ሓምሳ ምልክታት ፈሪሳውያን

Written by :   Zac Poonen Categories :   Religious or Spiritual
    Download Formats:

Chapter 1
ሓምሳ ምልክታት ፈሪሳውያን

1.ፈሪሳውያን ምስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብዘለዎም ርክብ ይኽበሩ እዮም።

"ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። …." (ማቴ. 3:9)።


2.ፈሪሳውያን ብግዳማዊ ጽድቂ ይኽበሩ ።

"ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ. .." (ማቴ. 5:20)።


3.ፈሪሳውያን ምስ ሓጥኣን ሰባት ኣይሕወሱን እዮም። "ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም"(ማቴ. 9:11) ።


4.ፈሪሳውያን ነብሰሞ ዝሕስሙ እዮም ።

" ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ" (ማቴ. 9:14)።


5.ፈሪሳውያን ዋላ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት.፥ኣዚዮም ነቕፍቲ እዮም።

" ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡በልዎ"(ማቴ. 12:2)።


6.ፈሪሳውያን ብሕጊ ይነብሩ ።

" እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ" (ማቴ .12:10)።


7.ፈሪሳውያን ብቕንእን ጽልእን ዝተደረኹ እዮም።

" ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ" (ማቴ. 12:14)።


8.ፈሪሳውያን ተጠራጠርቲ እቲ ዝኸፍኤ ናይ ካልኡት ሰባት ክኣ ይግምቱ።

"ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤልዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ" (ማቴ .12:24)።


9.ፈሪሳውያን ኣብ ዘረብኦም ጥንቁቓት ኣይኮኑን።

"ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤልዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ" (ማቴ. 12:24)።


10. ፈሪሳውያን ብስም ሃይማኖት ሓላፍነት ስድርኦም ሸልል ይብሉ ።

" ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ 2 ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ። 3 ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም 4 ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። 5 ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። 6 ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። 7 ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 8 እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። 9 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ" (ማቴ. 15:1-9)።


11.ፈሪሳውያን ብቀሊሉ ተቐየምቲ እዮም።

"ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። 13 ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። 14 ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ" (ማቴ. 15:12-14)።


12.ፈሪሳውያን ንመንፈሳዊ ነገር ዕውራት እዮም።

"ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ" (ማቴ .12:14)።


13.ፈሪሳውያን ግቡዛት እዮም።

"ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺብሎም ጀመረ፥ ቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ንሱ ድማ ግብዝና፡ርእስኹም ሐልዉ" (ሉቃ. 12:1)።


14.ፈሪሳውያን ንኻልኦት ብቓላቶም ክሕዙ ይደሊዩ ።

"ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ" (ማቴ .19:3)።


15.ፈሪሳውያን ተረርቲ ልቢ እዮም።

"እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ" (ማቴ. 15:8)።


16.ፈሪሳውያን ዓው ዝበለ ምስጋና ኣብ ኣደባባይ ኣይድንቑን እዮም። "ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ" (ማቴ. 21:15)።


17.ፈሪሳውያን ምእዛዝ ዘይብሉ ፍልጠት ኣለዎም።

"ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ"(ማቴ .23:3)።


18.ፈሪሳውያን እቲ ዝሰብክዎ ኣይነብርዎን እዮም።

" ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ"(ማቴ. 23:3)።


19.ፈሪሳውያን ከቢድ ጽዕነት ኣብ ካልኡት የንብሩ።

"ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን" (ማቴ. 23:4)።


20.ፈሪሳውያን ካብ ሰብ ክብሪ ይደሊ እዮም።

" ኩሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ" (ማቴ. 23:5)።


21.ፈሪሳውያን ቅድስና ብናይ ሓደ ብቕዲ ክዳውንቲ ኢሎም ይሓስቡ።

" ኵሉ ግብሮም፡ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ" (ምሳ. 23:5)።


22.ፈሪሳውያን መዝነት ቦታን ናይ ክብሪ ስያመ ማዕርግ የፍቅሩ።

"ኣብ ኣውራ መቐመጢ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ ድራር ቦታ፥ ኣብ ቀዳምነት ዝዋሃቦም መዝነታት ክስጥሑ ፥ብናይ ሰባት ንኣዳ ነጸብራቕ እንዳ ተነየቱ፥"ዶክተር" ን "ረቨረንድ" ተባሂሎም ክጽውዑ የፍቅሩ እዮም" (ማቴ. 23:6-8 መልሰ ሓረግ)።


23.ፈሪሳውያን ንኻልኡት የባልሽዉ።

"ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትውዋን፡ ነቶም ኪኣትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም" (ማቴ. 23:13)።


