዩ ነይሩዎ፡ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፡ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን(2ይ. ቆሮ.7፡2)።እዚ ምስክርነት እዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ ናይ ዝኾነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ሂወቱ።ብዝኾነ ይኹን - ዕድላት ናይ ድኻታት ኣመንቲ ምጥቃም ክፉእን ሰይጣናውን እዩ።

Chapter 25
ፈሪሳውያን ነዊሕ ኣደናቂ ጸሎታት ኣብ ህዝባዊ ይጽልዩ

ወይለኹም እቱም ፈሪሳውያን፡ምኽንያቱ ነዊሕ ጸሎት ብምጽላይ ንነብስኹም ተምስሉ፡ስለዚ ዝገደደ ፍርዲ ክትቅበሉ ኢኹም(ማቴ.23፡14)።ኣብ ውሽጢ ዓመታት ተዓዚበ ኣለኹ እቶም ዝነውሐ ዝጽልዩ ኣብ ህዝባዊ እቶም ኣብ ውልቃዊ ዝውሓደ ዝጽልዩ እዮም።ኩላቶም ፈሪሳውያን እዮም።ካልእ ግዜ ኣብ ህዝባዊ ነዊሕ ጽሎት ዝጽሊ እንተ ሰሚዕካ፡ተመልከቶ እዚ ፈሪሳዊ እዩ።ኣብ ግዜ ህዝባዊ ኣምልኾ፡እቲ መራሒ እንተ ድኣ ሓቲቱ ዝኾነ ሰብ ኣምልኽኡ ወሰን ክገብረሉ ንሓደ ወይ ክልተ ደቂቅ ነፍሲ ወከፍ፡ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ግድን ነዚ ክገብር ኣለዎ።ግናኸ ፈሪሳውያን ኣይሰምዑን ወይ ኣይእዘዙን እዮም።ጽሎቶም ናይ ግድን ካብ ናይ ካልኦት ንላዕሊ ንውሕ ክብል ከምዘለዎ ይስምዖም።ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ትዕቢቶም እዩ፡እቲ ትዕቢቶምን እቲ ዘደንቅ ልዕል ዝበለ ርእይቶ ብዛዕባ ርእሶምን እዩ ! መጽሓፍ ቑዱስ ንሰበእኽቲ ኣዚዙዎም እዩ ክንበዩ ከምቲ እተዋህቦም መስፈር እምነት(ሮሜ.12፡6)። እዚ ማለት ንውሓት ናይ ስብከትና ከምቲ ጒብዝና ናይ ሂወትና ኣብ መንፈሳዊ እተዋህበና ክኸውን ኣለዎ።ግናኸ 90% ናይ ማሕበር ሓለፍቲ ካብ ዝተላለኽዎም ነዊሕ ይሰብኩ፡መሰልከዊ ስብከትን ነዚ ትእዛዝ ዘይምእዛዝን ኣብ


ነፍሲ ወከፍ ሰንበት።እንደገና እቲ እንኮ ምኽንያት ናይዚ ዘይምእዛዝ እዚ ዘደንቅ ልዕል ዝበለ ርእይቶ ብዛዕባ ርእሶም ስለ ዘለዎም እዩ !

Chapter 26
ፈሪሳውያን ናይ ሰባኺ ስራሕ ይገብሩን ንሰባት ካዕበት ውሉድ ናይ ሲኦል ይገብርዎምን

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ምስ ኮነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ ወይለኹም(ማቴ.23፡15)።ፈሪሳውያን ምናልባት ናይ ወንጌል ኣእምሮ ይህልዎም ይኸውን፡ግናኸ እቶም ብኣቶም ኣቢሎም ዝኣመኑ ናብ ሲኦል ይኸዱ።ምኽንያቱ ነቶም ብኣቶም ኣቢሎም ናብ እምነት ዝመጹ ናብ ሓቐኛ ንስሓን እምነትን ስለ ዘየምጽእዎም እዩ።ፈሪሳውያን ምናልባት ኣብ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ስርሓት ይነጥፉ ይኾኑ(ማለት ካብቲ ናይ ኣምላኽ ሓቀኛ ፍቃድ ምግባር ዝተፈልየ ዝኾነን)ወላ ውን ምስ ብዙሕ መስዋእትን።ምናልባት ውን ሙሉእ ግዜ ሰራሕተኛታት ክርስትና ይኾኑ፡ግናኸ እቶም ብኣቶም ናብ እምነት ዝመጹ ዕጽፊ ውሉድ ናይ ሲኦል ይኾኑ - ምኽንያቱ ንስሓ ስለ ዘይሰብኩን ንሰባት ውሕስነት ይህብዎም ካብ ሓጥያተኛ መገዶም ዘይተመልሱ ክነሶም ብምኽንያት ምእማኖም ጥራይ ዳግም ተወሊድኩም ኢኹም ብምባል።ከምኡ ድማ ንሰባት መንፈስ ቑዱስ ተመሊእኩም ኢኹም ኢሎም የእምንዎም(ዘይተመልኡ ክነሶም)ብምኽንያት ገለ ቃላት ብምድግጋሞም ጥራይ - ካብ ሓቀኛ ብቋንቋ ምዝራብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ውህበት።በዚ ድማ ዕጽፊ ውሉድ ሲኦል ይገብርዎም።ድሮ ኣብ ሓጥያት እንዳ ነበሩ፡ከም ውሉድ ሲኦል፡ንምጅማር በዚ።ግናኸ ብገለ ፈሪሳውያን ሰበኽቲ ዘልኣለማዊ ድሑናት ምዃኖም ኣእሚኖሞም፡ምኽንያቱ ገለ ናይ ጥንቆላ ቃላት ብምድጋሞም፡ »ጐይታ የሱስ ንዓ ናብ ልበይ » -- ወላ ውን ኣተሓሳስብኦም ኣብ ሓጥያት ዘይተቀየረ ክነሱ።ሕጂ ክገብርዎ ዝተነገሮም ብሱሩዕ ዕሽሮም ከም ዝኸፍሉ ርግጸኛታት ምዃንን ኣብ ሰማይ ቦታ ከም ዝተሓዝኣሎምን ይብልዎም።በዚ ንሳቶም ኣንጻር ወንጌል ይጻረፉ።ምኽንያቱ ሎሚ መልእኽቲ ወንጌል ኣብ ዝሰምዕሉ ክምልሱሉ ከም ዘለዎም ኣይስምዖምን ንወንጌል ምኽንያቱ ንሳቶም ዘልኣለማዊ ድሑናት ስለ ዝኾኑ።እንታይ መስተንክር ዝኾነ ስሕተት እዩ ዝኸይድ ዘሎ ሎሚ።ኣብ ገለ ማሕበራትና ንሰባት ነጊረዮም ዳግም ከም ዘይተወልዱ፡ወላ እኳ ኣብ ማእከልና ንነዊሕ ዓመታት ኮፍ እንተ በሉ።ብዙሓት ፈሪሳውያን ሽማግለታት ኣሕዋት ኣብ ምፍላጥ ሓደ ሰብ ዳግም ተወሊዱን ዘይተወልደን ኣፍልጥኦም ዜሮ እዩ።ኩሎም ዓይነት ሰባት ንማሕበሮም ክጽንበሩ ይፈቅዱን እዚ እዩ ድማ ሓደ ካብቲ ጽንሕ ኢሉ ብዙሕ ሽግር ዘምጽኣሎም።ገለ ፈሪሳውያን ሽማግለታት ኣብ ድኻታት ኣፋላላይ ይገብሩ።ብምኽንያት ድኻታት ምዃኖም ጥራይ ኣብ ማሕበር ድኻታት ሰባት ኣገደስቲ ከም ዝኾኑ ይስምዖም።እዞም ሽማግለታት ከም የሱስ ከም ዝኾኑ ይሓስቡ ! (እዚ ኣንጻር እቶም ሰበኽቲ ኣፋላላይ ዝገብሩ ናብ ሃብታማት እዩ -- ያቆብ.2፡1-4)።ኣምላኽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ እዚ ክፉእ ዓይነት ኣድህቦ ኣብ መንጎ እዞም ልዑላት - መንፈሳውያን ሽማግለታት፡ስለዚ ድማ እዩ ንናይ እስራኤል መራሕቲ ዘጠንቀቆም፡ብፍርድስ ንድኻ ውን ኣይትደንግጸሉ(ኦ/ዘጽ.23፡3)። ከምዚ ዝበለ ኣፈላላይ ብምግባርን ነቶም ድኻታት ኣገደስቲ ሰባት ከም ዝኾኑ ኣብ ማሕበር ይስምዖምን፡ብምኽንያት ድኽነቶም ጥራይ፡ነዞም ድኻታት ሰባት ካዕበት ውሉድ ሲኦል ይገብርዎም።የሱስ ኮሚንስት ኣይኮነን ንድኻታትን ሃብታማትን ማዕረ ክገብር ኣይመጸን።ኣነ ውን ከይተረፍኩ ኮሚንስት ኣይኮንኩን።ኣነ ክርስትያን እየ።ንትሑታትን ንኣምላኽ ዝፈርሁን የኽብር፡ድኻ ብድኽነቱ ወይ ሃብታም ብሃብቱ ኣየኽብሮን።ግናኸ ብዙሓት መራሕቲ ማሕበር ክርስትና ምስ ኮሚንስት ይደናገሩ።ከም ማሕበር ንርእስና ብኽልተ መገዲ ከነታልላ ንኽእል።ቀዳማይ ንሕና ዘደንቅ ማሕበር ኢና ኢልካ ብምሕሳብ ምኽንያቱ ብዙሓት ሃብታማት ስለ ዘለዉና፡ምሁራትን ጭዋታትን ሰባት ኣብ ዝልዓለ ቦታ ማሕበር(ግናኸ መብዛሕትኦም ናይ ኣምላኽ ሰባት ዘይኮኑ)።ብኻል ማገዲ ድማ ንሕና ዘደንቅ ማሕበር ኢና ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያቱ ሃብታም ዝብሃል የብልናን፡ምሁራት ሰባት፡ግናኸ ዕታር ድኻታት፡ዘይተማህሩ(ግናኸ መብዛሕትኦም ናይ ኣምላኽ ሰባት ዘይኮኑ) ! ክልቲአን ማሕበራት ባቢሎን እየን - ምስ ዝተፈላለየ ሕብሪ።ኩሎም ድኻታት ሰባት መንፈሳውያን ኢዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ ወይ ኩሎም እቶም ሃብታማት ዘይመንፈሳውያን።ድኽነት ምስ ኣምልኾ ኣይመዓራረይን እዩ።ንሰባት ካዕበት ውሉድ ናይ ሲኦል ኣይትግበሮም።

Chapter 27
ፈሪሳውያን ንጽሑፍ ብዘይ ምግላጽ ካብ ኣምላኽ ይትርጒሙዎ

ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ድሓን እዩ፡ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዝምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ ወይለኹም።ኣቱም ደናቚርትን ዕዉራትን፡ኣየናይ ይዓቢ፡ወርቂ'ዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ።(ማቴ.23፡16- 22)።ፈሪሳውያን ንጽሑፍ ብኣእምርኦም ይትርጒምዎ፡ብዘይ ዝኾነ ምግላጽ ካብ ኣምላኽ።ስለዚ ንቃል ኣምላኽ ብገዛእ ሓሳቦም ብምልዋጥን ከም ሕጊ ኣምላኽ ገይሮም ይሰብክዎን።ወላ ውን ሎሚ ነዚ ዝገብሩ ፈሪሳውያን ሰበኽቲ ኣለዉ።ብድሕሪ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መንፈስ ኣይርድእዎን እዮም፡ግናኸ ከም ቃል ይሰብክዎን -- ቃል ይቀትል(2ይ.ቆሮ.3፡6)።እዞም ሰበኽቲ ወላ ውን ነቲ እተሰርሐ ኣይርእይዎን እዮም፡ኣብ ገለ ካልእ ነገራት ውን ነዚ ሓደ ዓይነት ቃል ምስ ዘይእዘዝዎ።እንሆ ሓደ ኣብነት።ገለ መራሕቲ ማሕበራት ኣለዉ ምልባስ ስልማት ሓጥያት ዝበዝሖ ጣዕሚ ናብራ እዩ ዝብሉ።ናብ ዝኾነት ሓፍቲ ብምጥማት ምናልባት ወላ ውን ናይ ሓቂ ዘይኮነ ስልማት ለቢሳ ከይትህሉ።ግናኸ እዞም ሰበኽቲ እዚኣቶም ምናልባት ልዕሊ ሚልዮን ዝኸውን ናቅፋ ብምውጻእ ኣብ ምህናጽ ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ምስ ቡዙሕ ጣዕሚ ናብራ ኣብ ውሽጡ ዘለዎ ይገብሩ።ግናኸ ነቲ ናቶም እተሰርሐን ግብዝናኦምን


ኣይርእይዎን እዮም። ጽሑፍ ኣንጻር ክቡር እምነ በረድ ኣብ ምድሪ ቤት ምንጻፍ ኣይዛረብን እዩ ብምባል ንሕልንኦም የቅስንዎ፡ግናኸ ኣንጻር ስልማት ጥራይ እዩ ዝዛረብ(1ይ.ጢሞ.2፡9 ; 1ይ.ጴጥ.3፡3) !! ግናኸ ጽሑፍ ዝኾነ ይኹን ኩሉ ዘየድሊ ጣዕሚ ናብራ ከነወግዶ እዩ ዝደፋፍአና።ከምዚ ዝበለ ቡዙሕ ካልእ ኣብነታት ውን ኣሎ።ከምዚኦም ዝበሉ መራሕቲ ማሕበር ምግላጽ ካብ መንፈስ ቑዱስ የብሎምን ኣብ ቃል ኣምላኽ።ኣብ ክንዲ'ዚ ንጽሑፍ ንዕኣቶም ዘእምንን ዝሰማማዕን ገይሮም ይትርጒምዎን ንኻልኦት ይፈርድዎምን።

Chapter 28
ፈሪሳውያን ንቃል ሕጊ ጥብቂ እዮም

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ካብ ጨና ኣዳም፡ካብ ሽላን፡ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ፍርዲ፡ምሕረት፡እምነት ግና ትሓድጉ ኣለኹም እሞ ወይለኹም።እዚ ምግባር እቲ ውን ዘይምሕዳግ ይግባእ(ማቴ.23፡23)።ፈሪሳውያን ገለ ንእሽቶ ሓሳብ ናይ ትእዛዝ ኣብ ጽሑፍ ይወስዱን ንዕኡ ይብሉን።ኣብ ንእሽቶ ይዓብዩ።ሎሚውን ከይተረፈ ብዙሕ ከምዚ ዝበለ ስብከታት ኣሎ።ከምዚ ዝበለ ስብከት ንማሕበር ብዙሓት ናይ ስርዓታት ሰባት ዘለዋ እዩ ዝገብራ፡ብምእዛዝ ንኣሽቱ ነገራት ዕቡያት ግናኸ ኣብ ዓበይቲ ነገራት ዘይእዘዙን ኣብ ሕልንኦም ዘይነቅፎምን እዮም።የሱስ ንፈሪሳውያን ዕሽር ካብ ጨና ኣዳምን ካሙን… ወዘተ ከይትወስዱ ኢሉ ኣይነገሮምን።እቲ ዝበሎምሲ ካብ ዕሽር ንላዕሊ : ዓበይቲ ነገራት ሕጊ ኣምላኽ እዩ ዘድሊ።ሓደ እዋን ንኣርባዕቲኡ ወንጌል ብምጽናዕ ኩሉ የሱስ ዝገበሮ ነገራት ብምጽሓፍ፡ንሱ ንስሓ ሰቢኹ፡ብመንፈስ ድኻታት፡ሕያውነት፡ንጽህና፡ንሓጥያትካ ምጒሃይ፡ዕዳኻ ምኽፋል፡ዳግም ምውላድ፡ብመንፈስ ንኣምላኽ ምምላኽ፡ፍቅሪ፡ትሕትና፡እሙን ምዃን፡ካብ ባህሊ ሰባት ምፍላይ… ወዘተ።ግናኸ ሓደ ግዜ ውን እንተኾነ ፈጺሙ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን ኣብ ሰባት ከመይ ክኽደኑ ከምዘለዎም ወይ ውን ኣንስቲ ስልማት ክስለማ ወይ ርእሰን ክሽፈና።ብዝኾነ ኾይኑ ኣብ ከመይ ገርካ ቀሊል ናብራ ሂወት ትመርሕ ገንዘብ ዘይምፍቃርን ተዛሪቡን።ስለዚ ኣነ ኣብ መልእኽትታት እንታይ ዛዕባ ቡዙሕ ብመንፈስ ቑዱስ ከም ዝተባህለ ኣጽኒዐን እንታይ ዛዕባ ብጣዕሚ ቁሩብ ተባሂሉን ወይ ፈጺሙ ዘይተጠቅሰን።ነዚ ረኺበ ኣብ መብዛሕትኡ ስብከተይ ቀንዲ ክብሎ ዘሎኒን እንታይ ቁሩብ ተገዳስነት ክህቦ ዘሎኒን።እንተ ድኣ ንጽሑፍ ብኸምዚ ኣጽኒዕካዮ፡ኣብ ስብከትካ ሚዛን ዘለዎ ትኸውንን ፈሪሳዊ ሰባኺ ካብ ምዃን ትውገድን።

Chapter 29
ፈሪሳውያን ፍትሕን ምሕረትን እምነትን የብሎምን

ኣቱም ፈሪሳውያን እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ፍርዲ፡ምሕረት፡እምነት ግና ትሓድጉ እዚ ምግባር እቲ ውን ዘይምሕዳግ ይግባእ(ማቴ.23፡23)።ፈሪሳውያን ዘይፍትሓውያንን ኣድልዎ ገበርትን እዮም ነይሮም ኣብ ምስ ሰባት ዝራኸብሉ።ምሕረት ዝብሃል የብሎምን ኣብቶም ዝወደቁን፡ እሙናት ኣይነበሩን ኣብ ግላዊ ሂወቶምን።ግናኸ ምስ እዚ ኩሉ ጉድለት ኣብ ሂወቶም፡ገና ንገዛእ ርእሶም ከም ጻድቃን ይቆጽርዋ፡ብምኽንያት ምጻሞምን ምጽላዮምን ፍልጠት መጽሓፍ ቑዱስን… ወዘተ።ልክዕ ከምቲ መርዓት ናብ መርዓኣ ክትከይድ ከላ እዘን ምርዑት ኩለን ክኸዳ ከለዋ ረሳሓትን ዘይጽፉፋትን እዮም ግናኸ መን ጥራይ ከስተውዕሎ ይኽእል ኣብ መርዓ ክትከይድ ከላ ተጸባቢቃ ክትከይድ ከም ዘለዋ።እንተ ድኣ ንዓይ ይጥዓመኒ፡ትዕቢት፡ምሕረት ዘይምግባር ኣተሓሳስባን ዘይእሙናትን ኣብ ግላዊ ሂወትና ኣሎ ኮይኑ፡ስለዚ ብሃይማኖታዊ ንጥፈታትና መንፈሳውያን ከም ዝኾና ንኽበር እንድሕር ኣሎና ንርእስና ጥራይ ኢና ነታልላ ዘሎና።ናይ ክርስትና ሂወት ዝኸበረ ነገር ዘድሊ እንታይ ምዃኑ ከነለልዮ ኣሎናን ኣብ ኣቶም መጀመርታ ከነተኩር ኣሎናን።

Chapter 30
ፈሪሳውያን ቃርማ የጽርዩን ገመል ይውሕጡን

ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ገመል ክኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ ! (ማቴ.23፡24)።ፈሪሳውያን ብጣዕሚ ጥንቁቃት እዮም ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ኣገደስቲ ዘይኮኑ(ድኹማት ዝሞተ ጣንጡ ንምውጻእ)።ግናኸ ንሳቶም ሸለል ይብሉ ንምእዛዝ ትእዛዛት ኣብ ጽሑፍ(ዝሞተ ገመል ይውሕጡ)።የሱስ ንፈሪሳውያን ዝሞተ ጣንጡ ምውሓጥ ቁኑዕ እዩ ኣይኮነን ዝብሎም ዘሎ።ንሱ ከርእዮም እዩ ደልዩ ነቲ ናቶም ዘይቁኑዕ ሸለል ምባል ኣብ ኣገደስቲ ነገራት።ከምዚኣቶም ዝበሉ ፈሪሳውያን ጥንቑቃት ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ከም ናብ ቤተ ክርስትያን ክትከይድ ከሎኻ ጽሩይ ክዳን ተኸዲንካ ምኻድ ወይ ቤቶም ጽሩይን ንጽሁን ገርካ ኣብ ምሓዝ።እዚኣቶም ጽቡቅ ልምድታት እዮም።ግናኸ ኣብ ኣገደስቲ ነገራት ምስ ንመጽእ ከም ንኣምላኽ ምድላይ ብቅንዕና ንምስዓር ሕርቃንን ሕማቅ ባህግታት ስጋዊ ርክብ፡ ወይ ኣብ ምሕጋዝ ግብራዊ ዕዮ ኣብ ማሕበር፡ ወይ ናብ ዓድታት እናኸድካ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ምምጻእ፡እዚኣቶም


ብዙሕ ኣገደስቲ ኣይኮኑን -- ምኽንያቱ እዞም ነገራት እዚኣቶም መስዋእቲ ስለዝሓቱ ናይቲ ሰብ ምእማንን፡ግዜን ገንዘብን።እዛ ጥቅሲ ኣብ Message Translation ከምዚ ኢላ ተጸሚቃ ኣላ፡ትፈልጡዶ ማዕረ ክንደይ ዓያሹ ምዃንኩም ከም ትርኣዩ፡ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ጌጋ ዝኾነ ናይ ሂወት ታሪኽ ትጽሕፉ፡ግናኸ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብን ካልእን ትግደሱ፧ናይ መጽሓፍ ቑዱስ ቃላት ምዝካር ውድድር ዝግበር ኣሎ ኣብ ባንግሎር(Bangalore India) ብዙሓት ክርስትያን ዝሳተፍዎ ስልማት ወይ ዋጋ ሞያ ንምውሳድ ቁሩብ ኣማኢት ገንዘብ።ንምዕዋት ነዚ ሽልማት፡እቲ ዝወዳደር ሰብ ነቶም ቃላት ናይ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኮነ ክጽሕፎ ዘለዎ ትኽክል ገይሩስ፡ግናኸ ናይ ክልተ ነጥቢን ሰለስተ ነጥብን ካልኦት ነጥብታትን ዝርከቡሉ ቦታን ብትኽክል !! ገለ ኣመንቲ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሰሙን ኣብ ምዝካር ቅኑዕ ቦታ ናይዞም ነጥብታት የሕልፍዎ ምእንቲ ሽልማት ክዕወቱ።ግናኸ ብኹሉ ነገር ኣብ ዘይምእዛዝ ጽሑፍ ኣብ ቤቶም ይነብሩ።ግናኸ እዚ ኣየሸግሮምን እዩ።ክትዕወት ትኽእል ኢኻ ሽልማት ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቑዱስ ውድድር ገና ግን ፈሪሳዊ ናይ መጀመርታ ስርዓት።ፍቅሪ ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይ ወንጌል እያ(1ይ.ጢሞ.1፡5)ንኣምላኽ ብሙሉእ ልብና፡ነፍስናን ሓይልናን ከነፍቅሮን ስዓቢ ኣማኒ ሓውና ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና ከነፍቅሮ እዩ ግዴታና።ነዚኣ ፍቅሪ እዚኣ እንተ ሲዒብናያ፡ኣብ ሂወት ክርስትና እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እንታይ ምዃኑ ተውህቦና ክንፈልጥ ኢና።

Chapter 31
ፈሪሳውያን ዝግደሱ ኣብ ምህላው ደጋዊ ጽቡቅ ምስክርነት ጥራይ እዩ

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሓጽቡ፡ውሽጡ ግና ከትርን ስስዐን ምሉእ እዩ እሞ ወይለኹም።ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ(ማቴ.23፡25,26)።ፈሪሳውያን ናይ ደጋዊ ሂወቶም የጽርዩ፡ግናኸ ብዛዕባ ኵነታት ልቦም ኣየሸግሮምን እዩ፡ብዙሕ ከትርን ስስዐን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ይሓስቡ።ንሳቶም ብምኽንያት ፍትወት ርእሶም ይነብሩ፡ብኸመይ ገርካ ዝያዳ ገንዘብን ክብረትን ምቾትን ትረክብ ንገዛእ ርእሶምን ቤተሰቦምን ጥራይ ይሓስቡ።ግናኸ ኣብ ደጋዊ ሃይማኖታውያንን ንጡፋትን ወላ ውን ኣብ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታት ማሕበር እቶም ካልኦት ክርስትያን ክርእዩ መታን ክኽእሉ።በዚ ከምዚ ኣብ ቅድሚ ሰባት ጽቡቅ ስም ይረኽቡ።ኣምላኽ ይፍትነና እዩ ክርእየና ናቱ ምጽዳቅ ወይ ናይ ሰብ ንደሊን ዘይንደሊን።ሓደ ብዛዕባ ንጽህና ኣብ ልቡ ተገዳስነት ዘይብሉ ሰብ ግንከ ጽቡቅ ምስክርነት ኣብ ቅድሚ ሰባት ጥራይ ክህልዎ ዝግደስ እዚ ዘረጋግጸልና ፈጺሙ ፍርሃት ኣምላኽ ከምዘይብሉ እዩ።ንሱ ፈሪሳዊ እዩ።ሰባት ኣብ ደገና ይጥምቱ፡ግንከ ኣምላኽ ንልብና እዩ ዝጥምት(1ይ.ሳሙ.16፡7)።እቲ መባእታዊ ምልክት ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሱ ቀጻሊ ዝደሊ ልቡ ጽሩይን ንጹህን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክኸውን እዩ።

Chapter 32
ፈሪሳውያን እቲ ካልኦት ዝገበርዎ ክፍኣት ፈጺምና ኣይምገበርናዮን ነርና ይብሉ

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡መቓብር ጻድቃን ውን ትስልሙ ኣሎኹም እሞ ወይለኹም።ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን ትብሉ ኣሎኹም(ማቴ.23፡29,30)።ፈሪሳውያን ንሓጥያትን ውድቀትን ካልኦት ብምጥማት ከምዚ ይብሉ፡እዚ ፈጺምና ኣይምገበርናዮን ነርና ይብሉ።ከምዚ ፈጺምና ኣይምተኸደናን ኔርና።ከምዚ ዓይነት ጠባይ ፈጺሙ ኣይምሃለወናን።ከምዚ ዘረባ እዚ ፈጺምና ኣይምተዛረብናን… ወዘተ።ከነለልዮ ኣሎና ወላ ውን ከም ካብ ኩሉ ዝበለጸ ክርስትያን መጠን፡ከምቲ ኩሉ ውሉድ ኣዳም ዘለዎ ንሕና ውን ሓደ ዓይነት ቡልሹው ስጋ ኣሎና።ፈሪሳውያን ኣብ ገዛእ ስጋኦም ዘሎ ብልሽውና ኣየለልይዎን እዮም።ናይ ኣምላኽ ሰብ ይእመን እዩ ዝኾነ ሓጥያት ካልእ ሰብ ካብ ዝፈጸሞ ክፍጽሞ ከም ዝኽእል።ናይ ኣምላኽ ብርትዐን ጸጋን ጥራይ ካብ ምፍጻም ቡዙሕ ሓጥያት ሓሊውዎ ከም ዘሎ ይእመን እዩ።ኣረጊት ቑዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ሓደ ገበነኛ ናብ ምፍጻም ዕዮኡ ከምርሕ ምስ ርኣዮ፡ከምዚ በለ፡ ናብዚ ምኸድኩ ነይረ ግናኸ ብጸጋ ኣምላኽ ጥራይ ክኸይድ ዝኽእል።እቲ ቑዱስ ኣለልይዎ እዩ ንሱ ውን ነዚ ገበነኛ ዝፈጸሞ ነፍሲ ወከፍ ገበን ክፍጽሞ ከም ዝኽእል።ናይ ኣምላኽ ብርትዐ ሓይሊ ጸጋ እንተ ዘይከውን ነይሩ እቲ ልቡ ዝኸፈትሉ ክቅበሎ ኣይምኽኣለን።ነፍሲ ወከፍ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነዚ ይእመኖ እዩ።ግናኸ ፈሪሳውያን ነዚ ፈጺሞም ኣይእመንዎን እዮም።