24.ፈሪሳውያን ንድኻታት ይዕምጹን ይጥቀምሎምን።


"ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም" (ማቴ .23:14)።


25.ፈሪስውያን ኣብ ኣደባባይ መሳጢ ነዊሕ ጸሎት ይጽልዩ።

"ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም" (ማቴ .23:14)።


26.ፈሪሳውያን ሚስዮናዊ ዕዮ ምስባኽ ይዓዩን ንሰባት ክኣ ካዕቦ ደቂ ሲኦል ይገብርዎም።

"ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኩም እሞ፡ ወይለኹም" (ማቴ. 23:15)።


27.ፈሪሳውያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ምግላጽ ካብ ኣምላኽ ይትርጉምዎ።

"ኣቱም ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። 17 ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18 ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። 19 ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ 20 እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። 21 እቲ ኣቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል እሎ። 22 እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል" (ማቴ .23:16-22)።


28.ፈሪሳውያን ንፊደል ሕጊ ኣዚዮም ጥብቂ እዮም።

" ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽርተ ውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።"(ማቴ. 23:23)።


29.ፈሪሳውያን ፍትሒ ፥ምሕረት እምነት የብሎምን።

" ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽርተ ውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።"(ማቴ. 23:23)።


30.ፈሪሳውያን ቃርማ የጽርዩን ግመል ክኣ ይውሕጡ።

"ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ" (ማቴ ።23፥24)።


31.ፈሪሳውያን ኣብ ግዳማዊ ጽቡቕ ምስክርነት ጥራይ የድህቡ።


"ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26 ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ" (ማቴ. 23:25-26)።


32.ፈሪሳውያን ካልኡት ዝገብርዎ እከይ ንሕና ፍጹም ኣይምስገበርናዮን ይብሉ።


" ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 30 ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም" (ማቴ. 23:29-30)።


33.ፈሪሳውያን ንናይ እግዚኣብሄር ነብያት የሳጉጉ ።


"ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም። 35 እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ" (ማቴ. 23:34-35)።


34.ፈሪሳውያን ኣብ ናይ ሰብ ርእይቶ ብዙሕ ይግደሱ።


"ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ከመይ ደኣ ዘይትኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። 26 ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ንህዝቢ ንፈርህ። 27 ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም" (ማቴ ።21፥25-27)።


35.ፈሪሳውያን ገንዘብ የፍቅሩ።


"እቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ" (ሉቃ. 16፥14)።


36.ፈሪሳውያን ካብ ካልኡት ዝበለጹ ምዃኖም ይሓስቡ።


"ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥ 10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11-12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ" (ሉቃ. 18:9-11)።


37.ፈሪሳውያን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽድቂ ይኣምኑ።


"ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም" (ሉቃ. 18:9)።


38.ፈሪሳውያን ንኻልኡት ሰባት ይንዕቑ ።


"ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም" (ሉቃ. 18:9)።


39.ፈሪሳውያን ካብ ካልኡት ገዛእ ርእሶም የልዕሉ።


"እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። 14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ"(ሉቃ. 18:11-14)።


40.ፈሪሳውያን ብዛዕባ ዝዓየይዎ ዘከናወንዎ ይሕበኑ።


"እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ" (ሉቃ. 18:11-12)።


41.ፈሪሳውያን ንኻልኡት ይኸሱ።

"ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ 4 መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። 5 ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። 6 መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ" (ዮው. 8:3-6)።


42.ፈሪሳውያን እግዚኣብሄር ከም ኣቡኦም ይሓስብዎ ብልክዕ ግን ሰይጣን ከሎ ኣቡኦም።

"የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። 43 ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። 44 ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ" (ዮው. 8:42-44)።


43.ፈሪሳውያን ሓሰውትን ቀተልትን እዮም።

" ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ" (ዮው. 8:44)።


44.ፈሪሳውያን ንቶም ንዕኦም ዘይሰምዕዎም የሳድድዎም።

" ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ" (ዮው. 9:34)።" (ዮው. 9:34)።


45.ፈሪሳውያን ንሶም ክገብርዎ ዘይክእሉ ትኣምራት ዝገብሩ ይቕንኡ እዮም።

" እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ 48 ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ። 49 ሓደ ኻባታቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 50 ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። 51 በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። 52 ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን። 53 ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ" (ዮው. 11:47-53)።


46• ፈሪሳውያን ንናይ እግዚኣብሄር ሰባት ከምቲ ናቶም ልክዕ ስለ ዘየገበሩ ይፈርድዎም።

"ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ" (ዮው. 9:16)።


47.ፈሪሳውያን ንእግዚኣብሄር ይፍትንዎ ንዕኡ ምልክት ብምሕታት።

" ሽዑ ሓይሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና ኢሎም መለሱ" (ማቴ. 12:38)።


48.ፈሪሳውያን ነቶም ዝጠፍኡ ነፍሳይ ግዲ የብሎምን።

" እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም" (ዮው. 7:49)።


49.ፈሪሳውያን ካብ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ንላዕሊ ንስርዓቶም ዋጋ ይህብዎ።

"ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ አሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ አሎኹም። 9 ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ" (ማር. 8:9)።


50.ፈሪሳውያን ገዛእ ርእሶም የጽድቑ።

" በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ" (ሉቃ. 16:15)።