Chapter 33
ፈሪሳውያን ናይ ኣምላኽ ነብያት የሳድዱ

ነብያት እልእከልኩም ኣለኹ፡ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቅሉን፡ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ተሳድዱን ኣለኹም።እቲ ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ክሳብ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩሞ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ኩሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ክበጽሕ እዩ(ማቴ.23፡34,35)።ፈሪሳውያን ንሓቂ ካብ ነብዩ ምስ ዝሰምዑ ይዕንቀፉ።ስለዚ ነዞም ከምዚ ዝበሉ ሰበኽቲ የሳድዱ ብዝተፈላለየ መገድታት።ነቶም ዘቀባጥሩሎም ሰበኽቲ ግና


ይፈትዉዎም።ግናኸ ነቶም ዝግስጽዎምን ዝእርምዎምን ይጸልእዎም።ናይ ቡሉይ ኪዳን ነብያት ንእስራኤል ብዛዕባ ሓጥያቶም ኣብ ቅድሚ ገጾም እዮም ነጊሮሞም -- ኩላቶም ድማ ተሳዲዶምን ወላ ውን ተቀቲሎምን።ብተግሳጽ ወይ መአረምታ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ተዓንቂፍካ፡ብርግጽ ልክዕ ንስኻ ውን ፈሪሳዊ ኢኻ።

Chapter 34
ፈሪሳውያን ካብ ናይ ኣምላኽ ርእይቶ ብዛዕባ ናይ ሰባት ርእይቶ ብዙሕ ይግደሱ

ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ንሓድሕዶም ተዘራረቡ፡ከምዚ እናበሉ፡ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ከመይ ድኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ክብለና እዩ።ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዩ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ንህዝቢ ንፈርህ።ንየሱስ ከኣ፡ኣይንፈልጥን ኢሎም መለሱሉ።(ማቴ.21፡25-27)።ፈሪሳውያን ብዛዕባ ፍሉይ ነገር ደው ኣብ ዝብሉሉ እዋን ኩሉ ግዜ ካልኦት እንታይ ይሓስቡ ይኾኑ ኢሎም ይሻቀሉ።እቲ ፍርዶም ብቃል ኣምላኽ ዝመሃሮ ዝነቀጸ ኣይኮነን፡ግንከ ብሰባት ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ እንታይ ይሓስቡ ብዛዕብኦም እዩ።ብዛዕባ ርእይቶ ናይ ሮማውያን ወይ ግሪኻውያን ኣይግደሱን እዮም።ግንከ ብዛዕባ ርእይቶ ሰዓብቶም ኣይሁዳውያን ይግደሱ።ንስኻ ብዛዕባ ሰባት ኣብ ማሕበርካ ዘለዉ ብዛዕባኻ ዝሓስብዎ ትግደስ እንተ ኮይንካ ካብ ቁኑዕ ነገር ምግባር ከም ሕልናኻ ዝበለካ፡ስለዚ ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻ።ቡዙሓት ሰበኽቲ ነገራት ይብሉን ይገብሩን ምእንቲ ንምሕጓስ ገለ ሰባት ኣብ ማሕበሮም እቲ ንሳቶም ማለት(እቶም ሰማዕቲ)ዝፈትውዎ ትምኒታት።ብዙሓት ኣመንቲ ደቆም ብግቡእ ክእደቡ ይደልዩ፡ንኽብሪ ኣምላኽ ግን ኣይኮነን፡ግንከ ምኽንያቱ ከም ዝድራቤት ንገዛእ ርእሶም ክብረት ንምርካብ እዩ።ስለዚ ንደቆም ዕሽነት ዝበዝሖ ስርዓታት ይገብሩ።ኣብ 1987 በዂሪ ወደይ ትምህርቲ ይውድእ እሞ መእተዊ ናብ ክልተ ኮለጅ ይረክብ - ናብ IIT ህንድን ናብ ዝበለጸ ኮለጅ ኣብ ኣሜሩካን ከምኡ ውን ምስ ስኮላር ሺፕ(scholarship)።ናብ ናይ ኣሜሪካ ኮለጅ ክኸይድ ከም ዝመርጽ ምስ ነገረኒ፡ኣነ ድማ ከምዚ ኢለዮ፡ጽቡቅ ናብኡ ክሰደካ እየ።ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ማሕበራትና ኣብ ህንዲ ናብ ኣሜሪካ ከይዶም እዮም።ግንከ ኣብ 1987 ፡ወላ ውን ሓንቲ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ኣብ ማሕበራትና ኣይነበረን።ከምኡ ውን ፈሪሳዊ ዝኾነ ሓሳብ ነይሩ እዩ ኣብ ቡዙሓት የሕዋት፡መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣብ ህንዲ ናብ ካልእ ኣይከዱን ወይ ድማ ደቆም ኣይሰዱን -- ወይ ናብ ዓረባዊ ወሽመጥ ባሕሪ ወይ ድማ ኣሜሪካ።ክሰዶ ምስ ተሰመማዕኩ ወደይ ድማ ገሪሙዎን ሓቲቱንን፡ሰባት ኣብ ማሕበራትና ወዱ ሰዲዱ ናብ ኣሜሪካ ምስ ሰምዑ እንታይ ክብሉ እዮም፧ግናኸ ንደቀይ ከም ስርዓት ፈሪሳውያን ዘቆምዎ ክኸዱ ኣይገደፍኩዎምን።ኣብ ሓርነት ክርስቶስ ክነብሩ እየ ዝደልዮም።ስልዚ ከምዚ ኢለ ነጊረዮ፡እዚ ዝፍትነኒ ኣነ ካብ ናይ ካልኦት ርእይቶ ሓራ ኮይነን ዘይኮይነን ጥራይ እዩ።ካብ ዘገርም፡ገለ ሰባት መጨነቅቲ ንወደይ ናብ ኣሜሪካ ብምስዳደይ፡ድሕሪ ገለ ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሶም ደቆም ናብ ኣሜሪካ ሰዲዶም።ፈሪሳውያን ከምዚ እዮም፡ንኻልኦት ብጣዕሚ መጨነቂ ስርዓታት ይሰብኩ፡ግንከ ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባል ስድራቤት ምስ ዝመጽእ ይልውጥዎ።ብጣዕሚ ውሑድ እዩ ንምርካብ ኣድልዎ ዘየርኢ ወላ ውን ንኣባላት ስድራቤቱ ውን እንተ ኾነ፡ ፈጺሙ ሓራ ዝኾነ ወላ ውን ሽማግለታት(መራሕቲ ማሕበር)የሕዋት። ብዛዕባ ርእይቶ ናይ ካልኦት ንግደስ እንተ ድኣ ኮይና ንደቅና ናብ ዓለም ከነጥፍኦም ኢና።ናይ ደቅኻ መጻኢ ኣይተበላሽዎ፡ብምስማዕ ንዓያሹን፡ሃይማኖታዊ ስርዓታት ንዝገብሩ ፈሪሳውያን መራሕቲ ማሕበርን።ጳውሎስ ከምዚ በለ፡በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቅለት ኣነ ውን ንዓለም እተሰቀልኩ(ገላትያ.6፡14)።ንሰባት ከተሐጒስ ምድላይ ማለት ልክዕ ከምቲ ኣብ ቡዙሕ ሕማቅ ጨና ዘለዎ ቤት ምንባር እዩ።ወጺእካ ኣብ ሓድሽ ኣየር ሓርነት ዘለዎ ብክርስቶስ ንበር።

Chapter 35
ፈሪሳውያን ገንዘብ ይፈትዉ

ፈሪሳውያን ፈተውቲ ገንዘብ እዮም ነይሮም(ሉቃስ.16፡14)።ንፈሪሳውያን ክንሓስብ ከሎና፡መብዛሕትኡ ግዜ ፍቅሪ ናይ ገንዘብ ምስኣቶም ኣይነተኣሳስሮን ኢና።ግንከ ኣብ ክዉንንነት ሓቂ መጺእና እዚ እዩ እቲ ሓደ ንጹር ምልክት ናይ ፈሪሳውያን።ወላ ውን ዝኾነ ካብዞም 49 ባህርታት ፈሪሳውያን እንተ ዘይብልካ፡ግንከ እዛ ሓንቲ ጥራይ እንተ ኣልዩካ፡ገና ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻ።ፈሪሳውያን ብዛዕባ ንኣሽቱ ስርዓታት ኣብ ሕጊ ይመርጹ፡ግንከ ኣብ ገንዘብ መጺእካ ዓቢ ፍቅሪ ኣለዎም።ኣቀድም ኣቢሉ የሱስ ከምዚ ኢልዎም ኣብ(ሉቃስ.16፡13)ንኣምላኽን ገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።ፈሪሳውያን ነቲ ዝበሎ ቃል ኣላገጽሉ ኣብ (ፍቅዲ.14)ምኽንያቱ ፈተውቲ ገንዘብ ስለ ዝነበሩን ንኣምላኽ ውን ከም ዘፍቅርዎ ኮይኑ ስለዝተሰመዖምን።ኣማኒ ናይ ንብረት ሃብቲ ከም ኣገልጋሊኡ ገይሩ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ(ዝኾነ ብዝሒ ናይቲ ገንዘብ)ግንከ ካብታ ክፈትወላ ዝጀመረ ግዜ ነዚ ገንዘብ፡ንሱ ፈሪሳዊ ይኸውን።ኣምላኽ ንብረት ዝሃበና ክንጥቀመሉን ንሰባት ድማ ከነፍቅሮምን እዩ።ሰይጣን ተዓዊትሉ እዩ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ደቂ ሰባት በንጻሩ ብምግምጣል ከም ውጺኢቱ ድማ ሰባት ንብረት ከፍቅሩን ንሰባት ድማ ክጥቀሙሎምን(ንገዛእ ርእሶም ረብሓ ክብሉ)።የሱስ ዝመጸ ድማ ካብዚ ነገር እዚ ክቅይረና እዩ -- በዚ ድማ ሰባት ምእንቲ ከነፍቅርን ንንብረት ድማ ክንጥቀመሎም(ንሰባት ክንባርኾም)።ናይ ኣምላኽ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ብዙሕ ነገራት ንብረት ይኽሕዱ ምእንቲ ንሰባት በዞም ነገራት ገይሮም ክባርኽዎም ክብሉ።ከምዚ እዩ የሱስ ዝነብር ነይሩ።ብዙሓት ሰበኽቲ ንኻልኦት ንኣሽቱ ስርዓታት ብምጥባቅ ዘገድዱ


ንገዛእ ርእሶም ግን ዓበይቲ ፈተውቲ ገንዘብ እዮም።ምእንቲ ዝያዳ ገንዘብ ክገብሩ ክብሉ ንገዛእ ርእሶም ሓላፍነቶም ኣብ ማሕበር ሸለል ይብሉ -- ምኽንያቱ ፈሪሳውያን ስለ ዝኾኑን ኣእምርኦም ኩሉ ግዜ ኣብ ገንዘብ ስለ ዘሎን።

Chapter 36
ፈሪሳውያን ካብ ካልኦት ዝበለጹ ኮይኑ ይስምዖም

የሱስ ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዝእመኑ ንኻልኦት ውን ዝንዕቁ ዝነበሩ ድማ እዚ ምስላ'ዚ በሎም፡ክልተ ሰብኣይ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ ክጽልዩ ናብ ቤተ መቅደስ ደየቡ።እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፡ዎ ኣምላኽ ከምቶም ካልኦት ሰባት ስለ ዘይኮንኩ አመስግነካ ኣለኹ(ሉቃስ.18፡9-11)።ኣብዛ ምስላ ከም ተዓዘብናዮ መጀመርያ እዚ ፈሪሳዊ ንኣምላኽ ኣይጸለየን።ንሱ ናብ ገዛእ ርእሱ እዩ ጸልዩ(ፍቅዲ.11)።ንሱ ንኣምላኽ ኣመስጊንዎ ኣብ ውሽጢ ልቡ : ንሱ ካብ ካልኦት ስለ ዝበለጸ።ድምጹ ዓው ኣቢሉ ከምኡ ኣይበለን፡እንተዘይኮነ እቲ ጽቡቅ ስም ናይ ትሕትንኡዶ ከጥፍእ ኮይኑ !! ሓደ መዓልቲ እሞ ገምቶ፡ገለ ሰብ ጠባዩ የጥፍእን ምሳኻ ይተሓራረቅን።ግንከ ንስኻ ጠባይካ ወይ ኣንጸርጽሮትካ ትቆጻጸሮን ስቅ ትብልን።ሽዑ ብሕቡእ ንነብስኻ ትንእዳን ከምዚ ትብልን፡ጐይታ፡የመስግነካ ኣለኹ ኣነ ከምዚ ሰብ እዚ ስለ ዘይኮንኩ።የመስግነካ ኣለኹ ስለ ርእሰ ምግታእ ስለ ዘሎኒ።ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝጸለኻዮ ጸሎት ልክዕ ሓደ ዓይነት ጸሎት ከምቲ እቲ ፈሪሳዊ ዝጸለዮ ኢኻ ጸሊኻ።እቲ ካልእ ሰብ 10 እግሪ ዝዓቀኑ ጒድጓድ ማለት ሕርቃን ወዲቁ።ግንከ ንስኻ ካብኡ ዝዓሞቀ 1000 እግሪ ዝዓቀኑ ጒድጓድ ኢኻ ወዲቃ ማለት መንፈሳዊ ትዕቢት።ኣየናዩ እዩ ንዓኻ ዝገደደ፧ምናልባት እቲ ሰብ በቲ ዝሓረቆ ሕርቃን ጽንሕ ኢሉ ተኣሚኑ ይንሳሕን ናብ ጐይታ ይምለስን።ግንከ ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽድቂ ፈጺምካ ኣይትርእዮን ትህሉ ትኸውን በዚ ድማ ፈጺምካ ንመንፈሳዊ ትዕቢትካ ኣይትንሳሕን ! ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ እቲ ሰብ ካባኻ ዝበለጸ ኮይኑ ይውድእ።መንፈሳዊ ትዕቢት ልክዕ ከም ሽጒርቲ እዩ።ሓደ ክፋል ምስ ቀለጥካ፡ዝወዳእካ ኮይኑ ይስምዓካ።ግንከ ካልእ ቀጸላ ኣብ ትሕቲኡ ኣሎ -- ካልእ ድማ ኣብ ትሕቲኡ፡ካልእ ውን ኣብ ትሕቲኡን- ወዘተን።ኣብ ምድሪ ክሳብ ዘሎና መንፈሳዊ ትዕቢት ፈጺምና ከነጥፍኦ ኣይንኽእልን ኢና ካብ ሂወትና።ግንከ ነታ ሽጒርቲ እናቀለጥና ከነቅጥና ንኽእል ኢና፡እንተ ድኣ ንገዛእ ርእስና ፈሪድናያ ብእምነት -- ኣብ ክንዲ ንኻልኦት እንፈርድ !! መንፈሳዊ ትዕቢት ውን ኣዝዩ ጐራሕን ብገዛእ ርእሱ ከም ትሕትና ዝመስል ተኸዲኑ ክውድእ ይኽእል እዩ !! ናይ ትምህርቲ ሰንበት መምህር ነዚ ታሪኽ ናይ ፈሪሳውን ተጋውን ንደቃ ትምህሮም ነበረት።ኣብ መወዳእታ ከምዚ በለት(ልክዕ ከም ናይ ፈሪሳውያን ቃላት ዘስምዕ ቃላት)ደቀየ፡ኣምላኽ ይመስገን ንሕና ከም ፈሪሳውያን ስለ ዘይኮና !! በዛ ታሪኽ ንስሕቅን ከምዚ ንብልን ተመስገን ኣምላኽ ከም ናይ ሰንበት ትምህርቲ እትምህር መምህር ስለ ዘይኮና !! እወ፡መንፈሳዊ ትዕቢት ብርግጽ ልክዕ ከም ሽጒርቲ እዩ !! ትዕቢትን ፍትወት ርእስኻን እዞም ክልተ ሓጥያት እዚኣቶም ፈጺምና ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና ክሳብ ክርስቶስ ዝምለስን ንዕኡ እንመስልን።እዞም ሓጥያት እዚኦም ልክዕ ከም ሽጒርቲ ክቁጸር ዘይክኣል ቀጸላ ዘለዎም እዮም።እንተ ድኣ ገዛእ ርእስና ኣጽሪና ካብዞም ቀጸላ ኣብ ዝረአናሉ እዋን ኣባና፡በብቑሩብ ነዚ ዓቀን ናይ ሽጒርቲ ክንክዮ ንኽእል ኢና።ህንጡዩነትና ክኸውን ዘለዎ ነዛ ሽጒርቲ ኣዝያ ከነቅጥና ቅድሚ ክርስቶስ ምምላሱ ብተኻእለ መጠን።ነዚ እንተ ገበርካ፡ንስኻ ኣብ ቑኑዕ መገዲ ኣጋር ኢኻ ዘሎኻን - ፈጺምካ ፈሪሳዊ ኣይክትከውንን ኢኻን።

Chapter 37
ፈሪሳውያን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽድቂ ይእመኑ

ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዝእመኑ ንኻልኦት ውን ዝንዕቁ ዝነበሩ ድማ እዚ ምስላዚ መሰለሎም(ሉቃስ.18፡9)።ካብ እምነት ዝኾነ ጽድቂ ኣሎ፡እዚ ድማ ውህበት ኣምላኽ እዩ።ካብ ገዛእ ርእስና ዝኾነ ማለት ዝፈረየ ጽድቂ ውን ኣሎ።ኣየናይ ጽድቂ ከም ዘሎካ ነቲ መገዲ ንምርካብ፡ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ ትዕበ እንተ ኾይንካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጽድቂ።ከምኡ እንተ ኾይኑ፡እምብኣርከ ናይ ግድን ብገዛእ ርእስኻ ዘፍረኻዮ ጽድቂ እዩ።ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልካዮ ውህበት ጽድቂ እንተ ዝኸውን ነይሩ ኣመስጋኒ ምኾንካ ነርካ፡ግንከ ኣይምተዓበኻን ነርካ ብዛዕባ እዚ።ፈሪሳውያን ክዕበዩሉ ዝኽእሉ ጽድቂ ኣለዎም።ብዝጽሓፍካዮ መጽሓፍ ዕቡይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።ግናኸ ካልእ ሰብ ብዝጽሓፎ መጽሓፍ ክትዕበ ኣይትኽእልን ኢኻ።ስለዚ በቲ ኣብ ሂወትካ ዘሎካ ጽቡቅ ተውህቦ ትዕበ አንተ ኾይንካ -- ብሕትና ይኹን ወይ ልውህና ወይ ብጸላያይ ስለዝኾንካ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ናይ ግድን ብገዛእ ርእስኻ ዘፍረኻዮ እዩ።ለዋህን ተቀባል ጋሻን እንተ ኾይንካ ብእኡ ድማ ትዕበ እንተ ኾይንካ፡እምብኣርከ እዚ ተውህቦ እዚ ምናልባት ውን ናይ ደቂ ሰባት ተውህቦ ወይ ብቅዓት ክኸውን ይኽእል እዩ፡ካብ ኣምላኻዊ ባህሪ ዝኾነ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ናይ ኣምላኽ ክፋል ባህሪ እንተ ዝኾኑ ነይሮም ብናጻ ዝሃበካ፡ከመይ ገይርካ ብዛዕብኦም ክትምካሕ ትኽእል፧ተቀባል ጋሻ ምዃን ጽቡቅ ስነ ምግባር እዩ፡ግንከ ብዛዕብኡ ትምካሕ እንተ ኾይንካ፡እምብኣርከ ኣእንግዶትካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሸታቲ ወይ ጨናዊ ኾይኑ እዩ ዝተርፍ።እዚ መሰረታዊ ሓሳብ እዚ ኣብ ካልኦት ነገራት ውን ዝምልከት እዩ -- እዚ ምስ ጽድቂ ምትእስሳር ዝብሃል የብሉን።ምናልባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝበለጸ ክትዝምር ትኽእል ትኸውን ወይ መሳርሒ ሙዚቃ ዝበለጸ ትጻወት ወይ ዝበለጸ ትሰብኽ ወይ ድማ ምናልባት ማሕበርካ ካብ ናይ ካልኦት ሰባት ዝዓበየ ማሕበር ይኸውን።ዝኾነ ይኹን ትዕበየሉ ዘበለ ስራሕ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውጽኢት እዩ።ናይ ኣምላኽ ስራሕ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ብዛዕብኡ ኣይምተመካሕካን


ነይርካ።ቡዙሓት ብዛዕባ ንጐይታ ዝገበርዎ መስዋእቲ ይምክሑ።እዚ ግሉጽ ዝገብሮ ነገር እንተልዩ ኮይኑ ናይ የሱስ መስዋእቲ ንዕኣቶም ኣብ መስቀል ስለዘይርኣይዎ እዩ።ጽሓይ ምስ በረቀት ሓንቲ ኮኾብ ውን ትኹን ክትርኢዶ ትኽእል ኢኻ፧ኣይፋለይን።ናይ የሱስ መስዋእቲ ኣብ ቀራንዮ ኣብ ኣእምሮኻ ልክዕ ከም ናይ ጸሓይ ብሩህ ምስ ዝኸውን፡ኩሉ ቀንጠመንጢ ዝኾነ መስዋእትና ህልም ክብል እዩ ልክዕ ከም ከዋኽብቲ ኣብ ግዜ መዓልቲ--ደጊም መስዋእቲ ኢልና ውን ኣይምጸዋዕናዮምን ነይርና።እንድሕር ኩሉ መስዋእትታትካ ትዝክሮ ኾይንካ፡እምብኣርከ ናይ ግድን ገና ኣብ ጸልማት ኢኻ ዘሎኻ -- ኣብ ግዜ ምሸት(ጸልማት)ጥራይ ኢና ንኸዋኽብቲ ክንርእዮም እንኽእል !! ብእምነትን ትሕትናን ንዓ ተቀበል ጽድቂ ኣምላኽ ብክርስቶስ ዝሃበካ -- ኩሉ ክብሪ ንዕኡ ሃቦ

፡ኩሉ መዓልትታት ሂወትካ ነቲ ዝገበሮ።ሽዑ ፈጺምካ ፈሪሳዊ ኣይክትከውንን ኢኻ።

Chapter 38
ፈሪሳውያን ንኻልኦት ይንዕቁ

የሱስ እዚ ምስላ እዚ ንገለ ሰባት ንኻልኦት ዝንዕቁ ተዛረበ(ሉቃስ.18፡9)።በብዓይነቱ ዝኾነ ምኽንያታት ኣሎ ስለምንታይ ሰባት ንኻልኦት ኣትሒቶም ዝርእዩ።ምናልባት ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ብስድራቤቶም ተነጊርዎም ይኸውን ንኻልኦት ኣብ ማሕበራዊ ኵነታት ንዘለዉ ትሑታት ኣትሒቶም ክርእዩዎም፡ወይ ሃብቲ ወይ ምህሮ ወዘተ።ወይ ድማ ንስኻ ብጣዕሚ ኣስተውዓሊ እንተ ኾይንካን ዝልዓለ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ፡ንኻልኦት ኣብ ክፍልኻ ንዘለዉ ብንዕቀት ክትርእዮም ትጅምር።ብተወሳኺ ድማ እንተ ድኣ ዓያሹ ስድራቤት ብልሂ ከም ዝኾንካ ክትሓስብ ዝገብሩኻ ኮይኖም፡ሽዑ ነገራት ካብኡ ዝገደደ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።ንዂሎም ስድራቤት ክምሕጸኖም ዝደሊ፡ደቅኹም ኣስተውዓልቲ እንተ ኾይኖም፡በጃኹም ኣይተበላሽውዎም ብምምካሕ ብዛዕብኦም።ኣብ ቤተይ ስርዓት ገይረዮ እየ ንደቀይ ፈጺሞም ንዝኾነ ከይነግሩ ብዛዕባ ነጥቢ ኣብ ክፍሊ ወይ ሽልማት ኣብ ዝኾነ ዝወሰድዎ።ይፈልጥ እየ ክዕበዩ እንተ ድኣ ጀሚሮም፡ሽዑ ንሽዑ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዘጥፍኡ።ሽዑ ኣብ ሓጥያት ይወድቁን ፈጺሞም ሕብረት ክህልዎም ምስ ማንም የሕዋት ኣይክእልን።ይፈርሕ ቡዙሓት ስድራቤታት በዚ ንደቆም ኣበላሽዮሞም እዮም።ኣብ መንጐ ቆልዑ ልሙድ ተርእዮ እዩ መስሓቂ ምግባር ንገለ ሰብ እንግሊሽ ወይ ዝኾነ ኻልእ ቋንቋ ኣደ ብጽቡቅ ኣደማምጻ ቓላት ክዛረብ ዘይክእል።ተጠንቀቅ ኣብ ቤትካ ነዚ ከይተተባብዕ።ካብ ማህጸን ኣዲኡ ብጽቡቅ ኣደማምጻ ቃላት ዝወጸዶ ኣሎና እዩ፧ንኣምላኽ ነመስግኖ ንዝኾነ ብቅዓት ዘሎና።ግንከ ፈጺምና ክንዕበ የብልናን በዚ።ኣብ ሰማይ በየናይ ኣደማምጻ ከም ዝዛረቡዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ብኣደማምጻ ትሕትናን ፍቅርን።ብንጹር እዞም ቋንቋታት እዚኦም ንምሃር።ምናልባት ንስኺ ብጽቡቅ ጽርየት ንቤትኪ እትሕዚ ሰበይቲ ትኾኒ፡ምስ ዝኾነ ነገር ግቡእ ቦትኡ ዝሓዘ።ሽዑ ናይ ካልእ ሰብ ገዛ ትርእዪ ረሳሕን ዘይጸረየን፡ትንዕቅያን።ስለዚ ንስኺ ፈሪሳዊት ኢኺ፡ምናልባት እታ ሰብ ገዝኣ ዘይጽሩይ ናይ ኣምላኽ ሰብ ትኸውን።ገለ የሕዋት ብጣዕሚ ጸገም ናይ መዝሙር ዘለዎም ኣንፈት ዘይብሎምን ኣብ ክፉት ግዜ ክዝምሩ ኣብ ዝጅምሩሉ ኣብ ምሕበር፡ፈጺሞም ካብ ቅኔ ወጻኢ ምዘመሩ።ኣይትንዓቆም፡ምኽንያቱ ኣምላኽ ንሙዚቃ ኣይኮነን ዝሰምዕ።ንሱ ንቃላት እዩ ዝሰምዕ።እቲ ሓው ምናልባት ብጌጋ ቃና ይዝምር ይህሉ ግንከ ካባኻ ንላዕሊ እሙን ወይ ቅኑዕ ይኸውን፡ብቅኑዕ ቃና ክትዝምር ካብ እትኽእል።ብውልቀይ፡ንኣምላኽ የመስግኖ ንከምዚ ዝበሉ የሕዋት፡ምኽንያቱ ኩሎም ሃብሮም ሙዚቀኛታት ኣብ ማሕበር ስለ ዝተሓቱ።ፈሪሳውያን ሙዚቀኛታት እዮም ንማሕበር ዘዕንውዋ፡እቶም ዘይሙዚቀኛታት ኣሕዋት ኣይኮኑን።ኣምላኽ ልክዕ ከም ካልእ ንዘይሙዚቀኛታት የሕዋት ውን የፍቅር -- ግንከ ንፈሪሳውያን ይነጽጎም።ጐይታ ምስ ተመልሰ ቡዙሕ ዘይተሓስበ ይጽበዮም ኣሎ ንኸምዚኦም ዝበሉ ፈሪሳውያን።ኣብ ክፍሊ ቀዳሞት ክንወጽእ፡ወይ ገዛኺ ብጽርየት ኣይትሓዚ፡ወይ ብቃና ክትዝምር የብልናን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።ኣይፋለይን።ብዝኾ ምኽንያት ነዚ ዂሉስ ንግበሮ ድኣ።ግንከ ብዛዕብኦም ትሑታት ንኵንን ንዝኾነ ይኹን ንሕና ክንገብሮ ንኽእል ክገብሮ ዘይክእል ድማ ኣይንንዓቆን።ብቀሊሉ ክንዕቀሉ እንኽእል ቡዙሕ ጎድንታት ከምዚ ዝበሉ ኣለዉ።ኣብ እዮብ 36፡5 ከምዚ ይብል፡እንሆ ኣምላኽ ስልጡን እዩ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን።ዝበለጸ ከም ኣምላኽ ኣብ ንኾነሉ፡ዝበለጸ ንሰባት ክብሪ ንህቦምን ፈጺምና ንዝኾነ ሰብ -- ብዝኾነ ነገር ኣይንንዓቆን።ስለዚ ገዛእ ርእስና ነንጽህን ንምሃርን ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮም ንሰባት።ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ዘይተቀበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ተቐቢልካ ካብ እትኸውን ግና ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧(1ይ.ቆሮ.4፡7)።

Chapter 39
ፈሪሳውያን ገዛእ ርእሶም ልዕል የብሉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት

ርእሱ ልዕል ዘብል ኵሉ ይዋረድ፡ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ እቲ ተጋዊ(ቀረጽ ዘኽፍል)ካብቲ ፈሪሳዊ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ እብለኩም ኣለኹ(ሉቃስ.18፡14)።ፈሪሳውያን ብኣምላኽ ክጸድቑ ኣይክእሉን እዮም ምኽንያቱ ርእሶም ልዕል ስለ ዘብሉ።ኣምላኽ ንኵሎም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ልዕል ዝብሉ ኣትሕት የብሎም።ቡዙሕ ረቂቅ መገድታት ኣሎ ገዛእ ርእስና ኣብ ልዕሊ ካልኦት ልዕል ከነብለሉ እንኽእል።ንኻልኦት ንኣሽቱ ከም ዝኾኑ ዘስምዖም መገዲ ውን ክንገብር ንኽእል ኢናን ትሕቴና ምዃኖምን።ተውህቦ ዘለዎም ሰባትን ሙዚቐኛታትን ኣብዚ ኣብ ዓቢ ሓደጋ እዮም ዘለዉ።ናይ ግድን ሙዚቃዊ መሳርሒ ኣብ ማሕበር ሰባት ክንእዱኻ ብዝኽእሉ መገዲ ክትጻወት የብልካን።ኣብኡ ዘሎኻ ንሰባት ክትሕግዞም ንኣምላኽ ከምልኹ እንበር ንዓኻ ከምልኹኻ ኣይኮኑን !! ሓደ ሓደ ግዜ ዝተመርዓዉ መርዑት ብዛዕባ ሓጐስ ናይ ሂወት መርዓ ይዛረቡ ኣብ ቅድሚ ዘይተመርዓዋ ኣሓትን ዓበይትን።ብዛዕባ ምሕዝነት መርዕኦም ክዛረቡ ከለዉ ልዕል ኣቢሎም ይዛረቡ፡ብዘይ ዝኾነ ግምት ስምዒት ናይተን ዘይተመርዓዋ ኣሓት።ናይ ግድን ብኸምዚ ዝበለ ምስክርነት ንኻልኦት ክንጎድእ የብልናን።ፈሪሳውያን ፈጺሞም ግምት ዝብሃል


የብሎምን ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት።ስለዚ ድማ እዮም ብኣምላኽ ጻድቃን ክብሃሉ ዘይክኣሉ፡ምኽንያቱ ኣምላኽ ንትሑታት ጥራይ እዩ ዘጽድቅ።ቡዙሕ ካልኦት መገድታት ውን ኣለዉ ርእስና ልዕል ነብለሉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት።ናይ ግድን ንመንፈስ ቑዱስ ክንልምኖ ኣሎና በዚ ነገር እዚ ተነቀፍቲ ክገብረና።

Chapter 40
ፈሪሳውያን ብዛዕባ ዝገበርዎ ይምክሑ

እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ከምቶም ካልኦት ሰባት ከተርቲ፡ዓመጽቲ፡ዘመውቲ፡ወይ ከምዚ ተጋዊ ስለ ዘይኮንኩ ኤመስግነካ ኣለኹ ኢሉ ጸለየ(ሉቃስ.18፡11,12)።ዓቢ ሽግር እንረክብ ዝኾነ ይኹን ጸብጻብ ጎይታ ብኣና ገይሩ ዝገበሮ ምስ እንህብ እዩ።ናይ ግድን ምስክርነትና ንኣምላኽ ክብሪ ክንህቦ ኣሎና -- ግንከ ብጣዕሚ ክንጥንቀቅ ኣሎና ንኸይንምካሕ ብዛዕባ ዝገበርናዮ ልክዕ ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገብርዎ።ኣብዚ ብፍላይ ሰበኽቲ ኣብ ዓቢ ሓደጋ እዮም ዘለዉ።መብዛሕትኡ ጸብጻብ ናይ ክርስትያን ስራሕ ብክርስትያን ሰራሕተኛታት ኣብ ህንዲ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተላእከ ብዙሕ ግዜ መንፈስ ትምክሕቲ ዘለዎ እዩ።እዞም ሰራሕተኛታት መረዳእታ ከቅርብዎ ዝፍትኑ ንሳቶም ንኣምላኽ ዓቢ ስራሕ ይገብሩሉ ከም ዘለዉ እዩ -- ወረ ብምጥቃስ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ካብ ናይ ካልኦት ልኡኻት ኣብ ህንዲ ዝዓቢ ስራሕ ምዃኑ እዩ።ናይ ግድን ዜሮ ትምክሕቲ ክኸውን ኣለዎ ብዛዕባ እንታይ ንገብር ከም ዘሎና ንጎይታ፡ካብ ፈሪሳውነት ሓራ ክንከውን እንተ ንደሊ ኮይና።ናይ ግድን ስራሕና ንጎይታ ብሕቡእ ክኸውን ኣለዎ ንሱ በይኑ ጥራይ ዝርእዮ።ኣብ ሂወትና ናይ ትምክሕቲ ሽታ ውን እንተ ኣልዩ ጸጋ ካም ኣምላኽ ክንቅበል ኣይንኽእልን ኢና -- ኣምላኽ ንትሑታት ጥራይ እዩ ጸጋኡ ዝህቦም።

Chapter 41
ፈሪሳውያን ንኻልኦት ይኸሱ

ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፡መምህር እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ።ከምዚኣ ዝበለት ክኣ ብዳርቢ እምኒ ኽትመውት ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ።ንስኻኸ ብዛዕብኣ እንታይ ትብል፧ በልዎ፡መኽሰሲ ምእንቲ ክረኽብሉ እዚ ኢሎም ፈተንዎ(ወን/ዮሃንስ.8፡3-6)።ፈሪሳውያን ልቢ ኣምላኽ ብድሕሪ ሕጊ ዝነበረ ዘማዊት ሰበይቲ ናይ ግድን ክትመውት ኣለዋ ዝብል ኣይተረድኦምን።ኣምላኽ ሰበይቲ ብእምኒ ክትመውት ክርኢ ኣይፈትውን እዩ።ግንከ ንሕሉፍ ዝሙት ኣብ ገታኢ መገዲ ከቀምጦ ድልየቱ እዩ።ኣብዚ ክዉንነት እዚ ፈሪሳውያን ንሕጊ ኣምላኽ ክእዘዙ ግዱሳት ኣይኮኑን።ኩሉ እቲ ዝደልዩዎ ንየሱስ መኽሰሲ ባይታታት ንምርካብ እዩ።ንሳቶም ነታ ሓጥያተኛ ሰበይቲ ከሲሶማ ክነሶም፡ሕጂ ንሓጥያት ዘይብሉ ወዲ ኣምላኽ ድማ ክኸስዎ ይደልዩ ኣለዉ።ፈሪሳውያን ከምዚ እዮም።ፍርሃት ኣምላኽ የብሎምን፡ከምቲ ንዝኾነ ኻልእ ዝኸስዎ ንናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ይኸስዎ።ፈሪሳውያን በዚ ነገር እዚ ንየሱስ ሒዝናዮ ኢሎም እዮም ሓሲቦም፡ከምቲ ዝሓሰብዎ ብዝኾነ ይኹን የሱስ ብዝህቦም ባይታታት ምእንቲ ክኸስዎ እዩ።እንተ ድኣ ብዳርባ እምኒ ቅተልዋ ኢልዎም፡ብሰንኪ ድንጋጸ ዘይምርኣዩ ክኸስዎ እዮም፡እንተ ድኣ ኣይፋል ወይ ኖእ ብዳርባ እምኒ ኣይትቅተልዋ ኢልዎም ድማ፡ሽዑ ንሕጊ ሙሴ ብዘይ ምሕላዉ ክኸስዎ እዮም።ልክዕ ከምቲ ሳንቲም ደርቢኻ ከምዚ ዝብሃል፡ርእሲ ንሕና ንዕወት፡ ጭራ ንስኻ ትስዓር

።ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክንስዕር ኢና ኢሎም እዮም ሓሲቦም።ግንከ ኣይሰዓሩን።ንሳቶም ተሳዒሮም ! የሱስ ብቀጥታ ኣይመለሰሎምን ግንከ ኮፍ ብምባል፡ካብ ኣቡኡ ቃል እዩ ተጸብዩ።ሽዑ ንሽዑ ካብ ኣቦኡ መልሲ ምስ ሰምዐ፡ነጊርዎም፡ካባኻትኩም ሓጥያት ዘይብሉ ንሱ ቅድም እምኒ የውድቀላ።ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ካብ ኣቦ ሽግር ንምፍታሕ እኹል እዩ።እንተ ድኣ ንመንፈስ ቑዱስ ሰሚዕካዮ፡ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ነዊሕ ስብከት ኣየድልየካን እዩ።ሓንቲ ሙሉእ ሓሳብ ንኣፍ ጸላእትኻ ክትዓጽዎ ትኽእል እያ።ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ጥበብ ወላ ውን ሎሚ ይህብ እዩ ነቶም ፈሪሳውያን ዘይኮኑን ንኻልኦት ዘይከሱን።ነዞም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ናይ ኣምላኽ መብጽዓ እዚ እዩ፡ኣነ ንኹሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይክኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ(ሉቃስ.21፡15)።የሱስ ኣንጻር ዝሙትዶ እዩ፧እወ፡ንሱ ብርግጽ ኣንጻር ዝሙት እዩ።ግንከ ካብ ዝሙት ንላዕሊ ንሱ ኣንጻር ሃይማኖታዊ ሰብ እዩ።ኣብዚ ብንጹር ንርእዮ ኣሎና፡ብሓደ ጎኒ የሱስ እታ ዘማዊት ሰበይቲ በቲ ሓደ ጎኑ ድማ ሃይማኖታውያን ፈሪሳውያን ።ኣብ መወዳእታ እታ ዘማዊት ሰበይቲ ጥራይ ኣብ እግሪ የሱስ ንረኽባ።በቲ የሱስ ዝተዛረቦ ቃል እቶም ካልኦት ተጸርጊፎም።ዝሙት ኣብ የዒንቲ እታ ሰበይቲ በሰር ጥራይ እዩ ከተመዛዝኖ ከሎኻ ምስ ዓቢ ጒንዲ ናይ ሃይማኖትን ጽልእን ኣብ የዒንቲ ናይ ፈሪሳውያን።ሕጂ ንነፍስኻ እስኪ ሕተታ ክንደይ ግዜ ንጥዑያት ኣሕዋትን ኣሓትን ከሲስካዮም ብነገራት ወላ ውን ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ካብ ዝሙት ዝኸፍአ።ሕሰቦ እሞ ብድሕሪኦም ዝተዛረብካዮ ነገራት ብዛዕብኦም፡ኣብ ቤትካ ይኹን ኣብ ካልእ።ኩሉ ግዜ ኣብ ከምዚ ዝበለ ክሲ ተጸሚድካ፡ጒንዲ ኣብ ዓይንኻ -- ተሪር ዝኾነ ፍርዳዊ ኣተሓሳስባ ክሲ ናብ ካልኦት -- ካብ ዓቢ ናብ ዓቢ ኮይኑን ንመንፈሳዊ ነገራት ካብ ብዝሒ ናብ ብዝሒ ዕዉር ገይሩካ።ኣብ መወዳእታ ዝጎዳእካዮ መን እዩ፧ካብ ዝኾነ ኻልእ ሰብ ንርእስኻ ኢኻ ጎዲእካ።ኣብ ዓይኑ ጒንዲ ዘለዎ ሰብ ናይ ዓይኒ ዶክተር ንምልጋስ በሰር ካብ የዒንቲ ካልኦት ይኸውን ኢልካዶ ትሓስብ፧ቃላት ናይ ጐይታ ምስማዕ የድልየካ ኣሎ ከምዚ ይብለካ፡የሕዋትካን ኣሓትካን በይኖም ግደፎም።ንሳቶም ቁሩብ በሰር ጥራይ እዩ ኣብ የዒንቶም ዘለዎም።ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዝበዝሐ ይኸፍእ ካብ ኩሉ በሰራት ኣብ የዒንቶም ዘሎ ብሓንሳብ ገርካ።ስለምንታይ እዩ የሱስ ብጣዕሚ ኣንጻር እዚ መንፈስ ክሲ፧ምኽንያቱ፡ኣብ ሰማይ ከሎ፡ለይትን መዓልትን ሰይጣን ንሰባት ክኸስ ስለ ዝሰምዖ(ከሳስ ሕዋትና)ብቀጻሊ(ራእይ.12፡10)።የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸን ሰባት ሓደ መንፈስ ሃልይዎም ምስ ርኣየን፡ንሰይጣን


ኣዘኻኺሮሞ።የሱስ ነዚ መንፈስ ክሲ ይጸልኦ ነይሩ ሽዑን ወላ ውን ሎሚ ይጸልኦን።ተስተውዕለሉዶ ኣሎኻ ንኻልኦት ክትከሶም ከሎኻ ንየሱስ ንሰይጣን ከም ተዘክሮ፧መብዛሕትኦም ኣመንቲ ነዚ ኣይርእይዎን እዮም -- ምኽንያቱ ጒንዲ ነዒንቶም ስለ ዘዕወሮም።ን30 ዓመት ዝሰበኽክዎ መልእኽቲ እንተ ነይሩ እዚ እዩ፡ብመንፈሳዊ ምዕባለ እንተ ደሊኻ፡ንኻልኦት ምፍራድ ገዲፍካ ንገዛእ ርእስኻ ክትፈርድ ጀምር።ማይክሮሶፕካ ንገዛእ ርእስኻ ተጠቀመሉ ንኻልኦት ኣይኮነን።ንገዛእ ርእስኻ ድሕሪ ምፍራድካ፡እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ ክነግረካ እየ።መሊስካ ንገዛእ ርእስኻ ፍረድ።መዓስ ኢኻ ደው ተብሎ፧ሙሉእ ብሙሉእ ንየሱስ ክርስቶስ ምስ መሰልካ።ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መወዳእታ ሂወቱ ንኣመንቲ ዝበሎ፡ክርስቶስ ምስ ዝግለጽ ንዕኡ ኢና እንመስል፡ዝኾነ ይኹን እዛ ተስፋ እዚኣ ዘላቶ ሰብ ከምቲ ክርስቶስ ንጹህ ዝኾነ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ(1ይ.ዮሃ.3፡2,3)።እንምብኣርከስ ብኸመይ እዮም ናይ ማሕበር መራሕቲ ንገለ ሰብ ዝተጋገየ ዝእርምዎ፧ብምሕረት -- ብመስተንክር ዝኾነ ምሕረት፡ብብዙሕ ምሕረት ከምቲ ጐይታ ዘርኣዮም ንዕኣቶም።የሱስ እዛ ሰበይቲ ዝዘመወቶ ሓጥያት ሻላ ኢሉ ኣይርኣዮን፡ኣይፋሉን።ንሱ መጀመርታ ብዓቢ ድንጋጸ ነጊርዋ፡ኣይኩንነክን እየ።ሽዑ ንሱ ብትሪ ኣጠንቂቅዋ፡መሊስኪ እዚ ሓጥያት እዚ ፈጺምኪ ከይትደግምዮ።ናይ ኣምላኽ ጸጋ ንሓጥያትና ኣይኵንኖን እዩ ! መጀመርታ ንሓጥያትና ይቅረ ይብለልና ሽዑ ሓጥያት ከይንገብር የጠንቅቀናን ሓጥያት ከይንገብር ሽዑ ይሕግዘናን።ስለምንታይ እዮም ኩሎም ፈሪሳውያን መመገዶም ዝኸዱ፧ኩሎም ናብ ጐይታ መጺኦም ብስቡር ልቢ ከምዚ ምበሉ፡ጐይታ ይቅረ በለለይ።ሕጂ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕቡእ ሓጥያትን ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኾነ ኣተሓሳስባይን ብርሃን ረኺበ ። ኣነ ካብዛ ሰበይቲ ቡዙሕ ዝኸፍአ ምዃነይ ሕጂ ይርኢ ኣለኹ ።በጃኻ ምሕረት ግበረለይ።ግንከ ብኸምዚ ናብ የሱስ ወላ ውን ሓደ ሰብ እኳ ኣይመጸን።ንስኻኸ ኣብ ምድላይ ጌጋ ምስ ብዙሓት ሰባት ንገለ ጌጋ ወይ ካልእ ኣብኣቶም እትርእዮ ዲኻ ዘሎኻ፧ጐይታ ክሰብረካዶ ትደሊ ኢኻ ሎሚ፧ገለ ሰባት ናባይ መጺኦም ይቅረታ ክብሉኒ ንገለ ዝበልዎ ወይ ዝገበርዎ ኣንጻረይ : ከምዘይ ተሰብሩ ተፈሊጡኒ።እዚ ዘረጋግጽ ንሳቶም ብሓቂ ሓጥያቶም ከም ዘይተነስሑ እዩ።ሕልንኦም ንጹህ ክገብርዎ ጥራይ እዮም ንሕጊ ዝተኣዘዝዎ።ሽዑ ንሽዑ ይቅረ ኢለሎም።ግንከ ርግጸኛ እየ ናብዞም ሓጥያት እንደገና ከም ዝወድቁ፡ምኽንያቱ ንሳቶም ሃይማኖታውያን ስለ ዝኾኑ።ናይ ተክኒክ ሰባት ምዃኖም ተረዲእዎም እዩ፡ከም ዘይተኣዘዝዎ ንሕጊ ቁጽሪ 347 -- ክፉእ ከይትዛረብ ብድሕሪኡ ኣንጻር ሽማግለ(መራሕ ማሕበር)ሓው ይቅረታ ክትሓቶ ሕጂ ዘድሊ እዩ።ስለዚ በገባብ ይቅረታ ብምኻድ፡ምእንቲ ክትእዘዝ ንሕጊ ቁጽሪ 9 -- ይቅረ በሎ ነቲ ሰብ ዝተጋገኻዮ ጌጋ !! ግንከ ኣብ ውሽጦም ወላሓንቲ ዝተቀየረ ነገር የለን።ከምቲ ቅድም ዝነበርዎ ሂወቶም ከምኡ ይኸዱ።ኣምላኽ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓጥያት ብርሃን ምስ ዝህበና፡በቲ ብርሃን ብጣዕሚ ብምዕዋር፡ከም ምዉት ሰብ ኣብ እግሪ የሱስ ንወድቅ(ራእይ.1፡17)ንገዛእ ርእስና ዝዓበየ ሓጥያተኛ ኣብ ምድሪ ገርና ንሓስባ(1ይ.ጢሞ.1፡15)።ከምዚዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ወይስ ቑሩብ ዘምለጥካ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ፧ስለዚ ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻን ንዓኻ ጽቡቅ ኣይኮነልካን እዩ ክሳብ እትንሳሕ ካብ ምድርባይ እምኒ ንድኻታት ኣብ የዒንቶም በሰር ንዘለዎም።ኣምላኽ ንህልኸኛ ዝኾነ ልብኻ ክሰብሮ ሕደጎ።ያቆብ 2፡13 ከም ዘዘክረና ኣምላኽ ንዂሎም ምሕረት ዘይገበሩ ንኻልኦት ብዘይ ምሕረት ክፈርዶም እዩ።መብዛሕትኦም መራሕቲ ማሕበር ቀዳሞት ዝጥመቱ እዮም በዚ ነገር።ከምኡ ድማ ስድራቤት ምጥንቃቅ የድልዮም ንዉሉዶም ምሕረት ዘይገብሩ ከይኮኑ።መራሒ ማሕበር ኣብ ዝሙት ዝወደቀ ፈጺሙ ንማሕበር ኣየዕንዋን እዩ፡ምኽንያቱ ዝኾነ ኣማኒ ዝሙት ሓጥያት ምዃኑ ይፈልጥ እዩን እቲ መራሒ ካብ ሓላፍነቱ ሽዑ ንሽዑ የልግስን።ግንከ መራሒ ማሕበር ሃይማኖታዊ እንተ ኮይኑ፡እዚ እዩ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ሓደገኛ -- ምኽንያቱ ንሱ ዝሰብኽ ቅድስና እዩ።እቶም ብርሃን ዘይብሎም ኣብ ሃይማኖት ይስዕብዎን ገዛእ ርእሶም ሃይማኖታውያን ይኾኑን።ከምቲ ዕዉር ፈሪሳዊ ንኻልኦት ድማ ይመርሖም ናብ ዓሚቅ ጒድጓድ ናይ ሃይማኖት ናብቲ ንገዛእ ርእሱ ወዲቍዎ ዘሎ።ነዚ ክዉንነት ናይ ምፍራድ ኣተሓሳስባን ምኽሳስ ንኻልኦትን ይገድድ ብዓሰርተ ዕጽፊ ካብ ኣብ ዝሙት ወዲቅካ እንተ ትኸውን ነርካ፧ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዓሰርተ ግዜ ኣብ ዝሙት እንተ ትወድቅ ኔርካ ብኸመይ ምተነሳሕካ ኔርካ፧ናይ ግድን ልዕሊ እዚ ክትንሳሕ ኣሎካ መንፈስ ናይ ምኽሳስ ብምህላውካ።

Chapter 42
ፈሪሳውያን ኣምላኽ ኣቦና እዩ ኢሎም ይሓስቡ ወዮ ኣብ ክዉንነት ኣቦኦም ሰይጣን ከሎ

የሱስ ከምዚ በሎም፡ኣምላኽ ኣቦኹም እንተ ዝኸውንሲ ንዓይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም……ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምን እታ ትምኒት ኣቦኹም ድማ ክትገብሩ ትደልዩ ኣለኹምን(ወን/ዮሃ.8፡42,44)።የሱስ ንፈሪሳውያን ኣብ ገጾም ኣቦኦም ድያብሎስ ምዃኑ ነጊርዎም።ገለ ሰበኽቲ ኣለዉ ኩሉ ወዲ ሰብ ውሉድ ናይ ድያብሎስ ኣይኮነን ኢሎም ይኣምኑ።ግንከ ብዝኾነ ኾይኑ የሱስ ነጊሩና እዩ፡ብዛዕባ እዚ ሓቂ ብዝበለጸ ልዕሊ ኩላትና ንሱ ይፈልጥ።እቶም ፈሪሳውያን ኣምላኽ ኣቦና እዩ ኢሎም ድማ ይሓስቡ፡ወዮ ብሓቂ ሰይጣን እንከሎ ኣቦኦም።ከም ምስ ፈሪሳውያን: ሎሚ ውን ልክዕ ሓደ ዓይነት እዩ።ህጻናት ጠባይ ኣቦኦም የርእዩ፡ከምኡ ውን ፈሪሳውያን ከሰስቲ የሕዋት እዮም፡ልክዕ ከም ኣቦኦም ድያብሎስ።ብጣዕሚ ዘገርም እዩ ብዙሓት ክርስትያን ብቀጻሊ ይኸሱን ይኹንኑን ንካልኦት ኣመንቲ ገና እዚ ባህሪ ናይ ሰይጣን ምዃኑ ዘስተውዓልዎ ኣይመስሉን።ስለዚ ናይ ግድን ኣቦኦም እዩ ! ከመይ ገይሮም ከምዚ ዝበሉ ሰባት ኣምላኽ ኣቦና እዩ ኢሎም ይሓስቡ፧እዚ እዩ ፍጹም ዑረት ዝብሃል ! ፈሪሳውያን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን የሱስ ዝነገሮም ኣይኣመንዎን።ከምኡ ውን ናይ ሎሚ ፈሪሳውያን ኣይኣምኑን እዮም።ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ማሕበርና ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻፈሉ ሰባት ንጎይታ ከምዘይፈለጥዎ ተሰሚዑኒ ነጊረዮም፡ናይ ቃላቶም ምድግጋም ገዲፍካ፡ጎይታ የሱስ ናብ ልበይ ንዓ ሓደ እዋን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝበልዎ እዩ -- ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ፍረ ኣይርኤኹሎምን ኣብ ሂወቶም ንጎይታ ከም ዝፈልጥዎ ዘመልክት።ቡዙሓት ናይ ማሕበራት መራሕቲ እሙናት ኣይኮኑን (ልክዕ ከምቲ የሱስ እሙን ዝነበሮ)ንሰባት ሓቂ ክነግሩ።ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽቡቅ ስም ምህላው እዮም ዝግደሱ ካብ ንሰባት ካብ ሲኦል ምድሓን።በዚ ደም እቶም ዘይድሓኑ ሰባት ኣብ ኢድ ከምዚ ዝበሉ መራሕቲ እዩ።

Chapter 43
ፈሪሳውያን ሓሰውትን ቀተልትን እዮም

የሱስ ከምዚ በለ፡ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ ትደልዩ ኣሎኹም።ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።ሓሶት ክዛረብ ከሎ፡ካብ ርእሱ እዩ ዝዛረብ።ሓሳዊ እዩ እሞ፡ንሓሶት ውን ኣቦኣ እዩ።(ወን/ዮሃ.8፡44)።ፈሪሳውያን ትምኒት ምቅታል ነይርዎም እዩ ናብታ ኣብ ዝሙት ዝተታሕዘት ሰበይቲ።ግንከ ናይ ሎሚ ፈሪሳውያን ምዕብል ዝበሉ ስለ ዝኾኑ ንሰባት ብመልሓሶም ጥራይ ይቀትሉዎ።ብኹፉእ ታሪኽ ብምዝርጋሕ ናይ ዝኾነ ሰብ ጽቡቅ ስምዶ ቀቲልካ -- ወላ ውን እቲ ታሪኽ ሓቂ እንተኾነ፧ሰይጣን ናብ ኣምላኽ ክኸስስ ከሎ ንኣመንቲ ፈጺሙ ዝኾነ ሓሶት ኣይነግርን እዩ ንኣምላኽ።ሓቂ እዩ ዝዛረብ።ምኽንያቱ ይፈልጥ እዩ ንኣምላኽ ሓሶት ክነግሮ ከም ዘይክእል።ብዛዕባ ሓጥያትካ ንኣምላኽ ሓቂ እዩ ዝነግሮ፡ግንከ ብመንፈስ ክሲ።ብሓደ መገዲ ሓቂ ዝኾነ ታሪኽ ብዛዕባ ኣማኒ ክትነግር ዝክኣል እዩ ብመንፈስ ከሳሲ ምእንቲ ከተዕንዎ እቲ ጽቡቅ ስሙ።ከምዚ ዝበለ ነገር ብዛዕባ ውሉዱ ካባኹም ዝዝርግሕ የለን።ጓልካ ኣብ ዝሙት እንተ ትወድቅ፡ብዛዕብኡ ንዝኾነ ሰብ ኣብ ማሕበርካ ምነገርካዶ ኔርካ ወይ ድማ ብተኻእለካ መጠን ክትከድኖ ምፈተንካ፧ቡዙሓት ካብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣብ ዝሓለፈ ዓሻ ነገራት ገይሮም እዮም።ግንከ ንስኻትኩም ስድራቤት ብፍቅሪ ከዲንኩሞምን ተኸላኺልኩምሎምን ጽቡቅ ስሞም።ስለምንታይ ድኣ ልክዕ ከምዚ ገርኩም ዘይትግደሱ ኣብ ናይ ካልእ ሓው ወዱ ወይ ጓሉ ምስ ዝኸውን፧ኩሎም ቀተልቲ ካብ ማሕበር ክውገዱ ኣለዎም።ከምኡ ውን ፈሪሳውያን ሓሰውቲ እዮም።ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ዓመታት ከም ዝተዓዘብኩዎ ደጊመ ደጋጊመ ሓደ ነገር፡ኣማኒ ንድሕሪት ምስ ዝምለስ ሽዑ ንሽዑ ሓሶት ክነግር ይጅምር።ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን ንልቡን መልሓሱን ይወስዶ።ንሳቶም ሓሶቶም ካቦት ከም ዝተኸድነ ሽኮር የምስሉ ቁኑዓት ከም ዝኾኑ።ኣብ ከባቢ ቆጥቛጥ ይሃርሙን ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ይዛረቡ ብዘይካ ሓቂ ገዲፍካ።ክዛረቡኻ ከለዉ ትኽ ኢሎም ገጽካ ኣይርእዩኻን።ድያብሎስ ኣቦ ሓሶት እዩ።ግንከ ነዞም ሓሶታት ብእኣ ገይሩ ከፋርዮ ኣደ ይደሊ።ልብኻ ንሰይጣን ምስ እትህቦ ጥራይ እዩ ብኣኻ ገይሩ ሓሶት ከፍሪ ዝኽእል።ጴጥሮስ ንኣናንያ ሓቲትዎ፡ስለምንታይ ክትሕሱ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ(ግ/ሃዋ.5፡3)።ዝሕሱ ሰባኺ ኣብታ ሽዑ ግዜ መልሓሱ ንሰይጣን ይህቦ።ስለዚ ክጽበ የብሉን ኣምላኽ መልሓሱ ክጥቀመላን ክሰብኽ ክቀብኦን፡ክሳብ ሓጥያቱ ዝናዘዝን ዝንሳሕን እዚ ልብዲ ዝገድፎን።ከምቲ ምቅታል ንጸልኦ ከምኡ ድማ ናይ ግድን ምሕሳው ክንጸልኦ ኣሎና።

Chapter 44
ፈሪሳውያን ነቶም ንዕኣቶም ዘይሰምዕዎም የሳድድዎም

ፈሪሳውያን ከምዚ በልዎ፡ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጥያት እተወለድካ ኢኻ፡ንስኻዶ ንኣና ትምህረና ኣሎኻ፧ኢሎም መለሱሉ ናብ ወጻኢ ውን ኣውጽእዎ።(ወን/ዮሃ.9፡34)።ፈሪሳውያን ነቲ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ከሕውይዎ ኣይክኣሉን።ግንከ የሱስ ምስ ኣሕወዮ፡ንሳቶም ሓሪቆምን ሓጥእ ኢሎም ጸዊዖሞን ካብ ማሕበር ሰጒጎሞን።ፈሪሳውያን መራሕቲ ማሕበር ንሰባት የፈራርሑ ካብ ማሕበር ከውጽእዎም እንተ ዘይትኣዘዙ ናይ መራሕቲ ትእዛዛት ወይ ስርዓታት።ፈሪሳውያን መራሕቲ ማሕበር ሓላፍነት ክህልዎም ይፈትዉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንኽቆጻጸርዎም።የሱስ ከምዚ በለ ሓው ሓጥያት እንተ ገይሩ፡ናብኡ ከይድና ክንዛረቦን ክንረብሖን ክንፍትን እዩ ዘሎና(ማቴ.18፡15)።ዘይምርኻብ ወይ ምዝርራብ ናይ መወዳእታ ምርጫ ክኸውን እዩ ዘለዎ።እቲ ናትና ዕላማ ናይ ግድን ኩሉ ግዜ ክንዕወት ምፍታን ንሓጥያት ዝገበረ ሓው ወይ ሓፍቲ ክኸውን ኣለዎ።ኣመንቲ ምናልባት ናብ ሓጥያት ይወድቁን ጌጋ ነገር ይገብሩን።እዚ ምስ ኮነ፡ናይ ማሕበሩ መራሒ ምርጫ ኣለዎ፡ከም ናይ የሱስ ገይሩ ወይ ከም ናይ ፈሪሳውያን ክዛረቦ።የሱስ ነቲ ሓው ክረብሖ ምደለየ።ግንከ ድያብሎስ ከዕንዎ ምደለየ ነይሩ።ፈሪሳውያን ምስ ድያብሎስ ማሕበር እዮም፡ነቶም ዘይሰምዕዎም የሸብርዎምን የሳድድዎምን ወይ ነቶም ናቶም ስልጣን ዘይእዘዙን።

Chapter 45
ፈሪሳውያን ቀናኣት እዮም ኣብቶም ትኣምራት ክገብሩ ዝኽእሉ ንሳቶም ክገብሩ ስለ ዘይክእሉ

ፈሪሳውያን ከምዚ በሉ፡እንታይ ንገብር ኣሎና እዚ ሰብኣይ ብዙሕ ትኣምራት ይገብር ኣሎ።ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ(ወን/ዮሃ.11፡47,53)።ኣብዚ ኣብ ዮሃንስ 11 የሱስ ኣቀድም ኣቢሉ እዩ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንሲእዎ።ፈሪሳውያን ብዛዕባ እዚ ክሕጎሱ እዩ ነይርዎም።ግንከ ንሳቶምሲ ኣይተሓጎሱን፡ምኽንያቱ እቲ ትኣምራት ዝገበረ ሰብኣይ ካብ ናቶም ጒጅለ ስለ ዘይኮነ !! የሱስ ናይ ካልእ ጒጅለ ስለ ዝኾነ !! ኣብ ልዕሊ እዚ ፈሪሳውያን ብቅንኣት ቀጠልያ እዮም መሲሎም።ከምዚ ዝበለ ቅንኣት ግሉጽ ነገር እዩ፡ወላ ውን ዓለማዊ ሰብ ከም ጲላጦስ ዝኣመሰለ ከለልዮ ይኽእል ኣብ ፈሪሳውያን(ማቴ.27፡18)።ካብ ቅንኣት ተጠንቀቕ።ፈሪሳውያን ቀናኣት እዮም ኣብቶም ትኣምራት ዝገብሩ።ብዛዕባ ናይ ሓሶት ትኣምራት ሕጂ ብናይ ሎሚ ናይ ተለቭዥን ወንጌላውያን ሰበኽቲ ዝግበር ዘሎን ንብዙሓት ኣመንቲ ዘታልል ዘሎን ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።ኩልና ርኢናዮም ኣሎና ኩሎም እዚኣቶም።ኣነ ዝዛረብ ዘለኹ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ትኣምራት ዝግበር ዘሎ ወላ ውን ሎሚ እዩ።ግንከ ነዚኣቶም ኣብ ተለቭዥን ኣይትርእዮምን ኢኻ ወይ ኣብ ምሕዋይ ሕሙማት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ፕሮግራማት።ናይ ብሓቂ ትኣምራት ዝካየድ ዘሎ


ሎሚ(ልክዕ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት)ኣብ ንመጀመርታ ግዜ ወንጌል ኣብ ዝተሰብከሉ ቦታታት -- ንኣብነት ኣብ ገለ ቦታታት ሰሜን ህንዲ እዩ።ቡዙሓት ኣየስተውዕልዎን እዮም ንሓቅታት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ፡እቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ዝነበረ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ወንጌል ዝተሰብኮ ቦታታት እዩ።ኣምላኽ ብኣኣቶም ገይሩ ዝገብሮ ዘሎ ትኣምራት ሎሚ ማንም ሰባት፡ዘይፍለጡ ኣመንትን ልክዕ ከም የሱስ፡ከምኡ ውን ንሳቶም ነቲ ዝርኣይዎ ትኣምራት ኣይገልጽዎን ወይ ኣየዋውዕዎን እዮም። ኣምላኽ ኣምላኽ ትኣምራት እዩ፡እንተ ዘይትኣምኖ ኮይንካ ትኣምራት ክገብረልካ ንዓኻ፡ስለዚ ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻ።ምስ እትሓምም ንኽትሓዊ ናይ ግድን ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኣሎካ፡እንበር ሱቅ ኢልካ ጥራይ ክትቅበሎ የብልካን።ከም ውሉዳት ኣምላኽ መጠን ገለ መሰል ኣሎና እቶም ካልኦት ዘይብሎም።ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለም ክንጥዕሞ ንኽእል ኢና(እብራ.6፡5)።ብዝኾነ ምኽንያት ኣምላኽ ከሕውየካ ፍቃዱ እንተ ዘይኮይኑ፡ስለዚ ክትሓቶ ትኽእል ገለ ካብ ምሕዋይ ዝበልጽ ንኽህበካ ከምቲ ንጳውሎስ ዝሃቦ(2ይ.ቆሮ.12፡7-10)እንተ ሽማግለ (መራሕ)ማሕበር ኮይንካ ገለ ሕሙም ሰብ ናባኻ ምስ ዝመጽእ ጸሎት ደልዩ፡ናይ ግድን ክትጽሊ እዩ ዘሎካ (በታ ዘላትካ እምነት)ኣምላኽ ከሕውዮን ናብኡ ክስሕቦን እዩ ቡኡገይሩ።ኣምላኽ ንጸሎትካ ምስ ዝምልሰልካ፡ክብሪ ክትህቦ ተጠንቀቅን ብዛዕብኡ (ብዛዕባ እቲ ምሕዋይ)ከይትምካሕ ተጠንቀቅን -- እንተ ዘይኮነ ከም ዓቢ ፈሪሳዊ ኮይንካ ከይትውድእ።

Chapter 46
ፈሪሳውያን ንናይ ኣምላኽ ሰባት ይፈርዱ ከምቲ ንሳቶም ገለ ነገር ዝገበርዎ ብዘይምግባሮም

ፈሪሳውያን ከምዚ በሉ፡እዚ ሰብኣይ'ዚ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ምኽንያቱ ሰንበት ስለ ዘየኽብር(ወን/ዮሃ፡)።ፈሪሳውያን ንሰባት የመዛዝኑ ብናይ ኣምላኽ ሰባት ምዃኖም ዘይኮነስ ግንከ ብገለ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ይሕልውን ዘይሕልዉን ብምዕዛብ እዩ።ንሳቶም ርግጸኛታት እዮም ነይሮም የሱስ ካብ ኣምላኽ ከምዘይኮነ፡ምኽንያቱ ሰንበት ስለ ዘየኽበረ ከምቲ ንሳቶም ገይሮም ዘኽብርዎ መገዲ።ንሕና ውን ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ክህልወና ይኽእል እዩ ኣብ ማሕበር ገለነገር ከመይ ገይሩ ከም ዝግበር፡ገለ ሰብ በቲ መገዲ ገይሩ እንተ ዘይገበሮ፡ክንጽሕፈሉ ንኽእል ኢና ከም ናይ ኣምላኽ ሰብ ዘይኮነ።ብግምት ምዝራብ ኣዝዩ ሓያል ክፍኣት ንሕብረት ከዕንዋ ዝኽእል እዩ።ናይ ምድሓን ሰራዊት(ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዊልያብ ቡዝ)ምኣዲ ጎይታ ወይ(ደሙን ስጋኡ)ኣብ ኣገልግሎቶም ኣይነበሮምን።ሓደ ካብቲ ነዚ ኣብነት ዝህብሉ ምኽንያት ብዙሓት ካብቶም ዝኣመኑ ሰታያት እዮም ነይሮም፡ወይኒ ምስ ሸተቶም ኣብ ቍርባን : በዚ ተፈቲኖም ናብ ዝነበርዎ ናይ ኣርኮል ከይምለሱ እዩ።ንሳቶም ወላ ውን ናይ ማይ ጥምቐት ኣይገብሩን፡ምኽንያቱ ብዙሓት ካብቶም ዝተጠመቁ ናይ ብሓቂ ዘይኣመኑ እዮም ነይሮም ይብሉ።ግንከ ዊልያም ቡዝ ሓደ ካብቶም ናይ ግዚኡ ዝነበሩ ናይ ኣምላኽ ሰባት ሓደ እዩ ነይሩ፡ንሱን ሰበይቱን ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ሕብረተ ሰባት ካብ ኩሉ ዓለም ናብ ክርስቶም ኣምጺኦም እዮም።ከምዚ ዝበለ ሰብ እንታይ ምሓሰብካ፧ፈሪሳውያን ምነጸግዎ ነይሮም።ግንከ ኣነ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቅድሚ 150 ዓመት እንተ ዝነብር ነይረ፡ኣብቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ንሰታያትን ኣመናዝርን ሰረቅትን ናብ ክርስቶስ ኣብ ምምጻእ ምተጸንበርክዎ ነይረ -- ካልእ ሰብ ዘይገብሮ ዝነበረ ስራሕ።ምስ እዞም ክልተ ነገራት ትምህርቶም ኣይሰማማዕን እየ።ግንከ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ ኣየመዛዝኖን እየ ምሳይ ይሰማማዕ እንተኾነ ብማይ ጥምቐትን መኣዲ ጎይታን ወይ(ደሙን ስጋኡን)።ክንጥንቀቅ እዩ ዘሎና ዘይጠቅም ቃላት ምንእኣስ ካብ ምዝራብ ኣንጻር ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዊልያም ቡዝ ዝኣመሰሉ።ሓቂ እዩ ጳውሎስ ንጴጥሮስ ገሲጽዎ እዩ ነቲ ደው ኢሉሉ ዝነበረ ዘየሰማምዕ ጉዳይ(ገላ.2፡11)።ግንከ ጴጥሮስ ተረዲእዎ እዩ እቲ ጸጋ ኣምላኽ ንጳውሎስ ዝተዋህቦ(ገላ.2፡9)።ስለዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ከም ጳውሎስ ክግስጾ ከሎ ንጴጥሮስ፡እዚ ቅቡል እዩ።ግንከ መን እዮም እቶም ንናይ ኣምላኽ ሰብ ዝግስጽዎ ሎሚ፧እቶም ገዛእ ርእሶም ዘይተቀየሩ ንጎይታ ወላሓንቲ ዘይገበሩን ኣምላኽ ብእኣቶም ገይሩ ኣብ ዝኾነ መገዲ ምስክርነት ዘይሃበን እዮም።ከምዚኣቶም ዝበሉ ዓያሹ ኣመንቲ ንኽግስጹ ይደፍሩ ንናይ ኣምላኽ ሰብ ኣምላኽ ዝተጠቅመሉ ሽሕ ግዜ ካብኣቶም ንላዕሊ።እዚ እዩ ፈሪሳውነት።

Chapter 47
ፈሪሳውያን ንኣምላኽ ይፍትንዎ ትእምርቲ ብምሕታት

ፈሪሳውያን ንየሱስ ከምዚ በልዎ፡መምህር ካባኻ ትእምርቲ ክንርኢ ንደሊ ኣሎና በልዎ(ማቴ.12፡38)።ፈሪሳውያን ንሓቂ ከረጋግጹ ኩሉ ግዜ ገለ ትእምርቲ ወይ ትኣምራት ይደልዩ።ብቀሊል እምነት ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም።ስለዚ ድማ እዮም ሃይማኖታውያን ንፈልጥ ባሃልቲ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ፈሪሳውያን ብናይ ሓሶት ትእምርቲ ወይ ትኣምራት ከታልልዎም ዝኽእሉ ሎሚ።ንኣምላኽ ትእምርቲ ወይ ትኣምራት ምሕታት ምልክት መንፈሳውነት እዩ ኢልካ ፈጺምካ ከይትሓስብ።እዚ ምልክት ፈሪሳውነት እዩ።እዚ መግለጺ ኣብ ማቴዎስ 16፡1 ውን ተደጊሙ ንረኽቦ ኢና።

Chapter 48
ፈሪሳውያን ኣብ ዝጠፍኡ ሓጥኣን ተገዳስነት የብሎምን

ፈሪሳውያን ከምዚ በሉ፡እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝቢ'ዚ ርጉም እዩ(ወን/ዮሃ.7፡49)።ናይ ሎሚ ፈሪሳውያን ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልዎም ይኽእል እዩ ኣብቶም ናብ ሲኦል ዝኸዱ ከምዚ ብምባል፡ኦ እዞም ህዝቢ ንክርስቶስ ከም መድሓኒኦም ዘይተቀበልዎ ናብ ሲኦል ክኸዱ እዮም።እዚ ሓቂ እዩ።ግንከ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ንተዛራቢ የቃልዖ ከም ፈሪሳዊ ተገዳስነት ከም


ዘይብሉ ኣብ ዝጠፍኡ።ኣብቶም ናብ ሲኦል ዝኸዱ ተገዳስነት እንድሕር ዘይብልካ ኮይኑ፡እዚ ብንጹር ፈሪሳዊ ምዃንካ እዩ ዘረጋግጽ።ንኻልኦት ኣብ ንምስክረሉ ብዛዕባ ክርስቶስ፡ተገዳስነትና ኣብ ምድሓኖም ክኸውን ኣለዎ እንበር ደጊም ደሞም ኣብ ኢድና ክኸውን ከምዘይብሉ ኣይኮነን።ክርስትያን ብዘይ ምስትውዓል ወረቃቅቲ ክዝርግሑ ንሰባትን ኣብ ናይ ፖስት ሳንዱቅን መካይንን ርእየ እየ።ሽዑ ናቶም እጃም ከም ዝገበሩ ይዓግቡ።ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝልኣኾ ንዓለም ክዂንን ኣይኮነን፡ግንከ ዓለም ምእንቲ ክትድሕን እዩ(ወን/ዮሃ.3፡17)።ግንከ ቡዙሕ ወረቃቅቲ ዝተዓደለ ወይ ዝተዘርግሐ ሎሚ ብብዙሓት ኣመንቲ ውጽኢቱ ነቶም ዘይኣምኑ ምዂናን ጥራይ እዩ።እዚ ዝተገብረ ብምኽንያት ፍትወት ርእስኻ ንሕልና ኣመንቲ ቀሊል ኣብ ምግባር እዩ እንበር ብፍቅርን ጾርን ናብ እግሪ መድሓኒ ነቶም ዝጠፍኡ ንምምጻእ ኣይኮነን።ቡዙሓት ካብዞም ወረቃቅቲ ዝዝርግሑ ንዝጠፍኡ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ይሓስቡ።ግንከ ኣይግደሱን እዮም።እዚኣቶም ፈሪሳውያን እዮም።

Chapter 49
ፈሪሳውያን ካብ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ ንባህሎም የኽብሩ

የሱስ ንፈሪሳውያን ከምዚ በሎም፡ስርዓትኩም ምእንቲ ክትሕልዉ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቅ ድኣ(ማርቆስ.7፡9)።ኩለን ቤተክርስትያናት ወይ ማሕበራት ገለ ዝተፈልየ ወይ ካልእ ባህልታት ኣለወን።እንተ ድኣ እዞም ባህልታት ዝያዳ ኣገደስቲ ኮይኖም ንዓኻ ካብ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ፡ስለዚ ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻ።የሱስ ንፈሪሳውያን ዝነገሮም ንባህሎም ካብ ቃል ኣምላኽ ንላዕሊ ልዕል ብምባሎም,ንቅድሚት ብምስጓም (1)ቃል ኣምላኽ ምሕዳግ(2)ንጎኒ ምግዳፍን ኣብ መወዳእታ ድማ (3)ቃል ኣምላኽ ምስዓርን(ማርቆስ.7፡8-13)።ኩላትና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ዘድልየና እዩ በዚ ሓደ ዓይነት ሓጥያት ዝኾነ ካባና ገበነኛ እንተ ኮይኑ።ባህልኻዶ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ካብ ንኣምላኽ ብሙሉእ ልብኻ ምፍቃር ንላዕልን ሰዓብቲ እምነት(ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራት) ዘለዉ ምፍቃርን ልክዕ ከምቲ የሱስ ዘፍቀረካ ፍቅሪ ገይሩ፧ንወዲ ኣምላኽ ትነጽጎዶ ብምኽንያት ናይ ማሕበርካ ባህልታት ብዘይ ምዕቃቡ ጥራይ፧ከምኡ እንተ ኮይኑ,ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻ።

Chapter 50
ፈሪሳውያን ንርእሶም የጽድቑ

የሱስ ንፈሪሳውያን ከምዚ በሎም፡እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዩ መሲሉ ዝርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ ንስኻትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ(ሉቃስ.16፡15)።ፈሪሳዊ ንርእሱ የጽድቅ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ።ብትሕትና ንጌጋታቱ ኣይእመንን እዩን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓጥያትን ጌጋታትን ኣይወቅስን እዩ።ኣዳም ናይ ገዛእ ርእሱ ሓጥያት ክነቅፍ ኣይደልን እዩ።ኣምላኽ ምስ ሓተቶ ካብታ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧ሓንቲ መልሲ ጥራይ እያ ነይራ ቅንዕቲ።እወ ጎይታ።ግንከ እዚ ኣይበለን።መጀመርታ ንሰበይቱ ካብታ ፍረ ስለዝሃበቶ ከሲስዋ ብድሕሪኡ ከምዚኣ ዝበለት ሰበይቲ ስለዝሃቦ ንኣምላኽ ከሲስዎ !!(ኦ/ዘፍ.3፡12)እዚ እዩ ንገዛእ ርእስኻ ምጽዳቅ ማለት።ከም ውጺኢቱ ድማ ኣዳም ካብ ገነት ኤደን ተሰጕጒ።እቲ ገባር ክፉእ ኣብ መስቀል ዝነበረ እሞ ዝድሓነ ፈጺሙ ፍሉይ እዩ ነይሩ።ንሱ ከምዚ በለ፡እዚ ምቅጻዕቲ እዚ ይግብኣኒ እዩ።(ሉቃስ.23፡41)።ንስድራቤቱ ሕማቅ ገይሮም ስለ ዘዕበይዎ ኣይከሰሶምን ወይ የዕሩኽቱ ናብዚ ስለዝመርሕዎ ወይ ፈራዲ ኣድልዎ ብምግባሩ ወይ ተሪር ፍርዲ ብምፍራዱ።ንሱ ብቀሊሉ ከምዚ በለ፡ኣነ እዚ መቅጻዕቲ ፈጺሙ ይግብኣኒ እዩ።ከም ውጽኢቱ ድማ በታ መዓልቲ ምስ የሱስ ናብ ገነት ከይዱ -- ገነት ዝተዳለወ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓጥያት ዝወቅሱን ንዝኾነ ኻልእ ዘይወቅሱን እዩ።እንተ ድኣ ንሰበይትኻ ወይ ኣምላኸ ወይ ዝኾነ ይኹን ካልእ ሰብ ወቂስካ ምእንቲ ርእስኻ ከተጽድቅ ደሊኻ ንስኻ ፈሪሳዊ ኢኻን ንእግረ መገድኻ ናብ ሲኦል ኢኻን።ናይ የሱስ መዕጸዊ ቃላቱ ንፈሪሳውያን ዘፍርህ እዩ፡ኣቱም ኣትማን ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን ከመይ ጌርኩምከ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧(ማቴ.23፡33)።ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቅበል ካብ ኮንናስ፡ንኣምላኽ ብዜሐጒሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።ስለዚ ፍቅሪ ሕውነት ትጽናዕ(እብራ.12፡28,29 ; 13:1) ።ፈሪሳውነት ልክዕ ከም መግሊ ኣብ ውሽጢ ውዑይ ዝተበከለ ኣብ ቆርበትካ እዩ።ነፍሲ መከፍ መዓልቲ ጸሚቅካ ምስ ተውጽኦ፡ክሳብ ፈጺምካ ትጸሪ ብብዝሒ እንዳረኸብካ ትኸይድ።ስለዚ ናይ ግድን ኩሉ ፈሪሳውነት ኣብ ውሽጥና ዘሎ ጽሚቅና ከነውጽኦ ይግባእ፡ክሳዕ ምንም ዝተርፍ።ብቅንዕናዶ ንተኣመኖ፡ጐይታ ኣነ ገበነኛ ሰብ እየ።ብዓል ቤተይ ኣይኮነን ወይ ሰበይተይ ወይ ሓወይ ወይ ሓፍተይ ወይ ዝኾነ ካልእ፡ፈሪሳዊ ዝኾነ፡ኣነ እየ።በጃኻ ምሕረት ግበረለይን ፈጺምካ ኣድሕነንን ካብዚ ፈሪሳውነተይ።ጸጋኻ ሃበኒ ወደ መዝሙርካን ናይ ኣምላኽ ሰብ ክኸውንን።ከምኡ ውን ሓግዘኒ ኩሉ ግዜ ንኻልኦት ምሓሪ ክኸውን፡ልክዕ ከምቲ ንስኻ ንዓይ ምሕረት ዝገበርካለይ።ጐይታ ይደግፈና ኩለን ዕለታት ሂወትና በዚ መንገዲ ክንከይድ፡ከምኡ ድማ ሓደ መዓልቲ ብምልኣት ምእታው ናብ መንግስቱ ክህልወና እዩ።

ኣሜን,ኣሜን።